ቤት-መቅደስ እግዚአብሔር- 2ይ ክፋል (ቤተ መቅደስ ቅድሚ ምእታዉና ፡ክንገብሮም ዝግበኣና ምድላዋት)

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ክንኣቱ ከለና ክንገብሮም ዘለና ምድላዋት

ለ. ንጹህ ልብሲ (ክዳን  ) ምኽዳን ።

ቤተ መቅደስ ምዑዝ መኣዛ ዘለዎ ዕጣን ንእግዚአብሔር ዝቀርበሉ፣ ምእመናን ናይ ልቦም ምንዮት ናይ ከንፈሮም ፍረ ዝኾነ ጸሎቶም ዘቅርብሉ ፣ ናይ ሓዲስ ኪዳን በጊዕ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሥወኣሉ ንጹህ ቤተ-ከብካብ (መርዓ) እዩ። ኣብዚ ቤት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ብነፍስን ሥጋን ዝፈርድ ናይ ጐይቶት ጐይታ ናይ ነገሥታት ንጉሥ እግዚአብሔር ኣሎ። ኣብ ቤት'ዚ ብነፍስን ብሥጋን ንጽህት ዝኾነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣላ፡ ቅዱሳን ኣለዉ።

ስለዚ ንጸሎተ ቅዳሴ ፣ ንጸሎተ ኪዳን ፣ ንሰዓታት ጸሎት ናብ ቤተ መቅደስ ዝኸይድ ሰብ ነዚ ክርድኦን  ክሓስብን ይግብኦ። ንሰማያዊ ከብካብ ( መርዓ) ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ደው ከምዝብልን ፣ ምስ ቅዱሳን ብኽብሪ ከምዝዕደም ሓሲቡ ልብሱ ንጹህ ብምግባር ምድላው ይግብኦ። ሰብ ከምቲ ጎረቤት ወይ ዓርኩ መቕርቡ ንመርዓ ምስ ዝጽዎዖ እንታይ ከምዝለብስ ብምሕሳብ ከምዝጭንነቅ ኩሉ፣ ናብቲ ዝዓበየ መርዓ ቅዳሴ ክቀርብ ከሎ ንዓይኒ ደስ ዘይብል ብዘየገድስ ተራ ልብሲ (ክዳን) ተኸዲኑ ዝኸይድ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ ምድራዊ በዓል ሥልጣን ክቐርብ ከሎ ንልብሱ ሓጺቡ ኣጽርዩ ማዕርጉ ዝቐርብ ሰብ፣ ኣብ ቅድሚ ንጉሠ ሰማይ ወምድር እግዚአብሔር ክቐብር ከሎ ግና ግዲ ዘይብሉ ሸለልትነት ዘብዝሕ ሰብ  ኣሎ፣ እዚ ግና ዝዓበየ ጌጋ እዩ።

ኣቦና ያዕቆብ ኣብ ናይ ኣብኡ ላባ ቤት ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ድሕሪ ምንባሩ እግዚአብሔር ናብ ቤትኤል ተመሊሱ መሥዋዕቲ ክሥውእ ምስኣዘዞ  ንኹሎም ቤተሰቡ ክዳኖም ክቅይሩ ኣዚዝዎም እዩ ። << ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ምስኡ ንዝነበሩ ኹሎምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጋኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፣ ጽረዩ ክዳውንትኹም'ውን ለውጡ። ንተንሥእ ማን ቤትኤል ድማ ንደይብ ኣብኣ ከኣ ነቲ ብመዓልቲ ጸበባይ ዝሰምዓንን ኣብ ዝኸድክዎ መገዲ ምሳይ ዝነብረን ኣምላኽ መሰውኢ ኽገብር እየ በሎም።”ዘፍ35፣2።

