በዓለ ክቡር መስቀል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

                                   

በዚ ዕለት ናይ ጐይታናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር መስቀል ኣብ መስከረም ዕለት ፲፯/17 ተጀሚሩ ከም ሎሚ ዕለት ፲ መጋቢት ዝተረኽበሉ ዕለት እዩ። ነዚ ዕለት ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ካብተን ናይ ጐይታ ትሸዓተ ንኡሳን በዓላት መዲቦምዎ እዮም። በዚ ድማ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ማህሌት ዝበሃል ኣብ ናይ ቅዱስ ያሬድ ናይ ድጓ መጽሓፍ “አመ ፲ ለመጋቢት መስቀል ዋዜማ በ፩ ተስፋየ እምንእስየ ምርጒዝ ለርሥዓትየ፤ ዝንቱ ውእቱ መስቀል፤ መርሆሙ አንተ ለዕውራን፤ ምርጒዞሙ ለሐንካሳን፤ አንሰ እትአመን ወአሰምክ በመስቀልከ ይገንዩ አሕዛብ ለስምከ እግዚኦ።” ኢሉ ብምጅማር ዝሰፈረ ኮይኑ፥ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ድማ ካብ መዝሙረ ዳዊት “ካብ ፈላጻ ጸላኢ ምእንቲ ክድኅኑ ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም።” መዝ ፷፡፬/60፡4 እናበለ ካብ ወንጌልን መልእኽታትን ድማ ብዛዕባ ቅዱስ መስቀል ይገልጽ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕለቱ ዝተፈጸመ ታሪኽ ግና ካብ ስንክሳር ከም ፍቓድ ኣምላኽ ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ከምዚ ዝስዕብ ክንርእዮ ኢና። 

፩፤ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሓዱ ኣምላኽ ክብሪ ንእኡ ይዂኖ፥ መጋቢት ፲/10 ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር መስቀል ዝተራእየሉን ዝተረኽበሉን ዕለት እዩ።

፪፤ እዚ ክቡር ዕፀ መስቀል ዝተራእየሉን ዝተረኽበሉን ክልተ ጊዜ ኮይኑ እዩ። ቀዳማይ ኣዲኡ ንጻድቕ ንጉስ ቈስጠንጢኖስ ብዝኾነት ንግስት ኢሌኒ ዝተረኽበ እዩ። እዚ ዕለት ወዳ ቈስጠንጢኖስ ናብ ሃይማኖተ ክርስትና እንተ ኣቲዩ ናብ ኢየሩሳሌም ከም እትኸይድ ነቲ ዕፀ መስቀል ድማ ክሳዕ እትረኽቦ ከም እትደልዮ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብያተ ክርስቲያናትን ቅዱሳት መካናትን ከም እትሃንጽ ናብ እግዚአብሔር መብጽዓ ተመባጺዓ።

፫፤ ብድሕርዚ ወዳ ኣሚኑ ጥምቀተ ክርስትና ምስ ተጠምቀ ቅድስት ዕሌኒ ብዙኃት ሠራዊት ሒዛ ናብ ኢየሩሳሌም ከደት። ኣብኡ ምስ በጽሐት ድማ ብዛዕባ ክቡር መስቀል ዝርከበሉ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ሓቲታ ዝነግራ ምስ ሰኣነት ንሓደ ኣረጊት ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ወሲዳ ብጥሜትን ጽምእን ኣጨነቐቶ።

፬፤ ምስ ተጨነቕ ንንግሥት ዕሌኒ ንጎልጎታ ጽረግዮ ኢሉ ነገራ ንሳ ድማ ንኣይሁድ መካነ ጎልጎታ ክጸርጉ ኣዘዘቶም።

፭፤ ቅድም ኣይሁድ ኲሉ ሰብ ካብ ገዛኡ ንዝኾስተሮ ኣብ ልዕሊ ክቡር መስቀል ዝርከበሉ መቓብር ናይ ጐይታ ክጉሕፉ ኣዚዞም ነበሩ። እዚ ን፪፻/200 ዓመት ምስ ገበርዎ ንግሥት ዕሌኒ ክሳዕ እትመጽእ ክንዲ ኩርባ ኮነ።

