ምሳና ዝነበረ መን'ዩ፧

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

                                                                             ***** ምሳና ዝነበረ መን'ዩ ፧ *****

ንኺድ፡ ንፍጠን፡ ንቐልጥፍ........። በቃ ንቕድሜኻ ጥራይ ትህንደድ። እቲ ንስኻ ብድሩት ዓቕምኻ ክትመዝኖ እትኽእል ቁሩብ ቁራቦ ነገራት ሒዝካ ምጉያይ ጥራይ። ኣብ ከምዚ ህሞት ንእንተታት ቦታ የብሉን። ምዃን ንድሕሬኻ ተመሊስካ ክትረግኣሉ ኣብ ዘይትኽእል ሰዓት'ሞ እንታይ እንተታት ኣድሊዩካ ኢዩ። ጥራይ ዝሓዝካ ሒዝካ ንቕድሜኻ...........።

ኣሸጋሪ ጉዕዞ፡ ኣድካሚ መንገዲ ኮታስ እቲ ብፍርቂ ልብካ እትጎዓዞ ሕይወት ሕጂ ኩሉ ንድሕሪት ተሪፉ ክንሪኦ እንከለና፡ ኣብ መንጎና ጉዕዞ ዝለዓል ሕቶ ኣሎ። ብሓቂ ዲና ንሕና ነዚ ኩሉ ጉዕዞ ዛዚምናዮ፧ ዋላ እውን ናብቲ ናይ መወዳእታ ዕላማና ኢልና ዝተበገስናዮ ቦታ ንኽንበጽሕ ናይ ሰዓታት ሕቶ ተሪፉና ኣብ ዘለወሉ ግዜ እዚ ሕቶ እዚ ጸጸኒሑ በጨቕ ይብለና ኢዩ። መንቀሊኡን መዛዘሚኡን ኣብ ዘይትፈልጦ ምድሪ ዓዲ ጓና፡ እሞ ድማ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ከምቲ ንዓድኻ ጌርካ፡ ከምቲ ከም ከብዲ ኢድካ እትፈልጦ መሬትካ ጌርካ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክትሰግርን ክትሳገርን እንከለኻ ከመይ ዘይገርም፡፡

እቲ ውረድ ደይብ ዝበዝሖ ዓቐብን ቁልቁልን፡ ኣብ ደረት ኣፍ ልብካ ዝበጽሕ ወሓይዝን ንምርጋጾም ዘሸግሩን ገያጻት ኣኻውሕን፡ ካብ ጻዕቁ ዝተላዕለ ብርሃን ፀሓይ ንኸሱልኽ እኳ ንጋዶ ዝኾነ ህልም ዝበለ ጫካን.......እዚ ኩሉስ ብሓቂ ዲዩ ተሰጊሩ። ነፍስ-ወከፍና እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ማህደር ልብና ዓቚርና መዓልታዊ እነስተንትኖ ነገር ኢዩ። ካብ ንቡር ወጻኢ ንመዓልታት ዝቕጽል ጉዕዞ ብመኪና፡ ኣብ ገለን ተሓቢእካ ኣብ ገለን እናተሸቑረርካ ዝሕለፍ ፈታሻት........ኮታስ ሕጂ ክትዝክሮ ከለኻ ንምእማኑ ዘሸግረካ ግን ከኣ ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍና ዘይሃስስ ምስሊ ገዲፉ ዝሓለፈ ሕይወት ብምዃኑ መዓልታዊ ብሓንሳብ ኣብ እንኾነሉ ከይተዘከረን  ከይተዳህሰሰን ዝሓልፍ ታሪኽ ኣይኮነን ።

