ቤዛዊት ሻድሻይ ክፋል

ዲያቆን መርሃዉን ዲያንቆን በረኸትን ውሽጢ ቤት መቅደስ ከጸራርይዎ ድሕሪ ምውዒሎም ኣብ ጥቃ ቤተ ክርስቲያን እትርከብ መሸጣ ድኳን ኮካ ክስተዩ ተኣለዩ። ድያቆን በርኸት ምስ ድያቆን መርሃዊ ኣዝዩ ጥቡቅ ዕርክነት ኣለዎ። በሬ ሓወይ ፍቃድ እግዚአብሔር ኮይኑ  ኤምባሲ ኣሜርካ ቪዛ ሂቦሙኒ ኣለው።ዲያቆን በረኸት፡ ዲ.መርሃዊ ናብ ኣሜርካ  ኣብ ቀረባ ግዜ ክኸይድ ምዃኑ ምስ ነገሮ ኣይታሕጓስ ኣይጓሂ ኮነ። መራ ሓወይ እንቋዕ ሓጎሰካ ከምዚ ከማኻ የመስለና ንዓና ከኣ በለ ብድኹም ድምጺ። እንታይ እሞ ክንብል እየ በቀሊሉ ዝረደኣካ ሰብ ምርካብ ኣብ ሰደት ከቢድ’ዩ፡ ብፍላይ ከምዚ ከማኻ ዓቃልን ርህሩህን ሰብ ከተናዲ ኣሸጋሪ እዩ። ንስኻ ንዓይ ፍሉይ ህያብ ኢኻ ጠባየይ በቀሊሉ ትርድኦ፡  ዝዉንኖ ዉዑይ ባህረይ  ክሳብ ሎሚ ሰዓት ዘየሰንበደካ እሙን ዓርኪ በሓቂ። ድላይካ ምዝራብ ምስ ክንደይ ሰብ ኣጋጪኒ’ዩ ምሳኽ ግና ዋላ ብምንም ተኣምር እኳ’የ ተጓኒጸ ዘይፈልጥ።  ከማኻ  ቀልጢፉ ኣንቢቡ ዝርድኣኒ  ሰብ ክንደየናይ ድሕሪ ደጊም  ከይረከብ ። መዓስ ኢኻ’ኸ ትብገስ ዘለኻ ኢሉ ሓተተ፡ ኣነስ ኣብዝመጽእ ወርሒ እየ ሓሲበ ነይረ ግና ኣሰጋጊረዮ ኣለኹ። ግርም ገብረካ  እዛ ዕርክነትና ቅድሚ ምፍልላይና ጽቡቅ ጌርና  ከነስተማቕሮ ኢና። ግና ናይ ደሓን ደኣ ኣሰጋጊርካዮ ዝኾነ ጸገም ኣይምጻልካን፧ ቡዙሕ ጸገም የብሉን ናይ 6 ወርሒ ቪዛ ሰለ ዝሃቡንስ ኣብ ዉሽጢ  6 ወርሒ ኣብ ዝደለኽዎ መዓልቲ ክብገስ ይኽእል እየ። ሰናይ ገበርካ ናይ ኡጋንዳ ሕይወት ኣበይ ይርከብ መስለካ።  ኣብ በዓል ኣሜሪካ ዕርፍቲ ዘይብሉ ስራሕ’ዩ ዝጽበየካ ዘሎ እሞ እዘን ተሪፈናኻ ዘለዋ ሰሙናት ብሓበር ክንሕጎሰለን ኢና።

