መረን-ሻምናይ ክፋል

 

ኣሮን ምስ ሸዉዓተ ኣቅርንቱ ኮይኑ እዩ ጸኒሑኒ። መን ኣደኺ ኢሉኪ? ኣነ’ኳ ትጻወቲ ዘለኺ እዩ መሲሉኒ ኪዲ ቀልጢፍኪ ኣስመራኺ ተመለሲ፣ ክርኢኪ ኣይደል..ጽርፍን ሙግብዕባዕን ዘተሓወፎ ዘረባታት ቶኮሰለይ ኮታስ ከምኡ ግፍዒ የለን። ኣነ ሃንደበት ርእየዮ ዘይፈልጥ ጠባይ ኮይኑኒ፣ ተዓንዲ ተረፈኩ ፡ዓለም ኣብ ርእሰይ ዝተገምጠለት ኮይኑ ተሰመዒ፣ ንብዓት ጥራይ’ውን ኮንኩ። ሃይለ፣- ቁሩብ እንታይ ደኣ መለስክሉ፣ ኣዜብ፣- ኣንታይ ክምልሰሉ፣  እዚ 5 መዓልቲ ራዳዲኢናስ ወዮ ከማን ንሓደ ክህን ተዛሪብናስ፣ ከመይ ጌርካ ክጻወተኪ እየ ትብለኒ በልክዎ፣… እንድዒ እዝነይ ክሳብ ዝድንዝዝ ጸፍዓኒ። መሬት ጸልሚቱኒ ኮፍ በልኩ። ክበኪ ዝሰምዓኒ ዓርኩ፣ ወዲ ንጉሠ ዝብልዎ መጺኡ ስሒቡ ኣውጽኦ። ኣነ ኩሉ ዓለም ዚጠለመትኒ፣ መሬት ትዉሕጠኒ ዘላ ኮይኑ ተሰምዓኒ፣ ንብዓተይ ከም ማይ ክረምቲ ዝረየ፣….

እንታይ እሞ ክብለካ ሕይወተይ ሕውስወስ ኢሉኒ፣ … እዋእ ምስ ከሙ ወዲእና ኣለና ኢልካኒ ኔርካ፣… እዛ ቆልዓ ንስኻ ናይ በሓቂ ዕድለኛ ኢኻ ከምዚ ጌራ ዚመጸትካ። ድኻማ ከማን ኣይትርእን፣ ደሓር ከኣ ገደፈዮ ኢየ ትብላ እምበር …ምህራም እንታይ ኣምጽኦ ብሓቂ ጌጋ ፈጺምካ ፣ እናበለ፣ … ምስኪናይ ሓድሽ ፍቅሪ ኣሰኒፊካ ፡ … ኣንታ’ወዲ ካብ ቀደም ግደፍ ይብለካ፣ ነይረ እኳ እየ… ክብሎ ሰማዕክዎ። በቃ ኣነ ወዲ ንጉሠ ዓርከይ፣ እዚኣ ቆልዓ እዚኣ ኣይፈትዋን እየ፣ ሓሳበይ ብዛዕብኣ ቀይረ ኣሎኩ ናብ ለቲና ኣተኲረ ኣለኹ ክብሉ ደጊመ ሰማዕክዎ ። ከይተረድኣኒ ኡይ ኢለ ደርጓሕክዎ… እህ… ሃሃ...ሃሃ… ክገርመካ እዛ ኡይ እዚኣ… ብዙሕ ሳዕ ኣብ ገዛና ምስ ተመለስኩ ደጋጊመያ እየ … ኣብታ ናይ ዶብ ሊብያ’ውን ከምቲ ዝበልኩኻ ኩሎም ደቂሶም፣ ከለዉ ኣነ’ውን ኣብቲ ሓሳብ ጢሒለ.. ክሳቀ ከለኹ ከይተረድኣኒ ኡይ ኢለ ኣፈይ መሊአ… ኣዋልዶም ኣወዳቶም፣ ብስንባደ ተንሲኦም፣ ንባይ ትጓየዩ፣ ለምባዲናታቶም ኣብሪሆም… ጠመቱኒ፣ እንታይ ....ዕንቂሪቢት… ተመን.. እንታይ ነኺሱኪ በሉኒ። ደሓን’የ ሓንቲ ኣይኮንኩን፣ ባህሪረ እየ ባህሪረ እየ በልክዎም፣ እሞ ናብ ቦትኦም ተመልሱ።

