ሰኑይ ÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣንጽሖተ ቤተ መቅደስ

በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላኽ አሜን።

ናይዚ ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙነ ሕማማት ዘሎ ዕለታት ስያሜን ኣብኣቶም ዝተገብረ ፍጻሜታትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቀጺልና ከምዚ ዝስዕብ ንመልከት÷፡

  ሰኑይ ÷ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣንጽሖተ ቤተ መቅደስ ፡  ከምኡውን ርግመተ በለስ ዝተፈጸመላ ዕለት እያ ማቴ.21፥18-19። ማር.11፥11፣-1.14። ማቴ.21፥20-22። ማር. 11.20-24፡፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለተ ሆሣዕና ኣብ ቢታንያ ሓዲሩ ንጽባሒቱ ንቢታንያ ሓዲጎም ክወጽኡ ኸለው ጠመየ። "ወበሳኒታ ወፂኦ እምቢታንያ ርኅበ ወርእየ በለሰ እምርኁቅ ወባቲ ቈጽለ ወሖረ ይርአይ እመቦ ዘይረክብ ፍሬ በውስቴታ ወበጺሖ ኀቤሃ አልቦ ዘረከበ ዘእንበለ ቈጽል ባሕቲቱ እስመ ኢኮነ ጊዜሁ ለበለስ።"ይብል።
ብርሑቕ ድማ ቆጻል በለስ ረኣየ፥ ምናልባሽ ፍረ እንተረኸበላ ኺርኢ ናብኣ ኸደ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተዋሃሃዶ ሥጋ ምኽንያት ክህብ ስለ ዝደለየ እዩ እምበር ገና ናብኡ ቅድሚ ምኻዱ ኣቐዲሙ ንሳ ፍረ ከም ዘይብላ ዘይፈልጥ ኮይኑ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን ምናልባሽ ፍረ እንተረኸበላ ኺርኢ ናብኣ ኸደ ዝበሎ። ኣብኣ ምስ በጽሐ ከኣ ጊዜ በለስ ስለ ዘይነበረ፥ ብዘይካ ቆጽሊ ገለ እኳ ኣይረኸበላን።   ማር.11፤12-13። ሽዑ"ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ።"ኢሉ ረገማ። እታ ኦም በለስ ከኣ ሽዑ ንሽዑ ነቐጸት ማቴ.21፥19።
 
      ናይዚ ምሳሌ መንፈሳዊ ትርጉም ድማ÷

በለስ ናይ  ቤተ እስራኤል፥ቆጽልን ፍሬን ከኣ ናይ ሃይማትን ምግባርን ምሳሌ እዩ። ኢሳ.5፥1-7። ሉቃ.13፥6-9፡፡ እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታናን ምእንቲ ድኅነትናን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ብሓጺር ቁመት ኣብ ጸቢብ ደረት ብፍቓዱ ኣብ ማሕፀን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሲኑ፥ ካብኣ ብዝወሰዶ ነፍስን ሥጋን ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ተገሊጹ፣ ከኣ ወንጌል መንግሥቱ እናመሃረ ከሎ ፍቕርን ጽድቅን ሰባት ጠመየ፥ ንቤተ እስራኤል ከኣ ኣብዛ ዓለም ረኸበ። ሽዑ ፍቕሪን ምግባረ ጽድቅን ደልዩ ናብ ቤተ እስራኤል መጸ፥ እንተኾነ እስራኤል ምባል ጥራይ እምበር ፍረ ጽድቂ ኣይረኸበላን፥ ደጊም ካባኺ ፍረ ኣይረኸብ ኢሉ ድማ ረገማ። ሽዑ ንሽዑ ነቐጸት ማለት ኣብ ዘይምፍራይ ጸንዐት።

