መረን-ሻድሻይ ክፋል

.........//....................

ሰላም ፍቁራት ኣንበብትን ተኻታተልትን መረን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ጽሑፋት ናይ በዓለ ልደት ኣብዚ መርበብና ሰለ ዝዘርጋሕና፡ እቲ ነዉጽኦ ጽሑፋት ነቲ ሒዝናዮ ዘለና በዓል፡ ዕለት፡ወቅቲ  ከንጸባርቀልናን ነቲ መዓልቲ ክገልጸልናን ብዝብል ኣመር ሰነ-ጽሑፍ መረን ሐደ ሰሙን ጸቂጥና ክንዉጽኦ መሪጺና። ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ሎሚ መዓልቲ ከመ ወትሩ ቀዳም -ቀዳም ሰነ-ጽሑፍ መረን ክንዝርግሓ ምዃና ብትሕትና ንሕብር።

..........//........................

እንትርፎ እቲ ዚተፈላለየ ኣዕጽምቶም ዚርአ ነገር የብሎምን ናይ 200 ክሳዕ 300 ሜትሮ ኣብ ዝኸዉን ርሕቀት ልዕሊ 6 ዓስከሬን ቆጸርና። ኣድያም ድሮ ትነብዕ ነበረት፣ ቦቕባቕ ከብዲ እትዉንን፣ ኣዚያ ለዋህ ሰብ እያ። እንተ ኣነ’ሞ ውላ’ዃ የደንግጹኒ ኩነታቶም’ውን ይደንጽወኒ እምበር   ኣይነባዕኩን። ገሊኣቶም ከም በዓል ራእሱ ኣምላኽ ነፍሶም ኣዕርፍ ኣናበሉ ይዘራረቡ ነበሩ። “ጒዕዞና ካብ ንጅምር ድምጹ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ሜሮን ዝተባህለ፣ ማእከላይ ቁመት፣ ቀጢን ዝተመጣጠነ ቁመና፣ ተሪር ፍንጫ ጽቡቕ ደርጊ ስኒ፣ ዚዉንን መንእሰይ፣ ምስትዉዓልን፣ ብሉጽ ናይ ምዝራብ ክእለትን ዘለዎ ኮይኑ ስየ ቁመናኡ ንክትርእዮ ደስ ዘብል እዩ። ሃንደበት፣ ዓዉ ብዝብለ ድምጺ “እዚ ኩሉ እኳ ነዚኣ ኢና’ያ ጀምዓ… ነዚኣ ክነስና ግና፣ ዘዉትር ከየስተዉዓልና፣ እናዐመጽናን፣ ኣናበድለናን ንነብር… ሓቆም እዮም እኳ ኣብ ገለ ሕብረተ ሰብ፣ እቲ ህጻን ምስ ተወልደ፣ “ንክመዉት ተፈጢሩ ኢሎም ተዓጢቖም ዘልቅስሉ” በለ።

ኲነታት እቶም ሬሳታት ስለ ዘደንገጾ ሕንቕንቕ እናበለ። ስንባደ ኣብ ገጽ ነፍሲወከፍ ሰብ ብሩህ ኮይኑ ይርአ ነበረ። ሰላም ገለ ቃል እኳ እንተ ዘየዉጽአት፣ እታ ከም ዉሕጅ ብመዕጉርታ ኮረር እናበለ ዚወርድ ዚነበረ ንብዓታ ግና፣ ሓለፋ ኩልና ገለ ዚስምዓ ነገር ምንባሩ፣ ፍሉጥ እዩ። ዚነበረ ትፍትዎ ወዲ ሓወቦኣ ካብ በዚ ንኸዶ ዘለና ምድረበዳ ከም ዚዓረፈ ትፈልጥ እያ። ካብኦም እኳ ይኸዉን ዝብላ ቅላት ጸኒሓ ዘምለቆተን እየን። ነፍሲ ወከፍና ብዂነታት እዞም ሬሳታት እናስተንተናን፣ ናብ ዓሚቕ ሓሳብ ስለ ዚጠሓልና ግዲ ኮይኑ፣ ስቕታ ነገሠ፣ እንትርፎ እቲ ከም ንህቢ ዚሓንን ድምጺ መኪና እንተዘይኮይኑ፣ ዚስማዕ ኣይነበረን። ድሮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ምሕላፍ ምስ ኣኸለ፣ ፀሓይ ዘለዎ ሓይሊ ከተዝንብ ጀመረት። ምድረበዳ፣ በቲ ብሰንኪ ልዑል ረስኒ፣ ዚፍጠር ዋር ዋር ዚብል ምንቅስቃስ ኣየር መልአ… ።ኣርሒቕካ ምስ እትጥምት ቀላይ ከም ባሕሪ ዚተወንዘፎ ይመስል ነበረ። ደሮና፣ ምስ ሙቐትን፣ ሃልክን፣ ተደራሪቡ፣ ከስል ኣምሰለና። ድምጺ እናሻዕ ክቆጻጸራና ጀመረ።

