መንፈሳዊ ናይ ፍቅሪ ደብዳቤ ካብ ድያቆን ናብ ሔዋኑ

መንፈሳዊ ደብዳቤ ካብ ድያቆን ናብ ሔዋኑ

“ ንእግዚአብሔር እትፈርሕ ሰበይቲ ግና ክትነኣድ ይግብኣ። ፍረ ጻማኣ ሃብዋ፡ ኣብ ባይቶ ድማ ኵሉ ኺንእዳ ግቡእ እዩ “ ምሳ31፡31

4382953112_29080209b1 (1)

መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ብቃል ጥባሮ ንደቂ ኣንስትዮ ኣደናጊሮም  ድሌታቶም ንኽርዉዮ ዝጥቀምዎ  ናይ ሓሶት ናእዳ መሊኡ እዩ። ናይ ገሊኦም እኳ ሕሉፍ እዩ ብደብዳቤ ወይ ኤመይል(Email) ወይ ቴክስት(text) ምሩጻት ቃላት ሓርዮም ዘረብኦም ኣዉቂቦም ንንጹሃት ኣሕዋትና ምሳኽን ንዘልዓለም ክነብር ኢና ኢሎም ሥጋዊ ድሌታቶም ምስ ረኸቡ ንጽባሒቱ ድምጸን እኳ ክሰምዑ ዝጽየፉ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ካብ ዝጥቀምዎ ናይ መደናገሪ ቃላት ንምጥቃስ ዝኣክል ኪፍ ዘለኪ ከማኺ ጓል ሔዋን የላን፡  ሽኮሪና ቆጽሊ ሞመና፡ ንዓይ ኢልኪ ዝተፈጠርኪ ምድራዊት ንግሥተይ  ኢኺ ፡ ንስኺ ምልክዕቲ ፍጥረት ብዘይ ሓላዊ ክትዛወሪ ገበን እዩ ዋርድያ’ኺ ክኸውን እየ፡ ብኢድ ሰብ ዲኺ ተሰሪሕኪ ንሙዃኑ ኣመና ሸኴርክዶ ሓቀይ፡  ፍሽኽታኺ ምስ ረኣኹ ሓዘነይ ብትን ኢሉ ጠፊኡ ፈውሲ ልቢ ክትኮኒ ኣለኪ፡ ናይ ምንባር ትርጉመይ ንስኺ ኢኺ፡ ብዘዓባኺ ምሕሳብ ከቋርጽ ኣይከኣልኩን፡ እቲ ዝበለጸ ነገር ኣብ ሕይወተይ ዘጋጠመኒ ንዓኺ ምርካበይ እዩ፡ቅድሚ ምድቃሰይን ኣንጊኄ ምትሳአይን ስምኪ ምጥቃስ ወልፊ ኰይንኒ ኣሎ፡ ኣዝየ የፍቅረኪ እየ ንኸምልኸኪ እዉን ቁሩብ እየ፡ ንግሆ ድምጽ’ኺ እንተ ሰሚዓ ብሩኽ መዓልቲ ይዉዕል፡ ዝተረፈ ናይ ዘመን ሕይወተይ ምሳኺ ኸሕልፎ ተረቢጸ ኣለኹ፡ ምሳኺ ምንባር ታሕጓስ እዩ ካባኺ ምፍላይ ከአ ናይ ዘልዓለም ሓዘን እዩ...... ወዘተረፈ።

 

