ሰለምንታይ ፍልሰታ ለማርያም ፧ ንምንታይ'ከ ንፆም፧

ፍልሰታ ማለት “ፈለሰ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጉም ምሟታ፡ ምፍላይ፡ ምዕራግ፡ ካብ ምድሪ ወይ ካብ መቓብር ምትንሣእ፡ ናብ ላዕሊ ምውጻእ ማለት እዩ። ሊቃዉንቲ ኣቦታት ክገልጽዎን ከብርህዎን ከለዉ፥ ጉዳዩ ምስ ዝምልከታ ምስ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትሣኤን ዕርገትን ኣተሓሒዞም ብምምስጣር “ፍልሰታ” ማለት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ካብ ጌቴስማኒ ናብ ገነት ምትንሥኡ ወይውን ምልዓሉ ንምምልካት ቃል ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕይወት ሥጋ እንከላ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ናብ ጎልጎታ እናኸደት ኣብ መቓብር ወዳ ኮይና ጸሎት ትገብር ከም ዝነበረት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ቤተ ክርስትይና የረድኡ። ክፍኣት ንምፍሓስ ዘይዓርፉ ኣይሁድ ሕማቕ ቅንኢ ሓዲርዎም ንዓኣ ንምቅዋም ኩሉ ግዜ ብዙሕ ይጽዕሩ ነበሩ። ረዲኤት ወዳ ስለ ዝስወራ ግን ምንም ክሳኻዓሎም ኣይከኣለን። ከም ልማዳ ጸሎት ንምብጻሕ ክትመጽእ ከላ ርእዮም ንሓዛ ሎሚ ኢና ዝረኸብናያ ክብሉ፡ ምስ ቀረበቶም ዓይነ ሕልናኦም ይትሓዝ እሞ ምርኣይ ይስእንዋ። ከምዚ ኢላ ብጸሎት ትነብር ነበረት። ንዓለም ኩሉ ዝኸውን ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ካብ ፍቑር ወዳ ዝተቐበለት ኣብዚ እትጽልየሉ ዝነበረት ቦታ እንከላ እዩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕይወት ስጋ ኣብዚ ምድሪ ዝጸናሓትሉ ዕድመ ሱሳን ኣርባዕተን (64) እዩ። እዚ ውን ምስ ስድራ ቤታ ሰለስተ ዓመት ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ 12 ዓመት፡ 9 ወርሕን 5 መዓልትን ንጐይታ ጠኒሳ፡ ምስ ጐይታ 33 ዓመትን ሰለስተ ወርሕን፡ ምስ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ከኣ 15 ዓመት እዩ። ተደሚሩ 64 ይኸውን። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ግን ብኽብሪ ኣዕረፈት። ናይ ዕረፍታ ነገርከ ከመይ እዩ? እንተተባህለ፡