ስለዚ ናብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ንኸደሉ እዋን ካብቲ ናብ ስራሕና ኮነ ዝተዓደምናዮ ምድራዊ መርዓ (ከብካብ) ንዳለዎ ንላዕሊ ተዳሊናን ጸሪናን ንጹህ ልብሲ ለቢስና ክንከይድ ይግበኣና። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ክብረ በዓላትን ኣብ ካልእ እዋንን ካብ ብዝሒ ምእመናን ዝተላዕለ ክዕፈን ይኽእል እዩ።  ኣብ ከምዚ ዝበል እዋን ንጹህ ልብሲ ዘይለስቡን ተዳልዮም ብዘይመጹ ሰባት ሽታ፣ ጸገም ይፍጠር እዩ። ምእመናን ሕልናኦም ኣኪቦም  ብኣንቃዕዶ ልቦና ክጽልዩ ኣይክእሉን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ  ብሰማያዊ ክብሪን ኣምሳልን ዝተሸለመትን ዝመዓረገትን ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ነርስሓ እሞ ተሓተቲ ንኸውን። እዚ ከምዚ ከይከውን ካህን ምእመን ከይተባህለ ኩሉ ዓቅሙ ብዝፈቅዶ ተዳልዩ ብንጽህና  ክቐርብ ይግባእ።

  1. ልብሲ ምዕጣቕ ወይ ብትእምርተ መስቀል ምኽዳን ፣

ናብ ቤተ መቅደስ ክንከይድ ከለና ጻዕዳ ክዳን ክንክደን ይግባእ እዩ። ጻዕዳ ነጸላ፣ ጋቢ ተዓጢቅና ወይ ድማ ብትእምርተ መስቀል በዚ መልክዕ ተኸዲንና ናብ ቤተ መቅደስ በጺሕና ደው ኢልና እንሓስቦም ምሥጢራት ኣለዉ።

 

  • ንምንታይ ብትእምርተ መስቀል ንኽደን?

ናይ ክርስቶስ መከራ ንምሕሳብ። -ነጸላ ናብ የማንን ጸጋምን ብትእምርተ መስቀል ኣምሳል ይዕጸፍ። ኣብዚ እዋን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዝተቐበሎም ጸዋትወ መከራን ኣብ ቀራንዮ ኣብ መልዕለተ መስቀል ምስቃሉ የዘኻኽረና። እዚ ዝተማሳቀለ ነጸላ ዝርኢ ኩሉ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ መስቀል ምቕባሉ ይዝክር።

 

  • . ንምንታይ ጻዕዳ ንለብስ -እቲ ንኽደኖ ነጸላ ጻዕዳ ምዃኑ ዝተፈላለየ ምኽንያት ኣለዎ። ካቡኡ ዝተወሰነ፣-
  1. v. ዝጽበየና ሰማያዊ ክብሪ ንምሕሳብ ፣- ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም ዝሓለፉ፣ ዳሕራይ ንኽብሪ ዝበቅዑ ቅዱሳን፣ ኣብ ሰማይ ናይ ክብርን ቅድስናን ምስክር (መግለጺ) ጻዕዳ ክዳን ይወሃቦም ማለት ብርሃን ይለብሱ ፣ ብሓድነት ይዝምሩ። “ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ከኣ ነፍሳት እቶም ስለ ቃል ኣምላኽን ስለቲ ዝነብሮም ምስክርን እተሓርዱ ኣብ ጥሕቲ መሰውኢ ርአኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ከኣ ዎ ቅዱስን ሓቐኛን ጎይታ ክሳብ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለውኸ ክሳብ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም እናበሉ ጠርዑ። ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህበቶም እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዝምልኡ ከኣ ገና ቕሩብ ኪዐርፉ ተባህለሎም” ራእ. (6፣-9-11)።

ሓደ እካ ኪቆጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርአኹ..… “ ራእ.7፣9 ። ብምባል ኣብ ሰማይ ብክብሪ ዝነብሩ ቅዱሳን ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጎናጺፎም ከምዝረኣዮም ቅዱስ ዮሐንስ ገሊጹልና። ንሕና̕ውን ብሃይማኖት ምግባርን ጸኒዕና እንተሓሊፍና ኣብ ሰማይ እዚ ዓቢ ክብሪ ይጽበየና ፣ ነዚ ብምሕሳብ ጻዕዳ ክዳን ንኽደን።

