ስንክሳር - ዘአቡነ አረጋዊ (ጥቅምቲ 14)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  አሐዱ አምላክ ኣሜን!

ወበዛቲ ዕለት ኮነ ተዝካሩ ለዐቢይ ወክቡር አቡነ አረጋዊ ዘይሰመይ ዘሚካኤል።

በዛ ዕለት ዓብዪን ክቡርን ኣቦና ኣረጋዊ ዘሚካኤል ዝብሃል ተዝካሩ እዩ።

፩. እዚ ካብ እንጦንስ፣  መቃርስ፣  ካብ ጳኵሚስ ናይ ምንኰስና  ወይ መንፈሳዊ ሓረግ ራብዓይ ትውልዲ ዝኾነ ናይ ኣባ ዘሚካኤል  (ኣረጋዊ ) ኣመጻጽኡ ከምዚ እዩ።

፪. ዳግማይ እዚ ናይ እግዚአብሔር  ኣገልጋሊ ናይ ትውልዱ ነገር ከምዚ እዩ። ኣቡኡ ካብ ናይ ሮም ነገሥታት ወገን ዝኾነ ስሙ ይስሓቕ ዝብሃል ክኸውን ከሎ ናይ ኣዲኡ ሽም እድና ይብሃል። ክልቲኦም ሓቀኛታትን እሙናትን ንእግዚአብሔር ዝፈርሑን ዘኽብሩን ነበሩ።

፫. ናይ መጀመርያ ጥበብ እግዚአብሔር ምፍራሕ ፣ሕገ ኦሪት ፣ ትምህርቲ ነብያትን ፣ ቅዱሳን መጽሕፍትን እናምሃሩ ኣዕበይዎ። ንሱ እውን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እናጸንዐን እናበርትዐን ከደ ። ዕለት ዕለት ንጉሆን ምሸትን ናብ ቤተ ክርስትያን እናኸደ ጸሎት ካብ ምጽላይ ኣየቋርጽን ነይሩ።

፬. ሰበይቲ ከሕጽይዎ  ደልዮም ናይ ዓበይቲ ነገሥታት ወገን ዝኾነት ሰበይቲ ሓጸይሉ ንሱ ግን ብመንፈስ ቅዱስ ስለዝተሐንጸ ፈጺሙ እምቢ በለ።

፭. ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ኣቦና ዘሚካኤል (ኣረጋዊ) ካብ ሮም ናብ ጽርዒ ወይ ግሪኽ ሃገር ዓብዪ ናይ መንፈሳዊ ማኅበር ዝመሥረተ ኣቦ ኵሎም መነኰሳት ኣባ ጳኵሚስ ዝነበረላ ደውናስ ናብ ትብሃል ገዳም ከደ።

፮. ካብቲ ናይቲ ገዳም መነኰሳት ሓደ ረኸቦ’ሞ ወደይ ካበይ ዝመጻእኽ ኢኻ ንስኻ ገና ሕፃን ምዃንካ ይርኢ ኣለኹ በሎ።

፯. ንሱ ዝመጻእኽሉ ካብ ሮም እዩ። ካብ ኣባ ጳኵሚስ ዝደልዮ ነገር ኣሎ በሎ።

፰. ነገሩ ምስ ሰምዐ ናብ ኣባ ጳኵሚስ ብሰላሕታ ኣእተዎ።

፱. ኣባ ጳኵሚስ ምስ ረኣዮ ካብ መንበሩ ተንሢኡ ብፍጹም ፍቕሪ ሓቊፉ ሰዓሞ። ጸጋ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኡ ሕዱር እዩ።

፲. ቀጺሉ ስለ እንታይ ጉዳይ መጻኻ በሎ?

