ሰሙነ ሕማማት

ብነብየ ኢሣይያስ “ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ ” ኢሳ.53፣4-7። “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቃይና ከኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ” ተባኂሉ ዝተነግረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዘሕለፎ መከራን ስቃይን ስጋብ ሞት በጃ ስለ ዝዀነና እዩ። 

ሰሙነ ሕማማት ካብ ነግህ፣ ስድስቱ፣ ተስዓቱ ሠርክ ሌሊት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ብምሕሳብ ብተወሳኺ ብዙሓት ነገራት ምፍጻሞም ንዝክረሉ ሳምንቲ እዩ። በብዕለቱ ከፊልና እንታይ እንታይ ከምዝተግብረ ክንርእይ ኢና።

†ሰኑይ፣- ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርክስቶስ ኣብ ዕለት ሆሳእና ኣብ ቢታንያ ዝተባህለት ዓዲ ሓዲሩ፣ ንጽባሕታ ንግሆ ካብ ቢታንያ ኽወጹ ከለዉ ጠመየ። ማር.11፣11-25። “ ብርሑቅ ከኣ ቆጻል በለስ ረኣየ ምናልባሽ ገለ እንተረኸበላ ክርኢ  ናብኣ  ከደ።  ናብኣ መጺኡ  ከኣ  ግዜ በለስ   ኣይነበረን   እሞ   ቆጽሊ እምበር ገለ እኳ ኣይረኽበላን። መሊሱ ድማ ካባኺ ሓደ እካ ዘልዓለም ፍረ  ኣይብላዕ  በላ። ”  በዚ  መሠረት እዚኣ ዕለት ዕለተ መርገም በለስ  ዝተፈጸመላ ሰኑይ ትብሃል።

ትርጉም፣-በለስ ዝተባህለት ቤት እስራኤል እያ። ፍረ ዝተባህለት ሃይማኖትን                                              ምግባርን እያ። ካብ እስራኤል ፍቅርን ሃይማኖትን  ምግባርን ደሊዩ ኣይረኸበን። እስራኤል ህዝበ እግዚአብሔር ትብሃሉ   እምበር፣ ነብይ፣   ካህናት መሥዋእቲ ካባኺ ኣይረኸብ ኢሉ ረጊምዋ። በቲ መርገም ምኽንያት ትንቢት፣ ክህነት፣   መሥዋእቲ ካብ ቤተእስራኤል ጠፊኡ።

በለስ ኃጥያት፣-  ናይ በለስ ቆጽሊ ሰፊሕ ከምዝዀነ ኩሉ ኃጥያት ኣብዚ ዓለም ሰፊሓ ረኺብዋ። በለስ ክበልዕዎ ከለዉ ምቑር እዩ፣ ጸኒሑ ግና ይመርር። ኃጥያት ክሰርሕዋ ደስ እያ ተብል ዳሕራይ ግና (ተሕዝነካ) ተጣዕሰካ ። ኣባኺ ፍረ ኣይረኸብ ማለቱ ብፍዳ ኃጥያት ተታሒዙ ዝተርፍ ኣይሃሉ ማለቱ እዩ። እታ በለስ ምስ ተረገመት ቀሊጢፋ ምድራቃ፣ ብኣዳም በደል ምኽንያት ዝተረኽበ ዕዳ  ብኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝጥፍኣልና ንምግላጽ እዩ።

ካብኡ ቀጺሉ ናብ ቤተመቅደስ ከደ። ቤት መቅደስ ቤት ጸሎት ቤተ መሥዋእቲ ምዃኑ ተሪፉ ቤተ ምሥያጥ (ቤተ ዝሸጡን ዝሻየጡን) ኮይኑ ምስ ረኸቦ። “ቤተይ  ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል ጽሑፍ ደይኮነን ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዋ ።” ማቴ.21፣13። ኢሉ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ከውጽኦም ጀመረ። ሰደቃ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። ንኹሎም ከኣ ኣውጽኦም። እዚ ዘርእየና ኣብ ማኅደር ቤቱ ዝነብርና ንሕና ደቂ ኣዳም ኃጥያት ወሪሱና ክንነበር ኃጥያትና ኩሉ ከምዘርሓቀልና ንኽገልጽ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ'ውን አንጽሖተ ቤተመቅደስ ዝፈጸመላ ሰኑይ'ውን ትብሃል እያ።

