ቤዛዊት 13 ክፋል

ሳሚ: ብዝዓባ ኩነታት  ጁባ( ርእሲ ከተማ ናይ ደቡብ ሱዳን)  ጽጹይ ሓበሬታ ንምርካብ ካብ ጁባ ዝመጹ  ነጋዶ እናተወከሰን እናሐተተን ሓበሬታ ኣብ ምእካብ  ተጸሚዱ ቀንዩ። ከተማ ካምፓላ ቀንዲ ሕመረት ዕዳጋ ናይ ጁባ ኢያ። ነጋዶ ካብን ናብትን ንብረት ከጓዓዕዙ በቀጻሊ ኣብቲ ዑሙር ዕዳጋ  ማእከል  ከተማ  ካምፓላ ትዕዘብ። ሳሚ፡ ካብቶም  ብቐረባ ዝፈልጦም ነጋዶ ዝኣክል ሓበሬታ ሰነቀ። ከባቢ ሰዓተ ኣርባዕተ ትኬት ቆሪጹ ንማማ ኣብርሀት ብስልኪ ደዊሉ ሰላም መንገዲ ክኾነሉ ኣብ ጸሎት ክዝክርኦ ተማሕጸነን ። ማማ ኣብርሀት ካን ብሓደ ኣፊቱ ከይረኸብካኒ ክትገይሽ ኣይፋልካን ዝወደይ  ግድነት ገዝአን መጺዩ ክፋነወን ኣጥቢቀን ተላበወኦ። ሳሚ እንተ ተሪፈንኦ ዘለዋ ሰዓታት ኣብ ምድላዉ መገሻኡ ክጥቀመለን ከም ዘለዎ ከረድአን እኳ እንተፈተነ ኣደይ አብርሀት ደጊመን  ዝወደይ ገዛይ መጺኻ ክትፋነወኒ ኣለካ ኣጥቢቀን ተማሕጸንኦ፡ ደሓር ከኣ ጸበል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኣደይ ማርያም ኣብቲ ትኸዶ ክጠቅመካ ካብዘን ዘለዋኒ ቁሩብ ቁራቦ  ከካፍለካ ምስ በልኦ ዓቅሉ እናጸበቦ  ናብ ገዝኣን ኣምርሐ።ሳሚ፡ ኣብ ገዝአን ከይዱ ክፋነወን ዘይደለየ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ምስ ማማ ኣብርሀትን ቤዛን ዝመሥረቶ ፍቅሪ ከም ዘሰንፎ ኣንዳዕዲዑ ሰለ ዝፈልጥ  ካብ ቅድሚ ዓይነን ክእለ ልቡ ምእዛዝ ከይኣብዮ ስለ ዝሰግአ እዩ። ሳሚ ቦዳ ቦዳ ( ሞተር ሳይክል ) ትወጢሑ ሸዓ እንዳ ማማ አብርሀት ደበኽ በለ።  ዝወደይ መጺኻ’ዶ ነዓበል ኮፍ በል ኣብዚ ኽሸነ ፡ንመገሻኻ ዝኸዉን ሕንባሻ የስንክተለካ ኣለኹ እናበላ ነቲ ቤሑቕ ዘተጸየቀ ኢደን ተሓጺበን፡ ካብቲ ዉዑይ እንጀራ ኣዋዘ ለኽየን ሃብኦ። ነታ ኣብ የማነን ዘነበረት ባራድ ለቕልቀን ነቲ ዝፈልሕ ዘነበረ ጸብሒ ብምዉራድ ነታ በራድ ኣብቲ ሃልሃል ዝብል ዘነበረ ፋርኔሎ ኣቐመጥኦ።

