መረን ዓሰርተ-ሸውዓተ ክፋል

ሕሉፍ ከተዕልለሉ ከለኻ፣ ቀሊል ነገር’ዩ ዚመስል፣ መድረኽ ሕይወት ግና፣ ብዙሕ ከምዝርኢ ገይሩኒ’ዩ። ኣቤት ከምቲ ዚበልኩኻ ሜሮን ምስ ዓረፈ፣ ኲልና ተደሃልና፣ ብፍላይ ስላም ምስ ቤተልሔም፣ ኮማ ኣተዋ ተምላስ ንተምላስ ኮና። ዋና መኪና በጃኹም ኣብ ዘይምለስ ነገር ግዜ ኣይንቕተል። ስለዚ ቅበርዎ’ሞ ንኺድ እናበለ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተዛረበ፡ በቃ ኣማራጺ የለን እንበሉ፣ ነታ ዘይትጠቅም ዕምቆታ ፍርቂ ሜትሮ ዘይትኣክል፣ መቃብር ኩዓቱ’ሞ፣ ብራእሱ ተመሪሕና፣ ናይ ዓቕምና ጸሎት ገበርና። በቃ ሜሮን ከም ቃሉ ኣዕረፈ። ኣዉቲስታ ደይቡ ንኺድ ምስ በለ፣ ዝድይብ ተሳእነ፣ ሓዲግዎ መን ይበገስ፣ ሓድሽ ልቕሶ ተጀመረ፣ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ፣ ኴንና ኣልቀስና፣ መሪር ብኽያት፣ ኣባዲ ዘይብሉ ዳርጋ ንርብዒ ሰዓት ዚኸዉን፣ ኵሉ ሰብ ተነኽነኸ። ኣዉቲስታ ንኺድ ይብል እምበር፣ ንሱ’ውን ካብ ምንባዕ ደዉ ኣይበለን። እታ ንምማቱ መን ከም ዝነገራ ብኽያታ ዘቅልሕ ያስሚን’ውን ካብ ኲቱር ብኽያት ክሳዕ ትድቅስ ኮነት።

… ዘይከዉን ኮይኑና፣… ተበገስና ዝጠመትካዮ ንብዓት ዝዛሪ፣ ምረት ድንጋጼኡ ዘዛሪ እንተዘይኰይኑ፣ ክሳዕ ፀሐይ ትዓርብ ተጋዒዝና። ከባቢ፣ 9፣00 ድ.ቀ(ምሸት) ምስ ኮነ፣ ነተን ዝቀደማና መካይን ተጸንበርናየን፣ መጓዕዝትና፣ ንብሙሉእና ማይ ካብ ዘለዎ ገለ ዚብላዕ ብምድላዉ… ኣጸናንዑና። … ድሮ ክመሲ ስለ ዚጀመረ ፣ ኲሉ ሰብ ናብ መደቀሲኡ ኣምርሐ፣ ንብዙሓት ካባና ግና ድቓስ ከመይ ኢላ ትምጻእ ስለዚ ኢና መብዛሕትና ከነዕልል መሬት ዘዉጋሕናዮ። ኣብ ዕላልና ሰብ ስለምንታይ ይፍጠር፣ ክመዉት እንተደኣ ኮይኑ” ክብል ሓተትኩ። ካብ ኩሎም ግና ራእሱ፣ …እ…እ ሰብ ደኣ ክመዉት መዓስ ተፈጢሩ፣ ክብል ዘረብኡ ጀመረ’ሞ እግዚኣብሔር፣ ንሰብ ብሉጽን ገዛኢ ፍጡራትን ክኸዉን ብዘለዓለማዊት ዘይትመዉት ነፍሲ፣ ንዘልዓለም ንኽነበር ጌሩ እዩ ዚፈጠሮ።