ሎሚ ግን ነፍስ ወከፍና ነዚ እናክንዝክሮ ዘስደምመና ሕይወት፡ ብመንን ከመይን ከም ዝሰገርናዮ ኣብ ማኅደር ልብና ገለ ሕሹኽ ዝበለና ነገር ኣሎ መስለኒ። ነፍስ ወከፍና ነቲ ብውሽጥና ዝርብጸና ዝነበረ ሓሳብ ኣብቲ ብሕብረት ኮፍ ኢልናሉ ዝነበርና ሰዓት ከነተንፍሶ ምሒር ተርባጽ ነይሩና። ምስ ተኣከብና ሓደ ነቲ ሓደ ንኽዛረብ ዕድል ኣይሃበን፡ ከምቲ ቀደም ውን ይገርም ኢዩ ኢሉ ሱቕ ዝበለ ኣይነበረን። ኩላትና ብሕብረት፡ "ንሕና፡ እዚ ንሕናስ ነዚ ከምዚ ዝብለ መስገደል በየናይ ዓቕምና ኢና ክንሰግሮ እንኽእል? ወይስ በዚ ድኹም ባህርና'ዶ ነዚ ከምዚ ዝበለ ጉዕዞ ክንዛዝሞ ይኽእለና ኢዩ፧ እዚስ ስራሕ ናይቲ፡ ካብታ ኣብ ማሕጸን ኣዴና ዝቐረጸና ደቒቕ ጀሚሩ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ካብ ድሕሬና ከይረሓቐ፡ ብቕድሜና እናመርሐ፡ ብጎንና እንዳ ደገፈ ክሳብ ኣብዚ ዝረድኣና ኤብን ኤዘር ዝኾነ ልዑል ኣምላኽና ደኣ ኢዩ እምበር፡ በዚ ናትና ዓቕሚ ክስገር ኢልካስ ዘይሕሰብ ኢዩ" ዝብል ቃል ምስክርነት ኣብ ሓደ ግዜ ካብ ኣፍ ነፍስወከፍና ነጎደ።

ብርግጽ ከኣ እምበር፡ ከምቲ ብኣና እንተ ዝኸውንሲ፡ ገና ካብታ ጉዕዞና አሐዱ ኢና ዝጀመርናላ ግዜ ኣብራኽና ተኣሲረን ነዛ ምስጓም እኳ ኣይምኸኣልናን። ከምቲ ድሩት ኣተሓሳስባና እንተ ዝኸውንሲ ገና ኣብ ምፍላም ጉዕዞና ብተስፋ ምቑራጽ ኣዕይንትና ደብዚዙ ነዛ ብሃሰስ እኳ ምስጓም ኣይምተኻእለናን። እቲ ፈጢሩ ዘይምንን፡ ኣንቂሉ ዘይጥንጥን ለዋህ ኣቦና ግን ብኸምቲ ድኻምና ክንከይድ ኣይገደፈናን፡፡ ከም ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ መጊቡና፡ ካብ ዘቃጽል ነድሪ ፀሓይ ብደመና ጋሪዱና፡ ኣብራኽና ወለል ንኸይብላ ንሱ ጉልበትና ኮይኑ ንስጉምትና ኣቐልጠፈ፡ ሰውነትና ተሓሊሉ ዘልሓጥ ንኸይብል ሓይሉ ሂቡ ደልዲልና ከም እንቐውም ገበረ፡ ሕልናና ብተስፋ ምቑራጽ ንኽይልበድ ሃልሃልታ ተስፋ ኣብ ውሽጥና ኣጒዱ ብመኣዛ ለውሃቱ ቁስልና ደሪዙ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ብሰላም ኣኣትዩና።

ክንብገስ ከለና ክንደይ ሰባት  ተስፋ ዘየርቅረጹና ፡ ክንደይ ግዜ ይትረፍኩም ተባሂልና ዝይተማዓድና። ሓገዞም ከየበርክቱ ፡ ገንዘቦም ከይከስሩ ነቲ ክንበጽሖ ዘተበገስና ዕላማ ፡ ኣብ መንጎ ተኾሊፍና ንተስፋና ክነቅጽ በተን ጠበትሪ ከናፍሮም ማእለያ ዝይብሉ ሓሶት ሰበኹና። ኣብ ክንዲ ኣይሕግዝን ዓቕሚ የብለይ ምባል ክንደይ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ምኽኒታት ዘይመሃዙ። ሎሚ ብሓይሊ እግዚአብሔር ኣብቲ ንደልዮ ደረጃ ምስ በጻሕና እተን ክንደይ ዝህውትታ ዝነበራ ክናፍሮም ተዓጺየን፡ ብሕፍረት ተኸዊለን ኣብ ዝኣትዉኦ ጠፊእወን ኣሎ።

እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሰብ ነቲ ኣብ ብርሃን ዘሎ ነገር ብንጹር  ክርእዪ ይእክል’ዩ። እቲ ኣብ ብርሃን ዝነብር ሰብ ግና ነቲ ኣብ ጸላም ዝነብር ሰብ  ጸገሙን ሽጉሩን ክንቀሳቀስ ኣይርእዮን ። ኣብ ሕይወቱ ግድላት ዝሰገረ ነቲ ዝሓላፎ መከራ ዘኪሩ ነቲ ኣብ ቃልሲ ሕይወት ዝርከብ ከይረድእ ብስስዓ ሰኺሩ ፡ ቀዳማነት ኣኺሉ ተሪፉ ዝኣክል ገንዘብ ከዋህልል ዘበል ስሚዒት  ዓይኑ ደፊኑ ኣሎ። ነቲ ናይ ጸላም ግመ ክፍታሕ ቁሩብ ብርሃን’ዩ ዝድልየና ነይሩ ። ነዛ ቁሩብ በርሃን ካብ ብርሃኖም ከይካፍሉ ናይ ጸላም ቤት ከይጋልሁ ፡ በርሃኖም ሓቢኦም ኣብ ጸልማት ክነብር ዝፍትኑ ሰባት ብዙሓት’ዩም።

