መረን-ዓስርተ ክልተ ክፋል

ነቶም ኣብ ቦርስኦምን ኣብ ኣካሎምን ገንዘብ ዚረኸቡሎም በይኖም ገበርዎም። ነቶም ዘይረኸቡልና በይናን ገበሩና፣ ነቶም ዘይተረኽበና ዓቕልና ኣጽበቡልና ፡ ቀልጢፍኩም፣ ከክልተ ሚእቲ ዶላር እንትዘይኣምጻእኩም ወይለኹም በሉና። የብልናን እንተበልና መን ይስማዕ፡ ንዝተዛረበ መጽፋዕቲ ገንዘቡ ኮነት። ቀልጢፍኩም ተራዳዲእኩም ኣምጽኡልና ፣ ካባና  ግሊል ኢሎም ተፈንተቱ። መቸም ፈቲና ከይፈተና ተኸዊላ፣ ከካብ ዘለና መዝሒቕና ኣዋጺእና ሃብናዮም። ዚዓግቡ ኣይነበሩን ግናኸ፣ ሸፋቱ ብሙዃኖም፣ ኣዚዮም ህዉኻት ስለ ዚነበሩ ዚዉሰድ ወዲሶም ብቑጽ በሉ። ሰበይ ቦቦርስኣ ክዳዉንታን ክትኣሪ ጀመረት። ኣነ ብወገነይ ነቲ ፋሕ ፋሕ ዘበል ክዳዉንተይ ጠርነፍኩ። ገለ ካብና ዘምለጡ ሳንቲም እኳ ዘይጐደሎም ኔሮም። ራእሱን ቤተልሔምን፣ ይገርመካ እዩ ፣ ባዕሎም ምስቶም ግለ ከይረኸቡሎም ኣብ ካልእ መካይ ዝመጹ፣ ክልተ ኣዕሩኽ ኣስማቶም ኣይዝክሮም ሰለስተ ሽሕ ረኺቦምሎም። ንሓደ ገበል ዝብልዎ’ውን ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ወሰዱሉ። እቶም ሽዱሽተ ሶማላውያን ብፍላይ ምሉእ ገንዘቦም ተወስደ።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብትሒም ትሒም ከም ዚሰማዕናዮ እቶም ክልተ ሰባት ሠለስተ ሽሕ ዚተረኽቦም፣ ካብ ዚሰርሕዎ ዝነበሩ ትካል ሰሪቆም ናብዚ ጒዕዞ ተሓቢኦም ዚተጸንበሩ እዮም። ገበል’ውን ብጊዲኡ ንብዙሓት ቢዝነስ የሳልጥ እየ እናበለ፣ ንሰባት ብምትላል፣ ዚኣከቦ ገንዘብ ምዃኑ ተወርየ። ኲልና ገረመና። ለካስ ንጠላሚ ጠላሚ ኣለዎ። ለካስ ንዓመጸኛ ዓመጸኛ ኣለዎ፣ ለካ ንሰራቒስ ሰራቒ ኣልዎ። እዚኣቶም ንዝኣመንዎም ጠሊሞም፣ ብረሃጽ ሰባት ክጻወቱ ዚፈተኑ ነበሩ ግናኸ፣ ጥራሖም ተረፉ። ወሪኦም ምስ ተናፈሰ’ሞ ኵሉ፣ ጸልኦም ዚድንግጸሎም ተስእነ። “ገንዘብ ዓመጻ” ሒዞም፣ ናብ ከምዚ ዚኣመሰለ ጒዕዞ ምብጋሶም፣ ብጣዕሚ ኣሕዘነና፣ ምስኦም ንጒዓዝ ምንባርናስ ኣረ ኣጽሊኡና እዩ። ነዚ ምስ ሰምዐ፣ ራእሱ “ግብሮም እያ ዚረኸበቶም” ጐይታናን መድሓኒናን ኣብ ወንጌሉ “እንሆ ኣነ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ኢየ።” ኢሉ ብዙሕ ኣብነታት እናምጽአ ኣዕለለና።