ኣብ ዘመና  ሰባት ኣብ ሓዳሮም ጸኒዖም ብሰላም ኣብ ቃል ኪዳኖም ሰሚሮም ደዉ  ዝብሉ ዉሓድት እዮም። እቶም ኣብ ሓዳሮም ዘለዉ እውን ኣብ ቤቶም ሙሉእ ሰላም ኣለዎም ክትብል ኣይትደፍርን ኢኻ። ብሰንኪ ዘይምስምማዕ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳር ዝመጽእ ዕንወት ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ርድኡ ነገር እዩ። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ “ ንሓድሕዳ እትፈላለ መንግስቲ ትወድቅ።” ማቴ.12፡15  ከም ዝበለ ንሓድሕዳ ፋሕ ብትን ዝኣተዋ ሓዳር ክትጸንዕ ኣይትኽእልን።

marriage

ኣብ ዘለናዮ እዋን ብሰንኪ ስደት  ሰብኣይን ሰበይትን ሕጹይን ሕጽይትን ክፍላለዩ  ምርኣይ ዳርጋ ንቡር  እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ስደት ናይ ቦታ ለዉጢ እምበር ናይ እምነትን ቃል-ኪዳንን ለዉጢ ከምዘይኮነ ዝዝንጉዑ ዉሑዳት ኣይኮኑን።ስጋዊ ድሌታቶም ከም እሳት ኣቃጺልዎም ናይ ሓደራ መብጽዓ ኣፋንዮም ኣብ ዝሙት ዝጥሕሉ ኣለዉ።  ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽን ቤተ ክርስቲያንን ዝፈጸምዎ ማሕላ ረሲዕም ካልአ ሰበይቲ ዝእትዉ ወይ ካልኣይ ሰብኣይ ዝእተዋ ማእለያ የብሎምን።ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ብዛዕባ ጸጋማት ወይ መፍትሒ ናይ ሓዳር ኣይኮናን ክንዘራረብ። ሎሚ ሓደ ድያቆን ናይ ቀረባ ዓርከይ ንዝለዓለ ትምህርቲ(MA) ኣብ ስደት ዝርከብ ናብ ኣሥመራ እትቅመጥ  መርዓቱ  ዝሰደዳ መንፈሳዊት ደብዳቤ መሃሪት ኮይና ሰለ ዘረኽብክዋ ከካፍለኩም መሪጸ ኣለኹ፡። ስም ምጥቃስ ኣድላይነት ሰለ ዘይብሉ ናቱ ስም ከም ኣዳም ናታ  ድማ ከም ሔዋን ክንጥቀም ኢና።

 

ናብ ዝኸበርኪ  ሔዋነይ :                                                

በሊ ቅድሚ ኩሉ ስም ፈጣሪ ምጽዋዕ ናይ ጉዕዞና ቀዳምነት ናይ ናብራና ቅድመ ኩነት ምዃኑ ትስሕትዮ ኣይመስለንን። ስላም ኣምላክ ምሳኪ ምስ እታ ናይ ፈጣሪ ህያብ  ምስ መቀረት ሕይወተይ ሔዋን ይኹን ።ከመይ ኣለ ከመይ ቀኒ መልስ እኳ ኣምላክ ይመስገን ዝብል ከምዝከውን ርግጸኛ እየ እንተ ግን ካብ ልሳንኪ ክሰምዖ ዝያዳ ልበይ ስለዝዓርፈለይ እየ። ካብ ልሳንኪ ውትሩ ከም ዝሰምዖ እኳ መንፈሳዊ ሕይወትኪ ወትሩ ይዓቢ ሰለ ዘሎ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ከመስግኖ ይደሊ።

