መረን-ዓስራይ ክፋል

ንሱ ሃዲሙ ካብቲ ከባቢ ተሓብአ። ደቂ ጋንትኡ፣ በብሓደ ኣጸናንዑኒ፣ መራሕ ጋንታኡ፣ መራሕ ሓይሉ ንኩነታት ስለ ዚሰምዑ መጺኦም፣ መንእሰይ ምኳነይን፣ ገና ብሩህ ተስፋ ከም ዘለኒ፣ ማዕዳ ለገሱለይ። ነተን ደቂ ኣንስትዮ መስ በዓል ንጉሠ ኣዘናግዕዋ ኢሎም ሓዲጎምና ከዱ። እተን ኣዋልድ ኣብ ህይወት ንቡር ምዃኑ፣ ገሊአን ተመሳሳሊ ህሞት ከም ዝገጠመን ኣዕለላኒ፣ እቲ ዘድሊ ግና ብትዕግሥቲ ህይወትካ ክትመርሕ ምኽኣል ምዃኑ እንዳ በለ ኣጻናንዓኒ። በብቅሩብ፣ ናብ ልቦናይ ይምለስ፣ ሓንሳእ ይነብዕ እሞ ቃላቱ፣ ምሕላኡ፣ እቲ ንስድራይ ምስኡ እንተዘይኮይኑ ኢለ ዘእመንክዎም፣ እዚ ኩሉ ኮለል ኢለ መጺአ እንታይ ኢለ’ኸ ሕጂ ክምልሰሎም። እየ… እናሓንሳእ  “ኣይበልናን’ዶ”… “ጢል ጢል እናበልኪ’ዶ ኣይከድክዮን ንዒ ከመይ ዝኣመሰሉ ኣለዉ እናበልናኪ” ክብሉ ተራእየኒ… ብኽያት ደረት ኣልቦ ይነብዕ። ኣብ ከምዚ ህሞት ንገዛይ ክምለስ ነቀልኩ፣ እቶም ኣዕሩኽቱ ግና፣ ሕጂ በይንኺ ኣይትኸዲን ኢኺ ኢሎም ሓዙኒ፣ ምስ መራሕ ጋንታኡ ተራዳዲኦም’ከኣ ኣነ ብዘይፈልጦ ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ንዕረፍቲ ከም እትኸይድ ኣምሲሎም ምስኣ ጽባሕ ትኸዲ በሉኒ።

ዋላ’ኳ ብዝተኻእለኒ ፈንጢሰዮም ክኸይድ ይሓልን እምበር ዕድል ኣይረኸብኩን። ኣብ መወዳእታ ከይፈተኹ ተማእዘዝኩ።እታ ኣጋ ምሸት እቲኣን እታ ለይቲ እቲኣን፣ ኣብ ግዚአን፣ ንዓይ ሲዖል ዝወረድኩ ኮይነን ይስመዓኒ ነበራ። ኩሉ ዘሕለፍናዩ እናዘከርኩ፣ ክቅንዞ ሓደርኩ። ይገማጠል፣ ብሓሳብ ይሕንብስ ንስድራይ እንታይ ክብል’የ፣ መጻኢየይ’ከ እንታይ’ዩ ክኸዉን ወረይ’ከ እንታይ’ዩ ኽኸዉን፣ እዋይ መጥፋእ ይሕሸኒ፣ ክብል ሓደርኩ።ኲሎም ኣብታ ክፍሊ ምሳይ ዚነበሩ ዚነበራን ኣነ’ውን ከይተረፍኩ ግና፣ በብሓደ ደቀስና ህልም ዚበለ ጸቕጢ ብምንባሩ ኲሎም ኣብ መዓሙቕ ድቃስ ተዋሕጡ፣ ኣነ ግና ኣይጸናሕኩን፣ ድሕሪ 3 ሰዓት ኣቢለ ተረራበርኩ። ምስ ተበራበርኩ ኣበይ ከም ዘለኹ ፈለጥኩሞ። ምትካዘይ ጀመርኩ፣ ከዉርድ ከደይብ ምስ ጸናሕኩ፣ ክሸይን ንግዳም ወጻእኩ። እታ ኣሃዱ ሰፊራትሉ ዝነበረት፣ መዓስከር ካብ ዓሰብ ናይ ዉሑድ ኪሎ ሜተራት ብምዕራብ እታ ከተማ ብምንባሩ፣ ሓደ ነገር ሃንደበት ኣብ ሓሳበይ ተሰቖረኒ። ካብ ኣስመራ እትዉ ምስ በልኩ፣ በዓል ወዲ ንጉሠ ንኢትዮጵያ ናይ ዉሑድ ሰዓታት ጒዕዞ ሙዃኑ ከዕልሉ ስለ ዚሰማዕኩ፣ በቃ ሕጂ በዚኣ ጌርኪ ጥፍኢ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝመጸኒ፥ ብዘለኩዎ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልኩ ጒዕዞ ተተሓሒዝኩዎ።

