ቅዱስ አቡነ አረጋዊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ምስባክ

አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም።

ውስተ ኩሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ።

ወእስከ አፅናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ  ።

መዝ.።18 (19)፣3።

1ቆሮ.7፣36-ፍጻሜ። 1ጴጥ.2፣18-21። ግ.ሓዋ.8፣26-ፍጻሜ።

ወንጌል ማቴዎስ. 19፣26-ፍጻሜ።

ቅዳሴ. ዘሐዋርያት።

‘ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፡ ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ትጸዓን ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። (መዝ. ፺(91)፡13)

ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድረ ኣግዓዚ መንፈሳዊ ፍሬ ኣገልግሎትን ምንኵስናዊ ሕይወትን ዘፍረዩ ትሽዓተ ቅዱሳን እዮም። 
እሶም ከኣ ካብ ቁስጥንጥንያ፥ አባ ሊቃኖስ፥ ካብ ቄሳያ አባ ይምኣታ፥ ካብ ኣንጾኪያ ሶርያ አባ ጽሕማ፥ ካብ ቂልቂልያ አባ ጉባ፥ ካብ እስያ አባ አፍጼ፥ ካብ ሮምያ አባ ጰንጤሌዎን፥ ካብ ቂሳርያ አባ አሌፍ፥ ካብ ሮም አባ ገሪማ፣ ካብ ሮም አቡነ ኣረጋዊ እዮም።

አቡነ አረጋዊ

ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክብርን ምስግናን ይኹኖ። ካብቶም ተስዓቱ ቅዱሳን ዝኾነ ናይ ብጽእ ቅዱስ ፍጹም ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ዝኾነ አባ ዘሚካኤል ( አረጋዊ) ክብርን ዝናን ናይዛ ዓለም ኒዒቁ፣ ብጽድቁን ብትርፋቱን ብዝሒ ካብ አባ እንጦስን መቃርስን ጳኵሚስን መዓርገ ምንኵስና ብመንፈሳዊ ሓረግ ራብዓይ ወለዶ ዝኾነ ታሪኹ ነዚ ይመስል። 

ካብዞም ቅዱሳን ሓደ ጻድቕ  ኣቦና አቡነ አረጋዊ  ታሪኾም ምስ እንርኢ ። አቡነ አረጋዊ ትውልድ ሃገሩ ሮም እዩ። ካብ ንጉሣዊ ቤተ ሰብ እዩ ከኣ ተወሊዱ። ወለዱ ኣቦኡ ይሥሓቅን ኣደኡ እድናን ፈሪሀ እግዚአብሔር ዝነበሮም ቅዱሳን ነበሩ። ወለዱ ብጥበብን ፍርሃት እግዚአብሔርን፡ ብትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥነ ምግባርን ምስ ኣዕበይዎ፡ ገና ሕፃን ከሎ ነቲ “ ንሰብከ ኵሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኦ እንታይ ይጠቕሞ።” ማቴ. 10፡26 ዝብል ኣምላኻዊ ቓል መሠረት ብምግባር ምድራዊ ንጉሥነት ገዲፉ ሰማያዊ መንግሥቲ መረጸ። ካብ ሃገሩ ሮማ ናብቲ ኣባ ጳኵሚስ ዝርከበሉ ዓቢይ ገዳም “ዳውናስ” ዝተባህለ ኸደ። ቅዱስ ኣባ ጳኵሚስ ረድኤት እግዚአብሔር ዝኃደሮ ሕፃን ምዃኑ ብመንፈስ ፈሊጡ ምስ ርኣዮ ኣዝዩ ተሓጐሰ፣ ምኽንያት መምጽኢኡ’ውን ሓተቶ።

አቡነ አረጋዊ መምጽኢኡ ንምንኵስና ምዃኑ ነገሮ። አቡነ ጳኵሚስ ከኣ “ ዝወደይ ምንኵስና ቐሊል ስለዘይኮነ ኣይትኽእሎን ኢኻ. . . ” ምስ በሎ፣  ‘ አመክረኒ ፈትነኒ’ በሎ። በዚ ተሰማሚዖም፡ አቡነ አረጋዊ ብጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ትግሃትን ተራድኦን ልዕሊ ኵሎም ፈለስቲ ኮነ። አቡነ ጳኵሚስ ድማ ነዚ ዅሉ ትግኃቱ ርእዩ፡ ኣስኬማ ዘመላእክት ልብሰ ምንኵስና ኣልበሶ። “ ንምንኵስና ኣቦታተይ ኣባ እንጦንስን ኣባ መቃርስን ዝባረኸ እግዚአብሔር ኣስኬማኻ ይባርኽ።” ኢሉ’ውን መረቖ። ብጣዕሚ ፈታው ጽድቂ ኾይኑ ብጾምን ጸሎትን ተጊሁ የገልግል ስለዝነበረ ካብ ኵሎም መነኰሳት በሊጹ ተራእየ። በዚ ኸኣ እቶም ናይ መንፈስ ኣኅዋቱ ተደኒቖም እዝስ ብጸጋ ዓብዩና ብምባል “ ኣረጋዊ ” ኢሎም ጸውዕዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ዘሚካኤል ዝብል ስሙ  “ ኣረጋዊ ”  ብዝብል ስም ተተክአ።

