ሰሙነ ሕማማት

በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

 ብሓፈሻ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወቕቲ ናይ ዓቢይ ጾም ዚምልከት ኣብ ዝሓለፈ ብመጠኑ ምጥቃስና ገለ ካብኡ እውን ኣብ ውሽጡ 55 መዓልታት፡ሸሞንተ ሰናብቲ፡ሠለስተ ድማ ምድባት ዘለዎን ዚሕዝን ምዃኑ ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።55 መዓልታት ካብ ዘወረደ ጀሚሩ ክሳዕ ትንሣኤ ዘሎ ዕለታት ቆጺርካ ክኸውን እንከሎ፥ ሸሞንተ ሰናብቲ ከኣ ካብ ዘወረደ ክሳዕ ሆሣዕና ዘሎ እዩ። እቲ ሠለስተ ምድባት ድማ÷

† ሓደ ምድብ እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ መእተዊ ናይ ዓቢይ ጾም ዝርከብ ሳምንት ኮይኑ፥ ዘወረደ ወይውን ጾመ ሕርቃል ዝበሃል እዩ።

† ካልኣይ ምድብ ከኣ እቲ ካብ ቅድስት ጀሚሩ ክሳዕ ሆሣዕና ዘሎ ሳምንታት ኮይኑ፥ ናይ ጐይታ ጾም ወይውን ጾመ ኣርብዓ ዝብል ስያሜ ዘለዎ እዩ።

† እቲ ሣልሳይን ናይ መወዳእታን ምድብ ድማ ካብ ሆሣዕና ሠርከ ጀሚሩ ክሳዕ ለይቲ ትንሣኤ ዘሎ ዕለታት ማለት እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሳምንት ኮይኑ፥

ሰሙነ ሕማማት ከኣ ይበሃል።

ኣምላከ ሰላም ኣምላከ ምሕረት ክሳዕ ኣብዚ ዘብጽሓና ንዘለዓለም ስሙ ይኽበር ይመስገን ኣሜን።

ሰሙነ ሕማማት
እዚ ሳምንት እዚ ከም ዝተባህለ ካብ ሆሣዕና ሠርከ ክሳዕ ለይቲ ትንሣኤ ዘሎ ዕለታት ኮይኑ፥ ካብቲ ካልእ እዋናት ብፍሉይ ንዓመተ ፍዳ ንዓመተ ኩነኔ፥ ንሕማማተ ክርስቶስን ፍቕሩን  ዝዝከረሉ ጊዝያት እዩ። ዓመተ ፍዳ ዓመተ ኩነኔ ዝበሃል ድኅሪ ውድቀት ኣዳም፥ ንሱን ዘርኡን ኣብ ሲኦል ባርነት፥ ብማእሥሮ ናይ ሰይጣን ተታሒዞም ን5500 ዘመናት ዚኣክል ብእግሪ ኣጋንንቲ እናተረገጹን ስቓይ ጸኒዕዎም ብዙኅ መከራ እናተቐበሉን ዝነብርዎ ዝነበሩ መሪር ሕይወት እዩ። ሰሙነ ሕማማት ወይውን ናይ ሕማማት ሳምንት ድማ "ሰሙን+ሕማማት ዝብሉ ድምር ናይ ክልተ ቃላት ኮይኑ፥"ሰሙን ማለት "ሰመነ" ሸሞንተ ገበረ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ቃል ክኽውን እንከሎ ሕማማት ዝብል ድማ ንብዝሓት ዘመልክት ኮይኑ «ሐመ» ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ(ቃል) ዝተረኽበ እዩ። ንናይ ጐይታ ሕማማቱ ከኣ የመልክት። ቅድሚ ዝኾነ ኣብዚ ሕማማት ክንብል እንከሎና ግን ክርስቶስ ጐይታ ደቂ ሰባት ምእንቲ ክድኅኑ ምእንታናን ስሌናን ክብል ብፍቓዱ ንዝተቐበሎም ጸዋትወ መከራ ዘመልክት ደኣ እምበር፥ ናይ ሰብነት ቅርጥማት፥ ናይ ርእሲ ፍልጸት ወይ እውን ናይ ከብዲ ቁርጸት ከም ዘይኮነ ኩሉ ክፈልጥ ይግባእ። እዚ ሳምንት እዚ ንዓና ፍሉይ እዩ። ብምዃኑ ከኣ ኣብ ውሽጢ'ዞም ዕለታት እዚኣቶም ማለት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብዙኅ ኣዝማደ መባልዕት ኣይብልዑን። ካብ ዝሓለፈ ብዝበለጸ ኣብዚሕካ ይስገድ፥ ክሳዕ ጸሓይ ዕርበት ወይውን ከዋኽብቲ ክሳዕ ዝረኣዩ ድማ ይጽወም።

