መረን-ሓምሻይ ክፋል

በዚ ወጋሕታ ለይቲ ሰንበት እንታይ ኮን ይኸዉን፣ ናይ እዝነይ ድዩ ወላስ ሓቀኛ ድምጺ? ዜማዊ ድምጺ ብምንባሩስ፣ ካብ ሰብ ምዃኑ ኣስተዉዓልኩ ሰለዚ ኩነታት ንምፍላጥ ቀስ ብቀስ ናብቲ ካብ መደቀሲ ርሕቕ ኢሉ ዚነበረ ድምጺ ኣምራሕኩ… ቅርብ ምስ በልኩ… “ኦ ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ኣምላኽ፣ ንሰማያት ብግርማ ከዋኽብቲ ዘግየጽካ፣ ንምድር’ውን ብፍረታትን ዕንባባታትን ዘሰርጎኻ… ጐይታ ሰንበት፣ ኣቦ ምሕረት ዝኾንካ ፈጣሪ… ሰሙን ብሰላም ኣስጊርካ ናብዛ ክብርቲ ዕለት ሰንበት ዘብጻሕካና… አመስግነካ ኣለኹ… እንሆ ብመዓልቲ ሰንበት ንስመይ ክትቅድስ ዘክር ኢልካ ኢኻ እሞ… ከምቲ ኢራብ ናብ ዓይኒ ማያት እትናፍቕ ነፍሰይ ንዓኻ ትናፍቕ ኣላ… ኦ ጐይታይን መድኃኒየይን ኢየሱስ ክርስቶስ… ንዓይን ነዞም መሳንይተይን… ኣብ ጒዕዞ ስደትና ምሳና ኲን… ብፍላጥ ይኹን  ብዘይፍላጥ… ንዝበደልናዮ ይቕረ በለልና… ብሰላም ምርሓና… ኣሜን” በለ’ሞ ሰገደ።

ጸሎቱ ናብ ላዕላይ ሰማይ ዝዕረገ ራእሱ እዩ … ገሪሙኒ ነቲ ዚርአኽዎን ዝሰማዕክዎን ክኣምኖ ጨነቐኒ… በዚ ወጋሕታ ከዉታ ለይቲ ከምቲ ምስ ዓርኩ ዘዕልል ምስ ኣምላኹ የዕልል። ካብኡ ንድሕሪት ከይርእየኒ… ቁሩብ ምልስ በልኩ ግናኸ፣ ሕይወተይን ሕይወቱን ከነጻጽር ጀመርኩ። ኣነ ምሉእ ለይቲ፣ ፍጡራት ክዝክር ፡ ክሓድር፡. ንሱ ግና ምስ ኣምላኹ የዕልል ነበረ። ዘይሓቶ’ኸ ዝብል ሓሳብ ስለ ዝመጸኒ ግና… ንድሕሪት ቁሩብ ምልስ ኢለ… ከም ሰዓል ዚሓመምኩ…ዕ..ሁ.እሑስእ… እናበልኩ ስዓልኩ ናብኡ ገጸይ እናምራሕኩ… ካብ ዚነበሮ ሓፍ ኢሉ ፡ መን በለኒ ኣነ በልክዎ። ቡዙሕ እኳ ዘይከድና፣ ምሕረት የዉርደልኪ በለኒ’ሞ ናብ መደቀሲኡ ኣምርሐ።

