ቤት-መቅደስ እግዚአብሔር- 3ይ ክፋል( ምምዕታብ)

መ. ብትእምእርተ መስቀል ኣማዕቲቡ  ኣፍደገ ቤተመቅደስ ( ቀጽሪ) ምስላም።

ምምዕታብ

* ኣፍደገ ቤተ-መቅደስ ምስ በጻሕና ኣቀዲምና ብኣምሳል ትእምርተ መስቀል ነማዕትብ ። እዚ ከኣ መንፈሳዊ ትርጉም ኣለዎ።

1.ናይ ምምዕታብ መንፈሳዊ ትርጉም።

ኣእዳውና ብትእምርተ መስቀል ድሕሪ ምምስቃልና ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ (ካብ ግንባርና ናብ ደረትና) ንወርድ፣ እዚ ከኣ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ምውራዱ ዘመልክት እዩ። ብምቅጻል̕ውን ኣእዳውና ናብ ጸጋማይን መንኮንባ ንወስድ እሞ መሊስና ናብ የማናይ መንኮብና ንወስዶ።

ካብ ሰማይ ሰማያት ብፍሉይ ኣካሉ  ዝወረደ ቃለ እግዚአብሔር፣ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ጸገም (ናብ ሲኦል) ብኣካለ ነፍሲ ከምዝወረደ ንነፍሳት ናብ የማን (ናብ ገነት) ከምዘሳገረና ንምምልካት እዩ። ብሓፈሻኡ ብምሥጢረ ሥጋዌ ዝተፈጸመልና ናይ ድኅነት ሥራሕ ንምስክር። በቲ ሓደ ከኣ ካብ ጸጋም ናብ የማን ምለሰና ማለት እዩ።

ሀ. ከማዕትብ ከለና ንዝክሮም ምሥጢራት

ኣጻብዕትና ብትእምርተ መስቀል ኣመሳቂልና ከነማዕትብ ከለና ብኅሊና ንዝክሮምን ነመላልሶም ፣ ልቦናና ዝሓስቦም ዝተፈለላዩ ምሥጢራት ኣለዉ። ዝተወሰኑ ካብኦም ምስ እንርኢ።

  1. ከነማዕትብ ከለና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ድኅነትና ኢሉ ኣብ ልዕሊ መስቀል ከምዝሞተልና ንምስክር።

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ዘምሃሮ ምዕራፉ  አምጣነ ትበልዕዎ ለዝንቱ ኅብስት ወትሰትይዎ ለዝንቱ ጽዋዕ ሞቶ ለእግዚእነ ትዜንዎ እስከ አመ ይመጽእ -። ማለት እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን ክሳዕ ጐይታ ዝመጽእ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” 1ይቆሮ.11-26። ክርስቲያን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ክሳብ ዝመጽእ ሞቱን ሕማሙን በብግዚኡ በብሰዓቱ ምሕሳብን ምዝካርን ይግብኦ። ሞት ኢየሱስ ክርስቶስ ንዛረቦ ኣብ እዋን ቁርባን ፣  ሥጋ ወደሙ ወልደ ክርስቶስ ክንቅበል ከለና  ከምቲ ብትእምተ መስቀል ኣማዕቲብና ኣብ ቅድሚ ፊት ቤተ መቅደስ ምሥዋእ  ጥራሕ ክኸወን የብሉን ። ካብዚ ወጻኢ̕ውን ኣብ ጉዕዞና፣ ኣብ እዋን ኣብ መግቢ ፣ ኣብ እዋን ሥራሕ ወዘተ….. ኣብ ዝተፈላለዩ እዋን ከማዕትብ ይግባእ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ቀራንዮ (ጎልጎታ) ከምዝሞተልና ንምምስካር እዩ።

