ቅድሚ ዲቁና ምቅባለይ ዝነበረ ሕይወት

ቅድሚ ዲቁና ምቅባለይ ዝነበረ ሕይወት

ወዲ ቐሺ ኢየ፡  ወዲ ሊቀ ሊቃውንት። ኣቦይ ዕድመ ልክዑ ቃለ እግዚአብሔር ክምህር’ዩ ግዜኡ ኣሕሊፍዎ። ወዲ ሰብ ክልተ ምርጫ ኣለዎ ፡እቲ ሓደ ንፈጣሪኡ እናመሰለ ዘወዲ ናይ ሰማይ ርስቲ ዘይበሊ ምዉራስ፣ እቲ ሓደ ከኣ ነቲ ገዛኢ እከይ ዝኾነ ድያብሎስ ምግልጋል እዩ። በቲ ሁዱእ ቃሉ ደቀይ ሓደራኹም ነቲ ካባኹም ረብሓ ምስ ደለበ ኣብ ዘይጠፍእ ሓዊ ንምጥፋእኩም ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ብጽባቀ እዛ ሓላፊት ዓለም ብስጋኹም ጌሩ ንነፍስኩም ኩወርሳ ወትሩ ኣብ ቃልሲ ዝርከብ ድያብሎስ ከይትግዝኡ፣ ብምባል ዝምዕደና ዝነበረ። ኣጋ ምሸት እዩ  ፣ ሰማይ ብጸባ ዝተነክሩ ጡጥ ዝመስሉ ደመናታት ተጋሪዱ ፣ ንፋስ በረኻ ነቲ ጽባቐ እዛ ምድሪ ዚኾኑ ኣግራብ ፣ ኣብኦም ንዝነብሩ ኣቑጽልቲ ንየማን ንጸጋም ሰለል ዘብሎም ዝነበረ። ኣንስቲ እዋይ ማይ ከሃርም እዩ መስለኒ እናበላ፣ ገሊአን ሰጢሖኖኦ ዝነበራ ኪዳዉንቲ ከውርዳ፣ ገሊኣን ከኣ ናይ ገዛ ዕዮአን ከስልጣ ሸበድበድ ይብላ። ክረምቲ ጡዑም እዩ ፣ እግዝአብሔር እትኽእሎ ዝናብ ምስ ዚህበካ።  ቅንያት ክራማት ካብቶም ደስ ዘብሉ ወቅትታት እዩ። ምድሪ ብግምጃ ለሚዓ፣ ሓረስታይ ሓሪሱ ካብ ዓውዲ፡ ማርያም ሃብኒ ማርያም ሃብኒ እናዳበለ ምህርቱ ኪሓፍስ ፣ ብዛዕባ ጽባቐ ክረምቲ እንታይ’ከ ኣሎ ደስ ዘየብል ፣ ብፍላይ ከኣ ሓምሊ በሊዕካ ምሕሰሲ ብበለስ ኪትዓግብ ከለካ ።

ተመሃራይ 2ይ ክፍሊ እየ ነይረ። ካብ ትምህርቲ ተፈዲሰና ኣነን ዓቢ ሓወይን ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ፣ እናተጻወትና ንመጽእ ነበርና ። ሃንደበት ኣብ ከባቢ ገዛዉትና ምስ በጻሕና ኣዉያት ሰማዕና፣ ብጉያ ምስ ከድና ናይ ኣቦና መርድእ ምዃኑ ተገንዘብና። ሞትን ክራማትን ምንም እካ  ዘይተርፍ እንተኾነ ልዕሊ ነፍስኻ ተፍቕሮም ወለድኻ ክፍለዩኻ ግና ክትእሞ ይኸብደካ። ነቲ ፍቅሩ ከይጸገብና ዝተፈለየና ኣቦና ግና ምቅባሉ ካብዚ ንሰማይ ኮነና። 8ተ ክራማት ኣቅጺረ ነይረ ኣቦይ ክፍለየና ከሎ ። ኣቦይ ኣብ ዝዓረፈሉ ግዜ እንትርፍ ጸሎት ዝገደፈልና ርስቲ ይኹን ዉርሻ ኣይነበረን፣ ዓራት ከኣ እባ ነይራ ፣ ተወሳኺት እታ ጸሎት ሓንቲ ካብተን ኣብ ወሰን ወሰን እቲ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ዝነበራ ገዛዉቲ ሓንቲ ዓራት ስለ ዚነበረት ምስ ኣሕዋተይ ክንድቅስ ተፈቂዱልና ዝነበረ።እቲ ናይ መግቢ ጉዳይ ግን ከም ዕድልካ እንተተረኽበ ትበልዕ ፡ እንተሲኢንካ ጾምካ ትሓድር። እግዚአብሔር ግን መንገዲ ኣለዎ ኣይኮነን ነዓይ ኣብ ቤቱ ዝነብር ነዕዋፍ ሰማይ እካ ድራር ዕለት ዝነፍግ ኣይኮነን። እምበር ንሎሚ ሓንቲ ካብተን መንገዲ ኢየ ከዕልለኩም፤ እዛ መንገዲ ናይ ቑርሲ ሽግረይ ዝፈትሓት ጽብቕቲ ጥበብ ኢለ ዝሓሰብክዋ እየ ፤ ምንባብ ልፋፈ ጽድቕ ብ 50 ሳንቲም።

