ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን::

ምስባክ

አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዐ ቃሎም፣

ውስተ ኵሉ ምድር ወጽአ ነገሮም፣

ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም።

 መዝ.18-4 (19-4)

2ይጢሞ.4፣1። 2ይጴጥ. 1፣1-19። ግ.ሓዋ.23-10። ሉቃ. 6-1-20።

ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ ዝጥቀሱ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን እዮም። << ንሥጋኹም ዝቀትሉ ግና ንነፍስኩም ምቅታል ዘይክእሉ ኣይትፍርሕዎም…….>>  ዝብል ናይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል መምርሒ ብምግባር ንቤተክርስቲያን ኩሉ ጌሮም፣ ኩሉ ኮይኖም ናይ ሰማእትነት ጽዋእ ተቀቢሎም እዮም።

ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ኣእማድ እዮም። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ከኣ ዓቢ ቦታ ኣለዎም። እዚ ከኣ ዝኾነ ንቤተክርስቲያና ኣብ ቤተክርስቲያናን ዝፈጸምዎ ኣገልግሎትን ዝተቀበልዎ ሰማእትነትን እዩ። ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከኣ እቲ ኣብነታዊ ዝኽሪ ታሪኾም ንዓና ንኣብነት ክኸወን ኣስፊሮሙልና እዮም። ታሪኾምን ፍልጠቶምን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ንዕና ከኣ ዓቢ ኣብነት እዩ።

 ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ክርስትና ሃይማኖት ንመራሕቲ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ይምጉት። ኣብ ቅድሚኦም'ውን ምስክር ይህብ  ኔሩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት << ካብ ንሰብ ንእግዚአብሔር  ምእዛዝ እዩ ዝግባእ። >> እንዳበለ ኣብ ማእከል ባይቶ ይሙጉት ኔሩ። ግ.ሓዋ.5፣29። በዚውን ብዙሕ ግዜ ይግረፍን ይእሰርን ኔሩ።  ብተመሳሳሊ'ውን ቅዱስ ጳውሎስ ዝተፈላለዩ ጸዋእተ መከራ ተቀቢሉ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እሱን ካልኦት ሓዋርያት ስለ ክርስቶስ መከራ ምቅባሎም ኪገልጽ << ብኹሉ ወገን ንጽቀጥ ግናኸ ኣይጸበናን፣ እንገብሮ ይጠፍ ኣና ግናኸ ተስፋ ኣይንቀብጽን ኢና፣ ንስጎግ ግና ድርቡያት ኣይኮንናን፣  ይደድኡና ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። ህይወት ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክትገሃድውን ኩሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣን ሥጋን ንጸውር ኣለና።>> 2ይቆረ.4፣8-10። ብተወሳኺውን << ብኹሉ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ንርኢ ኣለና እምበር ብብዙሕ ትዕግስቲ፣ ብመከራ፣ ብጭንቀት፣ብጸበባ፣ ብመውቃዕቲ፣ ብማእሰርቲ፣ ብጋሮ፣ ብጻዕሪ፣ ብምንቃሕ፣ ብጾም ብንጽህና፣ ብፍልጠት፣ ብዓቅሊ፣ ብለውሃት፣ ብቅዱስ መንፈስ፣ ተጉላባ ብዜብላ ፍቕሪ፣ ብቃል ሓቂ፣ ብሥልጣን ኣምላኽ ብጽዋር ጽድቂ በየማነ ጸጋም፣ ብኽብርን ሕስራንን፣ ብኽፋእ ወረን ጽቡቅ ወረን ከም መስሓትቲ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና። ከም ዘይተፈለጥና ግናኸ ኣጸቢቅና ፍሉጣን ኢና፣ ከም ዝሞትና እንሆ ግና ህያዋን ኢና፣ ከም ቅጹዓት ንሞት ግና ኣይተወፌናን፣ ከም ጉሁያት ግናኸ ኩሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፣ ኩሉ ኸሎናስ ሓንቲ ኸም ዜብሎም ኴንና ንርኤ ኣለና። >> 2ይቆረ.6፣4-5። 2ይቆረ.11፣22-28።

   ብሓፈሽኡ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበጽሖ መከራ ብኸምዚ መልክዕ ገሊጽዎ። እዚኦም ክልተ ሓዋርያት በዚ መልክዕ ስለ ወንጌል መከራ ድሕሪ ምቅባሎም ካብዛ ምድሪ ዝሓለፉ ብሰማእትነት እዮም። ክልቲኦም ሰማእትነት ዝሓለፉ ብዘመነ ኔሮን 5 ሓምለ,67 ዓ.ም እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ብሰማእትነት ዝዓረፈ ንቁልቁሊት ተሰቂሉ ክኸወን ከሎ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ እዩ::

ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስ ረዴኤቶምን በረከቶምን ኣማላድነቶምን ኣይፈለየና።

                                                                                                                        ወስብሓት ለእግዚአብሔር:

                                                                                                                           ወለወላዲቱ ድንግል፣

                                                                                                                           ወለመስቀሉ ክቡር።

ሰላም እብል ብርሃናተ ክልኤተ።

በዐጸደ ንጉሥ ኔሮን እለ ፈጸሙ ሩጸተ።

ጳውሎስ ወጴጥሮስ እንዘ ይጸውሩ ፀበርተ።

አሐዱ በመስቀል ተሰቅለ ቁልቁሊተ።

ወአሐዱ ተመትረ ክሳዶ ክብርተ።

ሰላም ለዝክረ ስምኩም ዘአልባስጥሮስ አፈው።

ወለሥዕርትክሙ ጸሊም ዘድላሌሁ ፍትው።

ምቱረ ክሳድ ጳውሎስ ወጴጥሮስ ቅንው።

ተራወጸ ውስተ ልብየ ምስለ መዓዛሁ ቅድው።

ቃለ ደምክሙ ሐዋርያ ዘእግሩ ከዋው።

መልክአ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

 

 

 

Comments are closed.