ሰለምታይ ንኵሉን ኣብ አሥመራ ዝርከባ እስርቤታት በጺሐየን ᎒

ናይ ደናግል መመክሕቲ ዝብል መዝሙር ንምስማዕ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥብቆ ጠወቅ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ

ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ኣበረኻ ሓየለ
ንመንገዲ እግዚአብሔር ኣቅንዑ እናበለ
ነዚ ምስክርነቱ ዮሐንስ ካብ ሃበና
ንመንገዲ ጐይታ ይቅናዕ ልብና ......( ምሉእ ትሑዝትኣ ኣብ ታሕቲ ተመልከት)

እዛ መዝሙር ክሰምዕ ከለኹ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት-ማእሰትርን ሆስፒታልን ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከም ስእሊ ጎሊሑ ይርአየኒ። ገበን ፈጺመ ዝተአሰርክሉ ዕለት ኣይዝከረንን። ሓደጋ ኣጋጢምኒ ወይ ብኸቢድ ሓሚም ተሳቅየ ኣብ ሆስፒታል ዝተዓቀብኩሉ ግዜ የለን። ኣዝማደይ ሓሚሞን ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝተዓቀብሉ መዓልቲ ኣይዝከረንን። ሥድራይ ወይ ቀረባ ቤተ-ሰበይ ሰሪቆም ወይ ገበን ፈጺሞም ኣብ ማእሰርቲ ዝተዳጎንሉ እዋን ኣይዝከረንን።እንታይ ደኣ ብዘይ ፈጸምክዮ ገበን ተኺሲስክ’ዶ ገለ ቁርብ መዓልቲ ተኣሲርኪ ትኾኒ ኢልኩም እንተ ገሚትኩም ወይ ጠርጢርኩም ተጋጊኹም ኣለኹም ጥራየ ዝብለኩም።

ቅንያት ቅዱስ የሓንስ ወይ ካልኦት ዓበይቲ በዓላት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ፈቀዶ እስርቤት፡ሆስፒታላት  ኮለል ዝብለሉ ዝነበርኩ ምኽንያት እተን ዓበይቲ ኣሓዋተይ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን  ኣብ መንፈሳዊ ልምምድ ተጸሚደን እቲ ጐይታ ዓለም ዝኣዘዞ ቃል” “ ሽዑ እቲ ንጉሥ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግሥቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።”ማቴ25፡34-36።  ንኽፍጻማ ዘይኣተውኦ ቤት-ማእስርትን ዘይበጽሕኦ ሕክምና ኣብ ኣሥመራ ስለዘየለ እዩ እቲ ምኽንያት።

መንፈሳዊ ሕይወትካ ዝዓቢ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ተጸሚካ መንፈሳዊ ዕዮ ምስ እትፍጽም’ዩ። መንፈሳዊ ሕይወትካ ዝሰብሕ መንፈሳዊ ጓሳኻ  ናብ ልሙዕ ሻኻን ናብ ፈልፋሊ ንጹህ ማይ ምስ ዝኽብክበካ'ዩ።መንፈሳዊ ሕይወት ከምቲ ንሓደ ዝኾነ ስፖርት  ልምምድን ኣሰልጣንን ዝድልዮ መንፈሳዊ ጎዕዞውን መንፈሳዊ ልምምድን ኣሰልጣንን የድልዩ እዩ። ኣብ ስፖርት ዓለም ብዘይ ልምምድ ዝሳተፍ ተዋዳዳሪ ዋንጫ ዓወት ክዓትር ኣይኮነን ነቲ ስፕርታዊ ግጥም ብቁዕ ኣይኮንካን ተባሂሉ’ዩ ብድሮኦ ካብ ውድድር ዝእገድ። ምናልባት እንተ ተዋዳዲሩውን ተሳዒሩ ኣልቦ ድኻም ኮይኑ ይወጽእ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትውን መንፈሳዊ ኣስልጣኒ (መምህር) ዘይብልካ ብዘይ መንፈሳዊ ልምምድን ተምክሮን ንመንፈሳዊ ሕይወት ክትመርሕ ክንደይ ጭንቅን ኣልቦ ድኻምን እዩ። ስለዚ እዮም ኣቦታትና ቅድሚ  ኣስኬማ መንኩስና ምልባሶም ረድኢ ወይ ኣገልጋሊ ናይ ሓደ ምኩር ብመንፈሳዊ ሕይወት ዝበስለ ብደረጃ ሓዋርያዊ ብቅዓት ካብኦም   ዝበልጽ  ኣቦ፡  ረድኢ ዝኾኑ ።