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከምቲ ልሙድ ኣብ መጸለዪ ቦታኣ ኣብ ጎልጎታ እንከላ ጥሪ 21 ሰንበት መዓልቲ፡ ጎይታ ንእልፍ ኣእላፋት መላእኽቱ ኣኸቲሉ ናብቲ ንሳ ዝነበረትሉ መጺኡ፥ ኦ ኣደይ’ እንሆ ሎሚ ካብ ናይዛ ዓለም ድኻም ከዕርፈኪ እየ መጺአ ዘለኹ በለ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ፥ “ወደይ” ሰማይን ምድርን ንዓኻ ምጻርን ምውሳን ዘይተኻእሎም፡ ኣነ ንትሽዓተ ወርሕን 5 መዓልትን ኣብ ማህጸነይ ጾይረ ብድንግልና ዝወለድኩኻስ ክመወት? በለቶ። እኒ ስምዖን ኣረጋዊ፡ ቅዱስ ጳውሎስን ረብሓኡ ተረዲኦም ዝተመነይዎ ሞተ ስጋ (ሉቃ 2:29, ፊሊ 1:21) ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ጠፊእዋ ኣይኮነትን ከምዚ ዝበለት፡ እንታይ ደኣ ኣቐዲሙ እኒ በዓል ሄኖክ፡ ኤልያስ ዝኣመሰሉ ድሒሩ ውን እኒ ዮሃንስ (ዮሐ 21:22) ኣብ ዳግም ምጽኣትካውን ሞተ ስጋ ከይጠዓሙ ዝንጠቑ ኣለዉ (1ይ ተስ 4:17) ንስኻ ኩሉ እትኽእል ኢኻ ኢላ ከሃልነቱ ንምግላጽ እያ። ኣንድም ንሳ ሞት ዘይግብኣ ንጽህት እም ንጹሃን ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ከኣ ነቲ ሞትን ሕይወትን ገንዘቡ ዝኾነ ኣምላኽ (ዮሐ 11:25) ዝወለደት ኣዳ ኣምልኽ ምኻና ዘመልከት እዩ። ካልእ ድሒሩ ንዝመጽእ ቃል ምልልስ ንምግላጽ ዝቀረበ ሕቶ እዩ። “ወደይ” ሰማይን ምድርን ክጾርኻንን ክውሱንኻን ዘይተኸእሎም፡ ኣነ ንትሻዓተ ወርሕን 5 መዓልትን ኣብ ማህጸነይ ጸይረ ብድንግልና ወሊደካስ ክመውት ምስ በለቶ፥ ጎይታ ኣብ ሲኦል ዝሳቀዩ ንዝነበሩ ነፍሳት ኣርኣያ። ኦ ኣደይ ሞትኪ ነዚኣቶም በጃ ይኹን ከኣ በለ። ከምዚ ዝበለ ጐይታ፥ “ለበዋ ድሕሪ ሞት እዩ ዝጸንዕ” ስለ ዝብል እቲ ቅዱስ ቃሉ (ዕብ 9:17) ድሕሪ ዕረፍቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቃል ኪዳና ዝተኣመኑን ዝተማሕጸኑን፡ ብስማ'ውን ነቲ ኣብ 16 የካቲት ዝተነግረ ናይ ጽድቂ ስራሕ ዝፈጸመ፡ ዋላ ካብ ሲኦል'ውን ይኹን ብተኣምራት ክድሕን ከም ዝኽእል ከረድእ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገበረቶ ታእምራት ብናይ ቃል ኪዳና ውሕስነት ካብ ሲኦል ከም ዝወጹ ዝንገረና  መሰረቱ እዚ እዩ። ብሞተ ስጋ ካብዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ድሕሪ ምፍላይ ምሕረት ከምዘሎ ወንጌል ውን ይዛረብ እዩ (ማቴ 12: 32) ተመልከት። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዚ ምስ በለ ንሳ ኣዝያ ርህርህትን ኣባና ዘለዋ ኣደነታዊ ፍቕርን'ውን ዝተፈልየ ብምኻኑ፡ በል ነዚኣቶም ምሕረት እንተ ኮይኑስ ይኹን አረ ሓደ ግዜ ኣይኮነን ሸውዓተ ግዜ ውን ይኹን በለቶ። በዚ ኣባና ኣብ ሓጥኣን ደቃ ዘለዋ ፍጹም ፍቕሪ ገለጸት። ሓደ ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘየብሉ ነገር፥ ነዚ በጃ ዝብል ቃል ሓደ ሓደ  ብእምነት ኮነ ብፍልጠት ዘይበሰሉን ዘይመልኡን ምስ ናይ ጐይታ በጃነት ሓደ ዓይነት ጌሮም ዝርድኡዎን ሓደ ጌርና ንዛረብ ከምዘሎና ጌሮም ዝዛረቡን ወገናት ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ግን ባዱነት ርእሶም ካብ ምንጻሩ ሓሊፉ ዘውጽዎ ዋጋ የብሉን ንሳቶም ዝብልዎ ብዙሕ ብምዃኑ፡ ብዛዕባ’ዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ጠቒስካ ምሕላፍ ክሕሸና እዩ። እወ፡ ይትረፍ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ እኒ በዓል ሊቀ ነብያት ኣቦና ሙሴ እኳ፥ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ በዲሎም ብሓጢኣት ካብ ገጹ ኣብ ዝዓለወሉ ግዜ በዚ ነገር ተቖጢዑ ከጥፍኦም ስለ ዝደለየ፥ “ኣየ እዞም ህዝቢ እዚኦም ብወርቂ ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ንዓኣቶም ብምግባር ዓቢይ ሓጢኣት ገበሩ። ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም እንተዘይኮነስ ስመይ ካብቲ ስም ህዝብኻ ዝጸሓፈሉ መጽሓፍካ (ካብ መዝገብ ህይወት) ሕኸኮ ኢሉ ኣብ ክንድኦም በጃ ብምዃን ጸልዩ እዩ (ዘጸ 32:31-32)። ስለዚ ድንግል ማርያም ግዳ ክንደይ ኣዕዚዘ ዘይትልምነልና። ብእግዚአብሔር ዝያዳ ትስማዕንትት ዘልው  ቅድስቲ ኣደ  እያ። ምኽንያቱ ንሳ ካብ ኩሉ እትበልጽን ዝያዳ ኹሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐረበትን ስለ ዝኾነት። ካልእ ንሽሕ ፈልጺ ሓደ ልሕጺ ከም ዝበሃል ባዕሉ ጐይታ ዝበሎ ድማ “ሰብ ካብቲ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ(ፈተውቱ) ንሕይወቱ በጃ ኣሕሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን” ጽሑፍ እዩ (ዮሃ 15:13)። ስለዚ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስሌና እዚስ ሽውዓተ ግዜ ውን ይኹን ማለታ የደንቓ እምበር ኣየንቅፋን። እቶም ኣብ ምንቃፋ እንርከብ ግን ዘይምፍቃርና ጥራይ ዘይኮነ ንኣደነታዊ ፍቕራ ስለ ዘይሰዓብና  ካብ በረኸት ግድ ይብልናን።