በዓለ ግዝረተ እግዚእነ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ግዝረት ማለት ሥጋ ዕልቦ ምእላይ ማለት እዩ።  እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምቲ “ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ/ ምስ ኅሩየይ ኪዳን ኣቶኹ” መዝ ፹፱፡፫/89፡3፤ ዝብል፤ ንኣቦና ኖኅ ናይ ቃል ኪዳን ንምልክት ይኹንካ ኢሉ ናይ ቀስተ ደመና ከም ዝሃቦ ንኣቦና ኣብርሃም ድማ ናይ ቃል ኪዳን ምልክት ምእንቲ ክኾኖ ግዝረት ሃቦ። ዘፍ ፲፯፡፲፩/17፡11። እዚ ናይ ግዝረት ቃል ኪዳን ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ኣብርሃምን ዝተገብረ ኮይኑ፥ እግዚአብሔር ንኣብርሃም ከም ውልዱ ከም ሕዝቡ ርእዩ ብበረኸት ከጽግቦ ክሕልዎን ንደቂ ደቁ ክባርኽን ዓቢይ ርስቲ ድማ ከውርሶ፡ ኣብርሃም ድማ “ኣነ ንኣብርሃም ዝኃረኽዎ፥ ንቤቱ፥ ብድኅሪኡ ኸኣ ንደቁ መንገዲ እግዚአብሔር ከም ዝሕልው ምእንቲ ክገብሮም፥ ጽድቅን ፍትሕን ኪገብሩ ኸኣ ምእንቲ ኺዝዞምን ኢለ እየ። ሽዑ ኸኣ ነቲ ዘተስፈኽዎ ክፍጽመሉ እየ” ዘፍ ፲፰፡፲፱/18፡19 ኣብ ዝብል ዝጸንዐ እዩ። ምስ እግዚአብሔር ኪዳን ንምቋም ኅርየት ስለዘድሊ ነዚ ናይ ቃል ኪዳን ጸጋ ብቕንዕናኡን ብፍጹም እምነቱን ኣምላኽ ንኣቦና ኣብርሃም ኀረዮ።

እግዚአብሔር ነዚ ናይ ግዝረት ቃል ኪዳን ንኣቦና ኣብርሃም ዝሃቦ “ብነፍሱ ከም ዘኽበሮ፣ ካብ ኣሕዛብ መፍለይ ክኾኖ፣ ‘እስመ በተገዝሮ ይደክም ዋዕየ ፍትወት’ ከም ዝብል ጾር ናይ ፍትወታት ከቕልለሉ እዩ።” በዚ ድማ አብርሃም ነቲ ትእዛዝ ኣብ ፻/100 ዓመቱ ፈጸሞ፡ ኲሎም ኣገልገልቱ ሕዝበ እግዚአብሔር ከም ዝኾኑ ክፍለጥ ምስኡ ተገዝሩ። እዚ ቅዱስ ቃል ኪዳን ንውሉድ ወለዶ ስለዝነበረ እቶም ኣብ ቤት አብርሃም ድሒሮም ዝተወልዱ‘ውን እንተኾኑ ኲሎም ተገዝሩ። በዚ ድማ ይስሓቅ ወዱ ኣብ ሸሞንተ መዓልቱ ተገዝረ። ነቲ ግዝረት ጥራይ ዘይኮነስ ንዝፍጸመሉ ዕለትውን እንተ ኾነ እግዚአብሔር ብዝፈለጦ ብምሥጢር መዲብዎ እዩ። “ማእከላይ መዓልቲ ደሊው ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ገዘሮ ናብ ሾብዓተ ወይ ሽዱሽተ መዓልቲ እንተ ዝገብሮ ኣይምተረረን ናብ ትሸዓተ ዓሰርተ እንተ ዝስሕቦ ምተረረ ነይሩ፥ እቲ ምሥጢር ግና ናይ ሸሞንተ ብሔረ ኦሪት ምግብና ምእንቲ ክፍጽም። ከምኡ ድማ ኹሉ ሰብ ናይ ሸሞንተ ሽሕ ዘመን ምግብና ክፍጽም ግዝረተ ሥጋ ክግዘር የረድእ” ትርጓሜ መጻሕፍተ ሓዲሳት ዘሠለስቱ።

