መፃጒዕ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

 ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ

ምስባክ

እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ

ትዕይርቶም ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ

ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ። መዝ.68-8።

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ

ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀይኩ

እምበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

መዝ.69-8

ወንጌል ዮሓ፣2፣12፣      ግ.ሓ.10፣1-9           ቆላ.2፣16       ያዕ.2፣1-9

ቅዳሴ. እግዚእነ (ነአኩተከ)

    ራብዓይ ሰሙን ጾም ፵ /ዓቢይ ጾም/ ጾመ እግዚእ                                

ራብዓይ ሰሙን ናይ ጾም ፵ መፃጒዕ ሕሙም/ድኑስ ማለት እዩ። በዚ ዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ባርነት ናብ ሲኦል ሓራ ዘውጽኣና ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ሕማም ዝፍውሰና መድኃኒት ናይ ነፍስናን ሥጋናን ምዃኑ ኣነስተንትነሉ ዕለት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢልና ንጽውዖውን በዚ ምኽንያት እዩ። ንሱ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ቤተልሔም “መድኃኒ ክርስቶስ ጐይታ” ሉቃ ፪፡፲፩/2፡11 ዝበሎ ነቶም እንኣምን መድኃኒ ዂሉ ዓለም እዩ። ኢየሱስ ማለት መድኃኒ፣ ክርስቶስ ማለት ድማ ክቡር ማለት እዩ። በዚ ትርጓሜ ስሙ ክቡር መድኃኒት ማለት እዩ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ሥጋዌኡ ንብዙሓት ዕውራት ዓይኖም ኣብሪሁ፣ ንሓንካሳት ከም ዝኸዱ ገይሩ፣ ልሙሳት ትኽ ኣቢሉ፣ ኣጋንንቲ ንዝሓዝዎም፡ ኮታስ ንዂሉ ሕማም ፈዊሱ እዩ። ነዚ ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ብቓሉ፣ ብጡፍጣፍ፣ ብኢዱ እናዳህሰሰ፣ ብዘፈር ክዳኑ፣ ብማይ ጨሎት ከም ዝፈወሰ ኣብ ወንጌል ዝተጻሕፈ እዩ። ሕማም ናይ ምፍዋስ ኣገልግሎት ሓደ ካብ ተኣምራት እዩ። ተኣምራት ድማ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ “ኢየሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙኅ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። ግናኸ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑ፥ ኣሚንኩምውን ብስሙ ሕይወት ምእንቲ ክትረኽቡ እዩ እዚ ዝተጻሕፈ።” ዮሓ ፳፡፴/20፡30 ዝበሎ፥ ኲሉ ዓለም ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ክኣምን ዝግበር እዩ። ንሓዋርያትውን ነዚ ጸጋ ነቶም ዝይኣምኑ ብቓል ወንጌል ኣሚኖም ክድኅኑን ክጸንዑን ዝተዋህበ ምዃኑ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ “ንሳቶም ድማ ወፂኦም ኣብ ኲሉ ሰበዂ፤ ጐይታ ኸኣ ምስ ኣቶም ይዓዪ፥ ነቲ ቓልውን በቲ ዘሰንዮ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ” ማር ፲፮፡፳/16፡20 ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብውን ኣብ ወንጌል፣ ኣብ መልእኽትን፣ ምስባክ/መዝሙረ ዳዊትን ክርስቶስ ንዓና ንደቂ ሰባት ፈዋሲ ናይ ሥጋናን ናይ ነፍስናን ምዃኑ ኣስፊሑን ንምርዳኡ ብዝቐለለ መንገዲ ኣወሃሂዱን ገሊጹልና ኣሎ። ከም መረዳእት፥ ምስ ናይ ዕለቱ ዝኸይድ ሓሳባት ክንርኢ፦

መዝ ፵፡፫/41፡3 እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ፥ ወይመይጥ ሎቱ ኲሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ፥ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።/ እግዚአብሔር ሓሚሙ ከሎ ኣብ ዓራቱ ይረድኦ፥ ካብ ደዌ ኣድኂኑ ምስካበ ጥዕናኡ ይመልሰሉ፥ ኣነ ግና ኦ ጐይታይ ኣድሕነኒ በልኩ።”

ገላ ፭፡፩/5፡1-ፍጻ “ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስትቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፥ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቆረኑ።…”

