መጻጕዕ 4ይ ሰንበት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

አምላኩሰ ለአዳም።

ምስባክ

እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ

ወይመይጥ ሎቱ ኩሎ ምስካቢሁ እምደዌሁ

አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ ።

ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ እግዚአብሔር ይድግፎ

ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ

ጐይታየ በዲለካ እየ እሞ ምሐርኒ።

                                                               መዝ. 40 (41)፣3-4።

ወንጌል ዮሓ፣5፣1-23፣      ግ.ሓ.3፣1-1-12           ገላ.5፣1      ያዕ.5፣14

ቅዳሴ. ነአኩተከ

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ራብዓይቲ መጻጕዕ ተባሂላ ትፍለጥ። ነብዛ ክብርቲ ዕለት ዘብጽሓናን ካብ በረኸታውን ክንሳተፍ ዘፍቐደልና እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ንሕሙማትን ድኑሳትን ጐይታ ብተኣምራቱ ከምዘሕወዮም ዝገልጽ ብምዃኑ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ነቲ ፴፰(38) ዓመት ለሚሱ ዝነበረ መጻጉዕ ከምዘድኃነ ንዝገልጽ “አሕየዎ ኢየሱስ ለመጻጕዕ ለ፴ወ፰ ክረምተ ሐመ” (፴፰(38) ዓመት ተደኒሱ ንዝነበረ መጻጕዕ ኢየሱስ ኣሕወዮ) ብዝብል መዝሙር ዝተማእከለን “አምላኩሰ ለአዳም ለዕረፍት ሰንበተ ገበረ” ብዝብል መዝሙር ርእሲ ዝከፍትን ኮይኑ፡ ጐይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብዝተፈላለየ ሕማማትን ሽግራትን ንዝተጠቕዑ ሰባት ማለት ንለምጻማት፡ ድኑሳት፡ ዕዉራት፡ ሓንካሳት፡ ጎባጣት፡ ድውያት፡ ብኣጋንንት ንዝተተሓዙ ወዘተ እናጠቓቐሰ ከምዘሕወዮምን ኣብ ሰንበት ንሕሙማት ዕረፍቲ ከምዝሃበን ዘዘኻኽር እዩ። ስለዚ እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ንሕሙማት ዝገበሮ ድንጋፀን ምሕረትን ንምዝካር ዝተወፈየት ዕለት እያ። 

በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘክርትኡን ክንርዳእ ንኽእል።

ማቴ ፬፥፳፬ ፳፮ (4፥24-26), ማቴ ፰፥፪-፴፬ (8፥2-24), ማቴ ፲፬፥፲፬-፴፮ (14፥14-36)። 

ማቴ ፲፥፵፮-፶፪ (10፥46-52), ማቴ ፳፥፳፱-፴፬ (20፥29-34)።

 ማር ፫፥፩-፮ (3፥1-6), ማር ፪፥፫-፲፪ (2፥3-12)።

 ሉቃ ፮፥፮-፲፱ (6፥6-19), ሉቃ ፲፩፥፲፬-፳፫ (11፥14-23), ሉቃ ፲፫፥፲-፲፪ (13፥10-12)። ሉቃ ፲፰፥፴፭-፵፫ (18፥35-43) ።

 ዮሐ ፭፥፭-፲፰ (5፥5-18) ። ዮሐ ፱፥፩-፴፫ (9፥1-23)

እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብመዓልቲ ሰንበት ብተኣምራቱ ብዙኃት ድውያንን ድንሳትን ብምሕዋዩ ኣይሁድ ስለምንታይ ብሰንበት ከምዚ ዓይነት ግብሪ ትሰርሕ ኣሎኻ፥ ነዚ ክትገብር’ከ መን ሥልጣን ሃበካ፥ እናበሉ ይቃወምዎ ነይሮም። ኢየሱስ ግና “እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት” እዩ እሞ ንሱ ጐይታ ሰንበት ምዃኑን፥ ሰንበት ድማ ብኸመይ ኣገባብ ክትኽበር ከምዝግባእ የርእዮም ነበረ። ምሕረት ዝፈቱ ኣምላኽ እዩ እሞ ነቶም ጥፉኣት ኣባጊዑ ከናዲን ክእክብን፥ ኣብ ልዕሌኦም ሠልጢኑ ንዝነበረ ደዌን ኣጋንንትን እናርሓቐ መሓሪ ኣምላኽ ምዃኑ ብግብሪ መስከረ። 

ሰንበት ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ኮፍ ኢልካ ሥጋዊ ዕረፍቲ ተዕርፈላ ወይውን ሥጋዊ ሓሳባትካ እትፍጸመላ ዘይኮነት ናይ እግዚአብሔር ቅድስት ዕለት ስለዝኾነት፥ ሰናይ ዘበለ ግብሪ ብምግባር ንኣምላኽ ከነሥምረላ ዝተፈለየት ዕለት እያ። ብዘይካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኬድካ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ምሳታፍ ንዕኡ ዝመስል ካልእ ብዙኅ ሰናይ ግብሪ እኳ እንተሎ፥ ብውሑዱን ብጥቕልሉን ግና ቃላተ ወንጌሉ ምፍጻም እዩ። (ማቴ ፳፭፥፴፪-፵፮/25፥32-46) 

