መስከረም ሓደ ስንክሳር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ዘመነ ዮሓንስ ወንጌላዊ 2012 ዓ.ም ግእዝ (2019ኣ.ፈ)

ምስባክ
ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ
ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም
ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64(65)፣11
2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20።
ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ)
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ፍቕሪ፣ ዘመነ ቅሳነትን ራህዋን ዘመነ ንስሓ ይግበረልና።
ኣሜን።

መስከረም ሓደ

ኣብዚ ዕለት

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ራጉኤል ዝተሾሙሉ ዕለት እዩ።
ናይ ቅዱስ ሓዋርያ በርተሎሜዎስ ዕረፍቱ እዩ።
ናይ ቅዱስ አባ ሚልኪ ዕረፍቱ ። ብተውሳኺ ከኣ
አቦና ጻድቅ ኢዮብ ካብ ሕማሙ ዝተፈወሰሉ ዝደኃነሉ ዕለት እዩ።
ጻድቅ ኢዮብ ብማይ ተሓጺቡ ( ማየ ጸሎት) ካብ ደዌ ዝደኃነሉ እዩ። ንሕና ከኣ ኣብ ቅንያት ጳጉሜ ቅድሚ ሓድሽ ዓመት ምእታውና ዓመት መጸ ኩሉ ግዜ ብማይ ጸሎት ንሕጸብ። ቡኡኡ ከኣ ንባረኽ።

ራጉኤል ሊቀ መልእክት።

ራጉኤል ማለት ናይ ብርሃናይ ሓለቃ ማለት እዩ። ሓለቓ ብርሃናት ክበሃል ከሎ ንጸሓይ፣ ወርሒ፣ ከዋኽብትን ዝኣመሰሉ ብምምልላስ ንደቂ ሰባት ዝምግቡ ፣ ንኣዝርእቲ ፣ ንእንስሳ፣ ንኣራዊት ብርሃን ዝምግብ ማለት እዩ።

ራጉኤል ማለት ተበቃሊ ማለት እዩ። ዝብቀል ማለት ምብቃል ዝግብኦ ንጸላኢ እዩ ። ናይ ደቂ ሰባት ጸላኢ ከኣ ዲያብሎስ እዩ። ስለዚ ቅዱስ ራጉኤል ንእግዚአብሔር ኣሚኖም ሕገ እግዚአብሔር ሓሊዮም ብፍርኃተ እግዚአብሔር ኣምልኮቱ ዝፍጽሙ ኩሎም ዝሕልዎም ፣ ጸላኢ ዲያብሎስ ዘርሕቀሎም ናብኦም ብፍጥነት ብምብጻሕ ዘናግፎም ማለት እዩ። ሄኖክ. 6፣4።

ራጉኤል ማለት ፣ ናይ ኃያላት ኃያል እግዚአብሔር ማለት እዩ። ናይ ኃያላት ኃያል ዝበሎ ካብ ፍጥረታት ምድሪ ኃያል ዝበሃሉ ልዕሊኦም ምዃኑ ንምግላጽ፣ኃያልነቱ ብማንም ክግለጽ ዘይከኣል፣ ንምግላጽ ኃያልነቱ እስከ ዘይብሉ ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። ስለዚ እግዚአብሔር ኃያል፣ ናይ ኃያላን ኃያል ምዃኑ ዝገልጽ ትርጉም ኣለዎ።

ራጉኤል ማለት ጽኑዕ እግዚአብሔር ማለት እዩ። ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጽኑዕነት ንምጉላሕ ጽኑዕ ኢልዎ። እግዚአብሔር ዘይወላወል ፣ ዘይኽሕድ እዩ ንምባል እዚ ስያሜ ተዋሂብዎ። ናይ እግዚአብሔር ጽንዓት ዘርእይ ትርጉም ዘለዎ ስያሜ እዩ።

 

 