ሞት ዚዓደገ ወይ ዚመረጸ ግና፣ ባዕሉ ሰብ’ዩ ማለት ብኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ኣቢሉ፣ ሸሚትዎ ከመይ ኢሉ አምላኽ ስቕ ኢሉ እንተዘይ ርእዮ ሞት ከመይ ኢሉ ምኣተወ ኢለ ሓተትክዎ። ኣየ! ኣዜብ ሓብተይ፦ በለ’ሞ ሓንሳብ ናብ ሰማይ ክጥምት ድሕሪ ምጽናሕ፣ እግዚኣብሔር ናይ ናጽነት ኣምላኽ እዩ። ንኣዳም ክፈጥሮ ከሎ  ነጻ ናይ ምምራጽን መሰል ናጽነት ዘለዎ ጌይሩ እዩ ፈጢርዎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ግና ኣምላኽ ካብ ክፉእ ክሕሎ መኺርዎ፣ ሰናይ ዘበለ ኲሉ ዚጠቅም  ነጊርዎ። ሰብ ብገዛእ ድልየቱን፣ እናተነግሮን እዩ ነታ ኦም ፍረ እተዉጽእ በሊዑ፣ አምላኽ “ካብዚኣ ኦም እዚኣ ምስ እትበልዕ ሞት ክትመዉት ኢኻ” ኢልዎ ነይሩ። እዚ ኸኣ ንሱ ፍጡር ሙዃኑ ፈሊጡ፣ ንኣምላኹ ክእዘዝ ከም ዘለዎ እተፍልጦ ሕጊ እያ ዚነበረት። እንተዀነ ሰብ ኣይዓገበን ሞት ብገዛእ ኢዱ ኣእተወ። ሕጂ’ዉን አምላኽ ሓደ’ኳ ክመዉት ሰለ ዘይደለየ ካብ ናይ ዘልዓለም ደም መታን ክንድሕን ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ብምሃብ ኣድኃነና። ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፣ ሞይቱ ብምትንሳእ፣ ነቶም ናብ ንዕኡ ዚኣምኑ፣ ዳግማይ ሞት ከምዘይንመዉት ገብረና፣ ግናኸ እዚስ ነቶም ሞት ዘምጽኡ ነገራት ዚፍጽሙ ዘይኮነስ፣ ትእዛዛቱ ብምሕላዉ፣ ሕይወት ንዚሓርዩ ዚወሃብ ዘልዓለማዊ ህይወት እዩ።

ስለዚ ኣምላኽ ንሰብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጌይሩ፣ ሠናይ ዘበለ የፍልጦን፣ ይዛረቦን፣ በዓል ሓጺር ዕድመ ምኳኑን ይነግሮ እዩ፣ ግና’ኸ እንተደኣ፣ ንነፍሲ ወከፍ ገለ ክገብር ከሎ፣ ተመለስ ግደፍ እይትሓዝ ኣይትተንክፍ ክብል ብኣካል መጺኡ ክዛረቦ ኣይንሕሰብ። ምኽንያቱ እዚ ሰብ እዚ፣ ሕጊ ልቦና ኣቐሚጥሉ እዩ። ብቃሉ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ጌሩ’ውን ይምዕዶን የዘኻኽሮን እዩ። ካብ ኵሉ ጌጋታቱ ንኽምለስ ካብ ምዝኻር’ውን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን። እምበኣርከስ፣ ኣምላኽ ሓቂ እዩ፡ ንሓቂ ከኣ ይስዕብ፣ ሓቂ ዘበለ ዘይፈልጥ ሰብ የለን፣ ግናኸ ንሓቂ ንኸይስዕብ፣ ባዕሉ ብዘቕረቦም ምኽኒያት፣ ካብ ኣምላኹ ይርሕቕ፣ ኣምላኽ ግና፣ ነጻ ገይርዎ እዩ። ንጻነቱ ክጥቀም ምሉእ መሰል ንሰብ ተዋሂብዎ እዩ። እቲ ንናጽነቱ ብሰንኪ ንሓቂ ሓዲጉ ናብ ግብረ ሓጢኣት ዝጐዪ፣ ንዕኡ  እታ ግብሩ ክትፍደዮ እያ። ስለዚ  እዩ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ “እንሆ ኣነ ቀልጢፈ ይመጽእ ኣሎኹ፣ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ግብሩ፣ ክፈድዮ ዓስበይ ምሳይ እዩ” ዚበለ።( ) ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ ዝቡእ ፍረ ይዓጽድ።