 እቲ ዕምበባ ሱፍ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝሃበና ዉላድና ከመይ ኣሎ ሕጂ ደኣ ብናይ ምስጋና መዝሙር ንፈጣሪኡ ከመስግን ጀሚሩ ይኸዉን ። ኣነ ከም ንፈጣሪኡ ዝፈርሕ፡ ምእዙዝ ቆልዓ ጌሩ ባህ ዝብለኒ የለን፡ ስለዚ ኣፉ ኣብ ዝኸፍተሉ ብስም ፈጣሪ ክጅምረለይ ሕልመይን ባህገይን እዩ። ኩሉ ግዜ ኣብ ሕይወተይ ዘይርስዓ ንሓሳብ ኣእምሮይ ዝቃነየት ቃል ኣላ ሉ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን” ስለዚ ካብ ፍቕሪ ኣምላ ዝረሓቐ ልብን ካብ መንገዱ ዝተኣልያ ኣእጋርን እቲኣ ኣይትዓግብ እቲኤን ከኣ ኣይጸንዓ ሓዲግ እዩ። ስለዚ ሓንቲ ስድራ ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝተሃንጸት ክትከውን ቅድመ ኩነት ዘየድልዮ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ እዩ።ኣነ ራኢ ኣለኒ፡ ናይ ወትሩ ሕልመይ ብፍቕሪ ዝተነድቀት፡ ብሓልዮትን ለውሃትን ዝተሓጽረት ቃል ኣምላኽ ሕመረት ናይ ናብራኣ ዝገበረት ስድራቤት ክምስርት። ርግጸኛ እየ ንዓኺ ሒዘ ሕልመይ ጋህዲ ኣብ ምዃን ከምዝርከብ።

 ዝኸበርኪ ሔዋነይ  ንስእኮ ጩራ ብርሃነይ፡ ተስፋ ሕልመይ እግዚአብሔር ዝሃበኒ ብርሃነይ ዘግሃድኪ ድምቕቲ ኮብ ኢ። ኮኸብ ኣብ ግዜ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ጸልማት ከም ዝነግስ ንስ  ንባዶ ሕይወተይ  ዝያዳ ንፋጣሪ ዓለም ክምልኽ ዘገብርኪ ኣብ ልበይ ዝነገስኪ ንግስቲ ዓለመይ ኢ። ሓደ ተደመሮ ሓደ ይኸውን ሓደ ዘበልኪ ናብ ዓለም ምስጢር ኣምላኽ ዘግሃድኪ ብርሃን ሕይወተይ ኢ። ዓለም ብቀመራዊ ሓደ ተደመሮ ሓደ (1 + 1)  ኣተሓሳስባኣ ክልተ ኢላ ንእትሰርሓሉ ኣፍሪስኪ መንፈሳዊ ናትና ዓለም ክንፈጥር ዘኽኣልኪ ምዑዝ ቀመም ኢ። ሓደ ነገር ኣዘኪርክኒ “ ንስትኩም ናይ ዓለም ኣይኮንኩምን” እትብል ቃል ፈጣሪ፡ ምኽናያቱ ናይ ሓድነትመምኪ ንቅማረ ዓለም ውዱቕ ጌሩ ምስጢራዊ ቅማረ ስለዘግሃደ። ናይ ምስጢረይ ተኻፋሊት፡ ንባዶነተይ ኣርሒቕኪ ምሉእ ንኽኸውን ዝገበርኪ ናይ ብሕተይ ዓለመይ ኢ። ስለኺ ዝሓስብ፡ ብኣኺ ዝቕየድ ናተይ ዝብላ ናይ ብሕተይ ምቃል መሰንገለይ ኢኺ።ኣነ’ ውን እኮ ክፋል ሕይወትኪ እየ

እቲ መፈሳዊ ጉዕዞ ናብራኺ ምስ ፈጣሪ ከምቲ ዝግባእ ጌርኪ ትቅጽልዮ ከም እትህልዊ ርግጸኛ እየ። እንታይ መስለኪ ካብ ፈጣሪ ዝተፈልየ ናብራ ከም ዝቃደረ መሬት እዩ። ቓድራ መሬት እንተ-ተሓሪሱ ብዙሕ እዩ ዘፍሪ፡ ከምኡ ከኣ ብወንጌል ክርስቶስ ዝተሓርሰ ልቢ ምልኣት ይረክብ። ዘየተሓርሰ ቃድራ መሬት ግን መውዓሊ ከብቲ ኮይኑ ብኣራግጽ እዩ ዝጠፍእ፡ ከምኡ ከኣ እታ ካብ ኣምላኽ ዝረሓቀት ልቢ መውዓሊ ኣጋንንቲ ኮይና ብኣራግጾም ትንጥቕጠቕ። ስለዚ ካብቲ ኣብ ቀራንዮ ዝነትዐ ማይ ሕይወት፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝተቖርሰ ብልዒ ልዓለ ኣይትፈለዩ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ሙቁር ዛንታ ቅዱሳን ዝኾነ ስንክሳር ልሳንኪ ወትሩ ከንበቦ፡ ኣካላትኪ ድማ  ነቲ ምዑዝ ዕጣን ክሽትቶ፡ ነቶም ናይ ኣድህኖ ኣሳእል ክድህስሶም፡ ነቲ ማህሌት መላእክት፡ጥዑም ቅዳሴ ክሰምዖ፡  ናይ ትእምርቲ ምልክት ኣርማና መስቀል ትሳለሚ  ናብ ቤተ-ክርስቲያን  ምስ ዕንባባ  ዉላድና  ኣይተብኩሪ ኢኺ