ሰላም ኣድያም፣ በቲ ኩነት ደንጊጸን ደሓን ዲኺ፣ ክሳዕ ክንድዚ… ዕንቂሪቢት መሲሉኒ፣ እንበለት ሰላም ንብዓት ትደርዝ፣ ምስክርነት ለዋሃታ ኣዝያ ደንጋጺት ብምኳና ዝሕብር ሓላል ጠባያ ። ደሐንየ ዕንቂሪቢ ትመጸኒ ከም ዘላ ኣብ ሕልሚ ሰለ ዘተረኣየኒ እቲ ብቀትሪ ዝሓሳብ ሓሳብ ኢዩ፣ በልክወን፣ እናሰሓቕኩ። መቸም ኩሎም እናጉረምረሙ ናብ መደቀሲኦም ኣምርሑ ድሮ ኣነ’ውን እዋእ እንታይ ኮይነ እየ ክሳዕ ክንድዚ ኣንቅዓ ከስተንፍስ ጀመርኩ። ሰላም ከምኡ’ውን ራእሱ፣ በስመ አብ በሊ፡   ጸሊኺ ደቅሲ፣ ንመንፈስኪ ዕረፍት ክኾነኪ ኢዩ፣ ንዝተሰብረ መንፈስኪ፡ መንፈስ ቅዱስ እንተዘይኮንይኑ ካልእ ከዐርዮ ኣክእልን እዩ። ጸሎት ብዘይ ምስጢር ምስ ኣምላኽ ዘራኽብ መሳልል እዩ። ዕረፍቲ ልቢ፡ ሰላም ኣእምሮ ይህብ፣ ዝርበሽ መንፈስ፣ ሓሳብ ይርሕቕ እዩ። ንኹነታተይ ዚፈልጦ ክመስል ከም ካልኦት ናብ መደቀሲኡ እናምርሐ። ስላም’ውን ብጊድኣ እስከ ጸሊኺ ደቅሲ፣ ብዉሑዱ ትእምርተ መስቀል ግበሪ፣ ኣቲ ኣዜባ ንምንታይ እምነትኪ ተጥፍኢ፣ ደሓን እስከ ውላ ደሓን ብጸሎት እስከ ፈትኒ፣ ጾርኪ ናብ ኣምላኽ ደርብይዮ ንሱ ክድግፈኪ እዩ። ዝብሉ ቃላት እናኣስተማቐርኩ፡ እዋይ ዘይፍትንከ አረ እንታይ ኮይነ እየ ክሳዕ ክንድዚ ዚተርርር፣ እናበልኩ፣ መዳቅስተይ ብዘይርእየኒ መገዲ፣ ትእምርቲ መስቀል ገበርኩ፣ ዚሓፈርኩ ክመስል፣ ብዉሽጠይ ከኣ ኣብ ስማይ እትነብር ኣቦና ምስ ደገምክወን፣ ንሳልሳይ ግዜ ክደግመን ከለኹ፣ ወዲአየንን ኣይወዳእክወንን ኣንድዒ ዚተረድኣኒ የለን። ናብ ባሕሪ ድቃስ ጠሓልኩ።

ዒን ኢልስሓራእ ንጽባሒቱ፣ ኩሎም ዘይከም ንቡር ጒዕዞ ምድረበዳ ተንስኡ ዚብል ኣይነበረን ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ ድቃስ ጸጊቡ ተንስአ፣ ኣነ ግና ከም ምዉቲ ኮይነ ተረፍኩ። ቁርሲ ኣዳልየን ኣተንስኣኒ፣ ኣድያም ኣቲ ሓብትና፣ እንታይ ዚበለ ቅሳነት እዩ፣ ተስኢ’ባ ምስ ብለትኒ እየ፣ ኣብ ጉዕዞ ከም ዘለኹ ዚዘከርኩ እምበር፣ ቁሪ ይኹን ጸሓይ፣ ካብ ድቃሰይ ክበራብረኒ ኣይከእለን፣ ድሕሪ ነዊሕ መዓልታት ናይ መጀመርታ ልዋም ድቃሰይ ኢያ ዚነበረት። 1ኣኼባ “ዒን ኣልማእ” (ዓይኒ ማይ) ኣብ ዶብ ሊብያን ሱዳንን እትርከብ ዒላ ማይ ኮይና፣ መብዛሕትኡ እዋናት፣ ምቕይያር ተሳፈርቲ ዚካየደላ ቦታ እያ። ካልእ ካብኣ ናይ 3-ሰዓት ብመኪና ምያህ ኣልሓጀር እትበሃል’ውን ኣላ። እዛ ቦታ እዚኣ፣-