እቲ እሾኽ ዚዘርእ ግና እሾኽ’ዩ ዚዓጽድ። ሓዊ የንድድ ሙዃኑ ኣናፈልጥካ፣ ናብኡ ኣእዳዉኪ እንተ ኣእቲኺ’ሞ እንተ ነደድኪ፣ እግዚኣብሔር ስለምንታይ ዘይሓዘኒ፣ ስለምንታይ ዘይከልከለኒ ክትብልስ ከመይ ኢሉ ይኸዉን፣ እምበኣርከስ ስርቂ፣ ዝሙት፣ ቅትለት፣ እዚኣቶም፣ ሓዊ እዮም፣ ዉጺኢቶም ከኣ ምንዳድ እዩ። ብስጋ ይኹን ብነፍሲ ሞት እዮም ዘስዕቡ። ባዕላትና እናፈጸምናዮም ስለምንታይ አምላኽ ስለመንታይ ዘይከልከለና ክንብል ቅኑዕ ኣይኮነን። አምላኽና ኣምላኽ ናጽነትን ሓቂን እዩ። በለኒ’ሞ ብሕልናይ ስለ ዚተረታዕኩ፣ ኵሎም’ውን ሓቅኻ ኢኻ ራእሱ በልዎ። ኣነ’ውን ራእሱ፣ ብዝህቦም ኩሎም ኣብነታት፣ ዝነበረኒ ኣረኣእያ ፍልስፍና እናጐደለ መጸ፣ ናብ ራእሱ ዚያዳ ንኸረድኣኒ  እናቐረብኩ መጻእኩ።

ካብ ኲፍራ ካብ ንብገስ ኣብ ሓሙሻይ መዓትና ቀሪብና ኢና ሎሚ መዓልቲ ክንኣቱ ኢና ዝብል ወረ፣ ብመራሕቲ መካይን ተዘርግሐ። ስለዚ ከኣ’ዩ እዛ መዓልቲ ካብተን ካልኦት ፍልይ ብዝበለ፣ ዘነዉሐት ኮይኑ ዚተሰመዓና። በቃ ደሮናና ነጊፍና ማይና ንሕጸ ጥዑይ መግቢ’ኳ ንበልዕ። ብዓቢኡ  ንስድራይ ብሰላም ንሊብያ ኣትየ እብሎም። ካብ ሰላምታ ሓሊፈ ኵሉ ዘጉሃኽዎምን ዝበደልክዎምን ብልቢ ይቕሬታ ክሓቶም እየ። ሕይወት ክፉኣን ርእየ እየ ደጊም ይኣኽለኒ በቃ። ብፍላይ ንማማን ንባባን፣ ኣጸቢቐ ይቕረ ክብሎም እየ። ግደፊ እናበሉኒ እየ ካብ ገዛ ዝወጻእኩ። ኣብዛ ሕይወተይ ብዙሕ ኣይእዘዞምን እየ ዚነበርኩ፣ ምናልባት ንዓይ’ሲ እዚ’ኳ ክዉሕደኒ። እናበልኩ ሓሳብ ከደይብን ከዉርድን ከለኹ መኪና ፍጥነታ እናጐደለ ስለ ዝመጸ፣ ቤተልሔም፣ መዕረፊ ቦታና በጺሕና እናበለት ተንከፈትኒ። ከምዚበለቶ ኮነ፣ ካብ መኪና ወረድና’ሞ ቁሩብ ኣካላትና ንምፍታሕ ካብ ዘለናዮ ተንቀሳቐስና።

ሃንደበት ግና ኣዲኣ ንያስሚን እዉይ ጓለይ እዉይ ጓለይ እናበለት ኣምሪራ ክትበኪ ካብ ርሑቕ ሰማዕናያ’ሞ እናጐየና፣ ናብኣ ክንምለስ ተገደድና፣ ኲልና ዕጉግ በልናያ። ያስሚን ኣእዳዋ ዘርጊሓ፣ ዓይና ጐልሒጣ ወላእላእ ክትብል ጸንሓትና። ደሓን ድያ ደሓን ዲያ በልና፣ ኣዲኣ… እናበኸየት… እንድዒ… ካብ ዓንተቦ ተጸሊእዋ እዩ ነይሩ ኣብታ መኪና፣ እናኸድና ከለና ኣዝያ ርሂጻ ከላ ፍኒስትራ ከፊተላ ድሕሪ ቁሩብ ቁሪ-ቁሪ ምስ በለትኒ ዓጽየዮ። ካብኡ ጀሚራ በቃ ሕጂ ግና… እዉይ …እዉይ ጓለይ እናበለት ክትበኪ ጀመረት። ኲነታት ይስሚን ንዂልና ኣስገኣና። ክዳዉንቲ ደረብናያ፣ ግናኸ ለዉጢ ኣይነበረን። በቃ ቆልዓ ኣብ ኢድና ክትሓዉየና ደለየት፣ ንገብሮ ጨነቐና፣ ኣዲኣ ኣብ ርእሳ ሓመድ ምንስናስ ጀመረት፣ ብዕለይ እየ ዋይ ጓለይ… እናበለት ከብድና በልዓትና። ቤተልሔም ስላም ኢሉ ራእሱ ክጽዉዕ ሰማዕኩ ድሕሪ ቅሩብ ከኣ፣ ጸበል ኣምጺኡ፣ እስከ ሓንሳብ ተኣለዩ፣ ቀደም’ውን ክሳዕ ሕጂ እምነት ኣጒዲልና እምበር፣ ኣምላኽ እንታይ ይሰኣኖ፣ እናበለ፣ ማይ ገይሩ ድሕሪ ምብጽባጽ ክለኽያን ቅሩብ ከተስተንፍስ ጀመረት።

