ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽቲ

በስመ አብ ወወልድ ወምንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

እግዚአብሔር ንምምስጋን ስሙ ንምቅዳስ ካብ ዝተፈጥሩ ሥነ ፍጥረታት ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዝተፈጥሩ ቅዱሳን መላእኽቲን፣ ኣብ መበል  ሻዱሻይ መዓልቲ ዝተፈጥረ ሰብ ኣቦና ኣዳም እዮም። እዚኦም ከኣ ንምቅዳስን ርስቱ ንምውራስን ዝተፈጥሩ ፍጡራት እዮም።

ካልኦት ፍጥረታት ከኣ ንኣንክሮ ንተዘክሮ ተፈጢሮም። ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ንእግዚአብሔር ንምምስጋን ከይተወሰኑ፣ ንሰባት ይራዳእዎ ።እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጸገማት ከይበጽሕን እንተበጽሐ ከኣ ንምንጋፍ ብኣማላድነቶምን ተራዳእነቶም ብዝገብርዎ ተልእኾ እዩ።

ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽቲ

ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሓለቓ መላእክቲ ሓደ እዩ።  ስሙ ብእብራይስጥ ናይ እግዚአብሔር ኃይሊ ማለት እዩ። ገብርኤል ማለት “ እግዚአ ወገብር “ ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ማለት እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ሊቀ መላእኽቲ ኮይኑ ኣብ ብሉይን ሓዲሽን ብዙሕ ዘደንቅ ግብርታትን ተኣምራትን ዝገብረ እዩ።

እዚ ብሕልቅነት ኣብ  መበል ካልኣይ ዚሥራዕ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽቲ  ዲያብሎስ ኣቦ ሓሶት ሳጥናኤል ኣብ ዓለም መላእኽቲ ህውከት ምስ ፈጠረ  “ ንቁም በብህላዌነ እስከ ነአምር አምላክነ “ ብምባል ንማኅበረ መላእኽቲ ዘድኀኖም ቅዱስ ገብርኤል  እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ወልደ ነጎድጋድ ወንጌላዊ ብዛዕባ ዕቤት ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽቲ ድርሳን ክገልጽ ከሎ “ ሳጥናኤል ብትዕቢቱ ኣብ ዝወደቀሉ እዋን ንማኅበር መልእኽቲ ብቓሉ ካብ ዓቢይ ሁከት ከምዘኅድኦም ይገልጽ።“ (መጽሐፈ አክሲማሮስ።)

ከምዚ ዝስዕብ ጌሩ ከኣ ይገልጾ “ ብሩሃትን ድሙቓትን ሰማያት ዝፈጠረ እግዚአብሔር ይመስገን።

መንበር ክብሩ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኣንበረ ንቅዱሳን ሠራዊት መላእኽቲ ስሙ ኪቕዱሱን ከኣሊነቱ ኼመስግኑን ድማ ብቓሉ ፈጠረ። ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ብርሃን ነቲ ኽቡር መንበሩ ዝኸቡ ዓሰርተ (10) ቅዱሳን ኣሕሉቕ   ኣለዉ። ኣብ ጥቃ እቲ ግሩም ዝኾነ መለኮታዊ ሓዊ መንበሩ ከኣ ይኸቡ። ሓደ ሳጥናኤል ( ሰብልያኖስ) ዝስሙ መልኣኽ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣሕሉቕ ሓለቓ ኾነ። ንሱ ምስጋና መልእኽቲ ናብ እግዚ አብሔር ዘዕርግ ነበረ። ንሱ ፍጡር ከም ዝኾነ ምስ ፈለጠ በቲ ቀዳማይ ብርሃን ብመንፈሱ ተገረመ ከምዚ ድማ በለ “ ስለምንታይ እየ ኣነ ኽብረይ ንኻልእ ዝህብ ንምንታይከ ኣነ ንባዕለይ ዘይምስገን ንኻልእ ዘመስግን” በለ። መሊሱ ኣዝዩ ክሕደት ኣብዝኀ። ንመላእኽቲ ድማ “ ፈጣሪ እንተድኣ ኣልዩና ኻብ መንበረይ የውድቀኒ ብዘይካይ ንኻልእ ከተመስግኑ ኣይግባእን እዩ፣ ከመይ ምስጋናን ክብርን ዕቤትን ንዓይ እዩ ዝግባእ ናይ ኩሉ ፈጥሪ ኣነ እየ።” በሎም።