፲፩. ንሱ እውን ከማኻ ከም ኣቦይ መነኰስ  ክኸውን መጺአ በሎ።

፲፪. ኣንታ ወደይ ንስኻ ወዲ ንጉሥ ከም ምዃንካ መጠን ናይ መንግሥቱ ወራሲ ኢኻ’ሞ መምኵስካ ምንባር ይክኣለካ ዶ በሎ።

፲፫. ኦ ኣቦይ ናይ ምድሪ መንግሥቲ  ኃላፊ  ጠፋኢ እዩ። ነገር ግን ዘይትሓልፍን ዘይትጠፍእን ዘለዓለማዊት መንግሥቲ ክወርስ ይደሊ  ኣለኹ በሎ።

፲፬. ኣባ ጳኵሚስ ከኣ ናይ ምንኵስና ሥራሕ ቀሊል ከይመስለካ ናባይ ዝመጹ ብዙሓት ምዕጋስ ተሳኢንዎም ተሰናኺሎም እዮም።

፲፭. ኣባ ዘሚካኤል ከኣ ንኣባ ጳኵሚስ  ኦ ኣቦይ ፈተና ፈትነኒ። ሥርሐይ ርኢኻ  ተረዳእ ወይ ረአ በሎ።

፲፮. ኣባ ጳኵሚስ ከኣ ንስኻ ንርእስኻ ብርእስኻ ፈትን በሎ። ንሱ እሺ ጽቡቕ ኢሉ ምስቶም ኣብቲ ገዳም ዘለው መነኮሳት ንውሑድ መዓልቲ ንፈተና ተቐመጠ።

፲፯. ኣቐዲምና ከምዝተናገርናዮ ናይ ኣባ ዘሚካኤልን ናብ ኣባ ጳኵሚስ  ናይ ምኻዱ ነገርን ስለ ምንኵስና ዝሓተቶ ቃለ መሕትት ክነብራርህ ይግባእ።

፲፰. ኦ ወደይ እስኪ ቅሩብ ተፈተን መጽሓፍ ንእግዚአብሔር ተገዛኢ ወይ ኣገልጋሊ ንምዃን ኣብ ዝፈቀድካሉ ጊዜ ኣቀዲምካ ነፍስኻ መርምር ሰብነትካ ንሕማምን ሽግርን ኣዳሉ ይብል እዩ እሞ ዳግማይ  ወርቂ ብሓዊ እንተዘይተፈቲኑ ወርቅነቱ ስለዘይፍለጥ ሰብ እውን ሕቅነቱ፣ ጥንካሬኡ ዝልካዕ ዝበጽሖ ፀዋዕ መከራ ተዓጊሱ ፈተንኡ እንተሓሊፉ እዩ በሎ።

፲፱. ቅዱስ ኣቦና ዘሚካኤል እውን ቅዱሳን ዝፈጸምዎ ተጋድሎ ዘለዎም  መንፈሳዊ ትግሃት ተመልኪቱ፣ ንምንኵስና ዘብቅዑ ዘድልዩ  ሥርዓተ ትምህርቲ ኵሉ ብፍጹም ልቦናኡ ተገንዘበ፣ ተምሃረ፣ ፈለጠ፣ ተረድአ ብምእማን ተቀበለ።

፳. ኣባ ጳኵሚስ ከኣ ስለ ኣብ ሃይማኖቱ ዘለዎ ጽንዓት፣ ስለ ጠባዩ፣ ስለ ቅንዕናኡ ኣዝዩ ፈተዎ።

አርኬ (ሰላምታ)

ሰላም ለዘሚካኤል ዘተሰምየ አረጋዌ።

እስመ ሑረቱ በጥበብ ወፍናዊሁ ልባዌ።

ምስሌሁ ኅቡረ ዘበአሐዱ ህላዌ።

ሰላም ለቅዱሳን ዘተሰነዓው ስንዓዌ።

ከመ በጸሎት ይሥዓሩ ሥርዓቶ ለአርዌ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

በረኸት ናይ ኣቡነ አረጋዊ የካፍለና ።

Comments are closed.