ጻድቕ አቡነ አረጋዊ ምስቶም ሾሞንተ ቕዱሳን ኮይኑ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተኸስተ ሓድሽ ‘ክልኤ ባህርይ’ ዝብል ትምህርቲ ብምቅዋሙ መከራ ስለዝጸንዖ ናብ ምድረ ኣግዓዚ ተሰዲዱ መጽአ። እዞም ተስዓቱ ቅዱሳን ብሓንሳእ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ሥርዓተ ምንኵስና ንምዝርጋሕን መንፈስ ቅዱስ ነናብ ዝመርሖም ተፈላለዩ። በዚ ኸኣ ንአቡነ አረጋዊ ቦታኡ ካብ ኣክሱም 70 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ምሥራቅ እትርከብ ደብረ ዳሞ ኾነት። ደብረ ዳሞ እምብዛ ነዊኅ ጎቦ ብምዃኑ ንምድያቡ ስለዘጸገሞ፡ ንኸደይቦ ናብ እግዚአብሔር ጸለየ። ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ሠላሳ ሜትሮ ዝቑመቱ ገበል ከደይቦ ተኣዚዝሉ መጽአ። አቡነ አረጋዊ ነቲ ገበል ‘ጭራኻ ኣውርዶ’ሞ ኣደይበኒ’ በሎ። እቲ ገበል ግና ነቲ ጭራኡ ኣብ ፍርቂ ጸድፊ ጥራይ በጺሑ፡ ብልሳን ሰብ ‘ኣንታ ፈላሲ፡ ኣብዚ እምባ እዚ ብዘይካ ዝነፍሩ ኣዕዋፍ፡ ትበልዖ እንጌራ ይኹን ትሰትዩ ማይ፡ ወይ ድማ ተጽልለሉ ዕንፀይትን ገረብን የልቦን። ብመዓልቲ ፀሓይ፡ ብለይቲ ቍርን ኣሳሓይታን እዩ፡ ናይዚ እምባ’ዚ ጥሪትን ሃብትን እዚኣቶም ጥራይ እዮም’ ክብል ተዛረቦ። አቡነ ኣረጋዊ ግን ‘ዝተኣዘዝካዮ ጥራይ ፈጽም፡ እግዚአብሔር እቲ ዝደለናዮ ኣየስእነናን’ዩ’ በሎ’ሞ ብኡ ንብኡ ጭራኡ ኣውሪዱ ኣብ መዓንጣ ኣቡነ ኣረጋዊ ብምጥምጣም፡ ብሓንሳእ ኣብ’ቲ ርእሲ እቲ ቅዱስ ደብሪ ኣደየቦ። እዚ ዅሉ እናተፈጸመ፡ ሊቐ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል እቲ ተመን ኣብ ልዕሊ አቡነ አረጋዊ ክፉእ ነገር ምእንቲ ከይፍጽምን ከየፍርሖን ብየማናይ ኢዱ ሴፍ መዚዙ ይሕልዎ ነበረ። ረድኡ ኣባ ማትያስን ካልኦት ስዓብቱን’ውን እናረኣዩ ይድነቑን ነበሩ።

ዕለት 12 ጥቅምት አቡነ አረጋዊ ኣብ ዝባን’ዚ ደብሪ ምስ በጽሐ፡ ሠለስተ ጊዜ “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ወለመንፈስ ቅዱስ” እናበለ ኣመስገነ። በዚ ኸኣ እዚ ደብሪ’ዚ፡ “ደብረ ሃሌ ሉያ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ‘ደብረ ዳሞ’ እናተባህለ ዝጽወዓሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ሃጸይ ገብረ መስቀል መደያይቦ ሠሪሑ ንአቡነ አረጋዊ ረኺቡ። ኣፍቒዱ ኣብቲ ዝባን ደብሪ ቤተ ክርስትያን ምስ ሠርሐ ፡ ንአቡነ አረጋዊ ‘እዚ መደያይቦ ከፍርሶ’ዶ ዋላስ ከም ዘለዎ ይኹን’ በሎ። አቡነ አረጋዊ ግና መደያይቦ ኪገብረሉ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ እዚ ጌርካዮ ዘሎኻ መደያይቦ “ዳህምሞ (ኣፍርሶ)” ምስ በሎ፡ በዚ “ደብረ ዳህምሞ” ይበሃል ነይሩ፡ ምስ ምንዋኅ ጊዜ ‘ደብረ ዳሞ’ ተባህለ።