ከምኡውን በለስ ዝበላ ኃጢአት እያ። በለስ ቆጽሉ ሰፊሕ ከም ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታናን ምእንቲ ድኅነትናን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ብሓጺር ቁመት ኣብ ጸቢብ ደረት ብፍቓዱ ኣብ ማሕፀን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሲኑ፥ካብ ብዝወሰዶ ነፍስን ሥጋን ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም እንተ ተገልጸ፥ ኃጢአት ኣብዚ ዓለም ሰፊሓ ሰልጢና ረኸባ፡፡ ፍረ በለስ ክትበልዖ ንጊዚኡ ጥዑም እዩ፥ ዳኅራይ ግና ይጉምድድ እዩ፥ ኃጢአት ድማ ንጊዚኡ ክትፍጽሞ ደስ የብል፡ዳኅራይ ግና ዘጣዕስ እዩ።

ናብኣ ከደ ማለት ምስ ኃጥአን ይበልዕ ይሰቲ ምሳኣቶምውን ይኸይድ እናበሉ ይወቕስዎ ይኸስዎ ከም ዝነበሩ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓታቶም ኃጥአን ኢኹም ኢሉ ከይተጸየፈ ምስኣቶም ንምውዓሉ ዘመልክት እዩ። ኃጥእ ደኣ ተባህለ እምበር ፈጺሙ ኃጢአት ዘምግባሩ ንምርኣይ ከኣ ፍረ ኣይረኸበላን በለ። ደጊም ካባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይረኸብ ማለት ብኣኺ ብኃጢአት ተታሒዙ ኩኑን ኮይኑ ዝተርፍ ሰብ ኣይረኸብ ንምባሉ ዘርኢ እዩ፡፡ምስ ተረግመት ሽዑ ንሽዑ ነቐጸት ማለት ከኣ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ"ብመንጽር ኦም በለስ  ንኃጢአት ረገማ"ኢሉ ተርጉምዎ ከም ዘሎ፥ኣብ ልዕሊ ኣዳም ሰልጢና ዝረኸባ ኃጢኣት ሽዑ ንሽዑ ብእኡ ብክርስቶስ ምጥፋኣ ዘመልክት እዩ። ስለዚ እዛ ዕለት ነዚ ዝመስል ዓቢይ መልእኽትን ፍጻሜን ዘለዋ ክብርቲ እያ።  

ብምቕጻል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቤተ መቅደሰ እዩ ከይዱ፡፡ እንተ ኣተወ ከኣ እቲ ቤተ መቅደሱ ቤተ ጸሎት፣ ቤተ መሥዋዕት ምዃኑ ተሪፉ ነዚ ዘንጊዖም ብድፍረት ናይ ንግዲ፥ቤተ መሸጣን ጓሓሉን ጌሮምዋ ጸንሕዎ። ሽዑ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ "ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ትሰመይ" ቤተይ ንኹሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ።" ዚብል ጽሑፍዶ የልቦን፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጓሓሉት ገበርኩምዎ። "ኢሉ ምሃሮም ንኹሉ እቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቅደሱ ክኣቱን ክግበርን ዘይግባእውን ካብኡ ኣርሓቖ ማር. 11፤17-19።,ማቴ፣21፥12-13። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም እንተ መጸ፥ነቶም  ነቲ ህንጻ ቤተ መቕደሱ ቤተ ጸሎት፣ ቤተ መሥዋዕት ምዃኑ ዘንጊዖም ብድፍረት ናይ ንግዲ፥ ቤተ መሸጣን ጓሓሉን ጌሮምዋ ዝጸንሕዎ ካብኡ ምእላዩን ምርሓቑን ዝገልጽ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ መሕደሪ መቕደሱ ዝኾኑ ኣዳምን ዘርኡን መቕደስ ሰብነቶም ኃጢኣት ሰልጢኑዎ ረኺሶም ረኸቦም እሞ ንኃጢኣቶም ኩሉ ኣርሒቑ ብበጀነቱ ናይ ዘንጽሆምን ነጻ ናይ ዘውጽኦምን ዘርኢ ቃልውን እዩ። ኣንጽሖተ ቤተ መቕደስ ዝተፈጸመላ ማለት እምበኣር እዚ እዩ።

እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻዕር ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሓነ ያብጽሕክሙ እግዚአብሔር በሰላም።

 ዕለተ ሠሉስ ናይ ሕቶ መዓልቲ

ይቕጽል…

 

Comments are closed.