ካን! ካብዛ ቅድሚና ከትፍለ ነፍስኻ ጌርልካ  ፡  ዕጭለይ ኢልካ ኣቅቢጽካ ፡ክትፍለያና መሪጽካ። ናተይ’ሲ ደሓን ወላዲትካ  እየ፡  ነቦኻ ቀሺ ግና ዘይትሰምዖም። ሓቅኽን ኔርክን ማማ ኣብርሀት፡ ሱቅ ኢላ ቁሩብ ሠሪሐ ነብሰይ ኣለይ መለይ እንተ በለኩ ኢለ’የ። ዓቅሚ ኣዳም በጺሐ ንወለደይ ዝሕግዘሉ ዕድመ  ክንሱ ካብ ወለደይ ክጽበ  ሕልናይ ምቅባል ኣብዩኒ ።ንኽንደይ ዓመታት ዝኣክል ስድራይ ሓብሒቦሙንስ ደበሳ ኵሉ ዝሓብሓቡኒ እኳ እተዘይ ከፈልኩ ነዛ ነብሰይ ምእላይ ንባዕሉ ዓቢ ሓገዝ ኢዩ። ኣየ ዝወደይ መዋዕእልካ ክትሕግዝ ከትነብር እንዲኻ ፡ እዚ ዓዲ ናይ መስጋገሪ ወደብ ክትቆጽሮ ኣለካ ፡ እምበር ወለድና ዝጽንሑልና ቅዱስ ባህልን ያታን  ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ምሳና ተተርኢስናዮ ኢና ንነብር። እንታይ እሞ ይገበር  ካብ ወሰንካ፣ ፈትኖ  እሞ  ደስ እንተዘይ በለካ ቀልጢፍካ ትምለስ ። ሳሚ ሓቅኽን ንሱስ ዋላ ይፍትኖ እሞ እንተዘይ ተዓዊተ ይምለስ። እዛ ቤዛ ጓለይ ጽቡቅ ኣልሚድካ ድሕሬኻ እንታይ ከም ትኸዉን ኣይትፈልጥን  ዓቅላ’ዩ ጸቢብዋ ዘሎ ፣ ወረገይ ኣቐድም ኣቢላስ ምስኡ እንተዘይ ከዱ’ያ ክትብለኒ ጸኒሓ። ቤተ ክርስትያን ጸሎት ሠርክ ከትብጽሕ ምስ ከደት ምስ ደቂ ኣቦይ  ቐሺ መዝሙር ወይ ድራማ ክላመዳ ኣቡኡ ገዲፈዮም።

ማማ አብርሀት ኣነ እምበር ጽቡቅ ለሚደ ወላዲተይ ብኣካል እንኳ እንተ ተፈለኽዋ ኣምላኽ ግና ኣይሓደገንን ክንዲ ወላዲተይ  ንዓኽን ኣሕሊፉ ጸኒሕኒ  ምስኻን ካብ ዝተራኽብኩላ መዓልቲ ጀሚረ  ኣደይ  ናፊቐ ኣይፈልጥን። ማማ አብርሀት ቤዛ ጓለን ክትመጽ እሞ  ብሓባር ክድረሩ  እንተ ተጸበያ ፡ ቤዛ ግን ኣይግድን ቀልጢፋ ክትመጽእ ኣይከኣለትን። ስለ ዝደንጎየቶም  ከኣ በይኖም ድራሮም በልዑ። ሕንባሻን ኣብ መገዲ ዝብልዖ እንጀራ ቋጺረን ወላዲተ ኣምላክ ምስኻ ትኹን ፡መልኣኽቲ ብኽንፎም ይሓልዉኻ፡ እግዚሄር ዝሓሰብካዮ የስምረልካ ኢለን  ካብ ኣፈን ናይ ምረቃ ቃላት ከዉጽኣ ካብ ዓይነን ንብዓት ወረር ወረር በለን። ንቅድሚአን  ስሒበን ከኣ ኣብ ግንባሩ ሰዓምኦ ፡ ሓደራኻ ዝወደይ  ድሕሪ ወርሒ ወይ ቅድሚኡ ግድነት ተዛወረና ኢኻ። እዚ ወደይ ኣብ ምላሽካ ንኽህነትካ ትኸዉን ሓንቲ ህያብ ብዘይካኻ ንኻልእ ሰብ ክህቦ ዘይደሊ ሕሉበይ ንጹፈይ ዝኾነት ሜላት  ኣዳልየልካ ክጸንሕ’የ ብምባል ተፋነዉኦ።