ብኸምዚ ድማ ናብ ውሉድ ወለዶ እናተመሓላለፈ ኣብ ዘመን ሙሴ በጽሐ። እግዚአብሔር ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ናይ ግዝረት ቃል ኪዳን ንኣቦና ሙሴ፡ ምስ ሕጉን ሥርዓቱን ኣብ ናይ ሕጊ መጽሓፍ ከስፍሮ ነገሮ፡ ሙሴ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን ጸሓፎ። ዘሌ ፲፪/12 ። እስራኤላውያ እውን ካብ ግብጺ ናብ ከነኣን ክኣትው ከለው ኣብ ጊልጋል ዝተባህለ ቦታ እቶም ኲሎም ዘይተገዝሩ ከምቲ እግዚአብሔር ንነቢይ ኢያሱ “በሊሕ ጽንጽለ ጌርካ፥ ንደቂ እስራኤል ከም ብሓድሽ ግዘሮም” ኢያ ፭፡፪/5፡2፥ በሎ፤ ከም ብሓድሽ ዝበሎ ነቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝተወልዱ እስራኤላውያን ተገዚሮም ስለዘይነበረ እዩ እምበር ካልኣይ ጊዜ ንኽግዘሩ ኣይኮነን። እቶም ሩባ ዮርዳኖስ ሰጊሮም ናብ ከነኣን ዝኣተው እስራኤላውያን ምስ ተገዝሩ እግዚአብሔር ንኢያሱ “ሎሚ ነቲ ናይ ግብጺ ነውሪ ካባኻትኩም ኣልገስክዎ’ በሎ።” በዚ ድማ “ስም እታ ቦታ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ጊልጋል ይበሃል ኣሎ” ኢያ ፭፡፱/5፡9። ጊልጋል ማለት ምንክርራው ወይ ምልጋስ ማለት እዩ። በዚ ድማ “ግብጻውያን ንዝጸርፉዂም ጸርፊ ኣርሓቕኩልኩም ክብል ጊልጋል ተባህለ” ከም ዝብል ግዝረት ናይዚ ምኽንያት ምዃኑ ኣፍለጠ።

ብሓፈሻ ግዝረት ናይ ሕዝቢ እግዚአብሔር መለለይ ምልክት እዩ። ካብ ዘርኢ አብርሃም ወዲ ተባዕታይ ዘበል ኲሉ ብምልክት ናይ ግዝረት ምስ እግዚአብሔር ዝተቐደሰ ቃል ኪዳን ብአብርሃም ኣቢሉ ተኣትወሉ። ዘፍ ፲፰፡፯-፰/18፡7-8። እዚ ቃል ኪዳን ምስቲ ዝተቐደሰ ሕዝቢ ዘቑጽር፡ እቲ ዘይተገዝረ ድማ ካብቲ ቅዱስ ኪዳን ዝተዋህበ ማሕበር ዝፈሊ እዩ ነይሩ። ዘፍ ፲፯፡፲፬/17፡14።

እምበኣር ብኸምዚ ግዝረት ኣብ ኦሪት ከም ጽድቂ (ቅኑዕ) ኮይኑ ይቑጸር ነይሩ። በዚ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ምስ ተገልጸ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ካብ ወገን እስራኤል ከም ዝኾነ ከረድእ ተገዝረ። ሮሜ 9፡4-8።

ታሪኽ ግዝረት ናይ ጐይታ ካብ ስንክሳር

፩፤ ጥሪ ሽዱሽተ በዛ ዕለት እዚኣ ከምቲ ልሳነ ዕረፍት ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቦታት ንዝተዋህበ ቃል ኪዳን ምእንቲ ክፍጽም ጐይታ ክርስቶስ ብሥጋኡ ግዝረት ተቐበለ ኢሉ ዝተዛረበ፡ ጐይታ ክብሪ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቤት ግዝረት ብምእታው ሕጊ ኦሪት ፈጸመ ።