ስደት ካብ ዝፈታዋ ሃገረይ ጥራይ ዝይኮነ ካብ ልምምድ መንፈሳዊ ሕይወት ንኽእለውን ሓባቢሉኒ ኣሎ። ትማሊ ሓዲስ ዓመት፡ ቅዱስ ዮሓንስ መሓዛይ እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ  መዝሙር  ሰዲዳትለይ፡ ምስ ሰማዕክዋ ፡ነቢዓ።  ንድሕሪት ተመሊሰ ነታ ካብ ሕፃንነተይ ብመንፈሰን ብሥጋን ዘዕበየትኒ ትምህቲ ሰንበት ንኽዝክር ደሪኻትኒ። ነፊርኪ ናብ ዓድኺ ተመለሲ መጺኒ ። መንፈሳዊ ሕይወት ከሲረ ኣብ ኣደዳ መንፈሳዊ ድኽነት ተኣሊኸ ከም ዘለኹ ተፈሊጡኒ።

ሎሚ እዛ መዝሙር ክሰምዕ ከለኹ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ኣብዚ ቅድሚ ገጸይ ደዉ ብምባል፡ ከምቲ ንደቂቀ እስራኤል ኣንቱም ውሉድ ኣትማን ኢሉ ብናይ ግብሪ ስሞም ዝጸወዖም ነዓይዉን ኣንቲ ተምሳል እስራእል ውሉድ ተመን ፡ እቲ በሪኽ ልብኺ ይቅናዕ ፡እቲ ድንግርግር ዝበለ መንፈሳዊ ጉዕዘኺ ጸግንዮ እናበለ ብሓለንጊ ወንጌል ዝደሃየኒ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ክልተ ክዳን ዘለዎ እታ ሓንቲ ክዳን ንዘይብሉ ይሃብ ኢለ ምዒደኪ ነይረ ፡ ክንዳይ ሳዕ ክነግረኪ ደሊኻ ፡ ኣይትሰምዕን ዲኻⵗ ወይስ ምኽረይ ኣይርደኣክን ዘሎ ⵗ ተንሥኢ ካብቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝሃበኪ ክልተ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሙራ ክዳውንትኺ ጽደቅሉ።ተበራበሪ ክሳብ መዓስ ኣብ ዓራት ስስዓ ከትድቅሲ ፡ ጽድቅኺ ኣብሰሊ እቲ ኣሓዋትኪ ዘለማመዳኺ ኣበይ ኣሎ ሎሚ ።እቲ ናይ ኣዋጂ ነጋር ቃላ ዳግማይ ይእዉጀልኪ ኣለኹ ፡ ተንሥኢ መሪት ወጊሑ’ዩ ተነስሒ ። ሃብቲ ጽድቂ ኣብ ኣፍደገኺ ኮይና ትኹሕኩሓኪ ኣላ ዝበል ድምጺ ንኽልተ መሳኹቲ እዝነይ ይቃንዮ ኣሎ። ኣርማድዮኺን ብዝተፈላየ ዓይነት ዲዛይን ዝተሰርሐ ዘይትለብስዮ ክዳውቲ ኣጊጹ ፡ ኣሕዋትኪ ኣብ ኤርትራ ክዳን ስኢነን ብቁሪ ይሕለባ ኣለዋ። ተሎ ተንሥኢ ተበራበሪ ናይ ቀደም ፍቅርኺ ዘክሪ ዝብል ድምጺ ይኹሕኩሓኒ ኣሎ።

..........ተዘክሮታት ማኅበርና ኣብ ቅንያት በዓል ቅዱስ ዮሐንስ .............

ናይ ደናግል መመክሒት ናይ ነብያት ገዳም
ኣውድኣመትና ባርኽልና ድንግል ማርያም
.........
ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ቃል ኣብ በረኻ ሓያለ
ንመንገዲ እግዚአብሔር ኣቅንዑ እናበለ
ነዚ ምስክርነቱ ዮሐንስ ካብ ሃበና
ንመንገዲ ጐይታ ይቅናዕ ልብና
...........

እቲ ከረን ይትሓት ይቅናዕ እቲ ቄናን

እተዘይ ተዓር’ዩ መንገዲ የብልናን

ንመንገዲ እግዚአብሔር ንከተል ኵላትና

ምእታን ክንእቱ ናብ መጻኢ ትስፋና

.................
ክልተ ክዳን ዘለዎ ክዳን ካብ ዘብዝሕ
እታ ካልአይቲ ንዘይህብሉ ይሃብ
ካብ ክፉእ በደልና ኣንጽሃና ጐይታና
ብኽፍእ ከይንጠፍእ ንሕና ባሮትካ...
.......

