መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። 1ይ ቆሮንቶስ 10:31

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ውሑዳት ውልቀ ሰባት ንሕጊ ቃለ ዓዋዲን ንግደ መሪሕነት ካህናት ኣብ ቤተክርስቲያንን ዝምልከት ዝወጸ ናይ ተቓውሞ ጽሑፍ ናብ መብዛሕትና መጺኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ተዘርጊሑ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ኣብ ፈቐዶኡ ተበቲኑ ንጉዳይ ቤተክርስቲያንን ንቤተክርስቲያንን ኣብ መድረኽ ናይ ዓለም መዛረቢ ምግባራ ካብ ሓደ ኣብ ሃይማኖት ኣለኹ ዝብል ሰብ ይትረፍ ክትሰምዖ፡ ሕልና ዘለዎ ዘይሓስቦ ኢዩ። ይኹንምበር እዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻሜ ኮይኑስ ርኢናዮ'ኳ።

ኣብቲ ዝወጸ ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ከምዚ ዝስዕብ ይብለ።

"ካህን ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ጉባኤ ኪኸውን ኣለዎ፡ ነፍስ ወከፍ ቤተክርስቲያን 15% ካብ ኩሉ ኣታዊታታ ንሃገረ ስብከት ትልእኽ፡ ዕሽር፡ ዋንነት ቤተክርስቲያን፡ ሃገረ ስብከት ናይ ግድን ኣብ ናይ ሰበኻ ጉባኤ ምርጫ  ናይ ግድን ክሳተፍ (ዓቕሚ ቤተክርስቲያን ኣብ ግምት ዘየእተወ) ወዘተ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትእዛዛት፥ ብግቡእ ዘይተኻታዕናሉን፡ ርእይቶና ክንህብ ዘይተፈቕደልናን፡ ምስዚ እንነብረሉ ሃገር ብሕጊ ዝጋራጨውን፡ ብናይ ሕጊ ክኢላታት ሰብ ሞያ እኹል መጽናዕቲ ዘይተገብረሉን ዘይተጻረየን፡ ካብ ኩሉ ከኣ ብኣባላት ናይ ነፍስ ወከፍ ቤተክርስቲያናትና ዝርርብ ዘይተገብረሉን ዘይተመያየጣሉን ስለዝኾነ "ትእዛዝ" ከምዝተዋህበ ደኣ ሰሚዕና እምበር ከምዘይተቐበልናዮ እንዳሓበርና፡ ንኣባላትና ከምታ ዝተነበበትን ዝተኣዘዘትን ከየጉደልናን ከይወሰኽናን ክንሕብሮም ምዃና ነፍልጠኩም።"

ኣብዛ ናይ ገለ ውልቀ ሰባት ናይ ኣድማ ደብዳቤ ዝቃወምዎ ዘለዉ ነጥብታት ጽማቕ ትሕዝቶ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም። ማለት እቲ ተቓውሞ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ከይትግበሩ ዝዓለመ ኢዩ።

