ቤዛዊት-ካልኣይ ክፋል

ምስ ማማ ኣብርሃት  ሓደ ሰሙን  ዝኣክል ናይ  ገዛ ኣቁሑት ክንገዛዝእ ንዕዳጋ ተመላሊስና። ምስ  ቤዛዊትን  ከኣ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ናብ ጉባኤ ክትሳተፍ ምሳይ ይወስዳ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል መዓልታዊ ጸሎት ኪዳን ሰለ ዝካየድ ኣብ ምስ ማማ ኣብርሃትን ቤዛን ንራኸብ። ኣብ ኡጋንዳ  ትምህርቲ ሰንበት ጉባኤ ዝካየድሉ ስፍራ  ኣብ ማእክል ከተማ ናይ ካምፓላ ኮይኑ  ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ግና ኣብ ጫፍ ናይቲ ካምፓላ ኣብ  ብርኽ ዘበለ ጎቦ ተዶኪኑ ይርከብ ፡። ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝወስድ ጎቦ ክትሓኹሮ ኣስታት 8 ደቃይቃ ኣቢሉ ይወስደልካ፡  መብዛሕትኡ  ሰብ እኳ ብሞተር ብሽክለታ ሰሪሩ እዩ ነቲ ተሪር ዓቀብ ዝወጾ።

 ማማ ኣብርሃት  ምስ ቤዛዊት ጓላ ነታ በራኽ ዓቀብ  መዓልታዊ ብእግረን እናሰሓቃ ሰላይ እናበላ ይሓኽርኦ። ብፍላ ኣብታ ትራር ሸተት ተብል ንገዝኣን እንተ ምርሕ  መንገዲ እንተ ወሓደ ክልተ ግዜ ከም ዘወደቃ ሓቢረናኒ ኣለዋ። ቤዛዊት ነታ  ሻታሕታሕ እተብል ለማጽ ቦታ ፈጺማ ኣይትፈትዋን ኢያ። ኣብታ ቦታ ኣርባዕተ ግዜ ዝኸዉን ወዲቃ እያ ።  እቲ ጸገማ ካብ ኣካያይድኣ ምዃኑ እናሰሓቀት ማማ ኣብርሃት ወትሩ ትሕብረኒ። ቤዛ ከትከየድ ከላ ሸበጣ ሸርፈጥ እና በለት ሰለ ትኸይድ ምስ መሬት  ተጋጭዩ ዝፍጠሮ ብርቱዕ ድምጺ ካብ ሩሑቅ ኢኻ ትሰምዖ ። ቤዛ ትመጽእ ከምዘላ ድምጺ ጨማኣ  ይመጽእ ኣለኹ እናበለ  ናይ መጻኹ ደወል ይቃጭል ። ቤዛ በላሕ ፡ ከደረይቲ ፡ ሕጽር ዘበለ ቁመት እትዉንን፡  ሰሓቂት ፡ ገርሂ፡ ዓይና ዓይኒ ፍንጃል ፡ ተቀባሊት ገሻ ፡ ትሕቲ ፍጥረት እያ። ኣብ ማሕበርና ካብ ትመጽእ ዋላ’ኳ ሓጽር ግዜ ትግበር እምበር ድሮ ኣብ መዝሙር፡ ድራማ ኮታስ ኣብ  ዝተፈላለዩ ጽፍሒ ፡መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ግዜ ኣይወሰደላን ። ብፍላይ ድራማ ክትሰርሕ ከላ ትዉህቦ ናይ ሰነ ጥበብ ከም ዘለዋ ቀልጢፍካ ተለልያ። ሰነ ጽሑፍ ከተንብብ ከላ ከኣ ፍልይቲ፡ ነቲ ትንብቦ ጽሑፍ ኣብ ስሚዒት ኣትያ ሰለ ተንብቦ ምልእኽቲ ናይቲ ጽሑፋ ኣብ ልብኻ ከም ዝተርፍ እያ ትግብር።
