ሜሮን-ካልኣይ ክፋል

//...”ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም “ኤፈ5፡5....//

2ይ ክፋል

ናይ ደቂ ጽርግያ ሕይወት ሓደ ብሓደ ክገልጸልኪ ኣየድልየክን’ዩ ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን በለኒ ካብቲ ዘተቀረበ መኣዲ እናኾለሰ። እቲ ብንኡሰይ ከለኹ ድያቆን ሓወይ ዘለማመደኒ ጽን ኢላካ ናይ ምስማዕ ባህርያተይ ፡ ነዚ ናይ ባህራን ታሪኽ ብጾሞና ክሰምዕ ይሕግዘኒ ኣሎ ። ነዚ መሳጢ ግን ከኣ ዝሕዝን ዕላሉ ብእዘነይ ጥራይ ዘይኮንኩ ካብ ጸፍሪ እግረይ ክሳብ ጸጉሪ ርእሰይ ተዘዛ እናበለኒ’የ ዝሰምዖ ለኹ። ድንግልናይ ወዲ ዓስርተ ክልተ ዓመት ከለኹ ምስተን ብዘይ ድሌተንን ባህገንን ግዳም ሓደር ክኾና ዘመረጻ ኣዋልድ ኣረኪበዩ።.

እቶም ኣብ ጽርግያ መሕደሪና መዉዓሊናን ዝኾነ  ሕፃትን የዕሩኽተይን ፍቕሪ’ዩ መግብና። እቲ ካብ ፈቀድኡ ማእሪርና ዘምጸናዮ ገንዘብ ተማቂልና ከንድብና ንዕንግል። መኣድና ጸሎት ኣይተሓወሶ እምበር እተን ንረኽባ መግቢ ብሰሓቅን ጸወታን ካብ ኣፍና ናብ ከብድና ብዘይ መዉረዲ ማይ ሱቱኽ ዝብል። ከብድና እሳትዩ ፡ ዝተቀበሎ'ዩ መግቢ ይህልኽ ።ሓናት ሒዛንትኒ ፡ እቶማኮ ላሕጺኒን እናበለ ዘማርር ሰብ የብልናን።እተን ኣብ  ካልስናን ኮስትሞናን ዝሓባእናዮ ገንዘብ ኣብ ኣባሻውል ምስተን ኣመንዝራ ንሕንሽሾ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕይወት ምስ ጠሓልኩ ኣብ ትምህርቲ ዘነበረኒ ተገዳስነት ካብ ሰማይ ንምድሪ ወረደ። እቲ ምትርፍ እኳ ኣይተረፍኩን ግና ብሰንከለልከል ትምህረተይ ወዲአ። መዓዛ መቀረት ምንባረይ ኣብዛ ዓለም ምስኡ ተመጺዩ ተወዲኡ’ዩ ካብ ሰማይን ንምድሪ ባይታ ዘቢጡ ። ኣደይ የብለይ ፡ ኣሰረ ኣቦይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥ፡ ኣብዛ ዓለም ፍጥር ከይበልኩ ንመከራ እሕሊፈ ዘተወሃብኩ’የ ሰብ።ሓቂ ምዝረብ እቶም ኣኮታተይ ኣብቲ መዋፈርን ምዕረፍን ኣዉተቡሳት መጺዮም ካብቲ ሓተላ ናብራ ክዉጹኒ ፈተነታት ኣካይዶም’ዮም ። ግና ኣይሰለጦምን ሓንሳብ ኣእሙሩይ ስሒቲ’ዩ ብቀሊሊ ናብ ንብር ዝምለስ ጉዕዞ ኣይነበረን።

