ሰሙነ ሕማማት

“ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ኢሳ.53፣4-7።

ብነብየ ኢሣይያስ “ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” ኢሳ.53፣4-7። “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ተባኂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ስለ ዝዀነና እዩ።

ሰሙነ ሕማማት ካብ ነግህ፣ ስድስቱ፣ ተስዓቱ ሠርክ ሌሊት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ብምሕሳብ ብተወሳኺ ብዙሓት ነገራት ምፍጻሞም ንዝክረሉ ሳምንቲ እዩ።
†ሰኑይ፣- ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርክስቶስ ኣብ ዕለት ሆሳእና ኣብ ቢታንያ ዝተባህለት ዓዲ ሓዲሩ፣ ንጽባሕታ ንግሆ ካብ ቢታንያ ኽወጹ ከለዉ ጠመየ። ማር.11፣11-25። “ ብርሑቅ ከኣ ቆጻል በለስ ረኣየ ምናልባሽ ገለ እንተረኸበላ ክርኢ ናብኣ ከደ። ናብኣ መጺኡ ከኣ ግዜ በለስ ኣይነበረን እሞ ቆጽሊ እምበር ገለ እኳ ኣይረኽበላን። መሊሱ ድማ ካባኺ ሓደ እካ ዘልዓለም ፍረ ኣይብላዕ በላ። ” በዚ መሠረት እዚኣ ዕለት ዕለተ መርገም በለስ ዝተፈጸመላ ሰኑይ ትብሃል።
ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጥብቆ ( ሊንክ) ጠውቁ ።

https://eritreantewahdo.org/?sermons=%E1%88%B0%E1%88%99%E1%8A%90-%E1%88%95%E1%88%9B%E1%88%9B%E1%89%B5-3

 

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

Comments are closed.