አቡነ አረጋዊ ማኅበር ሓድነት መሥሪቶም፡ ብዙኃት ደቀ መዛሙርት ኣፍረዩ። ኣብ ዘመኑ ክሳዕ 659 ዝበጽሑ መናንያን ኣብዚ ደብረ ዳሞ ከምዝነበሩ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር።

ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን ተጋድሎን ጐይታናን አምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ፍርቂ ለይቲ ተራእዮም እሞ ከምዚ በሎም፤ ጸሎትካ ሰሚዐዮ አለኹ ካብዚ ከፍልሰካ(ከግዕዘካ) ካብ ድኻም ናብ ዕረፍቲ፥ ካብ ኃዘን ናብ ሓጎስ፥ ካብ ሓሳር ናብ ክብሪ፥ ከእትወካ እየ። ነዚ ሓላፊ ዓለም መኒንካ ኢኻ ኢሞ ዘይሓልፍ መንግስቲ ከዉርሰካ እየ፤ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ዘይሰምዓቶ ከምኡ’ዉን አብ ክንዲ ሃገርካ ዝመነንካ፥ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ከዉርሰካ እየ፤ ቤትካ ስለዝመነንካ ዘይሓልፍ ርስቲ ከውርሰካ ኢየ። ቅዱስ ጳዉሎስ ዝተዛረቦ ተስፋ አቦና ገና ብህይወት እንከሎዉ ተነግሮም ''አምላክ ነቶም ዚአምንዎ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ’ዉን ዘይሰመዓቶ ልቢ ዘይሓሰበቶ አዳሊሎም አሎ''። ‘ዝኽርኻ ዝዘከረ ብጸሎትካ ዝተማሕጸነ መጽሓፍ ገድልኻ ብእምነት ዝጸሓፈን ዝተርጎመን አነ አብ መጽሓፍ ሕይወት ስሙ ክጽሕፎ እየ። ብስምካ ጥሙይ ዘጽገበ ንጽሙእ ዘስተየ፥ ቤተ ክርስትያንካ ዝሃነጸ፥ ከጽግቦ፤ አብያተ ብርሃን ከውርሶ እየ’ ዝብል ቃል ኪዳን ''ምስ ሕሩያነይ ኪዳን አተኹ፤'' (መዝ. 89፡4) ከም ዝተባህለ። ከምቲ እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ዝኣትወሎም ንአቡነ አረጋዊ ድማ ኣብ ቃል ኪዳን  አተወሎም።

አቡነ አረጋዊ ኣብ 99 ዓመት ዕድመኦም 14 ጥቅምት አቡነ አረጋዊ ንኹሎም አርድእቶም ጸዊዖም እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ከም ዝአተወሎም ዝኽሮም ስሞም ንዉሉድ ወሎዶ ክሳብ ሕልፈት ዓለም ከምዝጸንሕ ሓበርዎም። ድሕሪ ሕጂ ብሥጋ አይክትርእዩንን ኢኹም፡ ብምባል ብዙሕ ናይ ምጽንናዕ ቃላት ብምሃብ ንማትያስ እገድፈልኩም አሎኹ ኢሎም ናብ ባዓቶም ድሕሪ ምምላስ ናብ ንቡር ጸሎቶም ምጽላይ አድሃቡ፤ ማትያስ ንግሆ ምስ ረአዮም ሰዓት 9፡00 ረፍዲ ምልስ እንተ በለ ብዘይካ መስቀሎምን መቖምያኦምን አይረኸቡን እግዚአብሔር ሰዊርዎም፤ ከም ሄኖክ መሪጽዎም ከም ኤልያስ ብኽብሪ ብሰረገላ ፈረስ ናብ ሰማይ ሰዊርዎም ከም ዮሓንስ አነ ክሳብ ዝመጽእ አይክትሞቱን ኢኹምኢኹም ንዝብል ቃል ወንጌል ክምረጹ በቒዖም። (ዘፍ 5፥24 2 ነገ. 2፥11 ዮሓ 21፥23)። ክሳዕ ጊዜ ምጽኣት ከይሞተ ከም ዝጸንሑ ድማ መጽሓፈ ገድሉም ይነግር።

ክሳዕ ሕጂ ኣብ ገዳሙ ብጸሎቱ ዝወፅአ ማይ ጸሎት ዝተፈላለዩ ሕማማት ይፍውስ ኣሎ። ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

ሰላም ለአዕዛኒከ ወለመላትሒከ ዕቤ።

 እንዘ አቀርብ ስብሐተ ወአደምፅ ቀርነ ይባቤ።

 ምስለ ገብረክርስቶስ አርክከ ዘተሴሰይከ እክለ ምንዳቤ።

 አዕርገኒ ሊተ አረጋዊ ኅበ ደብረ ስኂን ወከርቤ።

ወማእከለ ማኅበር ዓቢይ ሢመኒ መጋቤ።

መልክአ አቡነ አረጋዊ

 

Comments are closed.