እዚአን ቃላት ድማ ጐይታ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ምስ ኵሎም መላእኽቱ ዳግማይ ኣብ ዝመጸሉን፥ ስርናዩ ኣብ ቖፎ ክርዳዱ ድማ ናብ ሓዊ ኣብ ዝድርብየሉ ትንሣኤ ዘጉባኤ፥ ከይንሓፍርን እሙናት ኣባጊዑ ኮይንና ክንጸንሕን ንዑ ብሩካነ አቡየ ክንበሃልን፥ ዕረፍተ ሰንበት ምሳሌኣ ዝኾነት መንግሥተ ሰማያት ክንወርስ ምእንቲ ንሕተቶም ሕቶታት እየን። 

ጠምየ፥ ጸሚዔ፥ ዐሪቐ፥ ሓሚመ፥ ተኣሲረ፥ ጋሻ ዄይነ… ዝብላ ሽዱሽተ ቃላተ ወንጌል እየን። ካብዞም ንኣሽቱ ነዚ ሓገዝ ዘድልዮም ምግባር ንዕኡ ከም ምግባር ምዃኑ እዩ ጐይታ ተዛሪቡ እሞ ብሓቂ ዶ ነዚአን ጽድቅን ዕረፍት መንግሥተ ሰማያትን ከውህበና ዝኽእሉ ሰናይ ተግባራት ዶ ንፍጽም ኣሎና፥ ክርስቶስ ኣምላኽና ብቃሉ እሙን እዩ እሞ ነቲ ኣቐዲሙ ዝበለናን ዘለቡሙናን ቃላቱ ጽን ኢልና ክንፍጽሞም ተዓጢቕና ሎሚ ንበገስ። ዓለምና ብክፍኣትን ስስዐን ተደብያ ኣብ ዘላትሉ ኣብዚ ክፉእ ዘመን፥ ምእመናን ነቒሕና ነቲ ጽድቂ ንዓድግ። እቲ ጾር ድማ ቀሊል ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። 

ጐይታና መጻጕዕ ንዝኣመሰሉ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ደዌን ሕምማን ዝተጠቕኡ ግና ብእምነትን ተስፋን ንዝጽበይዎ ሰባት ወትሩ ይበጽሖምን ይፍውሶምን እዩ። ነዚ ቃልና ምስክር ካብ ዝኾነና ሓደ ኸኣ ኣብ ገዳማትናን ኣድባራትናን ኣብያተ ክርስቲያናትናን ዝርከቡ ማየ ጸሎትና እዮም። ምኽንያቱ እዞም ዝተቐደሱን እግዚአብሔር ብእኦም ኣቢሉ ምሕረቱ ዝፍንወሎም ማየ ጸሎታት ካብ ኦሪት ጀሚሩ እግዚአብሔር ዝሰርሓሎም እዮም እሞ ሃገርና ድማ በዞም ቅዱሳን ማየ ጸሎታት ብብዝኂ ዝተባረኸትን እያ። ይኹን ደኣ እምበር እዘን ማየ ጸሎትና ኣተሓሕዝኦምን ኣመሓድሮኦም ግና ኣይግድን እዩ እሞ ቤተ ክርስቲያንና ኣዕሚቓ ክትሓስበሉ ዝግባእ እዩ። 

ኣብዚ ዕለተ መጻጕዕ ጐይታ ንዝገበሮ ተኣምራትን ፈውስን ክንዝክር ከሎና ንሕሙማት ድውያንን ናይ ምሕረትን ፈውስን ዓቢ መንፈሳዊ ጸጋ ክትዕድል ካብ ጐይታ ብሓደራ ዝተቐበለት “መዕረፊት ኣጋይሽ” ቤተ ክርስቲያን እያ። መምህራንን ካህናትን ድማ ብትምህርቶምን ብጸግኦምን ንዝወደቐ ከልዕሉ፥ ንዝተሰብረ ክጽግኑ፥ ንዝሓመመ ከሕውዩ ተጊሆም ሓደራ ጐይታ ክፍጽሙ ይግባእ። ምሕረትን ፈውስን ዘድልየና ምእመናን’ውን ካብ ዝኾነ ጽዩን ባዕድ ኣምልኾ ርሒቕና ትውክልትና ኣብ እግዚአብሔር ብምግባር ብእምነትን ብተስፋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንተተመላለስና እግዚአብሔር ኣብ ግዚኡን ኣብ ሰዓቱን ባዕሉ ምሕረቱ ክሰደልና እዩ። ንዝተገብረልና ድማ ምስጋና ካብ ምቕራብ ክንቑጠብ ወይ’ውን ድኅር ክንብል የብልናን። 

መሓሪ ኣምላኽ ምሕረቱ ይዓድለና፥ ዕረፍቲ መንግሥተ ሰማያት ንኵልና ይሃበና። 

ስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.