መረን -ዓስርተ ሓሙሽተ ክፋል

ረሲዐልካ ሽዑ ለይቲ ቅድሚ ምድቃሰይ፣ ንህልዉና ኣምላኽ ምጥርጣረይን፣ ምኽሓደይን፣ ምስቲ ግሩም ዚዀነ ራእሱ ዚሃበኒ ትምህርትን እናዛመድኩ፣ ፍጹም ተጠዓስኩ አረ መንፈሰይ ኣሎ እናበለኒ ስለምታይ ልበይ ዘትረርኩ፡ብመልሓሰይ’ውን ዝኸሓድኩ ስለምንታይ እየ በልኩ። እናነባዕኩ ሽዑ እቲ ለይቲ፣ “ኦ ኣምላኸ ይቕረበለለይ፣ ናባኻ ተመሊሰ ኣለኹ፣… ለምኒ ክትርእይዮ ኢኺ ኢሉኒ እዩ እሞ ኣነ ክርእየካ ደልየ ኣለኹ፣… ሕጂ ኣብዚ ምድረበዳ፣ ክተርፍ ኣይደልን… በቃ ብሰላም ጣልያን ኣእቲኻ ዋላ ኣርባዕተ ዓመት እንተጽኒሕካኒ፣ በቃ በዚ ርእየካ ኣለኹ በልክዎ። እተን ጽሎት እቲአን ብልቢን ብንብዓትን ተሰንየን ነበራ”። ሓጐስና ምሉእ ክገብራ፣ መካይን ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰዓት ዝኸዉን ደበኽ በላ። ብሓጐስ ተፈንጫሕና፣ ስለምንታ ተለዋዊጥና።

ድሕሪኡ ጸገም የለን ኣጆኹም ክንወስደኩም ኢና ኢሎምና፣ ምስቶም ጥዑያት ዝመስሉ፣ ሰብ ክልተ መካይን ተታሓሒዞም ከዱ’ሞ፣ ብሓደ ናይ በይኖም ዕጹዉ ጒባኤ ኣካየዱ። እዚ ናይ ክልቲኦም ጁባ ንምምልእ ዘካየዱ ኮይኑ፣ እቶም ዝረኸቡ ገለ ክፋል እቶም ዚርከቡ ከኣ ብዚተኻእሎም ኣታዊኦም ንምኽዕባት እዩ ዚነበረ። ንሕና’ውን ብወገንና ናይ ኩለን መካይን ተኣኪብና፣ ገንዘብና ሸፋቱ ወሲዶሞ እዮም የብልናን፣ ዘለዋና 150 እየን መወዳእታ እንተ ኣብዮሙና ናይ መወዳእታ ከክልተ ሚእቲ ዶላር እየን፣ እዚ ከማን ኣጋጣሚ፣ እቶም ብገለ ኣቢሎም ዘምለጡ እዮም ዚሽፍኑልና ዘልዉ ዚብል ዉሳኔ ኣጽደቕና። ሰብ መካይን ኣዕሪፎም ድሕሪ ምዉዓል ከባቢ 4፣30ድ.ቀ. ፀሓይ ኣብ ምዕራቡ፣ ኣከቡና’ሞ ብዘየማትእ መንገዲ ክንከፍል ነገሩና። ዉረዱልና እንተበልና ወይ ከኣ ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከም ዚበሃል’ከኣ ካብቶም ምሳና ተሰማሚዖም ዚነበሩ ሕራይ በልዎም፣ ከይፈትና ከፈልና። ግና ኣማታኢ ኮነ፣ እቶም ኣዉቲስቲ ውላ’ኳ የብሎምን ተባሂሉ ይነገሮም እምበር፣ እንተዘይከፊሎም ከም ዘይማልእዎም ኣቕበጹ። ነዋጽኣሎም ዚብል ሓሳብ ምስ ተላዕለ እሞ ፈጺምና ኣይነዋጽእን፣ ነዚኦም ደም ሰብ ረሃጽ ሰብ ጠሊሞምና ዝመጹ… እንታይ መጺኡና ብምባል ብዘይካ ሓደ ክልተ ኩሉ ኣቕበጸ።

ኣብ ከምዚ ህሞት ከለና ብደቡባዊ ምብራቕ ሓደ ንሰማይ ዚኸድን፣ ከም ከቢድ ማይ ዚሓዘ ደመና፣ ዝመስል ጽልም ዝበለ፣ ብብርቱዕ ሓይሊ ናባና ገጹ ዚመጽእ ካምሲን ምድረበዳ ረኣና። ኩልና ዘይተጸበናዮ ብምንባሩ ፍርሂ ኣሕደረልና፣ ኩሉ ሰብ ንብረቱ ብግብእ ክሕዝ ተራዳእና ከመይ ክኸዉን’ዩ እናበልና ተጸበናዮ። ቅድሚ ሕጂ ካምሲን ዚረኣና፣ ብዙሕ ከይተሻቐልና፣ ከምኡ ዓይነት ዘይረኣየ ግና ራዕዲ ኣተዎም። ቤተልሔም ግና ሓልፋ ኲልና ፍርሃት ወረሳ እዚ ንፋስ እዚ እኳ እዩ፣ ንብዙሓት ኣብ ምድረበዳ ዘጥፍእ እናበለት  ክትነብዕ ጀመረት፣ ግዜ ኣይሃበናን ደበኽ በለ፣ ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ ብዝዀነ፣ ፍጥነት ሓነነ፣ ልክዕ ኣብ ልዕሌና ሓመድ ከፍስሰልና ጀመረ፣ ተሰኪምና ክኸይድ ዚመጸ ክመስል፣ ሓይሉ እናዛየደ መጸ እቶም ኣወዳት ነዚ ምስ ረኣዩ ተጸንበሩና።