ሳሚ  ንግሆ ሰዓት 5፡00 ቅ.ቀ ብሞተር ሳይክል( ቦዳ ቦዳ) ተጠቂሙ  ናብ እንዳ ኣውቶቡስ ብምኻድ ቁጽሪ ትኬቱ ንተሓጋጋዚ ኣውቲስታ (ፈቶሪኖ) ብምርኣይ ሰፈሩ ሓዘ ሠናይ ጉዕዞ ክኾነሉ ብምምናይ አቡነ ዘበሰማይ ጸለየ፡  ውዳሴ ማርያም ካብ ጅቡኡ ኣዉጺኡ ድማ  ከንብብ  ጀመረ። እታ ሰሪርዋ ዘነበረ ባሊላ ኣብ ከተማ ካምፓላ ጻዕቂ መካይን ሰለ ዝጋጠማ  ቀስ ኢላ ከትከይድ  ድሕሪ ምጽናሕ  ካብቲ ከተማ ዉጽእ ምስ በሉ ነቲ ዝጠፍአ ግዜ ንምሽፋን ኣዉቲስታ   ከም ንፋስ  ክሕንበብ  ጀመረ። ድሕሪ ናይ 6 ሰዓት ጉዕዞ ኣብ ከተማ ኣርዋ በጽሑ ናይ 15 ደቃይቅ ዕረፍቲ ተዋህቦም  ።ሳሚ ፡  ኣብ ኣርዋ  ምስ ክልተ  ኤርትራውያን መንእሰያት  ነጋዶ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ተላለየ። እናተመስሑ ብዛዕባ ጉዕዝኡን መደባቱን ኣዕለሎም፡ ንሶቶም  ድማ ካብ ተሞክርኦም ብዙሕ ምኽሪ ለገስሉ ።  ድሕሪ ምስሓ ንሶም ዋው (Waw) ዝብሃል ናብ  ከተማ ይጓዕዙ ስለዝነበሩ ቅድሚ ናብ ኮፍ መበሊኦም ስፍራ  ምምላሶም  ቁጽሪ ተሌፎን ተለዋወጡ። ኣውቶቡስ ናይ ምብጋስ ጥሩንባ ምስ ነፍሐ ኵሉ ተሳፋሪ ቀንጠመንጢ ዝብላዕ መግቢ  ማለት ከም ፍሩታ፡ ዕፉን፡ ካሳቫ፡ ቃንጫ ሽኮር ካልእን ገዚኡ ሰሰፈሩ ሓዘ። ሳሚ ዝተጠበሰ ካሳቫ እናግሃጸ ዕላማ መገሹኡ ክመዝን ጀመረ። ካብ ካምፓላ ምርሓቁ መንፈሳዊ ክሳራ ከም ዝገጥሞ ቅድሚ ምብጋሱ ደምዲምዎ እዩ። እቲ ብሥጋ ዝረብሖ ነቲ ብመንፈስ ዝኸስሮ ክትክእ ከምዘይክእል ይተኣማመን'ዩ።በቲ ሓደ ወገን ከኣ  እቲ  ቀንዲ ካብ ካምፓላ ክፈልስ ዝገበሮ ምኽንያት  ምስ ቤዛ ዝመስረቶ ርክብ  ኣብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ናይ ድኻም መንፈስ ከይዓስሎ ዝካያዶ ዘሎ መንፈሳዊ ዉግእ ምዃኑ ዘከረ ። ብፍላይ ዲ.መርሃዊ ማዕረ ክንደይ ንቤዛ ከም ዘፍቅራን፡ እታ እንኮ ደጋፊት ሕይወቱ ክትከዉን ትኽእል ንሳ ጥራሕ ምዃና ዝሓበረሉ ዕለት ክዝክር ከሎ ቤዛ ዋላ’ኳ  ካብ ሕዉነት ዝሓለፍ ተኽሊ ፍቅሪ ኣብ ልቡ  ክትዘርእ እንተ ኸአለት ምስ ቤዛ ዘለዎ ርክብ ስለ ዲ.መርሃዊ ኢሉ ገደብ ክገብረሉን ከቋርጾን ወሰነ ። ምስ ቤዛ ዘለዎ ርክብ ናብ ካልእ ምዕራፍ ከይሰግሮ ነብሱ ክገትእ ምስ ገዛእ ነብሱ ትማያየጠ። ቅድሚ ናቱ ድሌት ናይቲ ኣብ መንፈሳዊ አገልግሎት ንኽዓቢ ዝሓገዞ ዓርኩ ዲ.መርሃዊ ክሰርዕ “ ንብጻካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር “ ዝብል ቃላ ኣምላኽ ደጋጊሙ ንእዝነ ልቦንኡ ኳሕኮሖ ። ዲ.መርሃዊ ብመንፈስን  ብሥጋን ካብኡ  ንላዕሊ ዝበስለ ሰብ ስለዝኾነ ንቤዛ ኣብቲ ትደልዮ ደረጃ ንኽትብጽሕ ከም ዝሕግዛ  ስለ ዝተኣማመን ንቤዛ  ምስ ዲ.መርሃዊ ምጽጋዕ  እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ  ምዃኑ ወድኦ።