ያዕ ፭፡፲፬/5፡14-ፍጻ “ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤተክርስቲያን ይጸውዕ፥ ንሳቶም ኸኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተኾይኑውን ክሕደገሉ እዩ።”

ግሓ ፫፡፩-፲፪/3፡1-12 ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ዝለመሰ ሰብ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት መቕደስ ከም ዘሕወዮ

ዮሓ ፭፡፩-፳፭/5፡1-25 ብዛዕባ መፃጒዕ፥ ብሰፊሑ ድሒሩ ክንርእዮ ኢና።

በዚ ድማ ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብ ዕለቱ ብዛዕባ ጐይታ ዝገበሮ ተኣምራት ብቓል ስብከትን፡ ብዜማን ተስተንትኖ። ነቶም ብሥጋ ደዌ ዝተታሕዙ ፍጹም ዝኾነ እምነት ኣብ ጐይታ ብምግባር ኣብ ትሕቲ ኣገልገልቲ ጐይታ ዝኾኑ ካህናት ጸሎት፣ ኣብ ጸበል/ማየ ጸሎት(ብተለምዶ ማይጨሎት ይበሃል እዩ) ክኸዱ ከም ዘለዎም፣ ተስተምህርን ምእንታኦም ድማ “ጸልዩ በእንተ ድውያን” እናበለት ኣብ ናይ ለይቲ ሰዓታትን ቅዳሴን ትጽልየሎምን እያ። ኣብ መወዳእታ ፍርዲ እውን “ሓሚመ ዘይበጻሕኩምኒ” ብዝብል ቃል ወንጌል ከም እንፍረድ ስለዝዛረብ ንዝሓመመ ምብጻሕ ግድን እዩ። ኣብ ፍትሐ ነገሥት ኣብ ናይ በእንተ ድውያን ኣንቀጽ ፳፡፯፻፸፮-፸፻፸፯ “ወሐዋርያትኒ ይቤሉ ድስቅ ወለድውያንሂ እለ ዐጸቦሙ ደዌ ዘኢይክሉ ሐዊረ ኀበ ቤተክርስቲያን የሐውጽዎሙ እለ የኣምርዎሙ ኲሎ ዕለተ። ረስጣ ፵ወ፪ቱ ወዲያቆናትኒ ይንግርዎ ለኤጲስቆጶስ በእንተ ድውያን ከም የሐውጾሙ።/ሓዋርያትውን ኣብ ድስቅ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፥ ናብ ቤተክርስቲያን ምኻድ ዝተሳእኖም ሕማም ንዘጨነቖም ድውያን እቶም ዝፈልጥዎም ወትሩ ይብጽሕዎም። ዲያቆናትውን ንኤጲስ ቆጶስ ብዛዕባ እቶም ዝሓመሙ ሰባት ምእንቲ ክበጽሑ ይንገርዎም።” ይብል።

ካብዚውን ሓሊፉ ቅድስት ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ጐይታ ዝፈወሶም ሕሙማን ዝዝከሩሉ ዕለት ሰሪዓ፥ ኣብቲ ካብ ኲሎም ኣጽዋማት ናይ ቅድስት ቤተክርስቲያንና ዓቢይ ዝኾነ ጾም ፵ ካብ ዘለው ሸሞንተ ሰሙናት ሓደ መፃጒዕ ዝብል ስያመ ሂባቶ ኣላ። እዚ ዕለት ዋላዃ ነቲ ጐይታ ዝገበሮ ተኣምራት ዝዝከረሉ እንተኾነ፥ እቶም ሓሚሞም ብጐይታ ዝተፈወሱውን ክለዓሉ ግድን እዩ። እዚ ከም ታሪኽን መዘከርታን ጥራይ ዘይኮነ “በቲ ካብብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምጽንናዕን ተስፋ ማንቲ ኽንረክብ፥ እቲ ቐደም ዝተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንትምህርትና እዩ ዝተጻሕፈ” ሮሜ ፲፭፡፬/15፡4 ከም ዝበሎ ካብዚ ብዙሕ ነገር ንመሃር። በዚ ካብቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓ ፭፡፩-፲፭/5፡1-15 ብዛዕባ ጐይታ ነቲ ፴፰/38 ዓመት ተደኒሱ ኣብ ቤተ ሳይዳ ዝነበረ መፃጒዕ ከም ዝፈወሶ ዝገልጽ ጽሑፍ እንታይ ከም ዝምህረና ምስ ናይ ትርጉሙ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርኢ ኢና።         

“ብድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ ኢየሱስ ድማ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ድማ ብዕብራይስጥ ቤተ ሳይዳ ዝበሃል ፭/5ተ ገበላ ዘለዎ ቀላይ ነበረ። ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ዝጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፣ ዕውራትን፣ ሓንካሳትን፣ ልሙሳትን፣ ይድቅሱ ነበሩ እንሓንሳእን መልኣኽ እግዚአብሔር ናብቲ ቀላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውጾ ነበረ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ ዝተናወጸ ማይ ዝኣተወ ኸኣ ካብ ዘለዎ ዂሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ። ፴፰/38 ዓመት ዝሓመመ ሐደ ሰብኣይ ኸኣ ኣብኡ ነበረ ኢየሱስ ድማ ንእኡ ደቂሱ ምስ ረኣዮ ነዊሕ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ ‘ክትሓዊ ዶ ትደሊ ኢኻ በሎ።’ እቲ ሕሙም ኸኣ ‘ጐይታይ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቀላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ኻልእ ቀዲሙኒ ይወርድ’ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ኸኣ ተንሥእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ በሎ እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሓወየ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። ስለዚውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ‘ሎሚ ሰንበት ስለዝኾነ ንዓራትካ ክትጸውር ኣይፍቀደካን እዩ’ በልዎ። ንሱ ግና ‘እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለኒ’ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ኸኣ “እቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧’ ኢሎም ሓተትዎ። ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሕዝቢ ነበረ ኢየሱስ ኸኣ ድሕር ኢሉ ስለዝነበር እቲ ዝሓወየ ስብኣይ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ብድሕርዚ ኢየሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ረኸቦ እሞ “እንሆ ሓዊኻ ኣሎኻ ካብዚ ዝገድድ ከይረኽበካ መሊስካ ኃጢኣት ኣይትግበር በሎ። እቲ ሰብኣይ ኸኣ ኸይዱ እቲ ዘሕወዩ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም።” ዮሓ ፭፡፩-፲፭/5፡1-15።

ትርጓሜ ወንጌል ነዚ ገሊጽዎ ኣሎ። ሕጽር ብዝበለ ምስ ሕይወትና እናተኣሳሰርና ካብዚ ቀጺልናኣ ክንመሃሃር ኢና።

እቶም ሕሙማት ኣብ ቤተ ሳይዳ ትርጉሙ ድማ ቤተ ሣህል ቤተ ምሕረት ነበሩ። እዚ ንመሥዋዕቲ ዝቐርቡ ዝነበሩ ኣባጊዕ ዝሕጸቡሉ ቦታ እዩ። በዚ ድማ ቀላየ ኣባግዕ፣ ዓፀደ ኣባግዕ፣ ዓዘቅተ አባግዕ፡ ምጥማቀ አባግዕ፣ ምማሰ ኣባግዕ፥ ይብሎ፥ ንሳ ናይ ኣባጊዕ መጥመቒት/መሕጸቢት እያ። ፭/5 ገበላታት ኣለዋ ኣብኣ እቶም ሕሙማት ይድቅሱ። እቲ መልኣኽ ንቀድሶተ ማይ ለአዕርጎተ መሥዋዕት ተኣምራት ኣብ ዘመን ኣቦታትና ይግበር ኔሩ እምበር ኣብ ዘመንና ተሪፉ እዩ ምእንቲ ከይብሉ፥ መልኣኽ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውጾሞ ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ ቀዲሙ ዝኣተወ ይፍወስ። እቲ ምፍዋስ ዘይምድጋሙ እስመ ኦሪት መንፈቀ ፍጻሜ ወኅዳጥ መክፈልት ከም ዝብል ኣብ ኦሪት ፍጹም ድኅነት ከም ዘይነበረ ንምርዳእ እዩ።

