“ መስቀል  ኃይልነ ወፀወንነ ወሞገስነ ዝንቱ ውእቱ መስቀል። መስቀል ኃይልና ፣መስቀል ሞጎስናን ጸግዕናን እዩ። ” መዝሙረ ቅዱስ ያሬድ

 

“ መስቀል  ኃይልነ ወፀወንነ ወሞገስነ ዝንቱ ውእቱ መስቀል። መስቀል ኃይልና ፣መስቀል ሞጎስናን ጸግዕናን እዩ። ” መዝሙረ ቅዱስ ያሬድ

ዝብል ቃል ክለዓል ወይ ክዝከርን ክንገርን ከሎ ኣብ ልዕሊ ኣማኒ ክርስትያን ኣእምሮ ውሽጢ ፍሉይ ዝኾነ ስእሊ እዩ ዝቅረጽ።

ኣብ ልዕሊ ዕጸ መስቀል ዝተሰቅለ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ዝገልጾ ፍቕሪ ብኣንክሮ እንተዘይኮይኑ ሓሲብና ኮነ መርሚርና ክንበጽሖ ዘይንኽእል ምዃና ክንሓስብ ይገብረና።

ቅዱስ መስቀል ኣብ ልዕሊኡ ዝተሰቅለ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ ጎኑ ብኹናት ዝተወግኦ ፣ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡ ብብዙሕ መከራን ስቃይን ኣብ ቀራንዮ ምውዓሉ ንኽንሓስብን እዚ እንታይ ዓይነት ፍቕሪ እዩ ከንብል የገድደና።

መስቀል ብስለስተ ይኽፈል።

† ኣብ ላዕሊ ከምዝተገልጸ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ዝተቀበሎ መከራ ክኸውን ከሎ “ መከራ መስቀል ክርቶስ  “ ይበሃል።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘስተምህረሉ ዝነበረ እዋን “ መስቀል ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቕዕን ” ማቴ.10፣38። “ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ ሕይወቱ ቐቢጹ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ።” ማቴ.16፣24። ማር.8፣34-36። ኢሉ ዘምሃረና መበገሲ ብምግባር ካብ ሓዋርያት ጀሚሮም ዝተንሥኡ ክርስትያን “ ንኅነሰ ንሰብክ ክርስቶስሃ ዘተሰቅለ “ “ንሕና ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ” ብምባል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ኣብ ኩሉ ብምኻድ ከምህሩ፣ ብዓላውያን ነገሥታት ኣብ ኣደባባይ ክምስክሩ ከም በጊዕ እንዳተሓረዱ ፣ ከም ሽጉርቲ እንዳተቀርደዱ፣  እንዳተኣሰሩን እንዳተሰደዱን ስጋብ ሞት ብሃይማኖት ጸኒዖም ዝተቀበልዎ መከራ ክኸውን ከሎ እዚ ከኣ “ መከራ መስቀለ ክርስትያን “ ይበሃል።

† ዕፀ መስቀል ይበሃል። እዚ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሠርሐ መስቀል ክኸውን ከሎ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምስቃሉ ምልክት ውርደት ዝነበረ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምስቃሉ ምልክት ዓወት ምልክት ሰላም ዝኾነ እዩ።

† መከራ መስቀለ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንብል ከለና ክርስቶስ ካብ ልደቱ ክሳብ ሞቱ ዝበጽሖ ሥቃይ ማለት እዩ። እዚ ማለት ኣብ ደምበ ኣብዑር ምውላዱ፣ ብጨርቒ ምጥቅላሉ ፣ ብቁሪ ምህራሙ፣ ናብ ሃገረ ግብጺ ምስዳዱ፣ ጽድቀ ባህርይ ከሎ ኃጥእ ምባሉ፣ ጐይታ ኣእምሮ እንከሎ ዕቡድ ምባሉ፣ ጨርቂ ምዕጣቁ፣ ዕንጨይቲ ምሽኻሙ፣ መግፋዕትን ጸርፍን ኣይሁድ ምዕጋሱ፣ ብሓፈሻኡ ስሌና ኩሉ ዝተቀበሎ መከራ ክኸውን ከሎ ።

