በዓል ቃና ዘገሊላ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ቃና ዘገሊላ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝዓበየሉ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይ እስራኤል ኣብ ኣውራጃ ገሊላ ካብ ከተማ ናዝሬት ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣስታት ፲/10 ኪሎ ሜትር ርሒቕ እትርከብ ንእሽቶይ ዓዲ እያ። ብቛንቋ ዕብራይስጥ “ክፋር ቃና” ይብልዋ፡ ክፋር ማለት ዓዲ ክኸውን ከሎ፡ ቃና ድማ “ናይ መቃ (ሻምብቆ ዝመስል ኣብ ሩባ ዝቦቅል ዓቢይ ሳዕሪ)” ማለት እዩ። ቃና ዘገሊላ ዓዲ ትበሃል እምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ከቲማ ትርከብ። ኣብ መጽሓፈ ኢያሱ ፲፱፡፳፰/19፡28 ተጠቒሳ ካብ ዘላ ንነገደ ኣሴር ካብ ዝተዋህበቶም ቃና ክትፍለ ቃና ናይ ገሊላ ተባህለት።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ቃና ዘገሊላ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ተጻሒፉ ከም ዘሎ ዶኪማስ መርዓ ዝገበረላ ድንግል ማርያም፡ ጐይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝተዓደሙላ፡ (ዮሓ ፪፡፩-፲፩ /2፡1-11) ዓዲ ሓዋርያ ናትናኤል እያ፡ (ዮሓ ፳፩፡፪/21፡2)። ጐይታ ኣብ ቃና ዘገሊላ ተዛሪቡ ነቲ ኣብ ቅፍርናሆም ሓሚሙ ንዝነበረ ወዲ ሹም ካብ ሕማሙ ፈዊሱ እዩ። (ዮሓ ፬፡፵፫-፶፬)።  

ቤተክርስቲያን ንበዓላት በስማት ቅዱሳን፡ ኣብ ዕለቱ ብዝተፈጸመ ግብሪ፡ ብስም ቦታ ትስምዮም እያ። እዚ በስመ ሃዳሪ ይሰመይ ማህደር ከም ዝበሃል እዩ እምበር ኲሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉን ኣብ ቅዱሳናቱ ሓዲሩ፡ ኣብ ቅዱስ ስፍራ ተረኺቡ፥ ዝገበሮ ተኣምራታዊ ግብሪ እዩ። ነዚ ተኣምር ክፍጽም ንዝሓረዮ ቦታውን ቤተክርስቲያን ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ (ዘጸ ፫፡፭/3፡5፤ ፪/2 ጴጥ ፩፡፲፰/1፡18) ክብርን ቅድስናን ሂባ ተብዓሎን ተክብሮን፡ ብስም እቲ ቦታውን ነቲ ቅዱስ በዓል ትሰምዮን። በዚ ምኽንያት ድማ እዚ ናይ ሎሚ በዓል ቃና ዘገሊላ ብዝብል ናይቲ ቦታ ስያመ ተሰሚው ይበዓል። ብተወሳኽውን ኣብ ቃና ዝተገብረ ተኣምር ክርስቶስ ተጠሚቑ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ድሕሪ ምጻሙ ዝተፈጸመ እኳ እንተኾነ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ናይ ማይ በዓል ምስ ናይ ማይ ብምባል ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ጽባሕ ጥምቀት በዓል ከም ዝበዓል ገይሮምዎ እዮም።

በዚ ድማ በዓለ ቃና ካብቶም ትሸዓተ ናይ ጐይታ ንኡሳን በዓላት ኮይኑ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ለይቲ ብማህሌትን ቅዳሴን ከቢሩ ይውዕል። ኣብዚ ዕለት ዝቐርብ ዜማን ንባባትን መሠረት ብምግባር ቤተክርስቲያን በዚ ዕለት እተመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ንሱ ድማ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝተገብረ ተኣምር ምስ ምሥጢሩ ዝድህስስ እዩ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ምዕራፍ ፪፡፩-፲፩/2፡ 1፡11 ኣስፊርዎ ኣሎ። ሊቃውንተ ቤተክርስቲያንውን ዕሙቕ ብዝበለ ምሥጢር ነዚ ናይ ዮሓንስ ወንጌል ተርጒሞምዎ እኳ እንተ ኾኑ፡ ገለ ቁሩብ ንሳቶም ካብ ዝገለጽዎ ዓቕምና ብዝፈቐዶ ኣሕጽር ኣቢልና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርኢ ኢና።

መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ

“ኣብታ ሣልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ኾነ። ኣደ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት። ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ። ወይኒ ምስ ተወድአ፥ ኣደ ኢየሱስ ‘ወይኒ እምበር የብሎምን’ በለቶ። ኢየሱስ ድማ ‘ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን’ በላ። ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ’ በለቶም። ኣብኡ ኣይሁድ ከምቲ ሥርዓቶም ዝነጽሑለን ከክልተ ወይ ሰሠለስተ ዝንግሪር ዚሕዛ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጠን ነበራ። ኢየሱስ ነቶም ተዓጠቕቲ ‘ነዘን ኣጋንእ ማይ ምልእወን’ በሎም፥ ንሳቶም ከኣ ኣፍ ንኣፍ መልእወን። ሽዑ ‘ሕጂ ቀዲሕኩም ነቦ ዳስ ውሰድሉ’ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱሉ። እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ከም ዝመጸ ኣይፈለጠን፥ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፥ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ ‘ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፥ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ክሳዕ ሕጂ ኣጽኒሕካዮ’ በሎ። ኢየሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብሩ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።” ዮሓ ፪፡፩-፲፩/2፡1-11።

ኣብዚ ቅዱስ መርዓ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትሕትና ዝተጋህደሉ፡ ክርስቶስ ንዂሉ መንነቱ ዝገለጸሉ፡ ኣደ ጐይታ ድንግል ማርያም ርኅርህቲ፡ ክብርትን ኣማላዲትን ምዃና ዝተራእየሉን ብሓዋርያት ዝተሰብከሉን፡ ሓዋርያትውን ብክርስቶስ ዝኣመኑሉ፡ ብዓቢኡ ድማ ክብሪ ናይ ምሥጢረ ተክሊል ዝተጋህደሉ ብተግባር ትምህርቲ ዝተዋህበሉን እዩ።

ትሕትና ጐይታ ከም ዝተገልጸ

ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ኣብ መብልዒ ማል ተወሊዱ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ድማ ብኢድ ዮሓንስ ባርያኡን ኣገልጋሊኡን ተጠሚቑ፡ ኣቦ ትሕትና ምዃኑ ብዂሉ ዝተፈልጠ፥ ሕጂ ድማ ከምቲ “እንተኾነ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ” ፊል ፪፡፯/2፡7 ዝብል፥ ኣብ መርዓ ፍጡራቱን ባሮቱን ከም ቀንዲ ዕዱም ዘይኮነ ከም ተራ ዕዱም ኮይኑ ወይኖም እኳ ንዕዱማቶም ኣብ ዘይኣኽለሎም ኣብ እንዳ ድኻ መርዓ ተረኽበ። ንማንም ከይነዓቀ ድማ ምስቶም ባሮቱ ከም ተራ ዕዱም ተቐመጠ። ነቲ ተኣምርውን ረኣዩለይ ስምዑለይ ከይበለ ኣብቲ ውሻጠ ኣጋንእ ወይኒ ኣብ ዝቕመጠሉ ገበሮ። ከምቲ ኣብ ሉቃ ፲፬፡፯-፲፩/14፡7-11 “ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ፥ ዝበለጸ መንበር ክኃርዩ ምስ ረኣየ፡ ከምዚ ኢሉ ምስላ መሰለሎም። ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ዝበለጸ መንበር ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ ኸይከውን እሞ፡ እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ ‘እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ኅደገሉ’ ኸይብለካ፤ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መንበር ኽትወርድ ከይትጅምር። ምስ ተዓደምካ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ ‘ዓርከይ ናብቲ ዝለዓለ ቦታ ደይብ’ ምእንቲ ኺብለካ፥ ኬድካ ኣብ ዝተሓተ ቦታ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝምስሑ ዂሎም መቓምጥትኻ ክብሪ ክኾነካ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ርእሱ ዜልዕል ኲሉ ክዋረድ እዩ። እቲ ርእሱ ዜትሕት ግና ኪኸብር እዩ።” ኢሉ ባዕሉ ዘስተምሃሮ ኣርኣያ ብምዃን ፈጸሞ። በዚ ድማ ከመይ ጌርና ብትሕትና ርኣዩለይ ስምዑለይ ከይበልና ክነገልግል ከም ዘሎና መሃረና።