ናይ ሊቐ መላእክት ቅዱስ ራጉኤል ሥልጣንን ኣገልግሎትን፣

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብዚ ዓለም ነቢራ ኣብ መበል 64 ዓመታ ምስ ኣዕረፈት ሥጋኣ ተወሲዱ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ክዓርፍ ከሎ ሓቢሩ ዝኸደን ንሥጋኣ ብማዕጠንቲ ዕጣን ዝዓጥን ዝነበረ፣ ንፍቁረ እግዚእ ንቅዱስ ዮሓንስ ኅብስቲ ዝመገበ መልኣኽ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ብርሃናይ ዝተሾመ መልኣኽ እዩ። ካብ ኣዳም ሻብዓት ወለዶ ዝኾነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኩሉ ተግባረ ሥርሑ ዝሰመረሉ ስጋብ ሕጂ ሞት ዘይቀመሰ ፣ ጽላሎት ሞት ዘይዓረፎ ነብየ ሄኖክ “ ካብ ቅዱሳን መላእክት ሓደ ዝኾነ ተበቃሊ ጸላኢ ራጉኤል ኣብ ልዕሊ ብርሃናት ዝሰልጠነ እዩ። “ ክብል ብዛዕብኡ ተዛሪቡ እዩ።
እግዚአብሔር ንዓለም ክቆጻጽራ ዝሸሞ ዓቢይ ቅዱስ መልኣኽ እዩ። (ድርሳነ ራጉኤል ዘ ጥቅምት ገጽ 23) ። ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ንምትካእ ንዓለም ንምልዋጥ ሥልጣን ዝተዋህቦ ቅዱስ መልኣኽ እዩ።
ናብ ናይ እግዚአብሔር ክብሩ ኣዳራሽ ክኣቱ ክወጽእ ሥልጣን ዘለዎ ምስ ኪሩቤልን ሱራፌኤልን ሓቢሩ ኣብቲ ናይ ፈጣሪና ክብሪ ጐይትነቱ ዝፋን ዝቀውም እዩ።
ንሎጥን ሰብይቱን ደቁን ካብ እሳተ ጎሞራ ዘድኃነ። መርገም በልዓም ናብ ምረቓ ዝቐየረ።

