ሜሮን-ሣልሳይን ናይ መወዳእትን ክፋል

ምስ ሕላናይ ይማጎት ኣለኹ፡

ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ዝፈጸመ ሰብ እንትርፎ ብረድዮ ክሰምዖ፡ ኣብ ጋዜጣ ወይ መጽሔት ተጻሒፉ ከንብቦ ብኣካል ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ኣጋጢምኒ ኣይፈልጥን ።ኣዚ ዘለናዮ ዘመን ደቂ ሰባት ስለምታይ ንምንዝረና ከም ሓደ ዓቢ ሓጥያት ዘይንቆጽርዎ ፈጺሙ ክርደኣኒ ኣይክእል ይብል ኣለኹ ብትሕቲ መልሓሰይ። ኣወዳት ካን ኣኽሊዎም ደዩ ሓሳብቶም ከምዚ ክኸዉን ፡ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትላለ ፡ ንዓኣ ደስ ዝብል ዕላላት እናገብዝካ ትማራኻ፡ ንሳ ትፈትዎ ጣባያት ተዘዉትር። ድሕሪኡ  ኣይሰሙን ኣይ ወርሒ ትቃላጢፍካ  ናብ ዓራት ዘሊልካ ትድይብ። ኣወዳት ናይ ስሚዒቶም ጉዙኣት ምስ ኮኑ ንደቂ ኣንስትዮ ንስሚዕትካ ከርዉያ  ዝተሰርሓ ባንቡላ ሰለ ዝሓስቡና ከም ኣኽላባት ኣብ ፈቀዶ ቦታታት እናዘሩ ክሃድኑና ከም ስራሕ ይሕዝዎ ። ዝሙት ምስ ፈጸሙ ብናይ ክልቲና ድሌታት ተፈጺሙ ብምባል ካብ ሕሜታ ሰባት ክኽወሉ ይፍትኑ። ሰያጣን ከም ድላዩ ጌይሩ ይጻወተልና  ጸላኢ ሰናይ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ከም ዝበሓተካ  ኣብ ዘይተለልየሉ ደረጃ ምስ በጻሕካ ድማ  ዝሙት ኣብ ጸጽባሕ ክትፍጽም ትደሊ ።ብመንፈስ ምስ ደኸምካ ፡ ጭንቀትን ወልፊ ዝሙትን  ዋንነቱ ኣብ ልዕሌኻ የረጋግጽ። ጭንቀ ምስ ጅመረካ ምንዝርና ብምፍጻም ጥራይ ዕረፍቲ ክትረክብ ሰለ ዝመስለካ ናብ ደቂ ኣንስትዮ ትጓየየ። ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ወሃቢ ሰላም ፡ ዕረፍቲ ምዃኑ ኣበይ ክትዝክሮ !!።