እዚ ምሳሌ ኣለዎ። መልኣኽ ናይ ቀሳውስት፥ ማይ ናይ ጥምቀት፥ ፭/5 ገበላ ናይ ፭ተ ኣእማደ ምሥጢር፣ ፭ ድውያን ናይ ፭ተ ጾታ ምእመናን፥ ማለት አዕሩግ፣ ወራዙት፣ አንስት፣ ካህናት መነኮሳት እዮም። ናይ አዕሩግ ጾር ፍቅረ ንዋይ እዩ መን ክረድኣና ክኣልየና እናበሉ ገንዘብ የዋህልሉ፣ ናይ ወራዙት ጾር ዝሙትን ፍቅረ ንዋይን እዩ፣ ናይ አንስቲ ጾር ናይ ምንዝርና መጋየጺ እዩ፣ ናይ ካህናት ጾር ትዕቢት እዩ፣ ናይ መነኮሳት ጾር ድማ ስስዕቲ እዩ፥ ምኽንያቱ ኣብ ዝደለይዎ ስለዘይረኽብዎ እዩ። ናይዞም ኲሎም ጾር በቲ ብጥምቀት ዝተዋህቦም ኃይሊ ንጾሮም ይስዕሩን ይዕወቱሉን።

ነቲ መፃጒዕ ጐይታ ርእዩ ክትሓዊ ትደሊ ዲኻ፧ ኢሉ ሓተቶ ምኽንያቱ ጐይታ እቲ መፃጒዕ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ከም ዝጸፍዖ ስለዝፈልጥ ነቲ ዘድኃነካ ንምንታይ ትወቕዖ ምስ ተባህለ ደይ ባዕሉ እዩ እምበር ኣነስ ኣድኅነኒ ኣይበልክዎን ምእንቲ ከይብል መልሲ ከስእኖ ኢሉ እዩ። እቲ መፃጒዕ ድማ ኣብ ክንዲ እወ ኢሉ ዝምልስ ወዲ ፴/30 ዓመት ጎበዝ ከም ዝኾነ ንጐይታ ርእዩ፡ ያኢ ሰፍሲፉ ናብቲ ሩባ ከውርደኒ እዩ ብምባል “ናብቲ ቀላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ ኻልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” በሎ። ጐይታ ድማ “ዓራትካ ኣልዒልካ ተንሥእ” በሎሞ ተንሢኡ ዓራቱ ኣልዒሉ መን ከም ዝፈወሶ እኳ ከይፈለጠ ኸደ። ኣይኮነንዶ ብዙሕ ውሑድ ንዝገበረልካ እኳ መን እዩ ከምዚ ገይሩለይ ኢልካ ሓቲትካ ምፍላጥ የግዲ እዩ። ኣብ ካልእ እዋን ጐይታ ምስ ረኸቦ ደጊም ኣይተኣብስ በሎ፥ እንታይ ድኣ ካብዚ ዝከፍእ እንታይ ኣሎ እንተ በልና፥ እቲ ዝቐደመ ናይ ሥጋ ደዌ እዩ፥ ሕጂ ግና ደዌ ናይ ነፍሲ እዩ። እዚውን ኣይተረፎን ብዕለተ ዓርቢ ንጐይታ ክጸፍዖ ምስ በለ ኢዱ ነቒጻ እያ።

ንመፃጒዕ ኣብ መጀመርታ እንተ ድኣ ርኢናዮ ጐይታ ተንሥእ ምስ በሎ ከይደንጎየ ከመይ ኢለ ክትንስእ ኣይኮነለይን እዩ ከይበለ ብድድ ኢሉ ምትንሳኡ ዝነበሮ ድሌት ናይ ምፍዋስ ኣዚው ልዑል ከም ዝነበረን ብድድ ኢሉ ምትንሳኡ ንዝነበሮ ጽኑዕ እምነት ዝገልጽ እዩ። ከምዝስ እቲ ኣገልጋሊ መቕደስ ዝነበረ ካህን ዘካርያስ ብመልኣኸ እግዚአብሔር “ክትወልድ ኢኻ” ምስ ተባህለ እኳ “እዝስ ከመይ ኢሉ ይኸውን” ኢሉ እዩ መሊሱ። በንጻሩ ግና መፃጒዕ ምስ ተፈወሰ መን እዩ ፈዊሱኒ ኢሉ ክፈልጥ ዘይምጽዓሩ ንዝነበሮ ሕመቕን ትህኪትን ዘይተገዳስነትን ዝገልጽ እዩ።