ናይ ቅዱስ ራጉኤል ስነ ሥእል።

ኣብ ናይ ቅዱስ ራጉኤል ስነ ሥእል እንርእዮ በዓል አርባዕተ ርእሲ ንስር ካብ ኣርባዕቱ ኪሩቤል ሓደ ገጸ ንስሪ እዩ። ጸዋርያነ መንበረ ሥላሴ አርባዕቱ እንስሳ እዮም። ይስከምዎ ክበሃል ከሎ ሳእኒ ንሰብ ከምዝስከሞ ንማለት እዩ እምበር ኪኢሎሞ ኣይኮኑን። እሶም ከኣ ገጸ ሰብ፣ ገጸ እንስሳ፣ ገጸ ንስር፣ ገጸ አንበሳ ዘለዎም እዮም። ነብየ ሕዝቅኤል “ ነፍሲ ወከፎም አርባዕተ ገጽ ነበሮም። ብቅድሚት ገጸ ሰብእ፣ ብየማን ክንፎ ገጸ እንስሳ፣ ብጸጋማይ ክንፊ ገጸ ብዕራይ፣ ብድሕሪት ገጸ ንስሪ ዝመስሉ ነበሩ። “ ኢሉ’ዩ ሕዝ.1፣6-13። ካብዚ ንርድኦ ነገር ኣርባዕተ ገጽ ካብዘለዎም ኪሩቤል ሓደ ንስሪ ምዃኑ እዩ። ቅዱስ ራጉኤል ድማ ናይዞም ኪሩቤል ሓለቃ ብምዃኑ በዚ ምኽንያት ፣ ማለት ንሶም ዙፋን ተሰከምቲ እሱ ድማ ኣብ ጥቓኦም ምቋሙ ናይ መንበረ ሥላሴ ሓላዊ ብምዃኑ በዚ ብጺሒት ኣገልግሎቱ ሓቢሩ ክሰኣል ኪኢሉ። ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድጓ “ አርባእቱ እንስሳ አልቄንጥሩ “ ከምዝብሃል ንስር ብፊት ንፊት ኣይረኣዩን፣ በቲ’ሓደ ብዝመርሖም ይኸዱ፣ ንሶም ነፍሲወከፎም ኣርባዕተ ገጽ ክህልዎ ከሎ ከየዕረፉን ከይደኸሙን ዘመስጉኑ እዮም። ብምባል ጺሒፉ እዩ።
ብተወሳኺ መላእክት ነገደ ሱራፌልን ነገደ ኪሩቤል ብምባል ይኽፈሉ። ኣብ ነገድ ሱራፌል በዓል ቅዱስ ሚካኤል ፣ ቅዱስ ሩፋኤል ወ.ዘ.ተ ክዀኑ ከለዉ። ነገደ ኪሩቤል ከኣ ቅዱስ ገብርኤል ቅዱስ ራጉኤል ወ.ዘ.ተ የጠቃልሉ።
ስለዚ ቅዱስ ራጉኤል ነገዱ ካብ ነገደ ኪሩቤል እዩ። ኣብዚ ነገድ ኪሩቤል አልቄንጡራ ( ኣርባዕተ ኣራእስ ንስር) ሓለቓኦም ቅዱስ ራጉኤል እዩ። በዚ ምኽንያት ሓቢሮም ክሰኣሉ ኪኢሎም።
ብተወሳኺ ከኣ ቅዱሳን መላእክት ከከም ሥርሖም መፍለይ ስነ ሥእሎም ምስኣል ልሙድ እዩ። ንኣብነት ቅዱስ ሚካኤል ምስ ቅድስቲ ኣፎምያ። ቅዱስ ገብርኤል ምስ ሠለስቱ ደቂቅ፣ ቅዱስ ኡራኤል ምስ እዝራ ሱቱኤል ከምዝሰኣሉ ማለት እዩ።
በዚ መሠረት ቅዱስ ራጉኤል ዐቃቤ መንበር እዩሞ ፣ንመንበረ አጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ዝስከሙ ኪሩቤል ካብ ምስ ገጸ ንስሪ ሓቢሩ ክሰኣል ኪኢሉ።

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ራጉኤል ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ቃልኪዳን ።

እግዚአብሔር ኣምላክ ብሽሙ ንዝተኣመኑ ቅዱሳን፣ ጻድቃን፣ ሰማእታት፣ ሓዋርያት ፣ ዘወትር ብዘይ ምቁራጽ ስሙ ዝጽውዑ ቅዱሳን መላእኽቲ ኩሉ ቃልኪዳን ሂብዎም እዩ። ቃልኪዳኑ ከኣ ዘልዓለማዊ ፈጺሙ ዘይሓልፍ እዩ። ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ራጉኤል’ውን እዚ ቃልኪዳን ተዋሂብዎ እዩ።
“አምላከ ቅዱስ ራጉኤል ይቕረ በለለይ ብምባል ሓንቲ ቃል እኳ እንተተዛረበ ከም ፈታውየይ ኣብርሃም፣ ፍቁረይ ይስሓቅ፣ ከምዘኽበርክዎ ከም ክቡር ያዕቆብ ክብሪን ሞጎስን ክህቦ እየ፣ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ’ውን ክደፍኣሉ እየ። ነዊሕ ዕድመን ክህቦ እየ።” ክብል ቃሉ ሂብዎ እዮ ኣምላኽና እግዚአብሔር።
ሊቀ መላእክት ቅዱስ ራጉኤል መስከረም ሓደ ካብ ሊቃነ መላእኽቲ ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ኮይኑ ዝተሾመላ ዕለት እያ። ግንቦት ሓደ ንቅዱስ ሄኖክ ምሥጢራት ዝገለጸሉ በዓሉ እዩ።
ኣማላድነቱን ረዲኤቱን ሓላዉኡን ኣይፈለየና።