ምሉእ ሰሙን ነናይ ዕለቱ ስለ ንናይ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት፥ መከራ መስቀሉ ኩሉ፥ ሞቱ ብዕምቆት ዘዘክሩ ንባባት ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናተነበ ይቕኒ። «ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ኣምላኽ (ኣብ ዘባነ ኪሩብ ብልዕልና) ዝተቐመጠ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት:: » እብ.12፥2። ከም ዝተባህለ ከኣ ብዝበለጸ ኣብዚ ወቕቲ ናይ መከራ መስቀሉ ነገር ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ብምቕራጽ ነዚ እናሓሰብና ንነብዓሉ ሓዘና እንገልጸሉ ሳምንት እዩ። ምሕዛና ኮነ ምብካይና ግና፥ ከምቲ ጐይታ ባዕሉ ነተን ስለ እቲ ዝበጽሖ ዝነበረ ኣሰቃቒ መከራን ጽኑዕ ስቓዩን ርእየን ዋይዋይ ኢለን እናበኸያሉ ደድኅሪኡ ዚስዕባ ዝነበራ ኣንስቲ፥ ናብኣተን ግልጽ ኢሉ" ኦ ኣዋልድ ኢዮሩሳሌም፥ምእንቲ ርእስኽንን ምእንቲ ደቅኽንን ደኣ ብኸያ እምበር ምእንታይሲ ኣይትብከያ። »ዝበለን፥ ከምኡ ንሕናውን ንዝነበረ ውድቀትናን ዘሎ ድኻማትናን እናዘከርና ምእንቲ ርእስና ምእንቲ ወገናትና ብኃጢኣትና ደኣ ክንበክን ክንሓዝንን ይግባእ እምበር ምእንቲ ክርስቶስ ኢልና ኣይኮነን። ከመይሲ ክርስቶስ ነዚ ኹሉ መከራ ስቓይ ዝተቐበለ ስለ መን እዩ᎒ ኢልና እንተ ደኣ ሓሲብና፥"ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ፥ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥…ብሰሪ ገበንና ቖሰለ፥ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፥ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። »ከም ዝተባህለ። ኢሳ.53፥4-5። ኣብ ክንዳናን ስሌናን እዩ። ንሕና እንተ ዘይንብድል እዚ ኩሉ መከራ ስቓይ እዚ ኣይምበጽሖን። ዝተገብረልና ዓቢይ ውዕለትን ናይ መስቀሉ በጃነቱን እናዘከርና ምእንቲ ርእስና እንሓዝነሉ እንበኽየሉ ሳምንት እዩ ማለትና እምበኣር ምእንትዚ እዩ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባዚ ነቶም ንዝገበረሎም ውዕለቱ ዘንጊዖም ዳግም ተመሊሶም ኣብ ናይ ሥጋ ሕይወት ዝኣተው ሰብ ገላትያ፥ "ኣቱም ድንዙዛት ሰብ ገላትያ። መን እዩ እቲ ዝዓዘመኩም᎒ ኢየሱስ ክርስቶስ ስቑል፥ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትኹምዶ ብግህዶ ከም ሥእሊ ተሰጢሑ ኣይነበረን᎒……ክሳዕ ክንድዚዶ ድንዙዛት ኢኹም᎒ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ ሕጂ ብሥጋ ክትፍጽሙዶ ትደልዩ ኣለኹም። "ክብል ድኅሪ ብምውቃስ ገላ.3፥1-3።

ኣስዒቡ ከኣ" ኣብ ዕንጨይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና መርገም ብምዃን (ናትና መርገም ወሲዱ) ካብ ሕጊ መርገም ኣድኃነና"ብምባል ስቓይ መከራኡ፥ሞቱ ኩሉ ንዓናን ምእንታናን ዝኾነ ምንባሩ ገሊጽሎም እዩ።  ገላ.3፥13-14።

 "ካብ ኃጢኣት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ፆሮ። ብቑስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። "ዝብል ቃልውን ጽሑፍ እዩ።1ጴጥ.2፥24። ስለዚ ዝያዳ ኣብዚ ወቕቲ ልቡናና ኣቕኒዕና ነዚ እናሓሰብና ብእምነት ዓይኒ ናብቲ ነቲ ንኅፍረት ዘበለ ኹሉ ንዒቑ ስሌና ኣብ ቀራንዮ መስቀል ዝወዓለ፥ ብዙኅ ስቓይን መከራን እውን ዝተቐበለልና ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጥምት ይግባእ።

ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ ዝተቐበሎ መከራ፥ ስሌና ዝበጽሖ ስቓይ፥ ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቕ ኣቦ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ "ኣየ ናይ ወልድ መከራኡ ኪዛረብ ዚኽእል፥ ኣየናይ ልሳን፥ ኣየናይ ከናፍር፥ ኣየናይ ኣፍ እዩ፣ ናይ ፍቁር ወልዲ መከራ ክንገር ከሎ፡ ልቢ ይኽፈል፥ ሕልና ይዓርብ፥ነፍስ ትርዕድ፥ ሥጋ ይደክም፥ ዘይመውት ሞተ፥ ንሞት ክስዕሮ ሞተ፥ ንምውታት ኬሕውዮም ሞተ። " ከም ዝበሎ፥ እዚን ከምዚን እዩ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዙኅ ስለ ዝኾነ። ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ እቶም ዝያዳ በዚ ሳምንት እንሓስቦም ሕማማተ መስቀሉ ወይውን ጸዋትወ መከራኡ ዝበሃሉ ግን"ወኅለፈ እግዚእ ኢየሱስ 10ተ ወ3ተ ኣናቅጸ ሕማማት"ከም ዝበሉ ቅዱሳን ሓዋርያት ዓሠርተ ሠለስተ (13) እዮም። ኣቐዲሙ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ምሸት ሓሙስ ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ካብቲ ንድራር ኢሎም ዝቐረብሉ እንጌራ ነቲ ዘይሓረረን ዘይነቕዐን መሪጹ ብምልዓል ምሥጢረ ቁርባኑ ኣብ ዝሠርዓሉ ጊዜ ነቲ እንጌራ ኅብስቲ ኣብ ዓሠርተ ሠለስተ እዩ ዝቖረሶ። እዚ ከኣ ንግዚኡ እኳ ንሱ ምስኣቶም ምስቶም ሓዋርያቱ ስለ ዝነበረ ባዕሉ  ኣርኣያ፥ ተቐቢልኩም ኣቐብልዎም ንምባል ዝገበሮ እንተ ነበረ፥ ፍጻሜኡ ግና ጽባሕ ዓሠርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ክቕበለልኩም እየ ንምባል ዝገበሮ እዩ ኔሩ። ኩሉ ክርስትያን ክፈልጦም ዝግባእ መሠረታውያን ስለ ዝኾኑ ከኣ ናይ እምነት ኣቦታት ነዚኣቶም ዘይፈልጥ ክርስትያን እየ ክብል ኣይክእልን እዩ ክብሉ ኣቐሚጦሙልና ኣለው። ንሳቶም ከኣ ከምዚ ዚስዕብ እዩ÷