ክርስቶስ መንነቱ ከም ዘግሃደ፡

ሓዋርያት በቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ኲሉ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣብ ናይ ፊሊጶስ ቂሳርያ ምስክርነት ሂቦም እዮም። እዚ ምስክርነት ፈለማ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ ካልእን እናበለ በብሓደ ካብ ዝተዋህለለ ልቦና ዝወጸ እዩ ነይሩ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ብዛዕባ ቃና ዘገሊላ ምዝራቡ ብዛዕባ መንነት ናይ ክርስቶስ ንምፍላጥ ኣይሁድ ንዮሓንስ መጥምቅ “‘ንስኻ መን ኢኻ’ ኢሎም ኪሓትዎ ካብ ኢየሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣዂሉ፥ ዮሓንስ ከምዚ ኢሉ መስከረ ‘ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮነኩን’ ኢሉ ተኣመነ እምበር ኣይከሓደን።” ዮሓ ፩፡፲፱-፳/1፡19-20። ብድሕሪኡውን ዮሓንስ መጥምቅ ሓዋርያት ምእንቲ ንክርስቶስ ክስዕቡ ንኻልኣይ ጊዜ “ንኢየሱስ ኪኃልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ ‘እንሆ ገንሸል ኣምላኽ’ በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ሰዓብዎ” ዮሓ ፩፡፴፮/1፡36፥ ከም ዝብለና እንድርያስን ዮሓንስን “‘ረቢ’ ትርጉሙ ‘መምህር’ ማለት እዩ ‘ኣበይ እዩ ሰፈርካ’” እናበሉ ከም ዝሰዓብዎ። ቀጺሉ ስምኦን ጴጥሮስ እውን ምስኦም። ፊልጶስ እቲ በዓል ቃና ዘገሊላ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሠናይ ክርከብ ይከኣል እዩ” ዝበለ ናትናኤል ከም ዝሰዐብዎ ምስ ገለጸ።

ወንጌላዊ ዮሓንስ ብድሕሪ እዚ እዩ ብዛዕባ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝተገብረ መርዓ ዘዘንቱ። “ጐይታ ኸኣ ምስኣቶም ይዓዪ፥ ነቲ ቓልውን በቲ ዜሰንዮ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።” ማር ፲፮፡፳/16፡20። ከም ዝብል በዚ ተኣምራት ንሓደስቲ ኣመንቲ ዘጽንዕ እዩ። በዚ ድማ ጐይታ ኣብቲ ቤት መርዓ ዝገበሮ ተኣምራት ብዙሕ ምሥጢር ዘለዎ እኳ እንተ ኾነ ገለ ካብኡ እቲ ሓደ እምነት ሓዋርያት ምእንቲ ከጽንዕ ምዃኑ ከረድእ ድሕሪ እቲ ተኣምር “ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ” ይብለና። ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያምውን ሉቃስ ወንጌላዊ “‘ማርያም ግና …እዚ ዂሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት።’(፪፡፲፱/2፡19)፥ ዝበለ፡ መንነት ናይ ክርስቶስ ዝገሃደሉ እዋን ገና ስለዝነበረ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ምስ መስከረ፡ ክርስቶስ ሰዓብቲ ደቀ መዛሙርት ምስ ኣፍረየ፥ መንነቱ ዘግህደሉ ጊዜኡ ከም ዝበጽሐ ፈሊጣ ተኣምራት ክገብር “ወይኒ እምበር የብሎምን” በለቶ።” (ዮሓንስ ኣፈወርቂ)። ነዚ ኣዘራርባ ጐይታ ተረዲኡ ካብ ሓዋርያት ነዚ ተኣምራት ኲሎም ክርእይዎ ስለዘለዎም፡ እቲ ንጊዜኡ ኣብቲ ቦታ ዘይነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ክሳዕ ዝምለስ ጽንሒ ንምባልን፡ ካብ ተኣምራቱ ስለዝፈለየኒ እየ ዘትሓዝክዎ ኢሉ ንመጻኢ ምኽኒት ከይረክብ “ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን” ኢሉ መለሰላ። ኲሎም ሓዋርያት ምስ ተረኽቡ ግና ነቲ ተኣምራት መንነቱ ከግህድ ኲሉ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኣብ ዝተኣከበሉ መርዓ ናይ ዶኪማስ ገበረ።             