እዛ ዓለም ብዙሕ እያ ጸይራ ዘላ። ጐባልል ምድረበዳ ካብ ዝመጹና፣ ስንባደ ኣብ ኩሉ ሰብ ወሪሱ ። ምቁር ዕላልና፣ ናብ ዝንታ ተለወጠ፣ ንስቕታና ክሰብር ወዲ ኲዒታ፣ ተኣኪብና ከለና ወዲኣንታ ሰለሙን በለ’ሞ፣ ሰሎሞን ካብቲ ጢሒልዎ ዚነበረ ግናዕ ሓሳብ ሓዉሲ ብስንባደ እ… እሂ… ወዲ ኲዒታ ደሓን’ዶ በሎ፣ ብምግራም። ኣይ ደሓንየ፣ ክሓተካ ኢለ ኢየ  ሰሎሞን፦ ሕራይ ሕተት ፣ ንሱ ኸኣ ዓንተቦ እቶም ሸፋቱ ክመጹ ከለዉ፣ ንዓይን ነብርሃምን ንወዲ ከረን፣ ጒልበትካ ሕባእ ጅጉኑናት ምሰሉ፣ ከም ሕሙማት ምሰሉ እናበልካ እናሻዕ ትዛረበና፣ ዚነበርካ ስለምንታይ ኢኻ። ብፍላይ ንኣድያ እሞ ገጻ ክትክደን ዝነገርካያ፣ ቀልጢፍካ  ናብኣ ብምኻድ፣ ሕሹኽታ ትብላ ኔርካ፣ ስለምናታይ ኢኻ? …እ… እንታይ ኢልካዮ በጃካ ኣምላኽ ብጸሎት እዞም ኣሕዋት ኣድሒኑና ኣሎ፣ እናበለ፣ ንብዓት ቀደሞ፣ ሕንቕንቕ ስለ ዝበለ፣ ኲልና፣ ተገረምና፣ እንታይ ኴንካ ኣታ ሰብኣይ እኳ ኢኻ፣ ደሓር ገንዘብካ ኩሉ ድዮም ወሲዶሞ፣ ኣሕዋትካ እንዲና፣ በሎ ወዲ ባጽዕ። ሰሎሞን ሕንቕንቕ እናበለ፣ ኣይ ገንዘበይ’ሲ ኣይወሰድዎን፣ ወዲ ኲዒታ ምስ ሓተተኒ ሓደ ግዜ… እዞም ሸፋቱ መጺኦምና ከለዉ፣ ዚነበረ ኲነት ስለ ዚዘከርኩ እየ።

ኣጋጣሚ ልብሶም ንዓታቶም ስለ ዝመስሉ እየ ጉልበትኩም ክትሓብኡ ዘጠንቀቕኩኹም።ኣብ ዒን ኣልሳሕራእ ክመጹና ከለዉ፣ ዳርጋ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5፣00 እዩ ኔይሩ። መጀመርታ ዘለና ነገር ኣራርዩ ድሕሪኡ ማህረምቲ፡መጽፋዕቲ… ወዘተ ዚተሰነዮ እዩ ዚነበረ; ጸኒሑ ግና ኩሉ ግዜ እናሰቀየኒ ዚነብር ዘሎ ተኸስተ፣ ሓላፊኹም ከአ ጠፍናቕ ኣፍንጫ፣ ጨካን፣ ኣዕይንቱ ደም ዚሰረበ  ከም ሰብ ዘይርኢ ኣራዊት እዩ። ገንዘቡ ተኣኪቡ ዝብል መልእኽቲ ምስ ተቐበለ፣ ኣብ ማእከል እቶም ብወተሃደራት ትኸቢብና ዝነበርና መንእሰያት ብምእታዉ፣ንስኻ ሓፍ በል፣ ንስኻ ሓፍ በል ክብል ጀመረ ሓሓሊፉ ከባቢ 20 ዚኰኑ ኣወዳትን 5 ኣዋልድን በይኖም ድሕሪ ምፍላይ፣ ብዘይደግም ዘረባ ንዓና ረሓቑ ኢሎም ብኣፈሙዝ መሪሖም ናይ 250 ዚኸዉን ሜትሮ ኣርሓቑና።