ዲ.መርሃዊ ርእሱ ኣድንን ኣቢሉ ሓዉሲ ሕፍረት ዝዓብለሎ በሬ ሓወይ ካባኻ ዝሕባእ ነገር የለን፤ ቅንዲ ምኽንያት ናብ ኣሜርካ ዝብገሰሉ መዓልቲ ዝመጠጥክዎ  ንቤዛዊት ዳጋፊት ክትኮነኒ ሓሪያ ሰለ ዘለኹ ምስኣ  ዝኾነ ጉዳይ ጌይረ ክኸየድ ሰለ ዝደለኹ እየ። ግና ንሳ ፍቃደኛ ኣይኮነትን ዘላ እሞ ቁሩብ ግዜ ዓዲገ ክእምና ክፍትን’የ። ኣብዘን ውሽጢ  4 ኣዋርሕ እንተ ኣቅቢጻትኒ ግና ኣማራጺ የለን ምብጋስይ እዩ። ሰአሊ ለነ ቅድስት መራ ሓወይ ንሳ ደኣ ቀደም ዕንጨይቲ  ወዲቅዋ እንድዩ ዝበሃል ኣይፋልካን  ካልኦት ደኣ ጠምት። ኣነ’ዶ ንዓኻ ክሕበረካ ኮይኑ ካባይ ንላዕሊ እዞም ሰንበቴ ንስኻ ትፈልጦም።  እዚ ክፍሊ ሰነ-ጽሑፍ ዘሎ ሳሚ ካብዛ ጎና እኳ ዘይፍለ ከምዛ ማስቲሺ እንድዩ ጠቢቅዋ ዘሎ። ኣነ ብወገነይ ተፈላልዮም ርኢዮም ኣይፈልጥን።

ይርደኣኒ እዩ እዚ ትብሎ ዘለኻ ኣነዉን ከሙኡ እየ ዝርድኦ ኔይረ። ንሳሚ ኣዘራሪበዮ ካብ ሕዉነት ሓሊፉ ካልእ ርክብ ከም ዘይብሎም ሓቢሩኒ እዩ። ኣነ እኳ ይገርመኒ’ዩ ኣንታ እንታይ ኢኹም ርኢኹሙላ እዛ ጓል ንዓይ ንዓይ ኢልኩም ትዋጠጡላ። ንስኻ መበል ራብዓይ  ወዲ ትሓታ ከም ዘለኻ ይሰምዕ ኣለኹ። ነቃጽ እያ ሓንሰብ  ኣይፋለይን እንተ ኢላ ወላ ጎቦ ጸዲፍዋ ሕራይ ኣይትብልን እያ ኢዩም ዝብልዋ።ደሓር ከኣ ርክቦም ምስ ሳሚ ኵሉ ሰብ ዝምስክሮ እዩ ናይ ሕዉነት ኣይመስልን እዩ። እዞም ሰንበቴ( ትምህርቲ ሰንበት) ዘዝመጻ ከምዛ ዉዳሴ ማርያም ፈቀደ፡ ለሔዋን እንዳ በልካ ትዕድል ንሶም ከኣ ዘዝመጻ  ኣዋለድ ንሓድሕዶም ንሳሚ፡ ንዓወት .. ወዘተ እንዳ በሉ ይተዓዳደልወን ኣለው። ድያቆን መርሃዊ ብሰሓቅ ዝኣክል እቲ ዝሰትዮ ዘነበረ ኮካ ሰለ ዝሰርነቆ ካብ ኮካ ኣፉ  በጨቅጨቅ ኢሉ ፈሰሶ  ። እታ ለቢሳዋ ዘነበረ ማልያ ካብ ኣፉ ብዝነዝዐ ፈሳሲ ተጸያየቀት ። ከምዛ ዉዳሴ ማርያም ይተዓዳደልዎም ኢልካና በቃ ኢሉ ደጊሙ ብሰሓቅ ክርትም በለ። ድያቆን በረኸት ደጊሙ እንታይ ደኣ ክንብል ኢና እሞ ግዜ ኸማን ዘይህብወን ተቀላጢፎም እናወስድወን። ደቂቀ ሔዋን ክዉዳእየን ተባሂሉ ዘተኣወጀ እዩ ዝመስል። ኣላ በሬ ሓወይ እዛ መልሓስካ መቸም ጽንሕ ኢላ ገለ ክትዛረብ እያ።