ናብ ኣደይ ኣሊየኩም ኣለኹ፡

ከምዚ ክብለኒ ከሎ ኣደይ ኣበይ ዝርኣየቶ ሓልዮትን ተገዳስነትን ብልጭ ኢሉ ተሰኣለኒ። እቲ ኣነ ሎሚ ዘለኽዎ ፡ ዉጽኢት ናይ ኣደይን እቶም ካብ ንእስነተይ ቃላ ኣምላኽ ዘኮለሱኒ ደቂ ማኃበረይ መዃኑ ደሚቁ በረሃለይ። ንወላዲተይ ዘለኒ ክብሪ ዛያዳ ንኸመስግና ደረኸኒ። ኣደይ ግና ጓል ሰለስተ ዓመት ከለኹ ሰብ ብድቅሱ ምስቶም ካህናት’ያ ቤተ-ክርስቲያን ትኸፍት። ኣደይ ካብ ኢዳ ከም ቦርሳ ኣይትፈልየንን እያ።ኣብ ዝኣተወቶ ይኣቶ ፡ ኣብ ዝኸደቶ ይኸየድ። ኣቦይ ፡ ግደፍያ እንዶ እዛ ቆልዓ ትደቅስ ንስኺ እንተ ደሊኺ ተሳሊምኪ ምጺ ክብላ ኣይርስዖንየ ። ኣደይ ግና ቆልዓ ብንእሱ ቆርበት ብርሑሱ’ያ ትብል ።ንግሆ ምትሳእ ዋላ እኳ ኣይፍቶ እምበር ክህናት ወረብ ክዉርቡ ፡ የማን ጸጋም ከሸብሽቡ ፡ ጸናጽልል ጭልጭል ከብሉ ፡ ጥዑም ደሃይ ከበሮ ሂም ክብል ክሰምዕ ግና ዉሽጠይ ታሕጓስ’ዩ ዘምላእ እንቋዓኒ እባ ድቃስ ተሪፍኒ ይብል። መልክዕ ብትሑት ዜማ ክደግሙ ከለዉ ኣብ ትሕቲ ኣደይ ይድቅስ ፡ ወረብ ክጅመር ከሎ የበራበር። ጣዕሚ ሽታ ናይቲ ምስ ጸሎት ዝሃግግ ዕጣን ዝፈጥረለይ ባህታ መዳርግቲ የብሉን። ቅድሴ ክጅመር ይታኸስ ሰለ ዝነበርኩ በዓል ኣደይ ምሕረት ፡ ኣደይ ኣብርሃጽዮን ኣንቲ ቆልዓ ብሓደ ኣፊቱ ኣብ ግዜ ቅድሴ ኣይድቀስንዩ ብምባል ብመርኩሰን ክትኽትኻኒ ከመይ ገይረ ክርስዖ። እዚ ሕይወት ዳግማይ ተመሊሰ እንተ ዝለብሶ ድስ መበለኒ ። ዕድመ መዉሳኽ ናብራ ስደት ተሓዊስዎ ንመንፈሳዊ ዕቤተይ ኣብ ዝፈታትነኒ ዕድመ ፊት ንፊት’የ ዝገጥመ ዘለኹ።

ናብ ባህራን መሊሰኩም ኣለኹ፡

።ናይ ዝሙት መንፈስ ብሰንሰልተኡ ሞቌሕኒ ፡ ኣብ ጥሕቲ ቁጹጹሩ ይእቲኒ። ኣካላተይ ብፍተወት ደቂ ኣንስትዮ ተቃጺሉ። ኣዋላድ ብቀሊሉ  ከመይ ጌይርካ ተደናግር  ፡ ዝብል ናይ ፍሕሶ ገመድየ ክጥምጥም ይዉዕል ። መዓልታዊ ዕላመይ ኣብ ሰሙን እንተ ወሐደ ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋለድ ስጋዊ ድሌትካ መርዋ’ዩ። ሰለምታይ  ዝይዳ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ሩካቤ ስጋ ዝፈጸመ ሓሪፍ ወይ ኣዝማሪኖ  ዝብል ቅጽል ስም ሰለዝወሃቦ ፡ ነዚ ቅጽል ሰም ክብሕቶ ሰለ ዝደለኹ ምስ ቡዙሓት ደቂ ትምህርተይ ብረቂቅ ሜላ ክእለት ኣዘራርባ እንናተጠቀምኩ ከም ዝፍቀረን እናገለጽኩ ድንግልንኣን ዘወስድኩለን ዉሑዳት ኣይኮናን። ካብ ኵሉ ዝሕነኒ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ኵሉኹ ምስ ተማሃሮ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ዝፈጸምክዎ ርክብ’ዩ። ምስ ጴጠዉን(መናፍቃን) ኣይሓደኩን ። ካብ ተመኮረይ ተማህሮ ትምህርቲ ሰንበት ንኸተጋግየን ብዙሓ ኣድካሚ ሜላ ኣየድልየካን’ዩ ኮይኑ ይመስለኒ። ኣብ ፈለማይ ክትላለየን ቁሩብ ዘጸገም እንተ ኾነ ናይ ዓለም ነገር ሰለ ዘይፈልጣ ካብ ኣፍካ ዝወጻእ ቃላት ንኽኣምንኦ ግና ግዜ ኣይወስደለን’ዩ ።