ናብ ባህራን መሊሰኩም ኣለኹ፡

ባህራን፡ ራህዋ ሓፍተይ ክንዳይ ግዜ ድጉል ሓዊ ብዉሽጠይ ቀቢረ ክንብር ድሕሪ ምባል ፡ ሓደ መዓልቲ እናፍራሕኩ ንሜሮን ከም ዘፍቅራ ቶግ ኣቢለላ ።ሜሮን ለባም ለዋህ ሰብ’ያ ከምዘን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ስምብድ ብምባል ኣሉታዊ መልሲ ኣይሃበትንን። ኣምላኽ ዝፈቀዶ ኵሉ ክኸዉን’ዩ ጸሎት ጥራይ ንግበር ብምባል ክትድህለኒ ሰለ ዘይደለየት ንሕቶይ ሸፈፍ ኢላ ሓለፈታ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ኣሕዋታ ምስ ሓደ ድያቆን ከም ዘላለይዋ ተናኺፋትለይ ኔይራ’ያ ቅድሚ ሕጂ። ርክባ ምስኡ ከመይ ከምዘሎ ጫፍ ጫፍ እናገብረኩ ይሓታ’የ ቀጻሊ። ንሳ ድማ  ደሓን መቸም ኣይጸላክዎን ዘለኩ ፡ ኣነ ድኽምቲ ፍጥረት ምስ ድያቆን ክቁርን ንዓይ ዓቢ ረብሓ  እኳ እንተኾነ ኣነ ድኽምቲ ፍጥረት ነዚ ኽብሪ መዕረግ ክህነት ዘለዎ ሰብ ዝበዓቅዕ ጓል ግን  ኣይኮንኩን ክትብለኒ ከላ ቁሩብ ተስፋ ይረክብ ። ብተወሳኽዉን ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ክትምርዖ ከም ዘይትደሊ ኣጥብቕ ኣቢላ ሓበረትኒ ።ካብታ ከም ዘፍቅራ ዝደርጓሕኩላ መዓልቲ ጀሚረ  ሕፍረት ሰለ ዝጎልበበኒ ካብ ገዛኣን ገጻን ተኸዊለ ። ነዛ ንጽህቲ ዕንባባ ፡ ገባሪት ጽቡቕ ዉዕለተይ፡ ብምፍቃረይ መሪር ዕረ ኮነኒ። የፍቅረኪ'የ ዝብል ቃል ካብ ልሳነይ ምዉጽኡ በደል ኮይኑ ስለ ዝተሰመዓኒ ፡ ሕፍረተይ ንምኽዋል ናብ ኣዕሩኽተይ ተመሊሰ ። ምስ የዕሩኽተይ ነቲ ብጻዕሪ ሜሮን ገዲፍዮ ዝነበረኩ ረሳሕ ናይ ረሲኣን ናብራ ተደገስክዎ ። ንሰለ ማሕላ ሜሮን ክብል እኳ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ኣይተጸመምኩን። ክራይ ገዛ ግድነት  ኣብ መዓልተይ ክኸፍል ዓቅለይ ዘጽብቡለይ ይዕሩኽተይ ፡ ኣብ መስተን ምዝራናን ዝጠፍእ ገንዘብ ግና ኣይታዮምን ፡ መርሓባ ብምባል ኣብ ዓለሞም ጸንበሩኒ።

ናብራ -ናብራ ቀደመይ ብምባል ንርኽሰት ከም ማግኒት ጠበቕክዎ ፡ ስጉምተይ ወን አሐዱ ብምባል ሰንዘርኩ። ሜሮን ኣይቀሰነትን ሣልስቲ ምስ ጠፋእኩ ናብቲ ዘነበርክዎ ቦታ መጽያ፡ ብሓይሊ ወጢጣ ወሰደትኒ። ኣብ ገዛኣ ምስ ተመልስና ዘይተጸበኽዎ ዘረባ ደርጉሓትለይ። ባህራን ኣነውን ይፍቅረካ’የ ምስቲ ኣሕዋተይ ዘማጹለይ ድያቆን ትማሊ ርክብና በቲኽና ኢና። መቸም ንስኻ ደጋፊ ከም ትኾነኒ ይኣምንየ። ኣምላክ ናይ ትማሊ ሕይወትካ ዘይኮነ ናይ ሎሚ’ዩ ሕይወትካ ዘገድሶ ። ናይ ትማሊ መገድኻ ደፊንካ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ድሮ ተጸሚድካ ሰለዘለኻ ብምባል ርክብ ክልቴና፡ ብመንፈሳዊ ሰንሰለት ከነድልድል ናብ ኣበ ነብሳ ወሰደትኒ። ቄናን ሕይወተይ ክዕረ ፡ ከም ማዕጺድ ዝተለውየ ተስፋይ ክቀንዕ ዳግማይ ክዉለድ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ወሰደትኒ።ክሕሱው ኣይደልየን ትምህርቲ ሰንበት ፍኖተ ጽድቂ ኣብ ሕይወት ዘርኣለይ ።ንክልተ ወርሒ ዝኣክል ምስ ጓል ዝበሃል ኣይተራኸኩን። እንታይ እሞ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ’ዩ ። ኣብ ሕይወት ዘተዝረ ቃላ ኣብ ፈረ ኣይበጽሐን ።እዛ ሕስምቲ መዓልቲ ኣይርሰዓን’የ ሓሙስ መዓልቲ ምዃኑ’ዩ ምስ ሜሮን ኣብ ገዛ ናይ ፍቅሪ ፊልም እናረኣና ቡን እናሰተን ንጻወት ነይርና ። ብጸወታ ዘተጀምረ ምትንኻፍ ኣብ ዓራት ብዝሙት ተዛዚሙ። ሜሮን ደም ነቢዓ፡ ኣነዉን ምሳኣ ንፈለማይ ግዜ ሓቀኛ ንብዓት ኣዉጺአ። ጉዳይና ንኣበ-ነፍስና ነጊርናዮም ። ኣበ ነፍስና እቲ ዝግበኣና መንፈሳዊ ምኽሪ ሂቦም ጸሎት ብምግባር ክንሰግድ ክንጽሊ ኣዘዙና። ዘተወሃበና መንፈሳዊ መድሃኒት ዛዚምናዮ ።