ዲያቆን በረኸት ግና ብንኡሱ  ኣፉ ብቃል እግዝአብሔር  መልእክተ ሓዋርያት’ዩ ዝኸፈት። ናይ ግእዝ መጽሓፍቲ ከነብብ ከሎ ሰጋእ ኣይብልን። እዚ ድማ ምርኣያ ምልከቱ ናይ ግዕዝ ቋንቋ ዝሕበርን ኣብ ድርሳን ልቡ  ቋንቋ ግዕዝ ከም ዝኸዘነ የነጽረለካ። ኣብ ቋንቋ ግዕዝ ዘለዎ ጠመተን ኣረኣእያን ፍሉይ እዩ። ኣብቲ ዝዓበየሉ ዓዲ ትምህርቲ ሰንበት ሰለ ዘይነበረ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ሰፊሕ ኣይኮነን።  ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመሩ መዝሙራት ብቋንቋ ግዕዝ ኽኸውን ኣለዎ  እናበለ ቃጻሊ ይማጎት። ዲያቆን በረኸት ዝኾነ ጌጋ ኣብ ምዝሙራር ምስ ዘርኢ ሱቅ ኢሉ ኣይሓልፍን። ብፋላይ ትምህርቲ ሰንበት ዝዝምርዎ መዛሙር ካብ ኣምሓርኛ ዝተተርጉሞ ሰለ ዝኾነ፡ እቲ ዝተተርጎመ  መዝሙር ስሩዕ ትርጉም ናይ ትግርኛ ቃላት  እንተዘይ ሒዙ ድሕሪ መዝሙር ምቅራቡ ነቲ ክፍሊ ሓላፊ መዝሙር ሓደ ብሓደ እናኣረመ ዳግማይ ከሙኡ ዓይነት መዝሙር ንኸየቅሩቡ ይላበዎ። ትምህርቲ ሰንበት ነዚ ተረዲኦም ቅድሚ ኣብ መድረኽ መዝሙር ምቅራቦም ንዲያቆን በረኸት ሳንሱር ክገብሮ ይሓትዎ። ትምህርቲ ሰንበት ናይ ዲያቆን በረኸት ዘለዎ ጸጋ ተገንዚቦም ኣብ  ክፍሊ ሳንሱር ከገልግሎም መዘዝዎ። ዲያቆን በረኸት ድሕሪ ሰብ ኮንኳ ምሕማይ ሰለ ዘይሰማምዖ እቲ ክብለካ ዝደሊ ነገር ኣብ ቅድሚ ገጽካ’ዩ ዝድርጉሖ።

መራ እብለካ ኣለኹ ኣነ ባዕለይ ክዛረባ እየ እምበር ንስኻ ወሪድካ ብዘይካ ቃላ ኣምላኽ ምክፋል፡ ቅድሴ ምቅዳስ  እንታይ ትፈልጥ። እንተ ሓተትካያዉን ናይ ስክፍታ ጌርካ ሓቲትካያ ትኸዉን። ደሓር ከኣ ጓል ንቁም ነገር እንተ ደሊኻ ንኸምዚ ከማይ ምስ በዓል ኣቦይ ቀሺ ኮንኩም ሕተቱለይ’ዩ ዝበሃል። ቅድሚኡ ግና ንሳሚ ረኺበ  ካባኣ ረሓቅ ክብሎ እየ እንታይ ዝገበረት ጓል’ያ ዕድላ ዝሰብረላ  ዘሎ። ርእሱ እና ሓኸኸ ናይዞም ሰንበቴ ነገር ይገርመኒ’ዩ  ንሳሚ  እንታይ እየን ርኤናሉ በቃ ደድሕሪኡ’የን  ዘብዘብ ዝብላ። ናዕና ደኣ ዓይነን መሊኣን ዘይጥምታና። ክሪኣና ከለዋ ከምዛ በጊዕ ድፍእ  ድፍእ እናበላ  ዝስጉማ።

በሬ ዓርከይ ሳሚ ኣብ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ንፉዕ ሰለ ዝኾነን ቐልጢፉ ሓሳባተን  ሰለ ዝርዳእ  እዩ እምበር ብኻልእ ኣይኮነን። ገደፎ እንዶ በዓል  ኣነስ ካብ  መንዶ ንሓምቅ ኢና። ነገር ግን ዋላ እኳየን ሰላም ክብላና ዘይደፍራ። ምዃን እኳ ንሕና ደድሕሪ ካህናት ኣቦታት ክንከይድ ኣበይ ኣርኪብናሉ ኢኻ ምስዞም ሰንበቴ ክንቀራረብ። ክንሕጽሮ እሞ ሕጂ እዛ ቀልዓ ዝሮ ምሮ ከይትገብርካ ተቃላጢፍና  ሕራይ ከም ትብል ክንገብራ ኢና። ምስ ኣዲኣ ጽቡቅ ምቅርራብ ሰለዘለኒ  ምስ  ወላዲታ  እንተ ሓተትክዋ  እንታይ ይመስለካ። ጽቡቅ ሓሳብ ግና ንቤዛ ባዕለይ ተዛሪበያ ኣለኹ። ከምኡውን ብሳሚ ጌረ ደብዳቤ ሰዲደላ ኣለኹ ቅድም መልሳ ክሰምዕ። ዝገርመካ እዚ ዝጸሓፍኩላ ጽሑፍ እንታይ ኢልካ እንተ ሓቲትካኒ ፍጹም ኣይዝክሮን። እንታይ ከም  ዝሓናጠጥኩ ኣይርደኣን ጽሑፈይ ምስ ወዳእኩ ናይ ዓቅሊ ጽበት  ጠቃሊለ ንሳሚ ሂበዮ።