† ሠሉስ፣-

 ሰኑይ ብዝገበሮ አንጽሖተ ቤተ መቅደስ ምኽንያት፣ ሹመት ወይ ሥልጣን ንደቂ ሰባት ዝኃበ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሥልጣኑ ብጸሓፍቲ ፈሪሳውያን ተሓቲቱ እዩ። ናይ ሕቶ መዓልቲ ይብሃል።

ሕቶኦም'ውን ካብ ምድራውያን ነገሥታት፣ ካብ ሌዋውያን ካህናት ትምህርቲ ዘይኮነ፣ ተኣምራት ምግባር፣ “ በየናይ ሥልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ᎒ ወይስ እዚ ንምግባር ሥልጣን ዝኃበካ መን እዩ። ”  ዝብሉ እዮ ኔሩ። ማቴ.21፣23-27። ማር.11፣17- 35። ሉቃ.20፣1-8። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምልስ ከሎ “  ኣነ'ውን ሓንቲ ነገር  እሓተኩም ኣለኹ እሞ ንገሩኒ። ጥምቀት ዮሓንስሲ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ ᎒ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ ካብ ሰማይ እንተበልናዮ ከመይ ድኣ ዘይኣመንኩምዎ ክብለና እዩ። ካብ ሰብ እንተበልናዮ ከኣ ኩሉ ህዝቢ ዮሓንስ ነብዩ ምዃኑ ይኣምን እዩ  እሞ  ብእምኒ ኽጭፍልቀና እዩ። ኢሎም ብልቦም ይሓስቡ ስለዝነበሩ ካበይ ምዃኑ ከም ዘይፈልጡ መለስሉ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣነ'ውን  በየናይ ሥልጣን  እዚ ከምዝገብር ኣይነግረኩምን እየ በሎም። ”  ነዚ ሕቶ'ዚ ምሕታቶም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገብሮ ኩሉ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥልጣን ምዃኑ ጠፊእዎም ኰይኑ  ኣይኮነን፣ ግና ልቦም ብኽፍኣትን ምጥርጣርን ስለ ዝተመልአ ጥራሕ እዩ።

ማቴ.21፣28። 25፣48። ማር.12፣2። 12፣37። ሉቃ.20፣9። 21፣38። ዝርከቡ ትምህርቲ ኩሎም ናይ ሠሉስ ትምህርቲ ይብሃሉ። እዚ ዕለት ኣብ ቤተ መቅደስ ነዊሕ ትምህርቲ ስለዘምሃረ ናይ ትምህርቲ መዓልቲ'ውን ይበሃል እዩ። ክርስትያን ዝዀነ ኩሉ ኣብዚ ሰሙን 'ዚ ካብ ሥጋዊ ነገራት ሪሒቑ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ክመሃርን ክሓትትን ምቅናዩ መጽሓፋዊ ቅዱሳዊ ሥርዓት እዩ።

† ረቡዕ፣-

 ምክረ ኣይሁድ ይብሃል። ምኽንያቱ ሊቃነ ካህናትን ኣይሁድን ጸሓፍትን ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ጌሮም ክሕዝዎ ከም ዘለዎም ተማኺዎም ምኽሮም ዝወድእሉ ዕለት እዩ። ኣብዚ ምኽሮም ብጣዕሚ ዓቢ ጭንቀት ኔሩ። ምኽንያቱ እዋኑ በዓል ፋሲካ ዘኽብሩሉ ዕለት ብምቅራቡ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ዝተማረኹ፣ ተኣምራቱ ርእዮም ዘድንቁ ስለዝነብሩ ህውከት ንኸይፍጠር ኢሎም እዮም። ኣብዚ ጭንቀት ከለዉ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ሓደ ኣስቆርታዊ ይሁዳ ኣብ መንጉኦም ብምርካብ ናይ ምኽሮም ተሓባባሪ ብሙዃን ካብቲ ዝነብሮም   ጭንቀት ኣኅደኦም። ማቴ.26፣1-14። ማር.14፣1-2። ማር.14፣10-11። ሉቃ.22፣1-6። ናይ ሓድሽ ኪዳን ካህናትን ምእመናን ኣብዚ ዕለት ኣብ ቤተክርስትያን ተኣኪቦም ብሙሉእ ሰውነቶም ንእግዚአብሔር ብምግዛእ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞተ ፍርዲ እንዳሓሰቡ ብምብካይ፣ ሓዋርያት ድሕሪ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምትሓዙ ብፍርሓት ከም ዝነብሩ እንዳዘከሩ መጽሓፍቲ ብምንባብ ብጾምን ጸሎትን ሥግደትን ተጸሚዶም ድሕሪ ምጽናሕ ሰዓት ዓሠርተ ወክሊኤተ (ሽዱሽተ) ምስ ኰነ ነናብ ቤቶም ይኸዱ።