ሳሚ  ምስ ዲ.መርሃዊ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ኢድን ጓንትን ኮይኖም  ይሠርሑ ስለ ዘነብሩ ኣብ መንጉኦም ዘሎ ፍቅሪ ብዝኾነ መገዲ ክብተኽ ኣይደልን ፡ ንፍቅሪ ብጻይካ  እቲ ዝድለ ዋጋ ክኽፍለላ እቲ ዝፈትዎ ነገር ክሥወዓላ ቅሩብ ምዃኑ ንነብሱ ይእሚንዋ'ዩ። ፍቅሪ ቅድሚ ናትካ ድሌት ናይ ሓዉኻ ድሌታት ከተማልእ ስለ ትግድደካ ፡ፍቅሪ እቲ ናታ ስለ ዘይትፈቱ፣ ቤዛ ዋላኳ ምሳይ ጽቡቅ ርክብ እንተ ሃለዋ ንዲ.መርሃዊ ክትከዉን ኣለዋ ብምባል ናብ ጁባ ይገይሽ ምህላዉ  መንፈሳዊ ሥራሕ ስለ ዝቐድመ  ተሐበነ። ሰይጣን ኣብ ማኅበርና ኣትዩ ነዛ ማሕበር  ብሰንከይ ኣብ ክልተ ክትርትራ ኣየፍቅድን  እናበለ ኣብ ድቅድቅ ሓሳባት ተሸሚሙ ከሎ ከይተረድኦ ኣብ  ከተማ ኮቦኮ( Koboko) ብጽሐ። ናብ  ሞባይል ግልጽ እንተ በለ  ሰዓት 8፡17 ድ.ቀ ትብል ነበረት ። ኣብ ኮቦኮ  እቶም ዝተላለዮም ሰባት ንሕና ኣብዚ’ዩ ምሕዳርና ንስካ’ኸ  እንታይ’ዩ መደብካ በልዎ᎒ ሳሚ ኣነስ ጽባሕ መንገዲ መታን ክሓጽረለይ መሬት ደቡብ ሱዳን ክሓድር ይሕሸኒ በሎም ። ንሶም  ጽብቅ የሰላልጠልካ እሞ ምኒባስ ከነስቅለካ ኢሎም ናብቲ  መጓዓዝያ መካይን  ወስድዎ ። ጽብቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክትመልእ ዝቀረብት ምኒባስ ረኸቡ እሞ  ናይ ሚኒ ባስ ገንዘብ ነቲ ተሓጋጋዚ ኣዉቲስታ ብምኽፋል ተሰናበትዎ  ።ሳሚ ነቶም ጽቡቅ ዝገብርሉ ኤትራዉያን ስለቲ ዝገበርሉ ሓገዝ ኣመስገኖም። ድሕሪ 40 ደቂቅ  ጉዕዞ ድማ ናብታ ፈላሚት ከተማ ናይ ደቡብ ሱዳን ዝኾነት ካያ(Kaya ) ኣተወ።ናብ ቤት መግቢ  ሓበሻ ብምኻድ ከብዱ ድሕሪ ምዕንጋል ብቀጥታ ናብ መዕረፊ ኣጋይሽ ኣምርሐ ድኻም ስለዝነበሮ  ክድቅስ ደለየ  እንተኾነ ግን ንኣደይ ኣብርሀት ብሰላም ከም ዝኣተወ ክሕብርን  ቃል ኣቲዩለን ስለዘነበረ  ከምኡ’ዉን ነታ ክብገስ ከሎ  ዘይተፋነዋ ቤዛ ደሃያ ክገብር ተሌፎኑ ክጠዋውቅ ጀመረ ።

ማማ ኣብርሀት ኣብ ዓራት ገቦ ኮይነን መጽሔት ክንብባ ከለዋ ቤዛ ኣብ ጎነን ኣብ ሲድያ ኮፍ ኢላ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ ነበረት።፡ ሳሚ ምስ ደወለ ሞባይላ ኣብ ጥቃ ማማ ኣብርሀት ባትሪ ትመልእ ስለ ዘነበረት ድምጺ ናይ ተሌፎን ምስ ሰምዓ ሕጂ ዝድዉለልና ሰብ ድኣ መን’ዩ ኢለን ፡ ሰላም መን ክብል ምስ በላ  ናይ ሰሚ ድምጺ  ምዃኑ ምስ ኣላለያ  ፡