ንባህራን ንዓለማዊ ፈርዲ ኣሕሊፈ ሂበዮ ኣለኹ፡

ንጽይፉ ተግባረቱ ባህራን ካብ ልቢ ጸላእክዎ ።ኣሕ ነዝስ እዛ ኣብ ቀረባ እዋን ንዶክተር ናስር ናይ ኣሜርካ ጅምናስቲክስ ሓኪም ዘነበረ ዝፈረደቶ ፈራዲት ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ እንተ ትረኽቦ በሉኩ ብዉሽጠይ። ዶክተር ናስር ሓላፍነቱ ተጠቂሚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈጾሞ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ናይ ባህራን ተግባር ኣመዓራረኽዎ ። ዶክተር ናስር 175 ዓመት ዝፈረደት ደኣ ንባህራን ን 200 ዓመት ክእሰር እንተ ፈረደቶ ሚዛናዊ ፍርዲ ምበልኩ። እታ ፈራዲት ናይተን ኣደዳ ጨካነ ዶክተር ናስር ዝኾና ኣሕዋታ ልባ ከም ዝወቅዓ ፡ሕንቅንቅ እናበለት ነቲ ፍርዲ ከተንብብ ከላ ኣብ ልባ ዝገደፎ ሕማቕ በሰላ ገሊጻ’ያ። ኣነዉን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋተይ ዝፈጸሞ በደል ልበይ ክሳብ ዝቃጸል የንድደኒ ኣሎ። ምስተን ኣመንዝራ ዝፈጽሞስ ጸይቂ ተግባር ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጽይፍ’ካ እንተ ኾነ ብፍትወተንን ብምርጭአንን'ዩ ፡ ነተን ንጽድቂ ክምእርራ ላዕልን ታሕትን ፡ ኢለን ዝወፈራ ንጹሃት ኣሕዋተይ ፡ ክብድለን ግና ዋላ ዋላ ኣይተወሓጠለይን ። በቃ ይኣኽለካ ብምባል ጠንጢነዮ ክምርቀፍ እሞ ንፖሊስ ኣሜርካ ኣሕሊፈ ከረክቦ  ደለኹ ግና ኩነታት ሜሮን ክፈልጥ ኣለኒ ብምባል ንክሰምዖ ወሲነ። ዓቅሊ ተቐኒተ መፈጸምታ ሜሮን ክጽብቕ ይምነ ኣለኹ።