ብዙሕ ከይሰጎመ ግና፣ እንታይ ደኣ በይንኻ ዲኻ ክትዛረብ ጸኒሕካ ኣነ ኸኣ ሰብ ዘሎ ምሳኻ መሲሉኒ፣ ደሓን ዲኻ በልክዎ፣ ደሓን ኢየ በለኒ.. እዋእ ደሓንሲ ኣይኮንካን፣ ምዃን ክልተ ግዜ ዚኸዉን አምላኽ አምላኽ ክትብል እኳ ሰሚዐካ እየ በልክዎ። ሕራይ በሊ፣ ርኢኺ ኣለኺ ኣዜብ ሓፍተይ በቃ ምስ አምላኽ እየ ክዛረብ ጸኒሐ። “እሞ፣ አምላኽ ደኣ እንታይ ኢሉካ.. በልክዎ ዉሽጠይ ግና ካብ አምላኽ’ሲ ክፈርህ ስለ ዚጀመረ ግዲ ኮይኑ ነዘን ቃላት ከዉጽእ ከለኹስ… ዚወቅሰኒ መንፈስ ኣብ ዉሽጠይ ይስመዓኒ ነበረ። አምላኽ ደኣ ብዘይንገር እህህታን ጸጋ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዚዛረበኒ… በለኒ’ሞ። ቅጽል ኣቢሉ ሎሚ ሰንበት እዩ። “ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር” ዝብል ዓቢ ናይ ፍቅሪ ትእዛዝ ስለ ዘሎ… ንኣምላኸይ ከመስግን ጸኒሐ በለኒ። ኣነ ኸኣ፣ “ምሽ አምላኽ ናይ ልቢ’ዩ ዚርኢ… ስለዚ እንታይ ብልብኻ ጥራይ ኣብኣ ከለኻ ዝ ዘይተመስግኖ። ሓንቲ ክነግረካ… እቶም ለይቲ ተሲኦም ናብ ቤተክርስቲያን ዝኸዱ… ከምኡ’ውን ብመዓልቲ ግዚኦም ሰዊኦም ናብ ቤተክርስቲያን ዚጓዓዙ ሰባት ክርኢ ከለኹ፣ ብጣዕሚ እዩ ዚገርመኒ፣ መሳኪን… ይደኽሙ ኣለዉ እየ ድማ ዝብል በልክዎ።

ዝን ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ “ኣየ ኣዜብ… ሰኣን ምፍላጥክን በተን ዘይጠቕማ ፍልስፍናዉያን መጻሕፍቲ… ከምኡ’ውን በቶም እምነት ኣብ ልቢ ዚብሉ ስነ ሓሳብ… ስለ ዚተሓበልኪ እኳ ኢኺ… ሕጂ ስምዕኒ “እቶም ብለይቲ ተንሲኦም ናብ ቤት ኣምላኾም ዚኸዱ ከምኡውን ብቐትሪ ኣብ ኣጸደ መቅደሱ ዚርከቡ… እዚኣቶም ብጹኣን እዮም። እግዚኣብሔር ብኣፍ ነቢይ ኢሳይያስ ጌሩ “ እቶም ሰናብተይ ዚሕልዉ፣ ንዓይ ዘሐጒስ ዚሓርዩ… ብትእዛዛተይ ዚመላለሱ ነዚኣቶም ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ። ንዘልዓለም ከም ከዋኽብቲ ክበርሁ እዮም።” (ኢሳ 56፣1-3) በለ።”ሰንበት መዓልቲ ጐይታ እያ። እቲ ዓለማዉያን ትካላትን መንግስቲታትን ዚህቡና ዕረፍቲ ሰንበት፣ ንሳቶም ዚሃቡና ይመስለኪ ይኸዉን። ኣይፋሉን ብዛዕባ እግዚኣብሔር ከምዚ ተባህለ፣ “ብሻዉዓይቲ መዓልቲ ኣዕረፈ” ዘየዕርፍ እኳ እንተኾነ ኣዕሪፉ በለና። ካብዚ ዝተበገሰ’ከኣ እዩ፣ ሰሙናዊ ዕረፍቲ ዚመጸ። ግናኸ ትርጉም ዕረፍቲ ሰንበት ንጓይላን ዳንኬራን ዚመስሎም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ሰንበት መዓልቲ ምስጋና እያ።