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነዚ ምስ ተዛረበት ወዳ ክርስቶስ ንቕድስቲ ነፍሳ ካብ ክቡር ስጋኣ ፈልዩ፡ ብዓቢ ክብርን ብናይ ቅዱሳን መላእክት ዝማሬን ኣዕረጋ። ሽዑ ንሃዋርያቱ ከካብ ዝነበረሉ ኣሁጉረ ስብከት ጸዊዑ ብደመና ነጢቑ ንሳ ኣብ ዝነበረትሉ ቦታ ኣብጺሑ ንኽቡር ስጋኣ ክቐብሩ፡ እንሀት ኣዴኹም ሓመድ ኣዳም ኣልብስዋ በሎም። ብሞት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃዋርያት መሪር ሓዘን ተስምዖም። ከምቲ ዝበሎም ተቐቢሎም ከኣ ብክብሪ ንስጋኣ ገነዙ። ክገንዝዎ ከለዉ ምሉእ ሰብነታ ብርሃን ትጋሪዱ ነበረ። ገኒዞም ምስ ወድኡ ሃዋርያት ስርዓተ ቀብሪ ንምፍጻም ንኣስከሬን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሒዞም ናብ ጌቴስማኒ ተበገሱ። ክፉእ ምግባርን ምሕሳብን ልማዶም ዝኾነ ኣይሁድ፡ ሃዋርያት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስከሬን ተሸኪሞም ናብ ጌቴሰማኒ ናብ መካነ ዕረፍታ ሒዞማ ክኸዱ ከለዉ ምስ ረኣዩ፡ ብናይ ክፉእ መንፈስ ቅንኣት ተላዓዒሎም፡ ቅድሚ ሕጂ ንወዳ ብሳልሳይ መዓልቲ ካብ ሙውታን ተፈልዩ ተንሲኡ፡ በርባዓ መዓልቱ ድማ ናብ ሰማይ ዓሪጉ እዩ እናበሉ ህዝቢ ከስሕቱልናን ክህዉኹልናን እዮም። ስልዚ እዚ ኹሉ ከይመጽእ፥ ንዑ ናውዒ ስጋሃለ ማርያም "ንዓስከሬና ንዑ ብእሳት ሓዊ ጌርና ነቃጽሎ ኢሎም መኸሩ" በዚ ምኽሪ ተኣኪቦም ናብቲ ሃዋርያት ዝነበርሉ ቀረቡ። ሽዑ ንሓደ ካብኣቶም ታውፍንያ ዝተባህለ ጉልበትኛ ጎበዝ መሪጾም ንዓ ኺድ ንኣስከሬና መንዚዕኻ ኣምጽኣዮ እሞ ነቃጽሎ ኢሎም ሰደድዎ። ንሱ ከኣ ቃሎም ንምፍጻም ክብሪ ድንግል ማርያም ብዘይምስትውዓል ደፊሩ ነቲ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስከሬን ዝነበሮ ዓራት ሓዞ። በዚ እዋን ዝተኣዘዘ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ንታቦት ኣምላኽ ተንክዩ ከምዝተቐዝፈ ዑዛ ቀዘፎ (2ይ ሳሙ 6:6)። ንክልተ ኣእዳዉ ብሰፌ እሳት ስለዝቖረጸን ኣብቲ ዓራት ጠልጠል ኢለን ተረፋ። ይኹን እምበር፥ “እስእለኪ ከመ ትሰሃሊ ላዕሊየ ወበእንተ ስእለቶሙ ለሃዋርያት” ከም ዝበሎ (ስንክሳር ጥሪ 21) ታውፍንያ ቀጥታ ሽዑ ንዝፈጸሞ ናይ ድፍረት ተግባር ተጣዒሱሉ ናብኣ ስለ ዝተማሕጸነን ዝለመነን ግን ፈጺማ ፈወሰቶ። ኣእዳዉ ከም ቀደመን ኮይነን ሓወያሉ። በዚ ነገር’ዚ ካብ ታውፍንያ ጀሚሩ ዝኣመኑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ትሮም ዝጸንዑ ውን ድማ ብምንባሮም እግዚአብሔር  መልኣኹ ጌሩ ብክብሪ ናብ ገነት ወሲዱ ኣብ ትሕቲ ዕጸሕይወት ኣቐመጣ፡ ንዮሃንስ ወንግላዊ ውን ምስኣ ናብ ገነት ነጠቆ። ድንግል ማርያም ኣብዚ ንክልተ ሚእትን ሽዱሽተን (206) መዓልታት ዝኣክል ጸንሐት። ሃዋርያ ዮሃንስ ግን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዜና ኣስከሬና ሒዙ ናብቶም ካልኦት ኣሕዋቱ ሃዋርያት ተመልሰ። ኣስከሬና ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከም ዘሎ ከኣ ነገሮም። ነዚ ምስ ሰምዑ ሃዋርያት ከኣ ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስከሬን ረኺቦም ንምቕባር ካብ ዝነበሮም ድሌትን ሃረርታን ዝተላዕለ፡ ምእንቲ ክግለጸሎም ሓደ ነሓሰ ጀሚሮም ንክልተ ሳምንቲ ተኸታተሊ ዝኾነ ሱባኤ ሓዙ። ከምዚ ኢሎም ከኣ ክጸሙን ክጽልዩን ቀነዩ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ስባኤ ማለት ብ 14 ነሓሰ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ፡ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ጐይታ ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓዱሽ ኣስከሬን ኣምጺኡ ሃቦም። ሃዋርያት ብዝተገብረሎም ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ተሓጎሱን ኣመስገንዎን። በዚ ዕለት ወሲዶም ከኣ ብኽንደይ ማህሌትን ብጽኑዕ ምህለላን ኣብ ጌቴስማኒ ሓመድ ኣዳም ኣልበስዎ።