መዓልቲ ጥዑም መኣዛ’ውን ይብሃል እዩ። ምኽንያቱም ኣብዚ ዕለት ኣብ ቤተ ስምኦን ዘለምጽ ከሎ፣ ሙሉእ ሕይወታ ንዝሙት ኣግዚኣ ትነብር ዝነብረት ማርያም እንተ እፍረት (ማርያም በዓልቲ ሽቶ ) “ ድሕሪ ሕጂ ብኃጥያት ተብላሽዩ ዝነበረ ሕይወተይ ከምዚ ጥዑም  መኣዛ ዝጥዕም ፣ ንኃጥያተይ ይቅረ ዝብል ኣምላኽ መጺኡ።” ክትብል ዋግኡ ብጣዕሚ ክቡር ዝኾነ፣ ስጋብ ስለስተ ሚእቲ ዲናር ዘውጽእ ክቡር   ቅዱይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልአ ብልቃጥ ሒዛ ብምዃድ ኣብ እግሩ ብምፍሳስ ስለዝለኸየቶ እዩ። ረቡዕ ናይ መኣዛ መዓልቲ ዝተበኃለት።

ረቡዕ ናይ ንብዓት መዓልቲ'ውን ትብሃል እያ፣ ምኽንያቱ ማርያም በእንተ እፍረት ኣብ ትሕቲ እግሪ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተደፊኣ፣ ንኹሉ ኃጥያታ ይቕረ ክብለላ ብንብዓታ ንእግሩ ሓጺባቶ፣ ብጸጉራ'ውን ብንብዓታ ዝሓጸበቶ እግሩ ደሪዛቶ እያ። ማቴ.26፣6-13። ማር.14፣3-9። ዮሓ.12፣8። ንኃጥያትካ ዘኪርካ ምብካይን ንገዛእ ርእስኻ ዝተፈተወ መሥዋእቲ ጌርካ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምቅራብ ካብ ዘምሃረትና ማርያም እንተ እፍረት ተማሂርና ንብዓትና ንንስሓ ሕይወት ክንጥቀሙሉ ይግባእ።

   

† ሓሙስ፦

ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝተፈላለዩ ስያሜ ዘለዋ ብዙሓት ተግባራት ዝተፈጸሙላ ዕለት እያ። ጸሎተ ሓሙስ። ናይ ዓለም መድኃኒት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሥጋ ዝተዋሃደ ኣምላኽ ምዃኑ ንምግላጽን ጸላእቱ መጺኦም ስጋብ ዝሕዝዎ ክጽልይ ዝሓደረሉ እዩ’ሞ፣ ጸሎተ ሓሙስ ተባሂሉ። ማቴ.26፣36-46። ዮሓ.17።

ሕጽበተ ሓሙስ ይብሃል፣- ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዕለት ናይ ደቂ መዛሙርቱ ብፍጹም ትሕትና ትሕት ብምባል እግሮም ሓጺብዎም እዩ። እዚ ከኣ ዘርእየና ናይ ዓለም ኩሉ ኃጥያት ክሓጽብ ዝመጸ ምዃኑ እዩ። ሎሚ'ውን  ነዚ ብምዝካር'ውን ካህናት  ብፍላይ  ሊቃነጳጳሳት መነኮሳት “ ኣብ ማእከልና ተረኺብካ ናትናን ናይ  ህዝብናን ኃጥያት ሕጸብ ፣ ንሕና'ውን  ናትካ ኣብነት ኣይንርስዕን ኢና። ንሕና'ውን ናይ ካልኦት እግሪ ንሓጽብ።”  ክብሉ   ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንዝተረኽቡ ምእመናን እግሮም ብቆጽሊ ወይንን ኣውልዒን ጌሮም ይሓጽቡ። 

