መንፈሳዊ ምኽሪ

ሓደ ባሕታዊ ብሓሳቡ ኣብ ናይ ምንዝርና ፈተና ምስ ወደቐ ናብ ካህን ከይዱ ነዚ ሕማቕ ምስጢር ነገሮ። ክጽልየሉ ድማ ተማሕጸኖ። እቶም ካህን ድማ ትብዓት ኣስኒቑ ኣበርቲዑ ንኽጽሊ መኸሮ። ናብቲ ዝጽልየሉ ስፍራ ምስ ኣተወ እቲ ፈተና ካብቲ ዝነበረ በርተዖ። ናብቶም ካህን ተመሊሱ ዘጋጠሞ ነገሮ። ከምኡ ክብል ብዙሕ ግዜ ተመላለሰ። እቶም ካህን ድማ ተሰፋ የስንቕዎ ነበሩ። ከምዚ እናበሉ ድማ ይምዕድዎ ነበሩ፡ “ኩሉ ግዜ እዚ እከይ ሰይጣን ክዋገኣካ ከሎ ናብዚ መጺእካ ነቲ ሕማቕ ግብሩ ኣጋልጾ። ምኽንያቱ ንሰይጣን ምንዝርና ነቲ ሕማቕ ስርሑ እንተ ኣጋለጽካዮን ሕፍረቱ እንተ ቀላዕካዮን ክሐፍር እዩ። ስቕ ኢልካ እንተዓቆርካዮ ደስ ክብሎ እዩ። ኣብታ ለይቲ እቲ ባሕታዊ፡ ዓሰርተ ሓደ (11) ጊዜ ተመላሊሱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ከምዚ ክብል ተዛረበ፡ “እዚ ኩሉ ናባኹም ከመላለስ ግን ካብቲ ኣነ ዝፍተኖ ዘለኹ፡ ንስኹም ካባይ ንላዕሊ ትፍተኑ ኣለኹም፡ ከመይ ገይርኩም ትጸሩዎ ኣለኹም፤ ኩሉ ሓሳበይን ኩሉ ክፉእ ምግባረይን ናባኹም እኽዕዎ ኣለኹ”። ከምዚ ኢሉ ብትሕትና ነፍሱ ምስ ኣዋረደ፡ እግዚአብሔር ረድኦ፡ ካብቲ ፈተና’ውን ተናገፈ

“ሓንቲ ቀዳድ ንዓብይ መርከብ ተጥሕል ንዓሸቶይ ኃጢአት ነቲ ዓቢ ሰብ ናብ ውድቀት ተብጽሆ። ንኃጢአት ምሕባዕ /ምኽዋል/ ንባዕሉ  ኃጢአት ኢዩ::“ ሽግርን መከራን ዘይብሉ ሕይወት ፈጺምኹም ኣይትመነዩ ትረብሕዎ ዝኮነ ሰናይ ነገር የለን።

ኣዳላዊ - ዘኬዎስ

Comments are closed.