ካብዚ ብተወሳኺ ጻዕዳ ክዳን ክንክደን ከለና ብርሃን ዝለበሱ ቅዱሳን ምሳና ምህላዎም ኣብ ከባቢና'ውን ከምዝለዉ ብዛዕባና ስለና ከምዘማልዱ ንዝክር ዕብ. 12፣1።

 

  1. v. ቅዱሳን መልኣኽቲ ምሳና ምኻኖም ንምሕሳብ

 

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሙሱና መቃብርን ኣጥፊኡ ንሞት ሲዒሩ ድሕሪ ምትንሥኡ ንሥጋኡ ቅዱይ ቅብኢ ክቐብእዎ ናብ መቓብር ዝወረዳ ቅዱሳን ኣንስቲ፣ ቅዱሳን መልኣኽቲ ካብ በረድ ንላዕሊ ዝጻዕደወ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲኖም ተገሊጾምለን እዮም።  “ ወማርያምሰ ቆመት ኀበ መቃብር አፍኣ ወትበኪ፣ ወእንዘ ትበኪ ሐወጸት ውስተ መቃብር ። ወርእየት ክልኤተ መላእክተ በጸዓድው አልባስ፣ ወይነብሩ አሐዱ ትርአስ ወአሕዱ ትርጋፀ ኀበ ነበረ ሥጋሁ ለእግዚእ ኢየሱስ ።  ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ኣብቲ ሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነብሮ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ከኣ ብትርጋጽ ረኣየት … “ ። ዮሓሐ 20፣11-12።

ጻዕዳ ተኸዲንና ከነቀድስ ከለና ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ ረዲኤቶምን ሓለዋኦምን ካባና ከምዘይፍለ፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንና ከምዝዀኑ ንዝክር።

  1. v. ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዘለና ንሓስብ

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃነ መለኮቱ ኣብ ደብረ ታቦር ክገልጽ ከሎ ክዳኑ ከም በረድ ጻዕዳ ኮይኑ እዩ። “ ወእምድኅረ ስሱ መዋእል ነሥኦም እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስ ወለያዕቆብ ወለይሐንስ እኁሁ፣ ወአዕረጎሙ ውስተ ደብር ነዋኀ እንተ ባሕቲቶሙ። ወተወለጠ አርአያሁ በቅድሜሆሙ፣ ወአብርሀ ገጹ ከመ ፀሐይ ወአልባሲሁኒ ኮነ ጸዐዳ ከመ በረድ ።  ድሕሪ ሽዹሽተ መዓልቲ ድማ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሓንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ትርኢቱ ተለወጠ፣ ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርሄ ክዳኑ̕ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ “ማቴ. 17፣1-2።

ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱን ምሥጢረ መንግሥቱን ዝገለጸ ኣብ ቅድሚ ኣእማደ ሓዋርያት ገጹ ክልወጥ ደቂ መዛሙርቱ ክርእይዎ ዝፈቀደ ኣምላኽ ምሳና ከምዘሎ ብምሕሳብ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ጻዕዳ ክዳን ተኸዲንና ንቀውም፣ ንመላለስ።  ከሙኡ ከኣ ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ ዝእመነላ፣ ዝንበበላ፣ ዝትርጎመላ፣ ኣማናዊት ደብረ ታቦር ቤተክርስቲያን ከምዝዀነት ብምሕሳብ ጻዕዳ ንኽደን።

 

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ክንኣቱ ከለና ክንገብሮም ዘለና ምድላዋት

ሐ. መባእ (ህያብ) ሒዝካ ምቅራብ።

 