ብሓደ ኩልና ክንከውን ንብረት ኣብ ማእከል ኣንበርናዮ፣ ተኸዲንና ኮፍ ክንብል ፈተንና፣ ደሮና ምስ ትንፋስ ስለ ዚኸልኣና ከይፈተና ሓፍ በልና፣ ሓፍ እንተበልና ከኣ ክኽብክበና ጀመረ። ወዲ ከረን ክንተሓሓዝ እንተዘይሕብረና ብርግጽ ፋሕ ብትን ምበልና፣ ገለ ካብ ቦርሳትትና ከም ኲዕሶ ክንከባለል ብዓይነይ ርእየዮ እየ። ካብ ኩሉ  ክነስተንፍስ ዘይምኽኣልና እዩ። እናበርትዐን ግዜ እናወሰደን ብዝኸደ፣ መሬት ጸልመተ፣ ፍጹም ዋግዋጎ ኮነ። ካባይ ጀሚርካ ኵልና እተን ኣዋልድ፣ ክንበኪ ጀመርና። ቤቲ ኦ ኣምላኽ ርድኣና፣ እናበለት ጸጸኒሓ ትጽሊ ነበረት። ንሳ ጥራይ ዘይኮነ’ውን ዳርጋ ኩሉ ኣምላኹ ዘይጸዉዐ ኣይነበረን፣ ኣነ’ውን ብግደይ ኦ ኣምላክ ካብዚ መዓት ኣዉጺእካ ብሰላም እንተ ኣእቲኻኒ ምሳይ ከም ዘለኻ ክፈልጥ’የ በቃ ትማሊ… ዚበልኩኻ ዘክር በቃ ኣይጠዓስን’የ ኣብቲ ዚሓሰብክዎ ብሰላም ን 4 ተ ዓመት ዚኸውን ጥራይ ኣንብረኒ በልኩ።

ድሕሪናይ ከባቢ 45 ደቓይቕ እታ ጸልሚታ ዝነበረት መሬት ክትበርህ ጀመረት፣ በብቑሩብ ሓይልን ፍጥነትን ንፋስ እናነከየ መጸ። ገለ ይስዕል ገለ ህንጥሾ ክብል  ተዓዘብኩ ቦርሳታትናን ንሕናን ዳርጋ ብሓመድ ተቀቢርና ኢና፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዳርጋ ንኽተለልዮ የሸግር ነበረ። ንፋስ ምስ ፈኾሰ፣ ድሮ መስዩ’ኳ ይንበር እምበር፣ ማይ ካብታ ዔላ ብምምጻእ ገጽናን ርእስናን ብምሕጻብ ሓመድና ጸረግና። ሜሮን ግና ፈጺሙ ከበዶ፣ ምስትንፋስ ብፍጹም ስኣነ። ኣብ ገለ ገለ ዳርጋ እስትንፋሱ ደዉ ይብል፣ ጸኒሑ ዓቕሉ ጸቢብዎ ይገላበጥ፣ ስለ ዚበርትዖ ንዕኡ ክንሕሉ፣ ፍርቂ ለይቲ መስ ኮነ ቁሩብ ስለ ዚሓሾ  ኩልና ደቀስና።

ንጽባሒቱ መሬት ብርህ ክብል ከሎ፣ ተበገሱ በሉና’ሞ ቀልጢፍና ካብ ዘለዋና ቆረስና፣ ተበገስ ኮነ፣ ኲልና ብዘይካ እቶም ዘይከፈሉ ተሰቀልና መካይን ተበገሳ… ተማልእዎም እንተተባህሉ ፣ እንተዘይከፈሉ ፍጹም ኣይንማልኦምን ኢና ኢሎም ኣቕበጹ። ወዮ ብሰብ ዝጻወቱ ዚነበሩ ኢዶም ዚረኸበቶም ዓለም ጸበበቶም በጃኹም ሓግዙና ኣብዚ ኣይትሕደጉና፣ ዋላ ኣለቑሑና ምስ ኣተና ንህበኩም እናበሉ ክለማለሙ ጀመሩ። መቸም ንመን ንሕደጎም ፍርቂ ዋጋ ከፊልና፣ ፍርቂ ከኣ ክሓድጒሎም ተረዳዲእና ንቕሎ ኮነ።

ዲ.ዘረአ ገብረ እግዚአብሔር

ዓስርተ ሽዱሽተ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ይቅጽል

Comments are closed.