1/ ኣክሊለ ሥክ(ናይ እሾኽ ኣኽሊል)÷እዚ እቶም
                ወተሃደራት ናይ ጲላጦስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዞም ኣብ ቤት መንግሥቲ ምስ ወሰድዎ፥ ኣብኡ ክዳኑ ገፊፎም ቐይሕ ባርኖስ ሸፊኖም፥ ብ300 በላሕቲ መሳምር እሾኽ ዝተተትዐ እሾኽ ኣኽሊል ኣምጺኦም፥"ኦ ኢየሱስ ናዝራዊ ሰላም ንዓኻ፣ ንስኻ ንጉሥ ኣይሁድ ኢኻ እሞ ዘውዲ ንግሥና ክትደፍእ ይግባእ እዩ እናበሉ ብላግጺ ኣብ ርእሱ ዝደፍእሉ እዩ። ማቴ.27፥27-29። ከምዚ ብዝገበርሉ ጊዜ ሽዑ ኣዝዩ ተሳቐየ። ካብ ርእሱ ዝወረደ ደምውን መላእ ገጹ ሸፈነ። ብዙኅ ሓሳር ወረዶ "መልክዕን ውቃቦን ኣይነበሮን፥ ምስ ረኣናዮ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። " ከም ዝተባህለ ትንቢቱ ተፈጸመ ኢሳ/53፥1-2። እዚ ከኣ ብኃጢኣቱ ምኽንያት ክብሪ ኣምላኽ ስኢኑ ኣኽሊል ዘለኃሳር ኣብ ርእሱ ደፊኡ ኣጋንንቲ እናኣላገጽሉ ብስቓይ ይነብር ንዝነበረ ኣዳምን ዘርኡን ምእንቲ ክድኅኑን ኣኽሊለ ክብሪ ኣኽሊለ ብርሃን ምእንቲ ክለብሱን ክዕድሎምን ኮነ። ኣብ ክንዲ እቲ ሠናይ ዝገበረይ ኩሉስ ንእግዚአብሔር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ።" ከም እተባህለ፥ መዝ.116፥12። ብሓቂ  ንሕናስ ስለ እቲ ኹሉ ዝገበረልና፥ ምሕረት ዘይግብኣና እንከሎ ምሕረት ዝገበረልና፥ መከራ ስቓይና ኣብ ዘባኑ ጾይሩውን ነቲ ባዕልና ክንከፍሎ ዘይንኽእል ዕዳና ዝኸፈለ፥ ባርነት ኩሉ ዘርሓቐልና ንዕኡ ዝቐርብ ብቑዕ ህያብ እንታይ ኣሎና ᎒
  2/ ተፀፍዖ መልታሕት÷ ብጽፍዒት ገጽ ምውቃዕ።
   እዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ስሌና ኢሉ ዝተቐበሎ ግፍዒ ሓደ እዩ። ንሱ ከኣ ጐይታ ሓቂ ስለ ዝተዛረበ ጥራይ ያኢ ከም ጸርፊ ተወሲዱ፥ በዚ ቀይሕ ባርኖስ ሸፊኖም ኣብ ልዕሊኡ ብምሽክዕላል " ኦ ንጉስ ኣይሁድ ሰላም ንዓኻ።" እናበሉ ገጹ ዝጸፍዕፍዎ እዩ። ዮሓ.19፥1-2። ባዕልኻ ንዝሓለፈን ንዝመጽእን ይፈልጥ እየ ኢልካ ኢኻ እሞ፥ ንስኻ ነቢይ ስለ ዝኾንካ፥ መን እዩ እቲ ካባና ገጽካ ዝጸፍዓካ᎒ እስከ ተነበየልና እናበሉ ውን ኣላገጽሉ። እዚ ከኣ ኣዳም ብእግረ ጸላኢ ድያብሎስ ኣብ እሳት ደይን ተረጊጹ ገጹ እናተጸፍዐ ኣብ ልዕሊ ነፍሱ ክላገጸሉ ንዘመናት ነበረ እሞ፥ ካብዚ ከላቕቖን ምእንቲ ክድኅንን ኮነ። 