ንእሽተይ ዝባሃል ስራሕ የለን ፤ ኣንጊሀ ይትንስእ ካብ ኣደይ ንግስቲ መጽሓፍ ልፋፈ ጽድቕ ይቕበል ፤ የንብባ 50 ሳንቲመይ ይቕበል ተወዲኣ ።እታ መጽሓፍ ከንብባ 30 ደቒቕ ትወስደለይ ነበረት ፤ ብድሕሪኡ ብዘይ ቓል ዘኣተናዮ ውዒል መሰረት ኣነ ዝተነበ መጽሓፍ ነደይ ንግስትን ነታ ካብ ኢዳ ዘይፈሊያኣ ራህዋ ጓል ሓፍተን ፡ ከምእውን መሓዝእን ኣሳሊመ ከረክባ ኣደይ ንግስቲ ድማ ብሑቡእ 50  ሳንቲም ይኸፍላ። ኣብቲ እዋን ብ50 ሳንቲም 2 ባንን 2  ቺቸሮን ክገዝእ ይኽእል ፡ በተን ቺቸሮ ነተን ባነይ እናቃደሰኩ ከብደይ መሊኣ ናብ ቤት ትምህርተይ ፤ ብዛዕባ ቁርሲ ሓሳብ የለን። ኣደይ ንግስቲ ሽመን ባዕለን ኣይነገራንን ፤ ከመይ ኢለን ንሕንጣል ቆልዓ ስመን ብምንጋር ክላለይኦ ፤ ባዕለይ ኢየ ተመራሚረ ረኺበያ ። ኣብታ ዘንብበለን ዝነበርኩ መጽሓፍ ኣብታ መወዳእታ “እቀባ ለአመትከ ንግስተ ኣዜብ ወወለተ ራህዋ” ትብል የንብብ ስለ ዝነበርኩ ብርግጽ ወይ “ንግስቲ” ወይ ድማ “ኣዜብ” ክኾና ኣለወን ኢለ ገመትኩ ምስ ዕድሚኤን ብምንጽጻር  እታ “ንግስቲ” ትብል ወሰድኩ። ቀጻሊ ንባብ ጸሎተይ ምስ ወዳእኩ ነታ ጓል ሓፍተን እናጠመታ እቀባ ለወለተ ራህዋ እናበለ ይደጋግማለይ ነይረን።