ክብሪ ነቲ ልዑል ኣምላኽና ይኹን፡ ሕጂ ውን እንተ ኾነ ነዘን ተሪፈን ዘለዋ ናይ ሰዓታት ሕቶ፡ ከምቲ ዝሓለፈ፡ እቲ ሓያል ሽደን ኣንበሳ ምሳና ከም ዘሎ እምንቶና ኢዩ። ንሱ መንገድና ይጸርገልና ኢዩ እሞ ካብ ገለ እኳ ኣይንፈርሕን ኢና። ስለቲ ዝገበረልናን ብሕጂ ውን ዝገብረልና ሰናይ ነገርሲ ንኣምላኽና እንታይ ውሬታ ኢና ኮን ክንመልሰሉ? ምንም እንታይ እሞ ኣሎና ንዕኡ ዝበቅዕ.......ምስጋና ጥራይ፡ ከነመስገን ጥራይ፡ ኣብቲ በይንና እግዚአብሔር ጥራይ ረዳኢ ዝነበረ ጉዑዞ ከምዚ እናበልና ንዝመር ኔርና።

ምስጢር ሕይወት
ዘሎን ዝነበረን
ዘልዓለም ዝነብር እንከይተቀየረ
ንትንሳኤ ሰንበት ብክብሪ ብእልልታ
ዓርቢ ሞት ግድንዩ
ከም ፍቃድ ናይ ጎይታ (2)

★ሰቆቃወ ራሄል ዋይዋይታ ናይ ራማ
ደጊምናዬ ሎሚ ሪኢናዬ ሕሰማ
ኣበይት ዝመከራ ዝባና ዘጽሓዬ
ከውግሖንዲዩ ባዕሉ ይነውሕ'ዶ ኢልናዬ

★ ሽሕ ንተጸልመተ ናብራ ሓሲሙና
ዓለም ስቃይ ኮይና ደም'ውን ተነባዕና
ተስፋ መጻኢና ዘይብጻሕ በእሙሮ
ምስ ምረትዛ ዓለም መን የወዳድሮ(2)

★ ካባይ ትሕለፍ ኢሉ ታዘስገራ ጽዋእ
ክንጥዕማ ግድንዩ ስምና እንክጽዋዕ
ተደሒራ ነፍሲ ሱታፈ ኣብ ሕሰሙ
ክርስቲያን ምኮን’ሲ እንታይ’ዩ ትርጉሙ(2)

★ተኣሙሩ ሪኢና ፍጹም ተፈዊስና
ከቢብና ኣብ መኣዱ ፍቅሩ ኣስተማቂርና
ከመይ ይኮነልና ክንፍለ ኣብቀራንዬ
ነቲ መሪር ጽዋእ ብትብዓት ንስተዬ(2)

★ ምስጢር ሕይወት
ዘሎን ዝነበረን
ዘልዓለም ዝነብር እንከይተቀየረ
ንትንሳኤ ሰንበት ብክብሪ ብእልልታ
ዓርቢ ሞት ግድንዩ ከም ፍቃድ ናይ ጐይታ(2)

★ኣብ እሳት ዝምእዝ ዕጣንዩ ሂወትና
ሓዊ ዝኩልዖ ወዝ ናይ ክርስትና
ምቁራጽ የለን ተስፋ ሎሚ ዘንተዓለም
እሱር’ዩ ማዕተብና ዘይፍታሕ ዘልኣለም(2)

★ ኣርኣያ እንድዩ ጐይታ ታዝሓመመላ
ዓለም ዘወቀበ ዝተቀንጠጠላ
ሰሚዬማ’ታ ዕለት ኢሎም ጸላም ዓርቢ
ነይራ ግን ናይ ድኅነት ካብ ኵለን ትዓቢ(2)

★ምስጢር ሕይወት ዘሎን ዝነበረን
ዘልዓለም ዝነብር እንከይተቀየረ
ንትንሳኤ ሰንበት ብክብሪ ብእልልታ
ዓርቢ ሞት ግድንዩ ከም ፍቃድ ናይ ጎይታ(4

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ደንግል

ወለመስቀሉ ክብሩ።

ዘነገድ ባሕር

Comments are closed.