ቀዳም ስዑር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 ቀዳም

ቀዳም ስዑር÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ሰንበት ኮይና፥ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ኩሎም ፍጥረታቱ ምስ ፈጠረ ፈጺሙ ዘዕረፈላ ክብርቲ ዕለት እያ። ናይ ጥንቲ ወይ’ውን ናይ መጀመርታ በኹሪ ናይ በዓላት ስለ ዝኾነት ከኣ ቀዳመይቲ ሰንበት ተባሂላ ትጽዋዕ።
ዘኽበራን ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝመደባን  ከኣ ባዕሉ ቅዱስ እግዚአብሔር እዩ። ብኻልእ ወገን ቀዳመይቲ ብዝበሎ ድማ ካልኣይቲ ሰንበት ንሳውን ሰንበተ ክርስትያን ቅድስት ከም ዘላ የመልክት። ድኃር ኣብ ሓዲሽ እንኾነ እቲ ናይ 5500 ዘመናት ክፍጸም ኣምላኽ ወልደ ኣምላኽ ብናይ ተወላድነት ግብሪ ስሙ ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ከም ሰብ ቀስ ብቐስ ዓበዩ፥ ኣብ መወዳእታ ንዓለም ኩሉ በጃ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ናይ ምድኃን ተግባሩ ብዕለተ ዓርቢ ምስ ፈጸመ ኣብ ሓዱሽ መቓብር ኣዕሪፉ ዝወዓለላ እውን እዛ ዕለት ማለት ቀዳሚት ሰንበት እያ። ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት ጥራይ ከኣ ቀዳም ስዑር እናተባህለት ትጽዋዕን ትኸብርን። ስዑር ዘብላ ኣብዚ ሳምንት ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ንዝተቐበሎ ስቓይን መከራን እናሓሰብና ንጾማን ብኃዘን ንውዕላን ስለ ዝኾነት እዩ። ቀዳሚት ሰንበት ኣብቲ ካልእ ጊዝያት ብደስታን ብምስጋናን ብዘይ ሙጻም ክትከብር ከላ፥ ኣብዚ ሳምንትዚ ግን ንሕማማተ መስቀሉን ሞቱን እናዘከርና ብምኅዛን ብጾምን ጸሎትን እያ እትኸብር። እዚ ከኣ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ጀሚሩ እናተተሓሓዘ ዝመጸ ቅዱስ ትውፊት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከምኡ ካብ ሓዋርያት ወገን ዝኾኑ ቅዱስ ዮሓንስን ቅዱስ ያዕቆብን’ውን ካብ ኃዘኖም ዝተላዕለ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ክብሩ ከይርኣና እኽሊ ኮነ ማይ ኣይንጥዕምን ኢሎም ብጾምን ጸሎትን ኣሕሊፎምዋ እዮም።

  ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳዕ ዓርቢ ስቕለት ብጾምን ጸሎትን ስግዳንን ዘሕለፉ ምእመናን በዚ ዕለት ኩሎም ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይእከቡ፡፡ ካህናት ኣቦታት ከኣ ከም ሥርዓቱ ናይ ነግህ ጸሎቶም የብጽሑ እሞ ድኅሪዚ «ገብረ ሰላመ በመስቀሉ፡ ብቅዱስ መስቀሉ ሰላም ገበረ፥ኣዳም ምስ ኣምላኹ ተዓረቐ።» እናበሉ፥ኣብ ዘመነ ኖኅ ርግቢ «ሐጸ ማየ ኣይኅ˝ ነትገ ማየ ደምሳሴ» ክትብል ናይ ብሥራት ምልክት ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ከም ዝተራእየት፥ ንጻድቕ ኖኅውን ከም ዝሃበቶ፥ ንሱ ድማ ተቐቢሉ፥ ማይ ኣይኂ ካብ ምድሪ ምጉዳሉን ምድራቑን ከም ዝፈለጠ ዘፍ.9-1-29፥
እዞም ናይዛ ርግቢ ምሳሌ ዝኾኑ ካህናት ኣቦታት’ውን ከምኡ ብናይ ክርስቶስ በጃነት ማየ ኃጢኣት፥ ማየ መርገም ጎዲሉ ጠፊኡ፥ ሞት’ውን ተወጊዱልና ክብሉ ናይ ብሥራት ምልክት ሰቲ ኂዞም ይርኣዩ፥ ምስ ዲያቆናቶም ደወል እንዳደወሉ ናይ ኖኅ ምሳሌ ንዝኾኑ ምእመናን ድማ ነዚ ናይ ብሥራት ምልክት ዝኾነ ስቲ ይዕድልዎም።
ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘይተረኽቡ ምእመናን ከኣ ልብሰ ተክህኖኦም ብምልባስ እናዘሩ ይዕድልዎም። እቶም ምእመናን ድማ ከምቲ ጻድቕ ኖህ ካብቶም ካህናት ኣቦታት ነቲ ዝዕድልዎም ናይ ብሥራት ምልክት ይቕበሉ። በዚውን ብናይ ክርስቶስ በጃነት ማየ ኃጢኣት፥ ማየ መርገም ምጥፍኡ ይፈልጡ።
እዚ ትንሣኤ ንምርኣይ ዓቢይ ብሥራት ስለ ዝኾኖም ከኣ ባህ ይብሎም። ንርእሱ ኣክሊለ ሦክ ደፊኡ ንዓታቶም ኣክሊለ ብርሃን ኣክሊለ ክብሪ ንዝደፍኣሎም ምስክር ከኣ ኣብ ኣራእሶም ይኣስርዎ። ኣብ ዕፅ ሕይወት ዕፅ መድኃኒት ዕፅ ሰላምን ፍቕርን ዝኾነ መስቀል ክርስቶስ ንዝዘለዎም ጽኑዕ እምነት ንምግላጽ ከኣ ብናይ መስቀል ምልክት ……ወዘተረፈ ንዝተገብረሎም ውዕለት ብዘንጸባርቕ መገዲ ዝተፈለለየ ምልክት በቲ ሰቲ ገይሮም ይሰርሑ።

ኣምላከ ቅዱሳን ክሳዕ ኣብዚ ዘብጽሓና ብረዲኤቱውን ዘይተፈለየና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ንብርሃነ ትንሣኤኡ ድማ ብሰላም የርእየናን የብጽሓናን ኣሜን።

 

                                                  ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላመ እግዚአብሔር። ኣሜን።

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

 

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

 

ዲን.ዓምደማርያም
 

 

Comments are closed.