ሜሮን-ቀዳማይ ክፋል

//.....ሓቀኛ ዝተፈጸመ ታሪኽ’ዩ ። ከም ኣምላኽ ፍቃድ ኣብ ሠለስተ ክፋላት ክቅርቦ ክፍትንየ ፡ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት መሃሪ ክኸዉን ኢለ ይግምት። ሓቀኛ መጸዊዒ ኣስማት ናይዞም ኣብዚ ታሪኽ ዘርዚረዮም ዘለኹ ምጥቃስ ኣገዳስነት ሰለ ዘይብሉ ፡ ኣብ ክንዲ ቀንዲ ኣስማቶም ተካኢ ኣስማት ባዕላይ ስም ኣዉጺሎም ኣለኹ.............ጽቡቅ ናይ ንባብ ግዜ ይምነየልኩም.//

ሕጂ ኣብ ስታር ባክስ(Starbucks) ኣለኩ። ጾም ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ኣብ ስታርባክስ(Starbucks) ላተ ምስታይ ብጣዕሚ’ዩ ደስ ዘብለኒ ፡ ኣብ ግዜ ጾም ድማ ሶያላተ ይሰቲ። ናይ ንግሆ ላተ እንተ ሰትየ ምሳሕ ነጢረ ምስ ድራር’የ ዝራኸብ። ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ናይ ርብዒ ፈተና (midterm) ዛዚመ ኣለኹ። ፈተነ ምስ ወዳእኩ ዘዓባ እቲ ዘተፈተንክዎ መርመራ ክዝክሮ ፈጺመ ኣይደለን። ወጽኢት ፈተናይ ካብ መምህራይ ጥራ’የ ክረክብ ዝፈቱ። ቁጽሪ ክንድዚ እንታይ መሊስክያ፡ ከምዚ’ዶ መጺያትልኪ ካብ ዝብሉ ተመሃሮ ርሕቅ ኢለየ ዝሃድም። እታ ዘላ ኣብኣ ኣላ እንታይ ኣምጽኦ ምጭናቅ ካብ ዝብሉ ተማሃሮ’የ። ኣብ ስታር ባክስ(Starbucks) ኣእምሮይ ክሕደስ ኣይኮንኩን መጺየ ዘለኹ። ምሰ ሓደ ኤርትራዊ ካብ ኢትዮጵያ ንኣሜርካ ክቅመጥ ዘመጸ ጋሻ ተቋጺርና ኣለና።፡ ጎሮቢተይ ምኻኑ’ዩ፡ ዕዮ ገዛ ናይ ትምህርቲ ሰለ ዘለዎ ነቲ ዘተዋህቦ ዕዮ ገዛ ተሓጋጊዝና ክንሰርሖ ኢና። ሽሙ ንድሕነቱ ዓቂበዮ ኣለኹ። ንትረኻ ምዝንታዉ ክጥዕመልና ባህራን ዝብል ስም ኣጠሚቀዮ ኣለኹ ።

ናይ ሰዓት ቆጸራና እናኣኸለ’ዩ ። ባህራን ክሳብ ዝመጸኒ ምስ ሓደ ወዲ ገዛዉተይ ድያቆን ብውትስኣብ (WhatsApp) ንዕልል ኣለና። እዚ ድያቆን ንዓይን ንመሳቶይን ካብ ንእሰነትና ጀሚሩ ክሳብ ንጉቡዝ ብቃላ ኣምላኽ ኮስኪስና’ዩ። ዘይነጽፍ ባሕሪ ዝኾነ ዓቅሊ’ዩ ዘለዎ። ምሂር ዉዒልና ከም ኢዱ ኣይንፈድዮና ኢና። ብፍላይ ኣነን ልዋምን ነዚ ድያቆን ብምረበሻ ንዓቅሉ ንፈታትኖ ኢና ። ግን ከ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ትኹን ተቆጢዑ ብጌጋ ኣመርኪኽና ወይ ሃሪምና ኣይፈልጥን። በትሪ ንኣድጊ እምበር ንሰብ ኣይፋላን ካብ ዘብሉ ሓደ’ዩ። ኣብቲ ናይ ቤት-ትምህርቲ ሰንበትና ኣዳራሽ መዝሙር ዝለማመድሉ፡ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ንዓይ ንልዋምን ገለ እንተ ዘሓልናን ረጋእናን ብምባል’ዩ መስለኒ ታሪኽ ናይ ኣዴታት ቅዱሳን ብኣዝዩ ምሳጢ ዝኾነ ኣዘናትዋ ይትርኸልና ኔይሩ። ተመሃራይ ኣስመራ ዮኒቨርስቲ’ዩ ፡ ብዝለዓ ነጥቢ (with great distinction ) ብምሓዝ’ዩ ብኣካዉንቲን ዓዉዲ ትምህርቲ ዝመሃር ዘሎ። ሰቃላ'ዩ(እቲ ዝለዓለ ነጥቢ ዘለዎ ) ተመሃራይ'ዩ ክብሉ ሰሚዓ ኣለኹ። ኣብ ኣብዛ ምድሪ ዓለም ከሙኡ ገይሩ ዝሓልየለይን ዝከናኸነን ሓዊ ዳግማይ ዝረክብ ኮይኑ ኣይስመዓን።