ኣሞ ሕጂዶ  ሳንሱር ኣይተገብረን ምለስዮ ክንብላ ኮይና ። ክሳብ ክንድኡ እባ ዓቅሊ ኣይተጽብብ።ኣታ መራ ሰብኣይ’ዶ ኣይኮንካ። ፈራሕ ሰብ ጥራዩ ብደብዳቤ ዝሓትት። ደሓር ከኣ እንታይ ይጎድለካ ንስኻ ብመንፈሳዉን ብዓለማዉን ምህሮ ዝጸገብካ ሰብ ኢኻ። ኣንሽንኳይዶ ንስኻ ክንደይ ካባኻ ዘይሕሹ ሰባት እንደዮም ሓቲቶም ዝሰልጦም ዘሎ። እዛ ደቂቀ ሔዋን ብሽማግለ  እንተ ሓቲትከየን እየን ማዕረ ክንደይ ከም ተፍቅረንን ኣብኣን ተገዳስነትን ከም ዘለካ ዝፈልጣ መስለኒ ። እዚ ጽሑፍ ወዲ ጽሑፍ ኣብ ትካል ስራሕ ንምንዳይ ኢኻ ትጥቀመሉ እምበር ያኢ ፍቅሪ ትካል ተረኺብለይ ብደብዳቤ እናተለዋወጥካ ክሰልጠካ። መራ ደጊሙ ብሰሓቅ ክርትም በለ። በጣዕሚ ጊሪሙኒ ዘሎ ናትካ ነገር ምስ ኣቦይ ቐሺ ተመርዖ ኢልና ለሚናካ ካን ኣቅቢጽካና። ንሕና ኣንታ እዚ ንመርዓ ካብ ዘይደፈራስ ንገዳም ገጹዩ ዝሓሰብ ዝህሉ በልና እምበር እዚ ክመጽእ ኢልና ዘይሓሰብና ። እዚ ክንሰምዕ ፍጹም ኣይተጸበናን።

ኣነዉን ኣይተጸበኽዉን በሬ ሓውይ። ቺድ ዋእ ከምዚ ናይ ኣቦታትና’ዩ ዝሓይሽ እግዚአብሔር ዝሃበካ ዝኾነት ጓል ምቅባል ድሕሪ መርዓ ከእ ትፋቀር። በዓል መራ ነዚ ቤተ ክህነትና ተድፍርዎ ኣለኹም እምበር ስልጣነ ክህነት ዘለዎ ሰብ ዝምርዓዋ ጓል  ኣዴታትና   ዝመርመርኣ ፡ ዓዲ ብቅድስንኣ ዝመስከረላን ንቤተ ክህነት ከም ትኸዉን ተመርሚራ እያ ትወሃበካ ። ከምዚ ናይ  ኣቦታትና ዘጽንሑልና  ዝምጽኡልካ ምቅባል’ዩ  ጥዑም በጃኻ። እንታይ መሲልካ በሬ ዓርከይ ከምዚ ናትካ እዩ መገለጺ ኔሩኒ ሰለምንታይ ብኸመይ ቤዛ ኣብ ጽላት ልበይ ሓዲራ  ፍጹም ኣይርደኣን’ዩ። እንታ እንታይ ከተዛርበና ዲኻ  ደሊኻ ሙሉእ መዓልቲ መዝሙርዶ ድራማዶ ክትብሉ ምስኣን እና ወዓልኩም ደኣ ምስ በለ፥ ሃንደበት ዘይተጸበይዋ ቤዛ ሽምዓ ክትገዝእ ናብቲ መሸጣ ድንኳን መጸት ። ድሕሪ ሰለምታ ምልዉዋጥ ካብቲ ዘነብርዎ ቦታ ቁሩብ ርሕቅ ምስ በለት ዲ.መርሃዊ ሓወይ ሓንሰብ ክዛረበካ እሞ ኢላ ተደሃየት። ማማ ኣብርሀት ኣብቲ ንቤተ ክርስቲያን ዝወስድ ዓቀበት ትጽበያ ነበረት እሞ  ካብ ማማ ኣብርሃት ደብዳቤ ኣምጽያ ንዲያቆን መርሃዊ ሃበቶ። ኮካ ስተያ በላ።  የቀንየለይ  ዲያቆን  ማሚተይ ትጽበየኒ ሰለ ዘላ ናብ ማማ ክኸየድ ኢላ ናብ ማማ ኣኽበረት እናጎየየት ከደት። ዲያቆን መርሃዊ ብደዉ ነታ ደብዳቤ ክንብባ ጀምረ ። ዲያቆን በረኸት ኣታ ወዲ ነዓ ኮፍ ኢልካ እንብብ በሎ።  ሕራይ በሬ ዓርከይ እናበለ ነታ ቆጽሊ ወረቅት ብሓባር  ክንብባዋ ጀመሩ።

