መረን-ሻብዓይ ክፋል

…እ…ህ..ህህህ፣ ጸገም የለን ሃይለ ሓወይ ተዕልለሉ ነገር ጽቡቕ እዩ። ካብ መካይንና ምስ ወረድና፣ መሬት ዳርጋ ኣብ ምምሳዩ ሰለ ዝነበረ፣ ተቀላጢፍና፣ እተን ዝነበራኒ ጒስማጥ ከምኡ’ውን ኮረንሾን፣ ምስ ድኻም እናጸላእክዎ ስለ ዝመጻእኩ፣ ዓሲርን ቁሩብ ጥሕንን ተሃዊኸ፣ ከም ኩሎም ኣብ ምንጻፈይ ንኽጋደም ምስ ኣድያምን ሰላምን… ከንጽፍ ጀመርኩ። ድሕሪ ድራር ምስ በዓል ኣድያምን ሰላምን ቤተልሔምን ከነዕልል ጀመርና። ኣድያም እዋይ በቲ ሓደ ወገን’ሲ ንዓኹም ምርኣይ ጽቡቕ’ዩ፣ እዚ ምድረበዳ ንባዕሉ ግርማን ጽባቐን ኣለዎ፣ ካብ ኩሉ ህድኣት… ብጀካ ሙቐቱን ጽምኡን ገዲፍካ ሓቀይ መሓዛይ በለታ ንሰላም።” በጃኺ ኢለኪ… ዕላል ቀይሪ፣ መዓልቲ ብፍርሃት ለይቲ ብፍርሃት ክተሕልፎ ሕይወት ከመይ ኢሉ’ዩ ጣዕሚ ዝርከብ በለታ። ቤተልሔም ሕዉስ ኢላ ኣነ’ውን ብግደይ ኣንጻር ዘረባ ኣድያም ተዓጠቅኩ። ኣድያም ከም ብወገና “ስምዓኒ’ንዶ ንምንታይ ኢኽን፣ ንነገራት ብኣወንታኦም ጥራይ እትምልከትኦም፣ ህድኣት ምድረበዳ ብግዜ ለይቲ ዝህሉ ግርማ ሰማይ፣ ሰፊሕ መግለጺ መድረኽ ሕይወት ዚገልጽን ዘመርምርን እኳ እዩ… በለት።

ዕላል ንኽቅጽላ ብዝኸደ፣ በብሓደ ኲለን ተቀላጢፈን ንድቃስ ኣምርሓ፣ ሰላም እታ ቀዳመይቲ ክትሕርንኽ ዝጀመረት ነበረት። በይነይ፣ ከም በዓል ጉዳይን፣ ፍሉይ ናይ በይና ጒዕዞ ዚጽበያን ክመስል፣ ዉሪሕሪሕ በልኩ። ድቃስ ንዒ’ባ ኣንተበልኩ ወይከ ንዉቃበ ከዋኽብቲ ተሰንየ ሓሳባት ከዉርድ ከደይብ ጀመርኩ። ኵሎም ክድቅሱ፣ ንዓይ ፍሉይ ተርእዮ! ሰለምንታይ! ከምኦም ይደክም’የ ድቃስ፣ ምሸት ምሸት ዚኣብየኒ… አረ እንታይ ኮይነ እየ እናበልኩ ክሻቐል ጀመርኩ። እቶም ካብ ሰማይ እናተወንጨፉ ዝመጹ ዚነበሩ ኮሜታት (እናነደዱ ናብ ኩሉ መሬት.. ዚኣትዉ… ኣኻዉሕ) ጸጸኒሖም ንኣእምሮይ ደስታ ክህብዎ ጀመሩ። ዛሕሊ ዚሓዘለ ልኡም ንፋስ ክነፍስ ስለ ዝጀመረ፣ ልክዕ ኣብ ዓሰብ ዘለኹ ተሰምዓኒ። ብሓሳብ ናብ ዓሰብ ክገይሽ ጀመርኩ፣ ከተማ ዓሰብን፣ ከባቢ ድፋዕን… ኣሮን፣ ቅጅል ቅጅል ክብለክኒ ጀመረ፣ ኣየ… ሰብ እዋይ እንታ…. እዚ ኩሉ ማሕላ እዚ ኩሉ ካባኺ ምፍላይ ማለት.. ንዓይ ሞት’ዩ…።

