ቀንዲ ዕላማ ጾም እንታይ'ዩⵗ

ዓርቢ ዕለት ፲፭ ኅዳር ፳፻ወ፲ ዓ. ም. (24-11-2017 ዓ. ም. ፈ.) ምእታው ሓደ ካብ ሾብዓተ ኣጽዋማት ዝኾነ ጾመ ነቢያት እዩ። እዚ ጾም ን44 መዓልታት ተጾይሙ በዓለ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለት ፳፱ (29) ታኅሣሥ ዝውዕል እዩ። ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ፡ ወታጸምም ኩሎ ፍትወታተ ዘስጋ፡ ወትሜህሮሙ ለወራዙት ጹሙና፡ ጾም ቁስሊ ናይ ነፍሲ ትፍውስ፡ድሌታት ናይ ስጋ ድማ ትገትእ፡ንመንእሰያት ከኣ ጽሞና ትምህሮም፡፡ ቅዱስ ያሬድ ካብ ዝጸሓፎ መ.ዚቅ ናይ 16 የካቲት ። ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓደ ካብ ቅንዲ ምኽንያት ሰለምንታይ ንጸውም ዝብል ኣርእስቲ ብምሓዝ ብሕጽር ዝበለ ጥቅሚ ጾም ክንርኢ ክንፍትን ኢና።

ሱር ዕላማ ናይ ጾም  ካብ መብልዕን መስተን ንዝተወሰነ መዓልታት ምዉጋን ጥራይ  ኣይኮነን። እቲ ዘዓበየ ዕላማ ናይ ጾም ኣካላትና ጽግዕተኛን ባርያን  ናይ መግብን መስተን ኮይኑ ከይተርፍ ምጥንቃቅ’ዩ።ኣብ ኣምላኽ ከይንጽጋዕ ዝኽልክለና ኵሉ ዕርዲ መንደቕ ክንፍርሶ ጻም ዓቢ መሳርሒ ኣጽዋር ክርስትና ኮይኑ ኣገልጊሉን የገልግለናን ኣሎ።ምስ ኣምላኽ ጥቡቅ ዝምድና ከይንፈጥር ዝጋሩዱናን ዝርቡሹናን ዓንቀፍቲ ተጻቡኦታት ካባና ከነርሕቆም፡ በሪ መንፈሳዉነት ክንከፍት ጾም ኣብ ዕቤት መንፈሳዉነትና ዓቢ ግደ ኣለዎ ።እቲ ምኽንያት ስጋ ፡ጻባ፡ እንቋቅሖ፡ ጡዑም መባልዕ ....... ወበዘይመስሎም  ጸገማት ወይ ሽግራት  ንኣካላትና ስለ  ዝፈጥሩልና ኣይኮነን ፡ ካብ ጥቃና ነርሕቆም ኣብ ግዝያት ጾም  ። ኣካላትና ብዘይ እዞም  ዝጠቀስናዮም ጥሉላት መግብታት ክነብር ከም ዘይንክእል እንተ ኣዊጅናሉ፡ መንጪ ሓይልናን ምርኩሳን ኣብዞም መግብታት ጥራይ ዝምርኮስ እንተ ኾይኑ ኣብ ጣኦት ነምልኽ ኣለና ማለት’ዩ።”ጾም ካብ እኽለ ማይ ምኽልካል ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝበጽሕ (ቅቡል ዝኸውን) ጾምስ ንጽሕና ልቢ እዩ። ሥጋ እናጠመየን እናጸምአን ነፍሲ ድሌታ ትገብር እንተ ኾነት፣ ልቢ ድማ በቲ ጣዕሚ ባህ እንተ በላ ናይ ጾምካ ረብሓ እንታይ እዩ፧!” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፺፰/598)” ከም ዝኾነ ፍትሓ ነግሥት ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኣሎ።