፪፤ ንብዙኃት ጐይታ ናብ ቤት ግዝረት ከም ዘይኣተወን ከም ዘይተገዝረን ይመስሎም ነበረ፡ ንሳቶም ከም ዝሓሰብዎ እንተ ዝኸውን ነይሩ ኣይሁድ ዓቢይ ምኽንያት ምረኸቡ ነይሮም። ጐይታ ግና ናይ ግዝረት ሕጊ ፈጸመ ንዓና ድማ ኣብ ክንዲ ግዝረት ናይ ክርስትና ሕጊ ሃበና፡ ናይ ፋሲካ ቅጫውን በልዐ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሥጋኡን ደሙን ሃበና።

፫፤ ክቡር ወንጌል ሻሙነይቲ መዓልቲ ምስ ተፈጸመ ነቲ ሕፃን ክገዝርዎ ወሰድዎ፡ ከይጸነሰቶ እቲ መልኣክ ከም ዘውጻሉ ስሙውን ኢየሱስ ኢሎም ሰመይዎ ከም ዝበለ፡ ኣዴና ቅድስትን ድንግልን ንጽህትን ማርያም ንኣረጋዊ ጻድቅ ዮሴፍ ንወደይ ክገዝሮን ስም ድማ ከነውጻሉን ብልሓተኛ ገዛሪ ኣምጽእ በለቶ። ዮሴፍ ድማ ከይዱ ጥበበኛ ገዛሪ ኣምጽአ። እቲ ገዛሪ ድማ ነቲ ሕጻን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕቑፊ ንጽህትን ቅድስትን ድንግል ማርያም ኣዲኡ ርእዩ፡ ነቲ ሕጻን ምእንቲ ክገዝሮ ኣጥቢቕኩም ሓዙለይ በሎም።

፬፤ እቲ ሕጻን ድማ መለሰሉ ከምዚ ድማ በሎ ኣንታ ጥበበኛ ገዛሪ ደመይ ከይተኻዕወ ክትገዝረኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ብጀካ በታ ጎድነይ ብዂናት ኣብ ዝወግኡላ ዕለት እንተ ዘይኮይኑ ደመይ ኣይፈስስን እዩ። በታ ጊዜ እቲኣ ካብ ጎድነይ  ደምን ማይን ክውሕዝ እዩ። ንኣዳምን ነቶም ዝኣምኑ ደቁ ድማ መድኃኒት ክኸውን እዩ።

፭፤ እቲ ጥበበኛ ነቲ ክቡር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነገር ምስ ሰምዐ ተገረመ ንብረቱ ጠርነፈ ተንሢኡ ድማ ኣብ ትሕቲ እግሪ እቲ ሕጻን ሰገደ እቶም መላጸይዩ ኣብ የእዳዉ መኺኽውን ከም ማይ ኮኑ፡ ንክብርቲ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ድማ ካብ ኲለን ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ ፍረ ማህጸንኪውን ዝተባረኸ እዩ። እዚ ወድኺ ነብያት ብዛዕባኡ ትንቢት ዝተነበዩሉ ወዲ ሕያው ኣምላኽ እዩ በላ።

፮፤ እቲ ሕጻን ድማ ተመሊሱ ነዚ በዓል ሙያ ኣነ እየ ክትገዝረኒ ዲኻ ወይስ ሓዲግካዮ ወይስ ናይ ኣቦተተይ ኣቦታት ከም ዝገበርዎ ክገብር፡ በሎ። እቲ በዓል ሙያ ድማ ናይ ኣቦታትካ ኣቦታት መን እዮም በሎ፡ ሕጻን ጐይታናውን ናይ ኲሉ ሕዝቢ ኣቦታት ዝኾኑ አብርሃም ይስሓቅ ያዕቆብ እዮም። ንኣኣቶም እዚ ግዝረት ኣቐዲሙ ካብ ኣቦይ ተዋህቦም፡ እቲ በዓል ሙያ ድማ ኣብ ህልውናኻ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘሎ ኣነ ምሳኻ ክዛረብ ኣይከኣለንን እዩ።

፯፤ በቲ ጊዜ ሕጻን ጐይታና ናብ ሰማይ ኣንቓዕድዩ ኦ ኣቦይ ኣቐዲምካ ንአብርሃም ንይስሓቅ ንያዕቆብን ግዝረት ዝሃብካዮም ነታ ግዝረት ሎሚ ንዓይ ሃበኒ በሎ። ሽዑ ብዘይ ኢድ ሰብ ኣብ ሥጋ እቲ ሕጻን ግዝረት ተራእየት።