ንሕና ሃገርና ኣብ ሰማይ ዝኾንና ተስፋና ከኣ ዘለኣለማዊ ሕይወት ዝኾነ ናይ ፈጣሪ ናይ ኢዱ ስርሓት ኢና። ስለዚ እዩ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር ወይ ከኣ ንርእሱ ኢሉ ዝመውት የለን፡ ብሕይወት እንተለና ወይስ እንተሞትና ናይ ክርስቶስ ኢና ተባሂሉ ተነጊሩና እዩ። እዚ ኩሉ ዝብለኪ ዘለ ከምዘይትገብርዮ ስለዝተጠራጠርኩ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንኸዘኻኽረኪ ሓላፍነታውን ሞራላውን ግዴታ ስለዘለኒ እዩ።

ቤተ ሰብ ሎም  ከመይ ኣለዉ? ሔዋነይ   ዋላ እኳ ሓጋዚ ዘይብልኪ ኣብ ምዕባይ ወላድና ተጸሚድኪ እንተለኺ ተጻጊምኪ  ግዜ ኣናዲኺ  ንገዛናን ገዛኹምን ደሃዮም  ግበሪ  ሰላምታ ድማ ኣመሓላልፍለይ ሔዋነይ  ምቅርቲ ንሕና ካብ ሰብ ኢና ተወሊድና ምስ ሰብ ከኣ ንነብር ክንነብር እንከለና ከኣ እቲ ዝግባኣና ንፍጽም። ክብለኪ ደልየ ዘለ ተረዲኡኪ እዩ።ዘይምሕማቕ። ምስ ሰብ ክነበር ከለና ድሌታትና ጥራይ ኣማሊእና እንታይ ገደሸኒ ዝዓይነቱ ዉሳኔ ወሲና ንቅድሚት ክንስጉም  የብልናን ስለምታይ ክርስቲያን፡  ኵሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ወላድ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ዘኪሩ ንዅሉ ሓሳባቱ ኣመዛዚኑ ብመንፈስዊ ዓይኒ ሰለ ዝጥምት፡፡

ካልእ ግዜ ኣስፍሕ ኣቢለ መቐጸልታ ክጽሕፈልኪ እየ፡ ሎምስ ናይ ሓደራን ለበዋን እያ ኣይትበሊ ከምኡ ኣይኮነን እቲ ርደኣኒ  እየ ተዛሪበ ግን ስለዝጠፍኣኪ ወይ ስለዘይትፍጽምዮ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ናተይ ስራሕ  ስለዝኾነ ከዘኻክረኪ ኢለ እየ። በሊ ኣምላ ዱሳን ኣብ ዘዘለናዮ ሰላሙ ይዓድለና። ድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ቅዱሳን ምላእክት ብሓለዋኦም፡ ኩሎም ቅዱሳን ከኣ ብተረዳእነቶም ምስኩላትና።

 

ካብ  ዘፍቅረኪ በዓል ቤትኪ ኣዳም

 

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣከ-ዘመካነ-ገነት

Comments are closed.