ኣብ ድራማን ሰነ-ጽሑፍን ዝንበለ ክሕድር ዝደፋፍኣኒ ንሱ’ዩ ። ታሪኽ ቅዱሳን ከም ዝፈቱ ሰለ ዝፈልጠኒ፡ ራህዋ ዓቅሊ እንተ ጌይርኪ ደሓር ጥዕምቲ ታሪኽ ክስመዓኪ’የ ። መደብ ክሳብ ዝዉዳእ ካብታ ኮፍ መበሊትኪ ከይትትንስኢ ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይትዕሊሊ ዝብሉ ለበዉኡ ኣይጸልኦን’የ። ታሪኽ ቅዱሳን ከነግረኒ፡ ድሌተይ ምእታን ከማልኣለይ ከይፈተኹ ኣብታ ዘለኽዋ ኮፍ ኢለ ኣብራኸይ ክሳብ ረሸሽ ዝብለኒ ተረኽሙሸ’የ ዝዉዕል። ናይ ሕጻናት ምስ ተወደአ ኣብቲ ናይ ዓበይቲ መደብዉን ኣልግብ ኣቢለ ይሳተፈ’የ። ኣብ ናይ ዓበይቲ መደብ ከበሮ ምሃራም ደስ’ዩ ዘብለኒ። ኣነን ልዋምን ገለ ዶ ኾን ናብ ናይ ዓበይቲ መደብ ይሕልፉና ብምባል ምስቶም ናይ ዓበይቲ መዘምራን መዝሙር ክንላምድ ፈቲና ኢና።እቶም ናይ ዓበይቲ መዘምራን ምስኦም ክንላመድ ክንመጽእ ከለና መዘምራን ብስንክና ኣብ ክልተዮም ዝኽፈሉ። እቶም ኣዉዳት መብዛሕትኦም ምሳና ይላመዳ ግደፍወን ክብሉ ከለዉ። እተን ኣዋልድ ግና ኣብ ናይ ሕፃንት ይኺዳ ምስ ክንደይ ጨረማርም ክንላምድ ።መጸጽቲ ፡ሰነ-ስርዓት ግበራ ኪዳ ኣብቲ ናትክን ይብላና ኔይረን። መቸም ኣብ ግዜኡ ብቋራጭ ወይ ብታህሪብ ዘይኮነስ ዕድሚና ምስ ኣኸለ ናይ ዓበይቲ መዘምራን በጺሕና’ዩ ኢና።