  1. ከማዕትብ ከለና እግዚአብሔር ንዓና ዘለዉ ፍቕሪ ንሓስብ ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ትምህርቱ “ ሰብ ንሕይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኽ በጃ ኼሕልፍ ካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን “ ዮሐ.15፣13። ብምባል ሕይወቱ  ንኻልእ በጃ ጌሩ ንሕማም ንሞት ኣሕሊፉ ምሃቡ ካብዚ ንላዕሊ ዝዓቢ ፍቕሪ ከምዘየለ ተዛሪቡ እዩ። ሓቀኛ ፍቕሪ ፣ ፍጹም ፍቕሪ ክሳብ ሞት የብጽሕ እዩ። እዚ ፍጹም ፍቕሪ ዝረኣናዩ ዝፈለጥናዮን ከኣ ብወልደ እግዚአብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ሞት እዩ። እሱ ስለና ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሰቂሉ ሞይቱልና እዩ። ናብ ባህርይ ኣብኡ እግዚአብሔር አብ̕ውን ንወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃቡ ፍቕሩ ገሊጹልና እዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ብዛዕባ እዚ ክገልጽ ከሎ “ እግዚአብሔር በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘልዓለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዮሐ. 3፣16።      

እግዚአብሔር ንወዱ በጃ ዓለም ጌሩ ምሃቡ ብእኡ ዝኣመነ ኩሉ ከይጉዳእ ብሞት ናይ ወዱ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ክረክብ ምእንቲ ሊእኽዎ። ንወዱ ዝኣመነሉ “ተኀድገ ለኪ ኃጢአተኪ፣ ተኀድገ ለከ ኃጢአተከ ። ሓጢያትና ተሰርዩልካ፣ ሓጢያትኪ ተሰሪዩልኪ” ንኽብል ሊእኽዎ ኢሉና። ከነማዕትብ ከለና ንሓስቦ ነዚ ናይ እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ። እግዚአብሔር ስጋብ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ምማቱ ማዕረ ክንደይ ከምዝፈተወና ዝገልጽ እዩ።

  1. ከነማዕትብ ከለና ናይ ሓጥያት ዓስቢ ሞት ምዃኑ ንዝክር።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለና ቅድሚ ኣብ መስቀል ምስቃሉ ደቂ ሰባት ብዝበደልናዩ በደል ምኽንያት ሞይትና ነበርና ። ሞት ጽላሉ ኣጽሊሉልናን ረጊጹና ይነብር ኔሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝተሰቕለ ንሞትና ብሞቱ ከጥፍኣልና፣ እሱ ኣብ ክንዳና በጃ ኮይኑ ክመውት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ንሕና ኩላትና ኸኣ ነቲ ና ሥጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና ቀደም ብትምኒት ሥጋን ምሳታቶም ንነብር ነበርና ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቑጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቐረና ዓባይ ፍቕሩ ንዓና ብበደልና ምውታት ከሎናስ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም ምስኡውን ኣተንሥኣና” ኤፌ.2፣5። ብምባል ይነግረና። ስለዚ ከነማዕትብ ከለና ካብ ክፋእ ትምኒት ዝጸነስ ሓጥያት ዓስቡ ሞት ምዃኑ ንዝክር። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕና ብዝበደልናዮ በደል ሞት ዝተፈርደና ንሱ ናትና ሞት ሞይቱ። ኣብ መስቀል ተሰቂሉ። ኣድሒኑና። ካብ ጸልማት ሓጥያት ናብ ብርሃን ነጻነት ኣሚጺኡና እንዳበልና  ውዕለቱ ንዝክር።

  1. ከነማዕትን ከለና መስቀል ኃይልና ምዃኑ ንሓስብ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ ቃል መስቀል ነቶም ዝጥፍኡ ዕሽነት እዩ። ንዓን ንንድኅን ግና ኃይሊ እግዚ አብሔር እዩ” 1ይቆሮ.1፣18። ቅዱስ ኣትናቴዎስ “አስተኀፈረ ኃጢአት በዲበ ምድር ወአብጠለ ሞተ በውስተ ሲኦል ወሰዐረ መርገመ በዲበ ዕፅ መስቀል ወነሠተ ሙስና በውስተ መቃብር ። ንሓጥያት ኣብ ምድሪ የሕፊርዎ። ንሞት̕ውን ኣብ ሲኦል፣ ንመርገም ኣብ ልዕሊ መስቀል ኣጥፊእዎ” ኢሉ እዩ።  መስቀል ሞት ዝተሳዕረሉ ስለዝኾነ ከነማዕትብ ከለና ብመስቀሉ ጸጋ ምሃቡ፣ ንሞት ሲዒሩ ምትንሥኡ ንዝክር። ሎሚ̕ውን ብኃይሊ መስቀል ንዝመጻና ናይ ጸላኢ ሰናያት ፈተና ንስዕሮ ። ብመስቀሉ በረኸትን ኃይልንን ንምላእ።