“ሰላም፡ ለመቃብርኪ ለጌቴስማኒ በመርሕባ፡
እንተ ይእቲ ለኢየሩሳሌም ቅሩባ፡
ማርያም ድንግል ለሃገረ መንግስት ርግባ፡
ትትሜጦ ወርቀ እምእፌር ወጸበለ ኣፈዉ እሞ ሳባ፡
ጌቴስማኒ ልስጋኪ ምስካባ”

   ከም ዝበሎ ደራሲ (መክ ማርያም)። ጸጋን በረኸትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩሉ ውሉደ ጥምቀት ይኹን ኣሜን።

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሳኤኣን ዕርገታን ፈላሊኻ ምንጋር ዝከኣል ብዘይምዃኑ ክሳዕ ሕጂ ክንርእዮ ዝጸናሕና ብዝሓጸረ መልክዑ ካብ ዕረፍታ ክሳዕ መቓብር ማለት ሓመድ ኣዳም ክሳዕ ዝለበሰትሉ ዘሎ እዩ። ናይ ትንሳኤኣን ዕርገታን ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥

ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥

በቲ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ዝተፈጸመሉ ዕለት ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሃዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ሃዋርያት ምስኦም ኣይነበረን። ብተልእኾ ካብቲ ዝነበረሉ ሃገረ ስብከቱ ኣብ ደመና ተጻዒኑ ናብቲ ኣሕዋቱ ዝነበሩሉ ናብ ኢዮሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ካብ ዝተቐበረትሉ ዕለት ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ወዳ፡ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ነሓሴ ተንሲኣስ ክትዓርግ ከላ ረኸባ። በዚ እዋን ሃዋርያ ቶማስ ቅድሚ ሕጂ ናይ ወዳ ትንሳኤ ሕጂ ከኣ ናታ ናይ ኣዲኡ ትንሳኤ ከይረኣኹ ተሪፈ  ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ተበሳጨወ። ኣዝዩውን ሓዘን ተሰምዖ። ካብ ምሕዛኑ ዝተላዕለ ካብቲ ተወጢሕዎ ዝነበረ ደመና ክወድቕ ደለየ። እዚ ከኣ እቶም ካልኦት ኣሕዋቱ ሃዋርያት ርእዮም፡ ንሱ ጥራይ ከይረኣየ ዝተረፈ ስለ ዝመሰሎ እዩ። ይኹን እምበር ካብቶም ካልኦት ሃዋርያትውን ንትንሳኤኣን ዕርገታን ዝረኣየ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ከኣ ኣዴና ፡ ብጀካኡ ካልእ ንትንሳኤኣ ኮነ ንዕርገታ ዝረኣየ ከምዘይነበረ፡ ካሎኦት ንትንሳኤይ ኮነ ንዕርገተይ ኣይርኣዩን፡ ንስኻ ግን ትርኢ ኣለኻ ኢላ ብምንጋር ኣረጋግኣቶን ኣጸናንዓቶን። እቲ ዝኾነን ዝረኣዮን ነገር ከይዱ ንኣሕዋቱ ሃዋርያት ክነግሮም ከኣ ኣዘዘቶ። ንምልክት፡ ምስክር ምእንቲ ክኾኖውን ነቲ መግነዚኣ ዝነበረ ሂባቶ ብኽብርን ስብሃትን ናብ ሰማይ ዓረገት። ቅዱስ ሃዋርያ ቶማስ ውን ኣብ ኢዮሩሳሌም በጽሐ። ሽዑ እቶም ካልኦት ኣሕዋቱ ተቐቢሎም፡ “ንናይ ኣዴና ኣስከሬን ተዋሂቡናስ ብኽብሪ ቀቢርናዮ፡ ሓመድ ኣዳም ኣልቢስናዮ” ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ከኣ ነገሩ እናፈለጠ ነቲ ምስጢር ሓቢኡ፥ “ሞት ብጥሪ ቀብሪ ከኣ ብነሓሰ፡ እዚኸ ከመይ ጌሩ ይኸውን፥” ጐይታስ ንክቡር ስጋ ወላዲቱ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ክጸንሕ ከመይ ተዓገሰ፥ ስለዚ ነዚ ዝበልኩምኒ ክቕበሎን ክኣምኖን እንተድኣ ኮይነ ናብቲ መቓብራ ወሲድኩም ንክቡር ስጋ ኣርእዩኒ በሎም። ሽዑ ሃዋርያት፥ “ቶማስ ንስኻ ቀደሙ ኣብ ናይ ጐይታ ትንሳኤ እንዶ ግዳ ተጠራጢርካ ኣይነበረካን፡ ሕጂ እንተኾነ ውን ኣይትኣምንን ኢኻ” ንዓ ሰዓበና ኢሎም እናመርሑ ናብ መካነ መቓብራ ወሰድዎ። ርእዩ ክኣምን ከኣ ነቲ መቓብራ ከፈትዎ። እንተኾነ እቲ መቓብር ባዶ ጸኒሕዎም ንኣስከሬና ክረኽብዎ ስለ ዘይከኣሉ ሰንበዱ። ኣይሁድ ዝወሰድዎ ውን መሰሎም። ብዛዕባ’ዚ ነገር ከውርዱ ክዳይቡ፡ ሃዋርያ ቶማስ ኣሕዋት፡ ኣይትኣምንኑን ኢኹም ኢለ እምበር ኣዴናስ ተንሲኣ ዓሪጋ እያ፡ ኢሉ ንኹሉ እቲ ዝኾነ ነገርን ዝረኣዮን ነገሮም። ንመረጋገጺ ከኣ ነቲ ባዕላቶም ዝገነዙላ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ዝሃበቶ መግነዝ ኣርእዮም። ነዚ ንበረኸት ምእንቲ ክኾኖም ቆራሪጾም ተማቐልዎ። እዚ ነገር እዚ ሎሚ ኣብቶም እግሪ ቅዱሳን ሃዋርያት ኣቦታትና ተኪም ዘለዉ ካህናት ወለድና ተሪፉ ኣሎ። እቲ ኣብ ናይ ኢዶም መስቀል ዘሎ ጨርቂ እዩ።