ክፍኣትን ትንኮልን ካብ ልብና ይርሓቅ

ፍቅርን ርህራሄን ይንገስ ኣብ ውሽጥና

እቲ ሥጋኡን ደሙን ብኽብሪ ረኺብና

ሕይወት ንኽንረክብ ናብ ኣምላኽ ታማሒጺ

ኣብታ ዝዕበየትኒ ትምህርቲ ሰንበት ነዛ መዝሙር ሰሚዑ ካብ ኣዒንቱ ንብዓት ቲዕቲዕ ዘየብል ወይ ዘይቃጽር ዛራ ንብዓት ዘይዛሪ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን። እዛ መዝሙር ፡መዝሙር ምስጋና'ያ፡ መዝሙር ንስሓ'ያ፡ መዝሙር ወንጊል'ያ፡ መዝሙር ማዕዳ'ያ። ኣንቢዓ ጥራይ ኣይትሰደካን ፡ መሳኹቲ ኣጸደ ልግስኻ ከፊታ ኣእዳዉካ ክልግሳ ፡ ንኣእጋርካ ናብ ሆስፒታል ፡ ቤተ ማእሰርቲ ክበጽሓ ትደፍኣን። ኣብ ማኃበርና ኣውድኣመንት ቅድሚ ምእታዉ ጥረ ገንዘብን ሓሩጭን ካብ ኣባላትን፡ ካብ ካባቢ ማይ-ተመናይን ፐራዲዞን ዝርከቡ ስድራቤታት ተዋጽዩ ንጉልባቦም ዘቆልዑን ዘይቆሉዑን ነዳያን ፡ ናይ ጸገም መነባብሮ ዘለዎ ሥድራቤታት ይማቃራሕ ነይሩ ። ነቶም ጉልባቦም ዝቆሉዑ ብኣካል ፡ ነቶም ጉልባቦም ዘይቆሉዑ ድማ ብማኃበር ጽጹይ መጽናዕቲ ተኻይዱ፡ ጥረ ገንዘብ ኣብ ቦስታ ተዓሺጉ ፡መሬት ጸላም ምስ ለበሰ ብትሕቲ  መዓጽኦም መንበሪኡም ፡ ርሑስ-በዓል ይግበረልና ፖስትካርድን ገንዘብን  ስም ዘይተጻሕፎ ህያብ ይዕደሎም ነይሩ።

ብፍላይ ደቂ ኣንስቲዮ ኣሕዋትና ዝዓይኦ ዝነበራ ሓዋርያዊ ሥራሕ ክዝክር ከለኹ ኣካላተይ ተዝዝ ይብለኒ፡ ምሒር ይናፍቀን ።፡ ከካብ ዘለናዮ ቦታ ተኣኻኺብና ናብቲ ናይ ቀደም ሕይወትና እባ ንመለስ ክበለን ይደሊ ። እቲ ኣብ ቅንያት ኣውድኣመት ዝኣከብኦ ሓሩጭ ፡ ክልተ ወይ ሠለሰተ ሞሰብ እንጌራ ይስንክትኦ ። በጊዕ ሓሪደን ቀይሕ ጸብሕን ዱሎትን ሰሪሕን ኣብ ቤተ-ማእሰርቲ ምስ ኡሱራት፡ ኣብ መካነ ሕክመና ምስ ሕሙማት ሓዋርያዊ ተልእኮ ከምተን ንሓዋርያት ዝረደኣ ዘነባራ ቅዱሳን ኣንስቲ ይፍጽማ ነይረን ። ነተን ኣብ ኣሥመራ ዝነበራ ቤተ-ማእሰርቲ ዳርጋ ሓንቲ ከይሰገራ በጺሐንአን እየን። ቤተ-ማእሰርቲ ክኣትዋ ምስቶም ብገበን ዝሕተቱ ዘይውሑሳት ፡ ንሕብረተ ሰብ ጉዳእቲ ሰባት ተባሂሎም ካብ ሕብረተ ሰብ ዝተገለሉ ክሕጎሳን ብቃል ኣምላኽ ከጸናንዕዕም ዝገደንን ዝደረኸን ፍቅሪ ክርስቶስን ፡ ቃል ክርስቶስ’ዩ ። ፈቀዶ ቤተ-ማእሰርቲ ኮለል ዝበላ ዘነበራ ገበን ሰለ ዝፈጸማ ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ስለ ዝሠርሓ ኣዳናገርቲ ሰባት ተባሂለን ኣይኮነን ፡እንታይ ደኣ ብፍትወተን እሞበር ፡ ከምቲ ቃላ ወንጌል ዝብሎ ምስ እሱራት ኮይነን ተኣሲረን ፡ ብንጹሃትን መቀረት ማእሰቲ ጥዒሞንኦ ።