፮፤ ኣይሁድ ምስ ኮስተርዎ ፫/3ተ መስቀላት ረኸቡ መስቀል ናይ ክርስቶስ ግና ኣየናይ ምዃኑ ኣይፈለጡን፥ ክብሪ ንእኡ ይዂኖ፥ ምውት ረኺቦም ነቲ ሓደ መስቀል ብምምጻእ ኣብ ልዕሊ እቲ ምውት ምስ ኣንበርዎ ኣይተንሥኣን፥ ካልእ መስቀል ኣምጺኦም ኣብ ልዕሊ እቲ ምውት ምስ ኣንበርዎ ኣይተንሥኣን፥ ብድሕርዚ ነቲ ሣልሳይ መስቀል ኣምጺኦም ኣብ ልዕሊ እቲ ምውት ምስ ኣንበርዎ እቲ ምውት ተንሢኡ። ዕሌኒ ንግሥት ንሱ ናይ ክርስቶስ መስቀል ምዃኑ ፈሊጣ ሰገደት ምስኣ ድማ ኲሎም ምእመናን ሰገዱሉ።

፯፤ ናብ ወዳ ዝለኣኸቶ እዚ መስቀል እዩ ዝብል ኣብ ካልእ መጽሓፍ ኣሎ፥ እቲ ዝተረፈ ግና እቲ ጉንዱ ኣብ ውሽጡ ተተኺልሉ ዝነበር ፍርቁ ምስ ቅንዋቱ ናብ ወዳ ዝለኣኸቶ እዩ።

፰፤ ብድሕርዚ ከምቲ ሥርዓቶምን ህንጸቶምን ኣብ ወርሒ መስከረም ዕለት ፲፯/17 ተጻሒፉ ዘሎ ኣብያት ክርስቲያናትን ቅዱሳን መካናትን ሃነጸት።