   ይዝከረኒ ሓደ መዓልቲ ኣብ በዓል ናይ  ሰማዕታት  ግጥሚ ከተቅርብ ተወኪሰያ ። ቤዛዊት ግና ፍቃደኛ ኣይነበረት ። ሰለምታይ ኢለ ምስ ሓተትክዋ?  ካብ  ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝግበር ንጥፈታት ክትሳትፍ  ዉሽጣዊ ብህታ ከም ዘይፈጥረላ  ነገርትኒ ። ጽባሕ ንግሆ ኣብ ሕይወት ፈተናታት ከጋጥማ ከም ዝኽእል ነጻ ኮይና ኣተንበሃትለይ። ኣብ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ እንከላ ኣብ ክፍሊ ድራማ ኣባል ከም ዘነበረት  ገለጸትለይ። ከምዚ ድማ በለትኒ  ኣብ ዓለማዊ ሰነ-ጥበብ ክሳተፍ ከለኻ ከባቢኻ ንመንፈሳዊ ዕበየት ዝሓንቁ ፈተናታት ዘተበከለ ሰለ ዝኾነ ብጸላኢ ሰናይ ቀልጢፍካ ክትሰዓር ትኽእል።  ኣብ ሰነ-ጥበብ ምስታፍ ሓጥያት እዩ ኣይኮንኩን ዝብለካ ዘለኹ ትርደኣኒ ትህሉ ትኸዉን ። ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዘግበር ዕዮታት ንመንፈሳዊ ጉዕዞይ ፈታኒ ኮይኑ ሰለ ዝረኸብዎ፡ ቅድም መንፈሳዊ ጸላት ልበይ ብቃላ ኣምላኽ  ክብስል ከም ዘለኒ ምስ ነብሰይ ተረዳዲአ። ሰለዚ ሳሚ ሓወይ እዛ ግጥሚ ትብላ ዘለኻ ሰለ ማርያም ኢለካ ባዕልኻ ኣቅርባ በለትኒ ። እቲ ዝገርመካ ኣብ ክፍሊ ድራማ ክሰርሕ ከለኹ ንሰባት ክሕጉስ ለይትን መዓልትን ደቃስ ለይቲ ከማን ኣይነብረንን። እንታይ ክዳን   ተኸደኩ፡ እንታይ ዓይነት ዓላላት ኮን ንሰባት ዝማርኽ ክዕልል ፡ ኮታስ ብሰባት ተፈላጥነት ክረከብ ንዕኦም ዘዕግቡ ነገረ ኣብ ኣብ ምኽሻን እየ ተዋፊረ ነይረ ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓለም ተኺላ ተወሒጠ  ከለኹ  ኣብ ቤተ ክርስቲያና ድያቆን ሰሎሙን ዝሃበና ትምህርቲ መቃይሮ ምዕራፍ ናይ ሕይወተይ ኮይኑ ። ዲያቆን ሰሎሙን እንታይ ትምህርቲ ደዩ ሚሂሩ ድራማ ኣይትስርሒ ድዩ ኢልኩም ። ከምኡ ኣይኮነን ንሱ ዝመሃረና “ ኵሉ ንብረትኩም ንወንጌል ክስቶስ ዝብቅዕ ይኹን “ እዩ ዝበል ነይሩ ። ምልስ ኢለ ሕይወተይ ክድህስስ ምስ ፍተንኩ ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ፈረ ግብሪ፡ ዋላ ሓንቲ ከምዘይብለይ ነጸረለይ። ካብታ ዕለት ጀሚረ  ብንኡስ ዓቅመይ ኵሉ ዝግብሮ ነገራት ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ባህ ኣብ ዘብል ዕዩ ተቆሪነ ክጽመድ ከም ዘለኒ ምስ ነብሰይ ተላዘብኩ።   ካብ ቤዛ  ዘይሓሰብክዎ መልሲ ሰለ ዝረኸኩ በጣዕሚ ብግብረ መልሳ ተገርምኩ። እንተ ኽዕነ ግና እታ ግጥሚ ብምስ ቤተ ክርስቲያን ወኪላ ከተረቅርባ ከም ዘለዋ ድሕሪ ክንደይ ሙጉት ተረዳዳእና። እቲ መራሒ ናይቲ መደብ ግጥሚ ዘለኩም ኣብ መድረኽ ደይቡ ምስ በለ ከኣ መስርዓ ሓልያ ድማ ነታ ግጥሚ ብዝዋሕለንን ልብኻ ብዝምስጥን  ኣገባብ ኣቅረበታ ።