መርዓኹም ክጽብቀልኩም እንተ ደሊኹም፡ ንናትናኤል ዓድምዎ !

መርዓኹም ክጽብቀልኩም እንተ ደሊኹም ንናትናኤል ዓድምዎ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መርዓ ናይ መሓዛይ ተሳቲፈ  ነይረ። ሓደ መሓዛና ስለምታይ ናብቲ መርዓ ናይ ወዲ ገዛውታኻ፡ፈታዊኻ  ዘይመጻኻ  ኢለ ምስ ሓተትክዎ ᎒ ከይተዓደመ ዝመጸ ከይጽገበ ወጸ ከይኮነኒ ሰለ ዘይተዓደምኩን ኣይመጻኹን በለኒ። ክግርመኪ  እቲ መርዓ ምስ ሓለፈ ሓፍተይ ናይ መርዓ ዕድመ ረሲዓይዮ ከይሃብኩኻ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዓርክኻ ሂብካ በለትኒ ፡ እንታይ እሞ ይዓብስ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኮይንኒ። ኣታ ኤማ ሓወይ ዋላ ኣይዓድመካ ወዲ ገዛውትኻ መታዓብይትኻ እንድ'ዪ ኣብ ሕማቁን ጽቡቅን ክትሳትፍ ግድነት’ዩ ኢለ ተቆጢዓ  ተዛሪበዮ። እንታይ ፈሊጠሉ ኢልክኒ ተጋግየ ጌጋ መዓልቲ ውዒለ በለኒ።

እዚ ወዲ ‘ዶ ይኸውን ናትናኤል ትብሉ ትህልው ትኾኑ ኣይትስኣኑን ኢኹም  ። እወ ከምኡ ኢና ንብል ዘለና እንተ ኢልኩም ተጋጊኹም ኣለኹም ከኣ ይብለኩም ኣነ። ጽንብል መርዓ ኣብ ንገብረሉ ግዜ ቤተ ሰብና ፡ ኣዝማድና፡ መሳርሕትና፡ ደቂ ገዛውትና፡ ኮታስ ንፈልጦም ሰባት ንዕድም ኢና። ኣብቲ ኣበባና ክሕጎሱ ምሳና ክውዕሉ፡ ብደስታ ከም ብተይ ክሰራሰሩ ፡ ዘመን ኣምጽኦ ኣብ መርዓና ክሑንጉራና ከም ቆልዓ ብሓጎስ ክስርነቁ  ንደሊ ኢና። ኣብ መርዓና ግን ንናትናኤል ንጽውዖ ወይ ንዕድሞ ክንደይ ሰባት ኢና፧እቶም ዝተመርዓኹም መን ኮን ይኸውን እዚ ናትናኤል ኣብ ጽንብል መርዓና ከይዓድምናዮ ሓሊፉ ትብሉ ትህሉው። እቶም ዘይተመርዓኹም ከምዚ ከማይ  ናትናኤል መን’ዩ ውራይና ዝጽብቕ እንተ ኾይኑ ደኣ ግድነት ዝሃብና ሂብና ክንዕድሞ ኣብ ውራይና ከም ዝሳተፍ ክንገበሮ ንደሊ ኢና ንገርና በጃኺ ከም ትብሉ ርግጸኛ እየ። እቶም ዝትመርዓኹ ኣይትግሃዮ ፡ ኣጆኹም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናትናኤል ዝጽዋዕኩሞ ትህሉው ኢኹም።

መርዓ ኣብ ንገብረሉ እዋን ገንዘብናን ግዜና ሂብና  ብተወፋይነት ንዓየሉ ዕዮታት  ዝበለጸ ኣዳራሽ ምንዳይ ፡ ክዳን መርዓውቲ ኣብ ዝበለጸ ሰፋያ ክዳን ዲዛይነር ምስፋይ ፡ ወርቂ ንመርዓት ካብ ዱባይ ምዕዳግ ፡ ኣብ ውራይና ዝበለጸ መግቢ ትሰርሕ ከሻኒት ምንዳይ፡ ናይ መርዓ ዕድመ ኣብ ብሉጽ ቤት-ማኅተም ምሕታም ፡ እንታይ ዓይነት ቶርታ ምድላው ፡ ንፍዕቲ ስዋ ጾማቂት ፡ ህቡብ ደራፋይ ፡... ወዘይመስሎ ኣገደስቲ ንብሎም ኣብ ምጽፋፍ ንዋደድ። ድሮ መርዓ ድማ ንፍዕቲ ቆናኒት ፡ ንፉዕ ቀምቃማይ ፡ ብቡሉጽ ቪድዮ ካሜራ ዝቀድሕን ዝስእልን ሰኣሊ ፡ ጽብቅቲ መኪና ከም እኒ ሊሞዚ ነዳሉ።  እቶም ገንዘብ ዝጥረና  ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ንፍስስ እቶም ዘይብልና ድማ ካብ ዘለዎም ተለቂሕና ተመርቂሕና ውራይና ንብዕል። እሞ ናትናኤል ኣብ ምድላዋት መርዓ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ሰብ ዶ ይኸውን ክተሓባበረና ሓብረና በጅኻ ትብሉ’ዶ ኣለኹም።

