በዓለ ልደታ ለእግዝእትነ ቅድስት ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን::

ኢያቄም ወሐና ወለዱ ለነ ሰማየ ። ሰማዩሙኒ አስረቀት ለነ ፀሐየ።

ጴጥሪቃን ቴክታን ዝበሃል ሰባት ኣበ ኢዮርሳሌም ብቅዱስ መውስቦ ብሓንሳብ ይነበሩ ነበሩ።

እዚኦም ንእግዚአብሔር ዝኣምኑ ዝተፍተዉ ጻድቃን ሰባት ነበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርን ኣብ ቅድሚ ሰባትን እዚ ተርፍዎም ዘይብሃል ሰብ ጸጋ ነበሩ። ግና ውርሲ ዘውርስዎ ውላድ ኣይነበሮምን መኻናት እዮም ኔሮም።  ሓደ መዓልቲ ጴጥሪቃ ንቴክታ ሓፍተይ እዚ ኩሉ ዘላን ሃብቲ እንውርሶ ሰብ የብልናን እንታይ ኢና ክንገብሮ። ንስኺ መኻን ኢኺ ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን እየ ብጀካኺ በላ። ንሳ ድማ ክቡር ሓወይ ኣምላከ እስራኤል ንዓይ ውላድ እንተኸልኣኒ ንሳኻውን ከማይ ኮንካ ክትተርፍ ᎒ ናብ ካልእ ከድካ ውለድ እንተበለቶ፣ ከዚ ነገር እንካን ክግበሮ ኣብ ሓሳበይ እካ ከምዘየለ ኣምላከ እስራኤል ይፈልጥ በላ።

እንተኾነ ግና ብኡ ንብኡ ዘጸናንዕ ራእይ ረኣዩ፥ ፃዕዳ ብተይ ካብ ደንብኦም ክትወፅእ እታ ብተይ ብተይ እናወለደት ክሳዕ ሽዱሽተ ክትበጽሕ፣ እታ ሻድሸይቲ ወርኂ፡ እታ ወርኂ ድማ ፀሐይ ክትወልድ ተራእዮም። ኣብቲ ዓዶም ሕልሚ ዝፈትሕ ነበረ እሞ ናብኡ ከይዶም ነገርዎ። ንሱ ድማ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ረኣየኩም ብሳህሉ ከኣ መጊበኩም “ውላድ ክትወልዱ ኢኹም ሸውዓተ ጻዕዳ ብተይ ምውላድኩም ሸውዓተ ኣዋልድን ደቂ ደቅኹም ክትወልዱ ኢኹም።  ናይ ወርኂ ነገር ግን ካብ ፍጡራን ልዕል ዝበለ ውላድ ክትወልዱ ኢኹም ፤ ናይ ፀሐይ ነገር ግን ኣይተገለጸለይን፡ ከም ነቢይ ከም ንጉሥ ዝበለ ይኸውን” በሎም።

እቲ ራእይ ካብ እግዚአብሔር ኮይኑ በዚ ጊዜ’ዚ ፀነሰት። ኣብ 9ተ ወርሑ  ድማ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ንሽማ ሄኤሜን  ኢሎም ኣውጽኡላ። ሄኤሜን ማለት ዘእምስእለትነ ዝብሂል ረከብነ (ዝተመባጻዕናዮ ረኸብና) ማለት እዩ።

ሄኤሜን’ውን ኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ኣመርዓውዋ’ሞ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ዴርዴ  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።

ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ዴርዴ ዓበየት ኣመርዓውዋ’ውን ጓል ድማ ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ቶና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ቶና ማለት ራእይ ሪኢና ነገር ረኺብና ዝወለድናያ ማለት እዩ።

ቶና’ውን ብሥርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ’ሞ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልታ ድማ ስማ ሲካር  ኢሎም ኣውጽኡላ። ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ።

 ሲካር’ውን ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ሴትና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።  ሴትና ማለት ሥርሓ ዝጸበቐ ምግባራ ዝሰመረ ጽብቕቲ ማለት ኢዩ።

 ሴትና’ውን ብሥርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ሄርሜላ ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። ሄርሜላ ማለት ካብ ሃብታማት ካብ ክቡራት ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ።

ሄርሜላ ድማ ዓበየት ንኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ኣብሻሙናይ  መዓልታ ድማ ሃና  ኢሎም ስም ኣውጽኡላ።  ሃና ማለት ብሃይማኖት ብምግባር ዝጸነዐት፡ ብንጽህና ብቕድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ክብርቲ ፍጥረት ማለት እዩ።