ናይ ካህን ኣብ ሰበኻ ጉባኤ ኣቦ መንበር ምዃን

ንሃገረ ስብከት ዝኽፈል 15%

ወኪል ሃገረ ስብከት ኣብ ዝግበር ምርጫ ሰበኻ ጉባኤ ከምተዓዛቢ ምህላው

ዋንነት ቤተክርስቲያን

ብሕጊ ቃለ ዓዋዲ ምምራሕ

ዝብሉን ካልእ ቅሬታታትን ዝሓዘት ኢያ።

ቅድሚ ብዝርዝር ምርኣይና፡ እስከ ገለ ካብቲ ኣብዚ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ቃላት ንርአ። እዛ ጽሕፍቲ ዋላኳ ትሕዝቶኣ ናይ ሓልዮት ኣምሲልካ ንምቕራብ ዝተፈተነ ይምሰል፡ ጸይራቶ ዘላ ቃላት ግን ናይ ሓልዮትን መንፈሳውነትን ቃላት ኣይኮነን። ናይ ተቓውሞ፡ ናይ ኣድማ ቃላት ኢዩ። ምናልባት ነዚ ጽሑፍ ዘንብብ ሰብ ስለምንታይ ናይ ኣድማን ናይ ተቓውሞን ደብዳቤ ምባልና ዘይሕጉስ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ግን ስለምንታይ እዚ ከምዝበልና ክንገልጽ ይፈቐደልና!  ኣብቲ ዝወጸ ጽሑፍ "ንሕና ብወገና ትእዛዝ ኢዩ ክትብሉና ከለኹም፡ ዕጉባት ከምዘይነበርና ትስሕትዎ ኢልና ኣይንኣምንን። ናይ ውሑድ ደቓይቕ እውን ተኣኪብና ነቲ ሓሳብ ብዕቱብ ገምጊምና፥ ዘየስርሕ ምዃኑ ብናይ ሓባር ዕግበት ተሰማሚዕና። ነጺግናዮ ጉባኤ ሓዲግናዮ ክንወጽእ እውን ሓሲብና ኔርና። ግን ልቢ ኣዕቢና ከባቢና ኣመዛዚና። ነቲ ጉባኤ ፋሕ ክብል  ዝጽበዩ ኣብ ውሽጥን ወጻእን'ውን ከምዝነበሩ ኣስተውዒልና ጉባኤና ብሰላም ክቕጽልን ክዛዘምን ወሲና። ሰይጣን ድራሩ ከይረክብ ስቕ መሪጽና፡ ታቓውሞና ግን ብሕጊ ብደብዳቤ ነፍልጦም ብማለት ተራዳዲእና።ዝብል ቃል ብቃሉ ካብቲ ንዎሆይ በለኒ ዝተበተነ ዝተወስደ ኢዩ።

ኣብዚ ጽሑፍና ብናይ ብዙሓት ስም ክንጽሕፍ ኣይመረጽናን። እቲ ምንታይ እዛ ደብዳቤ ዋላኳ ናይ ብዙሓት ስምን ክታምን ትሓዝ እምበር፡ ኩላቶም እቶም ኣብታ ደብዳቤ ስሞምን ክታሞምን ዘንበሩ ተቓወምቲ ኢዮም ዝብል ርእይቶ ኮነ ርድኢት የብልናን። ከምቲ ኣብታ ደብዳቤ ዘሎ "ነቲጉባኤ ፋሕ ክብል  ዝጽበዩ ኣብ ውሽጥን ወጻእን'ውን ከምዝነበሩ ኣስተውዒልና…..።"  ግሩም ትዕዝብቲ ኢዩ። ብሓቂ እዚ ሃገረ ስብከት ንድሕሪት ንምምላሱ፡ መጓሰ እግዚኣብሔር ፋሕ ክብል ዝደልዩ ከምዘለዉ እሙን ነገር ኢዩ። ናይቶም ብግዳም ዘለዉ ንጊዜኡ ይጽነሓልና'ሞ፡ ናብቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ጥርናፈን ዕቤትን ቤተክርስቲያን ክርእዩ ዘይደልዩ ንመለስ። ንስኻ ሓውና ወዮ ደኣ ኣይተረዳኣካን እምበር፡ ናይቶም ናይ ውሽጢ ጸላእቲ ተሓባባርን መሳርሕቲን ኢኻ ኰንካ። እቶም ናይ ውሽጢ ጸላእቲ ብጉርሖም ንስኻ ብገርህኻ ተራኺብኩም። ይኹንምበር መጀመርታ ስሕታን ካልኣይ ግን ዕብዳን ከምዝተባህለ፡ ሕጂ ግን ናይዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ተሓባባሪ ኣይትኹን። ነዚ ድማ ኢና ኣብ ክንዲ ብጥርኑፍ ንኹሎም ነቶም ዝፈረሙ ኣብ ክንዲ ምምላስ ብናይ ውልቀ ሰብ ክንጽሕፍ ዝመረጽና። እዚ ማለትና ግን እቲ ዝተፈጸመ ቅኑዕ ኢዩ ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣ ንስሓ ዘድልዮ ዓብይ በደል ኢዩ እሞ ምስ ናይ ንስሓ ኣቦኻ ክትማኸረሉ ንምዕደካ።