ድሕሪ’ዚ ኹሉ ሓዋርያት ነናብ ኣህጉረ ስብከቶም ከዱን ተመልሱን። እንተኾነ ቶማስ ንዕርገታ ርእዩ ንዓና ከመይ ኢሉ ይተርፈና ስለ ዝበሉ፡ መንፈሳዊ ቅንኣትን ድሌትን እዩ። ብዓመቱ ሓደ ነሓሰ ከምቲ ዝቐደመ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ሱባኤ ኣተዉ። ጐይታ ከኣ ንዝለመንዎ ልመና ተቐቢሉ ብዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ዕርገታ ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ። እወ በዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ተገሊጹ ጐይታ ንዓኣ መንበር ንባዕሉ ሰራዒ ካህን ንቅዱስ ጴጥሮስ ተሓጋጋዚ ክህን (ንፍቀ ካህን) ንቅዱስ እስጢፋኖስ ድማ ድያቆን ጌሩ ብምቕዳስ ኣቑሪቡ ንናይ ዕርገታ ነገር ብግልጺ ኣርእይዎም እዩ። ድሕሪ’ዚ ሃዋርያት በዚ ወርሒ ክልተ ሱባእ እናሓዙ ዓመታዊ ዘኽብርዎ ዓቢ በዓል ኮነ።

እዛ ሃዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ነዚ ካብ ቅዱሳን ሃዋርያት ኣቦው ጀሚሩ ክተሓሓዝ ዝመጸ ቅዱስ ትውፊታዊ ታሪኽ ተቐቢላ፡ ብግቡእ ዓቂባ፡ ስርዓት ሰሪዓ፡ ቅዱሳን ኣበው ሃዋርያት ጾይሞም ዓቢይ በረኸትን ዓቢይ ምግላጽ ምስጢርን ከም ዝኾነሎም፡ ከምኡ ሎሚ ድማ ምእመናታ ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋን በረኸትን እግዚኣብሄር ንምርካብን ቅዱሳን ሃዋርያት ዝረኣይዎ ዘደንቕ ምስጢር ትንሳኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ንምርኣይን፡ ካብ በረኸታ ንምስታፍን፡ ከምኡ ካብ ኣቦታትና ሃዋርያት እውን ጸጋ ክረኽቡ ካብቶም ሸውዓተ(7) ናይ ኣዋጅ ጾም ከም ሓደ መዲባ ዓመታዊ ብኣዋጅ ትጾሞ። በዚ እዋን ዓቢይ ምስ ንእሽቶ ካብ ወዲ/ጓል 7 ዓመት ንላዕሊ ጀሚሩ ዓመታዊ ብናፍቖት እናተጸበዩ ይጸምዎ። ዝያዳ ትግሃት ብምውሳኽውን በዚ ሳምንታት ብዙሕ ዝኾነ መንፈሳዊ ንጥፈታት ይፍጽሙ። እዚ ነቲ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለና ፍቕሪ ዘነጽር ዓቢይ መርኣያ እዩ።

ሎሚ ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን፥ “ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተንሲኣ፡ ዓሪጋ እያ” ክትብሎም ከለኻ ሕማም ርእሲ ዝኾኖም ኣእዛኖምውን ዘሳሕዮም ኣብ ዘይምእዛዝ ዝጸንዑ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ትምህርቲ ፈጺሙ ካብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ወጻኢን "ብሃሳሰ ለባም" ከም ዝብሉ ብኸምኡ ዝመጸ ተርትን ውን ይመስሎም። እዚ ግን ኢኣፍልጠኦም ዘነጽር ቃል እዩ። ብቕኑዕ መንፈስ ንዝርእን ዘስተውዕልን  ስለ ትንሳኤን ዕርገትን ድንግል ማርያም ዘረድእ ጥቕሲ ይትረፍ ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ተጻሒፉ (ጽሑፍ እንከሎ) ዘይተጻሕፈ እንተዝኸውን እኳ፡ እኒ ሄኖክ፡ ኤልያስ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ባረቱ ዓሪጎም፡ እኒ ኣልኣዛር ውን ተንሲኦም እናበለ ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ድንግል ማርያምዶ ግዳ ኣዲኡ፡ ዙፋኑ፡ ማሕደሩ ዝኾነት ከመይ ዘይክውን ኢሎም ብእምነት ከገናዝቡ ምተገብኦም። ኮይኑ ግን ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን “ኣእዛኖም ሓቂ ከይሰምዕ ዓጽዮም ናብ ጽውጽዋያት ከድህቡ እዮም” ከም ዝተባህለ (2ይ ጢም 4:4) ሓሳብ ገዛእ ርእሶም ከሰላስሉ ንቅዱሳት መጽሓፍቲ ጎስዮም ናብ ዝኸፈእ ጥፍኣት ኣምሪሖም ይርከቡ። እዚ ሓሳቦም ጥራይ ውን ኣይኮነን፡ ድያብሎስ ነቲ ኣብኣ ዘለዎ ጸላእትነት ብእኦም ጌሩ እናሰርሐ ምዃኑ ንጹር እዩ።