ኣሮን፣ ናይ ፍቕሪ ምሕዝነት፣ ንነዊሕ ድሕሪ ምምስራት ስድራ ቤተይ ሰለ ዝሰምዑ፣ ኣብ ትምህርተይ’ውን ገለ ዝሕታለታት ከርኢ ስለ ዚጀመርኩ፣ መጠንቀቕታ ክህቡ ጀሚሮም። ሓንቲ ጓሎም ብምዃነይ ግና፣ ብምኽራዊ ደኣ እምበር ብጽቕጢ ኣይነበረን፣ ግዜ እናሰረቕና ብዝመጻእና ግና፣ ወረ እናተነዝሐ ስለ ዚኸደ፣ ሓደ መዓልቲ ባባን ማማን፣ ምስ’ዚ ወዲ ክትከዲ እንተሪኢናኪ ጓልና ኣይኮንክን፣ ካብዛ ገዛ ክነዉጽኣኪ ኢና በሉኒ። ኣነ ብወገነይ ዓርከይ ምዃኑ ነጊረዮም ግና ዝዀነ ይኹን ነዉሪ ከም ዘይንፍጽም፣ እና ፍራሕኩ ኣተንቢሀሎም እየ። ዋላ’ኳ ኣሮን ብተደጋጋሚ ይፍትነኒ ይንበር እምበር ሓብትኻ ሓቂ ትሓይሽ ነብስኺ ደ…ኣ ክትንእዲ ደሊኺ ከይትበለኒ እምበር ጥንቕቕቲ እየ። በዚ ኮነ በቲ ሕደ መዓልቲ፣ ኣብ ዝኾነ ጸኒሐ ናብ ኮረድዮ ገዛና ኣብ ዝመጸእኩሉ፣ ባባን ማማን እዛ ጓል ከየኽፍኣትና ነሕጽያ፣ ክትብል ንማማ ሰማዕክዋ ባባ ብወገኑ እወ ሓቕኺ ኣሚነይ። ኣነ ደኣ ደይ ክትመሃር ኢለ እየ እምበር ቅድሚ ሕጂ ኣይነገርኩኽን እምበር ዚሓተቱኒ ኣለዉንዶ በላ።

ነፍሰይ ዝሑው በለኒ፣ ሰሚዓትና ከይብሉ ናብ ክሽነይ ተመልስኩ፣ እዋይ ዘፍቅሮ እናሀልወንስ፣ ናብ ዘይፈልጦ እዚ ክኸዉን ኣይካልን’ዩ ገለ ክገብር ኣለኒ በልኩ። ንጽባሒቱ ንኣሮን ረኺበ፣ ኩሉ ምስጢር ስድራ ቤትና ኣካፈልክዎ። እሞ እንታይ ይሓይሽ በለኒ፣ ኣነ ኸኣ እንተደኣ ንስኻ ትድግፎ ኰንካ ሕጸ ንግበር በልክዎ። በዚ ተሰማማዕና። ንሱ ብምርባጽ’ዩ ንስድርኡ ግዴታ ብቅልጡፍ ንገዛ ክመጹ ዘገደዶም። ክገርመካ ብሓደ መዓልቲ ስድራቤት ኣሮንን፣ ካልእ ስድራ ሓደ ወዶም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥን እዮም ናብ ገዛና ዚመጹ። ስድራ ቤተይ ነቲ ናይ ወጻኢ መረጹ፣ ኣነ ግና ዕጭ በልኩ።ብኹነታተይ ስለ ዝሰግኡ ሓደ መዓልቲ ክገርመካ፣ ኣቦይን ኣደይን ክዘራረቡ፣ ኣብ ግዜ ድቃስ ሰማዕክዎም። “እዋእ ስምዑንዶ፣ ልቢ ጓል ባሕሪ’ዩ ንሕና ነዛ ቆልዓ ዓቅላ ኣይነጽብበላ እዋእ፣ ገለ ዚሓብኣቶ ምስጢር ከይህልዎ፣ ነኣሽቱ እንድዮም ገለ ፈጺሞም ከይኮኑ…” ስለዚ እንቋዕ ደኣ ብወግዒ ሓተትና፣ ንሳ ኸኣ እንቋዓነይ ፈተወቶ ንህቦም እንበር” በለት። እዋእ በቃ ደሓን ንሕናስ ወጻኢ ከይዳ ጥጡሕ ናብራ ከተሕልፍ ኢልና ኢና እምበር ደሓር ከኣ፣ ብዛዕባ’ዚ ካብ ወጻኢ ዚመጸ፣ ገለ ሕማቕ ሰሚዐ ኣለኹ ቆልዓ’ውን ኣለዎ፣ ብወሰን’ዩ ብሕጊ ዝተወልደ ዉላድ ኣላኒ ክብል ሰሚዓዮ ኣለኹ ” ። ኩዱን ብኣፈ ስላሴ ስቕ በሉ ከምዛ ዘይሰማዕና ፣ ነዚ ወዲ ፈትያቶ ዘላን  ንሃቦ፣ በሉ።