ነቶም ቤተ-ሰብ ዘይብሎም እሱራት ባዕለን ቤተ-ሰብ ኮይነን ካብ ገዝአን ማይን እንጀራን እናወሰዳ፡ ሞራል እናሃባ ተስፋ ኃይሊ ይህብኦምን ይናብይኦምን ነይረን። ኣብ ሆስፒታላት ዕንባባ፡ካራሜ፡ብሽኮቲ፡ እንጌራ፡ማይ ፡ጽብሒ፡መግቢ...ወዘተ ተሰኪመን ካህን ወይ ድያቆን ኣሰንየን ርሑስ ኣውድአመት እናበላ ነቶም ተስፋ ዝቆሮጹ ተስፋ ይኾንኦም ፡ እቲ ዘይታኸስ ጓሳ መድኃኔ-ዓለም ክሕልዎም ጸሎተን ይዕርጋ። ነቶም ብድንገት ሓደጋ ዘጋጠሞም ደሃይ ሥድርኦም ዘይብሎም ክሳብ ስድርኦም ወይ ወለዶም መጺዮም ደሃዮም ዝገብሩ ንግሆ ሻሂ ፡ ቀትሪ ምሳሕን፡ምሸት ድራር እናብጽሓ ኣብ መንፈሳዊ ልምምድ ነፍሰን ይጸምዳ። ነቶም ምስአን ንኸይድ ኣሕዋተን ካብቶም እሱራት ወይ ሕሙማት ነበይቲ ክንኮኖም ነፍስወከፍና ንኣልዮ ሕሙም ይካፍላና ።

ብፍላይይ ሓንቲ ጓል ማኃበርና ዘይርስዓ ፡ ኣብ ልበይ ዘይሃስስ ስንብራት ዝገደፈት ኣላ። ካብኣ እንታይ ንመሃር ከም ኣምላክ ፍቃድ ኣብ ካልእ እዋን ክትንክፎ ክፍትን’የ። እዚ ጓል ማኅበርና መሓዝኣ ንትምህርቲ ማይ ነፍሒ ትገይሽ እሞ ኣብቲ እንዳመሐዝኣ ከም ወትሩ ደሃይ ሥድራቤት መሓዝኣ ክትፈልጥ እንተ ወሐደ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ትመላለስ ነበረት ። ምሕዝነታ ዘይትጠለም መሓዛ‘ዶ በልኩም ሓቅኹም ኣይተጋገኹምን እምንቲ መሓዛ ፡ ዓቃቤት ምሥጢርን ከኣ ። ሓደ እዋን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብቲ ገዛ ምምልሳ ካብ ንቡር ልላዕሊተብዝሓ ። ዓቢ መሓዛ ሓዋ ሓሚሙ ሰለዘነበረ’ያ ዳርጋ መዓልታዊ ድሕሪ ጸሎት ኪዳን ወይ ድሕሪ ሰዓታት ሥራሕ ናብቲ ገዛ  ትመላለስ ዘነበረት። ሓደ ሓደ ግዜውን ንዑናይ ነዕልል እናመሓዘይ እናበለት ሰባት ምስኣ ናብቲ ገዛ ትወስደና ነይራ። እቲ ወዲ ብርቱዕ ሕማም ከም ዝሐመመ ብጭራሽ ኣይንፈለጥን ዋላ ወለዱውን ኣይፈልጡን’ዮም ፡ ሓፍቱ’ውን ኣይትፈልጥን’ያ።

እቲ ወዲ ሃንደብት ብርቱዕ ይሓመም እሞ ናብ ሆስፒኣል ሓሊበት ይወሰድ። ድሕሪ ሰሙን ኣብ ሕክመና ምጽናሕ  ካብ ምድሪ ዓለም ይፍለ። እቲ ወዲ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣካላቱ መሲኑ ብዕበራን ኣካላቱ ተብሊዑ ፡ ካብ ኣፉ ልዛይን ፡ ከምኡውን ብዘይቋርጽ ይስዕል ሰለ ዝነብረ ጥፍጣፉ ወይ ደሙ ከይትንክየና ብምስጋእ እታ ናቱ ነርስ ኣብ ጥቅኡ ከንጽጋዕ ሓቢራትና (ኤችኣይዚ ቫይረስ ሰለ ዝነበሮ’ዩ)። እታ ጓል ማኅበርና ከም ዝሓመመ ቅድሚ ሓደ ዓመት ከም ዝፈለጠት እቲ ናቱ ሕማማ ግና ንሳን ሓካይምን ጥራይ ይፈልጥዎ ከም ዝነበሩ ድሕሪና ፈሊጥና።

