ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ፣ ሞታ ለማርያም የዐጽብ ለኩሉ፣ ሞት ንመዋቲ ይግብኦ ፣ ናይ ማርያም ሞት ግና ኹሉ ዘደንቅ እዩ።

ምስባክ

 ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል።

እግዚ አብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወክ።

                ወይረድኣ እግዚአብሔር ፍጽመ።   መዝ.45፣4-5።

ሮሜ .8፣31- ፍጻሜ ።  2ይዮሓ.፣1፣1-7። ግ,ሓዋ, 1፣12-15  ወንጌል. ማቴ.26፣-26-31።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት ኣቡኣ ፣ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተመቅደስ ፣ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ ዓመትን ንጎይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸኒሳ፣ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ሠለስተ ወርሕን ምስ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቢራ ኔራ፣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ዮሓንስ ድሕሪ ምንባራ ኣብ መበል ሱሳን ኣርባዕተን ዓመት ኣብ ጥሪ 21 ብ49 ዓ.ም ዓሪፋ።

 ሞተ ሥጋ ንማንም ዘይተርፍ ዋላ እንተኾነ ተስፋ ትንሣኤ ግን ሥጋ ንዝለበሰ ወዲ ሰብ ኩሉ ተዋሂቡ እዩ። ዋላ እንተኾነ ሞተ ሥጋ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምብጽሑ ዕጹብ ድንቂ ዘብል እዩ። ናይ ሕይወት ኣደ ከመይ ሞይታ ᎒ መልኣከ ሞት ኣደ ኣምላኽ ከመይ ቀረባ᎒ ነዚ እዩ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ  “ ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ለኩሉ።  ሞትስ ንመዋቲ ይግብኦ እዩ፡ ሞት ናይ ማርያም ግና ንኹሉ ዘደንቕ እዩ” 

ዝበለ። ባዕሉ’ውን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወናኒ ኩሉ ብገዛእ ፍቓዱ ባዕሉ ንነብሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። እሞ ድኣ ሞት ንኹሉ ደቂ ሰብ ብተራ ዝበጽሖ ዘይተርፎ ካብ ኮነ ካብ ሞት ሥጋ ንኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘይምትራፉ ናይ ፈጣሪነቱ ፍትሓውነት( ፈታሒነት) ዘርኢ እዩ።   

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብዛ ዓለም 64 ዓመት ድሕሪ ምንባራ ኣብ መበል 64 ዓመታ ጥሪ 21 ዓሪፋ።

    ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝርከቡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝነጉርናን ኣብ እዋን ጾመ ፍልሰታ ብብዝኂ ዝነገረሉ ናይ  ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍታ ከምዚ ይመስል።  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታ ምስ ኣኸለ ሓዋርያት ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ናብ ዝዓርፈሉ ጌቴሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ እንዳኸዱ  ከለው፣ ኣይሁድ ብናይ  ቅንኣት መንፈስ ተላዒሎም  “ ኣቀዲሙ ንወዳ  ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሲኡ፣ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ (40) ናብ ሰማይ  ዓሪጉ፣ ዳሕራይ'ውን ተመሊሱ  መጺኡ ነዛ ዓለም ክፈርዳ እዩ። ” ኢሎም ብምምሃር ንኹሉ ህዝቢ ወሲዶሞ እዮም። ሕጂ ከኣ ስቕ ኢልና እንተገዲፍናዮም ንኣዲኡ'ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ እንዳበሉ እንዳምኃሩ ከይህውኹና ብምባል ብትዕቢትን ቅንኣትን መንፈስን ተላዒሎም ፣ “ ንዑ ተኣከቡ እሞ ብሓዊ ነቃጽላ ኢሎም።” ብምባል ተማኺሮም መጹ። ካብ መንጎኦም ከኣ ታውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ መንእሰይ መሪጾም  ከቃጽል ለኣኽዎ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣዴና ቅድስቲ  ድንግል ማርያም ሥጋኣ ዝዓረፈትሉ ክሕዝ ኢዱ ምስ ሰደደ ሓዞ ናይ  እግዚአብሔር ቅዱስ መልኣኽ መጺኡ ብሰይፊ ሓዊ ጌሩ ንኽልተ ኣእዳዉ ቆረጸን ። እተን ኣእዳዉ ከኣ ኣብቲ ዓራት ተንጠልጢለን ተረፋ። ታውፋንያ ሽዑ ንሽዑ ብዝገብሮ በደል ኣዝዩ ተጣዒሱ ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝለመነን ዝተማኅጸነን ብሕቡእ ተኣምር  ነተን ዝተቆርጻ ኣእዳው  ብኢደ ቅዱስ ጴጥሮስ ጌራ ከም ዝነበርኦ ከም ቀደመን ጌራ ፈወሰትሉ።    

   ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ሥጋ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ብሓንሳብ  ሒዙ ናብ ገነት ወሰዶም። ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከኣ ኣቀመጦም። ቅዱስ ዮሓንስ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ተመልሰ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከምዝዓረፈት ነገሮም። ሓዋርያት'ውን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥጋ ረኺቦም ሓመድ ኣዳም ንምልባስ ካብ ዝነብሮም ክቱር ድሌት ዝለላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን  ድሕሪ ምቅናይ፣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ (14) ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከም ሓድሽ  ንኸዕርፉዋ ሥጋኣ ስለዝሃቦም ብዝዓበየ ዝማሬን ውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቀዲሙ ኣብ ዝተዳለወላ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኒ ኣብ ዕለት ሰንበት ምስ ሃበም ቀበርዋ። ንሰሉስ’ውን ተንሢኣ “ ከም ትንሣኤ ወልዳ። ከም ናይ ወዳ ትንሣኤ።” ዘብል ነዚ እዩ።

ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ.131(132)፣8። “ ዎ እግዚአብሔር ንስኻን ታቦት ኃይልኻን ተንሥእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ። ”  ብምባል ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ መኅደሪ ዝኾነት ኣማናዊት ታቦት ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ወዳ ኩሉ ንሳ ከኣ ካብ ሙታን ተፈልያ ከም ትትንሥእ ተዛሪቡ እዩ።

ሰሎሞን’ውን ከምዚ ኢሉ እዩ።  መኃ .2፣10-14። “ ፍትውተይሲ ኣቲ ፍትውተይ ተንሥኢ፣ ጽብቕተየ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ። እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ ዝናብ ዛርዩ ተወዲኡ፣ ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእዩ፣ ጊዜ መዝሙር በጽሐ፣ ድምጺ ባሬቶ ከኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ፣ በለስ ፍሬኡ ጎጎበ፣ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ።” እዚ ኃይለ ቃል ክትርጎም ከሎ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ዓይነት ምሥጢራዊ ነገር ዝሓዘለ እዩ።

“ ብክረምትን ዝናብን ” ዝተመሰሉ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መከራኣ እዩ። ካህኑ ስምዖን “ ንዓኺ ድማ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሃድ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ በላ። ” ሉቃ.2-35። ከምዝበላ። ሕጂ መከራ ክረምትን ዝናብን ብክርስቶስ ሞትን ትንሣኤን ምሕላፉ።

“ ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ምርኣዮም ” ምባሉ ናይ ሓዋርያት ድምጺ ወይ ስብከት ኣብ ምድሪ ኩሉ ቃላቶም ስጋብ ወሰን ዓለም ምስማዑ። ቅዱስ ዳዊት ኣብ ትንቢቱ  መዝ.18(19)፣4። “ ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ።” ከሙኡ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ ኁሩ ወመኃሩ ወንጌለ መንግሥት ። ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። ” ማር.16-15። ዝብል ቃል ተፈጸመ።

“ ጊዜ መዝሙር በጽሐ ” መዝሙር ዝበሎ እቶቱ እዩ። ናይ ፍረ እዋን እዩ። ስለዝኾነ ናይ ሓዋርያት ስብከት ፍረ ኣፍረየ።

በለስ ፍሬኡ ጎጎበ፣ ጽቡቅ ምግባር ዝይብሎም ሰባት ፣ ጽቡቅ ምግባር ጀመሩ።

ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ብሃይማኖት ክዕንብባ፣ ምግባረ መኣዛ ከቅርቡ ጀመሩ። ፍትውተይ ተንሥኢ፣እንዳበለ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከምዝጸውዓ ብዘደንቅ ኩነታት ሰሎሞን ተዛሪቡ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንሣልሳይ ትንሣኤ ዘጉባኤ ከየተጸበየት ብፍቓድ ኣምላኽ ተንሢኣ።

ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥነ ሥርዓት መግነዝታን ቀብራን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን ። ቅዱስ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ህንድኬ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢዮርሳሌም እንዳመጸ ከሎ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ዝተቐብረትሉ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሢኣ ክትዓርግ ይረኽባ። ኣብቲ እዋን ንትንሣኤኣ ካልኦት ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ ሓዚኑ << ወፈቀደ ይደቅ እም ደመናኁ። ካብቲ ደመና ክወድቅ ተመንዩ።>>  ቅድም ናይ ወድኺ ትንሣኤ፣ ሕጂ ድማ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ እዚ ዕድል እዚ ንካልኣይ ግዜ ክስእኖ እምዳበለ ካብቲ ዝተጻዕኖ ደመና ክወድቅ ደለየ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከኣ ብዘይክኡ ካልኦት ሓዋርያት ትንሣኤኣ ከምዘይረኣዩ እሱ ጥራሕ ትንሣኤኣ ከምዝረኣየ ብምንጋር ኣጸናንዓቶ። ከይዱ'ውን ንኹሉም ኣሕዋቱ ሓዋርያት ኩሉ እቲ ዝኾነ ክነግሮም ሓቢራ። ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክዀኖ መግነዚ (ሰበን) ሂባቶ ናብ ሰማያት ዓረገት።  

   ቅዱስ ቶማስ'ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ናብ ኢዮርሣሌም ምስ በጽሐ << ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቀቢርናያ >> ኢሎም ነገርዎ። ንሱ'ውን ፈሊጡ ነቲ ምሥጢር ሓቢኡ። << ሞት ብጥሪ ፣ቀብሪ ብነሓሰ ከመይ ይኸውን።>> በሎም  << ንስኻ ብቀደሙ'ውን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ተጠራጢርካ ሕጂ'ውን ኣይትኣምንን ኢኻ።>> ኢሎም ቅዱስ ጴጥሮስ እንዳመርሖም ናብቲ መካነ ዕረፍቲ ከርእይዎ ሒዞሞ ከዱ። ከርእይዎ ኢሎም መቓብር እንተኸፈቱ ከኣ ናይ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ሰኣንዎ። በዚ ከኣ ሰንበዱ። ኣብቲ እዋን ቅዱስ ቶማስ << ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ከምዝዓረገት ነገሮም።>> ኩሉ እዚ ዝኾነ'ውን ብዝርዝር ነግሮም፣ ንምልክት ክኸወን ዝሃበቶ መግነዚኣ'ውን ኣርኣዮም። ኩሎም ሓዋርያት'ውን ነዚ መግነዝ ንበረከት ክኾኖም ቆሪጾም ተማቒሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ።

   ኣብ ዓመቱ ድማ ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ፣ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ኣብ መበል 16 መዓልቲ ክልተ ሱባኤ ድሕሪ ምፍጻሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝለምንዎ ልመና ተቀቢሉ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  መንበር ፣ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ካህን፣ ንቅዱስ እስቲፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቁራቡ፣ ንናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ።

ሞት ንኹሉ ወዲ ሰብ ብብራኡ ዝበጽሖ እዩ። እንተኾነ ግና ካብ ሞት ሥጋ ንወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘየትረፋ፣ ናይ ፈጣሪ ፈታኂነት (ፍትሓውነት) ዘርእይ እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ቅዱስ ያሬድ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታ ዘደንቅ ምዃኑ “ ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ፣ ሞታ ለማርያም የዐጽብ ለኩሉ፣” “ ሞት ንመዋቲ ይግብኦ ፣ ናይ ማርያም ሞት ግና ንኹሉ ዘደንቅ እዩ።” ኢሉ ዝዘመረ።

ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ምሕረቱን በረኸቱ ይሃበና፣ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና። አሜን ።

                                                                               ወስብሓት ለእግዚአብሔር።

                                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                   ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.