ማኅሌተ ጽጌ (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

አከባብራ ዘመነ ጽጌ

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት ብፍሉይ ማኅሌት ንእትጥቀመሉ ማኅሌተ ጽጌ ጠቐስና እምበር፤ ብሓፈሻ ብሠለስተ ኣገባብ ነዚ እዋን ከምእተኽብሮ ምስትውዓል የድሊ። ንሳቶም ኸኣ ብማኅሌት፥ ብቅዳሴ፥ ብዝክር እዮም።

እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዳሴ ድማ የቕድሱ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ።

መልእክተ ጽጌ

ስደት ኵልሳዕ መሪር እዩ። እቲ ዝሓለፎን ዝነበሮን እዩ ዝፈልጦ። ሃገርካን ጸግኢ ዝኾኑኻ ኣዝማድካን ቤተ ሰብካን ንድኅሪት ገዲፍካ ዓዲ ጓና ምስዳድ ከቢድ እዩ። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ስደት ካብ ስደት ደቂ ሰባት ዝተፈልየን ንፍሉይ ዕላማ ዝተፈጸመን ኣዝዩ መሪርን እዩ ነይሩ።

ንዓለም ፈጢሩ ዝገዝእ ኣምላኽ ብፍቓዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ፡ ገና ብህጻንነቱ ሓቚፋን ሓዚላን ናብ በረኻታት ግብጺ ክትስደድ ከላ ንበረኻ ሲና ኣብ ዝቖረጸትሉ ቀዝሒ ለይቲ፡ ሃሩር ቀትሪ፡ ሑጻ ረስኒ፡ ጽምኢ ማይ፡ ሕማቕ መገዲ ነቲ ስደታ ከቢድ ገይርዎ ነይሩ። መገዳውን በቲ ሰብ ዝኸዶ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ከይረኽቡኒ ክትብል በረኻ በረኻ እምበር። ብቅድሚት ኣብ ዘይተፈልጦ ዓዲ እንታይ ክረኽበኒ ክትብል፤ ብድኅሪት ወተሃደራት ሄሮድስ ኣርከቡኒ፤ ከም ኣደ፡ሸፋቱ ቀተሉለይ ክትብል ዝተቐበለቶ መከራ መግለጺ ኣይርከቦን እዩ። ካብኡ ዝገደደ ድማ በብዓዱ ኣትያ ክትልምን፡ ገሊኦም “እዚኣ ትመስል ገለ በደል እንተዘይህልዋ፡ ግብራ እንተዘይከፍእ ዶ ካብ ቤታ ምወጸት?”

እናበሉ ከስቅቕዋ፤ ወዳ ክድርብዩላ ወቦ ዘተርፈ እዚ ዘይብሃል ሓዘን እያ ኣኅሊፋ። ንብዓት ዓይና ኣብ ማዕጉርት ህጻን ወዳ ክዓልብን መከራ ክበዝኃን ከሎን እቲ ኵሉ እናተኻእሎ ብፍቓዱ መከራ ዝተቐበለ ጐይታ ግና የጸናንዓ ነበረ።

እዚ ኵሉ ስደትን መከራን እንት ምንታይ እንተበልና ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ስለቲ ፍቁር ወዳ ክትብል ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። እዚ ኸኣ ብርዱእ ኣገላልጻ ንአምላኽ ወዲ ኣምላኽ ሓዚላ ምስዳዳ ምእንቲ ናትና ድኅነት ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን። ከምቲ ስምዖን ኣረጋዊ ኣብታ ቤት መቅደስ ኢየሩሳሌም ንኣኣ ዝበሎ ድማ ይፍጸም ነበረ፦ “ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙኃን ምእንቲ ኺገሀድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ፡ በላ።” በዚ ኸኣ ብስደት ዝጀመረ ሰይፊ (መከራ ሕማም) ምእንቲ ኵሉ ዓለም ክትብል ትቕበሎ ነበረት። ናብ ዓዳ’ውን ምስተመልሰት፡ ካብ ወዳ ከይተፈለየት ንኵሉ መከራ ኣይሁድ ጸይራ ድማ ክሳብ ድኅነቱ ዝፈጸመሉ ቀራንዮ ኣብ እግረ መስቀሉ በጽሐት። (ሉቃ ፪፥፴፭/2፥35 ዮሐ ፲፱፥፳፮/19፥26)