ናብ ባህራን መሊሰኩም ኣለኹ፡

ጽንጽዋይ ደዩ ወይስ ናይ በሓቂ ታሪኽ’ዩ ዶ ትብሉ ኣለኹም ንዓይዉን የጣራጥረኒ ኣሎ። ባህራን እዛረብ ሰለ ዝነበረ መግቢ ብዙሕ ኣይበልዐን ።ኣነ’ካ ይሓይሽ ፍርቂ እንጀራ ወዲኤ ኣለኹ። ኢደይ ኣብቲ መብልዕ ጣዉላ ኣጸጊዔ ፡ መፈጸምታ ሜሮን ክሰምዕ ድሓር ከ በልክዎ? ብድሕሪኡ ንሳ ዘይኮነት ኣነ እየ ናብ ናተይ ዓለም ዘጥሓልክዋ። እቲ ቅዱስ ቁርባን ቀሪባ ፡ ብቅድስና ትከናኸኖ ዘነበረት ንጹህ ዓራታ ናብ ርኹሰት፡ ዝሙት ዝእንገደሉ ዓራት ለዊጠዮ ። ሕሉፍ ጽዩቕ ሕይወተይ ብተዓጻጻፊ ቀጸልክዎ ፡ንዓኣ ከም ሕዛኣተይ ቆጺረ ኣብ ድላየይ ይዕንድር፡ ምስ ድላየይ ደቂ ኣንስትዮ ይሓድር ።ኣብ ከምዚ ባቢሎናዊ ህሞት ከለና ሜሮን ተስፋ ኣይቆረጸትን ንቤተ-ክርስቲያን ትመላለስ ኔይራ። ኣነ ግና ባቢሎንን ኢዮርሳሌምን ሰለ ዘይሳነያ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ምኻድ ኣቋሪጸ’ዩ። ብዙሕ ግዜ እናነብዓት  መስተ ከቋርጾ ፡ ምስ ኣዋልድ ምዝዋር ደወ ከበሎ ክትምዕደኒ ልሳነይ እንትርፎ ሕራይ ኖእ ኣይወጻን ። እንታይ እሞ ይዓብስ ልሳነይን ተግባረይን ኣይተቓደዋን ።

ቅድሚ ወርሒ ናብ ኣሜርካ ምብጋሰይ ክላገጽ ኢለ ምስ የዕሩኽተይ ናብ እንዳ ጴንጠ ከይደ፡ ጽቡቅ ፋል ኮይኑ ድማ  “ጐይታ የሱስ “ ተቀቢለ ተመሊሰ። ካብ ኵሉ ሕሰም ናብራን ሓጥያትን ተናጊፈ ። ንሜሮን ብኸመይ ይንገራ ጸጊሙኒ ። ኵሉ ሕማቅ ነገራት ሃንደበት ጠጠው ምባለይ ምኽራ ዝሰማዕኩ ኮይኑ ተሰመዓ ። መጽሐፍ ቅዱስ ተገዲሰ ክንበብ ክትሪኤኒ ከላ ግና ብሙሉእ ልባ ኣይኣመነትንን ፡ ብሓቂ እዚ ንቅሎ ንዓይ ንምጽንናዕድዩ ወይስ ካብ ልቢ ዘነቀለ'ዩ ተብለኒ። ክንደይ ግዜ ምሕባእ ኣሎ ብምባል ሜሮን “ጐይታ“ ተቀቢለየ በልክዋ ።

