መረን ዕስራ-ክፋል

ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ካብ ንኣቱ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ቤተልሔምን ኣድያምን፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ደላሎ፣ ተሸይጠን ወጽኣ። ብድሕሪአን ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ’ቲ ካርሸሊ ተቐመጥኩ፣ መጀመርያ ክፍለያኒ ከለዋ፣ ብርግጽ ከቢድ እዩ ነይሩ፣ ኣስተማሲለ’ውን እየ። ግዜ እናነዉሐ ምስ ከደ ግና፣ ብፍላይ ዳርጋ መዓልታዊ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ዉሽጢ’ቲ ካርሸሊ ይወሃበና ብምንባሩ፣ ንነገራት ከም ዘለዉዎ ተቀበልክዎም። ነተን ዝነበርናኢ ገንዘብ፣ ብቑጠባ እየ ሒዘየን፣ ምናልባት የውጽኡና ይኾኑ፣ እናበልኩ እየ እተን ዘይጠቕማ 500 ዶላር ዝኰና፣ ሒዘየን ዚነበርኩ፣ ምኽንያቱ እዚአን ካብ ማእሰርቲ፣ ኣውጺአን ናብ ደላሎ ከብጽሓኒ ይኽእላ እየን። ክሳዕ ትራጵሎስ ንኸብጽሓኒ ግና ፥ኣጠራጣሪ እዩ፣ ምኽንያቱ ናይ መገዲ  ልዕሊ 200 ዶላር እዩ። ብውሽጠይ ምስ ኣምላኽ ክበኣስ ጀመርኩ። ኪሒዳትኒ ነይራ ኣይትበለኒ፣ ኦ ኣምላኸይ፣ በቃ ሕጂ ፍጹም ተመሊሰ እየ፣ ከምቲ ነቲ ጥፉእ ወዲ ጌርካ ዝተቐበልካዮ፣ ንዓይ ከኣ፣ ንስሓይ ተቐበል፣ እቲ ኣብታ ምድሪ በዳ ከለኹ፣ ዝለመንክዎ ፈጽመለይ።

… ኦ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስቲ ድንግል ንዓይ ድምጸይ ክትሰምዒኒ ወይ’ውን ኣብ ቤትኪ ክርከብ፣ ብቅዕቲ ኣይኮንኩን ግናኸ፣ ነቲ ፍቑር ወድኺ፣ ክትነግርለይ ይምሕጸነኪ፣ ሰብ ቃና ዘገሊላ ወይኒ ምስ ወድኡ፣ እዞም ሰብ ወይኒ ኣምበር የብሎምን፣ ኢልኪ ዚነገርኪ፣ ኣነ’ውን ወይኒ ወዲአ ጥርሓአይ እየ ዘለኹ’ሞ፣ ኣዘክርለይ፣ ነቲ መሓሪን ፍቑርን ወድኺ ለምንለይ… ዝብል ቃላት ናይ ዘወትር ጸሎተይ እየን ዚነበራ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሽዱሽተ ወርሒ ንኽመልእ ሰለስተ መዓልታት ምስ ተረፈኒ። ከባቢ ሰዓት 5፣00 ድ.ቀ ኣቢሉ ይኸዉን፣ ኣብ መደቀሲ ከለኹ፣ ተገምሲሰ፣ ሓሳባት ከውርድን ከደይብን ጀመርኩ። በቃ ካብ ኣብዚ፣ ስቕ ኢለ ግዜን እተን ዘለዋንን ዘጥፍእ፣ ዕድለይ ኣብ ኢድ ደላሎ ክወድቕ ወሰንኩ። ሓሳበይ ክዉድእን ኣብ ክፍሊ ሓልዋ ቤት ማእሰርቲ ትድለዩ ኣለኺ ዝብል ሓበሬታ መጸኒ፣ ነብሰይ ማይ ኮነት፣ ረስኒ እኳ እንተዘይነበረ፣ ብረሃጽ ተሓጸብኩ፣ ኣእዳወይ ቀጥ ቀጥ ኣናበለ፣ እንታይ ደልዮምኒ፣ በልክዋ ? ነታ ዘወትር ተላኣኺቶም ዚኰነት መንእሰይ።