ዕፀ መስቀል ክንብል ከለና ከኣ ኣካለ ክርስቶስ ዝዓረፈሉ፣ ደሙ ዝፈሰሰሉ ፣ ንዓለም ሰላም ዝተኣወጀሉ ፣ ሰብን እግዚአብሔር ዝተዓረቕሉ፣ ሕዝብን ኣኅዛብን ሓደ ዝኾንሉ ፣ ግንቢ ጽልኢ ዝፈረሰሉ፣ ብሕግ ልቡና ዝምርሑ ዝነበሩ አበው ጀሚሩ ብብዙሕ ትንቢት ክንገር ዝነበረ፣ ብደመ ክርስቶስ ዝኸበረ ፣ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቀጺሉ ናይ ጸጋ ስግደት ንሰግደሉ ፣ ተሳሊምና ይፍቲ ክንብል ከለና ኃጥያትና ዝስረየልና፣ ዳህሲስና ካብ ደዌ ሥጋ ንሓውየሉ’፣ ኣማዒቲብና ንሰይጣን ነርሕቐሉ ዝኸበረ መስቀል እዩ።

ነዚ መስቀል “ ኃይልነ ወፀወንነ ወሞገስነ ዝንቱ ውእቱ መስቀል። መስቀል ኃይልና ፣መስቀል ሞጎስናን ጸግዕናን እዩ። ” መዝሙረ ቅዱስ ያሬድ ዝብለና።

  ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ጳውሎስ ጸጋ እግዚአብሔር በዚሑሉ ብሥራት ወንጌል ኣብ ኩሉ ዓለም ንኽስማዕ ዝገብሮ ጻዕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ መልእኽታት ከምዝጸሓፈ  መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

እቲ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ካብ ክሕደት ናብ እምነት ዘውጸኣና ቃል  ሕይወት፣ ካብ ዝበጽሖም  ቀዳሞት ክርስቲያን ሰብ ገላትያ ይርከብዎም። ገላትያ ኣብዛ ሎሚ ቱርኪ ተባሂላ እትፍለጥ ሃገር እያ እትርከብ፣ ኣብቲ ኣውራጃ ናይ ጲስድያ ኣንጾኪያ ኢቆንያን ልስጥራን ደርቤን ዝበሃላ ክፍልታት ኔረን።

ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ናይ ቃል  ሕይወት ዝኾነ ወንጌል መንግሥተ ሰማያት ነዘን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዝርከባ ሃገራትን ህዝብን ከምዘምሃረን ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ገላትያ ዝነብሩ ክርስቲያን ኣነባብሮም ክንርኢ ከለና ነቲ ክቡር ቃል ወንጌል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሰምዑ ሕይወቶም ተቀይሩ ኔሩ። እዚ ከኣ ሕይወቶም ናይ ጽድቂ መስርሕ ጊሮም ብጽድቂ ተሰሊሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነት ዓለም ዝተቐበሎ መከራ መስቀል እናሓሰቡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍቓድ ይፍጽሙ  ኔሮም። ጸኒሖም ግና ብናይ ቢጽ ሓሳውያን ኣይሁድ ምኽሪ ናብ ዘይጠቅም ግጉይ መገዲ ከይዶም ፣ ናብ መገዲ ፈቃደ ሥጋ ከዘንብሉ ጀሚሮም እቲ ናይ ሥጋ ሥራሕ ከኣ ከምቲ ኣብ ገላትያ ተጻሒፉ ንረኽቦ “ እቲ ግብሪ ሥጋ ግሁድ እዩ፣ንሱ ከኣ ምንዝር፣ ርኽሰት፣ ዕብዳን፣ ኣምላኾ ጣኦት፣ ጥንቁላ፣ ጽልኢ፣ ባእሲ፣ ቅንኢ፣ቁጥዓ፣ ሻራ፣ ምፍልላይ፣ ዝርግርግ፣ ቅንኣት፣ ቅትለት፣ ስኽራን፣ ¶ይላ፣ ከምዚ ዝመሰለ ካልእውን እዩ። ”  ገላ.5፣19-21።   ምእንቲ እዚ  እዩ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብመንፈስ ጀሚሮም ናብ ክፋእ ግብሪ ዝተመልሱ ክነቅፎም ንርኢ። ብመልእኽቱ ከኣ ናብ ንስሓ ሕይወት ይዕድሞም ነብሶም ክምርምሩ ምእንቲ ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ ቀደም  ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ቅድሚ  ኣዕንቲኹም ከም ስቁል ኮይኑ ተስኢሉ ነበረ፣ ንሓቒ ከይትእዘዙ  ድኣ መን ዓዘመኩም ።  ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣለኹ ።” ኢልዎም እዩ። ገላ.3፣1-2።