ኣነ ከንብብ ንሰን ክኸፍላ ዓመታት ኣቁጺሩ  ፤ ካብ ብዝሒ ምድግጋም ነታ መጽሓፍ ስለ ዝሸምደድክዋ ንኸንብባ ትወስደለይ  ዝነበረት ግዜ ናብ 10 ደቂቅ  ቀነሰ፤ ናይ ቆልዓ ነገር ቀልጢፈ ምውድአይ ነደይ ንግስቲ ዘሐጉሰን ይመስለኒ ነበረ፤ እንተኾነ በንጻሩ ንስርሐይ ዝፈታትን ኩነታት ኢዩ ፈጢሩ።  ቅልጣፈይ ኣብ መሓዛ ኣደይ ንግስቲ ጥርጣረ ፈጠረ፤ ሓደ መዓልቲ ከም ኣመለይ መጽሓፈይ ከረክብ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን መሓዛ ኣደይ ንግስቲ እታ ሕርኽርኽ ክትብለን ዝቀነየት ሕቶ ቶግ ኣበላለይ ። “ኣታ ወደይ እዋእ እምበር’ዶ ተንብባ ኣለኻ ኢኻ ወላስ……፧” ሕቶኣን ከይወድአ መልሲ ተጸበያ፥፥ ኣደይ ንግስቲ ኣዝየን ይፈትዋኒ ስለ ዝነበራ ብሕቶ መሓዝአን ደስ ከም ዘይበለን ኣብ ገጸን ይንበብ ነበረ። ኣነ ግን ዋዒ ብዝተሓወሶ ናይ ቆልዓ ነገር “እወ ማማ ዋላ ክደግመልክን” ብምባል ብንጹህ ልቢ  ካብ ኣደይ ንግስቲ መጽሓፍ ብምውሳድ  ምንባብ ጀመርኩ ፤ ንማለቱ ኢየ መጽሓፍ ዝርኢ እንበር ዳርጋ ብቃለይ ኢየ ዘንብቦ ነይረ። ንጥርጣረ እተን ሰበይቲ ንፍርሒ ኣደይ ንግስትን ዝቕንጥጥ መጽሓፍ ኣብ ፲ ደቂቅ ዘይመልእ ኣንቢበ ወዳእክዋ፤  ሓበን ዝተሰምዓን ኣደይ ንግስቲ መግለጺ ሓጎሰን 5  ቅርሺ ሸለማኒ። ረሲዓልኩም እባ ንባብ ምስ ወዳእኩ ምስ ራህዋ ሓንዳይ ምጽዋት እናመቀረኒ ይመጽእ ነይሩ፡ ካበተን ዝኽፈለን ዶሞዘይዉን ሓደ ሓደ ግዜ ቺቸሮ ፈፎል ንራህዋ ይግባዛ ነይረ።

5 ቀርሺ ምዃና ክረጋግጽ ደጋጊመ ገማጢለ ኣፍጢጠ ጠመትክዋ። ክአምን ኣይከኣልኩን ፤ ክንዱኡ ዝአክል ገንዘብ ክሕዝ ኣብ ሕወተይ ናይ መጀመርያ ግዜ ኢዩ ፤ ተጋግየን ከይኮና ብምሕሳብ 5 ቅርሺ ሙኳና ነገርክወን “እወ ዝወደይ ካልእ ኣኳ ይግበኣካ ካብ ታኣማንነትካ ኣይዓብን ኢዩ ዝወደይ “ ብምባልል መሪቐን ኣፋነዋኒ። ሓጎሰይ ወሰን ኣይነበሮን ። ሕጂ እንተወሓደ ን 10  መዓልት ዝኣክል ዘቑርሰኒ ሒዘ ኣለኩ። ንራህዋ ዉን ካብ ዝሓለፈ መዓልታት ከብዳ ክሳብ ዝቅረጽ ፎፎልን፡ መቅሊልን ገዛእኹላ። እዚ ሰሙን  ንግሆ ንግሆ ዘተስእ የብለይ፤ ናብ ቤተ-ክርስትያን ብቁርን ኣሰሓይታን ዘገስግሰኒ ስራሕ እምበር ጸሎት ኣይነበረን። ቤተ-ክርስቲያን ይጸልእ ማለት ኣኮንኩን የግዳስ ቤተ-ክርስቲያን ወፊረ ገንዘብ ዝምእርረላ ኣጋጣሚ ስለ ዝተፈጥረ ንዓይ ናይ ስራሕ ቦታ’ያ። ን10ተ መዓልቲ ዝኸውን ካብ ቤተክርስትያን ጠፋእኩ፤ ሕጂ ክሓስቦ ከለኩ ብጣዕሚ ኢዩ ዝገርመኒ ብ 5 ቅርሺ 10  መዓልቲ ዝኣክል ካብ ቤተ-ክርስቲያን ዝጠፋእኩ ሃብታም እንተዝኸውን እንታይ ምደገምኩ።  ከምቲ ኣብ ዘጸኣት 26 ዘሎ እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ካብ ሰማያት ማና ኣውሪዱ ክምግቦም ከሎ ንዕለት ዕለት ዘድልዮም ክእክቡ እምበር ተረፍ ከየሕድሩ ዝአዘዞም ለካ ዝአኽሎም ሒዞም ካብ ገጹ ከይሃድሙ ኢሉ ኢዩ።