ኣማላድነት ክብርን ርኅራሄን ትሕትናን ድንግል ማርያም፡

እቲ ጽሑፍ ክጅምር ከሎ “ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ኾነ። ኣደ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት። ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ።” ምባሉ፡ እቲ ጽሑፍ ናይ ድንግል ማርያም ታሪኽ ከዘንቱ ይጅምር ከም ዘሎ የረድእ። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ እውን ኣብ ኲሉ ብዛዕባ ኣደ ጐይታ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስማ ከልዕል ከሎ ኣደ ጐይታ፡ ኣደ ኢየሱስ፡ እኖኡ እናበለ እምበር ሓንቲ እዃ ብስማ ጸዊዕዋ ኣይተጻሕፈን። እዚ በቲ ዝዓበየ ጸጋኣን ክብራን ምጽዋዑ ሓዋርያት ኣብ ኣደ ጐይታ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዎም ኣኽብሮት ዝገልጽ እዩ። በዚ ናይ ክብሪ ሰማ እናጸውዑ ድማ ብዛዕባአ ብጽሑፍን ብቃልን ይሰብኩ ከም ዝነበሩ እዚ እቲ ቀንዲ መረጋገጺ እዩ። ክርስቶስውን ንድንግል ማርያም “ሰበይቲ” እናበለ ይጽውዓ፥ እዚ ድማ ኣዳም እግዚአብሔር ኣኽቢሩ ንዝፈጠረሉ ሰበይቲ ኢልዋ እዩ። ሰበይቲ ማለት “ዓጽሚ ኻብ የዕጽምተይ፥ ሥጋ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ፥” ዘፍ ፪፡፳፫/2፡23 ማለት እዩ። እዚውን ከምቲ ናይ ዮሓንስ ነቲ ብኣምላኽ እንትርፎ ንኣአ ንኻልእ ዘይተዋህበ ናይ ኣደ ጐይታነት ጸጋ ዝተዋህበት ምዃና ከረድእ ዝተዛረቦ እዩ።   

ድንግል ማርያም እቲ ወይኒ ከም ዝተወድአ ፈሊጣ ነቶም ሰብ መርዓ ነውሮም ክትሽፍን ክሳዕ ኣብ እግራ ወዲቖም ቐሚሻ ዝሕዙ ኣይተጸበየትን፡ እኳ ድኣ ጉዶም ፈሊጦም ከይተጨነቑ ላዕልን ታሕትን ከይበሉ ንወዳ ኸይዳ ለሚናቶ፡ ኲሉ ዝኽእል ወዳ ድማ “ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ቀይሮ ኢልክኒ ኣይፋሉን ዘብል እንታይ ባእሲ ኣሎና ድዩ” (ትርጓሜ ወንጌል) ንምባል “ኣንቲ ሰበይቲ፥ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ፧” ኢሉ መለሰላ። ነቲ ልመንኣ ሰሚዑ ድማ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ቀይሮ።   

ምስጢረ ተኽሊል

ክርስቶስ ኣብ እንዳ ሓዘን ኮነ እንዳ ሰብ ገዛ ደጋጊሙ ከም ዝኸደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ቤት መርዓ ግና ሓደ ጊዜ እዩ ኸይዱ። እዚ ምሥጢረ ተክሊል ሓደ ጊዜ ጥራይ ከም ዝፍጸም ንምርዳእ እዩ። ብተወሳኽውን መርዓ ቅዱስ ምዃኑ ክፍለጥ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡን ደቀ መዛሙርቱን ኣብኡ ተረኺቦም እዮም። ክርስቶስ ርእሲ ቤተክርስቲያን፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተሠረተት፡ ኣማናዊት ታቦት ብዝኾነት ድንግል ማርያም ድማ ዝተማእከለት እያ። እዚ ምሥጢር ዝፍጸም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣብ ቤተክርስቲያን ብቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙ ምዃኑ የረድእ። ኣብ ቤት መርዓ ክርስቶስ ንድንግል ማርያም ሰበይቲ፡ ማለት “ዓጽሚ ኻብ የዕጽምተይ፥ ሥጋ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ፥” ዘፍ ፪፡፳፫/2፡23 ኢሉ ብምጽዋዕ ብዛዕባ ቅዱስ ሥጋዌኡ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ምቕያሩ ድማ ናይቲ ክቡር ደሙ ምሳሌ እዩ። ስለዚ ምሥጢረ ተኽሊል ብሥጋኡን ደሙን ዝኸብርን፥ ሓደ ጊዜ ጥራይ ዝፍጸም እዩ።

እምበኣር ካብዚ ናይ ሎሚ በዓል ናይ ቃና እዚ ካብ ተረዳእና፥ ከምቲ “ንስኻ ግና በቲ እተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ። ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ። ካብ ሕፃንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳን መጻሕፍቲ ትፈልጠን ኢኻ። ንሳተን ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ናብ ምድኃን ኬብጽሕ ዜኽእል ጥበብ ክክህባኽ ይኽእላ እየን።እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኽውን፥ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሣጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ፡ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።” ፪/2 ጢሞ ፫፡፲፬-፲፯/3፡14-17፥ ዝብለና፡ መንፈሳዊ ፍልጠትና ክዓቢ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ምንባብ ከይሰልኬና፡ ክነገልግልን ኣብ ኲሉ ዕለታዊ መነባብሮና ነቲ ህያው ቃሉ ክንነብረሉ ይግባእ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና ። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር ።    

ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.