3/ ተኮርዖተ ርእስ (ርእሲ ምውቃዕ)÷ ማቴ.27፥30።
  ነቲ ኣይሁድ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንጊ ገይሮም ርእሱ  ዝወቕዕዎ ዘመልክት ቃል እዩ። ማቴ.27፥30።ንሱ ከኣ ምንም እኳ ኣብ ሕጊ ኣይሁድ ንሓደ ገበነኛ እዩ ዝበልዎ እንተ ደኣ ዝተገርፈ ኮይኑ ዝስቀል፥ ዝስቀል እንተ ኮይኑ ከኣ ዝግረፍ ኣይኹን ጲላጦስ ግና ንንጹህ ባህሪ ክርስቶስ ሕማቕ ኮነ ናይ ሓሶት ቃል ዘይተረኽቦ እናሃለወ ገሪፉስ ክሰቕልዎ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ድኅርዚ ንሳቶም ከኣ ቅድሚ ስቕለት ብላግጺ ኢየሱስ ናዝራዊ ንስኻ ንጉሥ ኣይሁድ ኢኻ እሞ ዘውዲ ንግሥነት ኣብ ርእስኻ ክትደፍእ ይግባኣካ እዩ ኢሎም በላሕቲ እሾኽ መሳምር ተቲዖም ኣብ ርእሱ ደፍእሉ፥ ዘንጊ ኣትኂዞም ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተንበርኪኾም እናሰገዱ፥ "ሰላም ኦ ንጉሥ ኣይሁድ " እናበሉ ኣላገጽሉ፥ ጡፍ እውን በልሉ፥ ነቲ ዘትሓዝዎ ዘንጊ ኣሕዲጎም ከኣ ብእኡ ጌሮም ርእሱ ወቕዕዎ ማቴ.27፥29-30። እዚ ከኣ ካብታ ኣዳምን ሔዋንን ስሒቶም ዕፀ በለስ ዝበልዑላ ዕለት ጀሚሩ መላእ ዘርኢ ኣዳም ብጸላኢ ድያብሎስ ዘሳቒ በሊሕ እሾኽ ኣኽሊል ጸልማት ኣብ ርእሱ ተደፊእዎ ብዘንጊ እሳት እናተወቕዐ  ን5500 ዘመናት ዚኣክል ከሳቕዮምን ከላግጾሎምን ይነብር ነበረ እሞ፥ ካብዚ ከድኅኖም ነቲ ናቶም ግፍዕን መከራን ባዕሉ ተቐበሎ። ኣብ ክንድኦም ርእሱ ተቐጥቀጠ።

4/ ተቀሥፎ ዘባን (ዘባን ምግራፍ)፣ መዝ.129፥3። ኢሳ.50፥6÷

እዚ ኣይሁድ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጫፉ ዓንኬል ዝመስል ሓርፋፍ ሓጺን ብዘለዎ ኩርማጅ ጌሮም ብዘይ ርህራሄ ጨኪኖም ዘባኑ ንዝገረፍዎ ግርፋት ዘመልክት  እዩ። ኣይሁድ ንጐይታ ምእንቲ ክምርምሮ ወሲዶም ናብ ፍርዲ ጲላጦስ እንተ ኣቕረብዎ፥ መርሚሩ ይትረፍ ንሞትን ስቕለትን ዘብጽሕ በደል፥ ካብ ቃሉ ሓሶት ኣብ ሰብነቱ ድማ ክፍኣት እኳ ፈጺሙ ክረኽበሉ ኣይከኣለን። ስለ ዝኾነ ኸኣ ነዚ ይትረፍ ክትሰቕልዎ ኣብ ልዕሉኡ ክፉእ ክትዛረቡ እኳ ዘይተገብኦ ንጹህ እዩ። ስለዚ ነጻ ይኺድ ክብል ወሰነ። እንተኾነ ኣይሁድ ነገር ፍርዱ ስለዝርሕረቆም ኣይከውንን ኢሎም ተማጎትዎ። ስቐሎ ስቐሎ እናበሉውን ጨደሩ። ካልእ’ውን፥ነዚ ኣይሁድ ብኽፍኣቶም ዝበልዎ ደኣ ይኹን እምበር ብምሥጢርስ ድምጺ ናይቶም ድኅነት ዝጽበዩ ኣብ ሲኦል ማእሰርቲ ብስቓይ መከራ ዝነብሩ ዝነበሩ ነፍሳት እዩ ኔሩ። ሽዑ ጲላጦስ ንኣይሁድ ኣብበዓልኩም ሓደ ክፍትሓልኩም ልማድ ኣሎ እሞ፥ንዕኡ ክፈትሓልኩም በሎም።ኣብቲ ዓመት እቲ ጥጦስ ዳክረስ በርባን ዝተበሃሉ ኣብ ስቕለት ኣብ ሞት ዘብጽሕ በደል ዝፈጸሙ ዝሓዝዎም ዓመጽቲ ነበሩ እሞ ሰባት ዝጠቕሞም ዘይፈልጡ ሕይወቶም ከድኅን ንዝመጸ ንጹህ ባህሪይ ንክርስቶስ ክገርፉ ክሰቕሉ፥ ነቲ ቀታሊ ደቆም፥ ንብረቶም ድማ ዘጥፍእ ዓመጸኛ ሰብ ንበርባን ግን ይፈትሓልና በሉ። እዚ ምንም እኳ ንግዜኡ ናይ ኣይሁድ ጽልኣትን ጭካኔን ዘርኢ እንተኾነ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክእሠር በርባን ካብ ማእሰርቱ ነጻ ክልቅቕ ምግባሩ ግን ክርስቶስ ንኹሉ ሰብ ካብ ማእሰርቱ ክፈትሕ ዝመጸ ምዃኑ ዘመልክት ምሥጢር እዩ። በርባን ንሰበይቲ ይሁዳ ኣስቆረታዊ ሓዋ እዩ። ጲላጦስ ዘይኮነሉ ምዃኑ ምስ ረኣየ፥ ፍቓድና እንተ ደኣ ዘይፈጸምካ ናይ ቄሣር ፈታዊ እሞ ኣይኮንካ እናበሉ ሥልጣኑ ክሳዕ ምፍትታንውን ስለዝበጽሕዎ፥ ገሪፎም ይሰድዎ ይኾኑ እምበር ኣይሰቕልዎን ክብል፥ በሉ ኣነ ፈጺመ በደል ዚበሃል ኣይረኸብኩሉን ግን ሓደ በደል ዝሰርሐ ሰብ እንተ ደኣ ተረኽበ ኦሪት 41 ጊዜ ይገረፍ እያ እትብል እሞ፥ በደል ኣለዎ እንተ ደኣ ኢልኩም ወሲድኩም ከም ሕግኹም ግረፍዎ በሎም። ንሳቶም ግን ኣብ ልዕሊኡ ካብ ዝነበረ ጽልኣቶም ዝተላዕለ እዩ፥ እዚ ፈጺሙ ዓመጸኛ ስለ ዝኾነ እዚ ጥራይ ዝኣኽሎ ኣይኮነን ወስኸልና ደኣ በልዎ። ጲላጦስ ግና ንዕኡ ኢልኩምዶ ሕጂ ሕጊ ዝብሎ ከተፍርሱ ኪዱ ደኣ ከም ሕጉ ገሪፍኩም ስደድዎ በሎም። ኣነ ግን ካብ ደሙ ንጹህ እየ ኢሉ እውን ኣእዳው ተሓጸበ።