ኣነ ግና፣ ኣንታ እንታይ ኢኻ ትገብር በልክዎ። ሓደ ካብ ካልእ መኪና ዚመጸ ክብሮም ዝተባህለ ፣ ኣየ ኣንታ ሓመድ ክፍዉሳ ኢልካስ በጃኻ፣ ብስም ጐይታ ጥራይ ጸልየላ በሎ። ኣነ ብፍልስፍናይ ፡ክብሮም ስማ ብዝፈልጦ፣ ንራእሱ ተዛረብናዮ። ራእሱ፦ ቅድም ነቲ ወዲ መን ኢኻ’ሞ ስምካ በሎ፣ ለኽዩ ምስ ወድአ፣ ንሱ ከኣ ክብሮም በሎ። በል ክብሮም ንስኻ እናጐየኻ መጺእካ ምሽ ክትጽልየላ ጸኒሕካ፣ በሎ። ክብሮም አወ በለ። እሞ 10 ደቂቅ ሓሊፉ ኣሎ ካብ ትጽልየላ ለዉጢ ግና የብላን። ደሓር ከኣ ስማዕ’ሞ ክብሮም፣ ንስኺ ኣዜብ’ው፦ ሓመድ እዩ ዲኹም ዝበልኩም ሓቀይ በለና፣ እወ መለስና።  ራእሱ ምልስ፦ በለ፣ ንስኻትኩም ንባዕልኩም ካብ ምንታይ ከም ዚተፈጠርኩም ስለ ዘይትፈልጡ ኢኹም ሓመድ’ዩ ዝበልኩም። ኣምላኽ ካብ ሓመድ ፈጢሩ’ዩ፣ ሕይወት ዝሃበኩም፣ ሓመድ ብምዃና  ኣምላኽ ብሓመድ ክፍዉሰና ይኽእል እዩ። ደሓር ከኣ ጸበል እዩ ዚበሃል። ዚተቀደሰ ሓመድ ስለ ዚኾነ።

ጐይታናን፣ ኣምላኽናን፣ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እኳ ነቲ ዓይነ ስዉር፣ ብጸብሪ(ሓመድ) እዩ፣ ዓይኑ ዝፈወሶ። ንእማን ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብማይ ምስ ተፈወሰ፣ ሓመድ ዮርዳኖስ ጸበል ምኳኑ ፈሊጡ፣ ሓመድ ጽዒኑወን ከም ዚኸደ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየንበብካን ዲኻ፣ ኣምላኽ እንተ ደልዩ ኣብ ነጸላ፣ መጠምጠምያ ጳዉሎስ ከምኡ’ውን ብጽላሎት ጴጥሮስ  ይፍዉስ ከም ዝነበረ ኣይሰማዕኩምን እንዲኹም በለ’ሞ፣ ሕጂ እግዚኣብሔር ኣብ ጸበል ሓዲሩ ክፍዉስ ምዃኑ ረኣዩ በለና’ሞ፣ ናብ ኣደ እታ ሕፃን ብምጥማት፣ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝገለጸ ብጸበል ክፍዉስ ከም ዚኽእል ትኣምራት’ዩ በለ። እወ ከመይ ደኣ፣ ክንደይ ግዜ ጸበሉ ሰትየ ዘይተፈወስኩ በለቶ። ኣምላኽና ከም እምነትኪ ይግበረልኪ በለ፣ ትእምርቲ መስቀል ጌሩ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ድሕሪ ምጽላይ ነታ ቆልዓ ካብቲ ጸበል ኣልከፋ። ዘገርም’ዩ ዓይና ግቡእ ጠመትኡ ሓዘ፣ ብግቡእ ስርዓተ ምስትንፋስ መውርዑ ሓዘ። ማማ ክትብል ጀመረት፣ ምስ ኣዲኣ ተሓቋቐፈት።

ዓሰርተ-ሸሞንተ ክፋል ኣብ ዝመጽአ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረእግዚአብሔር

Comments are closed.