፱፤ እቲ ካልኣይ ኣብ ዘመን ሕርቃል ናይ ሮም ንጉኅ ዝኾነ እዩ። ናይ ፋርስ ሰባት ኣብ ሃገረ ግብጺ እንከለዉ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ደለዩ ካብቶም ሹማምንቲ ሓደ መኰንን ተነጺሉ ብምሕላፍ ኣብ ሃገረ ኢየሩሳሌም በጺሑ ናብቲ ክቡር መስቀል ዘለዎ ቤተክርስቲያን ኣተወ። ኣብ ቅድሚ እቲ መስቀል ዝተተኽለ ጉንዲ ብርሃን ከብርህ ርእዩ ከግዕዞ ኢዱ ምስ ዘርግሐ ሓዊ ወጺኡ የእዳዉ ኣቃጸሎ።
፲፤ ሽዑ ብጀካ ክርስቲያን ነቲ ክቡር መስቀል ክሕዞ ዝኽእል ከም ዘየልቦ ሰባት ነገርዎ።
፲፩፤ በዚ ድማ ክልተ ዲያቆናት ሒዙ ነቲ ክቡር ዕፀ መስቀል ክጸርዎ ኣዘዞም፥ ካብ ኢየሩሳሌም ከኣ ብዙሓት ሰባት ማሪኹ ናብ ሃገሩ ተመልሰ።
፲፪፤ ሕርቃል ናይ ሮም ንጉሥ ናይ ፋርስ ሰባት ንኢየሩሳሌም ከም ዘዕነውዋ ብዙሓት ሰባት ድማ ማሪኾም ነቲ ክቡር ናይ ክርስቶስ መስቀልውን ከም ዝወሰድዎ ምስ ሰምዐ ኣዚዩ ሓዘነ። በዚ ድማ ንምእመናን ምእንታኡ ጾም ክጾሙ ኣዘዞም። ናብ ፋርስ ከይዱ ድማ ብዂናት ወግኦም ንብዙሓት ከኣ ቀተለ ነቲ ክቡር ዕፀ መስቀል ግና ኣብ ኲሉ ሃገሮም ደለዮ ሰኣኖ።
፲፫፤ እቲ ነቶም ዲያቆናትን መስቀልን ዝወሰደ መኰንን ብኣንጻር ቤቱ ኣብ ዘሎ ሓደ ቦታ ወሲዱ ዓሚቕ ጉድጓድ ክፍሕሩ ኣዘዞም። ኣብኡ ድማ ነቲ ክቡር መስቀል ከም ዝቐብርዎ ገበረ። ነቶም ዲያቆናት’ውን ቀተሎም።
፲፬፤ ነገር ግን እቲ መኰንን ዝማረኻ ካብ ወገን ካህናት ዝኾነት ኣብ ቤቱ እትነብር ሓንቲ ጓል ነበረት። ንሳ ነቲ ክቡር መስቀል ክቐብሮን ነቶም ክልተ ዲያቆናት ክቐትሎምን ኣብ ውሽጢ ቤት ኮይና ብመስኮት ትዕዘብ ነበረት ናብ ንጉሥ ሕርቃልውን ከይዳ እቲ መኰንን ዝገበሮ ኲሉ ነገረቶ።
፲፭፤ ንጉሥ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዚው ደስ በሎ እታ ጓል ድማ ነቲ ንጉሥ ምስ ብዙሓት ሠራዊቱን ኤጲስቆጶሳትን ካህናትን መርሓቶም። ናብቲ ቦታ ክሳዕ እተብጽሖም ድማ ነታ ጓል ሰዓብዋ። ኲዒቶም ድማ ነቲ ክቡር መስቀል ረኺቦም ካብቲ ዓሚቑ ኣውጽእዎ ንጉሥን ሠራዊቱን ኲሉ ሕዝብን ከኣ ሰገዱሉ ብልብሰ መንግሥቱ ገይሩ ድማ ጠቕለሎ ብዓቢይ ክብር’ውን ኣኽበሮ ምስ ሠራዊቱውን ኣዚው ተሓጎሰ።
፲፮፤ እዚ መስቀል ዝተገልጸሉን ዝተረኽበሉን ዕለት ፲/10 መጋቢት እዩ።
፲፯፤ ካብዚ ንደሓር ነቲ ክቡር ዕፀ መስቀል ተሰኪሙ ናብ ሃገረ ቊስጠንጢንያ ወሰዶ። በረኸት ናይ መድኃኒና መስቀል ምስ ኲልና ሕዝበ ክርስቲያን ይዂን ንዘለዓለም ኣሜን።”

ብተወሳኺ ብዛዕባ ክብሪ ናይ ቅዱስ መስቀል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ተገሊጹ እዩ። ገለ ካብቲ ብዙሕ ብውሑዱ።

መጀመርያ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንምድሪ ከም ቅርጺ እንቛቕሖ (oval shape)፥ ንደቂ ሰባት በእዳዎም፥ ንመላእኽትን ንኣዕዋፍ ሰማይን በኽናፎም፥ ንዓሳታት ባሕሪ፥ ቅርጺ መስቀል ከም ዘለዎም ገይሩ ምፍጣሩ ብሃሰሰ ለባም ዝተገብረ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ኣምላኽ ኣጋጣሚ ወይ ድማ ሃንደበታዊ ነገር ዝበሃል የሎን። ኲሉ ብሥርዓትን ብመደብን ዝተገብረን ዝተፈጥረን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ኺድኅኑ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም።” መዝ ፷፡፬/60፡4 ዝበሎ ንዂሉ ክርስቲያን ኣርማ ዝኾነና ቅዱስ መስቀል ኣብ ትሕቲ ባሕሪ፡ ኣብ የብስ/ንቑጽ መሬት፡ ኣብ ሰማያትን፡ ሰማየ ሰማያትን፡ ኣብ ኲሉ ከም ዝረኣ ምግባሩ፡ ብዝፈጠሮም ፍጥረታቱን ኣፈጣጥራኦምን ክንርዳእ ንኽእል ኢና።