ኣይሁድ ከኣ ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ደቅናን ደቂ ደቅናን ይኹን ድኅሪ ምባል ናብ ኣደባባይ ኣውጺኦም ገለን እናገረፉ ገለን ከኣ ንስቅያቱን ግርፋቱን ርኢና ልብና ምእንቲ ከይርህርህ ኢሎም እቶም ሓደ ክሳዕ ዝገርፍዎ ገበጣን ካልእን እናተጻወቱ፥ እቶም ዝገርፉ ድማ ቁጸሩልና ክብልዎም ይጸንሑ እሞ 50……60 ጊዜ ዝኸውን ኩርማጅ ምስ ገረፉ፥ክንደይ በጺሕና ይብሉ፥ እቶም ሓደ ከኣ ኣይቆጸርናን ይብልዎም።ሽዑ ከም ሓዱሽ ሓደ ኢሎም ጀሚሮም ይገርፍዎ።ከምዚ እናገበሩ ሥጋኡ ተቆሪሱ ኣዕጽምቱ ክሳዕ ዝርአን ክቁጸር ክሳዕ ዚኽእልን ብሕሱም እናገረፉ 6666 ጊዜ መውቃዕቲ ኩርማጅ ኣብ ዘባኑ ተቐበለ።ነዚ ኣይሁድ ኣብኡ ካብ ዝነበሮም ጽልኣት ዝተላዕለ ብጭካነ ገበርዎ፥ ክርስቶስ ግን ንሕና ደቂ ሰባት ኣብ መንጸፈ ደይን ወዲቕና ብእግረ ኣጋንንቲ እናተረገጽና ን5500 ዘመናት ዚኣክል ብናይ እሳት ሓለንጊ፥ ብናይ እሳት ስንሰለት ዘባነ ልቡናና እናተገረፍና ንነብር ነበርና እሞ ካብዚ ምእንቲ ከድኅነና ስሌና ኢሉ ዝተቐበሎ ስቓይን መግረፍትን እዩ ነይሩ። መዝ. 22፥17,መዝ.129፥3,ኢሳ 50።5/ ተአሥሮተ ድኅሪት (ናይ ድኅሪት ምእሳር)÷

5/ ተአሥሮተ ድኅሪት (ናይ ድኅሪት ምእሳር)÷
          እዚ እቲ ድኅነትና ዝፍጸመሉ ጊዜ ሰዓቱ ኣኺሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁድ ገዛእ ርእሱ ብፍቓዱ ኣሕሊፉ ምስ ሃበ፥ እቶም ጭፍራ ወተሃደራትን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላው ኣይሁድን ሒዞም ብሠንሰለት ናይ ሓጺን ክልቲኡ ማሕጎፋኡ ክሳዕ ዝራኸብ ንድኅሪ ብምእሳር ኣብ ምድሪ ዝጓሰስዎን ዘንገላትዕዎን ስቕያቱ ዘመልክት ኮይኑ፥ ዮሓ.18፥12። ምእንቲ ነቶም ብኢድ ጸላኢ ድያብሎስ ተታሒዞም ብናይ ኃጢኣት ሰንሰለት ናይ ድኂሪት ተኣሲሮም ንዘመናት ዝሳቐዩ ዝነበሩ ደቂ ሰባት ኢሉ  ብትዕግሥቲ ዝተቐበሎ ግፍዒ እዩ። በዚ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ብነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢሳይያስ "መከራ ጸገበ፥ ግናኸ ርእሱ ኣዋሪዱ፥ ብትሕትና ተቐበሎ፥ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፥ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ብግፍዒ ኂዞም ፈረድዎ፥ ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ ጎቲቶም ወሰድዎ። "ተባሂሉ ዝተነግረ ቃል ትንቢት ተፈጸመ። ኢሳ.53፥7-8።6/ ፀዊረ መስቀል (መስቀል ምሽካም)÷

6/ ፀዊረ መስቀል (መስቀል ምሽካም)÷

እዚኸ ከመይ እዩ እንተበሉ፥ ማኅበራነ ኣይሁድ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ኣሸኪሞም ብቕድሚትን ድኅሪት ገመድ ጌሮም እናሰሓቡ ብግፍዒ እናኣንገላትዑ ንዝገበሮ ጉዕዞ፥ ንሱ ከኣ እቶም ብድኅሪኡ ዘለው እንታይ ይህውኸካ ቀስ ዘይትብል ኢሎም በቲ ገመድ ንድኅሪት ይስሕብዎ እሞ፥ እቶም ብቕድሚኡ ዘለው ከኣ ነቲ ገበድ ይሰድዎ፥ ሽዑ ንድኅሪት ብዘባኑ ይወድቕ፥ ንሳቶም ድማ ከደ ኣመለጠና ኢሎም ብልቡ ረጊጾም ይኸዱ። ምስ ተንሥአ ከኣ ደንጉኻ ቀልጥፍ ኢሎም እቶም ቀቅድሚኡ ዘለው ነቲ ገመድ ይስሕብዎ እቶም ዳኅሮት ድማ ይሰድዎ እሞ ብልቡ ንቕድሚት ይወድቕ፥ ሽዑ እቶም ደድኅሪኡ ዘለው ከኣ ከደ ኣመለጠና ኢሎም ብዘባኑ ረጊጾም ይኸዱ።