ጉባኤ ከሎ ስለምንታይ ካብ ጉባኤ ወጻኢ ካልእ ጉባኤ ኣድለየ? ቤተ ክርስቲያን መምርሒ ከተውጽእ ኣማኒ ክስዕብ ዝጸንሐ ሕጊ ሃይማኖት ዶ ኣይኮነን? ብጸሎት ኣቦታት ብቡራኬ ጳጳሳት ዝተኸፍተ ጉባኤ ገዲፍካ ካልእ ኣኼባ ምግባር መንፈሳዊ ዶኾን ይኽውን?  ብናይ ውሑዳት ደቓይቕ ኣኼባ ናብ ኣየስርሕን ኢዩ ዝብል ውሳኔ ዝተበጸሐ፡ በየናይ መገዲ ኢዩ ዘየስርሕ ኮይኑ ዝተረኽበ? ንምዃኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይናይ ቦታ ኢዩ፥ ካብ ኣመንቲ ነቲ ብሃዋርያት ዝተመሓላለፈሎም መልእኽቲ ኣይንቕበልን ዝበሉ? እሞ እንታይ ደኣ ተረኽበ ሎሚ? ጅግንነት ያእይ ተቖጺሩስ"  ነጺግናዮ ጉባኤ ሓዲግናዮ ክንወጽእ እውን ሓሲብና ኔርና። ግን ልቢ ኣዕቢና ከባቢና ኣመዛዚና። ነቲ ጉባኤ ፋሕ ክብል  ዝጽበዩ ኣብ ውሽጥን ወጻእን'ውን ከምዝነበሩ ኣስተውዒልና ጉባኤና ብሰላም ክቕጽልን ክዛዘምን ወሲና። ሰይጣን ድራሩ ከይረክብ ስቕ መሪጽና፡ ታቓውሞና ግን ብሕጊ ብደብዳቤ ነፍልጦም ብማለት ተራዳዲእና።ልቢ ዘዕበኻ ኣይመስለናን! ብፍጹም! ልቢ ዘዕበ እሞ ከምዚ ንስኻ ዝገበርካዮ ኣይገብርን ኢዩ። ነታ ብእምነት ዝወከላትካ ቤተክርስቲያን ክትውክላ ብቑዕ ኴንካ ኣይተረኸብካን። እዛ ቤተክርስቲያን ብእምነት ሓላፍነት ኣሰኪማ ናይ መጓዓዝያን ናይ መዕረፊኻን ከፊላ እኳ እንተሰደደትካ፥ ንስኻ ግን ነቲ ብሓደራ ዝተዋህበካ መንፈሳዊ ሓላፍነት ኣይፈጸምካን። ሓወይ ቤተክርስቲያን ዝለኣኸትካ ኣብ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ተረኺብካ ክትውክላን ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ድማ ናብ ህዝቢ ከተቕርብን ደኣ'ምበር ኣንጻር ውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጓል መገዲ ጉባኤ ክትሰርዕ ኣይነበረን። መሬት ክሓምቕ ካኺቶ የብቁል ይብሉ ቀዳሞት። ሕጂ ከኣ ክቡር ሓውና፡ ብናጻ ሓሳብካ ኣብ ዝግለጸሉ ዓለም ስለዘለና ሓሳብካ ክትገልጽ መሰል ኣሎካ። እንተኾነ ግን ኣማኒ ከብለካ ኣይክእልን ኢዩ። ከመይ እንተበልካኒ እምነት ትርጉሙ ኣይተረዳኣካን። እምነት ማለት እኮ "ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ።"