ካብቶም ዘትረፈዎም ብረት ድሕሪ ምዕማር ያላ ቦርሳኹም ኣልዒልኩም ደይቡ በልዎም፣ ኣጠይብ ካብቶም ዚተረፉ ኣዚዩ ግልቡት መንእሰይ እዩ ዚነበረ፣ ቀልጡፍ ኩነታቶም ስለ ዝፈለጠ ኣበይ ኢና ንድይብ ስለምንታይ’ከ ክብሎምን፣ እቲ መራሒኦም በቲ ሒዝዎ ዝመጸ ሻፎ በትሪ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ክሃርሞ ርእየዮ… ደም ከም ዉሕጅ ወረደ፣ ጥብ ኢሉ ወደቐ። ካልኦት ሓፍ ክብሉ እንተ ደለዩ ብረት ብኹሉ መኣዝን ዓሚሮምሎም ደይቡ ኣብዚኣ ከይትረርፉ፣ በልዎም ገሊኦም ብበትሪ ገሊኦም እናሃረሙ ገሊኦም ከኣ ኣፍ ብረት ናብ ግንባሮም እናኣመልከቱ… ፌቨን እታ ካብ ንሊብያ ምሳኻ ክኸይድ ከይትሓድገኒ ኣብ ዚኰነ ይኹን ዚተላበወትኒ እያ ዝነበረት፣ ግናኸ ብጉልበታ ይኹን መልክዓ ምስቶም ዚተመርጹ ብምንባራ፣ ዋጭ ዋጭ ኮነ።እተን ኣዋልድ ክበኽያ ጀመራ፣ ንዚበኸየት ብመጽፋዕቲ ተሳሃልወን ተደጋግሚ ፌቨን ፡ሰሎሞን፡ሰሎሞን ተብል ነይራ፣ ከመይ ጌረ እሞ ክረድኣ ኣቤት ኢለ ካብታ ዝነበርክዋ ናብኣ ብምጥማተይ ጥራይ ክልተ በትሪ ተቀቢለ።

ኢደይን እግረይ ክሳዕ ዝድንዝዝ ኰይነ እየ። ብረቶም ናባና ገጾም ዓመሩ፣ ህደሙ ከይትጠፍኡ በሉና ሓደ ሰለስተ ዝኰኑ፣ ከይፈተና ከኣ ኣዚና ረሓቕና፣ ክርክር ኣብ መንጎ እቶም ዝተረፍናን ቀርሰንቲ ምድረበዳን ኮነ። ሓደ ሶማላውን ምስቲ ዝሃረምዎ ስለ ዝተሓሓዝ እንታይ እሞ ክብለካ፣ እንድዒ ተመን እኳ ከምኡ ጌርካ ኣይትቐትሎን፣ ከም ዓሪሽ ጸድሕዎ።ዝበልዎ ዝትግብሩ ሙኳኖም ዝገልጹ ናብ’ቲ ወዲቑ ዝተጸድሐ ፊት ንፊት ሓንቲ ጥይት ክትኩሱ ርኤና። ስንባደ ኮነ ከም ብተይ ገዓርና፣ ግና’ኸ ዝሰምዕ የልቦን፦ ባዕልና ዚመረጽናዮ ጒዕዞ ህይወት እዩ። ኵሎም ብኣፈ ብረት እናተሓለዉ ብበትሪ እና ተጨፍጨፉ ናብተን ዚነበራ መካይን መቃቂሎም ኣደየብዎም። ኣናረኣናዮም ከም ንፋስ እናተመርቀፉ ንምዕራብ ወገን ተወንጨፉ በለና። ስንባደ ወረሰኒ፣ ዚሓዙኒ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ከምዞም ሎሚ ጺኦምና ዚነበሩ ድዮም በልክዎ።

እወ ኩሎም ሸፋቱ ካብ መንግስታት ተሓቢኦም ዚንቀሳቀሱ ጀንዳታት እዮም። እዚኣቶም ብፍላይ ኣብ ምድረ ሰሓራ ሸፋቱ ብዘይዶብ እዮም። GPS ወይ ሱረያ እናተጠቕሙ፣ ምሉእ ብምሉእ ኣንፈቶም ኣይስሕቱን፣ ዝደለይዎ ሸቶ ድማ ይውቕዑ፣ ዓንተቦይ ተመልኪትክሞም እንተኴንኩም ክልተ ካብኣተን ሒዞም ነይሮም። ቤቲ ዘረብኡ ኩልፍ ኣቢላ፣ ስማዕ እስከ ናበይከ ወሲዶሞም ደሃዮም’ከ ቁሩብ ኣሎካ’ዶ እዚኦም ከም ዚኦም ዚኣመስሉ፣ ሸፋቱ ካብ ምዕራብ ዶባት እናሰናጠቑ ዝንቀሳቐሱ እዮም። ካብ በዓል ሃምካ በዓል ዳርፉር ንንየዉ ዘሎ ምዕራባዊ ወገናት፣ ይወስድዎም፣ ልክዕ ከም ባሮት ፣ ዕጣን(ሉባን) የእርይዎም በለ ብኽያት ካብ ኣዒንቱ ኣየቆረጸን። ንሕና’ውን ኩልና ኣሰኒናዮ እቲ ጽቡቕ ነገር ግን፣ ሳሕቲ ናብዚ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሙዃኖም እዩ። እዞም መጺኦምና ዝጸንሑ ግና ናይ ገንዘብ ድልየት ዘልዎም ጥራይ ኢዩ፣ በለ። ደሃዮም ዝኾነ ሓበሬታ የብለይን። በለሞ…

