በዓለ አስተርእዮ 21 ጥሪ በዓለ ዕርፍቲ ን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም

መስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

በዓለ ዕረፍታ ለእግዝእትነ ወኢላርያ ቅድስት ወጎርጎርዮስ ወኤርምያስ ወጳውሎስ መኮንን ወሲላስ ካህን ወቀውስጦስ ወዮሐንስ ወአባ እስክንድርያ ወአስተርእዮተ እግዝእትነ በደብረ ማኅው ምስለ ዮሐንስ፡፡

ዘነግህ ምስባክ

ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር

ወሰብሒዮ ለአምላክኪ ጽዮን

እስመ አጽንዐ መናስግተ ኆኃትኪ፡፡ 147:1-2

ዘቅዳሴ

ገላትያ.4:1-14። 2ይ_ዮሐንስ.1:1-7 ። ግ.ሓዋ.7:30-35። ሉቃስ.1:46-57።

ምስባክ

በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ

በሀገረ እግዚአ ኀያላን በሀገረ አምላክነ

        እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም፡፡ መዝ.47:8

ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዋላ ኣደ ኣምላኽ እንተኾነት ሞተ ሥጋ ዕጫ ኩሉ ወዲ ኣዳም ስለ ዝኾነ ኣብ መበል 64 ዓመት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ መከራ ናብ ደስታ ዝተሰጋገረትሉ ዕለት እዩ።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሞትን ትንሣኤን ነገረ ማርያም፣ ስንክሳርን ተኣምረ ማርያም ግልጺ ጌሮም ከምዘረድኡና ኣብ ጥሪ 21 ዓሪፋ። ብዛዕባ ቦታ ድማ ቅዱስ ያሬድ << ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ለኲሉ፤ ንኹሉ ሰብ ሞት ዝተገበአ እዩ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሞት ግና ንኹሉ ዘደንቅን ዘገርምን እዩ። >> ብምባል ገሊጽዎ።  እዚ ዕለት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዓብይ በረኸት ዘውህብ ናይ ዕረፍቲ በዓል ስለዝኾነ  ቅድስቲ ቤተክርስትያና ብዝለዓለ ድምቀትን ክብርን ብበዓመቱ ነኽብሮ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታ ምስ ኣኸለ ሓዋርያት ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ናብ ዝዓርፈሉ ጌቴሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ እንዳኸዱ  ከለው፣ ኣይሁድ ብናይ  ቅንኣት መንፈስ ተላዒሎም  << ኣቀዲሙ ንወዳ  ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሲኡ፣ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ (40) ናብ ሰማይ  ዓሪጉ፣ ዳሕራይ'ውን ተመሊሱ  መጺኡ ነዛ ዓለም ክፈርዳ እዩ። >> ኢሎም ብምምሃር ንኹሉ ህዝቢ ወሲዶሞ እዮም። ሕጂ ከኣ ስቕ ኢልና እንተገዲፍናዮም ንኣዲኡ'ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ እንዳበሉ እንዳምኃሩ ከይህውኹና ብምባል ብትዕቢትን ቅንኣትን መንፈስን ተላዒሎም ፣ << ንዑ ተኣከቡ እሞ ብሓዊ ነቃጽላ ኢሎም።>> ብምባል ተማኺሮም መጹ። ካብ መንጎኦም ከኣ ታውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ መንእሰይ መሪጾም  ከቃጽል ለኣኽዎ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣዴና ቅድስቲ  ድንግል ማርያም ሥጋኣ ዝዓረፈትሉ ክሕዝ ኢዱ ምስ ሰደደ ሓዞ ናይ  እግዚአብሔር ቅዱስ መልኣኽ መጺኡ ብሰይፊ ሓዊ ጌሩ ንኽልተ ኣእዳዉ ቆረጸን ። እተን ኣእዳዉ ከኣ ኣብቲ ዓራት ተንጠልጢለን ተረፋ። ታውፋንያ ሽዑ ንሽዑ ብዝገብሮ በደል ኣዝዩ ተጣዒሱ ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝለመነን ዝተማኅጸነን ብሕቡእ ተኣምር  ነተን ዝተቆርጻ ኣእዳው  ብኢደ ቅዱስ ጴጥሮስ ጌራ ከም ዝነበርኦ ከም ቀደመን ጌራ ፈወሰትሉ።    

   ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ሥጋ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ብሓንሳብ  ሒዙ ናብ ገነት ወሰዶም። ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከኣ ኣቀመጦም። ቅዱስ ዮሓንስ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ተመልሰ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከምዝዓረፈት ነገሮም። ሓዋርያት'ውን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥጋ ረኺቦም ሓመድ ኣዳም ንምልባስ ካብ ዝነብሮም ክቱር ድሌት ዝለላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን  ድሕሪ ምቅናይ፣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ (14) ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሓድሽ ንኸዕርፉዋ ስለዝሃቦም ብዝዓበየ ዝማሬን ውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቀዲሙ ኣብ ዝተዳለወላ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኒ ቀበርዋ።

 ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥነ ሥርዓት መግነዝታን ቀብራን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን ። ቅዱስ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ህንድኬ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢዮርሳሌም እንዳመጸ ከሎ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ዝተቐብረትሉ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሢኣ ክትዓርግ ይረኽባ። ኣብቲ እዋን ንትንሣኤኣ ካልኦት ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ ሓዚኑ << ወፈቀደ ይደቅ እም ደመናኁ። ካብቲ ደመና ክወድቅ ተመንዩ።>>  ቅድም ናይ ወድኺ ትንሣኤ፣ ሕጂ ድማ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ እዚ ዕድል እዚ ንካልኣይ ግዜ ክስእኖ እምዳበለ ካብቲ ዝተጻዕኖ ደመና ክወድቅ ደለየ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከኣ ብዘይክኡ ካልኦት ሓዋርያት ትንሣኤኣ ከምዘይረኣዩ እሱ ጥራሕ ትንሣኤኣ ከምዝረኣየ ብምንጋር ኣጸናንዓቶ። ከይዱ'ውን ንኹሉም ኣሕዋቱ ሓዋርያት ኩሉ እቲ ዝኾነ ክነግሮም ሓቢራ። ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክዀኖ መግነዚ (ሰበን) ሂባቶ ናብ ሰማያት ዓረገት።  

   ቅዱስ ቶማስ'ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ናብ ኢዮርሣሌም ምስ በጽሐ << ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቀቢርናያ >> ኢሎም ነገርዎ። ንሱ'ውን ፈሊጡ ነቲ ምሥጢር ሓቢኡ። << ሞት ብጥሪ ፣ቀብሪ ብነሓሰ ከመይ ይኸውን።>> በሎም  << ንስኻ ብቀደሙ'ውን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ተጠራጢርካ ሕጂ'ውን ኣይትኣምንን ኢኻ።>> ኢሎም ቅዱስ ጴጥሮስ እንዳመርሖም ናብቲ መካነ ዕረፍቲ ከርእይዎ ሒዞሞ ከዱ። ከርእይዎ ኢሎም መቓብር እንተኸፈቱ ከኣ ናይ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ሰኣንዎ። በዚ ከኣ ሰንበዱ። ኣብቲ እዋን ቅዱስ ቶማስ << ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ከምዝዓረገት ነገሮም።>> ኩሉ እዚ ዝኾነ'ውን ብዝርዝር ነግሮም፣ ንምልክት ክኸወን ዝሃበቶ መግነዚኣ'ውን ኣርኣዮም። ኩሎም ሓዋርያት'ውን ነዚ መግነዝ ንበረከት ክኾኖም ቆሪጾም ተማቒሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ።

   ኣብ ዓመቱ ድማ ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ፣ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ኣብ መበል 16 መዓልቲ ክልተ ሱባኤ ድሕሪ ምፍጻሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝለምንዎ ልመና ተቀቢሉ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  መንበር ፣ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ካህን፣ ንቅዱስ እስቲፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቁራቡ፣ ንናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ።

ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝዀነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታ ኣይትፈለየና። ብቓል ኪዳና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓልወና። እግዚአብሔር ናይ ኣዲኡ ፍቕሪ ኣብ ልብና ውዳሴኣ ድማ ኣብ ልሳንና የሕድረልና። አሜን ። 

                                                                               ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

                                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል፣

                                                                                   ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.