ሕሰብ'ሞ ልቢ ዘዕበ ሰብ ንጉዳይ ቤተክርስቲያን ኣሕሊፉ ካብ ውሽጢ ንግዳም ዘውጽእ የለን። ንሕና ብወገነይ ምናልባት ዝተረፈ ንምምላእ ወይ ከኣ ሓቀኛ መንነትካ ንኸይቅላዕ ዝተጠቐምካሉ ስልቲ ኢዩ ካብ ምባል ሓሊፍና ምስ ልቢ ምዕባይ ኣይንቆጽሮን።  ግን "ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን። ማቴዎስ 10:26።" እቲ ሓቀኛ መንነትካ ኣብ ጊዜኡ እግዚኣብሔር ክገልጾ ምዃኑ ኣይትስሓቶ። ኣብቲ ጽሑፍካ "ነቲጉባኤ ፋሕ ክብል  ዝጽበዩ ኣብ ውሽጥን ወጻእን'ውን ከምዝነበሩ ኣስተውዒልና……።" ኣይግረምካ እዛ ቅድስት ቤተክርስቲያን ናይ ውሽጢን ናይ ወጻእን ጸላእቲ ከጋጥምዋ ናይ መጀመርያኣ ኣይኮነን። ንሕና ኮነ ንስኻ ጥራይ ናይዞም ኣጽራረ ቤተክርስቲያን ተሓባበርቲ ካብ ምዃን ንተሓሎ። ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ከብ ዘደናግሩ እኩያት ተዃሉ ንጠንቀቅ።

እዛ ዝወጸት ናይ ኣድማ ደብዳቤ ክታም ዘለዋ ኢያ። እቲ ጽሑፍ ድማ ክልተ ገጽ ዝሓዘ ኢዩ። እሞ እንታይ ደኣ፡ መኣስ ኣብ ጉባኤ ተኻፈልካ?መኣስከ ነዚ ጽሑፍ ኣዳለኻ? ይገርም ኢዩ! ኣብ ናይ ውሑዳት ደቓይቕ ርክብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ምድላው ዘይሕሰብ ኢዩ። እወ ከምቲ ሃዋርያ ዝበሎ " ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹ። 1ይ ዮሐንስ 2:18-19።"

እቲ ካልእ ትሕዝቶ እዛ ናይ ኣድማ ጽሕፍቲ "ብግቡእ ዘይተኻታዕናሉን፡ ርእይቶና ክንህብ ዘይተፈቕደልናን፡ ምስዚ እንነብረሉ ሃገር ብሕጊ ዝጋራጨውን፡ ብናይ ሕጊ ክኢላታት ሰብ ሞያ እኹል መጽናዕቲ ዘይተገብረሉን ዘይተጻረየን፡ ካብ ኩሉ ከኣ ብኣባላት ናይ ነፍስ ወከፍ ቤተክርስቲያናትና ዝርርብ ዘይተገብረሉን ዘይተመያየጣሉን ስለዝኾነ።" ዝብል ኢዩ። ሓወይ ናብ ቤተክርስቲያን ናይ ምምጻእካ ዕላማ እንታይ ኢዩ? ቤተክርስቲያን እኮ ናይ ክትዕን ናይ ታዕታዕን ቦታ ኣይኮነትን! እግዚኣብሔር ዝምስገነላ፡ ወንጌል መንግስተ ሰማያት ዝብሰረላ፡ ሓመረ ድሕነት፡ ናይ ሰላም ወደብ ኢያ። ከምዝመስለኒ ግን ንስኻን ከማኻ ዝኣመስሉን ትርጉም ጽዋዓኦም ዘይፈልጡ ተልእኾ ቤተከርስቲያን ዘይተረድኡ ስለዝበዝሑዋ ትፍተን ኣላ።