ዘረብኡ ከይወድአ… ወዲ ባጽዕ እስከ ገሌና ማይ ንምላእ እተን ዘልዋና ንብረት ማይ ዘይብልና ኢና ተርፈና፣ ናይዛ ዒላ ነገር ትፈልጥዎ ኢኹም በለና። ሓቅኻ በልናዮሞ እቶም ኣወዳት ማይ ክቀድሑ ከዱ ገለና ከኣ ንብረትና ኣብ ምምዕርራይ መግቢ ኣብ ምድላዉን ትጸመድና።መግብና ከይወዳእና፣ ክልተ መካይን ብብርቱዕ ፍጥነት ናባና ክመጻ ስለ ዝረኣና ሕጂ’ውን ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸት፣ ኣዚና ሰንበድና፣ እናቀረባና ብዝመጻ ግና፣ እተን ራሕሪሐናና ዚሃደማ፣ ሓለዋና ዚተባህላ መካይን ምዃን ምስ ኣረጋገጽና ቁሩብ ተረጋጋእና። ምስ መጽኣ ታዕታዕ ኮነ፣ ንሳቶም ደሓን ዲኹም በሉና፣ ንሕና ንኸምዚ ዲኹም ሓለዋ ኢና ዝበልኩምና፣ እናበልና ኣጒረምረማሎም። መወዳእታኡ፣ ብዛዕባና ዚዓጦም ከም ዘይኮኑ ስለ ዚተረድኣና ረሳዕናዮም። ንሕና ምስኦም ኣብ ንጨቓጨቐሉ ዚነበርና፣ እዋን ራእሱን ሰላምን ቤተልሔምን ግና፣ ካብታ ዝነበርዋ ከይተንስኡ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ጸንሑና።

ራእሱ ንሕና ምስ መጻእና በሉ ስምዑ፣ ዓዉ ኢለ ከንብብ፣ በብሓደ ከኣ ደስ ዝበለና ከነንብብ ስለ ዝዀና ተፈትዉዎ ክፍለ መጽሓፍ ቅዱስ እንተለኩም፣ ሓሲብኩም ጽንሑ በለና። ሕራይ በሉ ኩሎም፣ ብጀካ ኣነን ወዲ ባጽዕን፣ ራእሱ “… ከንብብ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ክሕልዉኻ፣… ኣነ ምሳኻ እየ” እትብል ጥቕሲ ኣመልኪቱ ኣምላኽ ምሳና እዩ። ዋላ’ኳ እንተ ጸበበና እቲ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ዘዉጽአ ኣምላኽ ከዉጽኣና ይኽእል እዩ። ሰባት እንተ ጠለሙና፣ ዘይጠልም ኣምላኽ ኣሎና።… “ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ፣ ብኣይ’ውን እመኑ” ይብል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ … እምበኣርከስ ነቲ ሓልዩ ብፍቃዱን ንኽሩን ዝፈጠረና ኣምላኽ ተስፋ ክንገብር ይግባእ። ሎሚ እንተ ጸበበና፣ ጽባሕ ክርህወና እዩ። ኣምላኽ ንጽቡቕና ክቕይሮ እዩ… እናበለ ንልቢ ዝረጋግእ ቃላት ጥቕስታት እናልዓለ ክዝረብ ጀመረ። “ኣነ ግና ቕጭ መጺኡኒ፣ ኣንታ በጃካ ግደፈና፣ ኣምላኽ ትብል ኣምላኽ እንተ ዚህሉ፣........

ዓሰርተ ሠለስተ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘረአ ገብረእግዚአብሔር

Comments are closed.