ኣደም ዝተባህለ ሓደ ሶማላዊ ብተደጋጋሚ ማይ ክሰቲ ጀመረ። ወዲ ከረን ምስ ረኣዮ፣ ስማዕ በሎ ብቋንቋ ዓረብ ጌሩ። ንስኻ በዚ ዚርእየካ ዘለኹ፣ ማይካ ቀልጢፍካ ክትዉድኦ ኢኻ”… ስለዚ ቆጥብ፣ ምናልባት ዚነዉሐ ጉዕዞ ከም ዘለና ኣይትረስዕ” በለ። ኣደም ነዊሕ፣ ከደራይ፣ ለማሽ ጸጉሪ ፍሩይ ኣዒንቲ ኣብ ክባቢ 25 ዕድመ ዚርከብ መንእሰይ እዩ። ምስቲ ኩሕላይ ጽቡቕ ሸፋሽፍቲ እዒንቱ፣ ግሩም መልክዕ ዘልዎ እኳ እንተኾነ እቲ ንኽይቅምቅሞ ዝተሓረሞ ጭሕሙ ግና ምስ ደሮናን ረሃጽን ተደራሪቡ፣ ፍጹም ዘፍርህ መልክዕ ሒዙ ነበረ። ንወዲ ከረን ከኣ፣ “ብዉሑዳትን ነድሪ ብዝመልአ ቅላት “ንስኻ’ኸ? እንታይ ኣእተወካ ክብል መለሰሉ። ቀልጢፉ ዚናደድ ሓራቕ መንእሰይ። ወዲ ከረን ንዓኻ ኢለልካ እየ፣ እምበር ካብተን ናትካ ድልየትካ ግበር ብሎ።

ኣሕዋት (ደቂ ዓዱ) ንኣደም’ውን ብጊዲኦም ብቋንቋኦም ገለ ተበሃሃሉ’ሞ፣ ሓቁ እንታይ ኣእተወካ በሉ ንኣደም እናኣሰነዩ። ወዲ ባጽዕ፣ ወዲ ጅምዕ፣ ተስፋይ ብወገኖም ሰምዑ፣ ንዑ ሓልይሉ እዩ፣ ዝተዛረበ፣ እዚኣ ኸኣ ንዓኹም እትምልከት ኣይኮነትን፣ ንሱ መሊሹሉ እዩ። ስለ ዚኾነ፣ ነገር ተዓጽዩ ኣሎ በልዎም። ምናልባት ግና ክትፈልጥዎ ዘለኩም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ማይን፣ መግብን ድሌቱ ክገብር ይኽእል እዩ። ጽባሕ ንጉሆ ግና፣ ኣብ መገዲ ከለና፣ እንተ ደኣ ተወዲእዎ ናቱ ጉዳይ እዩ። ዚኾነ ነገር፣ ከም ዘይንህቦ ፍለጡ በልዎም። ኣብ መንጎ ወዲ ከረንን ኣደምን ግና ናይ ተጠንቀቕ ዚዓይነቱ ኣትኲርካ ምጥምማት ኮነ፣ ከምዚ ክትብሎ ኣይክእልን እምበር ንሳቶም ብቛንቁኦም ነንሕድሕዶም ጉሪምሪይ ይብሉ ነበሩ። ንሕና’ውን ብወገንና፣ ገጽ ከይንህቦም ተሰማማዕና።