ሀ. ካብ ሱዳን፣ ክሳብ ኣብዚኣ ዘብጽሕ መካይን፣- ሓንቲ ንሓለዋ እትከታተል ኣትሪፈን፣ ናብ ሱዳን ካርቱም ይምለሳ

ለ. ካብ ሊብያ ዚመጻ ምተካእተአን ካብዚ ቦታ ኣኪበን ይወስዳ።

ሐ. እታ ንሓለዋ እትተርፍ መኪና፣ ንመክሰብ ገንዘብ እምበር፣ ንረብሓ ተሳፈርቲ ኣይኮነትን እትተርፍ።

ቆርሲ በሊዕና፣ ምስ ወዳእና። ኵላትና ብሓደ ኣከቡና ከባቢ ሚእቲ(100) ተሳፈርቲ ከኣ ኮና። ሓሰን መራሒ መኪናና ብቋንቋ ዓረብ ብዙሕ ተዛረበ፣ እቶም ዚሰምዑ፣ ስሞኡ እቶም ሽግር ናይ ቋንቋ ዘለዎም ንኽበርሃሎም ከኣ ብርግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ሶማሊ ብክኢለታት ተተርጐመ። ብትግርኛ ዝተርጐመ ወዲ ከረን እዩ ዚነበረ፣ ንሱ ኣብ ካርቱም ከምኡ’ውን ከረን ብምንባሩ ብሱል ብቕዓት ትግርኛን ዓረብን ዘወነነ’ዩ። ኣብጺሕናኩም ኢና እተን ዝቅበላኹም መካይን ደዊልናለን ኢና ቀልጢፈን ክመጻኹም እየን። ስለዚ ንስኹም፣ እዚ ማይ ናይ ዒላ፣ ምቁር ስለ ዘይኮነ፣ ከምኡ’ውን ምስቲ ኣብዚ ምሳኹም እትተርፍ ሓላዊት መኪና ዘሎ ላምባ ዝተሓወሶ ሰለ ዚዀነ ጥንቃቀታት ግበሩ። ኣብ መግቢ’ውን ከምኡ ምኽንያቱ እተን መካይን ክመጻኹም እንተ ኰይነን ካብ ዓይኒ መንግስቲ ተሕቢአን ኣብ ምቹእ ንዐዐን ዚጥዕም እየን ክመጻኹም ስለዚ ኣብ መግብኹም’ውን ጥንቃቐ ግበሩ… ንሕና ኣብዚ ኣብቂዕና እሎና፣ ሓንቲ መኪና ምሳኹም ክትተርፍ ኢያ ምስ ኣርባዕተ ተሓጋገዝቲ ኣዉቲስታ፣ ስለዚ ንስኹም ዘድሊ ጥንቃቐታት ግበሩ” በሉ።