ጉህያ !! ክልተ ሞት ሞይተ በለትኒ ። ባህራን ብጎዲም ካራ ሓሪድካኒ ። ጴንጠ ከም ዘይትፈትዎም ይፈልጠ’የ ክሳብ ክንዱ ግና ኣይመስለንን። እዚ ኵሉ ሓጥያት ምስኣ ዝፈጸምክዎ ይሕዝናኳ እንተ ነበረ ፡ እዚ ግና ፍሉይ ዓቢ መርደእ ኮና። ጐይታ ስለ ዝተቀብልኩ ክሳብ ክንድዚ ትጽልኣኒ ኣይመሰለንን። ክንደይ ግዜ ክትጻወተለይ ፡ እቲ ኣብ ኣካላይ ዝፈጸምካዮ በደል ከይኣክል ፡ ንምህሮ ኣጋንንቲ ከተሰልፈኒ ። መናፍቅነት ንክርስቶስ ጉልባብ ጌርካ ኣጋንንቲ ዝእንገደሉ ቄናን ጉዕዞ’ዩ ።እዚ ሒዘዮ ዘለኹ መንገዲ ጌጋ’ዩ በጃኻ ፡ ክሕደት ኣርዮስ ፡ ኣሕ ክሳብ ክንድዘይ ደየ ኣኽፊአ  እናበለት ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ጥቅሲ እናዉጽአት ከተረደኣኒ ፈተነት ። ምርዳእ ምስ ኣበኽዋ ግና ዉጻለይ ክሪኤካ ኣይደልንየ ምስ በለትኒ ንሓዋሩ ተፈላሊና ። ርክብና ከም ትኪ ብሓደ መዓልቲ በኒኑ ጠፍአ።ብተሌፍን ግና ንራኸብ ኔይራ። እቲ ናይ ቀደም መንፈሳ ተመሊሱ ፡ ብንስሓ ሕይወት ተሓጺባ ናብ ኣምላኻ ከም ዝተመልሰት ኣረጋጊጸ'የ። ንሳ ናብ ትኣምነሉ ትምህርቲ ሰንበት ትብሎ ተመሊሳ ጸግዓ ሒዛ ፡ ኣነ ድማ ምስ ጐይታ ኢየሱስ ኣለኹ ። ንስኺዉን ሕይወትኪ ዕረፍቲ ክትረኽቢ እንተ ደሊኺ እቲ ሓቀኛ ጐይታ ተቀበሊ ።  ክገርመኪ ኣብ ኦርቶዶክስ ከለኹ ክንደይ ግዜ ሕይወተይ ክቅየር ደኺመን ጺዒረንየ ታሪኽ ሕሉፍ ሕይወተይ ግና  ምቕያር ኣቢኒ። ሕጂ ግና ዝግ ኢለ የዕሪፈ ኣለኹ እናበለ ዘረብኡ ክዉድእ ፡ ጥራዙ ኣብ ማህደሩ ከእቱ ከሎ ኮንዶም ካብ በርስኡ ወደቐ።

ስምዓኒ እንዶ ጐይታ ተቐቢለ ይዕሪፈ፡ ኵሉ ነገር ገዲፈዮ እናበልካ ደኣ እንታይ ኣድለየ ኮንዶም ወዲ ኮንዶም ኣብ ቦርሳኻ ምሓዝ በልክዎ ። ምናልባት ኣይፍለጥን’ዩ እንተ ተጋግየ ብምባል’የ ምሳይ ሒዘዮ ዝኾልል ዘለኹ ክብል መለሰይ ። ፕላስቲክ ምጥቀም ካብ ስጋዊ ሕማም እምበር ካብ ሓጢያት ኣይድሕነካንዩ ዝሓወይ ። ፈተና ምስ ገጠመኒ ብፕላስቲክ ተጠቅሊለ ንፈተና ክሰግሮ'የ ካብ  ትብል ግዳ  ቃል ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ዘይትጅንኖ። ሕንጎልካን ሓሳብካን ንኣምላኽ ቅዱሳን ኣሕሊፍካ ዘይትህብ በልክዎ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋተይ ዝፈጾም በደል እናተረኣየኒ። ከይተሰከፈ እንታይ ደዩ መስለኪ ራህዊት ክሳብ ብመንፈሳዊ ሕይወት ዝዓብይ እምበር ሓቅኺ በለኒ ።