ናይዚኦም መወዳእታ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት፥ “ንጽዮን (ንድንግል ማርያም ዝጸልኡ ኩላቶም ይሕፈሩ፡ ተሳዒሮም ውን ንድሕሪት ይምለሱ” ዝበሎ እዩ (መዝ 129:5)። “ደቂ እቶም ዝጭቁኑኺ ዝነበሩ እናደነኑ ናባኺ ክመጹ፡ እቶም ዝነዓቑኺ ኩሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኢሎም ኪሰግዱልኪ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚኣብሄር “ጽዮን” ከተማ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ እስራኤል ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም(ጊዛ 60:14) ከም ዝተባህለ ግን ገለ ካብዚኣቶም ንናይ ወዳ ናይ ባህሪ ኣምላክነትን ንናታ ክብርን ኣደ ኣምላክነት ተረዲኦም ዚምለሱ ክህልዉ ሰናይ ትምኒትና እዩ። ንሕና ግን “ህየንተ ኣብውኪ ተወልዱ ለኪ ድቂቀ” ከም ዝበሎ ልብ ኣምላኽ ዳዊት (መዝ 45:16) ካብ ኣቦታት ክተሓሓዝ ዝመጸ እምነት ተቀቢልና፡ ንሳቶም ንዝመሃሩና ኣጽኒዕና ንመጽሓፍ ቅዱስን ትውፊትን መሰረት ጌርና ትንሳኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣምን። ትውፊት ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ እዩ። ካብ ትውፊት ከይንወጽእ ብእኡ አጽኒዕና ክነብር ከም ዘሎና ድማ ተነጊሩናን ተኣዚዝናን ኢና። ንምሳሌ፥ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “እምበኣር ኣቱም እሕዋትና ጸኒዕኹም ቁሙ፡ ነቲ ብቃል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም ከኣ ሓዝዎ” ብማለት ብቃል ኮነ ብመልእኽቲ ብዝተቐበልናዮ ክንጸንዕን ክንሕልዎን የረድእ (2ይ ተስ 2:15)። ደጊሙ ውን፥ “ሕጂ ከኣ ኣቱም ኣሕዋትና ካብቲ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩዎም ትውፊት ምኻድ ገዲፉ፡ ብትህኪት ዚነብር ሓው ኩሉ ክትርሕቁ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና” ኢሉ ካብቶም ንትውፊት ዘይእዘዙ ሰባት ክንርሕቕ ብትሪ ይእዝዝ (2ይ ተስ 3:6) ንእዝዘኩም ኣለና ማለቱ እዚ ትእዛዝ ናይ ኩሎም ሃዋርያት ቃል ምዃኑ ዘነጽር እዩ። ንትእዛዝ ሃዋርያት ዘይቅበልን ዝነቅፍን ድማ ባዕልኻ ንርእስኻ መዓት ምውራድ እዩ። ከመይሲ ንሳቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝመሃሩን ዝነበሩን። ብቃል ኮነ ብመልእክቲ(ብጽሑፍ) ንሳቶም ብዘጽንሑልካ ጸኒዕኻ ብእኡ ምምልላስን ንዕኡ ምሕላውን ግን የንእደካን የመስግነካን እምበር ኣየንቅፈካን። ብዛዕባ’ዚ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ፥ “ብኹሉ ስለ እትዝክሩንን፥ ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም ነቲ “ትውፊት ስለ ዘጽናዕክምዎን እመስግነኩም ኣለኹ” ኢሉ ኣሎ (1ይ ቆሮ 11:2)። ስለዚ ነዚ ትውፊት ናይ ኣቦታትና መሰረት ጌርና ንሳቶም ከም ዝመሃሩና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትንሳኤን ዕርገትን ንኣምን ። ብምስጢር ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ ዕረፍትን ትንሳኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ተዛሩቡ እዩ።