ናብ ቤተ መቅደስ ክንከይድ ከለና ጥራሕ ኢድና ዘይኮና መባእ ሒዝና ክንከይድ ይግበኣና። መባእ ሒዝካ ክንቀርብ ከምዝግበኣና ዝኣዘዘና ሕጊ ዝሰርሓልና እግዚአብሔር እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ናብ ቤተ መቅደስ ክቀርቡ ከለዉ መባእ ወይ ድማ ህያብ ሒዞም ክቀርቡ ከምዝግብኦም ተኣዚዞም ነበሩ። “ እግዚአብሔር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ ንደቒ እስራኤል መባእ ኪህቡኒ ተዛረቦም። እቲ መባአይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ኺብህ ዝፈተወ ውሰዱ። እታ ኻባታቶም እትወስድዎ መባእ ድማ እዚ እዩ። ወርቅን ብርሩን ኣስራዝን ሰማያዊ ሕብሪ ቀይሕን ጽሩይ ቀይሕን ጻዕዳ ፈትልን፣ ጸጉሪ ጤል ድማ እተቖርጸ ቑራብቲ ፣ደዓውልን ቁራብቲ፣ ትሃስን ዕጨይቲ ሽጢምን፣ ዘይቲ ንቐንዲል ቀመማት ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይቲ፣ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ድማ ኣእማን ዕንቁን ንኤፎድን ንሳንቃ ኣብ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን …… “ ዘጻ.25፣1።

 

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን̕ውን መባእ ሒዝካ ናብ ቤተ መቅደስ ምቅራብ ከምዝግባእ በዚ መልክዕ ተሓቢሩ እዩ።  “ ወእምከምኬ ታበውእ መባእከ ውስተ ምሥዋዕ ወበህየ ተዘከርከ ከምቦ እኁከ ዘተኀየሰከ ። ኅድግ ህየ መባእከ ውስተ ምሥዋዕ፣ ወሑር ቅድመ ተኳነን ምስለ እኁከ ወእምዝ ገዚአከ አብእ መባእከ ።እምበኣር መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ ሓውኻ ሓዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሓሰብካ። ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውኻ ተዐረቕ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ “ ማቴ. 5፣-23-24።  ኣብዚ ምዕራፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘምሃሮ ብዛዕባ ዕርቒ እንተኾነ ኣብ ውሽጡ ግና መባእ ምቅራብ፣ ሽምዓ፣ ዕጣን ጥዋፍ ዘቢብ መጋረጃ፣ ጽላል … ሒዝና ምቅራብ ከምዝግባእ ተገሊጹ እዩ።

 

በዚ መሰረት መንፈሳዊ ሰብ ናብ ቤተመቅደስ ክኸይድ ከሎ “ኢትቁም ዕራቅከ ቅድመ እግዚአብሔር ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጥራይ ኢድና ኣይትቕረብ “ከምዝተባህለ ሓሲቡ ዓቅሙ ከምዝፈቀዶ ንእግዚአብሔር መባእ ምቅራብ ይግብኦ እዩ።

ቅዱስ ዳዊት “ካብ ኢድካ ዝተቀበልናዮ መሊስካ ሃብናካ”  ከምዝበለ ካብ እግዚአብሔር ዝረኸብናዮ ንእግዚአብሔር መባእ ጌርና ምቅራብ በረከት ምርካብ ማለት እዩ።

ኣቦና ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ መልከጼዴቅ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ደምን ሥጋን ኣብነት ዝኾነ ህብስትን ወይንን ኣቐቢልዎ እዩ። ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ ኣስራት ንመልከጼደቅ ሂብዎ እዩ (ዘፍ.14፣17) ሎሚ̕ውን ካህናት ከም ናይ መልከጼድቅ ሥርዓት ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ወልደ እግዚአብሔር ከቐብሉ ከለዉ ፣ ምእመናን ድማ ከም ኣብርሃም ኣስራት ቡኩራት ንቤተክርስቲያን የቅርቡ። ካብ ኣበው ተወራሪሱ ኣብና ዝበጸሐ ቅዱስ ስርዓት ካብ እግዚአብሔር ዝተኣዘዘ ስለዝኾነ እዩ ። ስለዚ ነዚ ክንሓስብ ከለና ብኣጋጣሚ ወይ ድማ ሃንደበት ፣ሰብ ክገብር ርእዩ ዘይኮነ ትእዛዝ ምዃኑ ሓሲቡ ናብ ቤተመቅደስ ዝቐርብ ሰብ ብዝተኻእሎ መጠን ግቡእ ዝኾነ መባእ ሒዙ ምቅራብ ይግብኦ።

ዘሚካኤል(ይቅጽል)

Comments are closed.