ኣብ ልዕሊ ሜሮን ዝፈጸሞ በደልን ኣብ ልዕሊ እተን ካልኦት ኣዋልድ ዘውረዶ ኣደራዕን ኣብ ሕልናይ እናተመላለሰ ረበሸኒ ፡ ብልቢ ሓዚነ። እቲ ብኣምሳሉ ዝፈጠረና ኣምላኽ ምሕረቱ ዘይዉዳእ ፡ ሓጥያትና ኣብ ቅድሚኡ ከም ንጣብ ማይ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምዝካር ፡ ኣብ ስራሕ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታዉ ንባህርን ክፈርዶ ቦታይ ከም ዘይኮነ ተሰወጠኒ ።በቲ ንእሽተይ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ብዛዕባ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝምልከት ዘቕረቦ ሕቶ መለስክሉ። እተን ቀጻሊ ብእንነፍቅሮም ኣሕዋትና መናፍቃን ዝሕተታ ሕቶታት ኣብ ሥዕሊ ስለምታይ ትሰግዱ፧ ናይ ቅዱሳን ኣማላደንት ስለምታይ ኣድለየ፧ ሰብ ብግቡሩ ኣይድሕንን’ዩ .ዝብላ ኣርእስቲ ብኸፊሉ ምስ ተዛራረብናለን ፡ ናይ ስራሕ ሰዓት ሰለ ዝኣኸልኒ ዝተቀረበ መኣዲ ብጸሎት ዓጽየ ንቤተ-ክርስቲያን ንኽመጽእ ዓድምክዎ። ዕድመይ ኣይነጸጎን ፡ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተረኺቡ ። ምስ ሓደ መዘምራንን መምህርን ኣብ ቤተ-ክርስቲያና ብቃል ኣምላኽ ክዘራረቡ በሪ ከፊተ ናብ ገዛይ ኣምራሕኩ።

ንባህራን ሓዉና ኣምላከ ቅዱሳን ኃይሉን ጸግኡን ከም ሩባ ማይ ኣዛርዩ ናብ ቅንዕትን ሓዋርያዊትን እምነቱ ዘመልሰሉ መዓልቲ የቃላጥፈልና ። ሜሮን ሓፍተይ ድማ እንቋዕ ካብቲ ዓዘቅቲ መርሆታት ሲኦል ተናገፍኪ ። እተን ከምኣ ዝኣመስልና ኣሕዋት ካብዚ ናይ ሜሮን ሕይወት ተማሂርና ካብ ረቂቕ ሜላ ስሕተት ናይ ጸላኢ ሰናያት ፈተነታት ክንጥንቀቕ ናትና ታራ’ዩ።

“ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዝገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዝገብር”1ቆር6፡18።

ኣብ ዝመጽእ ዝሑፍ ብሰላም ያራኸበና።ግዜኹም ሰዊእኩም ነዛ ጽሑፍ ሰለ ዘነበብኩም መስጋናይ ወሰን ከም ዘይብሉ ክንገልጽ ይደሊ።

ኣጀሚሩ ዝፈጸመኒ ኣምላከ ቅዱሳን ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኽኖ!!