ከባቢ 5፣00 ናይ ንጉሆ ብምንባሩ፣ ኣዚየ ይቅልጠፍ ነበርኩ፣ ጐኒ ጐኒ ጽርግያ ዓሰብ-ኣዲስ ኣበባ ፍንትት ኢለ ይኸይድ ነበርኩ ሓብትኻ በይነይ ኣዚየ ፈራሕ እየ።ሽዕኡ ግን፣ እንድዒ ካበይ ዚመጸ ትብዓት እዩ እንድዒ፣ በቃ ብሓሳብ ተዋሒጠ ንምዕራብ ተወንጨፍኩ ጒዕዞ ከም ዚገመትኩዎ ኣይነበረን። ንዓይ ከባቢ 35 ኪ.ሜ. ይኸዉን ንዶብ ኢለ ሓሲበ ነበርኩ። ጒዕዞ እናቀጸለ፣ ገና ብንጉሁኡ፣ ክርህጽ ጀመርኩ። ናይ እግሪ ጒዕዞ ዝዀነ ይኹን ተመክሮ ኣይነበረንን። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣእጋረይ መረርአን ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓለን። ምስቲ ከቢድ ንጉዕዞ ዘይምችእ ሳእነይ ተደሚሩ፣ ኩሉ ከብዲ እግራይ ማይ ሚዓጔ ስነይ ነኺሰ ጒዕዞይ ቀጸልኩ። ጸሓይ ብግደኣ ንጐልጐል ዓሰብ፣ ሙቐተይ ኣይሓብኣሉን ሓሉፉ ይግብኦ እዩ፣ ዚበለት ክትመስል፣ ሕቆይ ክትልብልበኒ ጀመረት።መሬት እናረፈደ ብዚኸደ ሙቐት ብኸመኣኡ መልክዕ ክዛይድ። ሃይለ፦ እቶም ኣሃዱ በዓል ኣሮን’ከ ኣየርከቡኽን! ኣዜብ፦

…እ….እ ደሓር ከም ዘዕለሉኒ እንተደኣ ኮይኑ ከም ዘየለኹ ዚፈልጡ፣ እተን ምስአን ደቂሰ ዝነበርኩ ኣዋልድ ደንጒየን ስለ ዝተበራበራ ካብአን ሓበሬታ ከባቢ ሰዓት 6፣30 ኣቢሎም እዮም አኺቦም። ድሕሪኡ ገለ ሰብ ናብ ዓሰብ ሊኢኾም ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ህይወታ ከይተጥፍእ ኢሎም ኮለል ኢሎም እዮም፣ ንኢትዮጵያ ትእንፍት ዚብል ግና ሓደ ኣይነበረን። ሬድዮ ግና ናብ ከባቢ’ዶብ ንዝነበሩ ሕቢሮም ይዀኑ እዮም ዚብል ጥርጣረ እሎኒ። ሃይለ፦ ደሓር’ከ ቀጽሊ በሊ ኮሊፈኪዶ! ወይ ከተዕርፊ ምናልባት፣ ሕሉፍ እናተዘከረኪ ደግሲ ከይኮነኪ፣ ኣዜብ፦ ላ…ላእ.. ኣይኮነን፣ ኣብለካ፣ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ሰዓት ጒዕዞ፣ ጥሜቱን ጽምኡን ድኻሙን፣ ምስ ናይ እግረይ ቓንዛ ተወሲኹ፣ በብቅሩብ ፍጹም ሃለፍታ ክስመዓኒ ጀመረ፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ርሑቕ፣ ከም ኲጀት መሰል ብርኽ ዚበለ ቦታ ረኣኹ’ሞ፣ ኣዚየ ተኻኢለ ሰለይ እናበልኩ… ናብኡ ኣምራሕኩ እናቀረብክዎም ብዝመጽእኩ ገለ ዳስ መስልን ገዛዉትን፣ ዚንቀሳቀሱ ሰባትን ረኣኹ። ቅርብ ምስ በልኩ፣ ግና ብዝሰማዕክዎን ብዝርኣኽዎን ነገር ልዕሊ ትጽቢተይ ስለ ዝነበረ፣ ብርከይ ወለል በለኒ ልበይ ስቱኽ ስለ ዚብለኒ ከኣ መልሓሰይ ምስ ስምባድን ድኻምን ተደራሪብዎ፣ ልኽት በለት።