መሓዛ መርዓትን ፡ ዓርኪ መርዓውን ንመን ንግበሮ ዝብል ኣርእስቲውን ኣካታዒ’ዩ ። ኣዕሩኽትና ብዙኅት እንተ ኮይኖም ንመን ግዲፍና ንመን ክንመርጽ ብምባል ዓቅልና ዝጸበና ውሓዳት ኣይኮናን። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ንመርጸን መሓዙት ካባና ብመልክዕ ዘይበልጻ ኣብ ግዜ መርዓና ሰብ ንዓና ገዲፉ ናብ መሓዙት ከየትኩር ልዕሊ ዓቅማና ኣብ ምጽብባቅ ንሕልፎ ግዜን መኬኣባትን  ማእለያ የብሉን። ገለኢና ድማ ዓርኪ ወይ መሓዛ ሕጽረት ኣቡዘለዎ ዓዲ ንቅመጥ እንተ ኮይና  መሓዛን ኣዕሩኽን ክፍሊና ንካረዮም ውሑዳት ኣይኮናን ። እሞ ናትናኤል ዓርከ መሓዛ ኣብ ምንዳይ ዝዓይይ ደላላይ’ዶ ይኸውን። ስደት ካብ ስድራና ፊሊና ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ክንዲ ኣቦናን ኣዲና ኮይኖም ብልዑልና ሱተዩልና ዝብሉ ሰባትውን ንካረ ኢና። ንሓንቲ መዓልቲ ንገብሮ ጽንብል ዕድሚና ምሉእ ዝኣከብናዮ ገንዘብ ከንፍስስ ድሕር ኣይንብልን ኢና ።  በሉ ምስ ናትናኤል ከላልየኩም ፡ምፍላጥ እኳ ትፈጥዎ  ኢኹም።

ናብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ናብቲ ናይ መጀምርያ ትኣምራት ቤዛ ዓለም ክርስቶስ ዝገበሮ ቦታ ክመልሰኩም’ዩ። ወልደ ማርያም ኣብ እንዳ ዶኪማስ መርዓ ተረኺቡ ነቲ መርዓ ቅዱስ ካብካብ ንጹህ ጊይርዎ እዩ። ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ግና መን ዓዲምዎ ኣብቲ መርዓ ተረኺቡ ፧ ንሓዋርያት መን ዓዲምዎም ኣብቲ መርዓ ተሳቲፎም ፧ ንኣዴና ቅድስት ድንግላ ማርያም መን ኮን ዓዲማዋ ነይሩ ኣብቲ መርዓ ተረኺባ፧ ዝብሉ ሕቶታት ከነልዕል ግደነት’ዩ። ናይዚ መልሲ  ሕቶ እንትርፎ ኣብ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያና ኣብ ካልእ ናይ እምነት ትካላት  ኣይንረኽቦን ኢና።

እቲ ክርስቶስ ተኣምራት ዝፈጸመሉ ኣብ ቃና-ገሊላ ዘነበረ መርዓ እንዳ ዶኪማስ ተባሂሉ ክስመ ሰሚዕና ኣለና። ዶኪማስ ኣቦ መርዓት’ዩ። ስም እታ መርዓት ኣብርስቅላ(ብርስቅላ) ይበሃል።ስም እቲ መርዓዊ ድማ ዮስጦስ ይበሃል። ክርስቶስ ናብዚ መርዓ ክሳተፍ ዝዓደሞ ሓዋርያ ናትናኤል’ዩ። ሓዋርያ ናትናኤላ ወዲ ኣኩኡ ንዶኪማስ እዩ። ሓዋርያ ናትናኤል ኣቅዲሙ “ካብ ናዝሬት’ዶ  ገለ ሰናይ ክርከብ ይከኣል እዩ፧ ”የሐ1፡46 ክብል ናይ ክርስቶስ ኣብ ዓዲ ዳዊት ምምጻኣ እናተጠራጠረ ዝሓተተ እዩ። ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ንቅንዕናን ግርህንትን ሓዋርያ ናትናኤል ከምዚ ብምባል መስኪሩ”ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ “ክፍእት ዘይብሉ ብሓቂ  እስራኤላዊ”የሐ1፡47 በለ። ናትናኤል ነቲ መርዓ ክጽብቅ ንፉዕ ደራፋይ፡ ጽቡቅ ዝሽልም፡ ንፉዕ ሰራሒ መግቢ ኣብ መንዳይ ኣይሕልፎን ግዜኡ።