ብኸምዚ ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ዝኾነ ግፍዒ እናፈጸሙ ካብ ሊቶስጥራ ክሳዕ ቀራንዮ ብዙኅ ግዜ ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎ። "ወደከመ እግዚእ ኢየሱስ በፀዊረ መስቀል በኅዊረ ፍኖት" ከም ዝበሎ ካብ ጽንዓት መከራኡ ዝተላዕለ ከኣ ደኸመ። እዚ ድማ ኣዳምን ሔዋንን ስሒቶም ዕፀ በለስ ብምብላዕ ካብ ዝወድቁ ን5500 ዘመናት ዝኣክል ኣብ ገሃነመ  እሳት ኣጋንንቲ ብናይ ኃጢኣት ማእሥሮ ገመድ ኂዞም ናይ እሳት ጉንዲ ኣሸኪሞም እናኣንገላትዑ ይረግጽዎምን ከጋፍዕዎም ይነብሩን ነበሩ እሞ፥ ንምድኃኖም ነዚ ኹሉ ግፍዒ ተቕበለ። ድኅሪ ብዙኅ ስቓይን መከራንውን ኣብ መልዕልተ መስቀል ሰቐልዎ።" እከይ ዘይገበረ፥ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፥ ምስ ኃጢኣን ከም ዚመውት ገበሩ……ምስ በደለኛታት ተቖጽረ።" ተባሂሉ ዝተነግረ ቃል ትንቢት ክፍጸም ከኣ ምስኡ ብየማኑን ብጸጋሙን ዳክረስን ጥጦስን ዝተባህሉ ክልተ ሸፋቱ ሰቐሉ። ንሳቶም ዝገበርዎ ብላግጺ ኢየሱስ ናዝራዊ ንስኻ ንጉሥ ኢኻ እሞ ብየማንን ጸጋምን ዝቖሙ ዓጀብቲ የድልዩኻ እዮም ክብሉ ነበረ። ብጐይታ ወገን ግን ከም ዝተባህለ ትንቢቱ ክፍጽም፥ ምስዚ ድማ ድኃር ኣብ ጊዜ ዕለተ ምጽኣት ንጻድቃን ብየማነይ ንኃጥኣን ከኣ ብጸጋመይ ኣቑመ ዘጽድቕን ዝኹንን ኣነ እየ። "ንምባል ነበረ። ኣብዚ ሻዱሻይ ሰዓት ናይ ቀትሪ ምስ ኮነ ዕራቖቱውን ስለ ዘውጽእዎ ኣብ ምድሪ 4 ኣብ ሰማይ ድማ 3 ብጠቕላላ ሽውዓተ ተኣምራት ተፈጺሞም እዮም። እቶም ኣብ ምድሪ ዝተራእዩ 4 ተኣምራት÷ ኣካውሕ ምስንጣቕ፥ መቓብራት ምኽፋት፥ ካብ 1000 ዘይበዝሑ ካብ 500 ከኣ ዘይውሕዱ ምትንሣእ ሙውታን፥መጋረጃ ናይ ቤተ መቕደስ ኣብ ክልተ ምትርታር እዮም። እቶም ኣብ ሰማይ ዝተራእዩ 3 ተኣምራት ድማ ናይ ጸሓይ ምጽልማት፥ ናይ ወርሒ ደም ምምሳል፥ ናይ ከዋኽብቲ ከኣ ምርጋፍ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብዚ እንተ ዘይገለጽናይ ነፍስወከፉ ናቱ ዝኾነ መልእኽትን ምሥጢርን ዘለዎ እዩ።

7/ ወሪቀ ምራቅ።  ምራቖም ጡፍ  ዝበልሉ፥ ማቴ.27፥30።

እዚ ደፋራት አይሁድ ኣብ ልዕሊ ገጽ እቲ ንደቂ ሰባት ንምድኃንን ምንጻህን ሰብ ዝኾነ ንጹህ ባሕርይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጸይፍ ርኹስ ምራቖም ጡፍ ንዝበልሉ ዘመልክት ቃል እዩ። ኢሳ.50-6።,

ማቴ.27፥30። ጡፍ ምባል እሞ ድማ ኣብ ገጽ፥ ግደፍ’ዶ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጹህ ባሕርይ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ሰብ እኳ ዕያግን ዘጸይፍን እዩ። ንዝተናዕቕናን ተዋሪድና ኣብ ዘጸይፍን ዝተዋረደን ሕይወት ንነብር ንዝነበረና ልዕል ምእንቲ ከብል፥ ነውሪ ኃጢኣትና ኣርሒቑ ድማ ክብሪ ምእንቲ ከልብሰናን ግን ነውርና ከይነዓቐ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ዝለዕለ ባዕሉ ነዚ ግፍዒ ተቐበለልና።

8/ ስትየ ሐሞት ፣ እቲ ጸማእኩ ምስ በለ፥ ማቴ. 24፣34። ኣልዒሎም ዘስተይዎ መሪር ሓሞት እዩ። ብዛዕባዚ ኣቐዲሙ "ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፥ ምስ ጸማእኩውን መጺጽ ኣስተዩኒ።"

መዝ.69፥21። ተባሂሉ ተነጊሩ ንዝነበሪ ቃል ትንቢት ምእንቲ ክፍጽም ንሱ ማያት  ውቅያኖስን ወሓይዝ ባሕርታትን ዝእዘዝሉ ናይ ዝናብ ኣምላኽ፥ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ "ጸማእኩ"በለ። እወ ንሱ ንዝጸምኡ ዘርዊ ስቴ መድኃኒት፥ ምንጪ ናይ ሕይወት ማይ ዮሓ.4፥14። ኣብ ሕሱም ኣጻምእ ምድረ በዳ ናይ ቃዴስ ን40 ዓመታት ዝኣክል ዘይነጽፍ ፈልፋሊ ዘየቋረጽ ወሓዚ ኮይኑ ሓቒቕ ማይ ክሰትዩ ዝገበረ ኣምላኽ "ኢሳ. 55-1። ዘዳ.16-1-2፤ 1ቆሮ 10-3። ጸማእኩ ክብል ተሰምዐ።