መወዳእታ ምስ ኣሮን ሕጸ ፈጸምና። ድሕሪ ደጊመ ሰባት ምሕማይ ኣቋረጹ፣ ሓጐሰይ ወሰን ኣይነበሮን።ብኸምዚ ንከባቢ ዓመት ጸናሕና። ኣነ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ምስ በጻሕኩ ኣሮን ንሳዋ ተበገሰ ንዓይ ኣሮን ኣብቲ እዋን እቲ ንሓንቲ መዓልቲ ተፈልዩኒ እንተዊዒሉ፣ ከቢድ ፍቅራዊ ቃንዛየ ዝሕልፍ ፣ ፈለማ ፍቅሪ ድዩ ኮይኑ እንድዒ… ብተደጋጋሚ ክንቋጸር ጀመርና፣ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፣ ክንፈላለ ከለናስ… ፍሽኽታ… ብዙሕ ተማሓሒልናን ተጠሓሒልናን ኢና። ብፍላይ ኣሮን ናይ ወዲ ነገር ግዶ ኮይንዎ  ዝለዓለ ኢድ ናይ ምምሓል ነበሮ። በቃ ካብ ሳዋ ምስ ተመለስኩ   ናብ ሓዳርና ኢና ነምርሕ። ንስኺ ናብ ሳዋ ቅድሚ ምውራድኪ ክንምርዖ ኣለና በለኒ። ንሳዋ ምስ ከደ፣ ብዙሕ ኣዒንቲ ልበይ ዝድብስ  ግጥምታትን ሓዘል ደብዳቤታት ይዉሕዘለይ ኔሩ እዩ። ኣነ’ውን ብግደይ መልሲ  ይሰድድ ነበርኩ። ሳዋ ወዲኡ ተመልሰ… ዳግማይ ፍቅሪና ኣሕደስናዮ ፣ እንደገና ግና ናብ ቦትኡ ዓሰብ ተመልሰ። ንዓመት መመላእታ ናብ ኣስመራ ብዕረፍቲ ኣይተመልሰን። ኣነ ንሳዋ ዝብገሰሉ ዕለት ስለ ዝተቃረበን፣ኣነ’ውን ሳዋ ኣዚያ ስለ እተፍርሃንን፣ ቀልጢፈ መርዓ ብምግባር ካብ ሳባ ከምልጥ ወሰንኩ።ንኣሮን  ሓሳበይ ኣነጺረ ብቆጽሊ ወረቀት ሓበርክዎ ።