ቅዱስ በርተሌሜዎስ

አህጉረ ስብከቱ ወንጌል ክሰብኽ ብዕጫ ዝበጽሖ ኣልዋሕ ትበሃል ዓዲ እያ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከብጽሖ ናብ ኣልዋሕ ከደ። ናብቲ ከተማ ንምእታው ምኽንያት ደለዩ እሞ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቅዱስ በርተሎሜዎስ “ ኣትክልተኛ እዩ “ ኢሉ ንሓደ ሃብታም በዓል ሕርሻ ወይኒ ነቲ ቦታ ክሕልወሉ ባርያ ጌሩ ሸጦ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ከኣ ንበርተሎሜዎስ ብ300 ዲናር ገዚኡ ሒዝዎ ከደ።
ቅዱስ ጴትሮስ ነቲ ገንዘብ ሓቢኡ ንቅዱስ በርተሎሜዎስ ንኽምጽውቶ ነጊሩ ሃቦ። ንሱአ ከኣ ናብ ኢዮርሳሌም ተመልሰ።

ቅዱስ በርተሎሜዎስ ኣልዋሕ ምስ ኣተወ ። ሓላፊ ሕርሻ ወይኒ ኮይኑ 40 መዓልቲ ተቀመጠ። ወንጌል ዘይምስባኹ ብሓዘን እንዳኣልቀሰ ብጸሎት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተማሕጸነ። እቲ ዓዲጉ ዘምጽኦ ዋና ሕርሻ ወይኒ ናብቲ ቦታ ሕርሻ ክርኢ ምሰ መጸ ብመርዛም ተመን ተነኺሱ ሞተ። ኩሎም ሰባት ተኣኪቦም ኣብ ሓዘንን ልቅሶን ከለዉ ቅዱስ በርተሎሜዎስ ግና ናብ ጐይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምጽላይ ነቲ ዝሞተ ሃብታም ዋና ሕርሻ ወይኒ ካብ ሞት ኣተንሢእዎ። ድሕሪዚ እቲ ኩሉ ሕዝቢ ብኣምላኽ ቅዱስ በርተሎሜዎስ ኣሚኖም ተጠመቑ።

ቅዱስ በርተሎሜዎስ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ከይዱ ኣስተሚሂሩ እዩ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ በርተሎሜዎስ ናብ በርበር ከይዱ ወንጌል ክሰብኽ ኣዘዞ። ረድኢ ክኾኖ ከኣ ንቅዱስ እንድርያስ ካብ ደቂ መዛምርቲ ለኣኸሉ። ሰብአ እታ ሃገር ግና ኣዝዮም ክፋኣት ነበሩ። ኣብ ቅድሚ ሓዋርያት ብኣስማት ዘደንቅ ተኣምራት እንዳርኣዩ ትምህርቶም ዘይቅበሉ ሰባት ኮኑ።
ኣብቲ እዋን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ካብ ዝበልዑ ሓንቲ ሃገር ገጸ ከልብ ሰደደሎም ። ነቲ ገጸ ከልብ ከኣ ክእዘዞምን ካብቲ እሶም ዝብልዎ ከይወጽእ ኣዘዞ። ሓዋርያት ዳግማይ ናብታ ዓዲ ምስ ኣተዉ ክበልዕዎም ምእንቲ ኃያል ኣራዊት ኣምጺኦም ሰዲዶምሎም። እቲ ገጸ ከልብ’ውን እንዳመንጠለ በብሓደ በልዖም። ነቲ ዝረኣዩ ሰብአ በርበር ኣዝዮም ፈርሑ ብስንባደ ጥራሕ’ውን ዝሞቱ ኣለዉ። ኣብቲ ትሕቲ ኢድ ሓዋርያት ከኣ ወደቁ ። ካብዚ ዝተላዕለ ኩሎም ሰብ እታ ሃገር ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ተጠመቑ። ንሓዋርያት ከኣ ተኣዘዝዎም። ሓዋርያት ከኣ ቤተ ክርስትያን ሰሪሖም ካህናት ሸይሞሙሎም ናብ ካልእ ሃገር ከዱ።
ድሕርዚ ቅዱስ በርተሎሜዎስ ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ሰባት ከይዱ ብስም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰቢኹ። ብዙሕ ተኣምራት ብምግባር ኣምሂሩ ኣጠሚቅዎም። ካብ ዝሙት ናብ ንስሓ ክምለሱ ኣዘዞም። ናይ ከሓዲ ንጉሥ ኣግሪጳ ሰበይቱ ብትምህርቱ ኣሚና ተጠመቐት። ንጉሥ ኣግሪጳ’ውም ብዛዕባ ሰበይቱ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ብምቁጣዕ ንቅዱስ በርተሎሜዎስ ሒዙ ብዙሕ ምስ ኣሳቀዮ። ሑጻ ኣብ ዝመልአ ከረጢት ኣእትዮ ብሕይወቱ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።