ዋጭዋጭታ ኮነ፣ ከመይ ኢሎም በይናን መካይን ከይመጻ ዝሓድጉና፣እዚስ ንሞት ኣሕሊፍካ ምሃብ’ዶ ኣይኮነን። ዉዕልና ከምኡ ኣይነበረን፣ ናብተን መካይን ከረክቡና እዩ፣ ደሓር ከኣ ኣብ’ቲ ቅኑዕ መራኸቢ ቦታ ትሓድጉና ምህላዉኩም ዘይምህላውኩምን ብኸመይ ንፈልጥ… ወዘተ ዚብል ሕቶታት ብኹሉ መኣዚን ይስማዕ ነበረ፣” መልሲ ናይዚ ግና፣ ሓደ ካብቶም ኣዉቲስቲ ጸሊም ጉልቡት ረጒድ መንእሰይ፣ ስምዑ ንሕና ክሳብ ኣብዚ እዩ ውዕልና ኩሉ ግዜ ከምዚ ኢና ንገብር ደሓር ከኣ ንምንታይ ዲና ሓንቲ መኪና ንሓድግ ዘለና ንዚዀነ እንተታት እኳ ኣዩ በለ። መቸም በቲ ኰነ በዚ፣ ፈቲና ከይፈተና ክንሕጾም ኣይከኣልናን፣ ሕዲጎምና ተመርቀፉ። እታ ከም ሓለዋ ዝተረፈት መኪና’ውን ብግደኣ፣ ናይ ከባቢ 450ሜትሮ ዝኸዉን ርሒቓ ደዉ በለት። ኩሉ ሰብ ናብ መጽለሊ ምንዳይ ምስራሕን ኣድሓበ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን፣ ሻቕሎት መካይንን ኩነታተን ንኹሉ ጸልይዎ ስለ ዝነበረ፣ ዕላል ብዛዕባ’ዚ ኲነታት ጥራይ ኮነ፣ ጒደለና ዳርጋ እታ ዚዓበየት ጒጅለ ኮነት፣ ብዙሓት ክጽንበሩና ጀመሩ።

ካብቶም ቅድም ምሳና ኣዕሊሎም ዘይፈልጡ፣ ሓድ ዓዉ ኢሉ ዝዛረብ የዋህ፣ ገርሂ ዚዀነ ስሎሙን ዚብልዎ መንእሰይ “ኩልና ተሻቂልና ከም ዘለና፣ ፍሊጡ፣  ኣጆኹም እዚ ንቡር እዩ ዳርጋ ኩሉ ሰብ፣ ብኸምዚ እዩ ዚሓልፍ ቅድሚ ሕጂ ክሳዕ ምስራቕ (ልብያ) በዚሑ ተታሒዘ ናብ ሱዳን ተምሊሰ እዩ፣ ንዕኡ ኣብዚኣ ቦታ እኳ ኣይኹን እንበር ልክዕ ብኸምዚ እዮም ሓዲጐምና ከይዶም። ግናኸ እተን ናይ ሊብያዉያን መካይን ኣብ 4 ይ መዓልቲ መጺአናና እየን ኔረን። ግና… ክብል ከሎ፣ ወዲ ኲዒተ… ከይተረድኦ እዉይ ሓወይ እንታይ ትብል በሎ ኩላትና ደንገጽናሉ… ኩላትና ደንገጽናሉ… ቀጽል እስከ እሞ’ኸ እተን መካይን በሎ። ሜሮን እዚ’ውን ሓድሽ ተጸንባሪ እዩ፣ ግናኸ ድሮ ኣብ መገድስ ተላሊዩና’ዩ። እንታይ እሞ ክብሎኩም፣ ከቢድ እዩ ሕጂ ደሓን ግደፍዎ በለ ሰለሙን።  ንምንታይ’ና ዚገድፍናዮ፣ ተዝረብ ሰሌ፣ ሓቂ ምፍላጥ ገበ መኣስ ኮይኑ፣ ደሕር ከኣ እዚ፣ ሓቅን ክዉነንትን ፈሊጥና፣ ንኽንዳሎ ዚሕግዝ፣ በለ ወዲ-ባጽዕ። ወዲ ጅምዕ ብወገኑ፣ ሓቂ’ዩ ወዲ ባጽዕ፣ ኣይትፈራሕ ደርጉሓዮ፣ ነዚ እኳ እና ዚመጻእና፣ ሕይወት መስገደል ምዃና ኣይንዝንግዕን፣ ስለዚ ንገረና በሎ። ሰሎሞን፣ ሕራይ ጀምዓ ኣነ’ኳ ተስፋ ምቑራጽን ሞራላዊ ሃስየን ከይኮነኩን ኢለ እየ እምበር፣ ንኩሉ ተሳፋሪ ዚገጥሞ እኳ’ዩ። ክልተ ንገራት ኣለዋ፣

ታሽዓይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረ

Comments are closed.