ንሱ ግና መልሲ ዚበሃል ኣይለኣኸለይን፣ ምስ ስድራይ ተረዳዲአ… ንዓሰብ ናብ ዘልዎ ቦታ ኣምራሕኩ። ከተማ ዓሰብ፣ ሰንጢቐ ናብ ከባቢ ዓሪዶሞ ዘነበሩ ኣምራሕኩ። ኣብቲ  ንቁጣ ምስ ረኽዎ፣ ብኽምስታ ተቀበለኒ። ናብ ቦትኡ ምምጽአይ ግን ዋላ ብቃሉ ኣይዛረበኒ እምበር፣ ሓደ ሓደ ምንቅስቓሳቱ  ከም ዘይፈተወ ጸኒሐ ተፈዲአዮ እየ። ብዕላማ ናብ ዓሰብ ብምኻድ ብፍላይ ኣብ ግዜ ለይቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኮፍ ኢልና ኣብ ዝነበርና እዋን ከስተንትኖ ጀመርኩ።፣ ባሕሪ ለም ኢሉ ምንቅስቓስ ኣብ ዘቋረጸሉ ከዋኽብቲ ብሙሉኦም ንኣኼባ ዝተዳለዉ ክመስሉ ሰማይ ኣብ ዚኸደሉ፣ ኮሜታት ከም ተራቪ ካብ ሰማይ እንዳ ተወንጨፈ ኣብ ክሊ መሬት ክበጽሑን ክቃጸሉን ከለዉ ልክዕ ምስዚ ምድረበዳ ምምስሳል ዘለዎ ኩነታት ፈጠረለይ። ጸጥ ዝበለ ምድረበዳ ምስቲ ዓጋቲ ዘይብሉ ንፋስ፣ ንባሕሪ ሓሳበይ ክገማጥል  ጀመረ። ሕልናይ ሓንሳብ ናብ ዓሰብ ሓንሳብ ንምንታይ ናብዚ መጻእኩ ናብ ብምባል ይዕገርግር። ናብራይ ጥጡሕ ስድራቤት ድማ ርኹባት ከለዉስ ስለምንታይ ብዘይ ምርጭኦም፣ ብሓይሊ ከም ዘፋንዉኒ ዝገበርኩ፣ እዋይ ብኣኻ እዃ’ዩ ኣንታ… እዚ ኹሉ.. ሓሲበዮ ዝይፈልጥን ክብል ብመንፈስ ንኣሮን ይዛረብ ነበርኩ… ኣብ ዓሰብ ንምንታይ ከምዚመጻእኩ ደርጒሐሉ እየ።

ቅድሚ ኣነ ምብጋሰይ፣ ንኽመጾ ብደብዳቤ ዚዓደመኒ ንሱ እዩ። ሕጂ ኣብ ተግባር ምስ ተፈጸመ ክዕዘም ዚጀመረ ድማ ንሱ እዩ። ኣብ ዓሰብ ሓዳር መርዓ ንግበር በልክዎ ውላ’ኳ ንስድራይ ኣይሓብር እምበር ወሲነ እየ ምኽንያቱ ኩሉ ሳዕ ጉዳይ መርዓ ኣብ ዘልዕለሉ ዚነበርኩ፣ ዚኰነ መርዓ ዚኸዉን ትህዝቶ ዘይብለይ ከመይ ጌረ ናብ ስድራኺ ክቀርብ ስለ ዚብለኒ ፣ ንኹሉ ኣረዲአ እዛ ዕድል ንጠቐመላ፣ ሓጺር መርዓ ንግበር ኢለ፣ ኣጥቢቐ ተዛረብክዎ መጀመርያ ኣዝዩ ደጊፍዎ፣ ኣነ ገንዘብ ሒዘ መጺአ ስለ ዝነበርኩ፣ በቃ ኣብ ሕጺር መዓልቲ ንግበሮ፣ ኢለ ከንቀሳቀስ ጀመርኩ፣ ምስቲ ዚሓድረሉ ዚነበርኩ በዓል ሆቴል ተሰማሚዐ ከኣ፣ ናብ ቦታ ኣሮን ብምኻድ ነገርክዎ። ዝገርም’ዩ፣ … እህ.. እህ እዋይ ሰብ። ሃይለ፣- እንታይ ደኣ ኰይንኪ ከምኡ ትብሊ። ኣይትንብዒ..ኣዜብ፣- ኣይ ናይ ሓጐስ ንብዓት እየ ዝነብዕ ዘለኹ ምኽንያቱ ሕጂ ሕጉስቲ እየ። ግና ሃንደበት እብለካ ብዛዕባ’ቲ ምስ በዓል ሆቴል ምርድዳእይ ምስ ነገርክዎ። ኣሮን........

ዲ.ዘርአ

ሻምናይ - ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

Comments are closed.