ክርስትና ካብ ካምዚአን ኣሕዋት ምሥጢር ዓቌረን ንሰብ ኣብ መኣዲ ጐይታ ንክበጽሐ ዝሕግዛ ተበዓትንን ኣብ ማሕልኣን ጽኑዓት ፡ ብመንፈሳዊ ሕይወት ዝተቃነያን ዝተቃመማን ኣሕዋትካ ትመሃሮ ። ኣብ ጥቃኻ ብኣካላ ሥጋ ኣብነታዉያን ኣሕዋት ከለዋ ብብዝመጸ ሓደስቲ ዓይነት ክዳውትን መገያየጺ ዘውድያ ኣብ ዓለዋሚ ጽባቀን ፋሽን ሸውን ዝተኩራ ብመንፈሳዊ ሕይወት ድኻታት  ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ደቂ ተባዕትዮ ንሕይዋትካ ምርኩስ ምግባር ወይ ናብኦም ምልጋስ ኣድላይ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ቅዱሳን መጽሓፍቲ ገናጺልካ ዘይትኽእል እንተኾንካ ታሪኽን ገድልን ቅዱሳን ኣቦታትና ኣዴታትና ንኽትወከስ ዘጸግመካ  እንተኾና ክርስትያናዊ ሕይወትካ ክዓቢ ከጸግመካ’ዩ። እዚውን ክትግበር እንተዘይ ኪእልካ  ኣብ ቅድሚኻ ከም መጽሐፍ ተነቢቦም ፡ ተገንጺሎም ዘይውድኡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣቦታት፡ኣዴታት፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት  ኣለዉ ፡ ካብኦም ተመሃር።

ብዝኃ ግዜ ደቂ ሰባት ንሕይወትና ኣብነት ክኾኑና ኢልና ንግምቶም ዉሩያት ሰባት ወየ ሓርበኛታት ኣብ ልብና ከም መስቀል ኣንጠልጢልና ኣሰር እግሮም ክንልሕስ ንፍትን ኣለና። ብፍላይ ኣብ መራኸቢ ብዙኃት ብተዳጋጋሚ ስሞም ብኽብሪ ዝጽዉዑ ፡ ጉኑን ሰም ዝውንኑ ሰነ-ጥበባዉያን ፡ ሳይንቲስትስ ፡ ማትማትሻን ፡ኵዕሶ እግሪ ተጻወቲ ፡ ኵዑሶ ሰኪዓተ ተጻወቲ ፡ ተጋሰጢ፡ ጎየይቲ፡ብንናጽነት ዝቃላሱ ሰባት..... ወቦ ዘተረፈ ከተረደእና ነምልኾም ብዘዓባኦም ለይትን መዓልትን ብዘይ ዕርፍቲ ክንዛርብ ንዉዕል። ስለ ነፍቅሮም ንፈትዎም ብዘዓባኦም ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ነንብብ። ኣብ ይቱብ ኣቲና ዝንኦም ክንርኢ ንዉዕላ። ኣባኦም ዘለና ተገዳሰንትን ኣፍልጦናን ንዕቢ ፡ ኣብ ማህጸን ኣዲኦም ክሳብ ሎሞ ሰዓት ዝለዎ ታሪኽ ሕይወቶም መሚና ንፈልጦ።  ልዕሊ ነብሶም ንሕና ንፈልጦ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትዉን ከምኡ’ዩ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ክንፈለጦ ኣንተ ደሊና ቅዱሳን መጽሓፍቲ ንገናጽል። ነቶም ንፈጣሪ ዘስመርዎ ብዙሓት ቅዱሳ ኣለዉ ፍኖቶም ተኸተል። ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ንዓይ ምስሉ ይብለና” ኣሓዋተይ ንዓይ ምሰሉ”ፊሊ3፡17 ፡ደጊሙውን  “ ንስኻትኩም ነዓይ ምሰሉ”1ቆሮ11፡1። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንቅዱሳን ክንመስል ፀጋኡ ይስደደልና።

እታ መዝሙር ንምስማዕ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ጠውቅ ፡

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!

ልዋምን ራህዋን

29-09-2018

Comments are closed.