ቅዱስ በርተሎሜዎስ ተጋድልኡ ብግቡእ ፈጸመ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ከኣ ናይ ምሕረት ቃልኪዳን ሃቦ። ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈለየት ። ንሥጋኡ ከኣ ባሕሪ ብፍርሓት ኣውጺኣ ኣብቲ ገማግም ኣንበረቶ። ኣብ ኢዱ ከኣ ሓረገ ወይኒ ዓምቢባ ኣፍርያ ተረኺባ። ምእመናን ከኣ ንሥጋኡ ብኽቡር ገኒዞም ቀቢሮሞ።

በበረከቱ ኣይፈለየና ፣ እግዚአብሔር ብጸሎቱ ይምሓረና።

ጻድቅ ኣባ ሚልኪ ዘቁልዝም

ኣብዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ፈረስ ተወጢሑ ብጹሕ ወርቅን ብሩርን ንነዳያን በቲኑ ዝሃበ ኣባ ሚልኪ ቁልዙማዊ ዕረፍቱ እዩ።
“ ዘረወ ወርቆ ወሀበ ለነዳይ “ ናይዚ ጻድቅ ኣቦ ወለዱ ካብ ላዕላይ ግብጺ ቁልዝም ካብ ሰብ ጸጋ ሃብታማት ሥድራ እዩም።
ብጾምን ብጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ለሚኖም ብመብጻዓ ዝረኸብዎ ውላዶም እዩ። ኣባ ሚልኪ ብሉይን ሓዲስን ኩሉ ምስተመሃሩ ሃብቲ ሥድራኦም ንድኻታት ብምሃብ ናብ ገዳም ኣትዮም መነኮሱ። ብዓቢይ ተጋድሎ’ውን ይነብሩ ነበሩ። ካብቶም ሓደ ሹም ዓዲ ወዱ ገበል ዊሒጥዎ ፣ ኣባ ሚልኪ ነቲ ገበል ጸዊዒም ትፍኣዩ ምስ በልዎ ብዘይ ሓደ ጉድኣት ምስ ሙሉእ ጥዕንኡ እዩ ሕጻን ካብቲ ገበል ወጸ። ኣብ ውሽጡ ዝሓደረ ከይሲ’ውን በኒኑ ጠፊአ። “ ወናሁ ወሀብኩክሙ ሥልጣነ ትኪዱ ዲበ አቃርብት ወዲበ አራዊተ ምድር፣ ወዲበ ኩሉ ኃይለ ጸላኢ ወአልቦ ዘይነክየክሙ” ሉቃ.10፣19።

