መረን-ዓሰርተ ኣርባዕተ ክፋል

//.. መረን-ዓሰርተ ኣርባዕተ ክፋል ብጽሑፍን ብድምጽን......//

ናይታ ኣርክቲክተርን እትበሃል ክንዲ ኣዳጒራ ዚኣክል ሓንጐል ዘልዋ፣ ብዘይ ብሶላ እናተንቀሳቀሰት 22,000 ማይል እትጓዓዝ፣ ዑፍ’ውን ክብጻሕ ኣይተኻእለን። ከመይ ጌሩ ብዘይ ገለ ጌጋ፣ ናብ ቦትኣ ትበጽሕ…? ብዛዕባ ተፈጥሮስ’ከ ንምጻእ፦ እዚ ኩሉ ህይወታዉያን ካብ ሓደ ዘይህይወታዊ መጺኡ’ዶ ንበል፦ ከምኡ እንተዝኸዉን እሞ ናይ ኩሎም ጀነቲክ ኮድ (Genetic Code) እቲ ዚደቀቀ ወሎዳዊ ዘርእን ምምስሳልን ዘሕለፈ ባእታ ክመሳሰል ምተገብኦ፣ ሳይንቲስት ግና ዝኰነ ምቕርራባት ከም ዘየለ እዮም ዚገልጹ ዘለዉ። እቲ ቀደም ንዲቖሞ ዝነበሩ፣ ሰብ ካብ ወዓግ መሰል… ወይ ኣንጭዋ መሰል… እዩ ዚመጸ ዝብል ሕሳብሞ ሓሳብ ዳርዊን እኳ ብናይ ዘመንና Evolutionists ተቀባልነት ስኢኑ፣ ምጒሓፍ እዩ፣ እናበሉ እዮም።

ቤተልሔምን ሰላምን ኣዚየን ተደሰታ፣ መልሲ! ንዓና ኣፉና ኣፍና እያ ትምልሰልና በላ፡ ራእሱ ሓወይ ንስኻ ስለ ብባዮሎጂ ዚተመረቕካ ብዓቢኡ ድማ ብዙሕ ኣፍልጦ ካብኣ ዚዓቢ ስለ ዘለካ ናይግድን ሎሚ ሓዲኡ ከተፍልጥ ኣለዋ፣ በለቶ፦ ሜሮን፣ ተስፋይ ወዲ ጅምዕ፦ ኣንታ ራእሱ ቀጽል እስከ ማዕረ ክንድዚ መልሲ ከሎ ኢና፣ ከምዚ ዝብሉ ከጋጥሙና… ስቕ ንብል በልዎ። ኣነ ብወገነይ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ኣዚዩ እሙን ጭቡጥን ነገራት ጌይሩ’ኳ እንተኣረድኣኒ ናይ ተሰዓርነት ምልክት ኣየርኣኹን፣ ገለ ፍርሃት ይስምዓኒ ግና ትርር ኢለ፣ “ግደፈና እንዶ፣ ሰብ ከም ዘለዎ ተፈጢሩ ዲኻ ክትብለኒ ደሊኻ… በልክዎ…” ወዲ ጅምዕ ነይሩ፣ እዋእ ስምዒ’ስከ እንታይ ደኣ ክትብሊ ደሊኺ፣ ቁሩብ እባ ሕፈሪ በለኒ። ግደፈና እንዶ መልሲ ኣንተለዎ ኣነ’ውን ይሓቶ ኣለኹ ይመልስ በልክዎም። ራእሱ ደሓን ጸገም የለን፦ ከም ኣሕዋት እንዲና ነዕልል ዘለና ደሓን ንሕቶኺ ክምልሰልኪ እየ፣ ብሰፊሑ፣ ግና ሓደ ሓደ ግዜ ንሕቶ ብሕቶ ክትምልሶ ከለኻ ዝያዳ ይንጽር ስለ ዝዀነ፣ ኣነ ብሕቶ ክምልሰልኪ፣ እየ።

እንተደኣ ብዘገምታዊ ለዉጢ ካብ ዚነኣሰ ምስ ግዜን ብዕጫ (ሃንደበታዊ ለዉጢ)ን፣ ኵሉ ሕይወታዉያን ናብዚ ዘለዉዎ በጺሖምን በጺሕናን ኴንና፣ ስለምንታይ ጭብጣዊ ዚኾነ ፎሲል (ጥንጠ ተረፍ) ናይቶም ዚነበሩ፣ ክሳዕ ሕጂ ዘይተረኽበ፣ ብሓሳብን ሕልምን ኣብ ዚተሳእለ፣ ኣሳእል ተመርኪስካ ጥራይ ዉሳኔታት ዚወሃብ፣ ካልኣይ ደርሆ ድያ ቅድም ነይራ ወይስ እንቛቅሖ ክትምልስለይ ይደሊ ኣለኹ። ስቕታ ኮነ! ኣዜብ ሓብተይ ንዓኪ እጽበ ኣለኹ፣ በለኒ ራእሱ፣ “እንቛቁሖ’ዶ ናብ ደርሆ” እናተቀየረት መጺኣ፣ ወይስ ደርሆ ቅድም ነይራ፣ እንቛቁሖ “ደሓር መጺኣ” መልስለይ በለኒ። ዘይተጸበኽዎ ዱቦላ ወደቐኒ፣ እንቛቅሖ ብለዉጢ ክትመጽእ ኣይትኽእልን እያ። ደርሆ ከኣ ብዘይ እንቛቁሖ ኣይትኸዉንን፦ እንዲዒ በልክዎ። በሊ ነዚ ሕቶ እዞም ተፈላሰፍቲ እኳ ክምልስዎ ኣይከኣሉን።