“ኢንጃ ምን እዉቃለሁ” ክትብል መለሰትለይ። ሕራይ ክመጻኩም’የ ኢልኪ ንገርለይ በልክዋ’ሞ፣ ተቀላጢፈ፣ ኣብ ጁባ ቦርሳይ ክፈታትሽ ጀመርኩ። ዝደለኽዎ ስለ ዝሰኣንኩ፣ ክዳውንተይ ከይተረፈ በብሓደ ክደራቢ ጀመርኩ፣ ኣብ ጥቓይ ዝነበራ፦ ተገሪመን ይጥምታኒ ነበራ። ኵለን  እንታይ ደሊኺ እንታይ ኣጥፊእኪ በላኒ። ወላ ሓንቲ በልክወን፣ ኲነታታይ ስለ ዚፈልጣ ግና፣ ኣጆኺ ተሪርኪ ጥራይ ጠምትዮም፣ ኣይትስሓቕሎም፣ ዝኰነ ከም ህያብ ኣይትቀበልዮም… በላኒ። ፍሽኽ ኣናበልኩ …ደሓን ጸገም የለን በልክወን። እሞ ካልኣይ ግዜ ኣብ ጁባ ክፈታትሽ ጀመርኩ፣ እታ ዚደልያ ዚነበርኩ ካትም ከኣ ረኸብክዋ። ተቀላጢፈ ኣብ ናይ ቃል ኪዳን ኣጻብዕቲ ለበስክዋ። እ… ስሓቕ… እዚኣ ትርእያ ዘለኽን እያ፣ ኣብ ምድረበዳ ከለና እቶም፣ ሓያልት ቀርሰንቲ ምድረበዳ፣ ዳርጋ ነተን ኣዋልድ በይንኽን ተፈለያ ኢሎም፣ ክወስዱና ሓሲቦም ነይሮም እዮም። ራእሱ ተቐላጢፉ ኖርማል ካቲም ኣብ ኣጻብዕቱ ብምእታዉ፣ ንዓይ በዓልቲ ቤተይ ኢያ ምስ በሎም በዓል ወዲ ከረን… ኲሎም እዚኣ በዓልቲ ቤተይ እያ እናበሉ፣ ንኲልና ስለ ዚሓዙና ደኣ እንበር ሎሚ ኣብዚ ኣይምርኣኻንን ኔርክን።

እቲ ሓላፊኦም ተቀላጢፉ ንዓይ ጸዊዑ፣ ኢድኪ ኢሉኒ፣ እዛ ካቲም ርእይዋ ንራእሱ’ውን ኢድካ ኢልዎ ካትም ርኣየሉ፣ ግና ኣተኲሩ ኣይረኣየን እምበር፣ ዚተረሓሓቓ ካቲም እየን ዝነበራ። ስለ ራእሱ ዝወረደት ትውረድ ኢሉ ነዛ ምኽኒት ምምጽኡ ኣብነቱ ተኸቲሎም ኣድሒኖምና እዮም። ሽዑኡ ንራእሱ ዝብሎ እዩ ጠፊኡኒ፣ ማለት ነፍሱ ኣብ ክንዳይ በጃ ክህብ ምድፋሩ። እሞ’ኸኣ ምስቲ ኲሉ ኣንጻር ዚመሃሮ ቃል ይዛረብ ምንባረይ። ብዝኰነ ካቲመይ ገይረ ነዊሕ ክዳን ተኸዲነ፣ ጸጒረይ ምሉእ ብሙሉእ ተሸፊነ፣ናብ ዚተጸዋዕኩሉ ከድኩ’ሞ፣ እትዉ መስ በልኩ፣… ብዓረብ ገይሮም እዚኣ እናበሉ ንሓደ ጀለብያ ዝገበረ፣ ግና’ኸ ሓበሻ ዚመስል ወዲ ሓበርዎ። ብውሽጠይ ጠፋእኩ ክብል ከለኹ። ሓበሻ ኢለ ዚገመትክዎ፣ ብጽሩይ ትግሪኛ፣ ኣዜብ ሓቀይ በለኒ። እወ በልክዎ፣ ቅልጥፍ ኢለ፣ ነገሩ ኣስደሚሙኒ ። እ(Ok) በሊ፣ ብዙሕ ግዜ የብለይን፣ ሕጂ ሓንቲ ቤቲ ትበሃል መሓዛኺ ብኣና ገይራ ትራብሎስ ዚኣተወት ቅድሚ 3 ወርሒ ኣቢላ፣ ምሳና ተራኺባ፣ ካብዚ ንኽትወጽኢ ገንዘብ ክትሰደልና ምኳና ሓቢራትና፣ ስለዚ ገለ ክፋል ገንዘብ ክትሕግዘኪ ኢላ ኣላ፣ ሕጂ ንስኺ እዚ ጒዳይ ከመይ ትርእይዮ ብለኒ።