ሎሚ'ውን መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ከነንብብ ከለና ። ኩልና ንመሃረሉን ንግሰጸሉም ትምህርቲ የዘኻኽረና። ንምኻúኑ ንሕናኸ ህዝበ ክርስቲያን ንኸይንእዘዝ ኣይተዓዘምናን'ዶ ንኸውን ?  ናብ ንስሓ ከይምለስ ሓጥያትና ከይንኣምን ኣዒንትና ፈዚዘን ምስትወዓልና ሪሒቁ ነቲ ክቡር መስቀል ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክሳድና ኣንጠልጢልና ናይ ፈጣሪና ውዕለት ረሲዕና ብፍትወት ዓለም ብትዕቢትን ብፍቅረ ንዋይ ንጎዓዝ ኣለና። ናይ  እግዚአብሔር ነገር ረሲዕና ዋኒን ሥጋና ጥራይ ንገብር ኣለና። ግና ክሳብ መዓስ ኢና ብኽልተ ሓሳብ ክንሕንክስ? በዚ መገዲ እዚከ ከኣ ስጋብ መዓስ ኢና ክንጉዓዝ፣ ናብ ልብና ክንምለስ ካብቲ ግጉይ መገዲ ክንምለስ ዝግበኣና እዋን ሕጂ እዩ።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልቦንኣ ተሳኢሉ ንነገረ መስቀል ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትሓስብ ትነብር ዝነበረት፣ ኣደ'ቲ ዓቢ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ንግስቲ እሌኒ ነቲ ኣይሁድ ብኽፍኣት ቀቢሮም ካብ ዝነብረሉ ክቡር መስቀል ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ክንሓስብ ከለና ነቲ ምልክት ዝኾነ መስቀል ንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪን መሥዋእትነት የዘክረና። እምበኣር ንበዓል መስቀል ክንዝክር ከለና ኩሉ ግዜ ክንሓስቦ ዝግባእ ቁምነገር እንተሎ ነገረ መስቀል ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዝካር ብፍቅሪ እግዚአብሔርን ብፍቕሪ ቢጽን ብለውሃትን ትሕትናን ምንባር እዩ።

ብዛዕባ ቅዱስ መስቀል እዚኦም ኣብነት ጠቂስና እምበር ናይ ነገር መስቀል ትምህርቲ ኣብዚ ዝውሰን ኣይኮነን። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ናይ ዘመን ኣቆጻጽራ ካብ መስከረም 17-25 ዘሎ ግዜ ዘመነ መስቀል ይብሃል። ኣብዚ ግዜ ነገረ መስቀል ይንገር፣ መዝሙረ መስቀል ይዝመር። ምእመናን ኣብዚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ብምርካብ ነገረ መስቀል ክንሰምዕን ንእግዚአብሔር ብመዝሙር ከነመስግን ይግባእ።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ በረከት መስቀሉ ይዓድለና። ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ተራዳኢነት ቅዱሳን መልኣኽቲ ፣ በረከተ ጻድቃን ሰማእታት ኣይፈለየና። አሜን።

                                                                                              ወስብሓት ለእግዚአብሔር።

                                                                                               ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                                 ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.