ከምዚ ኢሉ ምስ ከሓደ ብቕጽበት ካብ መንበሩ ወደቐ ካብ ዝነበሮ ኽብሪ ወረደ፣ ዘሰዓብዎ መላእኽቲ’ውን ምስኡ ኻብቲ ዝነበሮም ማዕርግ ወረዱ። ሽዑ ቅዱስ ቅዱስ ገብርኤል  ብዓቢይ ቃል ከምዚ እናበለ ዓው ኢሉ ተዛረበ። “ ብፍቕርን ብእምነትን ብፍርሃት እግዚአብሔርን ብብሥርዓትና ንቑም ኢሉ ንኹሎም ማኅበር መልእኽቲ ብቓሉ ኣኅድኦም። ሽዑ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሱ ከምዝፈጠሮም ተጋሂዱ ተራእዮም።

በዚ ምኽንያት ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ መንፈሳውያን መላእኽቲ ኽብርቲ ሽመት ሽሞን ኣዕበዮን። ንሕናውን ንሓድሕድና ናብ እግዚ አብሔር ከማልደና ንለምኖ።    

ቅዱስ ገብርኤል ንዘካርያስ እታ መኻን ሰበይቱ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ከምትወልድን እቲ ዝውለድ ወዲ'ውን ዮሓንስ ከምዝበሃል ዘበሰሮም ቅዱስገብርኤል እዩ። ሉቃ.1-13። ኣብቲ ግዜ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ትንቢት ምዝራቡ መላእክት እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም መጠን መጻእያቱ ( ዝመጽእ) ናይ ምፍላጥ ጸጋ ከዘለዎም ክንፈልጥ ንኽእል። ሉቃ.1-19-20

ꗺ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እግዚአብሔር ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ንፍሲ ወሲዱ ብተዋህዶ ሰብ ከምዝኸውን ዘበሰራ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። እንዳሰገደ ኢድ እንዳነስአ ከምዚ ኢልዋ። “ መንፈስ ቅዱስ ኪሓድረኪ እዩ ሓይሊ ልዑልውን ከጽልለኪ እዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ዝውልድ ቅዱስ ወዲ እግዚ አብሔር ክበሃል እዩ።” ሉቃ.1፣-35

ꗺ ቅዱስ ገብርኤል ኣብሳሪ ጥራሕ ዘይኮነ ፍልጠት'ውን ዝገልጽ ቅዱስ መልኣኽ እዩ። ነብዩ ዳኔኤል ብዝረኣዩ ራእይ ግራ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እግዚአብሔር “ ኦ ገብርኤል እቲ ራእይ ንዳኒኤል ግለጸሉ።” ኢልዎ እዩ። ዳኒ.8፣16። ኣብ ካልእ ቦታውን “ ዳኒኤል ጥበብን ምስትውዓልን ክምህረካ ኢለ መጻእኩ። ” ኢልዎ እዩ። ዳኒ.921-22 እዚ ከኣ ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ ኣዕሚቅካ ናይ ምፍላጥን ምርዳእን መጻዕያት (ንዝመጽእ) ናይ ምፍላጥ ክእለት ከምዘለዎም የርእየና። ካልእ’ውን ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ ንሰለስቱ ደቂቅ ካብ እቶን ሓዊ ኣድኂንዎም እዩ። ዳኒ.3-35-26

ብተወሳኺ ሠለስቱ ደቂቅ ፣ ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ካብ ውሽጢ ነበልባላዊ እሳት ዘድኃኖም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቆውም ፈጢኑ ዝበጽሕ ቅዱስ ገብርኤል እዩ።

 እዚ ዕለት ታኅሳስ 19  ልዕለ ራማ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል ኣብዚ ዕለት ንሠለስቱ ደቂቅ ካብ እቶነ ሓዊ ዘድኃኖም ዓቢይ በዓል እዩ ።