  1. ከነማዕትብ ከለና ጸላኢና ( ዲያብሎስ ንኣጋንንቲ) ነሕፍሮም።

ብመስቀሉውን  ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ (ንዲያብሎስ ብመስቀሉ ሲዒሩ)  ንኽልቲኦም ብሓደ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ ንዓኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፣ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም” ኤፎ.2፣16።  (ንዲያብሎስ ብመስቀል ሲዒሩ)   ንዲያብሎስ << ጽልኢ>> ዝበሎ ብግብሩ ክጽውዖ ከሎ እዩ። ዲያብሎስ ዝተሳዕረ ብመስቀል እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ፅጸ መስቀል ተሰቒሉ ንዲያብሎስ ብኣውታረ ንፋስ ብእሳት ሰንሰለት ሒዙ ኣሲሩ ሰቂልዎ። ብመስቀል ኣምሳል ከነማዕትብ ከለና ናይ ድኅነትና ምልክት ስለዝኾነ ሓፊሩን ፈሪሑን ይርሕቐና።

ከነማዕትብ ከለና ስለና ዝተሰቅለልና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ተኸተልቲ ወገናት ምዃን ንምስክር።

ብኣምሳለ ትምእርተ መስቀል ከነማዕትብ ከለና፣ ንመስቀሉ ኣብ ክሳድና ክንኣስሮ ከለና፣ ኣብ ልብስና ኣብ ቤትና ኣብ ካልእን ጌርና ክንርአ ከለና፣ ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማንና ንምስክር። ዝርእዩና ኩሉ ከኣ በቲ ዝተሰቕለ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ንኣምን ይርድኡ። ኣብዚ ድማ “ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝተኣመነኒ ኹሉ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ” ማቴ.10፣30። ኣብ ቅድሚ እዛ ዓለም ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝመሰከረለይ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦይ ወደይ ፈታዊየይ ክብሎ̕’የ ዝተባህለ ቃልኪዳን ተጠቐምቲ ንኸውን። ኣይሁድ ብኽፍኣት ኣብ ቀራንዮ (ጎልጎታ)ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝሰቀልዎ፣ ዝሞተ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሲዒሩ ዝተሥአ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓብቲ (ተኸተልቲ) ምዃና ኣብ ኣደባባይ መስኪርና በረከት ንረክብ።

* ኣፍ ደገ ቤተ መቅደስ ምስላም

ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲብና ናይ  ኣፍ ደገ ቤተመቅደስ (ደገ ሰላም) ብእምነት ክንሳለም ርእዮም ዝገርሞም ኣይሰኣኑን እዮም። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣጸደ፣ ኣፍደገ፣ ኆኃተ ቤተ-መቅደስ ፣ መስኮት ምስላምና እሶም ከዝግመትዎ  ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።  እዚ ኣፍደግ ቤተመቅደስ እንሳለመሉ ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣሎና።

  1. ኣብ ቤተመቅደሱ ከሙኡ ከኣ ኣብ ውሽጡን ኣብ ዙያኡን ዘለዉ ዝተንከፈ ስለዝቅደስ፣ ዘጻ.40፣9። እግዚአብሔር ቤተ-መቅደሱን ኣብ ዙያኡን ዘለዉ ኵሉ ክቅደስ ኣዚዙ እዩ። ደብተራ ኦሪት ክትከል ከሎ ፣ ናይ ሰለሞን ቤተ-መቅደስ ክስራሕ ከሎ ዙርያኡ ኵሉ ብቅብኣ ቅዱስ ተቀዲሱ እዩ።ንቤተ-መቅደስ ፡ ኣፍ ደገ ምስላም፣ ንስዕም ብቅዱስ ቅባኣ ዝተኸለለ ሰለ ዝኾነ’ዩ ። ሕንጻ ቤተ-ክርስቲያን ፣ ኣፍደጊኡ ብቅብኣ ሜሮን ዝኽበረ ፡ ዝተቀደሰ ስለዝኾነ ዝሳለሞ ዘበለ  ዝስዕሞ ዝድህስሶ ኩሉ ይቅደስ እዩ።
  2. ቤተ-መቀደስ ናይ ክርስቶስ መሕደሪ ስለዝኾነ።

ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ -ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ኣካል  ኢሉ መሲኪሩ’ዩ፣ ልብሱ፣ መቅደሱ እያ ኤፌ.5፣23። ኣካል ክርስቶስ ካብ ጸጉሪ ርእሲ ስጋብ ጽፍሪ እግሪ ዘሎ ኵሉ ከምዝሕዝ ቤተ-ክርስቲያን ናይ ክርስቶስ ኣካል እያ ክበሃል ከሎ ናይ ቤተክርስቲያን ኣካል ከባቢኡን  የጠቃልል እዩ። ስለዚ ኣካለ ክርስቶስ ስለ  ዝኾነት  ቤተ-ክርስቲያን ን መቅደስ  ምስላምን ምድህሳስን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ክዳኑ ዘፈር ከም ብምትንካፍ ዝተፈወሰት ሰበይቲ ናይ እምነት ጽንዓት ምልክት እዩ። ብእምነት ንዝሳለም ብእምነት ዝነብር ሰብ ናይ ቤተክስርቲያን ኣፍደገ፣ ኣጸዳ፣ ቅጽረ ቤተ-ክርስቲያን ዘሎ ጸበል፣ ሓጽሩ ቅጽሩ፣ ናይ ውሽጥን ወጻእን ፈውስን መድኃኒትን ይኾኖ።

ቤተ-መቅደስ ናይ መለኮት መሕደሪ ስለዝኾነ

ቤተክርስቲያን (ቤተመቅደሱ) ናይ መለኮት መሕደሪ እዩ። ኣብ ሰማይ ብኽብሪ ዝነብር እግዚአብሔር ኣብ ቤተመቅደሱ ብረዲኤቱ ይሓድር። ቤተመቅደሱ ናይ ክብሩ መግለጺ ጌርዎ (2ዜና.7-16)። ኣብ

መዝ.132፡7 “ናብ ማሕደሩ ንእቶ፡ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ” ከምዝብለና ቤተ-መቅደሱ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ስለዝኾነ ኣጸዱ፣ ቅጽሩ ማዓጻኡ ኩለንታንኡ ዝተቐደሰ ብበረኸት ዝተመልአ እዩ። ስለዚ ናብ ቤተ-መቅደስ ዝቀርብ ሰብ ኩሉ እዚ እንዳሓሰበ ይሳለም።

ስለዚ ሰብ ኩሉ ናይ ቤተክርስቲያን ደገ ሰላም (ኣፍደገ)”ሰላም ለኪ ቤተክርስቲያን ኣምሳለ ኢዮርሳሌም ቅድስት። ቅድስት ዝኾነት ናይ ሰማይዊት ኢዮርሳሌም ኣምሳል ዝኾንኪ ኦ ቤተክርስቲያን ሰላም ይብለኪ ።”  እናበልና ክንሳለም ይግበኣና።

  1. ኣብ ቅድሚ ቤተ-መቕደስ ( ሕንጻ) ምስጋድ

ናብ ቤተ-መቅደስ ንጸሎት ዝኣቱ ሰብ ማዕጾ ቤተ-መቅደስ ድሕሪ ምሳዓሙ (ምስላሙ) ኣብ ውሽጢ ቤተ-መቅደስ ንእግዚአብሔር ናይ ኣምልኮት (ናይ ባህርይ) ስግደት ክሰግድ ይግብኦ። ኣብዚ ብዛዕባ ቤተ-መቅደስ ስግደት ይግባእ ኢልና ክንዛረብ ከለና በዘፈቀደ ዘይኮነስ ብርድኤት መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ብምግባር እዩ።