እ… እ… እዉይ… እዉይ… ልበይ ፡ ሃይለ ሓወይ… ዚደኽመኒ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ። ሃይለ “በቃ እሞ ደሓን ኣዕርፊ..ሕጂ ምስቲ ደኺምክዮ ዘለኺ ዘረባ ክሃስየኪ እዩ። ደሓር ከኣ እታ ነርስ፣ ብዙሕ ኣይተዕልላ’ኳ ኢላትኒ እያ።” ኣዜብ “ኖ… ሃይለ… ሓወይ ደሓን፣ እየ በጃኻ ሎሚ እየ ዚዉደኣልካ፣ እዛ መተርኣስ እሞ ኣዕሪየለይ፣ …ብኸምዚ ዚበልኩኻ… ንሓሙሽተ ተወሰኽቲ መዓልታት ናብ ዶብ ሊብያ በጻሕና። ዶብ ሊብያ ናይቲ ንሰሙን መመላእታ ዚወሰደ ጒዕዞና፣ ሃልክን፣ ድኻምን፣ ተደራሪብዎ፣ ኣባላት መኪናናን፣ ካብ ሃልኪ ዚተላዕለ፣ መልክዖም ጸምልዩ፣ ናይ ጽምእን፣ ድኻምን ኣብ ገጾም ይንጸባርቕ ነበረ። ገሊኣቶም፣ ናይ ትካዘ መንፈስ ካብኣቶም ይንበብ ነበረ። ጸሓይ ኣብ ምዕራባ፣ ሰማይ ሰግለለት መሰለ፣ ነዕርፈሉ ሰዓታት ቀሪቡ’ዩ… እናበልና፣ ነንሓድሕድና፣ እተን ዘተዕጽፋ ኣእጋርናን ምቹእ ስርዓት ቁመንአን ብሰንኪ ጽበት ቦታ ዚሰኣና ኣካላትና ዘዕርፋሉ ሰዓታት ኣብ ምቕራቡ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ተስፋ ስለ ዚሰነቐ ዕላል ንሓድሕድና ወጃዕ ክንብል ጀመርና። ካብ መራሕ መኪና ዚተፈነፈ ሓዲሽ ዜና ሓለፍ ኩሉ ሞራል ከም ንሰንቕ ጌሩና እዩ።

“እዛ ሎሚ እነዕርፈላ ቦታ፣ ዶብ ሊብያ እያ፣ ስለዚ ሓደ ክፋል ጒዕዞ ተጨሪሱ ኣሎ” ክብል ነቶም ኣብ ጋቢና ተሰቂሎም ዚነበሩ ኣመልከተ ንሳቶም’ውን ናባና ኣመሓላለፉ። በቃ ኩሉ ጒዕዞና ዝጨረስና ኮይኑ ተሰምዓኒ፣ ካብ’ዚ እቲ ዚቀለለ ክኸዉን እዩ። ዚብል ወረ ብኩሉ መኣዝን ይንዛሕ ነበረ። መሬት ዓይኒ ክሕዝ ጀመረ ፍጥነት መኪና ካብ 130-140ኪ.ሜ. ኣብ ሰዓት ናብ 60-50 ኣብ ሰዓት እናወረደ መጸ… ድሕሬና ዚነበራ መካይን በብሓደ ተር ኢለን ክጽግዓና ጀመራ፣ ካብ ዚሓልፍ መዓልቲታት ከም ዚተመልከትና መዕረፊ ንቁጣ ከም ዚተቃረብና ዘመልክት እዩ ዚነበረ፣ ከይጸናሕና፣ በብቁሩብ፣ መኪናና ፍጥነት ናብ ዘገምታ ኣብኡ ከኣ ናብ ዕረፍቲ ተለወጠ’ሞ ደዉ በለት። ያላ… ዉረድ ዚብል መልእኽቲ ተመሓላለፈ። ኩልና ወረድና። ገለ ሰባት ማይ ብዘይ ዓቐን ክሰትዩ ዚረኣየ መራሕ መኪና፣ ግና … ተጠንቀቑ፣ መቐያየሪ ንቑጣ በጺሕኩም ደኣ እየ ዚበልኩኹም እምበር፣ በጺሕኩም ኣይበልኩኹምን ስለዚ፣ በዚ ዚርኤኩም ዘለኹ፣ ገሌኹም ድሮ ማይኩም ኣብ ምዉድኡ እዩ። ተሪፍኩም ዘሎ፣ እዚ ኣብ ፊስቶ ዘሎ ላምባ ዚተሓወሶ፣ ማይ ጥራይ እዩ። ስለዚ ደጊመ ደጋጊመ እተን ዚቕይራና መካይን ክሳዕ ዚመጽኣ ዓቢይ ጥንቃቐ ግበሩ፣ ክብል ተዛረበ፣ ነዚ ቃል ዚተርጐሞ ሓጐስ ዚበሃል ወዲ ሱዳን እዩ። በዓል ወዲ ኲዒተ… ወዲ ከረን… ምስ ገለ ሱዳናዉያን ኮይኖም፣ ንቃል’ቲ ኣዉቲስታ ዝደንፍዕ ሓበሬታ ኣመሓላለፉ፣ ወዲ ኲዒተ ብፍላይ … ስምዑ እዞም ማይኩም ብዘይ ዓቐን ተህልኹ ዘለኹም ፣ ደሓር ንዓና ከይተማርሩ፣ ዚኾነ ምትሕብባር ከም ዘይንገብረልኩም ነዚ ፍለጡ፣ በሎም። እቶም ብተደጋጋሚ ማይ ብምህላኽ ዝተፈልጡ፣ ኣደም ሰዓብቱን ኣየለ ምስ ደጀኔ መካይድቱን ግና፣ ብኣቃጫጭ ገሊኦም “ዓላ ኬፍና” ክብሉ ከለዉ ገሊኦም ከኣ “ምን ነካቺ” ዚብል መልሲ ተሰምዐ።