ሰንበት እቲ ስሙን ምሉእ ብስራሕን ብዚተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ዚተረበሸ መንፈስና፣ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ብምኻድ እንሕደሰላ ዕለት እያ። ደሓር ከኣ ካብ ዕለት ንዕለት ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ንዘሰጋገረና መን’ዩ። ምስ ደቀስና ከም ምዉት ምስ ኮንና፣ ከም ብሓድሽ ብልጭታ ሕይወት ሂቡ ከም ብሓድሽ ናብ ሕይወት ዚመልሰናስ መን ይመስለኪ?...፣ .. ደጊሙ መን ይመስለኪ በለኒ… ? ኣይመለስኩን ስቕ ስለ ዚበልኩ፣ ደሓን እግዚኣብሔር እዩ፣ ባዕለይ ክምልሰልኪ በለኒ። ደሓር ከኣ ኣምላኽ ናይ ልቢ እዩ ዚርኢ፣ ስለዚ እንታይ ኣድከሞም ክትብሊ ጸኒሕኪ፣ መቸም ኢሉ… ፍሽኽ በል’ሞ … ኣ ኣይትሓዚለይ እምበር ሓንሳብ ፍልስፍና… ሓንሳብ ካብ ብዘመናዊ ሓሳብ ንሃይማኖት እናርኣኽዮ… ኣብ ክልተ ሓሳብ ዚተወሓጥኪ ኢኺ ትመስሊ። እቶም አምላኽ ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ፣ ዚብሉ ሰባት… እቶም ካብ ኣምላኽ ኣዚዮም ዚረሓቑ ንሳቶም ምዃኖም ትፈልጢ’ዶ? በለኒ… ብኸመይ በልክዎ?

ጽቡቕ… ምኽንያቱ ልቦም ምስ ኣምላኽ እንተ ዝኸዉን… ካልእ ኣካሎም’ውን ቤት ኣምላኽ ምናፈቐ ኔሩ እግሮም ናብ ቤት ኣምላኽ… ሕሙማት ኣብ ምብጻሕን ሕዙናን ኣብ ምንዛዝን… ቁልጡፋት ምኾኑ፣ ንምስጋና ከኣ መልሓሶም ቅልጥፍቲ ምኾነት ነይራ።… እቲ ናይ ዉሽጢ ልቦም ምልኣት እምነት ከኣ ናብ ናይ ደገ ኣካሎም ምፈሰሰ እሞ ምተራእየ ነይሩ። ሕጂ እምበኣር፣ ብልቢ ነፍቅሮ ኢና እናበሉ፣ ኣብ ደጋዊ ኣካላቶም ካብ ዘንጸባርቕ እዚኣቶም ሓሰዉቲ እዮም፣ ትፈልጢ’ዶ ናይ ሎሚ መንእሰያት ጹም.. ጸሊ… ስገድ እንተኢልካዮም፣ ኣምላኽ እኳ ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ፣ እናበሉ ነተን ንጹሓት ዚመስላ ግናኸ ምትላል ዚሓዘላ ናይ ልቦም ቃላት ከም ዚዝምሩ። እመንኒ ልቢ እንተድኣ ኣፍቂሩ፣ ኩሉ ኣካላት ትእዛዝ ካብኡ ስለ ዚቅበል፣ ኩሉ ኣካላት ነቲ ኣብ ልቢ ዘሎ ነገር እዩ ከንጸባርቕ ዝጅምር፣ ኣምበኣርከስ እቶም ሓቀኛ ፍቕሪ ዘለዎም እዮም፣ ዚጸሙ፣ ዚጽልዩ፣ ዚሰግዱ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ ዚስጉሙ፣ በንጻሩ እቶም ብኣፎም ጥራይ ዘፍቅሩ ግና… እታ መልሓሶም ሓቂ ብዘይብሉ አምላኽ ናይ ልቢ እዩ ዝርኢ ይብሉ፣ ግና ኣብ ልቦም’ሲ ንኣምላኽ ኣየንገስዎን ዘለዉ፣ ዘማሪ ዳዊት “ኦ አምላኽ ከም ተፍቅረኒ ኣርእየኒ” በለ፣ ኣዜብ.. ከም ነፍቕሮ ንሕና ንኣምላኽ ብምንታይ ኢና ነርእዮ… ብተግባር እዩ ክኸዉን ዘለዎ ብጠባሪ ዘረባ ኣይኮነን።