ክንድኡ ዚኣክል መዓልታት ምጥፍአይ ነደይ ንግስትን መሓዝአንን ኣዝዩ ኣሻቂልወን ነበረ ። እታ ምሳይ ሓንዳይ፡ባሊና፡ገበጣ፡  ምጽወት ፡ ከምኡውን ክዑንቲ ካብቲ ድሕሪ ቤተ-ክርስቲያን ዘሎ ቅርዓት ምብላዕ ዝለመደት ንዓይ ክትደሊ ነዛ ቤተ-ክርስቲያን ዕስራ ግዜ ኮለል ትብላ ከም ዘነበረት ብማዕዶ  ሓደ ግዜ ኣስተብሂለላ’የ።   ጥዕንኡ ደሓን'ዶ ይኸውን ካብ ዝብል ሻቕሎት ንላዕሊ ሕቶ እተን ሰበይቲ ኣቐይምኒ ዝጠፋእኩ መሰለን።  5  ቅርሸይ ተወዲኣ ናብ ስራሕ ክምለስ ግደንት ኮነኒ ። ከም ኣመለይ ኣንጊሄ ብምግስጋስ ናብ ቤተ ክርስትያን ናብታ ኣደይ ንግስቲ ዝቆማላ ኣውደ ምሕረት ኣምራሕኩ፤ ናፍቆትን ሻቅሎትን ዝተሓዋወሰን ኣደይ ንግስቲ ሓኒቀን ሰዓማኒ፤ ምኽንያት መጥፍእየይ ንምፍላጥ ኣጥቢቀን ሓተታኒ ፤ ኣነ ግን ዓው ኢልካ ዝዝረቦ  ምኽንያት ኣይነበረን፤ ክሕሱ ጥራይ ኢዩ ኔርኒ  ፤ “እእእ ፈተና ቀኒኒ ከጽንዕ ስለ ዘምሲ እናደኸመኒ ኢየ ንግሆ ንግሆ ከይተሳእኩ ቀንየ” ብምባል መሬት መሬት እናረኣኹ ጻዕዳ ሓሶት ዝተዛረብኩ፤ ኣደይ ንግስቲ ይእመናኒ ኣይእመናኒ ኣይፈልጥን ኣነ ግን ተገላጊለ ፤ ድሕሪ ሕጂ ክጠፍእ ከም ዘይብለይ ምዒደን ኣብ ሳንጣ ኣቀሚጠንአ ዝጸንሓ ሓዳሽ ጻዕዳ ነጸላ ኣዊጺኤን  ሃባኒ፤ ሓጎሰን መግለጺ ኣይነበሮን ከይተረደኣኒ  ነደይ ንግስቲ ኣብ እግረን ጥምጥም በልክወን ፤ ካብታ መዓልቲ ጀሚረ ኣብ ኣደይ ንግስቲ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ካብ ኣስራሒተይ ናብ ኣደነት ተቀየረ። ራህዋ ምስ ረኣየትኒ ገጻ ከም ፀሐይ ተኾሊዑ፡ ኣነዉን ሓቂ ምዝራብ ከይትብጥረመለይ ፈሪሐ እምበር  ፡ በቲ ኣዲኣ ዝህበኒ ገንዘብ የቀባጥራ ከም ዘለኹ እንተ ገጢማትኒ  ኣብ ልዕለይ ቸይቸይ ከይትብል ኢለ እምበር ራህዋ ክረኽባ ዉሽጠይ ሓጎስ ይጎስዕ ነይረ።

ቅድሚ ሕጂ ዓስቢ ስርሐይ ዝኸፍላኒ ዘለዋ ይመስለኒ ስለ ዝነበረ ናይ ነጸላ ነገር ግን ናይ ኣደነት ፍቅረን መግለጺ ሙኻኑ ተረደኣኒ፤ እታ ንዓመታት ዘገልገለትኒ ብጥስጥስ ዝበለት ብስፌት ዓቅላ ጸቢብዋ ዝነበረት ነጸላይ መብረ ረኸበት። መዓልቱ ብልክዕ እኳ ዝዝክሮ እንተዘይከኣልኩ  ወቅቱ ክራማት ኮይኑ ኣብ መፋርቅ ጾመ ፍልሰታ ኢዩ ኔሩ። ከም ወትሩ ሓደ ንግሆ መጽሓፍ ከምጽእ ናብ ቦታ ኣደይ ንግስቲ ከድኩ። እንተኾነ መሓዝአን እምበር  ንሰን ኣይጸነሓንን መሓዛ ኣደይ ንግስቲ ገና ርእይ ምስ ኣበላኒ ንብዓት ሰዓረን ቢኢደን ስሒበን ናብ ከብደን ኣጸጊዓን ሃንደታዊ ሞት ኣደይ ንግስቲ ኣርደኣኒ ፤ ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ኮይኑኒ እናጎየኩ ናብ ግዳም ብምጻእ ገጸይ  ብንብዓት እናተሓጽበ ኣምሪረ ሓዘንኩ ነደይ ንግስቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ተፋነኽወን፥፥