ናይ ኣዴና  ቅድስት ድንግል ማርያም ትውልዲ ንምቑጻር ትንቢት ዝተነግረለን ሱባኤ ዝተቖጽረለን እዚኣተን ሸውዓተ ኣንስቲ ኢየን። ሃና’ውን ብሥርዓት ዓብያ ንኣካለ መጠን ምስ በጸሐት ካብ ቤተ መንግሥት ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ ኢያቄም ንዝባሃል ሰብ ኣመርዓውዋ። ሃናን ኢያቄምን ብሓደ ክነብሩ ከለዉ ውላድ ግና ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት ከኣ ውላድ ንኽህቦም ኩሉ ሳዕ ናብ እግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ከምዚ ኢሎም ንብዙሕ ግዜ ቀጸሉ። ኩሉ ግዜ መባእን መሥዋዕትን ናብ ቤተ እግዚአብሔር የቕርቡ፡ ብተስፋ ከኣ ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ  መኻናት ብምንባሮም ህዝቢ ኣይሁድ ኩሉ ግዜ የባጭውሎም ነበሩ።

ስለዚ ድማ ንግሆን ምሸትን ተስፋ ብዘይ ምቍራጽ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብምኻድ ኵሉ ጊዜ ይጽልዩ ከምዝነበሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ይነግረና። ብኸምዚ ብዙኅ ዓመታት ምስ ኣኅለፉ፡ ኣሚኖም ንዝቐርብዎ እግዚአብሔር ቐረባኦም እዩ እሞ፡ ጸሎቶም ሰሚዑ ልመናኦም ተቐቢሉ ሓሳብ ልቦም ከምዘሥምረሎም ብምእማን ኣብ መወዳእታ ተመባጽዑ። ኢያቄምን ሃናን ክመበጻዑ ከለዉ ውላድ ክህቦም ጥራይ ዘይኮነስ፤ ነቲ ዝተዋህቦም ውላድ ኣብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ዝነብር ክኸውን፡ ሰብ ዘየቐይም ንፈጣሪኡ እውን ዘየሐዝን ክኾነሎም ለመኑ። እንተወሊድና ሓሪስና ወሪድካን ደይብካን ሓግዘና ኣይንብሎን፡ እንታይ ደኣ ቤተ እግዚአብሔር ከምዘገልግል ክንገብር ኢና። ከምኡ እውን ጓል እንተደኣ ወሊድና ድማ ማይ ወሪድኪ ኣስትይና፡ ዕንጨይቲ ኣሪኺ ሓግዝና ኣይንብላን፡ እንታይ ደኣ ንቤተ እግዚአብሔር ዘድልዩ ነገራት እናሰርሐት ክትነብር ንቤተ እግዚአብሔር ክንህባ ኢና ኢሎም ተመባጽዑ። ኣብ መንገዲ እናተመልሱ ከለዉ’ውን ረጋቢት ምስ ጨቓዊቶም ክጻወቱ ርእዮም፡“ወርእዩ አርጋበ እንዘ ይትፌሥሑ ምስለ ውሉዶሙ”  እንሆ ርግቢት ምስ ውላደን ክጻወታ ረኣዩ፡ ደስ ኢልወን ክጻወታ ከኣ  ተዓዘቡ። ሽዑ ኣዝዮም ተከዙ “ነዘን ርግቢት ውላድ ዝሃብካ ንዓና ውላድ ዘይብልና” ኢሎም ኣዝዮም ሓዘኑ፡