ምስ ባህራን ንራኸቡ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ ። ባህራን ፍርቂ ሰዓት ከም ዝዱንጉይ ኣቡኡ ደዊሎም ሓቢሮሙኒ ኣለዉ። ኣቦይ ግርማይ ንባህራን ብወሰን ዘወልድዎ ሕሳስ ልደት ዉላዶም’ዩ። መንእሰይ ከልዉ ግዲ ዉዑይ ኔይሮም ፡ ካብ ካልእ ሰበይቲ ዘወልድዎም ደቆም’ውን ኣብ ካናዳ ኣለዉ ።እዛ ምስኦም ዘላ ቀንዲ በዓልቲ-ቤት ኣቦይ ግርማይ ሳባ ትበሃል ። ሳባ ካብተን ንቤተ-ክርስቲያና ዝመስረታ ቅዱሳን ኣዴታት’ያ። ሳባ ነዋሕ፡ ምልክዕቲ ፡ ኵሉ ክዳን ዘጸብቀላ፡ ተዋዛይትን ምስ ኵሉ ሰብ ሕዉስቲ ፡ መዓር ወለላ ዝኾነት ኣደ እያ። ኣብ ቤተ-ክርስቲያና ዘመጸ ገሻ ኣብ ገዛ እንዳ ኣቦይ ግርማይ ክልተ ወይ ሰለስተ ጊዜ ምሳሕ ዘይተዓደመ የለን። ሓደሽቲ መንእሰያት ስራሕ እንተ ደሊዮም ናብ ሳባ ኢኻ ሪፈር ትብሎም። ናይ ሰብ ጽቡቅ ዝሕጉሳ ፡ ናይ ሰብ ጋሂ ዝሕዝና ሳባ ኣብ ዘይትኣትዎን ዘይትፈልጦን ትካላት የለን። ፍሒራ ፈሓሒራ ንዘመጸ መንእሰይ ስራሕ እንተዘይ ረኺባትሉ ኣይትድቅስን’ያ። ንሳባ እንተርፎ ሰይጣን ፡ ሰብ ዘጸልኣ ኣሎ ኣይብልን።”ሰብ መኽሰብ” ትብል ምስላ መሪሕ ናይ ሕይወታ’ዩ። ኣብዚ ዓዲ ዘለኽዎ ሳባ ዘይተሳተፈቶ ዉራይ ወይ ሓዘን ኣሎ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቀ’ዩ። ኣምላከ ቅዱሳን ከም ማማ ሰባ የብዝሓልና።

ባህራን መጺዩ ኣሎ ። ንባህርን እንትርፎ እተን ክልተ ሰንበት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምስ ኣቡኡ ኣቦይ ግርማይ ዘመጸን እንተ ዘይኮይኑ ካልእ መዓልቲ ርኢዩ ኣይፈልጥን’የ። ኣሜርካ ካብ ዝመጸእ ካብ ገዛ ወጺኻ ሻሂ ፡ቡን ምስታይ ዘየለመደ ባህራን ዝኾነ ዉዑይ ዝሰተ ከምጽኣሉ ተሰማሚዕና አለና። ላተ ከም ናይተይ እንታይ ከይብሎ ብዓቢ ኩባያ ኣምጺአሉ ኣለኹ። እቲ ዘተዋህቦ ዕዮ ገዛ ቁጽርን እንግሊሽን ኣብ መዝዛም በጺሕና ኣለና። ባህራን ፡ ክንረዳዳእ እንከለና ጸጸኒሑ ዝን ይብል ኣሎ። ኣካሉ እምበር ኣእምርኡ ምሳይ ከም ዘየለ ብቀሊሉ ይዕዘቦ ኣለኹ። ክንደይ ሳዕ እሞ ሸለል ኢለ ክሓልፎ ክሓቶ ኣለኒ። እንታይ ደኣ ናይ ደሓን ዝን ተብዝሕ ኣለኻ በልክዎⵗ ”ደሓን’የ ይርደኣኒ ኣሎ ተረድእኒ ዘለኺ” ራህዋ በለኒ ርእሱ እናሓኸኽ። ምሳይ ከምዘየለ ክረጋግጸሉ ምእታን ካብቲ ንሰርሖ ዘነበርና ከም ዝተረደኣካ ከረጋግጽ እስክ እዚኣ ሕቶ ፈትና በልክዎ። ነታ ርሳሱ ኣብ ኣፉ ብዉእታዉ ቁሩብ ብምሕሳብ ድገምለይ እስኪ ቁሩብ ኣይተረደኣን ዘሎ በለኒ። ጸገም የለን ብምባል ከም ብሓድሽ ኵሉ ከረድኦ ፈተንኩ። ባህራን ሓወይ ዝኾነ ኣነ ዝሕግዞ ነገት እንተ ሀልዮ ክሕግዘካ ቅርብትየ ብምባል ሓተትክዎ። ድሕሪ ቁሩብ ኣፉ ብምልጓም ፡ መልሓሱ ክዛረብ እናሰሓለ ፡ ታሕተዋይ ክንፈሩ ብየማናይ ኢዱ ፡ብዓባይ ዓባይቱ ተደጊፉ ፡ ራህዋ ን ትምህርቲ ዝኸዉን ርእሲ የብለይን ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ። ነዚአን ተሪፈን ዘለዋ ንወደኣየን እሞ ኣነ መን ምዃነይ ክዕልለኪ’የ ከይትፅይፍኒ ግና ሓደራ በለኒ። በቲ ዝሃበኒ ግብረ መልሲ ዕግብቲ’የ። ነተን ዝተረፈ ሕቶታት ወዲእና ኣለና። ታሪኽ ምስማዕ ወትሩ ደልዉ ዝኾና  ኣእዛነይ ጸልየ ፡ ዛንታ ባህራን ክሰምዕ ተዳልዩ ኣሎ።