ንጉሥ ናብከደንጾር  ምስ ኣብኦም ንጉሥ ይሁዳ ኢዩአቄም ዝማረኸም ኣናንያ፥ ኣዛርያ፥ ሚሳኤል ኣብዚ ዕለት ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር መልኣኹ ኢሉኹ ዓቢ ተኣምር ጌርሎም እዩ።

ንጉሥ ናቡከደነፆር ነዚኦም ፡መንእሰያት ኣብቲ ውሽጢ ቤተ መንግሥቲ ጥበብ እንዳመሃረ ተንከባኺቡ ምስ ኦዕበዮም። ኣብ ሃገረ ባቢሎን ሸይምዎም።

ድሕሪኡ ንጉሥ ናቡከደነፆር ምስሊ ወርቂ ሠሪሑ ኣብ ኩሉ ግዝኣቱ ዘለዉ መኳንንቲ ነዚ ምስሊ ክሰግዱ ኣዘዘ።  ኣብቲ እዋን እዞም ሠለስተ መንእሰያት ንጣኦት ንዘይምስጋድ ንእግዚአብሔር ብምምላኽ ንዑኡ ጥራሕ ክስገዱ ከም ዝግባእ ብእምነቶም ብምጽናዕ ንጣኦት ምስጋድ እምቢ በሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም ከምዚ ብምባል ይገልጾ።

ንጉሥ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቝመቱ፣ ሹድሽተ እመት ዝወርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቘሞ። ንጉሥ ነቡካድነጻር ከኣ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን፣ ነቲ ንጉሥ  ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ኺጽምብልዎ፣ ኪእከቡ ለኣኸሎም።

ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ኺጽምብልዎ ተኣከቡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ንምስሊ ኸኣ ቘሙ።

እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፣ ኣቱም ሕዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፣ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰማዕኩም፣ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፣ ተኣዚዝኩም ኣሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ፣ ኢሉ ኣወጀ።

ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰምዑ፣ ብኡብኡ ዅሎም እቶም ኣህዛብ ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉሥ  ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገድሉ። በቲ ጊዜ እቲ ገለ ከለዳውያን ሰባት ቀረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉሥ  ነቡካድነጻር መለሱሉ በልዎውን፣ ዎ ንጉሥ ፣ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉሥ ፣ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ኪሰምዕ ከሎ፣ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ኺሰግደሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፣ ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ፣ ኢልካ ኣዘዝካ።

እምብኣርሲ ዎ ንጉሥ ፣ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባት፣ ሲድራቅን ሚሳቅን፣ ዓብድ-ኔጎን፣ ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ) ኣለዉ፣ ንሳቶም ግድኻ የብሎምን፣ ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም፣ በልዎ።

ሽዑ ነቡካድነጻር ኰርዩን ነዲሩን ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል )  ኬምጽእዎም ኣዘዘ። ሽዑ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም። ነቡካድነጻር መለሰ በሎምውን፣ ኣቱም ሲድራቅ፣ ሚሳቅ፣ ዓብድ-ኔጎ፣ እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፣ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ፧

ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸት እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ኸሎኹም፣ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለው። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፣ ብኡብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፡ በሎም።

ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል )  ነቲ ንጉሥ ከምዚ ኢሎም መለስሉ፣ ዎ ነቡካድነጻር፣ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣየድልየናን። ዎ ንጉሥ፣ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ፣ ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉሥ፣ ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ፣ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፣ በልዎ።

ሽዑ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እምብዛ ተናደደ፣ ትርኢት ገጹውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተው ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ ኣዘዘ። ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ፡ ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል )  ኔጎን ኪኣስርዎም እሞ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርብይዎም፣ ካብቲ ሠራዊቱ ሓያላት ሰባት ኣዘዘ።

ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብቐምሾምን ባርኖሶምን መጓናጸፍያኦምን ብዅሉ ኽዳውንቶምን ተኣስሩ፣ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኸኣ ተደርበዩ። እቲ ትእዛዝ ንጉሥ እምብዛ ስለ ዝገንሔ፣ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፣ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል )  ዝደርበይዎም ሰባት ቀተሎም።