ብሓቂ ከምቲ ኣቦና ሙሴ ኢዱ ብምዝርጋሕ ቅርጺ መስቀል ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን እስራኤላውያን ይዕወቱ፥ ደኺምዎ ኢዱ ምስ ኣውረደ ማለት ቅርጺ መስቀል በእዳዉ ምስራሕ ምስ ረብረበ ድማ ይሰዓሩ ከም ዝነበሩ፡ መስቀል ንዓና ጸላእትና እንስዕረሉን እነባርረሉን ኃይልና፡ መመክሒና፡ መጸናንዒና፡ ቤዛና/በጃና፡ እንባረኸሉ፡ ሰላም ዝረኸብናሉ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ነዚውን ቅዱሳን ሓዋርያትን ኣበውን ብዛዕባ ክብሪ ጸጋን ናይ ክቡር መስቀል ብቓልን ብተግባርን ኣርእዮምና እዮም።

መስቀል፥ መባረኺ እዩ፦ ኣቦና ያዕቆብ ንደቂ ደቁ ኢዱ ኣመሳቒሉ ምብራኹ መስቀል መባረኺ ከም ዝኸውን ዘረድእ እዩ። ዘፍ ፵፰/48

መመክሒ እዩ፦ “ኣነ ግና፥ በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ። በዚ ምመስቀል እዚ ዓለም ኣብ ቅድመይ ምውቲ እያ፥ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ምውት እየ።” ገላ ፮፡፲፬/6፡14።

ኃይሊ እዩ፦ “ከመይ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ።” ፩/1 ቆሮ ፩፡፲፰/1፡18።

ጽልኢ ዝተደምሰሰሉ እዩ፦ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፥ ንኽልቲኦም ሓደ ብምግባር ከኣ ብመስቀሉ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። ኤፌ ፪፡፲፮/2፡16።

ሰላምና እዩ፦ ኣምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዂሉ ኸኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ። ቆላ ፩፡፳/1፡20።

ኣርማና እዩ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡- እንሆ፥ ብኢደይ ነቶም ኣሕዛብ ከመልክተሎም፥ ሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ኸልዕለሎም እየ፥ ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሓቚፎም፥ ነዋልድኪውን ሓንጊሮም ኬምጽኡልኪ፡ እዮም፡ ኢሳ ፵፱፡፳፪/49፡22።

ኣርማና እዩ፦ “ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ኺድኅኑ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም።”

ነዚ ብዛዕባ ክብሪ ናይ ቅዱስ መስቀል ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ዕሽሽ ብምባል፡ ከም ኣይሁድ ክብሪ ናይ ቅዱስ መስቀል ተቐቢሩ ክጠፍእ ንመስቀል ዘቃልሉን ከም ተራ ነገር ዝርእዩን ዘናሽውን ጸላእቲ መስቀል ኣለዉ። ብዛዕባኦም ቅዱስ ጳውሎስ፥

“ከመይ ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙኅ ጊዜ ዝነገርኩኹም፥ ሕጂ ኸኣ እናነባዕኩ ዝነግረኩም ዘሎኹ፥ ብዙኃት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ።” ፊል ፫፡፲፰-፲፱/3፡18-19።

ንሕና ግና ብዛዕባ ቅዱስ መስቀል ነጸላና ብምምስቓል፡ ብምምዕታብ፡ የእዳውና ብምምስቓል፡ ኣብ ማዕተብና ብምንጥልጣል፡ መስቀል ካህን ብምስላም፡ ብኲለንትናና ከምቲ ቅርጺ መስቀል ገይሩ ዝፈጠረና፡ ብዛዕባ ክብሪ መስቀል ምግላጽ ስቕ ኣይንብልን ኢና።

ዕለተ በዓላቱ ዘኪርና፡ ዳሜራ ብምኹላዕ(ኣብ መስከረም ፲፯)፡ ብመዝሙርን፡ ማህሌትን፡ ብቅኔን፡ ብስብከትን፡ ከምቲ ሓዋርያት ብዛዕባ ክርስቶስ ክሰብኩ ከለዉ “…ዝተሰቕለ ክርስቶስ…” እናበሉ፡ ተሰቕለ ብዝብል ቃል ንቅዱስ መስቀል ከም ዝዝከር እናገበሩ ይሰብኩ ከም ዝነበሩ፡ ንመስቀል ንዝክሮን ነኽብሮን ኣሎና’ሞ። በረኸትን ጸጋን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መስቀል ኣይፈለየና ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.