ንሳቶም ግን እቲ ጸማእኩ ዝብል ዘሎ መንን ስለምንታይ ከምኡ ይብል ከም ዘሎን ከይተረድኡ ጽሩይ ማይ ነፊጎም መጺጽን መሪርን ሓሞት ዝበልአ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ኣምጺኦም ኣስተይዎ። ማቴ.27-48። ማር.15-36። ሉቃ.23-36። ዮሓ.19-29፡፡

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፥ "ኣየ ፣ እቲ ንኣዳም መንፈስ ሕይወት ኡፍ ዝበለሉ ኣፍ፥ ምስ መሪር ዝተሓወሰ መጺጽ ሰተየ። " ዝበሎ ምእንትዚ እዩ። "ሎቱ ስብሐት"ጸማእኩ ዝበሎ ግን ስለ ርእሱ ኣይነበረን፥ እንታይ ደኣ ንጽድቂ ጸሚአን፥ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍስ ርሒቕወን፥ ኣብ ምድረ በዳ ሲኦል ንዘመናት ብጽምኣት ይቃጸላ ንዝነበራ ነፍሳት ጽምኣተን ምእንቲ ከርዊ ልምላሜ ነፍስውን ምእንቲ ክዕድል ንሱ ጸምእኩ በለለን። ከምኡ ነተን ኣብ ኃጢአት ውዲቐን ስቓይ ጸኒዕወን መሪር ጽዋዕ መከራ ዝሰትያ ዝነበራ ነፍሳት፥ ብሓፈሻ ብሓሞት ኃጢኣት ተመሪዙ መሪሩ ንዝነበረ ሕይወት ወዲ ሰብ ነዚ ኣርሒቑ ጣዕመ ሕይወት ምእንቲ ክዕድል፥ መዓዛ ቅድስና ኣልቢሱ ፈጺሙ ምእንቲ ከድኅነና ድማ ንዓና ዝግባእ፥ ንሕና ክንሰትዮ ዝነበረና መጺጽን መሪርን ሓሞት ስሌናን ኣብ ክንዳናን ባዕሉ ሰተየልና።

9 ስጋብ 13.  ሓሙሽተ ቅንዋተ መስቀል። መዝ,22፥16÷
               እቶም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ደቂ ሰባት ንሳቶም ካብ መውጋእቲ ሞት ኃጢኣት ምእንቲ ክድኅኑ 1ቆሮ.15፥55-56። ንሱ ኣብ ዕፀ መስቀል  ብትዕግሥቲ ዝተቐበሎም፥ ኣእዳውን ኣእጋሩን ዝሸንከሩ ሳዶር፥ ኣላዶር፥ ዳናት፣ ኣዴራ፥ ሮዳስ ዝበሃሉ ኃሙሽተ ዓበይትን ጽኑዓን መሳምር እዮም። ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቅ ኣቦ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ነዚ ክገልጽ "ኣየ ፣ እተን ንኣዳም ዝፈጠራ ኣእዳው ብሽንካር ኣብ መስቀር ተሸንከራ። ኣየ፣ እተን ኣብ ገነት ዝተመላለሳ ኣእጋር ኣብ መስቀል ተሰመራ።"ኢሉ እዩ። ከሙኡ ከኣ ኣባ ጊዮርጊስውን
"ምድረ ዘመሠረተ ወሣረረ ሰማያተ ከመ ገብር ተትሕተ ወተዐገሰ ቅንዋተ መስቀል ወጽፍዐተ" ኢሎም እዮም። ንምድሪ ዝሠረተ ንሰማያትውን ዘቆመ፥ ንሱ ከም ባርያ ርእሱ ኣዋረደ፥ ትሕት በለ ንናይ መስቀል ሽንካራትን መጽፋዕትን ድማ ተዓገሰ ማለት እዩ። እዚኣቶም ካብቶም ዓሠርተ ሠለስተ ሕማማተ መስቀል ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኖም ነፍስ ወከፎም በብሓደ ተቖጺሮም ከኣ ይኣትው። 

"ፍቅር ሰሐቦ ለወልደ ኣምላክ እመንበሩ፥ወኣብጽሖ እስከ ለሞት" ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ፥ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጽሖ "ተባሂሉ ከም ዝተነግሩ፥ እዚ ኹሉ ኣባና ካብ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተላዕለ ምእንታና ክብል ዝተቐበሎ መከራ፥ ኣብ ክንዳና ዝበጽሖ ስቓይ እዩ። ምስዚ ኹሉ ከኣ"ኦ ትሕትና ዘመጠነዝ ትሕትና፥ ኦ ትዕግስት ዘመጠነዝ ትዕግስት፥ኦ ኣርምሞት ዘመጠነዝ ኣርምሞት"

ማለት እዩ፣ ከምዚ ዝበለ ትሕትና ከመይ ዝበለ ትሕትና እዩ፣ ኣየ፣ ከምዚ ዝበለ ትዕግስቲኸ ከመይ ዝበለ ትዕግስቲ እዩ፣ ከምዚ ዝበለ ዓቕሊኸ ከመይ ዝበለ ዓቕሊ እዩ። ከም ዝተባህለ ብትሕትናን ትዕግሥትን ደኣ ክቕበሎ ወዓለ እምበር እዚ ኹሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ኣፉ ዝበሃል ኣይከፈተን። ኢሳ.53፥7-8። ማቴ.27፥14። ግ.ሓዋ.8፥32። ረኣ።

