በዓለ ጥምቀት ካልኣይ ክፋልን መወዳእታን

መምህረ ትሕትናን ሥርዓትን 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምጥማቕ ዘድልዮ ኮይኑ ኣይኮነን ናብ ቅዱስ ዮሓንስ ክጥመቕ ዝመጸ፤ ይኹን ደኣ እምበር ከምቲ ባዕሉ ጐይታ ዝበሎ ግና “ኵሉ ጽድቒ ንምፍጻም” ናብ ዮሓንስ ወልደ ዘካርያስ መጸ። ጐይታ ኣብ መዋዕል ስብከቱ ዝገበሮ ብዙኅ ነገራት ንዓና ኣርኣያ ክኾነና፡ ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ኩሉ ኣብነት ክኾነና እዩ። ጥምቀት ጥራይ ኣይኮነን ምጻም ዘየድልዮ ጐይታ ጾይሙ እዩ፤ መከራ ዘይግብኦ መከራ ጸጊቡ እዩ፤ ሞት ዘይግብኦ ስሌና ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ። ኵሉ ስሌና እዩ! በቲ ሓደ ኣብነት ክኾነና በቲ ካልእ ድማ መገዲ ድኅነት ከረእየና፤ ብኵሉ ድማ ኣብ ክንዳና ካሕሳ ክኸፈልን ክብጀወናን። 

ጥምቀት ዮሓንስ ናይ ንስሓ ነበረት። ጐይታ ግና ኣብ ክንዲ እቲ ንስሓ ዝግብኦ ሰብ ኣዳም ተጠምቀ እምበር ንሱስ ወሃቢ ሕይወት ተቐባሊ ንስሓ እዩ። ዝገበሮ ምእንቲ ሰብ ምዃኑ ድማ ከረድእ ሰብ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ እቲ ሕዝቢ ዝተረኽበን ከምኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሓንስ ክጥመቕ ዝቐረበን። ዮሓንስ ግና ስለዝፈለጦ “ንኣይ ኣባኻ ምጥማቕ የድልየኒ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ትሕትና ዝመልኦ ቃል ኣውሰአ። ኣቤት ክንደይ ዝኣክል ትሕትና እዩ ናይ ጐይታ፧! ነዚስ መግለጺ ይርከቦ'ዶ ይኸውን፧ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ብኢድ መሬታዊን ፍጡሩን ቅዱስ ዮሓንስ ክጥምቕ ናብኡ ምኻዱ ዕጹብ ነገር እዩ። በቲ ጊዜ እቲ ኵሉ ሰብ ኃጢኣቱ እናተናዘዘ ብኢድ ዮሓንስ ይጥመቕ ነበረ። ንጽሕናን ቅድስናን ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታ ግና በደል ኣዳም ጸይሩ ኣብ ቅድሚ ዮሓንስ ቀረበ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምውን ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስተ ቅዱሳን ክነሳ ሥርዓት ክትፍጽም ግና ኣብ ቤተ መቕደስ ተረክበት (ሉቃ ፪፦፳፪) እወ ኃጢኣት ኣዳም ዘይተንከፋ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ብድንግልና ንኣምላኽ ዝጸነሰት ክነሳ መስዋእቲ ሒዛ ናብቲ ቤተ መቅደስ ከደት እምበር ንሳስ ምንጻሕ ዘድልያ ኮይኑ ኣይኮነን፤ ትሕትና ከምዚ እዩ። ትሕትና ዮሓንስ መሠረቱ ኣብ ትሕትና ኣዲኡ ይረአ እዩ። ኣዴና ድኅሪ ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ሓትነኣ ናብ እትኸውን ኤልሳቤጥ ንዝባን ይሁዳ ምስ ደየበት እሞ ምስረኸበታን ሰላምታ ምስ ሃበታን ኣብ ማኅጸና ዝነበረ ዮሓንስ ተሰራሰረ እሞ ከምዚ በለት “… ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ኻበይ ኰነለይ..”። ስሙር ቃል ትሕትና ኣደን ውላድን ክንደይ ባህ ዘብል እዩ። ሎሚ'ኸ ቃልናን ኣባሃህላናን ምስ መን ይሰማማዕ ይኸውን፧ ምስቶም ቅድስና ዝመለለይኦም ወለድናን ቀዳሞትን ዋላስ ባህርያትን ቃልን ዓለም ተላቢስናዮ ንዓለም ንመስላ ኣሎና፧ 