ናይ ምሥጢር መዓልቲ’ውን ይብሃል እዩ። ካብ ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተክርስቲያን ምሥጢረ ቁርባን   ኣብዚ ዕለት እዚ ተመሥሪቱ ። “ ኪበልዑ ከለዉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንጌራ ኣልዓለ ባሪኹ ቆሪሱ ነቶም ደቂ መዛሙርቲ ሂብዎም እዚ ሥጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እንዳበለ ሃቦም እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንሕድገት ኃጥያት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓዲሽ ኪዳን  ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ኩልኹም ስተዩ። ”  ኢሉ ሂብዎም። ማቴ.26፣26-30። ብምባል እሱ ምሳና ንሕና'ውን ምስኡ ሓደ ንዀነሉ ምሥጢር ካብ ጸላኢ ዲያብሎስ ሰዊሩ፣ ንደቂመዛሙርቱ ዝገለጸሉ መዓልቲ ስለዝዀነ እዚ ስያሜ ተዋሂብዎ። ኣብዚ ዕለት ክርስቲያን ኩሉ ብንስሓ ሕይወት ተሓጺቡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንምቅባል ይዳሎ።

ናይ ሓዲሽ ኪዳን ሓሙስ ይብሃል። ምኽንያቱ መሥዋእተ ኦሪት ማለት ብደም እንስሳ ዝቀርብ መሥዋእቲ ምብቅዑ ገሊጹ፣ ንድኅነተ ዓለም ንገዛእ ርእሱ ዝተፈተወ መሥዋእቲ ጌሩ ዘቅረበሉ ዕለት ስለዝኾነ። “  እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዝፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓዲሽ ኪዳን እያ ካብዚ ስተዩ። ” ምባሉ ይፍለጥ። ሉቃ.22፣20። ኪዳን ማለት ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት  ዝግበር ውዕል፣ ስምምዕ፣ መሓላ ማለት  እዩ። በዚ መሠረት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምን ንኹሎም ደቁን ዘልዓለማዊ ቃልኪዳን ብናቱ ደም ዝፈጸመሉ ዕለት ስለዝዀነ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ሓሙስ ተባሂሉ።

ናይ ነጻነት ሓሙስ። ባሮት ንኃጥያትን ዲያብሎስን ምብቅዑ፣ ነጻነትና ዝረኽብናሉ፣ ወዲ ሰብ ዝሰኣኖ ክብሪ ዳግማይ ምርካቡ ዝተረጋገጸሉ ዕለት እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ነጻነት ክዛረብ ከሎ “ ባርያስ ጐይትኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ ደጊም ባሮት ኣይብለኩም እየ። ፈተውተይ ኢለኩም ኣለኹ።” ብምባል ዮሓ.15፣15። ካብ ባርነት ነጻ ዝወጻናሉ፣ ደቁ ዝተበሃልናሉ ዕለት ንዝክረሉ ስለዝዀነ ሊቓውንቲ ናይ ነጻነት ሓሙስ ኢሎማ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ካብ ናይ ኃጥያት ባርነት ሪሒቁ፣ ምስ እግዚአብሔር ንተዓረቐሉ፣ ጽቡቅ ምግባር ሒዙ ጽቡቅ ሥራሕ ብምሥራሕ ሕይወቱ ክመርሕ ይግብኦ። ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን ተባሂልና ኢና።