ናብ ናይ   ክርስቶስ ባርያ ኣገልጋሊ ዝኾንካ  ዲ.መርሃዊ ሓወይ።

ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትካ እግዚአብሔር ኣምላክ ሓይሊ ክህበካ ናይ ወትሩ ጸሎተይን ትምኒተይ ምኻኑ ክገልጸልካ ይደሊ። ቤተ ክርስቲያና ከምዚ ከማኻ ትጉሁን ዉፉይን  ኣገልጋሊ ምርካባ ብሓቂ ንኣምላኽ ኣቦታትና አመስግኖ። በቲ ዝተውሃበካ መንፈሳዊ ጥበብን ናይ ምስባክ ጸጋን  ተጠቂምካ ንከምዚ ከማይ ድኹማት ሰባት ኣብ ሰደት ኣብ እምነትና ክንጸንዕን ብመንፈስ ክንዓብን ኣብ ክርስቶስ ተሰሪትና ክነብርና ትግብሮ ዘለኻ ጽዕሪ  ፈረ ከም ዝህብ ክገልጸልካ ይደሊ።

ዲያቆን ሓወይ እቲ ዝሰደድካለይ ጽሑፍ ኣንቢበዮ።  ግሉጹነትካ  ድማ  ኣዲኒቀዮ። ካብ ተመክርሮይ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ክንጓዓዝ ንፍትን ሰባት  ኣብ ዘይሓሰብናዮ እዋን  ናይ ባህሪ ሰብ ኮይኑ ኣንጻር ጾታ ምስ  ነፍቅር ናይ ሰይጣን ፈተነ’ዩ ኢልና ሰለ ንኣምን  ምስ ኣቦታት ካህናት ወይ ከምዚ ከማኻ ብሱላት ዝኾኑ ድያቆናት ድፍር ኢላና ሰለ ዘይንዝቲ በቲ ዝወረደና ዉሽጣዊ ስምዒት ተጎዲእና ንተርፍ። ካብ ሰይጣን ዘመጸ ፈተነ ድዩ ወይስ መንፈስ ኣምላኽ ዝዓሰሎ ኣጋጣሚ ምኻኑ ከይመመና ብዘጋጠመና ኩነት ተዋሒጥና ንተርፍ። ኣብ ኣስመራ ከለኹ ድያቆናት  ወለዶም ዝምጽእሎም ጓል ክምርዓዉ ሰለ ዝርኢ ክገምረካ ድያቆናት ዘፍቅሩ ኮይኑ ኣይሰመዓን’ዩ። ሓደ ግዜ ኣነን ማማን ሳሚን ኣብ ገዛና ብዘዓባ መርዓ ንዕልሉ ኣብ ዘነበርና ግዜ ግና ሳሚ ብዙሕ ታሪኽ እና ገናጸለ ምስ መሃረኒ ግና ኣረኣእያይ ተቀይሩ ዲያቆናት ከማና ሰባት ሰለዝኾኑ ኵሉ ንዓና ዘጋጥመና ነገራት ከም ዝበጽሖም ተገንዚበ።