ናይ መሳሕ ሰዓት ይቃራረብ ሰለ ዝነበረ ካብቲ ዝመሃረሉ ዮኒቨርስቲ ዝረከብ ስታርባክስ (Starbucks) ወጺና ናብ እንዳ ሓበሻ ክንምሳሕ ንኸየድ አለና። ኣነ ሓታቲት ንሱ መላሳይ ። ካበይ ዓዲ መጺኻ ⵗ ኣበይ ኔይሩ ገዛዉትኻ ⵗ ኣሜርካ ከመይ ረኺብካዮ ⵗዝበሉ ሕቶታት ተራ ብተራ ሓቲተዮ። ኣዲኡ ግና ወዲ ሠለስተ ወርሒ ሕጻን ከሎ’ያ ዓሪፋ። ዓባዩ ክንዲ ኣደን ዓበይን ኮይነን’የን ይዕቢንኦ። ወዲ 10 ዓመት ምስ ኮነ ካብ ወኪ-ዛግር ንኣስመራ ናብ ኣኮታቱ ትምህርቲ ክቅጽል ምስ መጸ ዝቋጻጸሮ ሰብ ሰለ ዘይነበር ካብ ኣኮታቱ ተሓቢኡ ገንዘብ ንኽረከብ ስራሕ ፈተሪኖ ጀመረ። ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ዝበጽሕ ቀዳማይ ታርታ እናወጸዩ ትምህርቱ ዝከታተል ነይሩ። “ ኣብ ፈተሪኖ ዓለም ምስ ኣተኹ ግና ቅጥፈትን ንጥፈትን “ ጀሚረ በለኒ ዝሓለፈ ሕይወቱ ንድሕሪ ተመሊሱ ክገናጽል ኣብ ዝጀመረሉ ሰዓት ። ካብ ምስቶም ዘይፈትዉኒ ኣኮታተይ ጥዑም መብላዕ ንኸስዓይ መጊበ፡ መርዚ ንኣእምሮ ዝኾነ ቃላቶም ዝቅለብ ፡ምስቶም ድሕረ ባይታይ ከይመርመሩ ብዘይ ቅድመ ኩነት ዘፍቁሩኒ ደቂ ጽርግያ ኣብ ኣውቶቡሳት ወይ ጎደናን ኣስመራ ምንባር መሪጸ። “ናይ እንዳመን ድቃላ’ዩ በጃኻ “ ዝብል ቃላ ኣኮታተይ ብፍላይ ንልበይ ብዘይላማ’ዩ ዝሓርደኒ። ኣነ ኣብዛ ዓለም ክፍጠር ፡ ብናተይ ምርጫ ኣይኮነን ። ዊንታይ ኣይኮነን ብወሰን ክዉለድ፡ ኣምላኽ ከምኡ ጌይሩ ፈጢሩኒ  ክንሱ፡ እቶም ኣኮታተይ ፡ ስለምታይ ምፍጣረይ ዝጽልኦም ፡ ከምታ ዝኾንክዋ ዘይቅበሉኒ።

ናይ ደቂ ጽርግያ ሕይወት ሓደ ብሓደ ክገልጸልኪ ኣየድልየክን’ዩ ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን በለኒ ካብቲ ዘተቀረበ መኣዲ እናኾለሰ። ነዚ መሳጢ ግን ከኣ ዝሕዝን ዕላሉ ብእዘነይ ጥራይ ዘይኮንኩ ካብ ጸፍሪ እግረይ ክሳብ ጸጉሪ ርእሰይ ተዘዛ እናበለኒ’የ ዝሰምዖ ዘለኹ። ድንግልናይ ወዲ ዓስርተ ክልተ ዓመት ከለኹ ምስተን ብዘይ ድሌተንን ባህገንን ግዳም ሓዳር ክኾና ዘመረጻ ኣዋልድ ኣረኪበዩ።..........ይቅጽል

2018-02-22

ራህዋ -ተስፋይ

Comments are closed.