ሓጺር መልሲ ክነግረኪ፣ እግዚአብሔር እዩ ዚፈጠራ። ካልኣይ ክሓተኪ መኪና ዘዋሪ ኣለዋ ትዘዉር፡ ነፋሪት ዘዋሪ ኣለዋ በሪራ ናብ ደስ ዝበላ ብፓይሎት ትንቀሳቀስ’ዶ ሓቀይ በለኒ። እወ በልክዎ። በሊ መሬት ከኣ ካብ ዙርያ ፀሓይ ትዘዉር፣ ኣብ ገዛእ ርእሳ’ውን ዑደት ትገብር እያ። ኣብ ዙርያ ፀሓይ ክትዘዉር 3651/4 መዓልታት ይወስደላ፣ ኣብ ገዛእ ርእሳ ከኣ 24 ሰዓታት ይወስደላ፣ “መን’ዩ ኣዉቲስታኣ!” ከተብርህለይ’ዶ ምኸኣልኪ።ስቕታ ሰፈነ፣ ኵሎም ኣዒንቶም ናባይ ኣተኮራ፣ እንድዒ፣ “ብስሕበታዊ ሓይሊ” በልክዎ። ራእሱ ሕራይ ጽቡቕ፣ ድሕሪ ምባል፣ “እዚ ስሕበታዊ ሓይሊ፣ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ዙርያ ፀሓይን፣ ኣንፈታ ከይሰሓተት ብሓደ መስመር ኪኺዳ ዘኸኣለስ ካበይ ዝመጸ እዩ። ብሃንደበት ከምኡ ኮይኑ ክትብልኒ ዲኺ፣ ትፈልጢ’ዶ መሬት ካብ’ዚ ኣብዚ ዘላቶ ርሕቀት ዉሑዳት ማይልስ ናብ ፀሓይ እንተ ትቀርብ፣ ሕይወት ዚበሃል ክነብር ኣይምተኻእለን ናብ ቁሩብ ማይልስ (5ዲግሪ) እንተ ትርሕቕ ኣይምተኻእለን ምጠፍአት ማለት ናብ ዙርያ ፀሓይ ኣይምዘረትን ዝብል ሳይንሳዊ መደምደምታ ከም ዘሎ።

ከመይ ኢለ ድኣ ኣብታ ግብእቲ መስመር ክትቀዉም ዝኸኣለት፣ ኣይትቀርብ ኣይትርሕቕ፣ ኣብታ ግቡእ መስመር፣ ብሃንደበት’ዶ ንበል ሕጂ’ኸ ትፈልጢ’ዶ መሬት ቀዉዒ ማለት ክራማት፣ሓጋይ፣ ኣየት ጽድያ መታን ክኸዉን፣ መሬት ኣብ ዝላቶ መስመራ ከይሰሓተት ናይ 23.50 ዲግሪታት ከም ትቐንን፣ እዚ ናይ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ምቕናን፣  ናይ ወቕቲ ለዉጢ የምጽእ ሙዃኑ ሳይንስ በጺሕዎ ዘሎ እዩ። በሊ እዛ መሬት’ሲ መን ደፊእዋ መን መን ኣዚዝዋ እያ ካብ ዚተወሰነ እዋን ትቀንን ፣ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ከኣ ትኽ ትብል? እዚ ካበይ ይመስለኪ ንፋስ’ከ ከመይ ኢሉ ይፍጠር ካበይ’ከ ይፍጠር፣ ናበይ ከ ይኸይድ፣ ብዕድል’ድዩ? ብዚዀነ ብዙሕ ዚሓተኪ ኔሩኒ ይኣክለኒ፣ ንዓኺ ዕድል ብዛዕባዚ መልስለይ?

ሓቂ ትሓይሽ ኣፈይ ክሳዕ ዚሕዝ ገበረኒ፣ ኣይፈልጥን፣ ኣንድዒ በልክዎ። ኩሎም ስሓቑ፣ ኖእ… ክንስሕቕ ዘይኮነ ክንማኸር ኢና ንዛረብ ዘለና በለ ራእሱ፦ ሕራይ እምበኣር ኣዜብ ሓብተይ ሓንቲ ነገር ከም መዛዘሚ ክገልጸልኪ እፈቱ፣ ኣቐዲሙ ብሃይማኖት ዚተገልጸ ሓቂ ኮይኑ። “ሕይወት ካብ ህይወታዊ ደኣ እንበር ካብ ዘይህይወታዊ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ።” እዚ ሓቂ’ዚ ምሉእ ብምሉእ ብሳይንስ’ውን ስለ ዚተኣመነሉ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰብ ብዘገምታ እዩ መጺኡ፣ ዚብል ዚነበረ ሰነ ሓሳብ ሕይወት ካብ ካልእ ዓለም መጺኡ ናብ ምባል እዮም ተፈላሰፍቲ ቀይሮሞ ዘለዉ።