ግሉጽ ኮንካ ሰለ ዝሓብርካኒ ኣነዉን ኣብ ጽላት ልበይ ዘተወቀረ ነገር ክሓብኣልካ ኣይደልን። ኣብ ካልኣ ደረጃ ከለኹ ምስ ሓደ ሰብ ብፍቅሪ ንሓደ ዓመት ተጓዒዘየ። ኣብዘን ዉሽጢ ዓመት ግና እተን ክልተ ወርሒ ጥራይ ኢና ብሰላም ዛዚምናየን። እቲ ዘተረፈ 10 ወርሒ ኣይሓጎስ ኣይደስታ ዘተቀርቀርክሉ  ጎደና ሓዲግ መዲግ ነበረ። ኣብ ትምህርተይውን ኣሉታዊ ጽልዋ ይሕዲርለይ፡ ብዙሕ ፈተነ ኣሕሊፈ’የ። ኣብ ትምህርቲ ቀጻሊ ቀዳመይቲ ዝዉጽእ ዘነብርኩ ኣብ ፍቅሪ ዝበሃል ባሕሪ ምስ ተኣለኽኩ  ግና ተመሃሮ ብልጫ ክዕደሉ ጉልባብ ፍቅሪ ተሰኪመ ከም ሰበይ ኣማዕደየ ርኤዮም። ቅድሚ ናብ ኡጋንዳ ምምጽኣይ ምዃኑ’ዩ እዚ ኵሉ ነገር። ኵሉ ዘጋጠመኒ ነገር ልዕሊ ዓቅመይ ሰለ ዝኾነ ንማማ ሓቢረያ  ማማ ድማ ምስ ባባ ተረዳዲኦም ቐልጢፎም ካብ ኤርትራ ከም ዝወጽእ ጌሮም። ሰለዚ ዝሓለፈ በሰላይ  ከይሓወየ ትምህረተይ ከይወዳእኩ ተመሊሰ ናብ ፍቅሪ ዝበሃል ንገር  ክምለስ ኣይደልን።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ብከምዚ ከማኻ ጌይሩ መንፈሳዊ መግብን ጸባን ይምግበኒ ኣሎ።  ብመንፈሳዊ ሕይወት ተለዊሰ እምበር ጌና ኣይበሰልኩን ዘለኹ። መንፈሳዊ ተጻብኦታት ዳግማይ  ከይዉሕጡኒ ጽባቀ ተሰሎንቌ ክይስሕበኒ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዓቂበ ይርከብ። ሰብ ደጋዊ ትርኢት እዩ ዝልክዕ  እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ልብን ኮላሊትን እዩ ዝምርምር።  ሰለዚዩ ከኣ ዉሽጣዊ መልክዕ ሕይወተይ ከይጠመቱ ኣብ ድራማ ሰለ ዝተሳተፍኩ ወይ ክዝመር ኣብ ምድረኽ ሰለ ዝረኣዩኒ  ጥዕይቲ  ምሲልዎም ንቁም ነገር ካብ 6 ዘይዉሕዱ ሰባት ዝሓተቱኒ። ሰለዚ ድያቆን ሓወይ ንስኻ ብመንፈሳዊ ሕይወትን ብዓለማዊ ፍልጠትን ዝበሰልካ ሰብ ኢኻ ኩነታተይ ተረደኣለይ።

አነ ብድሕሪኻ ኮይነ ከም ቅዱሳን እንስቲ ንሓዋርያት ዘገልግልኦም ዘነበራ ዝዓይነቱ ተልእኾ  ክፍጸም ድለዉቲ እየ። ኣብ ሕይወት ዘመነይ ከም ዓቢ ሓወይ ኮንኳ  ክትኣልየኒ ዘለኒ ባህጊ ወሰን የብሉን ዋላውን ብኣካል ኣብ ዘመጽእ መዓልትታት ካባይ ትፈለይ እንተ ኮንካ ብተሌፎን ቫይበር ....ወዘተ  ደሃየይ ክትገብር ይምሕጸነካ።

ሓፍትኻ ቤዛዊት።

 

ሻብዓይ   ክፋል  ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ቤዛ ናቱ

Comments are closed.