ኣብ ግዜ መርዓ ነቲ መርዓ ዝመዕርጎን ዝጸብቆን ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ምስ ወላዲቱ ጥራይ ምዃኑ ብግርሃና ኣሚኑ  ንክርስቶስ ምስ ወላዲቱን ሓዋርያቱን ዓዲሙ። ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ኣብቲ መርዓን እንተ ተራኺቡ ብንዋት ኮነ ብመንፈስ ዝኾነ ነገር ምስ ዝጎድል ጎዲሉ ከም ዝይተርፍ ይፈለጥ ነይሩ ። እቲ መርዓ ዕድማት ሰለ ዝበዝሕዎ ወይኒ ተወድአ ። ወይኒ ከም ዝተወደኣ ኣዲና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፈለጠት። ኣብቲ መርዓ እቲ ወይኒ ከም ዝተወደአ መን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነገራ፧ ከመይ ገይራ ፈሊጣ እቲ ወይኒ ከም ዝተወደአ ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ግድነት እዩ። ኣቦ እቲ ድስ ከይንብል  ኣቦ እቲ ዳስ  እቲ ማይ ናብ ወይኒ ምስተቀየረ ካባይ ከምዝመጸ ኣይፈልጥን ይብለና መጽሓፍ ቅዱስ ። መን ደኣ ሓቢርዋ ንዝብል ሕቶ መልሱ ሓዋርያ ናትናኤል’ዩ። ቅዱስ ናትናኢል ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ርህርህቲ ህሊና ከም ዝኾነት ኣጸቡቁ ይፈልጥ ነይሩ። ንወዳ ለሚና ከም ተስምዕ ስለ ዝፈለጠ ንወላዲተ ኣምላኽ ወይኔኪ ኣልቦሙ(ወይኒ እምበር የብሎምን)  በላ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ውላዳን ፈጣሪአን ኣማላድነት ብምሕታት ነቲ ኣብ እንዳ መርዓ ዝነበር ስክፍታ ቀንጢጣ።

ስለዚ ንሕና ኣብ እዋን መርዓና ንመን ንዓድም᎒ ህቡባት ደረፍቲ፡ ንፉዓት ቆነንቲ፡ ብሉጻት ሰለምቲ ዳስ ወይስ ንናትናኤል ዝአመስሉ ክፍእት ዘይብሉ ብሓቂ ክርስቲያን ። መርዓኹም ክጽብቀልኩም እንተ ደሊኹም ንናትናኤል ግድን ዓድምዎ ። እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ኣምሳል  ሓዋርያ ናትናኤል  ዝኾኑ ምእንታና ለይትን መዓልትን ዝጽልዮ ፡ መርዓና ክምዕርገለና ንጸሎትን ቅዳሴን ዝነቅሑ ናይ ሓዋርያት መስቀል ተስኪሞም ኣሰር ሓዋርያት  ዝስዕቡ ኣቦታትና ካህናት ፡ድያቆናት ንጽሃት መዝመራን ትምህርቲ ሰንበት ፡ ብፍርሓት ኣብ ቤት እግዚአብሔር ዝገልግሉ ሰባት ደኣ ንዓድሞም ምእታን ኣብ መርዓና ዝጎደለና ናብ ወላዲት ክርስቶስ ክምሕጸኑልና፡ ስምኪ ጸዊዓ ክዝምሩልና፡ በቃና ዘገሊላ ካብካብ ኮነ እናበሉ ቅኔ ክገብሩልና ። እቶም ዘይተምርዓና ክንምርዖ ንሓስብ ሰባት ንመን ከም ንዕድም ንፍለጥ ፡ እቶም ዝተመርዓና ኣብ መርዓና ንትናኤል ዝዓድምና’ዩ ድማ ንክርስቶስ ርእሲ መኣዝና ናይ ሕይወትና ጌይርና ኣማላድነት ናይ ወላዲቱ እናሓተትና ኣብ ሓዳርና ንጽናዕ።

ብረከተከ ከአውደ ዝብከ፡ መንገለ ይትፈቀድ ፍና ፡ከመ ዝናማተ ይኩዑ ደመና( ናይ ነሓሰ ደመና ማይ ከምዝህብ ብረከትኻ ይፍሰሰልና) ኢሉ ከም ዝመስገነ ሊቅ ሎሚውን ንሕና በረኸትካ ይፍሰሰልና ሓዋርያ ናትናኤል ኣብ መርዓና ምሳና ሓቢርካ ወዓል ንበል ። ተኣምራቲከ ሶበ በዝኃ ልበ ዝአየ ተፈስሐ( ተኣምራትካ ምስ ብዝኃ ልበይ ተሓጎሰ) ክንብል ኣምላከ ቅዱሳን ፀጋኡ የብዝሓልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ራህዋ ተስፋይ ምስ  ልዋም ሰሎሞን

10-25-2018

Comments are closed.