"ርእይቶና ዘይሃብናሉ" ዝብል ነጥቢ ካልእ ኣዘኻኺሩና። ቤተክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ዝመርሓ። መንፈስ ቅዱስ  ንቤተክርስቲያኑ ዝመርሓ ብኤጲስ ቆጶሳትን ጳጳሳትን ገይሩ ኢዩ። "ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ግብሪ ሃዋርያት 20:28" ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ ዝሃቦ ናይ ሓደራ ቃል ምቅዋም ኢዩ። ብካልእ መዳይ እንተረኣናዮ ድማ፥ ንቤተክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ዶ ይምርሓያ ወይስ ወልቀ ሰባት? ዝብል ሕቶ ከተልዕል የገድደካ። ክንዮዚ ክረአ ዘለዎ ነገር'ውን ኣሎ። ሓቀኛ ኣምልኾ ከመይ ዝበለ ኢዩ? መልሲ ዘድልዮ ኢዩ። ኣምልኾ ከምድላይካ ትዝውሮ ኣይኮነን፡ እግዚኣብሔር ብዝበሎን ብዝፈቐዶን በቲ እግዚኣብሔር ይኹን ዝበሎ መንገዲ ዝፍጸም ኢዩ። ከምድላይካ እትዝውሮ፡ ኣምልኾ ጣኦት ካብ ምባል ሓሊፍካ ክበሃል ዝኽእል ነገር የለን።  ሓውና ርእይቶኻ ሂብካ ከተምልኽ እንተደሊኻ ቤተክርስቲያን ዘክርስቶስ ኣይትፈቅድን ኢያ።

"ምስዚ እንነብረሉ ሃገር ብሕጊ ዝጋራጨውን"

መቸም ኣብ ዓለም ብዙሕ ዝተፈላለየ ሕጊ ሃይማኖት ኣሎ። ይኹን'ምበር ሕጊ ሃይማኖት ክርስትና መሰል ወዲ ሰብ ብምኽባር መዳርግቲ የብሉን።  "ምስዚ እንነብረሉ ሃገር ብሕጊ ዝጋራጨውን" ዝብል በየናይ መምዘኒ ተራእዩ ኢዩ ተጋራጫዊ ኮይኑ ዝተረኽበ? ወይ ጉድ! እዚስ ናይ ዝተማህረ ሰብ ሓሳብ ከምዘይኮነ ኩሉ ነቲ ሓቂ ክፈልጥ ዝደሊ ምሁር እየ በሃሊ ኣንቢቡ ነቲ ሓቂ ክፈልጦ ይግባእ። ብዝኾነ እቲ ዝመጸ መምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ሕጊ ናይዚ ሃገር ዘጋጩ የብሉን። እቲ ዘሕዝን ብዙሓት ንሕጊ ቃለዓዋዲ ምስ መምርሒ ዘይመኽሰባዊ ትካል ኣሜሪካ ኣይከይድን ብምባል ከም መፈራርሂን ካልእ ሕቡእ ውዲቶም ብምትእትታው ተጠቒሞም ንቤተክርስቲያን ክጨውዩ ናይ ዝፍትኑ ሰባት መማጎቲ ኢዩ። ሓውና ኣይትጋገ! ኣብ እምነት ኣለኹ ትብል እንተዄንካ ብሞያኻ፡ ብትምህርትኻ፡ ብጉልበትካ ኮነ ገንዘብካ ነዛ ቅድስት ቤተክርስቲያን ደው ክትብል ኢዩ ዝግባኣካ። ንስኻ ግን ኣብ ክንዲ ንእምነትካን ንስርዓትካን ንመሰል እዛ ቅድስት ቤተክርስቲያንን ደው ትብል፡ ንሕጊ እትነብረሉ ሃገር ኢኻ ተጣባቒ ኰንካ ዘለኻ። እወ ሓቂ ኢዩ ሕጊ እንነብረሉ ሃገር ከነኽብር ግቡእ ጥራይ ዘይኮነስ ሕጊ ሃይማኖትና'ውን ኢዩ። ንስኻ ግን ሓወና ንሕጊ ሃይማኖትካ ኮነ ስርዓት ቤተክርስቲያንካ ኣይትፈልጦን ኢኻ። ንሕጊ ትነብረሉ ዘለኻ ሃገር'ውን ገና ኣይተረዳእካን።

"ብናይ ሕጊ ክኢላታት ሰብ ሞያ እኹል መጽናዕቲ ዘይተገብረሉን ዘይተጻረየን"