ጻድቅ ኣባ ሚልኪ ቤተ ክርስትያን ክሠርሑ ከለዉ ባዕሎም ብተኣምራት መሠረተ እምኒ ይተኽሉ ነበሩ።
ንስለስተ ሚእቲ መነኮሳት አቦ ብምዃን ብተኣምራቶም ንሰብአ ሮምን ፋርስን ኣእሚኖም እዮም።
በዓቲ ዓጽዮም ክነብሩ ሚሒሎም ምስ ኣተዉ ሰይጣን ጸላኢ ሠናያት ንመሓልኦም ከፍርስ ሓሲቡ ኣብ ልዕሊ ጓል ንጉሥ ሮም ሓዲሩ ኣሕመማ’ሞ ዓበደት። እንዳ ኣእወየት ከኣ ብጀካ ኣባ ሚልኪ ዘድኅነኒ የለን እንዳበለት ከኣ ትጭድር ነበረት። እቲ ንጉሥ ከኣ 400 ሠራዊት ኣኸቲሎም ንኣባ ሚልኪ ደልዮም ከምጽእዎ ንዓሻኽሩ ኣዘዞም። እንተዘይምጽእዎ ከኣ ከምዝሞቱ ነገሮም። እቶም ሠራዊት ንጉሥ ንኣባ ሚልኪ ረኺሞም ከኣ ንኺድ በልዎ። ካብ በዓቶም ከምዘይወጹ ሓበርዎም ፣ ንሶም ከኣ ምስኦም እንተዘይከይዶም ንጉሥ ከም ዝቀትሎም ነገርዎም። ኣባ ሚልኪ ከኣ ሓዚኖም ናብ እግዚአብሔር ጸለዩ ኣብቲ እዋን ደመና ተሰኪሙ ናብ ሮሜ ኣብጸሖም። ኣባ ሚልኪ ከኣ ጸልዮም ነቲ ጋኔን ገሲጾም ካብ ጓል ንጉሥ ኣውእዎ። “ ድውያነ ፈውሱ ሙታነ አንስኡ እለ ለምጽ አንጽሁ አጋንንተ አውጽኡ ፣ በከንቱ ዘነሳእክሙበከንቱ ሀቡ ፣ በጸጋ ዘነሳእክሙ በጸጋ ሀቡ ። “ ማቴ.10፣8።

ድሕርዚ ኣባ ሚልኪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሰባት ዘይስከምዎ እምኒ ነቲ ሰይጣን ኣሲሮም ኣሰኪሞም ኩሉ ሰብ እንዳረኣዮም ናብ ገዳሞም ኣምጸእዎ። ኩሉ ሰብ ከኣ ኣዝዩ ርእዩ ከኣ ኣዝዩ ብምግራም ተደነቀ ። መእጸዊ በዓቶም ከኣ ገበርዎ። “ አጋንንትሂ ገረሩ ለነ በስምከ ።” ሉቃ.10፣17። ከም ዝበሉ ሓዋርያት ። ነቲ ሰይጣን ከኣ ንሰብ ከየሳቂ ኣዊጊዙ ሰደዶ።

ኣባ ሚልኪ ዳግማይ ፈተና ከየጋንፎ በዓቱ ዓጺዩ ተቀመጠ። ድሕሪ ምምንካሱ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኰኖ ብሽምካ ጽቡቅ ሥራሕ ዝሰርሑ ኩሎም ክምሕሮም እየ ኢሉ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘልዓለማዊ ናይ ምሕረት ቃልኪዳን ሃቦ። ግዜ ዕረፍቱ ምስ በጽሐ ከኣ አባ እንጦንስ፣ መቃርስ፣ ሲኖዳ፣ ብሶይ፣ ጳኩሚስ ተገሊጾምሉ ክቡር ሓውና ናባና ነዓ ኢሎሞ ብሰላም ዓሪፉ።
በረኸቶምን ኣይፈለየና ፣ እግዚ አብሔር ብጸሎቶም ይምሓረና።

                                                                          ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

                                                                          ወለወላዲቱ ድንግል ፣

                                                                         ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.