ማማ ኣብርሀት ፡  ሃለዉ  ሳሚ ወደይ ፡

ሳሚ፡ ከመይ ኣምሲኽን ማም ኣብርሀት ፡

ማማ አብርሀት፡ እግዚአብሔር ይመስገን እዚ ወደይ ከመይ ኣሎ ጉዕዞ

ሳሚ እግዚአብሔር ይመስገን ጽቡቅ ኣሎ ፣  ሳላ ጸሎትክን  ብሰላም ዶብ ሱዳን በጺሐ ኣለኹ ። ሕጂ ኣብ  መዕረፊ ቦታና ኮይነየ ዝድዉል ዘለኹ

ማማ ኣብርሀት፡ ጽቡቅ ዝወደይ በል ደኺምኻ ኢኻ ዘለኻ እሞ  ምስ ሓፍትኻ ከራኽበካ ጁባ ምስ ኣተኻ ደውለልና ኢኻ ሓደራኻ ።

ሳሚ፡ ሕራይ ማማ ኣብርሀት በለን ፡ ማማ ኣብርሀት ቤዛ፡ ቤዛ  ኢለን ተደሃያ ቤዛ ቀልጢፋ ግለጽ ኣይበለትን ።ቤዛ ሓንሳብ መጽሐፍ ቅዱስ ከተንብብ እንተጀሚራ ክሳብ እታ ምዕራፍ ትዉድኣ ዝጸዋዕካ እንተጸዋዕካ  ፈጺማ ኣይትሰምዓካ’ያ። ሳሚ፡ ማማ አብርሀት ቤዛ ቤዛ  ክብላ ምስ ሰምዓ  ቤዛ ቀልጢፋ መልሲ ዘይምሃባ ኣሻቂልዎ ምስኡ ንኸይትዛረብ ዝተቀየመት ኮይኑ ተሰምዖ። ድሕሪ ሒደት ስክንዲ ግና  እንኪ ቤዛ  ሓውኪ ደዊሉ ኢለን ኣቀበልኣ። ቤዛ ነቲ ተንብቦ ዘነበረት መጽሐፍ ቅዱስ ኣማዕቲባ ድሕሪ ምዕጻዉ ፡ ትቅብል ኣቢላ

ቤዛ፡ ሳሚ ሓወይ በለት፡

ሳሚ፡  ሄሎ ቤዛ ሓፍተይ ከመይ ተዋዒሉ በላ እናሰሓቀ፡

ቤዛ፡  ሰሓቅ ተራኢካ ንዓይ እዛ መዓልቲ ከብተን ኣብ ሕይወት ዘይርሰዓን ዘይተሓጎስክላ ዕላታት ኮይና ሰፊራ ኣላ። እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኻ! ገሪሙኒ ናትካ ነገር ። ግና ደሓን እታ ምስ ማሚተይ ዝሓደጋካያ  ማዕተብካ ልዕሊ ኵሉ ኣጸናኒዓትኒ ኣላ። ሳሚ ሓወይ  ከገርመካ ከምዚ ዓመት ዝተፈለኻና ኮይኑ ተሰሚዑና  ፡ ሕጂ እኳ ንሓይሽ እምበር ድምጽኻ ሰሚዕና ብጣዕሚ ተሻቂልና ዉዒልና ምስ ማሚተይ ። ከመይ’ከ  ኣሎ ጉዕዞ ⵗ

ሳሚ ፡ ጉዕዞ  ድኻምን ናፍቆትን ገዲፍካ ድሓን ኣሎ ኣምላኽ ይመስገን።

ቤዛ፡  ናይ ምንታይ ናፍቆት ᎒ ሳሚስ እምበአር ናፍቆት  ትፈልጥ  ኢኻ ፡  ኣይትኺድ ኢልና ክንልምነካ ምስማዕ ኣቢኻ ምሽ ።

ሳሚ፡ ቤዛ ናይ እንጀራ ጉዳይ ኮይንኒ ፡እንታይ ክንገብር ኢልክኒ  እምበር ካብ ትፈትዋ ሓፍትኻን ትፈትዋ ኣዴኻን ምፍላይሲ ከቢድ’ዩ። "ዘይሠርሕ ኣይብላዕ ተባሂሉ " ሰለ ዝተባህለ ነገር ርእስኻ ምኽኣል ኮይንኒ በላ እናስሓቀ ፡

ቤዛ፡ ገንዘብ ከይዉደኣልካ ሕጂ መዓስ ኢካ ጁባ ክትኣቱ ⵗ

ሳሚ ፡ጽባሕ ንግሆ ተበጊሰ ከባቢ ሰዓት 3፥00 ድ.ቀ ክኣቱ እየ ፡

ቤዛ፡ጽቡቅ በል ምስ ኣተኻ ድሃይ ግበረልና ኢኻ ደኺምካ ከይትህሉ፣  የዕርፍ ሕጂ ሰላም ምሸት እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሳኻ ይኹን።