ትሕትና ጐይታ መንክር ኢልካ ካብ ምሕላፍ ካልእ መግለጺውን የብሉን። ዮሓንስ’ውን እቲ ልዕልንኡ ዝመስከረሉ ጐይታ ናብኡ ምስ መጸ ኣነ እባ ብኣኻ ክጥመቕ ዝግብኣኒ እንተበለውን ክጥመቕ ዝመጸ ምዃኑ ጐይታ ነገሮ። እስቲ ነስተውዕል! ዋላ በቲ ምድራዊ ሥርዓተ ክህነት እንተኸድናውን ሕጂውን ትሕትና ኣርእዩና ኣሎ። ክህነት ዝዕድል ሰማያዊ ሊቀ ካህናት ንሱ ብኢድ መሬታዊ ዮሓንስ ተጠምቀ። ክህነተ መልከ ጼዴቅ ልዕሊ ክህነተ ኣሮን እያ። (ዕብ ፯) ብሥርዓት መልከጼዴቅ ካህን ዘለኣለም ዝተባህለ ጐይታ ግና ብኢድ ዘርኢ ኣሮን ዝኾነ ዮሓንስ ተጠምቀ (መዝ ፻፲)። እዚ ትሕትና እዩ። ባዕሉ ምሕረት ናይ ባህርይኡን ኣብ ኢዱን ዝኾነ ካህን ዘለኣለም ክነሱ ነቲ ምሕረት ዝገበረሉ ኪድ ነፍስኻ ንካህን ኣመርምር ኢሉ ሰደዶ በዚ ድማ ትሕትናን ሥርዓትን መሃረ። (ማቴ ፰፥፬) 

ብሥልጣኑን ብኣምላኽነቱን ኵሉ ክገብር ዝከኣሎ ጐይታ ግና ኣርኣያ ክኾነናን ትምህርቲ ክህበናን ድኅሪ 40 መዓልትን ለይትን ምጻሙ ተፈተነ። እወ መምህር ትሕትና ስለዝኾነ ደድኅሪ ጥምቀቱ ሕጂውን ብፈቓዱ ብዲያብሎስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ተፈተነ። (ማቴ ፬፥፩-፲፩) ጐይታ ግና ብትዕቢት ንዝመጾ ብትሕትና ሰዓሮ። ከምቲ ሥርዓት ክፍጸም ክጥመቕ 30 ዓመት ተጸበየ እምበር ጌና ወዲ 12 ዓመት ነቶም መምህራነ ኦሪት ዘደነቖም ሽዑ ክገብሮ ቅድሚኡውን ክገብሮ ይኽእል ነይሩ። ግና ኵሉ እናኸኣለ ብትሕትና ተጸበየ። ብትሕትና ድማ 40 መዓልቲ ጾመን ጸለየን። ኵሉ ነገራቱ ከምቲ ሕጊ መጽሓፋዊን ሕጊ ጠባያዊን ብሥርዓት ዝፈጸሞ ኣብ ኵሉ ድማ ትሕትና መሃረና። 

እምበኣር ጐይታና ልዑል ክነሱ ብትሕትና ብኣገልጋሊኡ ብኢድ ቅዱስ ዮሓንስ ክጥመቕ ብፍጹም ትሕትና ናብ ዮርዳኖስ እንተዘይመጽእ ነይሩ ሎሚ ሰብ ጸጋ ሃብታማት፡ ምሁራት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ኃያላት መሳፍንትን መኳንንትን ኣብ ዝዕብልልዋን ዘመሓድርዋን ኵሉ ኣብ ኢዶም ገይሮም በዚኣ እተዉ በቲኣ ውጹኡ ዝብሉላ እዚኣ ዓለም እዚኣስ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን እንታይ ምመሰለ፧ ክንደይ “መጺእኩም ኣጥምቑና” ዝብሉ ድምጽታት ምሰማዕና፤ክንደይ ምውድዳርን ምፍልላይን ድማ ምረኣና ነይርና። ኵሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር፡ ዓለማዊ ትሕዝትኡ ልዕልንኡን ብዘየገድስ ሓደ ብምዃኑ ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያንውን ብሓደ ሥርዓት ይግለገል ኣሎ። 