ክንደይ ሰባት ኢና ኩባያ ሻሂ ወይ ኩባያ ቡን ከይስተና ንስራሕ ፡ቤት-ትምህርቲ እንተ ወፊርና ርእስና ዝሕመና ወይ ከይተባራበርና ንዉዕል  ። ክንደይ ሰባት ነግሆ ተሲእና እኽለ ማይ እንተዘይ ለኺፍና መዓልትና ተደፊኑ ዝዉዕል ፡ ዓቅልና ጸቢብና ስልችዉቹው ዘብለና። ቡን፡ሻሂ፡ቁርሲ ..ወዘተ ኮታስ ናይ ንግሆ ቁርሲ  ንኽትነቃቃሕ ሓጋዚ ኣይኮነን፡ ዝጠቅመና ነገር የብሉን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ፡ እንታይ ደኣ ንግሆ ምድሪ ጽግዕተኛ ናይ ቡን፡ሻሂ፡ካፒቺኖ፡ዉዑይ መስተ ---ወዘተ ምስ ንኸዉን  ጉዙኣት ናይ መግብን መስተ ምዃና ክንዝክር ይግበኣና ።  ኣብ ትሕቲ ባርነት  መባልዕን መስተን ወዲቅና ፡ መባልዕትን ምስተን  ጣኦትና ኮይኖም  ኣለዉ ማለት’ዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ዕርደ’ዩ፡ ዝዉከሎ ኣምላኸ’ዩ፡ ንሱ በይኑ ጥራይ ኣምላኽ እናበልካ ብኣፍካ ጥራይ ምጭዳር  ተጻራሪ  እቲ ሓቅነት ዝለኻዮ መድረኽ’ዩ ። እቲ ሓቅነት ንስኻ/ኺ  ግዙእ ናይ መግብን መስተን እምበር ባርያ  ናይ ኣምላኽ ከም ዘየለኻ ምዝኽኻር ኣገድሲ’ዩ። እምበር  ጾምን ጸሎትን ነዚ ከዉሒ መንደቀ ጽግዕተኛነት  መግብን መስተን ዝፈርስ መንፈሳዊ መሳርሒ’ዩ። ጾም ብፍቃድካ ካብ መግብን መስተን ምሕራም ፡ ምስ ፈጣሪኻ ጽኑዕ ርክብ ንኽትሃንጽ ዝሕግዚ መንፈሳዊ ኣጻዋር’ዩ።“ወመፍቅደ ሕግሰ በጾም ከመ ትድክም ኀይለ ፍትወት ወትትአዘዝ ለነፍስ ነባቢት። ሕጊ ንጾም ዘኽበሮ ኃይሊ ፍትወት (ሥጋ) ደኺማ ንነባቢት ነፍሲ ንኽትግዛእ እዩ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፸፫/573)።

ቀንዲ ዕላማ ጾም ንስጋ(ኣካላትና) ምቅጻዕ ፡ ምምሳን ኣይኮነን። ወይ ኣምላኽ ክንጠሚ፡ ክንጸምእ ስለ ዝሕጉሶ ኣይኮናን ንኣካላትና ብጾም ንቀጽዕ ። ኣምላኽ ኣብ ከርስና እንታይ ዓይነት መግቢ ነቀምጥ ፡ ወይ እንታይ ዓይነት መስተ ሰቲና ዝገድሶ ኣይኮንን። ከምዚ ክብል ከለኹ እቲ ንሱ ዝፈቀዶ ዝብላዕን ዘይብላዕን ኣብ ዘሌዋዉያን(11) ወይ ቤተ-ክርስቲያን ብመንፈሳዊ ቆነና ተመሪሓ ዝሓገገቶም ዝብሉዕን ዝስተዩን ማለተ’የ። “ወኢይትበላዕ ቦሙ እንስሳ ዘይወፅእ እምኔሁ ደም ወኢ ዘውእቱ እምእንስሳት። በዚኣቶም (ኣጽዋማት) ደም ዝወፅእ እንስሳን ካብ እንስሳታት ዝርከብን ኣይብላዕልን እዩ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፷፭/565)። “ወኢይብልዑ ቦሙ ሥጋ ዘእንበለ ዓሣ። በዞም ኣጽዋማት እዚኣቶም ሥጋ፣ ዓሣ’ውን ከይተረፈ ኣይብልዑ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፸፪/572)።ዕላማ ጾም ኣካላትና ንኣእምሮን ከም ዝቋጻጸሮ መግባር’ዩ። ንግሆ ክንትስእ ከለና ኣእምሮና ኩባያ ሻሂ ወይ ኩባያ ቡን ክእዝዝ ከሎ ፡ ኣካላትና ንኣእምሮና ምስ ተቋጻጸሮ ግና ያእ ኣይፋለይን ቅድም እባ ደኣ ናይ ንግሆ ጸሎትን ምንባብ መዓልታዊ መጽሐፍ ቅዱስ  ከቀደም ክብል ይጅምር። ቅድም ዝኾነ ነገር ኣዒንትና ሓቢሰና ካብ ዓራትና ብድድ ምስ በልና፡ ቅድሚ ኣካላትና  ምሕጻብና፡ ኣስናና ምምዋጽና  ኣእምሮናን፡ሕሳብና ብቃል ኣምላኽ ክንሓጽቦ፡ ምስ ፈጣሪና ክራኽብ ዝበል መንፈስ ኽዓስለና ጾም እቲ ዝበለጸ ዕጥቅና’ዩ።