እ…እ… ጥራይ ዝብል ጽምጺ ኣዉጻእኩ፣ ነቲ፣ “ድዉ በሊ ምሳኺ እንድየ ንዒ ናብዚ ዝብል ዚነበረ ድምጺ”። መን ኢኺ ዚብል ድምጺ እናደጋገመ ምስ ካልኣዩ፣ ካብታ ከይረኣኽዎ ናቲ ገዛዉቲ ገጸይ ክሓልፍ ዚሓስብ ፍርስራስ መሰል እንዳ ዋርድያ ጽግዕ ብሉኒ። መልሲ ካበይ ይምጻእ፣ መሬት ዚጠለመትኒ ኮይኑ ተሰምዓኒ፣ ኣብ ዘለኹዎ ሩኽምሽ በልኩ፣ ሕንቕንቕ በልኩ፣ እንታይ ኢለ’ኸ ክምልስ፣ እዋይ ሞት ጥዑም። ኩነታተይ ምስ ርኣዩ ዝተማረረት መንእሰይ ሙዃነይ ስለ ዝፈለጡ፣ ብክልተ መንኩበይ ሒዞም ፣ ብርህራሀ ኣጆኺ ደሓን፣ ሓንቲ ኣይንገብረክን ኢና፣ …ደጊፎም እናኣጸናንዑኒ ሓደ ነቲ ሓደ ሒዝካያ ናብ ወዲ ጉርጃ (መራሕ መስርዕ) ኣብጽሓያ በልዎ። ቀልጢፎም ናብ ሕክምና ሓይሊ ይዉሰድዋ በሎ እናሰማዕክዎ ብብኽያት ነብሰይ ስለ ተሓጽበ። ብዙሓት ኲነታተይ ሰለ ዚሰምዑ ተኣከቡ። ኣነ ግና ኣስቲንፋስ ክሳዕ ዚሓጽረኒ ንኽንኽ ኢል ይበኪ ነበርኩ። ኩሎም ተገረሙ ብሙሉኦም፣ በብዝከኣሎም ኣጆኺ፣ ሓንቲ ኣይንገብረክን ኢና በሉኒ፣ ብፍላይ፣ ብፍላይ እቲ መራሕ ሓይሊ ኣዚዩ ደንግጸ እሞ ደሓን ግደፍዋ ዚስተ ኣምጽኡላ። ነቲ ሓኪም ዘድለ፣ ቀዳማይ ረዲኤት ግበረላ በሎ።