፰፤ ከምቲ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ካብ ማሕጸነ ድንግል ብምሥጢር ዝወጸ፡ ናብ ሓዋርያት ድማ ኣብ ዝተዓጽወ ኣዳራሽ ምእታውን ምውጻኡን ዘይምርመር ዝኾነ፡ ከምኡ ድማ ብፍቓዱን ብዝረቐቐ ጥበቡን ናይ ጐይታና ግዝረት ካብ ሥጋኡ ሓደ እኳ ከይተቖርጸ ገለጾ።

፱፤ ንሱ ብፍቓዱ ሕጊ ክፍጽም ኣዘዘ እምበር ብጀካ ንኣዳምን ንደቁን ምእንቲ ከድኅኖም ብፍቓዱ ካብ ጎድኑ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደምን ማይን እንተ ዘይኮይኑ፡ ውሑድ ኮነ ብዙሕ ዝኾነ(ደም ክፈስስ) ኣይክእልን እዩ።

፲፤ እቲ በዓል ሙያ ገዛሪ ነዚ ተኣምር ምስ ረኣየ፡ ናይቲ ሕፃን ነገር ምስ ሰምዐ ኣዚው ተደነቐ ኣብ ትሕቲ እግሪ በዓል ቤት ጐይታ ክብሪ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሠለስተ ጊዜ ሰገደ ብሓቂ ንስኻ ወዲ እግዚአብሔር ናይ እስራኤል እውን ንጉሥ ኢኻ በሎ።

፲፩፤ ብድሕርዚ ካብ ናይ ጐይታና፡መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተኣምራት ዝረኣዮን ዝሰምዖን እናኣዘንተወ ናብ ቦታኡ ከደ። ንእኡ ንጐይታናን ምስ ርህሩህ ኣቦኡ ምስ ማሕየዊ ምስ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስን ክብርን ምስጋናን ስግደትን ሎምን ንዘለዓለምን ይኹን ኣሜን።  

እቲ ናይ ግዝረት ቃል ኪዳን ንኽሕልው ትእዛዝ ዝሃቦም ኣምላኽ ሥጋ ምስ ለበሰ ንሱ ባዕሉ ኣብ ስንክሳር ተጻሒፉ ከም ዘሎ ሥርዓተ ግዝረት ፈጺሙ።  ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣብ ትሕቲ ሕጊውን ዝኃደረ ወዱ ለኣኾ” ገላ 4፡5፡ ከምኡውን ጐይታ ባዕሉ ”ኲሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ” ማቴ ፫፡፲፭/3፡15፣ ማቴ ፭፡፲፯/5፡17 ዝበሎ፡ ግዝረት ንእኡ ዝጠቅም ኮይኑ ኣይኮነን፡ ክብሪ ንእኡ ይዂኖ እምበር ንሱስ ብባህሪኡ ቅዱስ ቀዳሲ፡ ብሩኽ ባራኺ፡ ምስጉን ነቶም ቅዱሳናቱ ድማ ከም ዝምስገኑ ዝገብር እዩ። ዝተወልደ፡ ዝተጠምቀ፡ ዝጾመ፡ ዝጸለየ፡ ዝተሰቕለ፡ ዝሞተ፡ ዝተንሥኣ ካብኡ ዝጥቀሞ ነገር ስለዘሎ ኣይኮነ፡ ምእንታና ምእንቲ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ኢሉ እዩ። ዮሓ ፫፡፲፮/3፡16።