 † ናይ ጸሎት ሓሙስ ምሥጢራት ኣብ ብሉይ ኪዳን፣

ንፋሲካ ምድላዋት ተገርሉ እዩ። ምድላዋቱ ኣብ ሠለስቲኦ ወንጌል ተመዝጊቡ ንረኽቦ። ማቴ.26፣17-30። ፋሲካ ማለት ምሕላፍ ማለት እዩ። እዚ ከኣ እስራኤላውያን ኣብ ምድረ ግብጺ ከለዉ እግዚአብሔር መልኣኹ ሊኢኹ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ሓደ ገንሸል በጊዕ ክሓርድ እሞ ደም ናይታ ገንሸል በጊዕ ወሲዶም  ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ክለኽይዎ  ንሙሴ ነጊርዎ። ሙሴ'ውን ንህዝቡ ነገረ። ኩሎም'ውን ከምዝተኣዘዝዎ ፈጸሙ። መቅሰፍት ካብ እግዚአብሔር ተኣዚዙ መኽኣክ እግዚአብሔር ናይ ደም ምልክት ዘይብሉ ናይ ግብጻውያን ቤት ብሞተ በኲር ክሃርም ከሎ፣ ናይ በጊዕ ምልክት ዘለዎ ግና ናይ እስራኤላውያን ቤት ምልክት እንዳርኣየ ምሕላፉ ምምልካት እዩ።  ዘጻ.12፣1-20። ካብዚ ብምብጓስ እስራኤላውያን በብዓመቱ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ኣብ መበል 14 መዓልቲ በጊዕ እንዳሓረዱ በዓል ፋሲካ የብዕሉ። ሃገርና'ውን  ኣቀዲማ ብሉይ ኪዳን ዝተቀበለት ሃገር ስለዝዀነት እዚ ተግባር ትፍጽሞ ኔራ እያ።

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን'ውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ፋሲካ ተባኂሉ ዝተጸውዓሉ ምኽንያት ኣብዚ በዓለ ፋሲካ ንገዛእ ርእሱ ዝተፈተወ መሥዋእቲ ጌሩ ብምቅራብ ደሙ ስለዘፍሰሰልና እዩ። ብደሙ ምፍሳስ ሞተ በኩር ዝተባህለ ሞተ ነፍሲ ሪሒቅልና። “ ገንሸል ፋሲካና’ውን ክርስቶስ እዩ።” 1ቆሮ.5፣7። 1ጴጥ.1፣18-19።

ኣብዚ ዕለት ከም ዕለተ ሠሉስ ኣብ ዮሓ.14-16። ዝርከብ ነዊሕ ትምህርቲ ንደቂመዛሙርቱ ኣምሂሩ እዩ።  ናይ ትምህርቲ ቀንዲ ክፍልታት ናይ ምሥጢረ ሥላሴ ሰለስትነት ሓድነትን። ምሥጢረ ሥጋዊ (ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን)። ምሥጢረ  ትንሣኤ ሙታን (ናይ ዳግማይ ምጽኣቱ ነገር) እዩ። እዚኦም ትምህርቲ ብሰፊሕን ዓሚቅን ክንመሃሮም ከም ዝግበኣና  ንኸረድእ፣ ብተኣምራቱ ክገልጸሎም እንዳኸኣለ ብነዊሕ ትምህርቲ ንኽርድእዎ ጌርዎም እዩ። ደቂ መዛሙርቱ'ውን እሱ ከምህሮም ከሎ ዘይተረድኦም እንዳሓተቱ ተረዲእዎም። ምእመናን' ውን ኣብ ቅድስቲ  ቤተክትስቲያን ተረኺብና ክንመሃር ዘይተረደኣና ድማ ሓቲትና ክንርዳእ ከምዝግብኣና ንመሃር። ኣብዚ ዕለት ምሸት ሰዓት ትሽዓተ (9) ንኣይሁድ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝተዋህበላ ዕለት እያ። ማቴ.26፣47-58።

† ዓርቢ፦

ዓርቢ ሥቅለት ይብሃል።  ናይ ዓለም ኩሉ መድኃኒት ዝዀነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምን ንኹሎም ደቁን በጃ ዀይኑ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቂሉ ምውዓሉ ንምዝካር እዩ። ማቴ.27፣35።

ናይ ድኅነት ዓርቢ ትብሃል።  እዚ ዘረደኣና ቅድሚ ሥቅለተ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ሰብ እንተበዲሉ ተሰቂሉ ይመውት ኔሩ። ብናይ ሮማውያን ሕጊ መቕጽዒ መሠረት መስቀል ናይ ገበነኛታት መቕጽዒ እዩ ኔሩ። ኣብዚ ዕለት ናይ ገበነኛ መቕጽዒ ምልከት ዝነበረ መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ቀዲሱ ናይ ምሕረት ምልክት ፣ ናይ ሕይወት ኣርማ፣ ንዲያብሎስ ንሥዕረለኡ ዋልታና ስለዝገበሮ ብሞቱ ጽቡቅ ሕይወት ስለዝረኸብና ናይ ድኅነት ዓርቢ ተባሂላ።