እዚ ማለት ግን ናይ ትዕቢት፥ ናይ ፍርሃት ቃል ኣይተዛረበን እምበር ንደቂ ሰባት መድኃኒትን ኣርኣያነትን ዝኾኑስ ምስዚ ኹሉ መከራን ስቓይን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ እንከሎ ሸውዓተ ኣጽራሐ መስቀል ተዛሪቡ እዩ። ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ዝበሃሉ ከኣ ነፍሲ ወከፎም ሓተታን ናቱ ዝኾነ ብዙኅ ምሥጢርን መልእኽትን ዘለዎ እኳ እንተኾነ ንጽል ዝርዝሩ ምስ እንርኢ ግን ከምዚ ዚስዕብ እዩ÷

1/ "ኤሎሄ ኤሎሄ!ላማ ሰበቅታኒ᎒  "ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ᎒ ማቴ.27፥46።

2/ "ኦ ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ኅደገሎም።"ሉቃ.23፥34።

3/ "ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።"ሉቃ.23፥43።

4/ "ኣቲ ሰበይቲ፣ እንሆ ወድኺ፥ እንሃ ኣዴኻ" ።     ዮሓ.19፥26።

5/ ጸማእኩ። ዮሓ.19፥28።

6/ "ኦ ኣቦይ፣ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቁባ ኣለኹ።"  ሉቃ.23፥46።

7/ "ተፈጸመ"። ዮሓ.19፥30።

ንዓና ንደቂ ሰባት ኣርኣያን ድኅነትን ዝተዛረቦም ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ዝበሃሉ እዚኣቶም እዮም።

ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ "ከመይ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት ንኣና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ።" ዝበሎ ቃል እዩ 1ቆሮ1፥18። ሠለስተ ትርጉም ወይ መልእኽቲ ከኣ ይህብ።

† ቀዳማይ፣ እቶም ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ ዝተዛረቦም ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ዝበሃሉ፥ ንኣና ነቶም እንድኅን ኃይሊ ኣምላኽ እዩ። " ከመይ ንኣና ኣርኣያን ድኅነትን ዝተዘርቡ ምዃኖም ኣሚና ስለ ዝተቐበልናዮም። ነቶም ዚጠፍኡ ማለት ነቶም ብኸምዚ ኣሚኖም ዘይቅበልዎ፥ እቶም ነዚኣቶም ብናይ ክርስቶስ ድኻም ዝተዘርቡ እዮም ዝብሉ ግና ዕሽነት እዩ"ማለት እዩ።

† ካልኣይ ከኣ፥" ክርስቶስ ንሱ ኣምላኽ ፈጣሪ ክነሱ ንኣና ካብ ዘለዎ ፍቕሪ፥ ንድኅነትና ግን ኣምላኽ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ ንሞትና ሞይቱልና፥ ዕዳና ከፊሉ ፈጺሙ ድኅነት ሃበና ዝብል እምነትን ትምህርትን ንኣና ነቶም እንቕበሎን ንኣምኖን ኃይሊ ኣምላኽ፥ ከምኡውን ድኅነትና እዩ። ነቶም ዚጠፍኡ ነዚ ዘይኣምኑ ግና ዕሽነት እዩ።"ማለት እዩ። ውርድ ኢሉ" ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ ዕንቅፋት፥ ንኣሕዛብ

 ከኣ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና።" ከም ዝበሎ እዩ። 1ቆሮ1፥23።

†  ሣልሳይ ድማ "መስቀል"ዝብል ቃል ንሱ’ውን ናይ ክርስቶስ መስቀል ንኣና ነቶም መስቀል በጃና፥ ጽንዓትና፥ መድኃኒትና፥ ሰላምና፥ መመኪሕና፥ ሰንደቕ ዕላማና እዩ ኢልና ብምርዳእና ኣሚና እንቕበሎ ኃይሊ ኣምላኽ እዩ። ነቶም ከምዚ ዘይቅበልዎ ዝጠፍኡ ዘይኣመንቲ ኣሕዛብ ግና ዕሽነት እዩ። "ማለት እዩ።

     ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘይፍጸሙ ተግባራት÷

† ጥምቀት፥
† ሥርዓተ ሲመት ቅስናን ዲቁናን
†  ስለ ዝሞቱ ጸሎተ ፍትሐት ምብጻሕ ኣይግባእን።
†  መልክዐ መልክዕ ዝኣመሰሉ ናይ ሰላምታ ጸሎት ኣይድገሙን::
†  መስቀል ምስላም፥ ንሓድሕድካ ምስዕዓም ወይ ሰላም ምብህሃልውን የልቦን። እዚ ከኣ ነቲ ይሁዳ ንጐይታ ብምስዓምን ሰላም ብምባልን ኣሕሊፉ ዝሃቦን ዘትሓዞን ዘዘክር ኣብ ልዕሊ ምዃኑ በታ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማቱ ዝተቐበለላ ሳምንት ሰላምን ርግኣትን ዘይምንባሩ፣ውን ዘርኢ እዩ ፡፡………

ካልእ ነዞም ኣብ ውሽጢዚ ሰሙነ ሕማማት ዘለው ዕለታ ነፍስ ወከፍ ናቶም ዝኾነ ስያሜን መልእኽትን ሰለ ዘለዎም ኣሕጺርና ከምዚ ዚስዕብ ከም ኣምላኽ ፍቓድ ክንርእዮ ኢና።

ሰኑይ ፣ ኣንጽሖተ ቤተ መቅደስ

……ይቕጽል

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማልስነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

                                          ዲን.ዓምደማርያም

 

 

 

Comments are closed.