ኣብ ግዜ ጾም ካብ ጥሉላት መግብታት ክንሕረም ቤተ-ክርስቲያን ትእዝዘና ።ጻባ ምስታይና ሓጥያት ስለ ዝኾነ ኣይኮነን  ፡ ሥጋ መብላዕናዉን ሓጢያት ሰለ ዝግዝምና ኣይኮነን፡ ወይ በቲ ካብኡ ንረኽቦ ጣዕምን ምቀረን ትሕዝቶን ምዝናይና ንመንፈሳዊ ጉዕዞና ዝዕንቅፍ ሰለ ዝፈጥረልና ኣይኮነን ። እቲ ቀንዲ ጸገምን ሽግርን  ግዙኣትን ባሮትን ናቶም ምዃን’ዩ። እዚ ዓይነት መግዛእቲ ድማ  ብጾም ጸሎት ጥራይ’ዩ ክእለ ዝኽእል። ሰለዝያ ቤተ-ክርስቲይና ሸዉዓተ ናይ ኣዋጅ ጾም ኣዉጃ ንዓና ደቃ ወትሩ ንበረኸት ክኾነና ብጾምን ጸሎት ክንሕጸር ደወላ ትቃጭለልና። ንኣብነት ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ንምጥቃስ ዝኣክል  ቅዱስ ጳዉሎስ ንስብ ቆሮጦስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ እንተ ተወኪስና(1ቆሮ10፡26-30) ዘዓባ ንኣጋንንቲ ዘተሰወዓ ስጋ ከይበልዑ ኣጠንቂቁ ኣሎ። ሰለምንታይ ኵሉ ስጋ ሓደ እንድዩ ንመስዋዕቲ ኣጋንንቲ ይኹን ዋላ ንመብልዕ ዝቀረብ ስጋ ፍልልይ የብሉን ፡ ዝብል ሕቶ ኣብ ሕልናና  ክቅልቀል  ይኽእል’ዩ ። እቲ መልሲ ብንጽሩ ተጻሒፍና ኣሎ ። ንኣጋንንቲ ዘተሰዉዓ እንት በሊዕና ፡ ነቶም ንኣጋንንቲ(ጣኦት) ዝምልኹ ሰባት እቲ ዝምልኽዎ ጣኦት ቅኑዕ ከም ዘሎ ነተባብዖም፡ ነቲ ንሶም ዝምልኽዎ ጣኦት ብዘይምኹናን ብኣምላኽዕ ምስኦም ንሰመር  ሰለ ዘለና ብዘይርድኢት ምስኦም ንሓብር። ንኣማልኽቶም ብዘይፍላጥ  ደገፍና ንገልጸሎም ። ነቲ ቤት-መቅደስ ዝኾነ ኣካላትና፡ ነቲ ንመስዋዕቲ ኣጋንንቲ ዝተዳለዉ ስጋ ምብላዕናን ፡ በቲ ዝበላዕናዮ መግቢ  ባህታን ሓጎስን ኣብ ካላትና ምኽሳቱ ነቲ ቤት-መቅደስ ዘተሰምየ ኣካላትና ንጣኦት ኣሕሊፍና ንህቦ ከም ዘለና ምዝኽኻር የድሊ።