በዓለ ትንሣኤ ንምኽባር ናይ ኢዮርሳሌም ዝኸዱ ምእመናን ኩሎም ናይ ዕለት ዓርቢ መከራኡ ብምዝካር ካብ ቤተ ጲላጦስ ስጋብ ጎልጎታ  መቃብረ  እግዚእነ  ኢየሱስ  ክርስቶስ  ዘሎ  ጉዕዞ  ይገብሩ።  ጉዕዞ  ዝግበረሉ  ዓሰርተ  ሓሙሽተ  ሕማማተ መስቀል ዝተፈጸመልን ቦታታት እየን።

ኣብዚ ዕለት ኣብ ቤተክርስቲያን ተረኺቦም ንመከራኡ ብምዝካርን ብምሕሳብን ክሰግዱ ዝዎዕሉ ከም ዘለዉ ኩሉ፣ ብኣንጻሩ ድማ ብስመ ክትስትያን ተባሂልና ንጽዋዕ ኣብ ካልእ ዘይጠቅም ቦታ ግዜና ንግዚያዊ ደስታ ንሓላፋይ ብኸንቱ ነጥፍኦ ኣይንሰኣነን ኢና። ከምዚ እንገብር ኩላትና ካብቲ ዝሓለፈ ጠባይና ተጣዒስና ክንምለስን ንመጻኢ ዘመንና ብንስሓ ምስ እግዚአብሔር  ተዓሪቅና ክንነብር ይግብኣና። ኣብ ዓመት ሓንሳብ ንረኽባ እዚኣ ዕለት ቀራንዮ ንሓስበላ፣ ነገረ መስቀሉ ንዝክረላ እምበር ናይ እግዚአብሔር ነገር ረሲዕና ጥራሕ ብዛዕባ ምድራዊ ናብራና ግዜና ከንጥፍእ ኃጥያት ክንሠርሕ ንውዕለሉ ግዜ ክኸውን ኣይግብኣን።

† ቀዳም:-

ቀዳም ስዑር። ኣብዚ ዕለት ካብ ካልእ ግዜ ብዝተፈለየ መልክዕ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ ብምሕሳብ ብጾም ተዘኪራ ስለትውዕል ቀዳም ስዑር ትብሃል።

ለምለም ቀዳም። ካህናት ንምእመና ልሙዕ ሰቲ ዝዕድሉሉ ዕለት ስለ ዝዀነ በዚ ቀዳም ለምለም ተባሂላ። ሰቲ ምእመናን ስጋብ ትንሣኤ ምሽት ኣብ ርእሶም ይኣስርዎ።

ቅዱስ ቀዳም ይብሃል። ቅዱስ ቀዳም ምስያሙ ቅዱስ እግዚአብሔር ብጥንተ ተፈጥሮ ንፍጥረታት ድሕሪ ምፍጣሩ ኣብዛ መዓልቲ ካብ ኩሉ ሥርሑ ዘዕረፈ ክኸውን ከሎ። ኣብ ዘመነ ሓዲሽ ኪዳን ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ድኅነት ሥርሑ ኩሉ ፈጺሙ ብሥጋኡ ኣብ ከርሠ መቃብር ክዓርፍ፣ ብነፍሱ ንሲኦል ጓሕጊሑ ጥርሓ ኣትሪፍዋ እዩ። ኣብኡ ዝነበሩ ነፍሳት ናብ ናይ ዘልዓለም ዕረፍቲ ዘውረሶም ዕለት ስለዝዀነት ካብ ካልኦት ዕለታት ዝተፈለየት ማለት ቅዱስ ቀዳም ተባሂላ። ናይ ዕለታት ክብርን ስያመን ምፍላጥን ምርዳእን ሓቢሩ ኣብ ዕለታዊ ዝእዘዙ ሃይማኖታዊ ግዴታትን ክንትግብሮም ይግብኣና።

ያብጽሐነ ያብጽሕኩም በሰላም እግዚአብሔር በሰላም ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ።

ወለወላዲቱ ድንግል ።

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.