  • . ንቤተ-መቅደስ ስግደት ከምዝግባእ

እስራኤል ዘሥጋ ምስ መራሒኦም ሊቐ-ነብያት ሙሴ ሓቢሮም ኣምልኮተ ሥርዓት ዝፍጽሙሉ ኣብ ደብተራ ኦሪት ፊት ንፊት ተንበርኪኾም ይሰግዱ ኔሮም። ምኽንያቱ ናይ ደመና ዓምዲ እግዚአብሔር ናይ ምግላጽ ምልክት ድንካኑ ናይ እግዚአብሔር ናይ ክብሩ መግለጺ መሕደሪ ስለዝነበረ ዘጻ.33፡7።

ንጉሥ ሰለሞን ቤተ-መቅደስ እግዚአብሔር ብፍቓድ እግዚአብሔር ሰሪሑ ምስ ወደአ ታቦተ እግዚአብሔር ካብ ድንካን ኣውጺኡ ናብ ቤተ-መቅደስ ድሕሪ ምእታዉ ቤተመቅደስ ብእግዚአብሔር ብርሃን ተመሊኡ። ኵሉ ህዝቢውን ቅብ ፊት ቤተ-መቅደስ ሰጊዱ እዩ “ ኵሉም ደቂ እስራኤል ድማ ምውራድ ሓዉን ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ እታ ቤት  ረኣዩ”2ይዜና.7፣3።2ሳሙ12፣20። “ሽዑ ዳዊት ካብ መድሪ ተንሲኡ፡ ተሓበን ክዳዉንቱ ድማ ለወጠ፡ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ኣትዩ ከኣ ሰገደ።”ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ቅዱስ ዳዊት ቤተ እግዚአብሔር፣ ኣምላኽ ብኽብሪ ዝግለጸሉ ፍሉይ ስፍራ ምኻኑ ፈሊጡ ግንባሩን ኣብራኹን መሬት ኣተንኪፉ ሰጊዱ እዩ። ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ንቤተመቅደስ እግዚአብሔር ምስጋድ ግቡእ ምኻኑ ኣብ መዝሙሩ ነጊሩና እዩ (መዝ.5፣7)። ሎሚውን እግዚአብሔር ብምሕረቱ ዝረኣዩ ምሕረቱን ሳህሉን ዝበዝሓሉ ሰብ ከም ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ብፈሪሃ እግዚአብሔር ኮይኑ ኣብ ቤተመቅደሱ ይሰግድ። ምስጋናኡ ብልቢ ካብዝኾነ ናይ ኣምልኮ ስግደት ይሰግድ መዝ.131፡7። ደቂ እስራኤል ሊቀ ነብያት ሙሴ ዝተኸሎ ደብተራ ኦሪት( ድንካነ ኦሪት) ጀሚሩ ታበቱ (ማኅደረ እግዚአብሔር ) ዘለዎ እግዚአብሔር ክብሩ ዝግለጸሉ ቤተመቅደስ ይሰግዱ። ዝሰግድዎ ዝነበረ ስግደት ኣምላካዊ ትእዛዝ እምበር ሰብ ዝሰርሖ ሥርዓት ወይ ሕጊ ስለዘይኮነ እዩ።

  • . ቤተ-መቅደስ ካብ ቤት ጣኦት ዝተፈለየ እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት ንቤተ-መቅደስ ምስጋድን ንጣኦት ምስጋድን ሓደ ጌሮም ንምርኣይ ይፍትኑ። እዚ ግና ዓቢ ጌጋ እዩ። ብመሰረቱ ቤተ መቅደስ ፣ ቤተ እግዚአብሔር ክበሃል “ ምስዓል፣ ምስጋድ”  ዝብሉ ቃላት ተመሳሳሊ ይኸውን።  ምስጋድ ( መለመኒ መስገዲ) ዝብሉ ቃላት ሰብ ጸሎቱ ስግደቱ ንልዑል እግዚአብሔር ዘቅርበሉ ፣ ልዑል እግዚአብሔር ካብ ምእመናን ጸሎትን ስግደትን ዝቅበለሉ ቦታ ቤተመቅደስ ቤተ ክርስቲያን ምኻና ይገልጹ። ቤተ መቅደስ ካብ ቤተ ጣኦት ከምዝፍለ ንምርኣይ ናይ ንጉሥ ሰለሞን ታሪኽ ንርኣይ።