ኦ.ኣር. ኤስ ብማይ በጽቢጾም ሃቡኒ፣ ብየናይ እሞ ይዉረድ፣ ሰናይት እትበሃል ኣባል እሞ፣ ኣዚየ ስለ ዘደንገጽክዋ ግዲ ኮይነ፣ ብፍላይ ካብተን ኦ.ር.ኤስ. ምስ ሰተኹ፣ ቀጥታ ብተምላስ ስለ ዝተሓለብኩ፣ ምሳይ ክትነብዕ ጀመረት። እቲ ሓኪም እቲ ንስኺ’ኸ ክንዲ ኲነታት ትፈልጥስ ያላ ዉጺ በላ ሓዲጋትኒ… ኣጆኺ ሕራይ ሓንቲ ኣይትኾኒን ኢኺ ኢላ ሓዲጋትኒ ወጸት። እቲ ሓኪም ጥበበኛ እዩ፣ ቀሰይ እናበለ፣ ነቲ ናይ እግረይ ቁስሊ እናሓጸበ፣ ከምኡ ኣይትኹኒ፣ ሕማቅ ከም ዚገበርናክስ ተሻቅልና፣ ካብ ኲሉ እዛ መንእሰይ እናደንገጸትልክስ ቅሩብ ሞራል ኣይትገብርን፣ በለኒሞ ከዕልለኒ ጀመረ። ኣነ’ውን በብቁሩብ… ክሃድእ ጀመርኩ። መን ምዃነይ ስለ ዚሓተተኒ ነገርክዎ። ኣብ መወዳእታ ስለምንታይ ንስግረ ዶብ ክትከዲ ሓሲብኪ… በለኒ። ኣነ ኸኣ… ንኹሉ ዝርዚረ ገለጽኩሉ ግናኸ ኣይኣመነንን። ኵሉ ንሓለፍቱ ኣመልከተ። ኣብኡ ብጽቡቕ ሒዞሙኒ ወዓሉ ንጽባሒቱ፣ ኩነታተይ ክጽናዕ ማለት ሃሱስ ከይከዉን ወይ ካልእ፣ በምኪና ናብ ዓሰብ መለሱኒ። ካብኡ ከኣ ንገልዓሎ፣ ወሰዱኒ። እዚ ኩሉ ንዓሰብ ክምለስ ከለኹ ግና ነግራት ስለ ዝተደራረቡኒ፣ ነፍሰይ ዘጥፋኣሉ መገዲ ጥራይ እየ ዘናዲ ዝነበርኩ፣ ግናኸ ኣይኮነለይን።

ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ ይገርመኒ እዩ፣ ኩሉ ዚገበርክዎ ባዕለይ እየ። እቲ ዚኸፍአ ግና፣ ዝወስዶም ስጕምትታት ከይሓሰብኩን ከየመዛዘንኩን፣ ሳዕቤኖም ከይተረዳእኩን ይገብሮም ምንባረይ እዩ። ክገርመካ መብዛሕትኦም ኣብ ሕይወትና እንገሮም ምርጫታት፣ ብስጉምቲ ዓሻ ደኣ እምበር፣ ብምስትዉዓል ዝዉሰዱ ኣይኮኑን፣ ይኹን እምበር ካብቲ “በልዒ ብልዒ ወጸ” ከም ዚብል እቲ ብሓይሉ ዝተፈልጠ ስምሶን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ካብዞም በላዕቲ ኪዀኑ ዉሳኔታትን ስጉምትታትን፣ እግዚኣብሔር፣ ንጽቡቕና ዝልዉጦም ሙዃኑ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ንነገራት ብኸመይ ክገጥሞም ከም’ዘለኒ ከይሓሰብኩ እየ፣ ድቦላዊ ስጉምቲ ዝወስድ። ከም ሳዕቤኑ ኣብ ብዙሕ ምዎጥር ኣትየ ነይረ።… ኣየ መድረኽ ሕይወት። እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ መንእሰይ እዩ፡ ኩሉ ነገር ብስምዒት ስለ ዝፍጽሞ፡ እቶም ንሓደ ነገር ቅድሚ ምፍጻሞም ክልተ ግዜ ዝሓስብሉ መንእሰያት እቶም ዕዉታት እዮም። ኣብ’ታ ባዕለይ ዝኰዓትክዋ ጉድጓድ፣ ወደቕኩ። ኣብ ዓሰብ ኩነታተይ ክሳዕ ዝጽናዕ ጸናሕኩ፣ ግናኸ መግቢ ይኹን፣ ፈሳሲ፣ ምዉሳድ ኣበኹ። በቃ ሸዉሃተይ ተዓጽወ፣ ክልተ መርድእ ኮይኑኒ።