ኣብ ወቅቲ ጾም ካብ መግብን መስተን ንዝተወሰ ሰዓታት ሰለዝተኣለና ብጽድቂ ዝዓንበብና ኮይኑ ይስመዓና። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ብዙኃ ኣጋጣሚታት እንጌራን ማይን ከይለኽፋን ንዉዕለሉ ኣሎ ፡ ንኣብነት ብስእነት ፡ ብጻዕቂ ስራሕ፡ ብሕርቃን፡ ብሕማማ... ወዘተ መግቢ ሰለ ዘይጠዓምና ጼምና ዉዒልና ክንብል ኣይንኽእል። ብቁጽሪ ዉሓዳት ዘይኮና ሰባት ስራሕና ከም  ኣምላኽ ንጥምቶ ኣይንሰኣንን። ስራሕና ገንዘብ ሰለ ዝመንጭወልና በዘይ ስራሕና ንነብር ኮይኑ ዘይስመዓና፡ ስራሕና ወይ ሞት ዝብል ኣርማ ተወጢሕና ንነብር ኣለና።፡ ስራሓና ከም  ጣኣት ነምልኾን ነኽብሮን ማእለያ የብልና። ቀለም ዝጸገብና ምስ ነኸዉን ኣብ ዓለማዊ ፍልጠት ጥራይ ተሞርኪስና  ህላወ ኣምላከ ቅዱስን ርሲዕና  ናብራና ንመርሐዉን ኣለና።ዝደለባዮ ትምህርትና ከም ጣዖት ኮይኑ ዝገልግለና ንመንፈሳዊ ሕይወትና ግና ብሸለልትና እንርእዮዉን ኣይንሰኣንን ። እቶም ዝተመርዓናዉን ብዘይ ሰብይትና ወይ ሰብኣይና ንሓንቲ መዓልቲ ክንሓድር ዘይንኽእል ፡ በይንና ብዘይ ካልኣይና ክንሓድር ዓለም ዝተገምጠል ኮይኑ ዝስመዓና ሰባት ብዙሓት ኣለና ። ከይሓፈርናን ከይሓነኽናን በዘይ ሰበይተይ ወይ ሰብኣየይ መሬት ከዉግሓ ኣይክእል ክንብል ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንስማዓ ኢና ። ሰበይትና ወይ ሰብይና ጣዖት ምዃኑ ኣፍና ከፊትና  ባዕላና ንምስክር።

ጾም ካብ ነዞም ክንጠቅሶም ዝጸናሕና መንፈሳዊ ማሕንቆታት ንእዚግአብሔር ኣምላኽና ከይነምልኾ ፡ ሓሊኾም ዘዉዱቁና ፡ ትዉክልትና ፡ ሓይለና፡መርኩስና እንበልና ኣብ ትሕቲ ግዝኣቶም ኢድና ከይንህብ  ፡ ኣብ  ትሕቲ ባርነቶም ተቆሪና ከይነጽልል ዝከላኸለልና መንፈሳዊ ኣጽዋር’ዩ። እዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር ካብቲ ትሕቲ ባርነት ድያብሎስ ከም ንናገፍ ይገብረና። ጸላኢ ሰናይት ሕብሩ ከም ነፋሒቶ እናቀያየረ ሓንሳብ ኣብ ብሽፋን መግብን መስተን ይሳቅየና ፡ እኒ ሓንሰብ ግዙኣት ናይ ስድራ-ቤትና ፡ሓንሳብ ጉዙኣት ናይ የዕሩኽትና፡ ካብዚ ብዘይ ፍለዉን ናይ ኤሎትርኒክስ መሳርሒ ግዙኣት ከም እኒ በዓል  ሞባይ፡ ኤንተርነት፡ ገጽ-መጽሐፍ( ፈይስቡክ)፡ ...ወዘይመስሎም ይግበርና ።ንምጥቅላል ፡ እምበር ጾም ካብ ባርነት ከይተረደኣና ከም ጣኦት ነምልኾም ነገራት ፡ ካብ መግዛእቲ ኣብ  መዓልታዊ መነባብሮና ንጥቀመሎም መሳርሒታት፡ ካብ ኣርዑት እንምገቦም መግብታት ፡ዘናግፈና እቲ ዝበለጸ መንፈሳዊ ዕጥቂ ናይ ክርስቲያን’ዩ። ብሰላም ናብ ብርሃነ ልደቱ የብጽሐና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክብሩ

ሓፍትኹም ራህዋ ተስፋይ

Comments are closed.