ጐይታና፡ ፈጣሪ ዓለማት ክነሱ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ክጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። ኣብነቱ ድማ “ኣነ ድማ ዮርዳኖስ ወሪደ ብኢድ ኣገልጋሊየይ ከምዝተጠመቕኩ ንስኻትኩም’ውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድኩም ብኢድ ካህናት ተጠመቑ” ክብል ከሎ እዩ። ስለዚ'ውን ቤተ ክርስቲያንና ካብ ካልኦት ኵሎም ቅዱሳን ብዝተፈልየ ንዝተዋህቦ ጸጋ ብምዝካር ቅዱስ ዮሓንስ “መጥመቀ መለኮት” ኢላ ከተኽብሮን ክትጽውዖን ከላ ትኅትና ኣምላኽና ኸኣ ዕፁብ ድንቂ እዩ እናበለት ወትሩ ትሰብኽ። ጐይታና ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ዝተጠምቐ ነታ ውሉድነት እተውህብ ናይ ምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ኣፍ ደገ ዝኾነት ጥምቀት ባሪኹ ቀዲሱ ንምሃብ እምበር፡ ክብርን ጸጋን ዘወስኸሉ ኮይኑ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ወሃቢ ኵሉ ጽድቅን ክብርን ባዕሉ ስለዝኾነን፡ ካብ ካልእ ዘይረኸቦ ናይ ባህሪኡ ብምዃኑን እዩ። 

ጐይታ ብምጥማቑ ኣብነትን ብኡ ኣቢሉ ድማ ንጥምቀት ባሪኹን ቀዲሱን ምሃቡ ጥራይ ዘይኮነስ ብኸመይ ኣገባብ ክንጥመቕ ከምዝግባእናውን ሥርዓት ሰሪዑልና እዩ። እዚውን ጥምቀት ብማይ ዝፍጸም ምዃኑ፤ በቲ ዝግብኦን ነቲ ምሥጢር ክፍጽም ብቕዓት ዘለዎ ኅሩይ ሰብን (ክህነት ዘለዎ) ክፍጸም ዘለዎ ምዃኑን፤ ጥምቀትውን ብምንጻግ ማይ ዘይኮነስ ኣብ ማይ ብምጥላቕ ክኸውን ከምዝግባእ ባዕሉ ኣርኣያ ኮነና። (ማቴ ፫፦፲፮) ሓዋርያትውን ነቲ ዝገደፈሎም ትምህርትን ኣብነትን ተኸቲሎም ብኸምኡ ይፍጽሙ ነይሮም። (ግብ ፰፥፴፱) ምኽንያቱ ኣብ ማይ ምጥላቕን ምውጻእን ምስ ክርስቶስ ናይ ምማትን ምትንሣእን ምሳሌ ስለዝኾነ። 

ጽድቂ ምፍጻም 

ጽድቅን ክብርን ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ጐይታና ምንጪን መሠረትን ኵሉ ጽድቅን ክብርን ቅዱሳን እዩ። እቲ ነቢይ ከምዝበሎ ንሱ ንኵሉ ዓለም ዘብርህ ፀሐየ ጽድቅ እዩ። (ሚክ ፬፥፪) 

ጐይታ ክጥመቕ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ቅዱስ ዮሓንስ ብትሕትና ኣነ ብኣኻ ክጥመቕ ይግብኣኒ እምበር ኢሉ ምስተዛረቦ “ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና” ኢሉ ንኽጥመቕ ፍቓዱ ምዃኑ ምስ ነገሮ ክጥመቕ ሓደጐ። ከምኡ ዝበሎ ድማ ብዛዕባ ክፍጽሞ ዘለዎ ትንቢት ነቢያት ምዃኑ ንሱ ድማ ክፍጸም ግድን ምዃኑ ክነገሮ ስለዝደለየ እዩ። ስለዚ ድማ ዮሓንስ መጥመቀ መለኮት ተባሂሉ ክብሩ ክንገረሉ ጐይታ ድማ ብኢድ ባርይኡ ብትሕትና ተጠመቐ ተባሂሉ ክሳብ ሕልቀተ ዓለም ክንገር ይነብር ኣሎ። ከምኡ ድማ ጐይታ ብብስራት መልኣኽ ኣብ ማኅጸን ኣዲኡ ከሎ ዝጀመሮ ናይ ምሕረትን ምድኃንን ስራሕ ከምቲ ኣቐዲሙ ብነቢያት ዘዛረቦ ንኵሉ ሓቂ ክፍጽም ስለዝመጸ እዩ። 