ናይ ምፍዋስ ጸጋ ኣብቲ ጐይታ ዝነበሮ ጊዜ ጥራይ ተሓጺሩ ከም ዘይተረፈ ቀጻልነቱ ድማ ርጉጽ ምዃኑ “ኢየሱስ ነቶም ፲፪/12ተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፥ ንርዂሳት መናፍስቲ ከውፅእዎም ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ከሕውዩ ሥልጣን ሃቦም” ማቴ ፲፡፩/10፡1 ኢሉ ማቴዎስ ብዝገለጾ ኣረጋጊጹልና እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት መጀመርያ ነቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ናይ ምፍዋስ ብምቕባሎም እኳ እንተ ተሓጎሱ ጐይታ ግና “ስምኩም ኣብ መንግሥተ ሰማያት ስለዝተጻሕፈ ድኣ ኣዚዂም ክትሕጎሱ ይግባእ” ኢሉ ምዒድዎም እዩ። ኣብ ካልእ ጊዜውን ጐይታ ካብ ደብረ ታቦር ክወርድ ከሎ ንምንታይ እቲ ጋኔን ምውጻእ ከም ዝኣበዮም ንጐይታ ምስ ሓተትዎ ጐይታ “እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓይነት ብጸሎትን ብጾምን ኣንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” ኢሉ መሊስሎም እዩ። ካብዚ ካብተን ኣብ ጾም ፵ ዘለዋ ሸሞንተ ሰሙናት ሓደ ዝኾነ መፃጒዕ ምስ ጾም ጸለዎ ምትእስሳር ካብዚ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ድሕሪ ምቕባል መንፈስ ቅዱስ ግና ሓዋርያት እቲ ዝጎደሎም ተመሊእሎም ብዙሓት ሕሙማት ብቓሎም፣ ብዘፈር ክዳኖም፣ ብጽላሎቶም፣ ፈዊሶም እዮም። ከም መረዳእታውን ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣብ ግሓ ፫/3 ዘሎ ሓደ እዩ።

እዚ ናይ ምፍዋስ ጸጋ ካብ ሓዋርያት ክሳዕ እዚ እዋን ዘለው መራሕቲ ቤተክርስቲያን ካህናት ሰጊሩ ምዃኑ ከረድእ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ያዕ ፭፡፲፬/5፡14-ፍጻ “ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተሎ ንመራሕቲ ቤተክርስቲያን ይጸውዕ፥ ንሳቶም ኸኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ ጐይታውን ከተንሥኦ እዩ። ኃጢኣት ገይሩ እንተኾይኑውን ክሕደገሉ እዩ።” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ።

ሕጂ ኻኣ ካብዚውን ሓሊፉ ንነፍስ ወከፍ ሰብ እዚ ናይ ምፍዋስ ጸጋ ተዋሂቡና ኣሎ፥ “ ዝበለጸ መንገዲ ኽሕብረኩም እየ ”። ንሱ ድማ ጾም እዩ። ከምቲ “ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ፥ ወታጸምም ኲሎ ፍትወታተ ዘሥጋ ትሜሕሮሙ ለወራዙት ጽሙና፥ እስመ ሙሴኒ ጾመ በደብረ ሲና።” ዚቅ ዘየካቲት ኪዳነ ምሕረት፥ ዝበሎ፥

ጾም ንሥጋና ካብ ደም ብዝሒ  ኮለስትሮል ፍቱን  መድኃኒት ንነፍስና ድማ ናብ ኣምላኽ መቕረቢት መድኃኒት እዩ። ካብ ኲሉ ሕማም ንላዕሊ ንዝኾነ ፍትወታት ናይ ሥጋውን መድኃኒት እዩ። ካብ ሕማም ደዌስ እቲ ንፍትወታት ሥጋ ዝሓመም ኣዚው ዝገደደ እዩ። ምኽንያቱ ሕማም ንሰብነትካ ጥራይ የድክም ካብ ፍትወታት ናይ ሥጋ ዝመጽእ ከም በዓል ትዕቢት ድማ ንቤትና፣ ንጐረቤት፣ ንኸባቢ፣ ንሃገር፣ ንኣህጉርን ኮታ ንዂሉ ዓለም የሳቕያ ኣሎ። ካብ ሕማም ደዌ ዝቐተሎ ስስዕትን ትዕቢትን ብዘበገሶ ኲናት ዝጠፍኣዶ ኣይበዝሕን። እምበኣር ጾም ንዂሉ ተዕግስ እያሞ ሰላምን ስኒትን ኣብ ዓለምና ክወርድ ኲላትና ክንጸውም ይግባእ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.