ኣነ እሞ ከመይ ኢለ ደኣ ከይረኸብክዋ፣ ክውስን በልክዎ። እዚ ዚበልክዎ፣ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እየን ብኸምዚ ኲነታት ደሃየን ዚጠፍእ። ፈጺምካ’ዉን ኣብዚ ኣለዋ ዘይበሃላ። ደሓን እንኪ ከራኽበኪ ኢሉ፣ ደወለ’ሞ ሃበኒ፣ ንቤቲ ረኸብክዋ፣ ከም ዚበሎ ከኣ፣ ክትሕግዘኒ ምዃና ሓበረትኒ… ቀልጢፈ ኣድያም’ከ ደሓን ዲያ በልክዋ፣ እ… ኣዱ..ደ… ደሓንያ በለትኒ። እዋእ ኣይደሓናን ዲና። በልክዋ… ገና… ኣብ መስራጣ እያ ዘላ ኣይኣተወትን፣ ኣዜባ… ሓብተይ ደሓን ምስ ወጻእኩ ከዕልለኪ በለትኒ። በዚ መሰረት  ነቲ ወዲ ሕራይ በልክዎ’ሞ። ኣብ ውሽጢ ሣልስቲ መሬት ምስይ ክብል ከሎ ብፍሉይ ንሕክምና ከም ዚከይድ ገይሮም ኣውጽኡኒ። ካልኣየይ ከኣ ሓደ መንእሰይ ነበረ። ካብታ ክወጽእ’የ ኢለ ዘይገመትክዋ ቦታ ኣብ ዘይሓሰብክዎ ሰዓት ወጻእኩ። ኣብቅዐ ክብል ተስፋ ሰነቕኩ፣ የብለይን ክብል ረኸብኩ፣… ኣይተጸበኹን ኣብቲ ሰዓት ክወጽእየ ዝብል… ሓሳብ ኣይነበረንን… መን ሓሰቦ እዚ ክኾነለይ።“