 ኦ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነዚኦም ረጋቢት ክባዝኁን ክፋረዩን ዝፈቐድካ ንስኻ ኢኻ። ንዓና ንባሮትካ ካብዚኦም ረጋቢት ስለምንታይ ኣትሓትካና ኢሎም ኣምሪሮም ለመንዎ። እዞም ክልተ ናይ እግዚአብሔር ሰባት ከምቲ መብጽዕኦም ድማ ተሰማሚዖም ናብ ገዝኦም ምስ ከዱ ሓደ ዘገርም ራእይ ረኣዩ። ንሱ ድማ ሃና ዝረኣየቶ ራእይ ክትነግሮ ከላ “ምዕሩግ ግምጃ ክትዕጠቕ፡ መቖምያኻ ድማ ለምሊማን ዓምቢባን ፈርያን፤ ንፍሪኣ ድማ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጡር ክበልዖ ከሎ ረአኹ” በለቶ። ኢያቄም ነዚ ምስ ሰመዐ ብወገኑ ንሃና ከምዚ ክብል ነገራ። “ሓንቲ ጻዕዳ ርግቢት ሸውዓተ ሰማያት ሰንጢቓ ወሪዳ ኣብ ርእስኺ ኮፍ ክትብል ርእየ” በላ። እግዚአብሔር ብረድኤቱ ስለዝረኣዮም ድማ ብ፯ ነሓሰ ኣዴና ቅድስት ማርያም ተጸንሰት። ኣብ ማኅፀን ኣዴኣ ከላ ዘደንቕ ተኣምራት ብምግባር ብዙኃት ድውያት ኣንጺሃን ኣድኂናን ተወልደት። 

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም ። ቅዱስ ያሬድ

ስማ ከኣ ማርያም በልዋ። ማርያም ዝብል ስም እንታይ ማለት’ዩ፧

 ክትርጎም ከሎ።

       ኣብ’ዚ ዓለም ካብ ንምገቦ ኩሉ መግቢ ንኣፍ ዝጥዕም፡ ንልቢ ዝምጥን “ማር”(መዓር) እዩ። ኣብ ገነት’ውን ቅዱሳን “ያም” ዝበሃል መግቢ አለዎም። ንኽልቲኡ ከነራኸቦ ከለና ማርያም ዝብል ስም ንረክብ። ስለዚ ናይ ማርያም ስማ ካብ ኩሉ ዝበለጸን ዝኸበረን ከምዝኾነ ንርዳእ ማለት’ዩ።

ማርያም ማለት ጸጋን ሃብትን ማለት’ዩ። ንግዚኡ ነቦኣን ነዲኣን ሃብትን ጸጋን ኮይና ተዋህበት፡ ፍጻሚኡ ግና ንኹልና ምእመናን ጸጋን ሃብትን ኮይና ተዋሂባትና’ያ።

ማርያም ማለት መራሒት መንግሥተ ሰማያት ማለት’ዩ። እዚ ከመይ ኢሉ እንተተባህለ እንሆ ሎሚ ኣብዛ ዓለም ንዕዉር መራሒ፡ በትሪ፡ ከምዘድልዮ ንሳ ኸኣ ምኽንያት ድሕነት ብምዃን፡ ንመንግስተ ሰማይ መራሒት ኮይናትና እያ።

እተን ኣርባዕተ ናይ ስመ ማርያም ፊደላት'ውን ከምዚ ዝስዕብ ትርጉም ይህባ፦

"ማ"" ማለት ማኅደረ መለኮት: መሕደሪት መለኮት ። ሉቃ 1፡35፡ መዝ 132፡13።

"ር"" ማለት ርግብየ ይቤላ: ሰሎሞን ብርግቢ ዝመሰላ። መኃ 2፡14፤ መኃ 6፡9።

"ያ"" ማለት ያንቀዓዱ ኃቤኪ ኩሉ ፍጥረት: ኩሉ ፍጥረት ናባኺ የንቃዕዱ ። መዝ 87፡7።

"ም"" ማለት ምስአል ወምስጋድ ወምስትሥራየ ኵሉ ኃጥያት ማለት  ዝቐደሙ ኣቦታትና ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሰጋገሩላ፡ ሎሚ’ውን ምእመናን ኩሎም ብወዳ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም፡ ብቓል ኪዳና ተማሕጺኖም ንመንግሰተ ሰማያት ንምውራስ ተስፋ ዝገብሩላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ::

      ኣብዚ ወርሓ ግንቦት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንድኅንወት ዓለም ካብ ኢያቄምን ሓናን ብብዙሕ ልመና ተረኽበት።

ተፈሥሐት ምድር ወሰማይ አንፈርዕጸ

በዕለተ ጸገዩኪ አብላስ ወአውጹኡ ሠርጸ

ተአምረ ሕይወት ማርያም ዘአልብኪ ቢጸ

እስከ ፈርሀ መልአከ ሞት ወሰይጣን ደንገጸ

ዜና ልደትኪ ነጎድደ እስከ ውስተ ሲኦል ደምፀ።

              ኣባ ጽጌ ድንግል

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በረከታ  ጣዕማ ፍቕራ የብዝሓልና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.