ከም ልበይ ኢሉ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ ቅዱስ ዳዊት፡ ብዝተዋህቦ ናይ ትንቢት ጸጋ፡ መንፈስ ተምሪሑ ገና ርሑቕ እንከሎ ኣቕሪቡ፥ “ኦ እግዚኣብሄር ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፡ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ” ኢሉ ተነቢዩ እዩ (ምዝ 132:8)። እዚ ምስጢራዊ ዝኾነ ቃል ትንቢት ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሊቃውንት ትርጉም ብዛዕባ ትንሳኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነግረ ምዃኑ ይረድኡ። መንፈሳዊ ትርጉሙ ከኣ፥ “ ኦ እግዚኣብሄር ንስኻን” ኢሉ ከም ዘለዎ ንኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመልከት ክኸውን እንከሎ፥ “ታቦት ሓይልኻን” ኢሉ ድማ ንድግል ማርያም የምጽእ። ታቦት ተባሂላ ዘላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ናይ ታቦት ትርጉም መሕደሪ ማለት ከም ከም ዝኾነ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ንመለኮታዊ እሳት ዝኾነ እግዚአብሔር  ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ(5) መዓልትን ኣብ ማህጸና ብምጻር ኣማናዊት ምሕደሪኡ ኮይና ተረኺባ እያ። ተንስእ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ ዝበሎ ከኣ ንትንሳኤኣን ዕርገታን የመልክት። ከም ትንሳኤ ወዳ ተንሲኣ ንምባል እዚ ዓቢ መረዳእታ እዩ። ካልእ፡ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ ዝበሎ፡ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ናይ ድኻም ናይ መከራን ናይ ፈተና ዝኾነት ዓለም ዕረፍቲ ስለ ዘሎ ዘይኮነ፡ ኦ እግዚኣብሄር ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ዝኾነት ድንግል ማርያምን ሒዝካ ምእመናንካ ናብ እትዕርፈሉ፡ ፍጹም ዕረፍቲ ናብ መንግስተ ሰማያት ንዓ ተንስእ ማለቱ እዩ።

ተወሳኺ፥ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት፥ “እታ ንግስቲ ጽሩይ ወርቂ (ብወርቂ ኦፊር) ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም” ዝበሎ ውን ንትንሳኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ኣማላድነታ ከምኡ’ውን ንልዕልናኣን ክብራን ዘመልክት እዩ (መዝ 45:9)። ንግስቲ ተባሂላ ዘላ ናይ ሰማይን ምድርን ንጉስ ዝኾነ ኣምላኽ ዝወለደት ድንግል ማርያም እያ። ጽሩይ ወርቂ ወይ ውን ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ማለቱ ድማ፡ንሳ ርስሓት ኣበር ዘይብላ ብስጋኣ ኮነ ብነፍሳ ሓጢኣት ዘይተረኽባ፡ ካብ ቃላ ውን ስሕተት ዝበሃል ዘይወጸ ፍጹም ንጽህቲ ስለ ዝኾነት፡ ንምፍጹም ንጽንናኣ ዘመልክት እዩ። ኣብ የማንካ ትቐውም ኢሉዎ ዘሎ ከኣ “ምቛማ” ስቕ ኢልካ ምቛም ዘይኮነ ስለ ኹሉ ዘርኢ ኣዳም እትልምን ምዃና፡ ንኣማላድነታ ዝገልጽ ቃል እዩ (መዝ 106:23)። “ኣብ የማንካ” ኢሉ ድማ ድንግል ማርያም ድሕሪ ትንሳኤኣን ዕርገታን ብክብሪ ብልዕልና ኣብ የማን ፍቁር ወዳ ምህላዋ ዝነግር መረዳእታ እዩ። ስለ’ዚ እዚ ቅዱስ ኣቦ ፥ ንጽሐ ስጋን ንጽሐ ነፍስን፡ ንጽሐ ልቦናን ሓደ ጌራ ዝሓዘት ድንግል ማርያም ድሕሪ ትንሳኤኣን ዕርገታን ንጉስ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ወዳ ክርስቶስ ኣብ ዝሃባ ኣደ ኣምለኽነት ናይ ምዃን ክብሪ ጸኒዓ ኣብ የማንካ፡ ብልዕልና ኣብ መንግስተ ሰማያት ስለ ደቃ ንልማኖ ትቐውም ይብል ኣሎ ማለት እዩ።

ሃብታም ብስጋውን ብመንፈሳውን ጥበብ  ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ትንሳኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ከምዚ ዝስዕብ ከኣ ይብል፥ “ ኣቲ ፍትውተይ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ ንዕናይ ምሳይ። እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ ተወዲኡ፡ ዕንባባታት ኣብ ምድሪ ተራእዩ፡ ግዜ ምዝሙር በጺሑ፡ ድምጺ ባሪቶ ከኣ ኣብ ምድሪ ይስማዕ ኣሎ። ፍረ ኦም በለስ ጐጒቡ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዝኡ የውጽእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተየ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ ምሳይ ንዕናይ” መሃ 2:10-13. ናይዚ መንፈሳዊ ቃል ምስጢራዊ ትርጉም ቀዳሞት ኣበው ከም ዘጽንሑልናን ዝመሃሩናን።