ቤተክርስቲያን ሕጂ ኣብ መበል 22 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣሜሪካ ኣይኮነትን ተመስሪታ። እዛ ቅድስት ቤተክርስቲያን ብደም ሰማእታት ብብርዒ ሊቃንት ብዓጽሚ ቅዱሳን ዝተሃንጸት ኢያ። ሎሚ ድሕሪ 2000 ዓመት ንሕጋ ብሰብ ሞያን ብክኢላታትን መጽናዕቲ ዘይተገብረሉን ዘይተጻረየን ማለት ንቤተክርስቲያን ውርደት ነቶም ብናይ ደሞም ቀለምነት እምነታን ስርዓታን ዘረከቡ ኣበው ጸርፊ ኢዩ። ዘይተጻረየ መምርሒ ዘለዋ ቤተክርስቲያን የብልናን!  ቅድስት ቤተክርስቲያን መምርሒኣ ንጹርን ብሩህን ኢዩ።  ካብዚ ክንርደኦ እንኽእል ነገር እንተሎ ነዛ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዘይትፈልጣ ምዃንካ ኢዩ።

"ካብ ኩሉ ከኣ ብኣባላት ናይ ነፍስ ወከፍ ቤተክርስቲያናትና ዝርርብ ዘይተገብረሉን ዘይተመያየጣሉን"

ናይ ቤተክርስቲያን ምምሕዳር ዘይምፍላጥ ዝፈጠሮ ሽግር ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን። ኣብ መንጎ ዓለማዊ ሕጊን መንፈሳዊ ሕጊን ዘሎ ፍልልይን ዘመሳስሎምን ነገር ዘይምርዳእ ኢዩ። ዓለማዊ ሕጊ ሰባት ተኣኪቦም ሕጊ ይነድፉ፡ እቶም መራሕቶም ከኣ ንዕኡ ተኸቲሎም በቲ ዝወጸ ሕጊ የመሓድርዎም። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግን እግዚኣብሔር ሕጊ ይህብ ሰብ ይስዕብ። ነብያት ሃዋርያት ሕጊ ይሰርዑ ኣማኒ ከኣ ይኽተል። ዝፈላልዮም ኣወሃህባኦም ወይ ኣመጻጽኣኦም ኢዩ። ዘመሳስሎም ክልቲኦም ግበርን ኣይትግበርን ዝብል መምርሒ ዝህቡ ምዃኖም ኢዩ። እዚ ናይ ቤተክርስቲያን መማሓደሪ ሕጊ ከምቲ ንስኻ ትርደኦ ዘይኮነ፡ ቅዱሳን ኣቦታት ጾም ኣዊጆም ስባዔ ቆጺሮም፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝመርሖም ምስ እግዚኣብሔር ተማኺሮም ዝሰርዕዎ ኢዩ። ነዚ ኢኻ ናተይ ርእይቶ ክህበሉ ትብል ዘለኻ። ወይ ተኣምር! ካብ ኣቦይ ኣነ እዓቢ፡ ካብቶም ቅድመይ ዝሓለፉ ኣነ እበልጽ ማለትካ እኮ ኢዩ። "ኣባላት ናይ ነፍስ ወከፍ ቤተክርስቲያናትና ዝርርብ ዘይተገብረሉን ዘይተመያየጣሉን"ማለት ትዕቢት ኢዩ። ትዕቢት ድማ ካብ ሰይጣን ኢያ። እቲ ዓበይቲ ተዛረቡ ዝብል ባህሊ ሃይማኖት ናበይ ደርቢኻዮ? እቲ ኣቦይ ዝበሎ ይኹን ዝብል ባህሊ ቀዳሞት ረሲዕካዮ ዲኻ ወይስ ንዒቕካዮ? ልቢ ዘዕበ ሰብ ዝብሎ ኣይኮነን ትብሎ ዘለኻ።

ኽቡር ሓውና ንባዕልኻ ተዓንቂፍካ ንኻልኦት መዓንቀፊ ካብ ምዃን ክትእለ ንጽሕፈልካ ኣለና'ሞ፡ ብዓይኒ ምኽሪ ርኢኻ ብንጹህ ልቦና ብቅኑዕ ሕልና ክትቅበሎ ብስም እዛ ኣዴና ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ንላቦ።

ይቕጽል

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን

Comments are closed.