ራህዋ-ተስፋይ

2018-03-03

ካብ ታሪኽ ሜሮን እንታይ ንመሃር።

  1. ብዋጋ ነፍስኻ ንስባት ከትድሕን ክትብል ንሕይወትካ ኣብ ሓደጋ ዘይምእታዉ። ሜሮን ንባህራን ኣብ ገዘኣ ምስኣ ከየጸገዓት ብደገ ደገ ብገንዘብ ወይ ብንዋት ክትሕግዞ ትኽእል ነይራ።
  2. ዓቅምኻ ምልላይ። ሜሮን መንፈሳዊ ዓቅማ ኣይፈለጠትን። እቲ ካብ ኣበ ነፍሳ ዝወሃባ መንፍሳዊ ምኽሪ ሸለል ብምባል ፡ ደሓን ኣብ ፈተና ኣይኣቱንየ ብምባል በይናዊ ስጉምቲ ወሰደት።ሰይጣን ቀስ ብቀስ መጻዊድኡ የጻዉደላ ከም ዘነበረ ኣይፈለጠትን።”ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ።”ሮሜ12፡3።
  3. መሓዛኻ መን ምዃኑ ምልላይ። ሕማቅ ብጻይ፡ ንጽቡቅ ልምድኻ ከም ዝድምስሶ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ። ሜሮን ብመንፍሳዊ ሕይወት ዝበሰለት መሓዛ እንተ ትህልዋ ነይሩ ካብ ዓዘቅቲ ሓጥያት ክትወጽእ መተሓጋገዘታ ነይሩ።”ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።”1ቆሮ15፡33።
  4. ምስ ተፍትዎ ንመጻኢ' ትጥምቶ ሰብ ኣብ ጽምዋ ቦታ ዘይምኻድ። ኣብ ገዛኻ ምስ መጻኢኻ ትሓስቦ ሰብ ናይ ፍቅሪ ድራማታት ወይ ፊልም ክትወግድ ክትክእል ኣለካ። ኣብ ጽምዋ ቦታ ንኽትጋገ ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘሎ ዘክር  ፡ ሰብ ዝበሃል ኣብ ከባቢኻ ከም ዘየለ መዝሚዝካ  ፡ ስሚዒታትካ ምስ ዝስዕረካ ኣብ ሓጥያት ከም ትወድቅ ዘክር ። ክትዛናጋዕ እንተ ደሊኻ ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝርከብሉ ስፍራ እቲ ዝበለጸ ቦታ ትዛናጋዓሉ ምዃኑ ዘክር። ብዘተኻእለ መጠን ምስ ትፈትዎ ሰብ በይናኻ ኣይትጓዕዝ፡ መሓዛኻ/ዓርክዓ ምስኻ ክህሉ ሰናይ’ዩ።
  5. ኣብ ቅድስቲ ኦርቶክስ ተዋሕዶ እምነትካ ንጽድቂ ክብሉ ኣብ ገዳማት ዝሰፈሩ ፡ ሰለ እምነቶም ብሰይፊ ዘተሓርዱ፡ቁልቁሌት ኣብ መስቀል ዘትሰቅሉ፡ብመጋዝ ዝተሓርዱ፡ ብሓዊ ዘነደዱ ከም ዘለዉ ዘክር። ኣብ ንቤተ-ክርስቲያን ኣብ ግዜ ጥመቀቶም ጥራይ ዝመጹ፡ መቀረታ ሓቀኛ እምነት ተዋህዶ ኣስተማቂሮም ዘይፈልጥ፡ ኣብ ወልፊ መስተን ሽጋራን ምንዝርናን ዘነበሩ ሰባት መናፍቅነት ምስ ተወሸሙ  ኣነ ኣብ ተዋህዶ ከለኹ ዘማዊ ፡ሰራቂ ፡ሓሳዊ፡---- ወዘተ ኢሎም ካብ ዝምህሩ ምስሓቲያን ሰባት ተጠንቀቅ። ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ምስ ዘጋጥሙኻ ንበዓል የሐንስ ኣፈርቂ፡ቅዱስ ኣትናቴውስ፡ ቅዱስ ጊዮርጌስ ፡....... ወዘይመስሎም ቅዱሳን ዘክረ።” በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። “ይሁዳ1፡3።

ፍቁራት ኣሕዋትና ንስኹምዉን ካብዚ ታሪኽ እንታይ ከም ዝተመሃርኩም መልስኹም ብ ኤመይ ኣብቲ ኣብ ቅድመ ገጽ ናይ መርበብ ተሓቢሩ ዘሎ ጸሓፉልና። ተማሳሳሊ ወይ ካብዚ ዝተፈለየ ታሪኽ ኣብ ቤተ-ትምህርቲ ሰንበት ዘጋጠመኩም መንፈሳዊ ማሕንቆ ፡ ዝገልጽ ጽሑፍት ክትሰዱልና ሓደራ ንብለኩም።መንፈሳዊ ጉዕዞ ተሓጋጊዝካ ከም ሰንሰለት ተኣሳሲርካ ትጓዓዞ ኴኖ ምድራዊ ንሰማይ ዝጠመተ ናብራ ሰለ ዝኾነ ኵላትና ክንተሓጋገዝ ብስም እግዚአብሔር ኣምላኽ ንጽዉዕ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!

Comments are closed.