መንነት ጐይታ ብንጹር ዝፈልጥ ቅዱስ ዮሓንስ እንታይ ኢሉ ከምዘጥምቖ ንምፍላጥ “ኦ ጐይታ፡ ብስም መን ከጥምቐካ እየ” ኢሉ ሓተቶ ጐይታ'ውን “ወልዱ ለቡሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሣሃለነ፡ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጼዴቅ” ትርጉሙ ከኣ ወዲ ብሩኽ አብ ዝኾንካ ብሩኽ ወልድ ብርሃን እትኸስት (እተብርህ) ይቕረ በለልና፡ ከም ክህነት መልከጸዴቅ ዘለኣለማዊ ካህን ኢኻ” እናበልካ ኣጠምቐኒ ኢልዎ፤ ከምቲ ዝበሎ ኢሉ ድማ ኣጥሚቕዎ። 

ሎሚ'ከ ንሕና'ውን ነቲ ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብዘሎ ትእዛዝን ቃል እግዚአብሔርን ተመሪሕና ነቲ ቃል ሓቅን ጽድቂን ክንፍጽም ከምዝግባእና ዓቢ ኣርኣያ ገዲፉልና ኣሎ። እወ ጐይታ ካባና ዝጽበዮ ነቲ ቃል ጽድቂ ሰሚዕና ክንፍጽምን ፍረ መንፈስ ከነፍርይን እዩ። ብትሕትናን ፍቕርን እግሪ ሓዋርያቱ ሓጺቡ ንስኻትኩምውን ነንሕድሕድኩም ከምኡ ግበሩ ኢሉ ኣርኣያ ዝገደፈልና ጐይታ ናብራና ናብራ ጽድቂ ፍኖትና ፍኖተ ጽድቂ ክኸውን ጐይታና ጽድቂ ክንፍጽም ይምህረና። መንፈሳዊ ጽድቂ ዘውህብ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያንና ስምዑኒ እናበለ ድምፁ የድሂ ደውልውን የስምዕ ኣሎ፤ ሰማዒ ግና ኣይረክብን ዘሎ። ናብ ቤት እግዚአብሔር ንቕረብ፤ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ንፍለጦ። ጽድቂ ዝመሠረቱ ሥርዓት ኣቦታትናውን በቶም ክዕቀብዎን ከዐቅብዎን ዝተሾሙ ክሰዓር ክንርእዮ ከሎና ክገርመና ይኽእል እኸውን። ሎሚ ሓዋርያዊ ቃል ተረሲዑ ካብ እግዚአብሔር ንሰብ ምሕጓስን ምእዛዝን ዝምረጸሉ ዘመን በጺሕናዮ ስለዘሎና ስለእቶም ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ዝባኖም ዘሎ ኣቦታትና ጸሎት ምግባር ይግባእና። ምኽንያቱ እቲ ቃል “ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም” ከምዝግባኣና እዩ ዝምህረና! እቲ ተነስሑ ዝብል ቃለ ዓዋዲ ይዕውድ ኣሎ። 

ፍሉይነት ኣበዓዕላ በዓል ጥምቀት 

ጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምሉእ ዓለም ከከም ሥርዓትን እምነትን ሃገራት ዝበዓል ኮይኑ ኣብ ሃገርና ግና ፍሉይን ግብራዊ ትርጉም ብዘለዎን፡ ሥዕላዊ ትምህርቲ ብዝህብን፡ ብሉይን ሓዲስን ብዘወሃሃደ መልክዕን ኣገባብን ብድሙቕ ክብዕል ዘመናት ኣቝጺሩ ኣሎ። እዚ ድማ ትውፊቱን ምሳሊኡን ካብ ዘመነ ብሉይ ኣትሒዙ ዝጀመረ ኮይኑ ሃይማኖታዊን ምሥጢራዊ መልእኽቱን ዓቂቡ ይቕጽል ኣሎ። 