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት  መሓዛ ኣደይ ንግስቲ ኣደይ ገብሪኤላ ደሌን ረኸባኒ ። ዓቅሚ ኣዳም በጺሐ ነታ ዓቅሚ ሔዋን ዝበጽሐት ካብ ንእሰተይ ከም ጻዕዳ ኢደይ ዝፈልጣ ራህዋ ኣብ ጎነይ ጸንቢረ ነደይ ገብርኤላ ረኸብክወን።  ኣደይ ንግስቲ ዝተላበዋኒ  ሕድሪ  “ዕቀባ ለወለተ ራህዋ “ ብተግባር ኣጺዓ ፀነሕክዎን። ናይ ዲቁና ተምህርቲ ዛዚመ ፡ ኣቋቋም ዝጥርሸሉ ኣዋርሕ ቀሪቡ ኣሎ። ኣደይ ገብርኤላ  ክሳብ ብሕይወት ኣብ ምድሪ ዓለም  ዘለዋ ከምታ ንኣደይ ንግስቲ መጸሐፈ ጸሎት ዘንብበለን ዝነበርኩ ንሰን'ዉን መጽሐፈ-ጸሎት ክንብለን  ሓተታኒ። ነቲ ነዊሕ ዓመታት ተሞክሮ ዝደለብኩሉ ዘኽብሮ ሞያይ ዳግማይ ክምለሶ  ሓሳበን ብሓጎስ ተቀበልኩዎ። ራህዋ ግና ጣልቃ ብምእታዉ ፡ ትቅብል ኣቢለ ንስኻ ደሓን ዉራይ ትምህርትኻ ፡ጸሎት ስብሐታትካን ግበረ ፍቃድካ እንተ ኮይኑ ባዕልይ ክንብበለን በለትኒ ንሓጺር መዓልታት። ጓል ነዲኣ ትመስል ደዩ ዝበሃል ራህዋ ንዓባያ መሰለት፡ ኣይሓመቀትን ፡ ነዲኣ መሲላ ። ነታ ኣብታ  ሓዳሽ መጽሓፍ ዝነበረ “ዕቀባ ለኣመትከ ወለተ ገብርኤል” ዝብል ባዓለይ “ማሐራ ለነፍሰ አመትከ ንግስተ ኣዜብ” ዝብል ወሲኸ ነተን ሓዳሽ ኣስራሒተይ  ነዊሕ ዕድመ ክህበለይ ፡ነተን ፍጹም ዘይርሳዓ ናይ ፍቅሪ ኣደ ፡ ፍቅሪ  ዝለገሳለይ ኣደይ ንግስቲ ድማ ነብሰን ክምሕረለይ ናብ እግዚአብሔር ይጽሊ ነበርኩ። እዚ ሓድሽ ስራሐይ ብገንዘብ  ዝኽፈሎ ዘይኮነስ  ዶሞዘይ ጽድቅ’ዩ፡ ርህራሂ ዝድጎሞሉ፡ መንፈሳዊ ሃብቲ ዘጥርየሉ ዝፈትዎ ስርሓይ። እቲ ቀድምሲ ነገር ቆልዑነት ኮይኑ እምበር መዓስ ፈትየ ኮይነ ንጽድቂ ምስ ገንዘብ ዘተሓሓዝክዎ። ንእስነት ዕዳ’ዩ ድዩ ዝበሃል፡ ከምኡ ኮይኒ በቃ። ራህዋ ብሓቂ ” ራህዋ” ተሰኪማ ነቲ ዝጸልመተ ሕይወተይ ጋሊሃ ብርሃን ኣጽሊላትኒ ኣላ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ልዋም ሰሎሞን

Comments are closed.