ንብዙሓት ሰባት ናብ ተመስጦ ሰዊራ ንብዓት ኣብ ምዕግርቶም ወር ወር ከም ዘብሉ ገብረቶም።እቶም ተሳተፍቲ  ናይቲ በዓል  ካብ መድርኽ እናወረድት ከላ  ተስፋ ዝህቡ ቃላት መገብዋ፡ በርቲዒ ቀጽልዮ ኣብ ዘመጽእ ከኣ ካብዚ ብዝበለጸ መንገዲ ጽሑፍት ከትቅርቢ ንላበውኪ ዝብሉ ዘረባታት ኣብ እዝንኻ  ካብ ኩሉ እቲ ሸነኽ ናይቲ ኣዳራሸ ይስማዕ ።ገሊኦም ከኣ  ቁጽሪ ተሌፎና ወሲዱም ክድዉሉላ ምዃኖም ሓበርዋ።
    ምስ ቤዛዊት ኣብ ማሕበርና ኣብ ክፍሊ ድራማ ብሓደ ኮይንና ክንዓይይ ካብ  ንጀምር ኣስታት 8  ወርሒ ኣቁጺሩ ።ቤዛ ዘተዋህባ ጽሑፍ ቀልጢፋ ናይ ምጽናዕን፡ ንዝተመደበላ ገጸ ባህራያት ንኽትለብስን  ዉሑድ ግዜ እዩ ዝድልያ። ናብ  ልምምድ ንግበረሉ ኣዳራሽ ምስ ቤዛ  ብሓበር ኢና ንኸየድ ። ካብ ሚኒባስ ወሪድና  ናብ ገዝኣም ዘወስድ ጎደና ክንሕዝ ከለና ዝተጠብሰ ሸዊት ዕፉን እና በላዕና ወይ ጀላተ እናለሓስና  ኣብ ጉባኤ ዝተማህርናዮ እናተሓተተና ከኡውን  በዘዓባ ታሪኽ ቅዱስን ወይዉን መንፈሳዊ ኣርእስቲ እናተዛራርብና ከይተረደኣና  ገዞኣኦም ደበኽ ንብል።
ንሓደ ወርሒ ዝኹውን ንማማ ኣብርሃት  ደፊረ ቅንዕ ኢለ ከዕልላ ኣይደፍርን ኔይረ  ድሕሪ ኣዋርሕ ግና ኣብ ገዝኣን ኣታዉን ወጻእን ኮንኩ። ማማ ኣብርሃት ንፍዕቲ መንፈሳዊት ኣደ እየ ፡ ፈረ ሰናይ  ኣተዓባብያኣ ንቤዛ ምስ ረኣኻ ማዕረ ክንደይ ንጓላ ኮስኪስ ከም ዝዕበየት ይንጽረልካ ።  መዓልታዊ ጸሎት ኪዳን ከተብጽሕ ናብ ቅድስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ከተምርሕ ከላ  ቤዛ ካብ  ኢድ ኣዲኣ ተፈልያ ኣይትፈልጥን እያ። ኣቦይ ቐሺ ሰብሐት ነግህ ከንብጽሕ ከለና ኣብ ጥቃና ቀርቢ ሰለ ዘብልዋ ካብ ሚሒር ምስማዕ ሰዓታት ምስና ትደግም  ..  ብፍላይ ኣ ርኅርህተ ኅሊና ድርጋ ሸምዲዳቶ እያ። ምሸት ቅድሚ ድቃስ  ምስ ቤዛ  ማሐረነ አብን መልክዓ ስዕል ደጊመን ምህለልኣን ይዕሪገን ክድቅሳ በዙህ መዓልታት ኣጋጢመናኒ ኣለዋ።
ረቡዕ ጉባኤ ወዲእና ምስ ቤዛ እንጀራ ክንገዝእ እናኸድና ከለና መርሃዊ  ሳሚ ሳሚ ኢሉ ይጽዉዓኒ እሞ ንድሕሪት ገጸይ ቁሊሕ በልኩ ። ሰሚ ሓወይ ሓንሰብ ክዘረበካ ደሊየ ኣለኹ በሊ  ። ጸገም የለን ኢለ ንቤዛ እንጀራ ካብ እንዳ ኣሮን ገዚኣ ኣብ ጽሟቅ እናሰተይ ክትጸንሓኒ ሓበርክዋ ። እንታይ ደኣ ናይ ሓደን ዲኻ ዲ.