እዚ ሮማንቲክ ዝበሃል ፍቅሪ እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን'የን  ሰባት ክዛረቡ ግና ብኣእዛነይ ሰሚዓ ኣለኹ ፡ ኣነ ስጋዊ ድሌትካ መርዋይ ጥራዩ ዝረኣየኒ ። ጓል ብእዛናያ ተፍቅር ዝበሃል ሓቂ ኮይኑ ረኺበዩ ሰለምታይ ኣብ ኣእዛን ደቂ ኣንስቲዮ ብቀሊሉ ስፍራ ይረክብ ሰለ ዝነበርኩ።ካብ በዓል ጣፍ በዓል ኣፍ ዝበሃል ምስላ ሓቅነቱ ኣብ ገዛእ ነብሰይ ኣረጋጊጸዮ። ልሳን እትህቦ ጥቅሚ ኣብ ምስትምቃር ዘተሓጸረ ኣይኮነን። ንከምዚ ከማይ ንሕማቅ ወልፍታቶም ጠባቢሮም፡ ሓሶም ሚሂዞም ንሰባት ክጋግዩ ትሕግዝ። ንገለኦም ድማ  ጽድቂ ክሰብኩ ፡ ንልቢ ደቂ ሰባት ኣረስሪሳ ሕይወቶም ክልዉጢ ከም ዘለዎ ትሕግዝ። ኣነ ንልሳነይ ኣብ ትሕቲ ከይሲ ኮይና ፡ በቲ ንሱ ዝብላ መምርሒ ክትከድ ብፍቃደይ ኣረኪበዮ። ክቅጽለልኪ ....

ክገርመኪ ኣብ ሕይወተይ ተሰሚዕኒ ዘይፈልጥ ፈትወትን ፍቅርን ፡ በሰላ ኣብ ደንቢ ልበይ ሓቲማ ፡ምስኣ ንኽነብርን ንኽፍቅራ ዝማረኸትኒ ፊልማዊት ጓል ሜሮን ትበሃል። ነዛ ጓል ኣብ ዓዲ ሓርሽ ምስ ረአኽዋ ረመጽ ሓቐኛ ፍቅሪ ካብ ልበይ ክግንፍል ተሰመዓኒ፡ ኣምላኽ እዚኣ እንተ ሂብካኒ  ፡ ክፋኣይ ተፊአ ፡ናብ ንቡር ሕይወት ክመልስየ ብምባል ምስ ነብሰይ ቃል ኪዳን ኣተኹ። ታሪኸይ ክቅይር ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝፈስስ ዘነበረ ቃል ወንጌል ንምስታፍ ትምህርቲ ሰንበት ተመላለስኩ። መቸም ሓቂ ምዝራብ ንቁሩብ መዓልትታት ተረጋጊአ፡ ንሓጥያት ንእስነተይ ተጸይፈዮ ። ናይ ዝሙት መንፈስ ግና ፈጺሙ ካባይ ክርሕቅ ኣይከኣለን። ኣብ ጎርቤተይ ዝነበሩ የዕሩኽተይ ኣብ ጎድና ንእስነት ይመላለሱ ብምንባሮም ምስኦም ሕበር ዝብል ድምጺ ድወል የመጸኒ ኔይሩ። ኖእ ኣይፋለይን ፡ ኖእ ኣይፋለይን ፡ ኖእ ኣይፋለይን ....ይብል ጽንሕ ኢለ ድማ ብድድ ብምባል ምስቶም ኣዕሩኽተይ ክሓብር ይደሊ። ናቶም ጎሮባብተይ  መንፈሶም ርጉእ ኣይኮነን ፡ ገዝኦም ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ብደፍን ሽግራን ተጠጂኡ’ዩ ዝዉዕል ። ምስኦም ጥቡቅ ዕርክነት ምስ ምስ ጀምርኩ ኣዒንቲ ኣእምሮይ ድግማይ ተደፈነ፡ ኣዋልድ ሓባቢልካ ናይ ምትላል ስራሕ ቀጸልክዎ።

ናብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ዝደፋፍኣኒ ምኽንያት ደሃይ ኣቦይ ሰለ ዝረከቡኩ'የ። ኣቦይ ናብ ዝኾነ ሃገር እንተ ሰጊረ ንኣሜርካ ክወስደኒ ምዃኑ ተማጻቢዕለይ ። ኣነ ግና ናብ ስደት ዝምርሓኒ ቀንዲ ፈረ-ዕላማ ጓስየ ነቲ ኣብ ልብይ ዝነገሰ ጽዩፍ ኣመል ካብ ምስዓብ ግና ደው ኣየበልኩን። ነታ መናብርተይ ክትከዉን ዝፈተኽዋ ጓል ሔዋን ምስቶም ኣዕሩኽተይ ሌላ ሰለ ዝነበራ ፡ ብመገዶም ክላለየ ዕድል ረኺበ። ተላሊያዉን፡ ተላሊያውን ሰቅ ኣይበልኩን ኵምራ ሓሶት እናኻሰስኩ ቀረክዋ። ኣቦይ ከምቲ ዝሓስብክዎ ኣይረኽብክዎን። ንመነባብሮይ ሒድት ገንዘብ'ዩ ዝሕወለለይ።

እተን ሒደት ዝሰደለይ ገንዘብ ንመነባብርይ ኣኻሊ ዘይምዃኑ ተገንዚባ ሜሮን ኣብ ገዛኣ ምስኣ ክምሳሕን ክድረርን፡ ኣፍቀደትለይ። ነዚ ጽቡቅ ኣጋጣሚ ተጠቂመ ሕቡእ ድሌታተይ ክስምር ተጓየኹ። እንታይ እሞ ድሌተይ ከየማላእኩ ናይ ስደተኛ ወረቀት ተቀበልት።ወረቀቱ ዝሰለጦ ሰብ ኣብ መዓስከር ንሓንቲ ለይቲዉን ዝሓደር የለን ።ሜሮን ወረቀታ ሰለ ዝተቀበልት ናብ ኣዲስ-ኣበባ ኣምርሐት። ድሕሪ ክልተ ሰመን ኣነዉን ከም ሰበይ ሰሊጥኒ ንኣዲስ ሰዓብክዋ። ሜሮን ብርከት ዝበለ ገንዘብ ስለ ዝሕወለላ በይና ተኻርያ ፡ ምቾት ናብራ ትመርሕ። ነዚ ብኮ ተጠቂመ ኣብ ገዝኣ እናተመላለስኩ ከብደይ ይዒንጊለ’የ ። ምስክነይቲ ሜሮን ያኢ ኣነ ሰብ ክኸዉን ቃላ ኣምላኽ ትምህረኒ፡ መዝሙር ተስምዓኒ ፡ ናተይ ትልሚ ግና ኣብ ልዕሊኣ ስርሔት ምክያድ። ዝመሃረትን ዝተዛረበትን ከይቅለብኩ ኣሜን ብምባል’የ ብዘይ ሕቶን ርኢቶን ብጥሪአየ ዝቅበላ።