ካብተን ዓስርተ ኣከባቢ ንኸዉን ደቂ ኣንስትዮ፣ ግና ሓንቲ’ኳ ትኹን፣ ማይ ክተህልኽ ኣይተራእየን፣ ዳርጋ ኩልና ብፍርሃት ኢና ንጓዓዝና ዚነበርና፣ ከም ትፈልጦ ከኣ፣ ኣብ ፍርሃት ማለት፣ ምእዛዝ ሕጊ ሓለፋ ኣለና። ቀንዲ ግና፣ ኣዚና ስለ ዚፈራህና እዩ። ክገርመካ፣ ነፍሲ ወከፍና ኣብዚ ጒዕዞ’ዚ ንጽድቂ ደኣ ኣይኮነን እምበር፣ ኲልና ንጸዉም ኔርና ኢና። … ሃይለ… ርእሱ እናነቅነቀ፣ እዚኣስ ኲልና ዚገበርናያ እያ ወዮ ደኣ ንሓቂ ከይንእዘዝ ኩሉ ሳዕ ምስ ተዓዘምና ኢና እምበር፣ ጾም ንስጋን ንነፍስን ዘርብሕ እዩ። እዚ ዚሓለፈ ሰሙን፣ ገለ መጽናዕቲ ከም ዚሓበሮ፣ ዚኰነ ይኹን ሰብ፣ ካብ ጸቕጢ ደምን፣ ክልእ ሕማማትን ንኸምልጡ ኣብ ሰሙን ብዉሑዱ ሓደ ምሉእ መዓልቲ ክጸውም ኣለዎ ዚብል መጽናዕታዊ ጽሑፋ ኣንቢበ። … ደሓር ከኣ ፣ ወዮ ዚበዝሕ እዋን እንታይ ከም ዚገብር’ዩ ክነግረኪ፣ ጾም ምስ ዝኸዉን ኣንጊህካ ብላዕ እዩ ዚመጸኒ፣ ኣብ ጾም ዘይብሉ እዋናት ከኣ፣ ኣርፊደ ይትንስእ፣ ስለዚ በቲ ኮነ በቲ ሓቕኺ ኢኺ… ኣብቲ ንጸድቂ ዚኸዉን ደኣ ኢና ዘይጸዉም እምበር፣ ኣብቲ ስጋና እትግድደና… እዋን’ሲ ንጸዉም ኢና። ቀጽሊ ደኣ ኮሊፈኪ እምበር።

ሻብዓይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ,ዘርአ ገብረ

Comments are closed.