ቅዱስ ቄርሎስ እውን “ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ‘ከመይ ብዙኃት ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ ኃጥኣን ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ ብዙኃት ጻድቃን ኪኾኑ እዮም።’ ሮሜ ፭፡፲፱/5፡19፡ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዳና ንሕጊ ኣግዝኣ። ብኸምዚ ድማ ኲሉ ግብሪ ጽድቂ ፈጸመ (ማቴ ፫፡፲፭/3፡15)። ነቶም ኣብ ትሕቲ ናይ ባርነት ሕጊ ዝተቖረንና ካብ ማእሰርቲ ክፈትሕ ሓደ ከም ካባና ኮነ። ነቲ ብሮማውያን ዝተሓተቶ ግብሪውን ፍርቂ ሸከል ከፈለ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ ነቲ ኣርኣያ ምልክዕና ብፍቓዱ ክመስል ስለዝፈተወ እምበር ካልእ ዘኽፍል ምኽንያት ኣይነበሮን። ክርስቶስ ንሕጊ ምእዛዙ ምስ ረኣኻ፡ ብሕማም ጭንቀት ኣይትሳቐ፡ ካብቶም ሓራ ዝወጹ ገበነኛታትን ባራዩን ጌርካ ድማ ኣይትቑጸሮ፡ በቲ ዓሚቑን ረቂቕን ዝኾነ ናይ በጃነትን ናይ ምድኃንን ምሥጢራዊ ተግባራቱ ድኣ ተደነቕ። ከምቲ ሕጊ ኦሪት ብዛዕባ ናይ ኣካላዊ ግዝረት ዝእዝዞ ኣብ ሻሙናይ መዓልቱ ተገዝረ። እቲ መድኃኒና ኢየሱስ ተባሂሉ ተሰምየ፡ እዚ ማለት ድማ “ፈውሲ” “መድኃኒት” ማለት እዩ።” ይብል። 

ኣብዚ ተገሊጹ ከም ዘሎ ካብ ናይ ጐይታ ግዝረት እንመሃሮ ምእዛዝ እዩ። ኲልና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኴንና ብሕጊ መንፈሳዊ ክንመላለስ ኣርኣያ ሓደገልና። ፩/1 ጴጥ ፪፡፳፩/2፡ 21 “ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ሓደገልኩም” ከም ዝብለና ነዚ ኲሉ እናዘከርና በዓልና ነብዕል በረከት እውን ንቀበል። ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ምልክት ናይ ቃልኪዳን ዝኾነ ግዝረት ምፍጻም ጥራይ ኣይሁዳዊ ከም ዘየብል፡ እንተ ኾነ ግና ነቲ ዂሉ እግዚአብሔር ዝኣዘዞ ሕግን ትእዛዛቱ እናፈጸምንና ብመንፈስ ኣምላኽ ካብ ልብና ክንመላለስ የረድእ። ሮሜ ፪፡፳፭-፳፱/2፡25-29።

በዚ ድማ ነቶም ደቂ ተዋህዶ ኣመንቲ ክርስቶስ ኢና እናበልና፡ እንምካሕ እንተኾነ ግና ኣሰሩ ዘይንስዕብን ኣብ ቃሉ ዘይንጸንዕን ነቒፉናን ገሲጹናን እዩ እሞ “እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ”። ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብውን “ግናኸ ከምቲ ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእከልኩም ሕዝቢ እግዚአብሔር ተንሥኦም ዝነበሩ፡ ኣብ ማእከልኩምውን ሓሰውቲ መምህራን ኪትንሥኡ እዮም። ንሳቶም ብኅቡእ ጥፍኣት ዜስዕብ መናፍቕነት ከምጽኡ እዮም። ነቲ ዝተበጀዎም ጐይታ ብምኽሓድውን ኣብ ልዕሊኦም ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምጽኡ እዮም። ብዙኃት ድማ በቲ መንገዲ ርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። ንሳቶም ስሱዕት ስለዝኾኑ ብዘረባ እናጠበሩ መናገዲ ክገብሩኹም እዮም። ካብ ቀደም ፍርዶም ኣብ ልዕሊኦም ኣንጠጢሉ ኣሎ። እቲ ዘጥፍኦም ኸኣ ነቒሑ ይጽበ ኣሎ።” 2 ጴጥ 2፡1-3፡ ከም ዝብለና ብመራኸቢ ብዙኃን ድሕሪ ተሓድሶ መናፍቓንን ንረብሓኦም እምበር ንቤተክርስቲያን ግዲ ዘይብሎም ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲ እናኸድና ነታ መንገዲ ሓቂ ዝኾነት ጽርይትን ንጽሕትን ተዋህዶ ሃይማኖትና ካብቶም ዘጽርፉ ወገን ከይንኸውን ንጠንቀቕ ኣብ ኣገልግሎትና ድማ ንጸመድን ንበርትዕን። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚ አብሔር ኣብ ድኻምና ይደግፈና ። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ብ ኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።    

ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.