እዞም ሠለሰተ ሰባት እዚኦም፣ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፣ ብእሱራቶም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ወደቑ። ሽዑ እቲ ንጉሥ ነቡካድነጻር ሰምበደ፣ ተቐላጢፉውን ተንሥኤ፣ ነማኸርቱ ድማ፣ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉሥ፣ ርግጽ እዩ፣ ዎ ንጉሥ፣ ኢሎም መለስሉ። ንሱ ኸኣ፣ እንሆ፣ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፣ ገለ እካ ኸይተጐድኡ፣ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ ኣሎኹ፣ ትርኢቱ እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል፣ ኢሉውን መለሰ።

ድሕርዚ ነቡካድነጻር ናብ ኣፍ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቐረበ እሞ፣ ሲድራቅ፡ ሚሳቅ፡ ዓብድ-ኔጎ፣ ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል )   ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ፣ ውጹ፣ ናብዚ ንዑ፣ ኢሉ ተዛረበ። ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ። እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉሥን ተኣኪቦም፣ ነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ሥጋኦም ገለ ኃይሊ ኸም ዘይነበሮን ረኣዩ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይቀየረን፣ ክዳውንቶም ኣይተለወጠን፣ ኤረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሐለፎምን።

ነቡካድነጻር ከኣ፣ እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል )  ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉሥ ኣበዩ፣ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ሥጋኦም ወፈዩ፣ ኢሉ መለሰ።

ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፣ ስለዚ ኣነ፣ ዝዀነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣህዛብን ወገናትን-ቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል )  ሕሱም ቃል ዜውስእ፣ ንሱ ኺስየፍ፣ ቤቱ ኸኣ ምድርባይ ጐሓፍ ኪኸውን፣ እእዝዝ ኣሎኹ፣ ኢሉ መለሰ።

ድሕርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ( ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል )  ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም። “  ትንቢተ ዳንኤል 3፡1-30፡፡ እቲ ራብዓይ ዝተባህለ  ካብ ውሽጢ ነበልባላዊ እሳት ዘድኃኖም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቆውም ፈጢኑ ዝበጽሕ ቅዱስ ገብርኤል እዩ።

“ ኦ ገብርኤል መልአከ አድኅኖ ፍንው። አድኅነኒ ዘአድኃንኰሙ በአክናፊከ ምንትው። አመ ውስተ እሳት ተወደዩ ሠለስቱ ዕደው።”  መልክአ ገብርኤል

ቅዱስ ያሬድ ከኣ  “ አጥፍኡ ኃይለ እሳት በትዕግሥቶሙ። ይብጽሐነ ወትረ ጸሎቶም። ዕቶነ እሳት ኢያወአዮሙ። መዓተ ንጉሥ ኢያደንገጾሙ። ሰማዕት በገድሎም። ኃየሉ ወጸንዑ እምቅድመ ቆሙ። አናንያ ወአዛርያ ወሚሳኤል በእምነቶሙ። ሰማያተ ዓርገ ጸሎቶሙ፣ መዓተ ንጉሥ ኢያደንግፆሙ። ” ድጓ ዘታኅሳስ።

ንዳኒኤል ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ፣ ንሠለስቱ ደቂቅ ካብ እቶን ሓዊ፣ ብነበልባላዊ ክንፈ ጸጋ መጺኡ ዘድኃኖም፣  ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ምዃኑ ከምተረድኣና ። ንሕና’ውን ብሃይማኖትና ጸኒዕና ብኣማላድነቱ ተኣማሚንና ብጸሎት ተጊህና እንድሕር ተረኺብና፣ ንዕዖም ዝተዋህበ ጸጋ ረዲኤት ይወሃበና ፣ እግዚአብሔር ብቃሉ ዝተኣመነ እዩ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከተ ቅዱስ ገብርኤል ይክፍለና ። ወላዲት ኣምላክ ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታት ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ብረዴአቶም ኣይፈለዩና። ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር። 

በረከተአብ

Comments are closed.