ዚከፍአ ብዛዕባ ስድራይ እንታይ ክብሉ እዮም፣ እናበልኩ ይጭነቕ፣ ካብ ፍኹስ ዚበለ ቤት ማእሰርቲ ዓሰብ ብምንባርና ብዙሓት ገበነኛትት ከምዚ ከማይ ደኣ ይንበሩ’ምበር፣ ኣነ ካብኦም ፍልይ ዚበለ ናህርን ኣካይዳን ነበረኒ። ኣብ ሓደ ኮፍ ምስ በልኩ ይዕነድ፣ ብሓሳብ ይገይሽ። ሓደ ሓደ ግዜ ዓሕ… ዝብል ናይ ምረት ድምጺ ከይተረፈ ይወጽኣኒ ብምንባሩ እተን መተኣስርተይ ከይጽልኣኒ ይፈርሃኒ ነበራ። ብሰንኪ እቲ ዘርእዮ ዝነበርኩ ጠባይ ወረ ናብ ኩለን እሱራት በጽሐ። እዋይ ዓሻ ኢኺ፣ ባራ ዘይትብልዮ ወይስ ጠኒስኪ ኴንኪ ኢኺ “እዋይ ፋልማያ ኮይንዋ እዩ።” … እንዳ በላ መርዘን ርእሲ ኮናኒ። ኣነ ብወገነይ ዝረብአን ቅጭ ስለ ዘምጽኣለይ፣ ምስኡ፣ ዝዀነ ይኹን ርክብ ሥጋ ከም ዘይነበረኒ፣ ገለጽኩለን። ስለ’ታ ኮስኪሳ ዘዕበየትኒ ኣደይ “ክሳዕ’ታ ንጽሕቲ ዓራት ኣሚን” ዚረክብ’ሲ፣ ቅድሚ መርዓ ዚኾነ ነዉሪ… ንኸይገብር፣ ብዘይሕከኽ ቀለመ ወርቅ፣ ኣብ ጽላት ልበይ ስለ ዚወቀጠትለይ፣ ብኸምዚ ትሓምያንስ ንጽሕቲ እየ በልክወን። ብንጽህናኺኺ ከይተላገጸልኪ፣ ካብኡ ብምፍላይኪ፣ ዕድለኛ ኢኺ ስለዚ ብዙሕ ኣይትጨነቒ በለኒ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን፣ ዳርጋ ኣብ ጸጽባሕ ብዝዝይድ፣ ጭንቀት እተ ሓሊፈየን፣ ካብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቀጽሪ እናሃሎና፣ ነገር’ዉድእ በለኒ፣ ቅንያቱ በይነይ ክዛረብ ቀንየ እየ። እዋይ ሓብተይ ትጢዒ’ዶ ኣለኺ፣ ተጸሊላ… ዝብል ዕላል ቀትሪ ኣብ ኲሉ ይናፈስ ነበረ። ኣነ’ውን እዚ ነገር እዚ ክቆጻጸሮ ይፈትን እንበር፣ ኣቅቢጹኒ እዩ። ብጾተይ ቀጽሪ እናጽረያ፣ ኣነ ግና ብማዕዶአን ኮፍ ኢለ፣ ብማዕበል ሓሳብ እናተገማጠልኩ፣ ይህተፍትፍ ነበርኩ። ሃንደበት ሓንቲ “ፒክ-ኣፕ” ዚዓይነታ ላንድክሩዘር፣ ናብ ዉሽጢ ቀጽሪ ክትኣቱ ናባና ገጻ ክትመጽእ ብዝረኣኹ፣ ኣይተረድኣኒን ምዓስ ሓሲበዮ፣ ከመይ ኢለ ኣይፈልጥን፣ ብብርቱዕ ጒያ ብዘለኒ ነታ መኪና ኣተኲዋ።… እቲ ኣዉቲስታ፣ እንዲዒ ይገርመካ እዩ፣ ከመይ ዚኣመሰለ፣ ትኩር እዩ ፡ ብፍጥነት ካብ ኣበጋግሳይ ዝገመተኒ ክመስል ፍሬኖ ሓዘ ኣንፈት መኪና ብዘለዋ ፍጥነት ጠወየ። ኣነ ምስኡ ንሱ መሳይ ከም ህልኸኛታት ተቀዳደምና፣ መኪና ኣእጋራ ከይተንቀሳቀሰ፣ ብዝቀደመ ፍጥነታ ጥራይ ሕጺጽ እናበለት፣ ኣንፈታ’ውን እናቀየረት መጸትኒ’ሞ፣ ብጐኒ መኪና ጥራይ ንእሽቶ ሃሪማ ኣዉደቐትኒ።

