መበል 13 ዓመት መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ካናዳን ተቓኒዑ

    መበል 13 (ናይ 2018) መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ብ 30 ጥቅምትን 1 ሕዳርን 2011 ዓ.ም  ግእዝ ( ሕዳር 9 ን 10  / 2018 ኣ.ፈ)    ንክልተ መዓልቲታት ኣብ መካነ ሕይወት ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስትያን ሲፎልስ ሳውዝ ዳኮታ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ካብ ምሉእ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከባ ልዕሊ 40 ኣብያተ ክርስትያናት ዝተወከሉ ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ካህናትን ምእመናንን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍሉ ኢዩ ነይሩ።

      እቲ ጉባኤ ምስ ተጀመረ ኣማሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ሥላሴ ቤተክርስትያን መልአከ ሕይወት ቀሺ ኤፍሬም ናይ እንቋዕ  ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ኣስምዑ፡ ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ሊቀ ኅሩያን ቀሺ ሚካኤል ንተጋባእቲ ቃል ሃገረ ስብከት ኣስሚዖም። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ሃገረ ስብከት ዝሓለፈ ዓመት ዝዓመሞም ዓበይቲ መደባትን ዝነበሮ ብድሆታትን ብዋና ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ኣቶ ቴድሮስ ብርሃነ ብዝርዝር መብርሂ ተዋሂቡ። ሃገረ ስብከት ኣብያተ ክርስትያናት ብልምዲ ክኸድኦ ዝጸንሓ ሓላፍ ዘላፍ ዝኾነ ኣካይዳ ወጺአን ብሕጊ ቃለ ዓዋዲን መምርሒታት ቅዱስ ሲኖዶስን ንክኸዳ ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዓቢ ዓወት ከም ዝረኸበሉ ገሊጹ። በዚ መሠረት ልዕሊ 28 ዝኽና ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብሕጊ ቃለ ዓዋዲ ምርጫ  ሰበኻ ጉባኤ ከም ዝገበራን ልዕሊ 11 ዝኾና ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ምርጫ ክገብራ ተዳልየን ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።

  ብምቅጽል ዋና ጸሓፊ ኣቶ ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ ነቲ ዝተፈላለየ ምኽንያት ዝዋሃቦ ዝነበረ ትግባረ ቃለ ዓዋዲ  ኣብ ሃገረ ስብከትና ብዘይ ዝኾነ ጸገም ምስ ሕጊ ኣሜሪካን ከናዳን ተሳንዩ ክኸይድ ዝኽእል ምኻኑ ብግብሪ ዝተረኣየሉ ኢዩ ነይሩ ብምባል  ኣረዲኡ። ብተወሳኺ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጉባኤ ብዝጸደቐ መሠረት ናይ ከናዳ ንኡስ ሃገረ ስብከት ብወግዒ ከም ዝቖመን፡ ኣብ ሕ/መ/ኣሜሪካ ንኽቆማ ዝተመደባ ኣርባዕተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ምድላዋት ተጌሩ ከም ዘሎን ገሊጹ።

   ኣስዒቡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብያተ ክርስትያናት ዝተፈላለየ መመሓደሪ ሕጊ ሒዘን ይጓዓዛ ምህላወን እዚ ድማ ዘምጽኦ ርኡይ ጸገም ነቲ ሓፈሻዊ ኣቃውማ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዘዛብዕ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ንቃለ ዓዋዲ ዘማእከለ ሓደ ሓባራዊ ንድፊ ዓንዲ ሕጊ ተጸኒዑ ተዳልዩ ከምዘሎ ኣበሲሩ። ካልእውን  ብዛዕባ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት፡ ኣመዳድባ ካህናት፡ ህልው ኩነታት ቤተክርስትያን፡ ምድልዳል ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ፡መንፈሳዊ ኮሌጅን ክሊኒክን ኣብ ኣስመራ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብዕምቆት ተዘቲዩሉን ብተገባእቲ ድማ  ሃናጺ ለበዋታት ተዋሂቡ።

    ካልኣይ መዓልቲ ቀዳም ዝነገረ ጉባኤ ፍሉይ መቀረትን ግርማን ዝሃበ ናይ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁኣን ኣቦታት፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ቀሺ በረኸት ወኪል ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ፡ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ  ምርካቦም ኢዩ። ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ንብፁኣን ኣቦታት ንምቕባል ልብሰ ተክህኖ ዝለበሱ ካህናትን ዲያቆናትን ከምኡ ውን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንን መንእሰያት ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምስ ምእመናን ኣቦታትን ኣዴታትን ብድሙቕ ኣቀባብላ ብክብሪ ተቐቢሎም ክሳብ ቤተ ክርስትያን ኣብጺሖሞም። ኣቦታት ድኻሞም ከይጸብጸቡ ብቐጥታ ቃል ሰላምታን ቡራኬን ድሕሪ ምሃብ ጉባኤ ቀጺሉ። ብድሕርዚ ብኣቦይ ቀሺ በረኸት ብመንበረ ፓትርያርክ ዝተወጠኑን ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ዘለዉን ልዕሊ 15 ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዝተዋህበ መግለጺ ንጉባኤኛታት ኣዝዩ ዘሐጎሰን ቤተክርስትያንና ብሩህ መጻኢ ከም ዘለዋ ዘነጸረን ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ጉባኤ ዝቐረበ መግለጺ  ምስ ተወሳኺ መብርሂ ናብ ኣብያተ ክርስትያናት ከም ዝለኣኽ ተሓቢሩ።

  ንህልው ኩነታት ቤተክርስትያንን ዓበይቲ ዕማማት ቅዱስ ሲኖዶስን  ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ብብጹኣን ኣቦታት ንተጋብእቲ ዘረስረሰ መልሲ ተዋሂቡ። ኣብ መወዳእታ ንሓደስቲ ኣባላት ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ተወጢኑ ዝነበረ ናይ ምርጫ መደብ ፡ ነቶም ዝጸንሑ ኣባላት ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ንተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ክቕጽሉ ብምሉእ ድምጺ ብዘይተቃውሞ ኣጽዲቑ ብጸሎትን ቡራኬን ኣቦታት ጉባኤ ብሰላም ተዛዚሙ። 

እግዚአብሔር ሰላሙ ይሃበና።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን

ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን

Comments are closed.