ስያሜታት ዓብይ ጾም

1,ዓብይ ጾም፦ ዓብይ ጾም መበሊኡ ምኽንያት፣ ምናልባት፡ ካልኦት ኣጽዋማት ካብ ቅዱሳን ዝተቀበልናዮም ክኾኑ እንከለው እዚ ጾም እዚ ግን ካብ ባዕሉ፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቀበልናዮ ብምዃኑ፡  ከምኡ ድማ ብዓቢኡ ዲያብሎስ ዝተሳዕረሉ ስለ ዝኾነ በዚ ዓብዪ ጾም ይብሃል።

2.ጾም 40 ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ 40 መዓልትን 40 ለይትን ስለዝጾሞን በዚ ምኽንያት ጾም 40 ይብሃል

3,ጾመ ሁዳዴ ይብሃል፦ ሁዳድ ማለት ናይ መንግሥቲ መሬት፡ ናይ መንግሥት ርስት ማለት እዩ። ናይ መንግሥት ሁዳድ፣ ኣብ ዝሓረሰሉ ግዜን፣ ኣዝመራ ኣብ ዝሕፈሰሉ ግዜን፣ ኩሉ ዓብዩን ንእሽቶኡን፡ ናይ መንግሥቲ ኣባል ዝኾነ ተዓጢቁ ከም ዝሠርሕ፡ ንሕና ድማ ብወልድ ዉሉዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ስለ ዝኾና ኵላትና ካህናት ምእመንና፡ ሰብኣይና ሰበይትና፡ ዓቢና ንእሽቶና ክንጸውም ይግባኣና ከምይ’ሲ ነፍሲወከፍና ኣባል ክርስቶስ ስለ ዝኾነ። በዚ ድማ ጾመ ሁዳዴ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

4,ጾመ ካሕሳ፦ ኣዳምን ሄዋንን ብምኽንያት መብልዕ እዮም፣ ካብ ገነት ዝተሰጉን ንገነት ዝሰኣኑን፡ ብሰንኪ ሕግን ትእዛዝን እግዚኣብሔር ብዘይ ምእዛዞም፣ ንሞትን ንውርደትን ተፈሪዶም፣ ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቖም፡ በእግረ ኣጋንንት ተረጊጾም ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ ወዲ ሰብ ንኣዳም ንምድኃን ፈጣሪ እንክነሱ ምስ ናይ ፍጡር ሥጋ ተወሓሓደ፡ ዘይጸምእ እንክነሱ ጸማእኩ በለ፡ ዘይጠሚ እንክነሱ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ምስ ጾመ ጠመየ፡ በዚ ኩሉ እዚ ድማ, /እግዚአብሔር ወልድ/ ንኣዳምን ንደቂ ኣዳምን (ካሕሳ) ኮነና። በዚ ድማ ጾመ ካሕሳ ተባሂሉ ይጽዋዕ። 

5,ናይ ዓወት ጾም፦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ብቀጥታ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኢዩ ዘምርሐ። ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ብምጻሙ ብመብልዕ ንኣዳምን ንሄዋንን ንዝሰዓሮም ድያብሎስ፣ ብሠለስተ ኣርእስተ ሓጣውእ ጐይታ ንድያብሎስ (ብዓወት) ሰዓሮ። እዚ ድማ ጾመ ዓወት የብሎ።

6,ናይ መሳጋገሪ ጾም፦ ሊቀ ነብያት ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና፡ ኣርበዓ/40/ መዓልትን ኣርበዓ/40/ መዓልትን ጾይሙ፡ ካብ ሕገ ልቦና ናብ ሕገ ኦሪት፣ ከም ዝሳጋገሮም ከም’ኡ ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ጾይሙ፣ ካብ ሕገ ኦሪት ናብ ሕገ ወንጌል፡ ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓዲሽ ኪዳን (ኣሳጋገረና) ክብርን ምስጋናን ንእግዚአብሔር ኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን።

7,ጾመ ኣስተምህሮ፦ ኩላትና ከም እንፈልጦ ጐይታና ኣምላክናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸሉ ሓደ ምክንያት ንዓና ኣርኣያ ንምዃን ንምስትምሃርን እዩ ነዚ’ዩ ሓዋርያ ጴጥሮስ /1ይ ጴጥ2፡21/ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያ’ውን ሓደጉልኩም። ክብል ዝጸሓፈልና። ስለዚ ንሕና ድማ ኣርኣያ ክርስቶስ ተጠቂምና ካብ ጾሙ ኽንምሃር ይግባእ።

8,ጾም ናይ ሥራሕ ኵሉ መጀመርታ እዩ፦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ, ቅድሚ ስብከቱን; ተኣምራት ምግባሩን; ትንቢት ምንባዩን; ቅድሚ ኩሉ እዚ; ጾም ኢዩ ኣቀዲሙ።  እዚ ድማ ንዓና ንምስትምሃር እዩ:: ሓደ ኣማኒ ድማ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምጅማሩ ክጸምውም ከምዘለዎ ኢዩ፡ ዘስተምህረና። ንኣብነት ሓደ ዲያቆን ክህነት ክወስድ እንድሕሪ ደኣ ሓሲቡ ቅድሚ ሲመቱ ብዓበይቲ ኣቦታቱ ተመሪቁ ሱባዔ ክኣቱን ክጸውምን ይግባእ።

ህዝበ ክርስቲያን ንሕና̕ኸ እንታይ እዩ መልስና᎒ ነብስና ኩላትና ንመርምርን ንፈትሽን። ነቲ ዝጎደለና ክንምልእ ነቲ ዘለና ጽቡቅ ተግባራት ከነጽንዕ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓግዘና። ኣብ እዋን ጾምና ንእግዚአብሔር ደስ ዘብል ተግባራት ሥራሕ ጽድቂ ክንሠርሕ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብምሕረቱን ለውሃቱን ይደግፈና። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ  ዝበሃሉ እምበኣር 

  1. ስስዐ፣ ዘይተዋህበካ ምድላይ ኢዩ።
  2. ትዕቢት፣ኣምላኽነት ምድላይ ኢዩ።
  3. ፍቕሪገንዘብ፣ ይኣኽለኒ ዘይምባል ኢዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር

ኣዳላዊ፥ ዘኬዎስ

Comments are closed.