ስለዚ ኣብዚ እዋን ስደታ ክንምሕጸናን ክንልምናን ይግባእ። እንልምኖ ብዙኅ ኣሎ እሞ ሰማዒት እያ እሞ ንኵሉ ንንገራ። ምስ ፍቁር ወዳ ከተተዓርቐና፤ ምሕረቱን በረኸቱን ከብዝኃልና፤ ኃጢኣትና ክኃድገልና ኣማልድና ኢልና ክንምኅፀን ይግባእ። ከምቲ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ተጻሒፉ ዘሎ ነቲ ኣብ ስደታ ምእንታና ዝተቐበለቶ መከራ እናዘከርና “…ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ...” እናበልና ከነዘክራን ናብቲ ኵሉ ዝዝክርን ዘይርስዕን ኣምላኽ ከተማልደና ክንልምና ይግባእ። ብዘይካ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና እዚ ዘመን እዚ፡ ጐይታ ዘመናት እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ነቲ ጻዕርን ድኻምን ዝመልኦ ዘመን ጸልማት (ክረምቲ) ኣሕሊፉ፤ ንእተዘርአ ብዝናም ኣብቊሉ፡ ብፀሐይ ኣብሲሉ፡ ንፍረ ኣብጺሑ ንኵሉ ፍጥረቱ ከምዝምግብ ግብሪ እግዚአብሔር ብኣዕይንትና እናረኣና እነስተውዕለሉ ዘመን እዩ። ስለዚ በቲ ውሑድ ዝኣኽለና፡ ብእንበልዖን ብእንሰትዮን እሞ ፈጢሩ ከይመነወና እግዚአብሔር ባዕሉ ብዝህበና ምግበ ሥጋ ክንጭነቕ ከምዘይብልና ትምህርቲ ንቐስም። ነዚ’ውን ካብ ዕምበባታት መሮርን ኣእዋፍን ክነመሃር ኣብነት ጠቒሱልና እዩ። ስለዚ ከምቲ ብእምባታት መሮር ዝተመሰለ፡ መዋዕልን ስልማትን ወዲ ሰብ ሓጺር ምዃኑ ፈሊጥና፡ ኣብዚ ምድሪ’ዚ ነቲ ሓላፍን ተራፍን ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘይሓልፍ ሰማያዊ መግብን መንግሥትን ቅድምን ልዕልን ኵሉ ክንደልይን ስሊኡ ክንጋደልን ከምዝግባእና ምስቲ ዘመን እናነጻጸረት ትምህርቲ ከምንረኽብ ቤተ ክርስቲያን ትገብር። እቲ ቅዱስ ወንጌል’ውን ከምዚ ይብል፦ “ካብ መብልዕሲ ሕይወትዶ ኣይትበልጽን? ካብ ክዳንስ ሥጋዶ ኣይበልጽን? ስለዚ ንሕይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንሥጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙኅ ኣይትበልጹን? ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቚመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ? ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፡ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን? እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን? ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣሕዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።” (ማቴ ፮፥፳፮-፴፫/6፥26-33) ተወሳኺውን መዝ ፻፪፥፲፬-፲፮/103፥14-16 ንመልከት።

ስለዚ ኣብዚ ምድሪ ከሎና ኣምላኽ ስሌና ንዝተቐበሎ መከራ መስቀል እናዘከርና፤ ብርቱዕ ሃይማኖት ጸኒዕና ነቲ ዝኣዘዘና ሰናይ ግብሪ ንምፍጻም ክንተግህ ይግባእ። ኣብዚ ሓጺር ናይ መዋዕልና፡ ነቲ ዘይሓልፍ መንግሥቱ ዝኸውን ስንቂ ንቛጽር። መዝገብ ኣብ ሰማያት ንኣክብ። ብንስሓ እናተመላለስና ናብ ቅዱስ  ሥግኡን ክቡር ደሙን ንብጻሕ። ደግሲ ሄሮድስን ክፉኣት ኣይሁድን ደጊሱና፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ሎሚ’ውን ንኣደ ጐይታ ካብ ቤትና (ልብና) ክንሰጓን ናብ ግዳም በረኻ ከነሳድዳን እንደሊ ከይንህሉ ግና ንጠንቀቕ። ከም ኮቲባ ነቲ ክቡር ወዳ ናብ መሬት እንስንድዎ ከይንህሉ ነፍስና ንፈትሽ፤ ምውዳቕና ኣበይ ምዃኑ ርኢና ንፍራህ። ከምቶም ገሊኦም ሰብአ ግብጺ ዘናሸውዋ፡ ኣብ ክብራን ቅድስናኣን ክንሳለቕን ክንላገጽን ከይንርከብ ርእስና ንመርምር።

ሕጂውን እግዚአብሔር ነቲ ዝለመናዮ፡ ክሰምዓና ስለታ ክብርት ወላዲቱ መሐረና፤ ጸግወና፤ ረድኤትካ ኣብዝኃልና ኢልና ምልማን ይግባእ። ስለቅዱሳኑ ኢልና እንልምኖ ክሰምዓና ዝተኣምነ ኣምላኽ እዩ እሞ ተጊህና ናብ ቅድስት ቤቱ ንመላለስ። እወ ብፍላይ ብፍላይ ስለታ ኣብ ማኅፀና ዝጾረቶ፤ ወሊዳ ዘጠበወቶ፤ ሓዚላቶ ዝተሰደደት፤ ተሰዲዳ መከራ ዝተቐበለት ኣዴና እንተለመንናዮ ቀልጢፉ ከምዝሰምዓና ኣይንጠራጠር። ስለዚ ወትሩ ኣዘክሪ ንበል። እወ ኣዘክሪ ድንግል።

  • ኦ ድንግል ናብቲ ንኵሉ ዝዝክር፡ ዘይርስዕ ኣዘክሪ።
  • ኦ ድንግል እቲ ካባኺ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተወልደን በጭርቕቲ ከም ዝተጠቕለለን ብእዋን ቍሪ፡ እስትንፋስ አድግን ላሕምን ከም ዘማምቝዎን ኣዘክሪ።
  • ኦ ድንግል ብዘመን ርጉም ሄሮድስ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስኡ እናጐየኪ ምሳኺ ዝተሰዶ ስደት ኣዘክሪ።
  • ኦ ድንግል ካብ ኣዕይንትኺ ናብ ገጽ ፍቁር ወድኺ ዝወሓዘ መሪር ንብዓት ኣዘክሪ።
  • ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ።
  • ይቕረታ ደኣ ኣዘክሪ እምበት ጥፍኣት ኣይኹን።
  • ንኃጥኣን ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንጻድቃን ኣይኮነን።
  • ንርሱሓት ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንንጹሓት ኣይኮነን።

እወ ኣዴና ናብቲ ዘይርስዕ ኣምላኽ ኣዘክሪ....

ኣዘክሪ ድንግል...

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.