ቃላቱ ከቢድ ብምንባሩ.. ነቲ ናይ ቁልዕነት ፍቅሪ ቤተክርስቲያን ክመልሰኒ ጀመረ… ኣብ ከምዚ ህሞት ሃንደበት ያላ…ያ… ጀምዓ ሰሪዕ… ኩሉ ወንትሓረክ… ዝብል ብጣቒዒት ዝተስነያ ድምጺ መራሕ መኪና ተሰምዐ… በቃ እሞ ካልእ ግዜ ነዕልል… ንኺድ ኢልና ሓፍ በልና… ከይተረድኣና ድሮ ብሪሁ…እዩ። ከብተን ዝነበራና ኮረንሾ ከምኡ፣ ጉስማጥ ነፍሲ ወከፍ ብተጠንቐቕ፣ ከካብ ንብረቱ ተመገበ፣ ነተን ዝነበራኒ ኮረንሾ ኣብ ማይ ብምእላኽ፣ ኣብ ልዕሊአን ቁሩብ ሽሮ ፈይ ኣቢለ ክበልዕ ጀመርኩ። ብዙሕ ዘይለመድክዎ መግቢ ብምንባሩ፣ ንምዉሓጡ ኢቕ በለኒ። ንነፍሰይ ኣዜብ ሕጂ ኣብ ሑቕፊ ኣዴኺ ኣይኮንኪን ዘለኺ እንተ ዘይበሊዕኪ ኸኣ… ኣደዳ ሕማም ብምዃን ኣብዛ ምድረበዳ ክትተርፊ ኢኺ በልክዋ፣ ብሓይሊ እንተዘይበሊዐ ክመጸኒ ዝኽእል ሳዕቤን እናሓሰብኩ ክበልዕ ጀምርኩ። ድሮ ምድሪ በሪሁ፣ ብምንባሩ ግዜ ኣይወሰድናን፣ ኣብታ ናይ መከራና ቀንዲ መሻርኽቲ ዝኾነት መኪና ተሰቐልና።

በብቕሩብ፣ ስጉምቲ እናዘየደ ስለ ዚመጸ፣ ሕንባበ እናወሰኸት ዝነበርናሉ ቦታ ነበረ ክኸዉን ተዓዘብኩ፣ ምድረበዳ ጽጣሕ ጐላጉል ብምዃኑ፣ ክጎዩ ዝድሊ እንተሎ ሃየ፣ ፍጥነቱ ይዓቅን ዝብል ዕድመ ንኹሉ ዘቅረበ ይመስል ነበረ። ደሮና ንቡር ስርሑ ጀመረ፣ ጸጸር’ዉን ካብ ምጥቃዕ ዓዲ ኣይወዓለን፣ በዚ ዝተገረመት ኣድያም፣ ከም’ዚ እንተቀጺልና ኣዒንትናን ሳምቡእናን ክንሰእነን ኢና በለትኒ። ብሰላም ጥራይ ንእቶ በልክዎ፣ ድምጺ ሞተረን ፍጥነት ንፋስን ምንቅስቃስ ጸጸርን፣ ዚተወሃሃደ ቅኒት ክስምዕ ጀመረ፣ ንፋስ ብምብርትዑ ወጃዕ ክብል ዝጸንሐ ድምጺ… በብቁሩብ ህጣሙ ኣጥፍአ። ድሮና ሓደሓደን ምቕርራብ ስለ ዚኸልአን እተን ዚስዕባና ዚነበራ መካይን ኣዚየን ፍንትት በላ፣ ከባቢ ሰዓት ዓስርተ(10) ናይ ንግሆ ምስ ኮነ… እቶም ብወሰን ዚነበሩ ደቂ ተባዕትዮ.. ገለ ነገር ስለ ዝረኣዩ… እዉይ እታ ሰብ እዩ እዉይ… ካልኣይ… ሳልሳይ እናበሉ ክጽብጽቡ ጀመሩ። ካብ ዘለናዮ ሕዉሲ ድብር ኢላን እንተወከስናዮም… ናብቲ ኣቃልቦኦም ዚሰሓበ ነገር ክንጥምት ጀመርና… ሓሓሊፎም ዚዓረፉ ዓስከሬን እዮም ዚነበሩ።

ዲ,ዘረአ

ሻድሻይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

Comments are closed.