ጥንተ ታሪኽ ናይዚ ሥርዓት ምስ ንርኢ እስራኤላውያን ዘኽብርዎምን ዝጾምዎምን ዝተፈላለዩ በዓላትን ኣጽዋማትን ነይርዎም። እዚኦም ድማ ምሳሌያውን ከም ምንባሮም ፍጻሜኦምን መልእኽቶምን ግና ናብ ሓዲስ ኪዳን ዝሰግር ነበረ። ካብቶም በዓላት ሓደ ድማ በዓለ መጸለት ይበሃል። እዚ በዓል እዚ እስራኤላውያን ንባሕሪ ከፊሉ ብደመና ኣጽሊሉን ከዊሉን ካብ ባርነት ሓራ ንዘወጽኦም እግዚአብሔር ንምምስጋንን መዓልቲ ሓርነቶም ንምኽባርን በቲ ሓደ፤ እዋን ምዝዛም ዘመነ ቀውዒ ድማ ንምዝካርን ንምምስጋንን በቲ ካልእ ናብ ወሰናስን ኣፍላጋት ብምውራድ ዳስ ብምትካል ዓመት መጸ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ይዝክርዎ ነበሩ። ኣብ ክንዲ በዓለ መጸለት ድማ ኣብ ዘመነ ሓዲስ በዓለ ጥምቅት ተተከአ። ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ታቦታት ናብ ወሰናስን ኣፍላጋት ብምውራድ ዳስ ብምትካልን ጽላላት ብምዝርጋሕን ጐይታ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ወሪዱ ነቲ ኣብ መዓሙቕ ዮርዳኖስ ተደርብዩ ዝነበረ ደብዳቤ ዕዳና ደምሲሱ ሓርነትና ዓወጀልና እናበልና ነኽብሮ። 

ብኻልእ ምሳሌ ድማ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ወጺኦም ናብ ዓዶም ቅድሚ ምእታዎም ብመሠረት ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም መምርሒ ብመሪሕነት ኢያሱ ባሕረ ዮርዳኖስ ክሰግሩ ከለዉ እቶም ነቲ ታቦት ዝጾሩ ካህናት ኣቐዲሞም ነቲ ባሕሪ ብኣእጋሮም ምስ ረገጽዎ እቲ ባሕሪ ናብ ክልተ ከምዝተኸፍለን እቲ ሕዝቢ ድማ ደድኅሪ ካህናት ከምዝሰገርዎን ነታ እግዚአብሔር ዘተስፈዎም ምድሪ ከምዝወረሱ ብሰፊሑ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተገልጸን ዝፍለጥን ታሪኽ እዩ። እዚ ትንቢታዊ ምሳሌ ቅዱስ ዳዊት ብኣንክሮ ዝዘከሮን ዝዝመረሉን እዩ፤ ቅዱስ ዳዊት ነቲ ኣብ ዘመነ ኢያሱ ካብ ቅድሚ ታቦት ንዝሃደመት ባሕሪ ዮርዳኖስን ንዝተሰራሰሩ ኰረቢትን ዘኪሩ ሕሉፍ እናዘከረ “ባሕሪ እንታይ ኴንኪ ዝሃደምኪ፡ ኣታ ዮርዳኖስከ ንድሕሪት እተመለስካ፡ ኣቱም ኣኽራን ከም ደዓውል ኣቱም ኰረቢትሲ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም እንታይ ኴንኩም ኢኹም” ብምባል ብኣስተንክሮ ይሓትት እሞ በዓሉ ድማ ኣስዒቡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚአብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ” ኢሉ ይመልሶ። ባሕረ ዮርዳኖስ ካብቲ መኅደሪ እግዚአብሔር ካብ ዝኾነ ታቦት ቀደም ከም ዝሃደመት ሕጂ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ እቲ ኣብ ታቦት ዝሓድር እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱ ናብኣ ምስ መጸ ክንደይ እሞ ዘይትሃድም፤ ክንደይ ከ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ዘይሰራሰሩ። ቤተ ክርስቲያን ነዚ ብሉይን ሓዲስን፤ ምሳሌን ፍጻሜን ዘወሃሃደ በዓል እያ ተኽብር። 

ብጥቕልሉ እቲ መሠረት እስራኤል ሩባ ከፊሎም ምስጋሮም ክኸውን ከሎ ፍጻሚኡ ግና ጥምቀት ጐይታ እዩ። እስራኤል ዘሥጋ ዮርዳኖስ ተኸፊልሎም ናብ ምድረ ርስቲ ከምዝኣተዉ ጐይታውን ጥምቀት ባሪኹ ናብ መንግሥተ ሰማያት ንዝሰጋገሩ ምእመናን ማዕጾ ምኽፋቱ እዩ። 