… ሓንቲ ንእሽቶ ዕጽውቲ መኪና” ካብ ቀጽሪ ርሕቕ ኢላ ምስ ክልተ ሰባት ጸንሐትና። እቲ ካብ ካርሸሊ መጺኡ፣ ዝነበረ ወዲ ተቀበለና፣ ንዓና ኣብ መኪና ኣደይቡ፣ ምስቲ ሒዙና ዚመጸ፣ በዓል ሓደ ጽሩራ (ሓደ ኮኸብ-መዓርግ)፣ ሓንሳብ ድሕሪ ምዝርራብ ገንዘብ እናፈቐደ ሃቦ’ሞ ፍሽኽ እናበለ ተፈልየና። ኣውቲስታ መኪንኡ ኣተንስኣ’ሞ ንውሕ ዚበለ ድሕሪ ምኻድ፣ ብዙሕ ኣንጎሎታት ድሕሪ ምጥውዋይ፣ ናብ ሓደ ዕጹው ካንሸሎ በጻሕና ቅድሚ ምውራድና፣ ስምዑ ንስኹም ኣብ ትሕተይ ኢኹም፣ ካብዚኣ ክሳዕ ትወጹ ዋኒነይ ኢኹም ዝዀነ ክትሞልቁ እንተፈቲንኩም ንርእስኹም በሉላ፣ ክብል እቲ ዝገዝኣና ጃዕፈር ኣጠንቀቐና። ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ዓሰርተ(10) ዝዀና ኣዋልድ ኣወዳት ጸንበሩና፣ ንዓይ ናብተን ኣዋልድ ነቲ ወዲ ከኣ ናብቶም ኣወዳት ዚነበርዎ ክፍሊ ጸንበሮ። ኣብዚ ናይ ጃዕፈር (ዚብልዎ ናይ ደላላይ/ቤት ማሕቡስ… ክልተ ሰሙን ተቐመጥኩ። ሃይለ፦ ከመይ ኢልኪ ድኣ ቤት ማሕቡስ ትብልዮ?

ኣዜብ፦ ዝኸፍአ እንበር፣ ሳላ እተን ኣብኡ ዚጸንሓኒ ዝነገራኒ፣ እምበር ኣብ ነብሰይ ዘይከእሎ ዕዳ መእተኹ ነይረ። የደውሉኻ ድልየትካ’ውን የብልዑኻ፣ ኣብ መወዳእታ ግና፣ ብዝተዓጻጸፈ፣ ወላ ናይ ባኞ ከይተረፈ እዮም ዘኽፍሉኻ። ታሕዊል ብስሞም እዩ ዚመጸካ፣ በታ ዚሃቡኻ ሸርፊ ኢኻ እሺ ኢልካ ትቕበል። ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ብመንገዶም ጥራይ ኢኻ ናብቲ ትደልዮ ትኸይድ። ምስ ወጻእኩ፣ ምስ ቤተልሔም ተራኸብና፣ በቃ ኣማራጺ ስለ ዘይብለይ ምስ ዚተዳለዉ ክብገስ፣ ተራዳዳእና’ሞ ፣ ዕድል ገይረ ኣብ ሰሙን እኹላት ሰብ ዝተኣከብና ተበገስና ኣነ ባዕለይ ክኸፍሎ እየ ተሰማሚዐ ነይረ። ግናኸ ቤተልሔም ካብተን ብኣዝማዳ ዚተሰደላ፣ ባዕለይ ኢየ ዝኸፍሎ፣ እቲ ምሳኺ ዘሎ ኣብ መንገዲ ይኾነኪ፣ ናይ ኣድያም ገጢምዋ ዘሎ ክገጥመኪ ኣይደልን እየ፣ ንዝዀነ ነገር ገንዘብኪ ኣብ ኢድኪ ሓዝዮ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ገንዘብ ይዛረብ እዩ በልትኒ። ተረበጽኩ እዉይ ኣድያም ሓብተይ በጃኺ እንታይ እዩ ገጢምዋ ንገርኒ በልክዋ።ቤቲ፣ “… ሕንቕንቕ እናበለት ኣድያም ደኣ ኣንድዒ፣ በጃኺ… ሕጂ ዋላ ንኽትረኽባ ኣይከኣልን ኮይኑ፣ ካባኺ ምስ ተፈለና ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኢና ተበጊስና ዳርጋ ናይ ሓደ መዓልቲ ተበጊስና ናብ ምስራጣ ምስ በጻሕና ተታሒዝና፦ ተኣሲርና ደላሎ ….

ዕስራን -ሓደን   ክፋል ኣብ ዝመጽአ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረእግዝአብሔር

 

Comments are closed.