ሳሚ ፡  ቃል ዓለም ኣይገበረን ኣሜን ንኩላትና ቤዛ ሓፍተይ።

ሳሚ፡ ጁባ ምስ ኣተወ ኣብ ሰሙኑ ሓንቲ ንእሽተይ ድኳን ብዚንጎ ዝተሰርሐት ተኻርዩ ንብረት ንኽመልኣ ላዕልን ታሕትን ክብል ጀመረ።ኣብ  ጁባ ን6 ወርሒ ንክራይ ድኳን ትኸፍለሉ ገንዘብ እንተ ረኺብካ ብዛዕባ ንብረት  ምምላእ  ከም መንፍዓትካ ኢዩ። ከመይሲ ንብረት ካብቶም ዓበይቲ ነጋዶ ገንዘብ ከይከፈልካ ተምጽእ እሞ  ምስ ሸጥካዮ ገንዘቦም ትመልሰሎም ። እቶም ሸቃጦ ካብ 2 ሰሙን ክሳብ 1 ወርሒ  ዝኣክል ንብረቶም ሻይጥካ ገንዘቦም ክትመልሰሎም ዕድል ይህቡኻ። ምስ ሰባት ጽቡቅ ርክብ ዝምስርት  ሰብ ብፍላይ  ንብረት ሸይጡ ከየላበወ ገንዘብ ናብ ዋንኡ ዝመልስ ሰብ ፡ ቀልጢፉ ንኽዓቢ ብዙኅ ኣየጸግሞን ። ሳሚ ዋላ እኳ ጋሻ እንተነበረ  ድያቆን  ምዃኑ  ሓጊዝዎ  ብዙሓት ሸቃጦ ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስትያን ካምፓላ መንፈሳዊ ኣገልጉሎት ክህብ ሰለ  ዝርእይዎ ንብረቶም  ብእምነት ንኽህብዎ በሪ ከፈተሉ። ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰሙን ድማ ደሓን ዝኾነ  ገንዘብ ኣጠራቀመ።  ዉሽጡ ግና ዕግበት ሕልና ዝበሃል  ኣይነብሮን ሰላሙ ክብረዝ ካብ ዝጅምር ዳርጋ ሰሙን ኣቁጺሩ። ካብ ካምፓላ ምርሓቁ  ኣየቅሰኖን ። በተወሳኺ  ርግኣተን ሰላምን  ከተማ ጁባ  ስለ ዘየተኣማምነካ ሕይወትካ ኣብ ኢድካ ኢኻ ዓሚኽካያ ትኸይድ ። ናይ ጁባ ንግዲ ነብስኻ ኣብ ሓደጋ  እናእተኻ'ዩ። ብፍላይ ለይቲ ለይቲ እቶም ደቂ ዓዲ ብረት ሒዞም ብምምጽእ ንብረትካ  ክዘርፉ ንዓኻ ክቀትሉኻ ኣይጸልኡን። ቀጻሊ ንግሆ ንግሆ ኣብ እዋን ቁርሲ ትሰምዕ ዜና እንተ ሃልዩ እዞም ጸለምቲ  ንእከለ   ገንዘቡ እንድዮም መንጢሎሞ፡ ናይ እከለ ድኳን ዚንጎ ቀዲዶም ብምእታው ዘሚቶሞ ዝብል ዕላል ካብ እዝንኻ ኣይፍለን ኢዩ። ሳሚ ዘይርጉእ  ሃዋሁ ጁባ ቅሳነት ክህቦ ኣይከኣለን  ፡ ብፍላይ ዝተለቃሕካዮ  ንብረት ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቶም ደቂ ዓዲ እንተ ዘሪፎሞ  ካብ ጁባኻ ከሲርካ ትኸፍሎ ብሙኻንካ ጽባሕ ንግሆ እንታይ የጋጥሞ ሰለዘይፈልጥን ቀሲኑ ደቂሱ ኣይፈልጥን። እታ ኣብ መጽሓፍ ሲራክ ዘንበባ ጽሑፍን ናይ ማማ ኣብርሀትን ቤዛን ምሕጽንታ ናይ ጠርነፍቲ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ለበዋ ኣብ ሕልንኡ ወትሩ'ዩ ቁጅል ዝበሎ ።

 

14 ክፋል  ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

ቤዛ ናቱ

 

Comments are closed.