ኮለል ካብ ምባል፣ ኣምላኽ እዩ ነዚ ዝገበረ እንተ ዚብሉ ክንደይ ዕድለኛታት ምዀኑ፣ ሓደ ብርቱዕ ሓይሊ እዚ ክኸዉን ዚገበረ ከም ዘሎ ይኣምኑ፣ ከይድሕኑን ኣምላኽ እዩ እናበሉ ሕይወት ከይረኽቡን ግና፣ ተዓዘሙ፣ ኵሉ ነገሮም ከኣ ዝርዉ ኮይኑ ፈሸለ። ዘማሪ ዳዊት “እቲ ዓሻስ ኣምላኽ የሎን ይብል” በለ፣ ሕጂ ኸኣ ንእመን ደኣ እንበር ኣይንደንቁር እናበለ ቁሩብ ዉቕስ ኣበለኒ’ሞ ፍሽኽ ኢለ ከኣ ስቕ በልኩ። በሉ ጉዳይ ድራርና ንግበር እሞ፣ ቁሩብ ተናፊስና ከኣ ከነዕርፍ በለና። ኵልና ሓቕኻ ኢላን’ዮ ሓፍ በልና። ሓፍ ክንብል ከለና ግና፣ ቅርብ ኢለ ከይሓሰብክዎ ንኣምላኽ ዝረኣዮ መን ኣሎ በልክዎ፦ ራእሱ “ደሓን ሓደ መዓልቲ ክትርእይዮ ኢኺ ጥራይ ለምንዮ” በለኒ።

ከዕርፍ’የ ድሮ ፀሓይ ከይዓረበት ክነፍስ ዚጀመረ ንፋስ ሰሜን ፍጥንት ወሲኹ፣ ዶሮና’ኳ ይኸድነና እንተ ነበረ፣ ኣብ ዘለናዮ ስቕ ኢልና ክንድቅስ ወሰንና። ንግሆ ክንትንስእ ከለና፣ ክዳንና ነብስናን፣ ዳርጋ ብደሮና ተቀቢርና ኢና ዚተንሳእና። ብተደጋጋሚ ሕንጥሾ ክንብል ጀመርና፣ ሰላም ግና ሓሊፋትና ብተደጋጋሚ ክትስዕልን ሕንጥሾ ክትብል ስለ ዚጀመረት እዉይ ኣለርጂ ናይ ኣፍንጫይ ጥራይ ከይትለዓለኒ፣ እናበለት ክትስዕል ጀመረት። ብወገን ኣወዳት ግና፣ ዳርጋ በዓል ራእሱ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ኣይደቀሱን። ሜሮን፣ ሕጽረት ኣስትንፋስ ስለ ዚገበረሉ ስለ ዝኸበዶን ኣዝማኡ ስለ ዚተለዓለቶን፣ ከቢቦሞ ራእናዮም እሞ፣ ተጸንበርናዮም፣ ውላ’ኳ ከቢድዎ ይንበር እምበር፣ ደሓንየ ዚብላ ቓላት ንዝሓተትናዮ ብተደጋጋሚ 31 ይገልጽ ነበረ። ሜሮን ዋላ’ኳ ንነዊሕ ኣዝማኡ ሓዲጋቶ ከም ዚነበረ ኣተንቢህልና፥ መሬት እናረፈደ ብዝኸደ ግና በብቕሩብ ክሕሾ ጀመረ።

እቲ ዘነበረ ወጥሪ ስለ ዚፈኾሰ ከኣ ደስ ኢሉና ቆረስና። ቁርስና በሊዕና ከይወዳእ ‘ና ግና ሓደ ካብቶም ኣብ ዙርያና ዚሰፈሮም፣ ጠለምቲ ዚዀኑ ኣዉቲስቲ፣ ምስ ወድ ከረን ጽቡቕ ርክብ ስለ ዝነበሮ፣ ፍሽኽ እናበለ መጺኡ፣ ዘይኣመሉ “ያ ጀምዓ ኩልኩም ኣብሽርኩም ኣኑ ኣልዓረብየት ቅዲሙን በዕድ ቀሊል ይስሉ” በለ… ኩልና ወላቶም ዓረብ ዘይፈልጡ’ካ ብሓጐስ ዘለልና ደጋጊሞም ሓቅኻ’ዲኻ በልዎ። እወ ስለ ዚበሎም ከኣ ሜሮን’ኳ ከይተረፈ ካብ ደቂስዎ ዝነበረ ተንስኡ፣ ክስዕመና ጀመረ። ኣንታይ እሞ ክብለካ እየ እታ ሓጐስ እቲኣ፣ ሓንቲ ካብተን እብ ሕይወተይ ዙተሓጐስኩላ እያ።

ዓስተረ-ሓሙሽተ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረ-እግዚአብሔር

Comments are closed.