መፈጸምታ ወርሒ ግንቦት’ዩ ኣቦይ ገንዘብ ኣይሰደደለይ ። ንሜሮን  ገንዘብ ኣለቅሒ ንኽራይ ገዛ ዝኸዉን በልክዋ። ሜሮን ኵሉ ሽግረይ ጸገመይን ተረዲኣ ካብ ጥረ-ገንዘብ ዝህበካ ምሳይ ዝይትቀመጥ ሓዊ ድማ ትኾነኒ በለትኒ። ብዘይ ንሱ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ዝኸዉን ጸልሚቱ፡ ሃራሚኻን ጎዳኢኻን ዘይትፈልጠሉ ፈጣጥ ጸላም ኣይሰደካን ብምባል ኣብ ሳሎና ይሕዲራትኒ ኣላ። ኣብ ግዝኣ ምስኣ ክነብር ሻዓ ኣሐዱ ኢለ ጀሚረ። ካብ ኣቦይ ወላዲየይ ዘይረኽብክዎ ምሕብሓብ ካብ ሓንቲ ዘይፈልጣ ድኽነተይ ዘደንገጻ ጓል ሔዋን ከምዚ ዓይንት ሓልዮት ክረክብ ሓሲበዮን ሓሊመዮን ኣይፈልጠን።ሕሉፍ ሕሱም ናብራይ ድሕሪ ደጊመ ኣብ ቂዑ ሰብ ሰብ ዝሽትተሉ እዋን ደበኽ ኢሉ እናበልኩ ተጸናናዕኩ። ደርፊ ተሪፉ፡ ኣፈይ ካብ ሕማቅ መስተ ተኸዊሉ  ልይትን መዓልትን ኣእዛነይ ብመዝምሩን ሰብከትን ሰብሐ። ተረጋጊአ እፎይታ ክስተማቅር ንብዑልግ ናብራይ ቀብርክዎ። እንታይ እሞ ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ኮንኒ። ኣብ ዓለም ይዕበ ይንኣስ ዝኾነ ሰብ ፈተነ ይገጥሞ’ዩ  ። ነዚ ፈተነ ዝሰግሩ ሰባት ጥራዮም ዉሽጣዊ ሩፍታ ዘስተማቅሩ። እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃነይ ኣይርደኣን ዝጓንፈኒ ፈተና ብቀሊል’ዩ ዝስዕረኒ።

ኣዲስ ኣበባ ንዓይ ክልተ ገጻት ሕይወት ክገጥም ደሪኻትኒያ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይከምቲ ዝዓበኹላ ኣስመራ ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ወዲ ዘይኮነ ንዝሞት ዝዕድመን ኣዋልድ’የን ባዕለን ጠዋዊቀን’የን ዝፍትናኻ። መቸም እንታይ ክብል ከም ዝደለኹ ዝጠፈኣኪ ኣይመስለንን ይ። ይትረፍዶ ኣዋልድ ባዕለን መጺናኒ ኣብ ጥቃይ ክቀርባ ፡ ባዕለይ ኣብ ቅርዓተን ከይደ’የ ዝሙት ዝፍጽም መንእሰይ ፡ ናብቲ ዘተፋእክዎ ሕይወት ተመለስኩ። ካብኣተን ሓሊፈዉን ምስ ጎረባብተይ ሓሙሽተ ዝኾና ኣዋልድ ብስጋ ፈሊጠየን ኣለኹ። ወረ ገሊአን ካብ ኣተንስ ተመሃሮ ትምህርቲ እየን። ምስ ሜሮን ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ዝኸዉን ተቐሚጠ። እዘን ሹድሽተ ወርሒ ዳርጋ ኣብ ሳዋ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝሕለፍዎክዎ ኮይኑ ዝሰመዓኒ ። ስዋ ንኸምዚ ከማይ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ትዕርያ ክብሉ ሰለ ዝሰማኩ’የ ፡ ናይ ሜሮን ገዛ ብሳዋ ዝምስላ ዘለኹ። ንሜሮን ኣስሕታ ፡ ንሜርን ኣስሕታ ፡ ዝበል መንፈስ ይደፋፍኣኒ ኣሎ ፡ ግና ከመይ ጌረ ኣሞ ክደፍራ ነዛ ገባሪት ጽቡቀይ ይብል ኣለኹ። ካብ ኵሉ ሕይወት ክናገፍ ክሳብ ኣበነ-ነብሲ ክሕዝ ንሕይወተይ ንየማን ክመርሕ ትጽዕር ንጽህቲ ጓል ሔዋን ከመይ ኣቢለ ክብድላ። ካብ ሕውነት ሓሊፉ ከም ዝፍቅራ ፡ሓደ መዓልቲ ተቢዓ እኳ ኣይኣፍኣምኩልን ዘለኹ። ከምዚ .............................

//….ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር 1ቆር6፡18.........//

ራህዋ-ተስፋይ

2018-02-26

3ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ቀደመ ሰንበት ክነቅርባ ኢና

Comments are closed.