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቕ ናብ ዮርዳኖስ ከምዝወረደ ዮሓንስውን ንጐይታ ከጥምቖ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ከምዝተረኽበ ሎሚውን ቤተ ክርስቲያን ማኅደር እግዚአብሔር ዝኾኑ ታቦታት ካብ መንበሮም ተላዒሎም ማይ ናብ ዝርከቦ ኣፍላጋትን ቀላያትን ብምውራድ ምሉእ ለይቲ ምስቲ ዕለት ብዝሰማማዕ ማኅሌትን ስብሐት እግዚአብሔር ክብጻሕ ይኅደር። ምእመናን'ውን ካብ ልሂቅ ክሳብ ደቂቅ ነቶም ታቦታት ኣሰንዮም ብምውራድ ንኣምላኾም ዘለዎም እምነት ፍቕርን ኣኽብሮትን ብፍሉይ ኣገባብ ይገልጹ። እዚ ንኣኽባሪኡ ይኹኑ ንተዓዛቢኡ ዓቢ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎ ሥርዓትና ብዝግባእ ክንዕቅቦ ድማ ይግባእ። ብመዝሙርን ስብሓትን ንታቦት እግዚአብሔር ምስናይ ድማ ዓቢ በረኸት ዘለዎ ምዃኑ ብቅዱስ ዳዊት ዝተመስከረ እዩ። 

መደምደምታ 

እዚ ዘሎናዮ እዋን ቅነ በዓላት እዩ። በዓላት ስለቲ ምስ መምኽንያቱ ኣብ ፍኖተ ሕይወትና ኣብ ዝተወሰነ ምዕራፍ ደው ኢልና መንክር ዝኾነ ግብሪ እግዚአብሔር ክንዝክር ስለዝገብሩናን ብኡኡ ድማ ዝረኸብናዮ ጸጋ ከንስተውዕሎ ዘንቅሑናን ዝጽውዑናን ደወላትና ስለዝኾነ ነዚ ዓቢ ግብሪ ዝፈጸመልናን ዝሰርዓልናን እግዚአብሔር ከነመስግን ይግባኣና፤ ነዚ ዓቢ መልእኽቲ ዘለዎ በዓል ጐሊሑ ብዝረአ ሕያው በዓል ሰሪዖም ዘከናወሉልናን ክሳብ ኣብዚ ወለዶ እዚ ዝዓቀቡልናን ኣቦታትናን ክንዝክሮምውን ይግባኣና። እንተ ዘየጽንሑልና'ዶ ምረኸብናዮ ነይርና፧ ንሕናውን ነቲ ዝቕጽል ወለዶ ምእንቲ ከነሰጋግሮ ሥርዓቱ ዓቂብና ከነኽብሮ ኣሎና። ንሕና ኣብዚ ወለዶ እዚ ዘሎና ኣገልገልቲ ይኹን ምእመናን በዓላት ስለ በዓልነቶም ጥራይ ከምኡ'ውን ብደጋዊ መልክዖምን ቅዱስ ባህላዊ ነጸብራቖም ጥራይ ዘይኮነስ ብዓቢዩ ሕይወት ምስ ተረፉ ምስ ዝህብዎ ውሳጣዊን ኣማናዊን ትርጉም ከነስተንትኖም ድማ ይግባኣና። 

ንሕና'ከ ኣበይ ኢና ንምደብ ምስ ኣይኖት ኢና'ከ፧ ምስቶም ነቲ ትርጉም ናይቲ በዓል ተረዲኦም ከምቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎን ዝሰርዖን ዘኽብሩ ዋላስ ባህላዊ ትርጉሙ ጥራይ ሒዞም ኣብ ሥጋዊን ዓለማዊን ፈቓዳቶም ዝጥቀሙሉ፧ እዚ በዓል እዚ ሓደ ካብ ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ተረዲእና ብዙኅ ምሥጢራት ዘለዎ ምዃኑ'ውን ፈሊጥና ከምቲ ዝግባእ ገይርና ከነኽብሮ ይግባእ። 

ሰብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.