እተን ደቀንስትዮ ኡይ ኢለን ድርጒሖኦ፣ ኣዉቲስታ ርእሱ እናሓዘ ወረደ። ኣነ ኣብ እግሪ ጎማ ወዲቐ ነበርኩ፣ ኣዉቲስታ ደሓን’ዲያ ደሓን’ዲያ። ክብል እቶም ካልኦት ስሒቦም ከተስኡኒ ሓደ ሓላፊ  ካብኣ ወረደ… እንታይ ዝኾነት እያ ደሓንድያ’ኸ እናበለ ንሱ’ውን ኣስደመሞ ኲነት እናገለጸ፣ ወረደ። ሓንቲ ከምዘይኮንኩ ምስ ፈለጠ፣ ግና ምስ ኣዉቲስታኡ፣ ስለምንታይ ኢኺ እዚ ዝገበርክና፣ ሕጂ ብገዛእ ድልየትኪ ጠፊእኪ ኔርኪ። ንዓና ኸኣ ብዘይወዓልናዮ… ከተወንጅልና ሓሲብኪ፣ ብፍላይ ኣዉቲስታ ነደረ። እንታይ ኢዩ ጸገምኪ እንታይ’ከ ደሊኺ ናብ መኪና ጐየኺ፣ ምስ በለኒ… ኣጋጣሚ ይገርመካ እዩ፣ ናይ ብሓቂ እየ ዝብለካ… ሓንቲ ዚመልአት ናይ ኮካ ሞባይል “ጐማ” ረኣኹ’ሞ፣ “ኮካ ደልየ” ኮካ ኣስቲዩና… ኮካ ንምንታይ ዘይተስትዩና… በልክዎም ።ንኣዉቲስታን ሓላፊኡን…” እንታይ እሞ ክብለካ እየ፣ ኩሎም ብሰሓቕ ክሞቱ ደለዩ፣ ሓደ ሰብ ነቲ ሓላፊ ከምኡ’ውን ነቲ ኣዉቲስታ ፍልይ ኣቢሉ ተዛረቦም፣… ርእሶም ብምንቅናቅ፣ ንቃሉ ከም ዚተቀበሉ ኣመልኪቱ። ናባና ምልስ ምስ በሉ ከኣ፣ እቲ ሓላፊ፣ ኩነታተይ ዘደንገጾ ክመስል፣ ኣጆኺ ደሓን፣ ከምዚ ኣይትኹኒ።

ንስኺ ትመስል መንእሰይ ገና ብሩህ መጻኢ እዩ ዚጽበያ፣ ኩሉ ነገር ዘይሓልፍ የለን። ሪኢኺ ይጽልምት ይበርህ ከኣ፣ ሕጂ ደሓን ኮካ ከምጽኣልኪ እየ በለኒ ፍሽኽ እናበለ። ደግማይ ስሓቕ ኮነ፣ ኣነ’ውን ብተግባራተይ እናሓፈርኩ ሰሓቕኩ፣ ርኢኻ ሃይለ፣ ኣምላኽ ንዓይ፣ ካብ ሞት’ዩ መሊሱኒ፣ ካብ ጥፍኣት’ዩ መንጢሉ ኣዉጺኡኒ። እንታይ’ሞ ካብ ቅድም ክስዕቦ ኔሩኒ፣ ንዉዕለቱ ብዙሕ ዕዳ ኣሎኒ። ሓቁ’ዩ ዘማሪ ዳዊት፣ “ስለ’ቲ ዝገበረለይ ኩሉስ ንእግዚኣብሔር እንታይ ዉሬታ ክመልሰሉ እየ” ዚበለ። ሃይለ፡ ብኡነት ሓቕኺ እግዚአብሔር ንዓና ዝገበሮ ቊጽሪ የብሉን፡ ኤረ ንስኽስ እኳ ንውዕለቱ ትምስክሪ ኣሎኺ።ከምኡ ውን ብዝሓለፈልኪ ግዜ ኣይረሳዕክዮን፡ ምድረበታ ኣሳጊሩ፡ ኣብ ባሕሪ ሓንግሩ ኣሳጊሩና፡ ነዚ ውዕለቱ ክንዲ ንኸፈል፡ ኣብ መሬት ምስ ረገጽና ግና በሊዕና ምስ ጸገብና፡ ሰቲና ምስ ረወና ግና እነና እንዶ ከም ኣድጊ።

ዓስርተ ሓደ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘረአ ገብረ

Comments are closed.