ንጉሥ ሰለሙን ብሞኣባውያን ደቀንስትዮ ፍቅሪ ተታሒዙ ኣብ ኢዮርሣሌም ፊት ንፊት ኣብ ዘሎ እምባ ንጣኦት መስገዲ ሰሪሑ። ምስ ሞባኣውያን ንጣኦት ዝተሠውአ መሥዋዕቲ በሊዑ። ንጣኦታትውን ሰገደ። ኣብዚ ግዜ ኣብ ኦሪት ዘዳግም 7፣3-4።ተባሂሉ ዝተነግረሉ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ኣብዚ ግዜ ን ኣምልኾቱ ቀናኢ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ሰለሞን ተቆጥ ኢልዎ (1ይነገ.11፣11)።

ኣብ ካልእ ስፍራ ጠቢቡ ሰለሞን ንቤተ-መቅደስ እግዚአብሔር ሰሪሑ ምስ ወደአ  ምስ ህዝቢ ኮይኑ ንቤተ-መቅደስ ምስጋዱን ሓቢሮም ምዝማሮምን ተጻሒፉ እዩ። ኣብዚ እዋን እግዚአብሔር ንጠቢቡ ሰለሞን ብለይቲ ተገሊጹ “ 2ይዜና፣7፣16-18። ኢልዎ እዩ።

ጠቢቡ ሰለሞን ንቤተመቅደስ ክሰድግ ከሎ ንእግዚአብሔር ደስ ኣቢልዎ እዩ። ብሕልውምን ተገሊጹ “ንመንግሥትኻ ………….” ኢሉዎ እዩ። ንጣኦታት መሠውዒ ክሰርሕን ናይ ጣኦታት ምስ ከደ ግና እግዚ አብሔር ኣዝዩ ሓዚኑ እዩ “ መንግሥትኻ ካባኻ ኣብ ክልተ ክቀዳ እየ”ኢልዎ እዩ። ኣብዚ ናይ ቤተ-መቅደስን ቤተ-ጣኦትን ፍልልይ ብግልጺ ምርኣይ ይከኣል እዩ። ኣብ ቤተ መቅደስ ምስጋድ ንእግዚአብሔር ምስጋድ ንእግዚአብሔር ምሕጋስ እዩ። ኣብ ቤተ-ጣዖት ምስጋድ ግና ንእግዚአብሔር ምጉሃይን ኣብ ልዕሊኡ ምዕማጽን እዩ። ክልቲኦም ፈጺሞም ዝተፈላለዩ እዮም። ቤተ-መቀደስ ምስ ቤተ ጣኦት ሓደ ዝገብር ከስተውዕለሎም ዝግባእ ነዚኦም ግልጺ ዝኾኑ ሓቅታት እዩ።

ንሕናውን ኣብ ዘመና ኣብ ቤተ-መቅደስ ተራኺብና ፈጢሩ ዝገዝእ ዝምግብ ኣምላኽ ብዝግባእ ክብሪ ሂብና እንተሰጊድና ፣ ጸሊና  ናብራና ይመዓራረ ። ቤተና ብበረኸት ይመልእ። ዕድሜና ይነውሕ፣ ደቅና ይባረኹ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ንዘልዓለማዊ ህይወት ዕዱማት ንኸውን። ብኣንጻሩ ንቤተ ጣኦት እምድህር ተንበርኪኽና፣ ሰባት ዘቆምዎ ጣዖታት፣ ንጠንቃሊ ንዝተፈላለዩ  ኣምልኮተ ባዕድ እንድሕር ሰጊድና ድማ ናብራና ሰላም ይርሕቆ ፣ ዝተመሳቀለ ይኸውን፣ ዕድሜና ይሓጽር ብእምነት ይኹን ብልምድ ዝወረሱ ደቆና ርጉማት ይኾኑ (ዘዳ.28)።

ይቅጽል....

ዘሚካኤል

Comments are closed.