እቲ ፈታዊ ነታ ፈታዊቱ፥ “ኣቲ ፍትውተየ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ ንዕናይ ምሳይ” እና በለ ዝጽውዕ ዘሎ (ዝጸውዐ) ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እታ ዝጽውዓ ዘሎ ፈታዊት ከኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ከመይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኩልንትናኣ ብንህጽናን ቅድስናን ዘግየጸት ተፈታዊ መልክዕ ዘለዋ፡ ንሳ ጥራይ ንበይና ብኹሉ ኣደ ኣምላክ ምዃን ዝተገብኣ ዓለም ንምድሓን እዝጋብሄር ዝመረጻን ክወሃሃዳ ዝፈተወን ውን ንሳ ስለ ዝኾነት፡ ፍትውተየ፡ጽብቕተየ ይብላ። ቅዱስ ዳዊት፡ ብዓይኒ መንፈስ ርእዩን ተመልኪቱን ኣቐዲሙ፥ “ንጉስ ንውብነትኪ (ንመልክዕኪ) ይብህጎ” ዝበሎ ብግልጺ ነዚ ዘነጽር ቃል እዩ (መዝ 45:11)። “እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ፡ ዝናም ተወዲኡ” ማለት፥ ስምዖን ኣረጋዊ ኣቐዲሙ ንድንግል ማርያም፥ “ንዓኺ ከኣ ሓሳባት ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኪግለጽ፡ ሓዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኪስንጥቖ እዩ” ኢሉ ኣብ ቤተ መቕደስ ተዛሪቡዋ ነበረ እሞ፡ ጠቢበ ሰሎሞን ድማ ንኹሉ ሓዘናታን መከራኣን ብክረምቲ መሲሉ፥ “እንሆ ብስደት፡ ብጽልኢ ኣይሁድ፡ ብመከራን ስቕለትን ወድኺ ዝበጸሓኪ ሓዘን፡ ናይ ክርስቶስ ሕማሙ፡ ምቱ፡ በጃነቱ ተፈጺሙስ ሓሊፉ እዩ፡ እንሆ እኳ ትንሳኤ ኣብ ምድሪ ተግሊጹን ተሰቢኹን ግዜ መዝሙር በጺሑ” ይብል። ቀጺሉ፡ “ድምጺ ባሪቶ ከኣ ኣብ ምድርና ይስማዕ ኣሎ” ኢሉ፥ “ድምጾም ናብ ኩላ ምድሪ፡ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ኩላ ምድሪ በጽሐ” ከም ዝተባህለ (መዝ 19:4, ሮሜ 10:18, ማር 16:15, ማቴ 28:19) ድምጺ ሃዋርያትን ቃል ሰብከቶምን ኣብ ኩላ ምድርን ጫፋት ዓለምን በጺሑ ምስምዑ ይገልጽ። ካብ ክረምቲ ቀጺኡ ዝመጽእ ወርሓት ቀውዒ እዩ። በዚ ወርሓት እዚ ሓረስታይ ዝዘርኦ ዘርኢ ዝተኸሎ ተኽሊ ሸዊቱ፡ ኣፍርዩ ዝርእየሉ፡ ብዘላ ምድሪ ከኣ ብለምዒ (ልምላሜ) እትጉልበበሉን ሩባታትን ኣፍላትን ክሳዕ ወሰኖም ማያት መሊኦም፡ እንስስታት ድማ ደስ ኢልወን ካብ ለምለም ሳዕሩን ኣቑጽልቱን እናተመገባ፡ ጽሩይ ማይ ውን እና ሰተያ ኣዝየን መልኪዐን ዝረኣየሉ ናይ ልምለሜን ናይ ፍሬን ናይ ጣዕሚ ግዜን ወርሓትን እዩ። ኩሉ ክትርእዮ ደስ የብለካ።( ምዝ 65:19-13) ዘሎ ተመልከት።

ምእንቲ’ዚ፥ “ክረምቲ ሓሊፉ ዝናብ ውን ዛሪዩ ትወዲኡ ፍረ ኦም በለስ ጐጒቡ” ዝበሎ እምበኣር ሰናይ ተግባርን ጽቡቕ ፍረን ዘይነበሮ ወዲ ሰብ ግዜ ክርስትና ምስ ኮነ ጸጋ ረኺቡን ተማሂሩን ሰናይ ተግባር ክሰርሕን ጽቡቕ ፍረ ከፍርን ምጅማሩ ዘርኢ እዩ። “ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዝኡ ይውጽእ ኣሎ” ዝበሎ ድማ፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ብሃይማኖት ክዕምብባን ምዑዝ ዝኾነ ምግባረ ጽድቂ ከቕርባ ምጅማረን ዘርኢ እዩ።

ብሓፈሻ ጥርኑፍ መልእኽቲ ናይ ምስጢራዊ ምሳሌ ክርአ እንከሎ፥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ ወዳን ዝተገብረ ናይ ስደት ሕሰምን፡ ጽልኣት ኣይሁድን ብምኽንያት መከራን ስቕለትን ፍቑር ወዳ ዝበጽሓ መሪርን ጽኑዕን ሓዘን ሓሊፉስ፡ ኣብ ምድሪ ትንሣኤ ተኣዊጁ፡ ክርስትና ሰፊሑ ኣብ ኩሉ መኣዝናት ዓለም ተዘርጊሑ፡ ሃይማኖትን ምግባርን ዘይነበሮም ደቂ ሰባት ክርስትና ተሰቢኾም ብሃይማኖት ክዕምብቡን ምዑዝ ዝኾነ ምግባረ ጽድቂ ክሰርሑ ድሕሪ ምጅማሮም ምዕራፋን ከም ወዳ ተንሲኣ ድማ ምዕራጋን ዝገልጽ እዩ።

ሓይሉን ረዲኤቱን ዝሃበ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር  ይመስገን።

ኣማላድነትን ፀጋን በረኸትን ናይ ወላዲተ ኣምላክ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩልና ውሉደ ጥምቀት ይኹን።

ኣሜን!!!

ዲያቆን ዓንደማርያም

Comments are closed.