መርሃዊ በልክውዎ። ናይ ደሓን እየ ክሓተካ እንደየ ደሊየ ? ዘምልሾ ይግብረኒ ዲያቆን ሓወይ በልክዎ ፡ ማለትሲ ምስ ቤዛ ከመይ እዩ ርክብኩም በለኒ ? ዘይተጸብኽዎ ሕቶ፡ ቤዛ ደኣ ዝፈትዋ ሓፍተይ ምዃና መሕበር ምሉእ እንደዩ ዝፈልጥ ። ሕፍተይ ምዃኑ ትስሕቶ ኣይመስለንን በልክዎ ። ካብ ሕውነት ወጻኢ ካልእ ዝምድና የብልኩም ማለት ደዩ በለኒ ? ኣታ መራ ሓወይ ክንደይ ግዜ እሞ ክደግመልካ እየ ሓፍተይ ጥራይ እያ ካልእ ርክብ የብልናን በልክዎ ። ሕራይ እሞ ጽቡቅ እሞ ሓደ ነገር ክትተሓባበርኒ ደልየ ኣለኹ። ኣነ ንቤዛ ደሊያ ኣለኹ እሞ ከትሓተለይ ትኽእል ዲኻ በለኒ ። እዚኣስ ከባዳ ሕቶ እያ ድያቆን ሓወይ እታ ብቀጥታ ንዓዓ ሕተታ ኣብ ከምዚ ዓይነት ርክብ ጣልቃ ክኣቱ ኣይደልን እየ ። ሰለዚ ኣይተኽብደለይ ባዕልኻ እንተ ሓተትካያ ተመራጺ የመስለኒ በልክዎ። ስመዓኒ እሞ ሳሚ ልዕሊ ዘኾነ ሰብ ቤዛ ምሳኻ ተቐርብ ሰለ ዝኾነት እየ እኳ ደሓን እሞ ዋላ ጽባሕ ሻሂ ከንሰቲ በሓባር እሞ ንስኻ  ከሓታ ከለኹ ሕራይ ንኽትብለኒ ደፋፍኣያ ኢኻ። ሕጂ ከይሕዘካ እሞ ቁርቡ ዕላላት ዋላ ተናኺፍካላ ጽናሕ ጽባሕ ግና ኣብ ኦክላ ቤት መግቢ  ቤተ መግቢ  ምሳዕ ዓዲመኩም  ኣለኹ በለኒ  ። ተረደኣኒ ዲያቆን እዚ ጉዳይ ባዕልኻ ወዲኣዮ ነዓይ ኣብ መንጎ ኣይትቀርቅረኒ ።ኣታ ሰሚ ሓወይ ቁርቡ ኣባ ሓግዘኒ ። ኣብ ሕይወተይ ንመጀርታ እዋን ጓል ንመርዓ ዝበሃክዋ ቤዛ እያ ። ትፈልጥ ኢኻ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ብዙሓት ኣዋለድ ኣለዋ ነግር ግና ሓንቲ እኳ ትኹን ቀሪቢ በዛዓባ መርዓ ክሓታ ዝበሃክዋ የላን  እሞ ሳሚ ቁሩብ ተረደኣኒ፡ ንዓናይ እሞ ንቤዛ ንርከባ ንጸባሕ ሻሂ ክንሰቲ ክብላ እየ። እንታይ እሞ ክብለካ  እሞ  ደሓን ጸባሕ ዝጥዕማ እንተ ኾይኑ ሕተታ እሞ ምሳ ከመጽእ እየ ኣነ ግና ዋላሐደ ዝዛረቦ ቃል  የብለይን ባዕልኻ ኵሉ ነገር ትዉድኦ ድያቆን ሓወይ በልክዎ።
 ተማራሪሕና ዳማ ኣብ ናብ ቤዛ ኣብ እንዳ ኣሮን ቤት መግቢ ከድና ። እንታይ ደኣ ኣብ መንገዲ ክሳብ ክንዲ ግዜ ትወስዱ በለትኒ እናሰሓቀት ። ናይ ደሓን ኢና ሓደ ጉዳይ ንዘራረብሉ ሰለ ዘነብረ እዩ በላ ዲያቆን መርሃዊ። ቤዛ እሞ ጽባሕ ምስ ሳሚ ምሳሕ ክጋብዘኩም ደሊየ ኣለኩ ሰዓት ክልተ ኣብ ኦክላ  ንራኸብ ። ቤዛ ንዓይ ጠመተትኒ ሳሚ ዝመጽእ እተኾይኑ ሕራይ በይነይ ግና ኣይመጽእ እየ ማሚተይ ከኣ በይነይ ኣይትሰደንን እየ በለት። ምስ ሳሚ ተራዳዲእና ኣለና ንሱ ይጥዕሞ እዩ ።እሞ በቃ ጽባሕ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ንራኸብ ኢሉና ናብ ድሕሪት ተመልሰ ። ኣነ ቤዛን ከኣ ተታሓሒዝና ናብ ገዞም ኣምራሕና።
ሣልሳይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ቤዛናቱ 2016-07-19

Comments are closed.